አብዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝያዳ ኩሉ ጊዜ ስምረቶም አደልዲሎም ንሓርነት ህዝብና አብ ዝቋረቑሱሉ ዘለው ወቕቲ፡ እቲ ኩቱር ራዕዲ ዝሐደሮ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናህሪ ንምግታእ ከንቱ ፈተነታትን ተንኮላት አብ ምፍሓስ ይርከብ። መርአያ ናይዚ ድማ ናይ ሓሶት መሰኻኽር አዋዲዱ ንአባላት ማሕበርና ዝኾኑ ተበዓት ነዚ ቃልሲ ዝመርሑ ኤርትራውያን መንእሰያት አንጻሮም ክሲ ሰኒዑ አሎ። “ዝብእስ አብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፡ አጓዛ አንጹፍለይ” በለ ከምዝበሃል፤ እቲ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትአክል እንታይነት ሕጊ ዘይሱቆሮ ንገዛእ ህዝቡ ብአታሕዛ ጊላ ዘሳቒ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ስሙ ቀይሩ ብመጋበርያታቱ አቢሉ ናይ ማሕበረሰብ ኤርትራ ስም ለቢሱ ናይ አምሰሉ ክሲ ምኽሳሱ አየገርምን።

ኩሉ ወዲ ሃገር ከም ዝፈልጦ ህዝቢ በይ-ኤርያ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ከተማ ኦክላንድ ድማ ብፍላይ ሕምብርቲ ተስፋ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኮይኖም ነዚ አብ ዓለም ተባሪዑ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ቁልዒ ሓዊ ኮይኖም ከምዘጎሃሃርዎ ይፍለጥ። መንእሰያት ቤይ ኤርያ ዝተኸተሉዎ፡ ህግደፍ ካብ ምድሪ ቤትናን ከባቢናን እንድሕር ጸሪግናዮ ካብ ምድሪ ኤርትራ ምጽራጉ አሸጋሪ አይክኸውንን እዩ ዝብል አገባብ ቃልሲ ሎሚ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራዊ አብ ምሉእ ዓለም የተግብሮን ይዕወተሉን ምህላው ንህግደፋውያን ድቃስ ከሊእዎም ይርከብ።

እዚ ብደጀን ህግደፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ከተማ ኦክላንድ ሕጂ ካብ ቁጽጽር ህግደፍ ወጻኢ ኮይኑ አብ ኢድ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝወደቐ ከባቢ አብ ታሪኽ ፍሽለት ህግደፍ ዕዙዝ ተራ ሒዙ ይርከብ። እዚ ፍሽለት ዘጋጠሞም ረብሕኦም ዝጎደሎም ጎሓላሉን፡ ሰብ ድሑር ሕልሚ “ንሕና ንሱ” ቅድሚ ሕጂ ሃሱሳት አዋፊሮም ዝፈተንዎ ተንኮል ክሰልጦም ስለዘይከአለ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ፈተነ ምፍታኖም ቡዙሕ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ከምዘይኮነ ንአብ ሙሉእ ዓለም እትርከብ ደላይ ለውጢ ህዝብና ክንሕብረካ ንፈቱ።

እቲ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል እተን ዝግፍዓ ዘለዋ ደቀ አንስትዮ ኤርትራውያን ኮነ ብዛዕባ እቶም አብ አጻምእ ሲናይ ዝጭወዩ፡ ዝቕዘፉን ኩላሊቶም ዝዝረፉን ዘለው መንእሰያትና ሓንቲ ቃል አስተንፊሱ ዘይፈልጥ ብስም ህዝቢ ኤርትራ አጀንዳታት ህግደፍ ዘተግብር ናይ ሓሶት ኮሚኒቲ፡ መሰል ኤርትራዊ ዲፕሎማት አብ ኒው ዮርክ ግሂሶም ምባሉስ ምስ ምንታይ ይቑጸር።

እዝን ወዲ ከምዝን ጠርቋሽ ፈተነ ህግደፍ ነቲ አብ ዓለምና ተባሪዑ ንዘሎ ተባዕ ተቓውሞ ስድሪ እውን እንተኾነ ንድሕሪት ከምዘይመልሶ ዘማትእ አይኮነን። እቶም ነዚ ክሲ አብ ምውዳድን ምስልሳልን ገንዘብ አብ ምውጻእን ዝተዋፈሩ ሰብ ጸሊም ታሪኽ ናይ መንነት ቅልውላው ዘልዎም ስኩፋትን ሃገር ናይ በይኖም ኮይና እትስምዖም ሕሉፋትን ጊዜኡ ምስ አኸለ ምጽብሳብ ከም ዘሎ ክዝንግዑ የብሎም። ህግደፍ ዝፈተነ እንተፈተነ ቃልሲ ውጹዕ ኤርትራዊ ደው ከምዘይብልን አብ መወዳእታ ድማ ከምዝዕወትን ምንም ዓይነት ጥርጥር የልቦን። እዚ ጉዳይ እውን ጉዳይ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ስለዝኾነ ኩሉና ክንሳተፍን ጉቡእና ክንገብርን እንዳጸዋዕና አብ መወዳእታ ብዓወት ደለይቲ ሓርነት ከምዝዛዘም አየማትእን።

አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ድማ አብ ጎኒ ብጾትና ኮይና ነዚ ውዲት ከምእንገጥሞን ከምእነፍሽሎን ብርእሰ ተአማንነት ነረጋግጽ።

ነዚ ክሲ ንምፍሻል ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ሕግን ቆጺርና ስለዘለና ሓገዛትኩም ከተወፍዩ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ፡

Eritrean Youth for Change

Chase Bank

Account number is: 2984478087

Paypal account is:

https://www.paypal.com/cgi- bin/webscr?cmd=_s-xclick& hosted_button_id=4VP6JZVUH3S9A

ወይ አድራሻ:

Eritrean Youth for Change
360 Grand Ave, Suite 328
Oakland, California 94610
(Tel-408-603-7040 email is This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

ክትሰዱልና ከም እትኽእሉ ንሕብር።

ቃልስና ስጋብ ሓርነት ህዝብና!!!

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ-ቤይ ኤርያ

5 ሓምለ 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...