ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶክተር ዩሱፍ በርሃኑ፡ ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ንምምላስ፡ መንግስቲ ኖርወይ ምስ ሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝርርብ ይርከብ’ሎ ዝብል ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ ናብ ሃገሮም ምስ ዝምለሱ በቲ ስርዓት ዘጓንፎም ዘይተኣደነ ሓደጋታት ማእሰርትን ስቅያትን ሞትን ኣመልኪቱ፡ ብዕለት15 ለካቲት ናብ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ኖርወይ ከምኡ’ዉን ናብ ሚንስትሪ ፍትሕን ህዝባዊ ጸጥታን Royal Ministry of Justice and Public Security መዘክር ምልኣኹ ዝሕብር መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ኣቐዲምና ነዘኻኽር።

በዞም ክልተ ሚንስትሪታት ናብ ዶክተር ዩሱፍ ኣብ 5 መጋቢት 2012 ኣብ ዝተላእከ ሓባራዊ ደብዳቤ፡ መንግስቲ ኖርወይ ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ኢትዮጵያ ድሮ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐን፡ ኤርትራ ዘላተን  ምስ ኣስታት 20 ዝዀና ካልኦት ሃገራት ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ጌና ኣብ ዝርርብ ከም ዘርከብን ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ናይ ቀረባ ርኽክብ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ’ና ዝብል ትጽቢት ከም ዘይብሎም ግን ኣመልኪቶም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኖርወይ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ 1951 ዝተኻየደ ዋዕላ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ በቲ ስዒቡ ኣብ 1967 ዝተበጽሐ ስምምዓትን ካልኦት ኣህጉራዊ መምርሕታት ሰብኣዊ መሰላትን ቅይድቲ’ውን ስለ ዝዀነት፡ ንዝዀነ ሓታቲ ዑቕባ ናብ ስቅያትን ዘይሰብኣዊ ግፍዕታትን ውርደትን ዝሳጥሓሉ ሃገር ብግዲ ከም ዘይትመልስ እቲ መልእኽቲ ኣረጋጊጹ።

ካብ’ዚ ሓሊፎም፡ ኣብ 2011 ኣስታት 1256 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከም ዝሓተቱን፡ ዝበዝሑ ድማ ተቐባልነት ከም ዝረኸቡን ሓቢሮም። ቀጺሎም፡ ነቶም እብ ኖርወይ ክቕመጡ ዘይተፈቕደሎም ወጻእተኛታት ብወለንትኦም ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ዝግበር ምኻኑን፡ እዚ ድማ እንኮላይ ነቶም ዑቕባ ሓቲቶም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማዕረ ዝጸሉ ምዃኑን ኣሚቶም። ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ኖርወይ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘለዎ መሰረታዊ መርገጽ ብዝተኻእለ መጠን ስደተኛታት ብድሌቶም ከም ዝምለሱ ምግባር ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ
13/03/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...