ኦክላንድ ( ካሊፎርንያ)፡-02/25/2012 EYC-ቤይ-ኤርያ, ካሊፎርንያ ምስ EYSC-ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ሓደ ጥርናፈ ከም ዝሰመሩ ብዕሊ ኣፍሊጦም፡፡

እዘን ክልተ ደምበ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ደሞክራስን፡  ልዑላውነት ሕጊ ክረጋገጽ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዔን ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ ስምረተን ነቲ ደራኺ ዝኾነ ጥርናፈ መንእሰያት ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ዓለምን ናብ ዝበረኸ ስፍራ ከም ዝወስዶ አየጠራጥርን፡፡

ድሕረ ባይታ EYC-ቤይ ኤርያ, ካሊፎርንያ

EYC ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ከባቢ ቤይ-ኤርያ ዝተምሰርተ በርጌሳዊ ማሕበር ኮይኑ ካብ ዝኾነ ይኹን ኢድ ጣልቃ ካልኦት ማሕበራት ነጻ ኮይኑ ብዘይ ትርፊ ዝነጥፍ  ብኤርትራውያን ዝውነን ማሕበር ኢዩ፡፡ ቀንዲ ዕላማ ምምስራት እዚ ማሕበር እዚ ኤርትራ ብሕጋውን ቅዋማውን መንግስቲ ክትመሓደር  ሕዝባዊ ንቕሓትን ኣፍልጦን ክብ ንምባል ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ ነቶም ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተዓቝቡ ስደተኛታት አድላዩ ዝበሃል ናይ ሞራልን ናይ ንዋትን ሓገዝ ንምብርካት ይነጥፍ፡፡

ድሕረ ባይታ EYSC-ሰሜን ኣመሪካ

EYSC ቅድሚ ሓደ ዓመት ንጥፈታቱ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ’ዩ ጀሚሩ፡፡ ዘመናዊ መራኸቢ (social media) ብምጥቓም ኣብ ሙሉእ ዓለም መርብባቱ ብምዝርጋሕ መንእሰያት ንቃልሲ ክዳለው  ድሕሪ ምጕስጓስ፡ ኣብ ነሓሴ 2011 ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ክንየው ሶሻል ሚድያ ዝነጣጠፍ EYSC-NA ብምምስራት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ(ካሊፎርንያ)፡ ህይስቶን( ቴክሳስ) ዕላዊያን ጨናፍር ከቝም ከሎ፡ ከምእውን ኣብ መስርሕ ሙቛም ጨናፍር ዘለዋ ከም ሚድ ወይስት፡ ትራይ-እስተይት፡- ደሊወር፡ ኒው-ጀርሲ ከም እውን ፐንስሊቫንያ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጨናፍረን ብዕሊ ከቝማ ትጽቢት ይግበረለን፡፡  EYSC-NA ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ “ ብዓርቢ ሓርነት” ዝፍለጥ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘቕንዔ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ ደው ክብሉ ዝጽውዕ ጎስጓስ መሪሕ ተራ ይጻወት ኣሎ፡፡

ስምረትና መርኣያ ዓወትና

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ማሕበራት ክህሉ ዘለው ናይ ስራሕ ዝምድናን ምውሃድን ንአሳልጦ ቃልሲ ወሳኒ ሙዃኑ ብምእማን ብኣተክሮ ክስርሓሉ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ስምረት ስምምዕ ብመንጽር ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክጥመት ከሎ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝህልዎ ተራ ዓቢ ሙዃኑ ይእመነሉ፡፡ እዘን ክልተ ማሕበራት ናይ ሓባር ራእይ ስለ ዝውንና፡ኣብ ሓደ ምስማረን ንቅልጡፍ ኣንጸባራቒ ዓወት ሪሒብ ጎደና ዝኸፍት በሪ ሙዃኑ አየጠራጥርን፤ ከምእ’ውን አብ ኤርትራ ለውጢ ብውሑሱን ዘተኣማምን መንገዲ ክመጽእ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ትስፍው ኢዩ፡፡ ኣባላት ቦርድ ክልቴን ማሕበራት ኣብ ሓደ ብምጽንባር 13 ዝኣበላታ ግዜያዊት ቦርድ ብምምራጽ  ግቡእ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዞም ዝተመርጹ ኣባላት ቦርድ ኣብ ሙሉእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ማሕበር መንእሰያት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ሓቢሮም ኣንጻር ምልኪ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክሰርሑ ድልዋት ሙዃኖም በዚ ኣጋጣሚ ይገልጹ፡፡

መጻኢ መደባትና

ኣብ ዝመጹ ዘለው ኣዋርሕ EYC-EYSC-NA ነቲ ድሮ ተጂሚሩ ዘሎ ኣብ ሶሻል-ሚድያ ይዅን ካብ ሶሻል ሚድያ ወጻኢ ዝግበር ጎስጓሳት ምምስራት ጨናፍራት ብዕቱብ ክሰርሓሉ ሙዃኑ፡ ከምእውን መንግስታት ዓለም ይዅና ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ጸቕጥታተን ከዛይዳ ኣቃልቦ ሂቡ ከም ዝሰርሓሉ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድሮ ተጀማሚሩ ዘሎ ጎስጓስ ምልዕዓል ሕዝብና ንለውጢ ብዕቱብ ክደፍኣሉ ሙዃኑ የፍልጥ፡፡ ምስ መተከልን ዕላማናን EYC-EYSC-NA ዝሳነዩ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ዘለው ናይ መንእሰያት ማሕበራት ሓቢሩ ክሰርሕ ጻዕርታቱ ክቕጽል’ዩ፡፡ ከምእውን EYC-EYSC-NA ምስ ካልኦት ናይ መንእሰያት ማሕበራት ብምትሕብባር ኣብ ዝሓጸር እዋን ናይ መንእሰያት ጕባኤ ከካይድ መደባት ሰሪዑ ከም ዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር ይፈቱ፡፡ እዚ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ኣንጸር ምልኪ ደው ኢሉ ክምክትን ክስዕርን  መሪሕ ተራ ክጻወት ዓቕምን ብቕዓትን ከም ዘለዎ ብዘይ ቃል-ዓለም ዘረጋግጸሉ መድረኽ ኣኺሉ ከም ዘሎ ንዅሉ ደላይ ፍትሒ የበስር፡፡

ምስጋና

EYC-EYSC-NA ብሓባር ብሙዃን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፉ
“ እዚ ወሲድናዮ ዘሎና ናይ ስምረት ተበግሶ፡ ንኤርትራ ሃገርና ካብ መንጋጋ ምልኪ ንምግልጋል እዋናዊ ስጕምቲ ሙዃኑ ንኣምን፡፡ እዚ ስምረት እዚ ዕውት ንምግባር ብምኽሪ ይዅን ብልቦና፡ ብርእይቶ ይዅን ብሓሳብ ዝሓገዝኵምና ውልቐ-ሰባት ይዅኑ ማሕበራት ብልቢ ነመስግን፡፡”

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ክትረኽቡና ምስ እትደልዩ

EYC-EYSC-North America
Emails: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Facebook : http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth
Websites: www.eysc.net or www.eycbayarea.com

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...