... ብጽቡቕ ናይ ክትዕን ምርድዳእን መንፈስ ይቕጽል ኣሎ፡፡

ሰክሬታርያ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ጉባኤ ብዝሃባ ሓላፍነት መሰረት ነብሳ ብግቡእ ወዲባ ንጉባእተኛታት ኣብ 7 ናይ ክትዕ መድረኻት (ዎርክ ሾፓት) ብምክፍፋል፡ ከተካትዖም ውዒላ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ጉባእተኛታት ቅድም ክብል ብዝጸደቐ ኣጀንዳታት መሰረት ኣብ ሸውዓቲኡ ናይ ክትዕ መድረኻት ( ዎርክ-ሾፓት) ዓሚቕን ደሞክራስያውን ክትዓት ከካይዱ ውዒሎም፡፡

ሰክሬታርያ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤና ብስሉጥን ዕዉትን ኣገባብ ንምስልሳል ብዝሓንጸጸቶ መምሒ መሰረት ድማ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ክዝተየሎም ብቐደም ተኸተል ዝተታሕዙ ወረቓቕቲ ኣብ መኣዲ ዘተ ብምቕራብን ንኣሳልጦ ዝሕግዙ ኣገባባት ብምኽታልን፡ ከምኡ’ውን ጉባእተኛታት ክትዓቶም ዘካይድሉ ደሞክራስያዊ መድረኻት ብምጥጣሕ ጉባኤና ኣብቲ ዝተታሕዘሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብዓወት ንክዛዘም ጻዕርታት ተካይድ ኣላ፡፡

በዚ መሰረት ጉባእተኛታት ኣብ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ናይ ዘተ መድረኽ፡ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓድሕድ ናይ ምቅብባል መንፈስ ዝዓሰል0 ዓሚቕ ክትዓት ብምክያድ ኣብ መብዛሕቲኡ ነጥብታት ናይቲ ንድፊ ኣብ ምሉእ ምትዕግጋብ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ገለ ገለ ሓባራዊ ውሳኔ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ተጸሚቖም ናብ ሰክሬታርያ ጉባኤ ክቐርቡን ኣብ መወዳእታ ካኣ ሓባራዊ ውሳኔ ክግበረሎምን ብምርድዳእ ናይ ንድፊ ፖለቲካዊ ቻርተር ክትዖም ብዓወት ዛዚሞም፡፡

ጉባኤኛታት ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ምይይጦም፡ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ ሰነድ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ማለት ንድፊ መሪሕ ሓሳብ (Road map) ዓሚቕ ምይይጣት ኣካይዶም፡፡ ኣብዚ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኡ ነጥብታት ኣብ ምሉእ ምትዕግጋብ ክብጻሕ እንከሎ፡ ገለ ውሱናት ኣካታዕቲ ነጥብታት ድማ፡ ብሴክሬታርያ ጉባኤ ተጸሚቖም ክቐርቡን ሓባራዊ ውሳኔ ክብጻሓሎምን ተረዳዲኦም ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ምይይጣት ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ልዑል ናይ ምትዕግጋብን ምቅብባልን መንፈሳት ዝተንጸባረቐሉ ኮይኑ፡ ጉባእተኛታት እዚ ታሪኻዊ ጉባኤ’ዚ ብዓወት ክጽንበል ልዑል ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ የነጽር፡፡ ንመስውርሕ ጉባኤና’ውን ዝያዳ ስሉጥ ክኸውን ኣስተዋጽኦ ነይርዎ እዩ፡፡

መብዛሕቲኤን ዎርክ-ሾፓት ነቲ ዝተመደበለን ናይ ንድፊ ፖለቲካዊ ቻርተርን ንድፊ መሪሕ ሓሳብን ምይይጣት ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ክዛዝማ ብምኽኣለን ኣማስይኡ ናይ ንድፊ ሕጊ-ህንጻ ኣርእስቲ ብምኽፋት ክትዐን ይቕጽላ ኣለዋ፡፡ እተን ዝተረፋ ሒደት ጉጅለታት ድማ፡ እቲ ዝተመደበለን ናይ ንድፊ ፖለቲካዊ ቻርተርን ንድፊ መሪሕ ሓሳብን ምይይጣት ተሪፉ ኣብ ዘሎ ግዜያት ኣጻፊፈን ኣብ ንድፊ ህንጻ ሕጊ ዝግበር ዘተ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ብዓወት ክዛዝማ ትጽቢት ይግበር፡፡

 

ኮሚቴ ዜና  ሃገራዊ ጉባኤ

ንድሞክራስያዊ ለውጢ

26-11-2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...