ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ብጸቕጢን ምፍርራሕን ዘይሕጋዊ ግብሪ ይእክብ ተባሂሉ ኣብ ፖሊስ ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ።

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ነቲ ብግዴታ ካብ ዜጋታት ዝእከብ ዘይሕጋዊ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ብዝምልከት፡ ካብ ክልተ ኤርትራዊ  መበቆል ዘሎዎም ሽወደናዉያን ወግዓዊ ክሲ ከምዝተቐበለ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሎሚ 8 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣረጋጊጹ።

እዞም ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮንን ኣቶ መድሃኔ ንርኣዮን ዝተባህሉ ዜጋታት ተቐማጦ ከተማ ኡፕሳላ ዝኾኑ ኤርትራዉያን፡ ነቲ ብስም ክልተ ሚእታዊት ዝፍለጥ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብግዴታ ጽቕጥን ዝእከብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ዝጸንሓን ዘሎን ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዝቐንዐ፡ ኣብ ዝነብርሉ ከተማ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘቕረቡ እቲ ዜና ጸብጺቡ።

እቶም ዜጋታት ነቲ ዘይሕጋዊን ብግደታን ጸቕጥን ብኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኽፈልን፡ ነዚ ዝየማልአ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዝወርዶ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ከምኡ እዉን ኣብ ኤርትራ ንዘሎዉ ስድራኻ ዝበጽሖም በደላት ከመይ ከምዝመስል ዝገልጽ መብርሂን ኣብነታትን እዉን ኣታሓሒዞም  ምስቲ ጥርዓን ንፖሊስ ከምዘቕረቡ  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ንኣገግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ” እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎም ሽወደናዉያን ብጸቕጥን ግዴታን ዝግበር ዘይሕጋዊ ንጥፈት እዩ” ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርዓን ህግደፍ ክቐርብ ናይ መጀመሪያ ተርእዮ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ምጽራይ ድሕሪ ምግባር ኣኽባር ሕጊ ዉሳነ ክሲ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር።

መሓሪ ኣብራሃም

ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...