ብመጀመርያ ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ኮምሽን ንኩሎም ኣብ ትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተበገሱን ብልዑል  እምነትን ድሌትን ተወፋይነትን ነዚ መደባት’ዚ ንምዕዋቱ ዝተራባረቡ ኤርትራውያን የሞግስ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ነጻነትን ደሞክራስን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ኤርትራ ንምርግጋጽ ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታው ኣብ ትጽቢት ይርከብ። ነዚ ዓቢ ዕማም’ዚ ንምዕዋት ንኮምሽን ብዝተነበረሉ እምነት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት መሪሕ ሓሳብ አቐሚጡ።

ኣብ ኩሉ መድረኻት ዝተንጸባረቐ ልዑል ዕላማታት ኤርትራዊ ተመክሮታት ምርኩስ ብምግባር፡ ኮምሽን ኣብ መንጎ ኣካውና ሕ/ሰብ ኤርትራ እምነት ክሓድርን ሓያል ባይታ ክንጸፍን ሓያል ጻዕርታት የካየድ ኣሎ። ከምኡ’ውን ንህልው ኩነታት ኤርትራ ንምስጋርን ንመጻኢ ከይድገም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ከም ቀንዲ  ጉዳያትን ነጥብታትን ሓዘል ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ኮይኖም ዝተቐመጡ ኢዮም። 

ኮምሽን ኣብ ጽንኩር ታሪኻዊ ሃዋሁ ይዓምም ከም ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ መስርሕ’ዚ ነቲ መሰረታዊ ዕማሙ ዝዕንቕፍ ዝተፈላለየ ብድሆታት ክገጥሞ ግድን ኮይኑ፡ ሳላ ጽንዓት ህዝብን ኣባላቱን መርገጻቶምን ዝነበሩ ምድንጋራትን በዲሁ ብምስጋር፡ ነቲ ዓቢ ዕማም ቀዳምነት ብምሃብ ጥራይ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን።

አብ መጋቢት 2011 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ አኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ሃገራዊ ጉባኤ አብ ወርሒ ጥቅምቲ ከካየድ ወሲኑ ምምባሩን ኣብዚ ምርኩስ ብምግባር ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ጉባኤ ን22/10/2011 ክኸውን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡ 

ኮይኑ ግን ኣብ ባይታ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ግምትና ዘይነበረ ሓድሽ ኩነት ተፈጢሩ። ንመሰረታዊ ዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤ ዝትንክፍ ፖሎቲካዊ ምዕባሌታትን ባዕላዊ ተክኒካዊ ጸገማትን ተኸሲቱ። ፈጻሚ ኣካል ደንበ ተቓውሞ ዝሓልፎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣገዳሲ መዋጽኦ ዝኸውን ፖሎቲካዊ ስጉምቲ ክወስድ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ፈጻሚ ኣካል ብድሕሪ ርጉእ ገምጋም ምግባር፡ ዕለት ምግባእ ጉባኤ ካብ 22/10/2011 ዝነበረ ን21/11/2011 ክኸውን ወሲኑ ምህላዉ ይሕብር።

ነዚ ኣዋጅ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ እቶም ኩሎም ነዚ መደባት’ዚ ኣብቲ ተወሲኑ ዝነበረ ግዜ ንምዕዋት ዝጻዓሩን ንመገሻ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቆጸራ ምድላዋቶም ዝወድኡን ብስንኪ ምቅይር ግዜ ዝወረደ ጸገማት  ንምፍታሑ ክንረዳድኣሉ ምዃና ንገልጽ።

ፈጻሚ ኣካል ኩሎም እቶም ንትልሚ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት ፡ ነቲ ፖሎቲካዊ ዕድል ተቓውሞ ዝሰርዕ ውድዕነት ብህዱእ መንፈስን ትዕግስትን ተዓጻጽፍነትን ክገጥምዎ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ይላቦ። ነቲ ንምዕዋቱ ንራበረበሉ ዘለና ልዑል ዕላማታት ንምዕዋት ኩሉ ዝኸኣሎም ዓቕምታት ከበርክቱን ተወፋይነቶም ከዕዝዙን ይጽውዕ።

ሓቢርና ሓድነትና ዓቂብና ጉባኤና ነዕውት!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ፈጻሚ ኣካል
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
7 ጥቅምቲ 2011
WWW.ENCDC.COM

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...