ማሕበር መንእሰያት ንለዉጢ ጨንፈር ከተማ ሊድስ፣ ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ብምዕዳም ሰፊሕ ዘተ ምስ መንእሰያት ኣካይዱ።
 
ቀዳም 17 መስከረም ማሕበር መንእሰያት ንለዉጢ  ጨንፈር ከተማ ሊድስ፣ ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ብምዕዳም፣ ሰፊሕን ዕዉትን ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ሊድስ፣ ብራድ ፈርድ፣ ወይክ ፊልድ፣ ሃድስ ፊልድ፣ ማንቸስተር፣ በርሚንጋም፣ ለንደንን ብዉልቆምን ማሕበራቶም ብምዉካልን ዝመጹ ልዕሊ 100 መንሰያትን ተረኺቦም።
 
ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ  ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ኣብ መሰረታዊ ኣታሓሳስባ መንእሰይን፣ ብዘዕብዮ ከባብን ናይ ዉልቁ ኣታሓሳስባን ክብርታትን ብዝተሃንጸ ከምዝጽሎን ብኡ መንጽር ከምዝሓስብን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብመሰረት ቓል ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ “ትምህርቲ ማለት ንዝሰማዕካዮ ሓበሬታ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ምስራሕ ብዝነፈሰ ንፋስ ሓሳብካ ዘይምልኻዕ እዩ” ብምባል ኣስሚርሉ። ንሱ መደራኡ ብምቅጻል ብፍላይ መንእሰያት፣ ነቲ ብመንግስቲ ኮነ ካልእ ወገን ዝባሃል ጠቐነ ብዝመጾ ካብ ምቅባል፣ ባሃልቱ ነየናይ ሸቶ ንምህራም ይብልዎ ከምዘለዉ ብምስትዉዓል ካብ ዝኾነ ምድንጋር ብምንቃሕ መጋበርያ ሕሱር ትልምታት ካብ ምዃን ክጋላገሉ ከምዝግባእ ኣዛኻኺሩ። 
 
ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ንግዝያዊ ረብሓ ክብል፣ ንህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ንዝኽእል ናይ ፈላሊኻ ምግዛእ ሜላ ይኽተል ከምዘሎን መንእሰያት ብሓባር ብምዝታይ ፍልልያቶም እንዳጽበቡ ሓድሕድ ብምትእምማን ናይ ሓባር ራእን ዕላማን ብምሓዝ፣ ነቲ ብባህሪ ይኹን ብባህሊ ዝተዓደሎም ፍልልያት ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ከዉዕልዎ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ታሪኽ ሰዉራ ኤርትራ ከምኣብነት ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ በደሉ ንምሽፋን ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሜሪካ፣ ምዕራባዉያን ተጻቢኦምና እንዳ በለ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ዝግልገለሉ ሜላታት ብፍላይ ነቲ ሓበሬታ ዝጎድሎን ዝሸምገለን ኣካል ሕብረተሰብ ስሑት ስእሊ የንብር ከምዘሎ ጠቂሱ። ንሱ ከምኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣብ ኤርትራ ዕግርግር ንምፍጣር ዉዲት ኣካይዱ ዝብል ዜና፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ንዝፈልጥ ዉልቀ ሰብ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ይሰምዓኒ እዩ ዝብሎ ዜጋ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ፣ ካብ ምባል ካልእ መግለጺ ክዋሃቦ ኣይክእልን እዩ፣ ብምባል ገሊጽዎ።
 
ኣብ መወዳእታ ካብ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላን፣ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓልን፣ ኣብ ሃይማኖትን ብሄርን ዝተሰረታ ናይ ታቀዉሞ ዉድባት፣ ስደትን ሳዕቤናቱን ካልእን ዝምከቱ ሕቶታት ካብ ተሳተፍቲ ቀሪብሉ።
 
ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ብዝጸንሓሉ መጠን እዞም ኣብ ዝተወሰነ ጉጅለ ዝሰረቱ ዉድባት ባይታ ክረኽቡ ከምዝኽእሉን ኣብ መጻኢ እቲ ዝድለ ሃገራዊ ዉህደት ንምፍጣር ኣጸጋሚ ክኸዉን ከምዝኽእል ገሊጹ። ብተወሳኺ ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ለዉጢ ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ይድለ ካ እንተሎ፣ ብጽልኢ ዓዊርካ ካልእ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል መፍትሒ ካብ ምዉሳድ ግን ጥንቃቀ ከምዘድሊ ዉልቃዊ ስክፍትኡ ገሊጹ።
 
ዕዱም ይኹን ተሳተፍቲ፣ በቲ ብግልጽን ብዘይዝኾነ ዕቃቤታት ዕዉት ዘተ ብምክያዱ፣ ዘለዎም ዕግበት ብምግላጽ ኣብ ካልእ ተማሳሳሊ ዘተ ክሳተፉ ዘለዎም ቅሩብነት ኣፍሊጦም። ኣካያዲት ኮሚተ በቲ ዘካየደቶ ዘተ ከምዝዓገበትን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ነዚ ኣብነት ብምኽታል ናብ ናይ ሓባር ዕላም ንምብጻሕ መንፈስ ምትእምማንን ምርድዳእ ንምንጋስ ክሰርሑ ብምልባዉ ኣኼባ ተዛዚሙ።
 
-------------------///------------------

 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...