ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንህዝብን ንኩልም ተሓጋግዝቲ ሽማግለታት ንጉባኤ ኣብዚ ዝሓለፍ ዓመት’ዚ ብዝገብርዎ ዝጸንሑ ጓስጓስን ምስንዳው ስርሓት ሃገራዊ ጉባኤ እናምገሰ፡ ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኮምሽን ንኩሉ ክፍሊታት ሕበረተስብ ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኪግበር ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዘትዓጻጸፈን ተውሳኺን ጽዕረ ክገብሩ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ  ጽውዒቱ የቅርብ።
 
ግዜ ምገባእ ሃገራዊ ጉባኤ ብምቅራቡ ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኮምሽን ምትሕበባር ዜጋታትና ኣገዳሲ ሙካኑ ሰለዚአምን፡ ኩሉ ጉድስ ኤርትራዊ ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዝቐርቡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ትዕዝብቲታት ኣብ ውሽጢ ዓስርተ ኣርብዓተ መዓልቲታት ብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢመይል፡ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ክስዱልና ነዘኻኸር። ምኽንያቱ ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኣብ ዝተቀበሎ ናይ ህዝቢ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ትዕዝብቲታት ብምውካስ ንምህብታም እቶም ሰነዳትን ንምድላዎምን ኡኹል ጊዜ ንክርክብ ንምሕጋዝ’ዩ።
 
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኩሎም ብጊዜኡምን ጉልበቱምን ኣብ ጉዳይ ምስላጥ ትልሚ ሃገራዊ ጉባኤ ዝብርክቱ ዝጽንሑን ዝልውን ዜጋታትና ልዑል ምስጋና ክንቅርብ ነፍቱ።  
 
ዓሊ መሓመድ ስዒድ
ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኮምሽን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
15 መስከረም 2011
WWW.ENCDC.COM