ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ሞት ሓው ዓብደላ እድሪስ፡ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና: መስዋእቱ ብከንቱ  ከምዘይሓልፈን፡ ዘበገሰና ዕላማ ሓርነት ከኣ ኣብ መዓርፍኡ ንምብጻሕ ሕድሪ ከም ዘለናን ብተወሳኺ ነረጋግጽ። ሓው ዓብደላ እድሪስ ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ ክሳብ ብሕማም ዝወደቐሉ እዋን፡ ካብ ዝተሓተ ጽፍሒ ክሳብ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ውድብ፡ ክሳብ ኣብ ዝዓረፈሉ እዋን ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ብጅግንነት ዝመርሐ ተባዕ ተጋዳላይ ኢዩ፣ ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ነታ ካብ ህጻነንቱ ኣትሒዙ ዝተጋደለላ ሃገሩን፡ መዳሕንቱ ዝተቐብረትላ ዓዱን ተመሊሱ ከይረኣየ ብሞት ምፍላዩ ናይ ብዙሓት ከምኡ መሬት ዓዶም ተነፊግዎም ናይ ዝሓልፉ ዘለዉ መስዋእቲ እናዘከርና ተደራብ ናይ ሓዘን ስምዒታት ዘኸትል ሞት ምዃኑ ክንገልጽ ንግደድ።።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ በታቲኑ ኣብ ግዳም ደርብይዎ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ፡ ንቕሓትናን ዕጥቅናን ከነትርር እናተላቦና፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ። ንስድራ ቤቱ ከኣ ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም፣

ኤ.ሃ. ኮ.ደ.ለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
ግንቦት 5, 2011

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...