ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ።

1ይ- ናይ ፈረንሳ ሶሽያል ደሞክራቲክ ሰልፊ(PSD)፡ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ .ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰልፊ  ምስ ወከልቲ ቦርድ ክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ማለት ኤርትራዊ ሓለዋ ንሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን፡ Eritrean Watch for Human Rights and Democracy EWHRD ኤርትራዊ ሄልፕ ነት ዎርክ፡ Eritreans help Net work ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ሶሽያል ደሞክራሲ ማእከል፡ 28/04/2011 ካብ ሰዓት 09፡00 – 11፡00 ቕድሚ ቐትሪ ኣፈናዊ ግና ሰፊሕ ርክብ ተኻይዱ።

2ይ- ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ካብ ሰዓት 14፡00- 16፡00 ምስ ፈረንሳዊ ሰልፊ ሕብረት ንደሞክራሲ ኣፈናዊ ግና ኣገዳሲ ርክብ ተካይዱ። ካብ ወከልቲ ሰልፊ ሕብረት ንደሞክራሲ ሓላፊ ጠቕላላ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሰልፊ  ሓላፊ ጠረጴዛ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ  ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሰልፊ ነይሮም።

ኣብ በበይኑ ግዜ ምስ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ዝተኻየድ ክልተኣዊ ርክባት ዝተላዕዕሉ
ኣርእስታት ተመሳሳሊ ነይሮም።
  
በተን ክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ንጠንቕን ሳዕቤንን ስደት ኤርትራውያን ዝምልከት ኣብ ኩውንነት ዝተሞርኮሰ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ቐሪቡ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ፡ ሱዳን ግብጺ ሊብያ ኣብ ባሕሪ መዲተራኒያን ከጋጥም ዝጸንሔ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዘጋጠመ ኣስታት ልዕሊ 335 ጃምላዊ ህልቒት ሞት መንእሰያትና፡ ኣብ ሊብያ ገና ኣብ ሽግር ዘለዉ፡ ኣብ ቱኒስያ ዘለዉ ስደተኛታትና ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ዝግምምግም ርክብ ተኻይዱ።

ብተወሳኺ ጉዳይ ስድተኛታት ኤርትራውያን ብማሕበረ ሰብ ዓለምና ዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ፡ ምስ ፍሉይ ኩነታት ሃገርና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሕስ ሃገራት ኣትዮም ሰላማዊ ናብርኦም ከከይዱ ክግበር ዝግብኦ ፍታሕ፡ ክውሰዱ ዘለዎም ኣገባባት ዝድህስስ ገምጋም ተካይዱ።

ብወገን ክልቲኦም ወከልቲ ሰልፍታት ፈረንሳ፡ ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ኣመስጊኖም። ክልቴኦም ሰልፍታት ፈረንሳ ኣብ መድተራንያን ባሕሪ ዘጋጠመ ጃምላዊ ሞት መንእሰያት ከምዘሕዘኖም ገሊጾም። ንጉዳይ ስደተናታት ኤርትራውያን ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቦም ፍታሕ ክርከበሉ ንሓለፍቲ ሰልፍታቶም መሻርኽቶም መንግስቶም ከፍልጡ፡ መፍትሒ ሓሳባት ብክልቲኡ ወገናት ክቐርብ ከምዘድሊ፡  ብወገኖም ፍታሕ ንምርካብ ከምዝጽዕሩ ኩሉ ዝከኣሎም ገምዝገብሩ ኣረጋጊጾም። ተጀሚሩ ዘሎ ኣፈናዊ ርክባት ክቕጽል፡ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክምዕብል፡ ብክልቲኤን ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ዝተካየደ ዝምስገን ንጥፈታት ክሕይል ተላብዮም። ነቲ ዝተኻየድ ርክብ ህዱእ ምርድዳእ ዝሰፈኖ ኣገዳሲ ርክብ ምንባሩ ገምጋሞም ኣስፊረሙሉ።

ብተወሳኺ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሶሽያል ደሞክራሲ ሰልፊ ፈረንሳ  ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ተጽንዕ ልኡኽ ክሰድድ ምኻኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ምስ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ዝተካየደ ርክባት፡ ኣህጉራዊ ትካል ቐይሕ መስቐል ኣብ ፈረንሳ፡ ICRC  France ነቲ ርክብ ብግዜ ብቦታ ግቡእ ክብሪ ኣኼባ ንክሕሎ፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪል ማሕበራት ወከልቲ ቦርድ ዘድሊ ናይ መጓዕዝያ ሓገዛት ኣበርኪቶም።


በዚ ኣጋጣሚ ንሓለፍቲ ሶሽያል ደሞክራሲ ፈረንሳ ንሰልፎምን ብሓፈሻ፡ ንወከልቲ ሕብረት ሰልፊ ንደሞክራሲ ሰልፎምን ብሓፈሻ፡ ንዝገበሩልና ዕድመ ብስም ክልቲኤን ሲቪክ ማሕበራት ብፍላይ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነመስግኖም። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘርኣይዎ ተገዳስነት ፍታሕ ንምርካብ ዝከኣሎም ጻዕሪ ከከይዱ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ምርግጋጾም፡ ንሱዳን ወከልቲ ሰዲዶም ከጽንዑ ዝኣተዉዎ ቓል ብግብሪ ከምዘሰንይዎ ዘለና እምነት እናገለጽና፡ ነዚ ኣጋጣሚ ባይታ ምኽፋት ብሓቒ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ዘራይዎ ተገዳስነት ዘሓብን ስለዝኾነ ከመስግኖም ኩርዓት ይስማዓና።

               
Eritrean Watch for Human Rights and Democracy EWHRD
Eritreans Help Network
Friday, April 29, 2011  switzerland
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.   

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...