ነቲ ጸረ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ዉልቀመላኺ ሰርዓት ህግደፍን ፍጹም ዘየናሕሲ ምልካዊ ኣገዛዝእኡን
ንምቅዋም ኣብ ጎሮቤት ሃገር ኢትዮጵያ ናይ ፖሎቲካ ዑቅባ ዝሓተትና ብዓሰርተታት ኣሽሓት እንቁጸር
ኤርትራዉያን ስደተኛታት መቐጸልታ ተቃዉሞና ሕጂዉን ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝኸበደ ሓደጋ ብርስትን መከራን ከምንርከብ ደጊምና ንምትሕስሳብን ተቃዉሞና ብድምጽና ንምቅላሕን ብዕለት 26/03/2011 ኣብ ኣዱስ ኣበባ ዕዉት ዝኾነ ዉዕዉዕ ኣኼባ ብምቕናዕ ብሙሉእ ድምጺ ተጋባእቲ ተቃዉሞና
መሰላማዊ ስልፊ ከነስምዕ ወሲና፡፡

በዚ መሰረት ንዕለት 20/04/2011 ካብ ስዓት 7፡00 ቅ.ቀ ጀሚርና ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሸመልባ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓዱ ሓርሽ፡ ኣሳሓይታ፡ በርሓለን ኣዱሰ ኣበባን እንርከብ ናይ ከተማ ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ኩሉ ሰብኣዉን ደሞክራሲያውን መሰላትና ዓፊኑ ንስደትን ከልበትበትን ክንሳጣሕ ዝቐሰበና ዉልቀ መላኺ ስርዓት ተሪር ተቓዉሞና ክንገልጽ ምድላዋትና ወዱእና ንርከብ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ከም መቐጸልታ እቲ ብቐጻሊ ኣብ ርእሲ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ናይ ግፍዒ፡ ጭቆና፡ ማእሰርቲ፡ ጭዉያን መቐተልትን ኸይኣኽሎ ነቲ ኣብ ገዛእ ዓደ ስላምን ቅሳነትን ተሓሪሙዎ ኣብ ፈቐዶ መዓሰከራት ሰደተኛታትን ቤት ማሕቡሳት ሊብያን ግብጽን ተሓይሩሉ ኣብ ዘለወሉ ፈታኒ ህሞት ስርዓት ኢሰያስ ብልሳኑን ብወይጦታት ኣምበሳደራቱን ገይሩ ናይ ጸለመን ክሕደትን ወፍሪ በጻዕቂ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ከም ኣብነት ኣብ መበል 60 ስሩዕ ዋዕላ ናይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ሰደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ ክሕደት፡ ብድሕሪኡ’ውን እንተኾነ፡ ብዘይሕንከት ንህላዉነት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክኽሕድን ከደናግርን
ምዉዓል ዉራየይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ሚሰጢር ኮይኑ ኣሎ፡፡

እምበኣርከስ ንሕና ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝረኸብና ኤርትራዉያን ስደተኛታት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ከኣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ስርዓት ተወሲኑ ዘሎ ማዕቐብ ክጽንዕን፡ ኣብ ፈቐዶ ስደትን ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍን ተሓይሮም ንዘለዉ ኤርትራዉያን ኣድላይ ዘበለ ሰብአውን ሞራላውን ሓገዞም ንኸበርክቱ ንምጽውዕ፡ እቲ ስርዓት ካብ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሽበራን ራዕድን ፖሊሲ ክሳብ ዘይተናገፈ ድማ ተወስኽቲ ኾነነን ማዕቐብን ኸጽንዑሉ፡ ብተወሳኺ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ተስፋ ምቁራጽን ሽግርን ተሸሚሞም ንዘለዉ ኤርትራዉያን ሰደተኛታት ኣብ ሊብያን ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዝጣበቐሎም መንግሰቲ ብዘይምህላው ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ንምምሕጻን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ድምጽና ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ወሲና ኣሎና፡፡

በዚ መሰረት ኩላህና ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነዚ ታሪኻዊ ተረኽቦ ተጠቒምና ድምጽና ኣንጻር እቲ ከም መንሽሮ ኮይኑ ኩሉ ሰብኣዉን ደሞክራስያውን መስላትና ሓሪሙ መንእሰያት ክበርሱ ዕሸላት ህጻዉንትን ወለድን በዘይ ናባይ ንክንተርፉ ፈሪደና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንፖለቲካዊ ወጽዓና ብፖለቲካዊ ሰላማዊ ተቓዉሞና ንከነስምዕ ብስም ኩሎም ዉጹዓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጻዉዒትና ነቕርብ፡፡

ንስርዓት ህግደፍ ንኹንን!!

ደጊም ይኣክል ምብልላጽ!!

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ኣህዛብ ዓለምን!!

ኣሰናዲኢት ኮሚተ ሰላማዊ ስልፊ

ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
17/04/2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...