ዕዕለት 25  ግንቦት 2011 ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ: ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ጀነቭን: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሎንዶንን ብተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይን ተመሳሳልን ዝኾነ ብዘደንቕ ኣወዳድባን ንክውንነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ንውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤል ብርሃነ ዋና ጸሓፊ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጸብጺቡ። እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ብ/ሃይለ ወልደሚካኤል ከምዘለዎ እንሆ።

ነቲ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ዝገብሮ፡
ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብብዝሒ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ንክውንነት ሕብረተ--- ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምንባሩ: ብዝሕን ዒይነትን ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ልዑል ምንባሩ፡
ሰብ መዚ ናይ’ተን ሃገራት: ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ብስነ-ስርዓትን ድሲፕሊን ብዝሓለወን:  ካብቲ ዝተዋህቦም ቦታታትን መንገድታትን ከይሓለፉን ካብቲ ዝተዋህቦም ቦታታትን ከይሓለፉን ሕጊ ከይጠሓሱን ሰላማዊ ሰልፎም ንዓለም ምቅልሖም ከም ዝተሓጎሱ ምግላጾም፡
ብብዝሒ ናይ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ማዕከናት ዜና ብምንባረን፡ ....ወ.ዘ.ተ. ነበረ::
ካብቲ ብዝያዳ ኣገዳስን ዘሐጉስን ከኣ: ኣብ ክልቲኡ ከተማታት: ኩነታት ኣየር ንሰላማዊ ሰልፊ ዝምችእ ብሩህን ጸሓያውን ምንባሩ እዩ::

ሎንዶን፡
ምትእኽኻብ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሰዓት 9:30 ተጀመረ:: ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ: ከም እኒ ሉድስ “Leeds” ሸፈልድ “Sheffield” በርሚንግሃም “Birmingham” ወ.ዘ.ተ. ብዝተፈላለየ መጎዓዝያታትን ብዓበይቲ ኣውቶቡሳትን ተጠቂሙ: እዋናውን መሳጥን ዝኾነ ጭርሖታት ተሰንዩ ኣብ ፊት ኤምባሲ ሕግደፍ ኣዕለቕለቐ:: ካብ በርሚንግሃም ዝመጹ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ: ብኽልተ ዓበይቲ ኣውቶብሳት ኣብ ዝመጹሉ እዋን: ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደቂ ኣንስትዮ ብዕልልታ: ቆልዑን ሰብኡትን ብጣቕዒትን ጭብጨባን ድሙቕ ምቅብባል ክገብርሎም ክትርኢ እንከለኻ: ኣማን ብኣማን ትንሳኤ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዘበስርን ሞት ህግደፍ ዘርድእን ግዜ ምዃኑ ይረኣየካ::
ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት:
    - ህግደፍ ዓድና ግደፍ፡
    - ኢሰያስ ካብ ስልጣን ውረድ፡
    - ሰዓት ኣኺላ እያ ኢሳያስ ሃገርና ግደፍ
    - ኢርሓል ኢርሓል ያ ሰጃን
    - ኢርሓል ኢርሓል ያ ዲክታቶር
    - ኢርሓል ኢርሓል ያ ኢሳያስ
    - ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ
    - ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ - እወ ክፍትሑ እዮም
    - እንቢ ንባርነት
    - እወ ንናጽነት
    - Isaias must go now
    - What do you want? Freedom
    - when do you want it? NOW

ሓው ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ በቲ ዘይምኖ ድምጹ: ብሽገይ ሃቡኒ ዝብል ናይ መምህር ተወልደ ረዲ መዝሙር ጀሚሩ: ብሳሙዱን እትብል መዝሙሩ ብምቕጻል እንዳደጋገመን ህዝቢ እንዳተኸተሎን: ንሰላማዊ ሰልፊ ኣዕዚዙን ኣድሚቑን ካብ ዝወዓለ ሓደ ኔሩ::

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ዝተዳለወ: ንክውንነት ሃገርናን ህዝብናን ዝገልጽ: ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይተተንከፈን ብህግደፍ ዘይተበደለት ገዛን ኣላ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ ዝኾነ ኣብ ንፍትሕን ሰላምን: ብልጽግቲ ኤርትራን ንምርኣይ ዝኣምን ኩሉ ብዝመስሎን ዝዓግበሉን ኣገባብ ክቃለስን ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻር እጃሙ ከበርክትን ዝጽውዕ ጽሑፍ: ብሓው የውሃንስ ኣስመላሽ ተነበበ::

ሓው ጸጋዝኣብ የውሃንስ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብወገኑ: ምስ እዚ ዘለናዮ ህልዊ ኩነታት ዝሰማማዕ ብብሉጽ ሓውና ደራሲ ኻልድ ዓብዱ ዝተጻሕፈት “ጽባሕ” ካብ ትብል መጽሓፉ: ኣብ ገጽ 80 “ኢድካ እያ” ዘርእስታ -
“ንስለ ህልኽ ንሓቂ ትኽሕድ
ንግዕዙይ ምሕደራኻ መሊሱ ዘግድድ
ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ ዝወልድ
ዓቕምኻ ዘይምፍላጥ እዩ ንዓለም ከስግድ::......ወ.ዘ.ተ”
ኣብ ገጽ 81 “ኣጆኹም ኣጆና” ዘርእስታ
ምንባር እኳ ሓንሳብ እዩ ኣብዛ ዓለም
ንሓቂ ንቃለሰላ ሕድርና ኣይንጥለም
ምእንታይ ምእንታኹም እዮም ሂወቶም ከፊልም
ብዝወሓደ ንግፍዐኛታት ዓገብ እስኪ ንበሎም::…ወ.ዘ.ተ. ዝብላ ግጥምታት ኣስመዐ::

ኣስዒባ ሓብትና ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዘስመዓቶ መደረ: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መንእሰያትናን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ፍጻሜታት ይፍጽም ምህላው፡ ናይዚ ገበናት’ዚ ቀጥታ ተሓታቲ ምልካዊ ኢሰያስ ከምዝኾነ ኣስሚራትሉ::
 
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓበረ ንሰላማዊ ሰልፊ ከቃልሑ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራውያንን ናይ ወጻእን ዜና ማዕከናት ምንባረን እዩ:: ከም ኣብነት ንምጥቃስ: BBC ምሉእ መዓልቲ ካብ ዝጅምር ክሳብ ዝውድእ ከምዝወዓለ:
Al-Jazeera’ውን ኣብቲ ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝሓበርዎ: ንውሑድ ደቓይቕ ስኢሎም ክኸዱ መደብ ሒዞም ምንባሮም: ኮይኑ ግን እቲ ብዝሕን ኣገባብን: ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ: ዓበይትን ናኣሽቱን ቆልዓ-ሰበይቲ ከይተረፈ ዝጠርነፈ ብምንባሩ: ብፍላይ ከኣ ቆልዑ ካብ 9-14 ዝዕድሜኦም መጉልሒ ድምጺ “microphone” ሒዞም ክጭድሩ ከለዉ ብምዕዛብ: ህላውነቶም ን30 ደቓይቕ ከናውሕዎ ከምዝወሰኑ ይሕበር::
 
ጭደራ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝቢ ዘበራበረን መብዛሕትኦም ተቐማጦ: ማዕጾኦም ዲዩ መስኮቶም ብምኽፋት ሓለፍቲ መንገድን ሰብ መካይንን: ኣእዳዎም ብምውዝዋዝን: ዓባይ ዓባይቶም ምልክት ናይ ሶሊዳሪትን “solidarity” ናይ ዓወት ምልክትን “V” እንዳኣርኣዩ: የሰንይዎ ምንባሮም ሓደ ካብቲ ዘሐጉስ ዘይርሳዕ ተርእዮ እዩ::
ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምጅማሩ ንተኻፈልቲ ንምርዓድ ተባሂሉ ህግደፍ ክልተ ኣገባብ ፈቲኑ::
    1- ሓደ ብደገ ዝመጸ ኣርማ ህግደፍ ዝተኸድነ: ናዕቢ ክፈጥር ዝፈተነ: ናይ መንእሰያት ነድሪ ዝረኣዩ ወታደራት: ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእተውዎ።

    2- ኣባላት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም: ኣብቲ ቀዳማይ ደርቢ ናይ’ቲ ህንጻ ኮይኖም: በቲ ናይ ሓጺን መጋረጃ ተኸዊሎም ቪድዮ ከልዕሉ ይፍትኑ ኔሮም። ብዝሒ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓንሳብ ክብ ምባሉ ብምርኣይን: እቶም ቆልዑ ብዓውታ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ድምጺ ተቓውሞ: ዘይተጸበይዎ ኮይኑዎም ቪድዮኦም ኣቐሚጦም: ንሰላማዊ ሰልፊ ክርእዩ ነንሕድሕዶም ክጸቓቐጡ እቲ ዝፈተንዎ ናይ ምፍርራሕ ተግባር ፈሺሉ ተረፈ::

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና’ውን ንክልቲኡ ሰላማዊ ሰልፍታት ይከታተልን ቃለ መሕትት የካይድን ምንባሩ ተፈሊጡ:: ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓው በረኸት ካሕሳይ ካብ መገሽኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሰዓታት ተጓዒዙ ደኺመ ከይበለ ቀጥታ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ብምምጻእ ምሉእ መዓልቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣሰኒይዎ ምውዓሉ ዝምስገን’ዩ። ሓንቲ ግድስቲ ተቓላሲት ኤርትራዊት ብዘወሃሃደቶ ቆጸራ መሰረት ኮምሽነር ሓው በረኸት ካሕሳይ ዝርከብዎም መንእሰያት ተታሒዙ ናብ ዝነበረ ቆጸራ ምስ BBC ኣብ ስቱዲዮ ተረኺቦም ቃለ-መሕተት ከምዘካየዱ ተሓቢሩ::

ናብ ምልካዊ ኢሳያስ ዝተጻሕፈት ደብዳቤ ኤምባሲ ኤርትራ ማዕጾ ክኸፍት ፍቓደኛ ብዘይ ምንባሩ ብመሰረት መምርሒ ወታደራት: ናብቲ ጶስጣ ዝኣትወሉ ቀዳድ ከነእትዎ ተሓበርና ፈጸምና ከኣ:: ሰራሕተኛ ኤምባሲ: ነታ ደብዳቤ ኣልዒሎም ናብ ደገ ደርበዩዋ::

ናይ ጸጥታ ሓላፊ ነዛ ብኤምባሲ ተሰንድያ ዝተመልሰት ደብዳቤ ሓደ ሰብ ከየልዕላ ኢሉ ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፉ: ናብ ኤምባሲ ኣትዩ: ሰልፈኛታት ዝገብርዎ ዘለዉ ዕላውን ሕጋውን ኣገባብ ስለ ዝኾነ ሕጂ ነዛ ደብዳቤ ካብታ ሰንዲኹማ ዘለኹም ቦታ ባዕልኹም ኣልዒልኩም ትወስድዋ በሎም:: ብዘይ ዝኾነ ምዕጥይጣይ  መጺኦም ኣልዒሎም ወሰድዋ:: ብድሕሪ’ዚ ወዲ ገራህቱ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጺኡ:: ዝዛረብ ዘሎ ክመስል ኣብ እዝኑ ተሌፎን ኣጥቢቑ ሓውሲ ጉያ ገሩ ሃደመ።

ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡
ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 1000 ንላዕሊ ዝተኻፈልዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩ ተሓቢሩ። ካብቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ዕዉት ክገብሮ ዝኸኣለ ገለ-ገለ ንምጥቃስ ጥንቁቕን ውሕሉልን ኣገባብ ኣወዳድባን ድሲፕሊን ዝሓለወ ኣመራርሓን ናይ እቶም ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለዉ ኮይኑ: ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ መጺኦም ዝተኻፈልዎ ሰልፊ ምንባሩን ክጥቀስ ይከኣል::

ኤርትራውያን ብዝተፈላለያ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን መካይንን: ዓበይቲ ኣውቶቡሳትን ተጠቒሞም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊዘርላንድን ሃገራት ኣውሮጳን ከም እኒ ሆላንድ ጀርመን ዓዲ ጥልያን በልጅም ፈረንሳ ወ.ዘ.ተ. ዝመጹ ነቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓሰልዎ::

ሓደ ካብ ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ካብ ሃገረ ጀርመን: ነቲ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ: ኣዝዩ ዘሕጉስን ብጣዕሚ ዘጉህን እዩ ክብል እኽእል ድሕሪ ምባሉ፡ ኣዝዩ ዘሐጉስ እዩ ምኽንያቱ ነዚ ዝኣክል ብዓቐኑን ብውሕልነቱን መዘና ዘይብሉ ኣገባብ ኣወዳድባ ካብ እዞም መንእሰያት ደቅና ምዃኑ ክትፈልጥን መንእሰያት ዝዓብለሎ ኣንጻር ህግደፍ ንመጀመርያ ግዜና ክንርእን: ዘሐብንን ዘኹርዕን እዩ:: በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ነዚ ንሃገር ከፍርን ዓንዲ መጻኢ ወለዶ ክኸውንን ዝግብኦ መንእሰይ ገገፊዑን ብዘይ ድልየቱ ንክስደድ ዝገበረ ድሓን ኣይእቶ: ኤህ የብልን የሕዝንን::
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ምንባረን ከም ዝተሓበረ ይዝከር: ካብቶም ብVOA ተሓቲቶም ይምልሱ ካብ ዝነበሩ ገለ-ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል: ሓው ተኽለ ተኪኤ ካብ ስዊዘርላንድ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዘዳለዉ ሓደ ኮይኑ: ህዝብና ንኽርህዎ: ዕድመ ምልካዊ ህግደፍ ክሓጽር ኣለዎ: ነቲ ኣፉ ተዓቢሱ: ኣብ ገዛእ ሃገሩ እሱር ኮይኑ ዘሎ ህዝብና ድምጺ ክንኮኖ ኣብ ዝብጻሕ ብምብጻሕ ኣውያት ህዝብና ከነስምዕ ተበጊስና ኣለና። እዚ ናይ መጀመርያ ደኣ እንበር ክሳብ ህግደፍ ወይ ሃገርና ዝለቅቕ ወይ ስልጣኑ ንህዝቢ ዘረክብ ቀጸልቱ ኢና: ክብል ገሊጹ::
ሓብትና ኣስገደት ተስፋዮውሃንስ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብወገና ኣዝያ ከምዝተሓጎሰትን ኣብ መንእሰያትና ዘለዋ ኣድናቖትን ብምግላጽ: ነቲ ብራዲዮ VOA “ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሃገርና ውግእ ክእውጅ ይዳሎ ኣሎ እንዳተባህለስ ኣንጻር መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እንታይ ይመስለኪ” ንዝብል ዝቐረበላ ሕቶ ክትምልስ እንከላ: “ንሕና ነዚ ኣስማቱ እንዳቐያየረ ካብ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተቐየረ: ገና ኣብ ሜዳ እንከሎ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘይብሉን ኣብራስን ጨቋንን ከምዝኾነ ኣቐዲምና ዝሓበርናን ዝተቓለስናዮን ንቃለሶ ዘለናን ስለ ዝኾንና: ካባና ንላዕሊ ዝፈልጦን ዝተቓለሶን ስለ ዘየለ ንዓና ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገልጸልናን: እንታይ ከምንገብርን ብኸመይ ከምንቃለሶን ዝሕብረና ኣይንጽበን:: ዝኾነት ሃገር ኣንጻር ኢሳያስ ክትብገስ እንተኾይና ምልካዊ ኢሳያስ ብዝፍጽሞ ሽበራዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኣ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ማንም ሃገር: ንተቓውሞ ደምበ ሓልያ: ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ዝተበገሰት ኣይነበረትን የላን ከኣ” ክትብል መሊሳ:: ኣካየድቲ ሰላማዊ ሰልፊ: ንዕላማን መልእኽትን ሰልፈኛታት ዝገልጽ ጽሑፍ: ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣትዮም ኣረኪቦም::

ኣብ መደምደምታ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሕብር ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሬዲዮ ክስማዕ ይከኣል እዩ ይብል ነዚ ጸብጻብ ኣዋዲዱ ዝሰደደልና ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤል ብርሃነ ዋና ጸሓፊ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
27 መጋቢት 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...