ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!!  ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።

ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ምክትል ኣቦ መንበር ኮምሽን ሓው ዓብደርሑማን ጣሃ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ነዚ ኣኼባ’ዚ ንምዕዋት ዝመጹ 47 ኣባላት ኮምሽን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ገጽ ንገጽ ኣራኸበናን: ብተውሳኪ ከኣ ንቶም ኣባላት “ዘተን ደሞክራስን ይዓንብብ” ብዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ዝተበገሰ ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መ/ኑር ኣሕመድን፡ መኮንን ሃይለን ከም ኣባላት ኮምሽን ምጽንባሮም ዝተሰመዖ ሰናይ ትምኒቱ ብድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ኩሎም ኣሕዋቶም ኣባላት ኮምሽን ኮይኖም ነዚ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ’ዚ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ልዑል ሓላፍነቶም ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ከኣ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ድሕሪ ምልኣተ ኣኼባ ምርጋግጽን፡ ምጽዳቅ ተሓዝቲ መዝገብን፡ ተርጎምትን፡ እቲ ኣኼባ ሕጋውነቱ ኣረጋጊጹ ኣብ ቀንዲ ኣጀንዳታቱ አተወ።
1.    ቃል ፈጻሚ ኣካል ኮምሽን ብምክትል ኣቦ መንበር፡
2.    ሓፈሻዊ ንሽድሽተ ወርሓዊ ጸብጻብ ፈጻሚ ኣካል፡
   ሀ. ጸብጻብ ፖሎቲካዊ ሽማግለ
      ለ. ጸብጻብ ሽማግለ ህዝባዊ ውደባ
     ሐ. ጸብጻብ ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
       መ. ጸብጻብ ሽማግለ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቀሪቡ።

ኣባላት ኮምሽን ነዚኦም ኣብላዓሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጸብጻባት ብህዱእ መንፈስን ዓቢ ሓላፍነትን ክግምጉሙ ዊዒሎም፡ እቲ ውዕሎ ናይ ቀዳምይ ማዓልቲ ተዛዚሙ፡ ካልኣይ ስሩዕ አኼባ ኮምሽን ጽባሕ ክቕጽል’ዩ።
                       ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!
ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!
               ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
15 መጋቢት 2011
www.encdc.com


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...