ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን አብ ፓልቶክ …!

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። 

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ  ንሰንበት ዕለት 20.02.2011 ዓ.ም.ፈ.፡

ንኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ዓለምና ንዝርከቡ ክቡራት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ  ኣጋይሽና  ኮይኖም  ከምስዩን ኣገዳሲ ሃበረታታት ክህቡን ምስ ህዝቢ ክዛተዩን ታዓዲሞም ኣለዉ::  እዚ ገዛ (Eritrea Etuq Menisey Eritrea niDimokrasin Fithin) ብእዋኑ ክኽፈት እዩ: ዘተ ምስ ጋይሽና ዝጅመረሉ እዋን ከአ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 20፡00 ብናይ በርሊን (Berlin)አቖጻጽራ ሰዓት 8:00 PM ክኸውን እዩ። 

ኩሉኹም ብሃገርኩምን ብህዝብኹምን እትግደሱ: ሓንቲ ዲሞክራስያዊትን: ብስርዓተ ሕጊ እትግዛእ ኤርትራ ንምህናጽ እትትምነዩን እትቃለሱን: ኣብዚ ኣገዳስን ታሪኻዊን ዕለት ምሳና ሓቢርኩም ከተምስዩ ብኽብሪ ንዕድም። 

ብደሓን ምጽኡ/ ...!!! 

ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ  ለውጥን፡ ንኽነግስ ካብ እንመያየጥን እንዛተን ግዱሳት

ኤርትራውያን፤ ደቂ ሃገር።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.