ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንበዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብጽሓኩም ይብል። በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

14 ሕዳር 2010

                                                                         This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.