ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዋዕላ ንዝተነብረሉ እምነት እናንኣደ፡ ንውሳኔታቱን ለበዋታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ። 

ካብቲ ቀንዲ ዕማማት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ከኣ ትጽቢት ህዝብና ንምርግጋጽ፡ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን፡ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዘይዝኾነ ፍልልይን ኣድልዎን ናብ ሓደ መኣዲ ዘተ ብምምጻእ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስልጡን ልዝባት ንምክያድን ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ኢዩ።

ነዚ ሃገራዊ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ኮምሽን ምዕሩይ ተሳትፎ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት ሕ/ሰብናን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘይስገር ምዃኑ ይኣምን።ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኮምሽን ምስ ኩሎም ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ድሌት ዘለዎ ኣካላት ብንጹህ ሕልና ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ባህግታቱ ይገልጽ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝተሰከሞ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ሕድሕድ ምትዕግጋብ፡ ምትእምማንን ግልጽነትን ኣገዳሲ መሳርሒ ዕዮታቱ ምዃኑ ይግንዘብ።ስለዚ ኩልኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክፍልታት ሕ/ሰብና፡ ሃገራውያን ባእታታት፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን…...ወዘተ ኣብ ከባቢኩም ምስ ዝርከቡ ኣባላት ኮምሽንን ከምኡ’ውን ምስቶም ንኮምሽን ንምትሕግጋዝ ዝቆሙ ዘለዉ ህዝባዊ ሽማግለታትን ሓቢርኩም ክትሰርሑ ኮሚሽን ብክብሪ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቀጥታውን ቁኑዕን ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ሕቶታትን ሃነጽቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝምልከት ንምቕራብ፡ በዚ ወግዓዊ ኢ-መይል ናይ ኮሚሽን This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትሓቱን ሓሳባትኩም ከተቕርቡን ይጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

06 ጥቅምቲ 2010

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...