ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ!!

ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣብ እስቱትጋርት።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዉጹዓት ተቓላስቲ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ንዕለት 11/09/2010 ኣብ እስቱትጋርት ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ንኽግበር ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ብዓቢ ኣኽብሮት ትዕድም።

ኩልና ብዝተፋላለየ መራኸቢታት ክንካታተሎን ክንቃለሰሉን ከም  ዝጸናሕና መጠን ድሕሪ ነዊሕን ሕልኽላኽን ዝመለኦ ናይ ውረድ ደይብ ሓጎጽጎጻት ብጽንዓትን መኸተን ተቓለስቲ ህዝብናን ንመሰረታዊ ለውጥን ሓድነትን ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ብሄራዊ ውድባትን፡ በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ሓርበኛታትን፡ መንእሰያትን፡ ደቂ ኣንስትዮን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ዓበይቲ ዓድን፡ ምሁራትን፡ ዘሳተፈ ተሪኻዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ዓቢ ብስራት ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኑ ብኣካል  ንህዝቢ ወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣሕዋት ብሰፊሑ ንህዝቢ ካብ ኣጀማምራ ክሳብ መፈጸምታ ክገልጹ ምዃኖም ንደላይ ሰላምን ራህዋን መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ ዘሎ መላእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብኽብሪ እንዳ ዓደሙ ኣብዚ ታርኻዊ  መድረኽ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ጃምላዊ ጥፍኣት ሓቢርና መሰረታዊ ፍታሕ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምንዳይ እንላዘበሉ ኣኼባ ክኸውን ደጊምና ንኹሉ ዕድሜና ብሃገርዊ ሓላፍነት ኣኽቢሩ ብሰዓቱ ክርከብ ብትሕትና ንጽውዕን ነማሕጽንን።

ናይ ኣኼባ ቀንዲ ዛዕባታት፡
1ይ፡ መግለጺ ብወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላ፡
2ይ፡ ሕቶን፡ ርእይቶን፡ ለበዋን፡ካብ ህዝቢ፡
3ይ ምስ ግዜ ብምዝማድ ኣብ ዋዕላ ዝተቐርጸ ቪድዮ ምርኣይ።

ቦታ ስቱትጋርት፡
ኣድራሻ፡ Landhaus str. 62  ልዕሊ ክለብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ዝነበረ።  
ሰዓት 1500። ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ

ምስ ክቡር ሃገራውን ሕውነታውን ሰላምታ!!
ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን፡
ምስ ወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ።
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና።
24/08/2010  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...