ምድስካል ሃብቶም ዮሃንስ ካብ ስድርን፣ ኢሳያስ ኣስፍሃ ካብ ሰዲህኤን፣ ኣጥቢቕና ንኹንን።


ሓደ ካብ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል ናይ ወዲ ሰብ፡ ብነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን ርእይቶኻ ምሃብን ኮይኑ፡ ኣተገባብርኡ ብጹሑፍ ይኹን ብቃል ኣብ ኣኼባ ይኹን ብተናጽል ብዘየገድስ፡ ሓደ ካብቲ ዘይግፈፍ ብሕጊ ዝቖመ መሰል እዩ።
 
መትከል ናይዚ፡ ደቂ ሰባት ንከይዛረቡ መታን፡ ከይዕፈኑ ጥራሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ብሉጻት ሓሳባት ቦታ ረኺቦም ንጎደና ዕብየት ከግፍሑ ብኣንጻሩ ከኣ፡ ዘየርብሑ ግጉያት ንዝኾኑ መርሓ ግብሪ ስለዝእርሙ እዮም። ክንዮው’ዚ ናይ ሓደ ሓሳብ ተሰማዒ ናይቲ ካልእ ተዓብላሊ መታን ከይከውን ካብ ዝኾነ ስምዒት ሓራ ብምዃን ኣድቂቅካ ብምክታዕ ናይቲ ሓደ ኣገዳስነት ናይቲ ካልእ ዘይኣድላይንት ኣረዲእካ ብምዕጋብ  እቲ ብሉጽ ሓሳብ ክውሰድ ይከኣል። ነቲ ተቀባልነት ዘይረኸበ ሓሳብ ዘቅረበ ኣካል ከተነኣእስ ፡ ክትዝልፎ፡ ክትንጽሎ ወይ ብሰንኪ ዘቅረቦ ሓሳብ ካልእ ኣብ ልዕሊኡ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድር ስጉምቲ ክትወስድ ግን ፍጹም ዘይሕጋዊ ኢዩ። ኣብ ተጋራጨውቲ ሓሳባትን ምርድዳእ ፡ ምክእኣል፡ ብህድኣት ዝሓይሽ ምዝታይ ቀንዲ መፍትሒ ጉዳይ ኢዩ። ካብዚ ወጺኻ ኣብ ናተይ ሓሳብ ጥራሕ ይሰማዕ ዝዓይነቱ ትሪ ይኹን ገርጨውጨው ምባል ግን ፍታሕ ኣየምጽእ ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ናብ ህልኽን ሓሸውየን ኣምሪሑ ሕጊ ምጥሓስ የኽትል።

ህዝቢ ኤርትራ፡ እዛ ብነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን ምጽሓፍን፡ መሰል ኣብ 1950ታት ጥራሕ ኢዩ ረኺብዋ ኔሩ። ሽዕኡ ነቲ ስልጡን ኣተሓሳስብኦም በተን ዝነበራ ጋዜጣታት ይነቃቀፍ፡ ይመዓዓዱ ኣብ ኣኼባታትን አብ ዋዕላታትን ድማ ይመያየጡ ኔሮም። ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ነንሕድሕድካ ናይ ምትዕብላል መንፈስን ነጻ ሓሳብ ናይ ምግላጽ እገዳ እንተዝነብር ከምቲ ገዛእቲ ባዕዳውያን ንረብሓኦም ክብሉ ዝወጠንዎ እከይ ሽርሒ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዓሌትን ሃይማኖትን ከበሳን ቆላን ብምክፍፋል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተመቃቂላ ምተረፈት ኔራ። እቲ ጥሙር ቃልሲ ክፍጠር ዝኸኣለ ድማ ሳላ ብነጻ ሓሳባትካን ርእይቶኻን ምግላጽን ምጽሓፍን ዝነበረ ኮይኑ ሕድሕዳዊ ምክእኣልን ምምልላእን ስለዘማዕበለ ኢዩ።

መድረኽ ክፍጠር ዘገደዶ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስተጀመረ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ነቲ መባእታዊ መሰል ወዲ ሰብ ሓሳባትካን ርእይቶኻን ምግላጽ ክግህስዎ ግዜ ኣይወስደሎምን፡ ምኽንያቱ፡ ስልጣን፡ ረብሓ፡ ጸቢብ ወገናውነት ዝኣመሰሉ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይ ላዕለዎት ኣካል መሪሕነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ስለዝሰሰኑ ውልቃውነት ብዘይስሩዕ መገዲ ቦታ ክሕዝ ክኢሉ።

ምንቅቃፍ ናብ ዘይምክእኣል ስለዝሰገረ ምትዕብላል ቦታ ረኺቡ ናይ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ግዳይ ዝኾኑ ሐዳ ብሓደ ክዝርዝሩ ግዚኡ’ኳ እንተዘይኮነ ብዓቢኡ ምፍንጫልን ኩናት ሓድሕድን ስዒቡ፡ ቃልሲ ተጓቲቱ፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብለን ዓድታት ከቃጽልን ከበሳብስን ጥሪትን ንብረትን ክዝርፍ ዕድል ረኺቡ። ሽዑኡ ዝተሰደደ ህዝብና ክሳብ ሕጂ ተበታቲኑ ከምዘሎን ከምዘይተመልሰን ማንም ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝመስሎም ስለዝተዛረቡ ጥራሕ ክንደይ በላሕትን ንጹሃትን ከምዝሓቀቁ ክትኣምኖ ዘጸግም ጉድ ኢዩ። ነቶም ብውልቂ ገዲፍና ናብቲ ብጉጅለ ዝተፈጸመ ጥራሕ ከም ኣብነት ንኽንጠቅስ፣

  • እቶም ኣብ 1973 ዓ/ም ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. (ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ) ናይ ምእራም ምንቅስቃስ ዘካየዱ ምሁራት ብዘይካ ነቲ ብህርፋን ሽመት ዘንባሁቕ ዝነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምቅዋም ሓሳባቶምን ርእይቶኦም ምሃብ ካልእ ዝፈጸምዎ ገበን ኣይነበረን። ኣብ ክንዲ ተኣራሪምካ ብዝሓሸ መገዲ ምኻድ “መንካዕ” ዝብል ስም ብምሃብን ንኣራምን ቅንዑን ምንቅስቃሶም “ኣዕናዊ” ብምባል ብዘይሕጊን ወግዕን ኣብ መንቀራቅሮ ሳሕል ኣጽኒቱዎም።
  • ቀጺሉ ኣብ 1976 ዓ/ም ንዝተበገሰ ካልእ ተቋውሞን ርእይቶን ኣብ ክንዲ ንቅንዕናን ኣገዳስነትን ናይቲ ጉዳይ ሃዲእካ ምምይያጥ ግልጹነት ብዘይብሉ ቁልቁል ዝኣፋ “የሚን” ዝብል ስም ብምጥማቅ ኣብዚኣ ኣተው ዘይበሃል ህጣሞም ኣጥፊእዎም።
  • ኣብ ውድብ ተ.ሓ.ኤ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) 1977-1978 ዓ/ም ንዝተራእየ ጸገማት ንምፍችታሕ ብመሰረታት ተጋደልቲ ዝተላዕለ ምንቅስቃስ፡ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ዝነበሩ ኣብ ክንዲ ጉድለቶም ዝእርሙ፡ ብድብዱቡ ኣይተልዕሉና ኣይትተንክፍና ንሕና ዝበልናኩም ተማእዘዙ ኢሎም ጸቅጥታቶም ኣጽንዕሎም። እቶም ንመስዋእቲ በጃ ሃገርን ህዝብን ካብ ማሙቕ ገዝኦም ዝወፈሩ ተጋደልቲ ኣብ መትከሎም ረጊጾም ዘይተጸዓድነቶም ብምግላጽ ነቲ ውሽጣዊ ግርጭት ብካልኣይ ደረጃ ብምጥማት ብዘተን ልዝብን ክዕረ እናተጸበዩ፡ ኣብ ከበሳታት ሃገርና ፊት ንፊት ምስ ሰራዊት መግዛእቲ ተፋጢጦም እናተሓላለው ከለው ብትእዛዝ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ብድሕሪት ተኸቢቦም ኩናት ሕድ ሕድ ተኸፊቱሎም። እዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተፈጸመ ተግባር ዝከሓድ ወይ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብታሪኽ ናይዚ ጥፋኣትዚ ዝሕተቱ ውልቀ ሰባት ክሳብ ሕጂ ብጉልባብ ፖለቲካ ተኸዊሎም ምህላዎም ጥራሕ ኣይኮነን ዘሕዝን ጌና ይቅጽሉ’ውን ኣለው።
  • ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ዝኾነ ንርእይቶ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተቃወመን ካብ ናቶም ዝሓይሽ ሓሳባት ዘቅረበ ሰብ “ዝምቡል” ኢሎም ካብ ሰብ ይንጽልዎ። ንስልጣኖም ኣስጋእነት እንተልዩዎ ብዝተፈላለየ ብልሃት ሂወቱ ከምትሓልፍ ክገብሩ ጸኒሖም ኢዮም። ብልክዕ ነዚ ኣካይዳ’ዚ ኩሉ ተቃላሳይ ይርዳእ ኔሩ ክበሃል’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ እቲ ዝፈልጦ ሰብ’ውን ቀዳምነት ንመግዛእታዊ ሕቶ ስለዝሃበ እቲ ብኣግኡ ዘይተኣረመን ቃልሲ ዘይተኻየደሉን ጉዳይ ዕብለላን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን እነሆ ኩልና ብዓይንና ከምንርእዮ ዘሎና ወዮ ህዝቢ ኤርትራ ተመንዩ ብመስዋእቱ ዘረጋገጾ ናጽነት ናብ ባርነት ተቀይሩ። እቶም “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብምባል ክሳብ ዓንቀሮም ዝመልኦም ብምጽማም ኣብ ምምጻእ ናጽነት ዝመርሑ ቅኑዓት ባእታታት ይኣክል ኢሎም ስለዝተቃወሙ፡ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ባይቶ ስለዝተዛረቡን ብጽሑፍ ርእይቶኦም ንህዝቢ ስለዝገለጹ ኣብ ገሃነም ዒራ ዒሮ ዘይጻመኦም ይፍደዩ ኣለው። እቶም ዝተባህሎም ዘይተማእዘዙን ንውልቀ መላኺ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይሰገዱን ዘይወደሱን ምሁራትን ክኢላታትን ካብ ዝነበሮም ሓላፍነትን ስራሕን ኣደስኪሉ ብሞራል ክቐትሎም ከሎ ንሃገርን ህዝብን ከበርክትዎ ዝግብኦም ዓቅሚ የባኽኖ ኣሎ።


ሃገርን ህዝብን ዝኣክል ብናይ ሓደ ሰብ ድሌት ዝምራሕን ብዘይ ሕጊ ዝመሓደርን እንተኾይኑ ናጽነት፣ መስል፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ወ.ዘ.ተ. ኣበይ ኣሎ ክበሃል ይከኣል? እዚ እንተዘይሃለወ ጭቆና፣ ምልኪ፣ መግዛእቲ፣ ንሓደ ህዝቢ ብጸሊም ይኹን ብጻዕዳ ለውጢ የብሉን።

እነሆ ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ናይ መሬት ወዲኣ ናብ ጠፈር ኣብ ትጓየየሉ ዘላ እዋን ግሉጽነት ሰፊኑ ሰባት ሓሳባቶም ብነጻ ዝገልጽሉ ቴክኒክ መራኸቢ ብዙሃን በርኪቱ ካብ ቀይድን ዋንነትን ናይ መንግስታት ዝተገላገለሉ ግዜ፡ ሓይልን ጎነጽን ዕሽነት፡ ልዝብን ምጽውዋርን ውርዝዩነት ምዃኑ ዝተኸስተሉ መዋእል፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ግን ኣብ ፈጺሙ ዝተፈልየ ህሞት ይርከብ ኣሎ።

ኤርትራ ሃገርና ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብኡ ዘሎ ህዝብና ድማ እሱር ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ፡ ዝርካቡ ጸጋታትና ብሰበ ስልጣንን ጀነራላትን ይምዥረጥን ተረፍ ከኣ ንናይ ጎረባብትና ሃገራት ተቋወምቲ ይምወል ምህላው ዘይፈልጥ የሎን። ካብዚ ኣደራዕ’ዚ ንምግልጋል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ቃልሲ ኣብ ዝቅጽለሉ ግዜ፡ መራሕቲ ናይ ገለ ሲቪክ ማሕበራትን ውድባትን ሰልፍታትን ካብቲ ናይ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረን ካብ’ዚ ዘሎ ኣካይዳ ህ.ግ.ድ.ፍ.ን ብዘይፍለ ኣገባብ፡ ነጻ ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ጥራሕ ስለዝገለጹ መሰላት ኣባላቶም ክግህሱ ንርኢ ኣሎና።

ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ቀዳምነት ንባዕዳዊ መግዛእቲ ተዋሂቡ ሸለል ስለዝተባህለ፡ ሎሚ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ዝተኸፎሎ ናጽነት ምልካውያን ንግስነት ኣዊጆም ‘ፈላጭ ቆራጭ’ ብምዃን ንህዝብና ኣብ ታኼላ ሽግር ሸሚሞም እናረኣና ሕሉፍ ግጉይ ተመክሮና ክድገም ዘፍቅድ ሕልና የብልናን። ዘረባኻ ጥራሕ ክስማዕ፡ ክትግበር፡ ክትመርሕ፡ ክትእዝዝን ክትስመ ምድላይ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ኢዩ። ብስም ቃልስን ፖለቲካን ተጎልቢብካ፡ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ተመሲልካ፡ ሃንቀውታ ውልቃዊ ድሌትካ ንምፍጻም እንተኾይኑ ዕላማኻ ጥራሕ ኢኻ ርእይቶን ሓሳባትን ካልኦት ዘይትቅበልን ዘይተኸብርን ወይ ብልዝብ ክትረዳዳእ ዘይትመርጽ።

እቲ ዘገርም ገለ ካብቶም ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ነቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ተሞክሮ ዝሓለፍን ሕጂ ነቲ ሳዕቤን ናይ ሽዑኡ ወዲቁና ዘሎ ኣደራዕ ክንእርም ኢና ብምባል ኣብ ኩርሲ መሪሕነት ናይ ተቋወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዘለው ኢዮም ታሪኽ ዝደግሙ ዘለው።

ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ፡ መስራቲ ኣባልን ኣባል ላዕለዋይ ቦርድ ናይ ዜጋታት ንዲሞክራሲያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (CDRiE)፡ ሓሳባቱን ተቃውሙኡን ስለዝገለጸ ጥራሕ ብትእዛዝ መሪሕነት ስድሪ ደስኪሉ ኣሎ።



ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣቦ ወንበርነት ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ፡ ንኣባሎም ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ስርርዕ ዞባ ኤውሮጳ ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 ነሓሰ 2010 ዓ/ም ንገለ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ኣኼባ ብጽሑፍ ነጻ ሓሳባቱ ስለዝገለጸን ንኣሰራርሓ ኣቦ ወንበር ስለዝነቀፈን ኣደስኪሎሞ ኣለው።

‘ብምሸቱ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕደረንን’ ከምዝበሃል ሎሚ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ዝተወስደ ጽባሕ እቲ ዝምነይዎ ረኺቦም ስልጣንን በትርን ምስጨበጡ ካብዞም ናይ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ ብምንታይ ኢዮም ክፍለዩ? ሓሳባትን ርእይቶን ሰባት ምሳኻ ዘይሰማማዕ ወይ ንተግባራትካ ዝትንክፍ እንተኮይኑ ከም ሓጥያት እንተተቆጺሩ ናትካ ሓሳባትን ርእይቶን’ውን በቶም ካልኦት ክውገዝ ከምዝኽእል ምርዳእ የድሊ። ምክብባር ሓሳባትን ምትሕልላይ ሓድሕድን እንተዘይሃለወ ምስምማዕ ክህሉ ይኽእል ዲዩ?
ገለ ካብቶም ወሰንቲ ምስ ዝነበሮም ሓላፍነት ናቶም እጃም ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ምዕባስ ርእይቶ ካልኦት ንጹሃት እንታይ ምንባሩ’ውን ንምግማት ኣየሸግርን ኢዩ።

ሕጂ’ውን ምናልባት “ውሽጣዊ ናትና ናይ ማሕበርና፣ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ኣሰራርሓና ኢዩ። እቲ ብጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ወይ ብፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ስርርዕ ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ዝቀረበ ሓሳብ ን መግለጽን ንማሕበርና ዝሃሲ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ወይ ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታተን ኢዩ፡ ብድምጺ ብልጫ ኢና ከኣ ኣደስኪልናዮም” ዝብል መልሲ ክቐርብ ይኽእል ይኸውን፡ ግን ኣይከምኡን። ናበይ ድዩ ጉዕዞኦም? መገዲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዲዩ?
 
ዝኾነ ናይ ቃልሲ ማሕበር ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ እኮ ዕላምኡ ምእንቲ ህዝቢ ስለዝኾነ ዋንነቱ ናይቶም ኣቚሞሞ ዘለው ኣባላት ጥራሕ ኣይኮነን። ናይቲ መላእ ህዝቢ ኢዩ። ምኽንያቱ ምእንትኡ ስለዝቆመን ንዕኡ ስለዝውክልን ብምትሕብባር ናይ ኩሉ ስለዝኾነ ዝሰርሕን። ናይ ማሕበርና፤ውድብና ወይ ሰልፍና ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዩ ተባሂሉ ክምኽነ ወይ ክጉልበብ ኣይግባእን። ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ካምፓኒታት ሰብ ብርኪ ጥራሕ ኢዮም ዝጥቀሙሉ።

ኣብ ልዕሌኻ ንዝቀርብ ነቀፌታ፡ ንሓሳባትካ ዝቃወም ናይ ካልኦት ርእይቶ ምስዘጋጥመካ ኣብ ክንዲ ንዝሰፍሓ ክትዕ ብምዕዳም፣ ከተእምን ወይ ክትኣምን ምኽኣል እቲ ዝበለጸ መፍትሕ ክንሱ፡ ጉዳያት ከዋዊልካ ንዓኻ ብዝጥዕም መገዲ ምቅራብ፡ ናብ ጓል መገዲ ብምኻድ ኣንፈት ከምዝስሕት ምግባር፡ ንቀሊል ብምክባድ ዘይናቱ ምስሊ ብምሃብ ዝግበር ተግባራት ባህሪ ናይ ኣምባገነንነት ካብ ጉድለትካ ንምህዳም ዝግበር ብልሓት ኢዩ።
 
ኣቀዲምካ ምስ ዝኸማኻን ተኸተልትኻን ኣጋማዲሕካዮን ወዲእካዮን ዝመጸኻ ጉዳይ ንይምሰል እሞ ብድምጺ ንወስን ኢልካ ዓብላልነትካ ብምርግጋጽ ሕጋዊ ኔሩ ክትብል ምፍታን ዝበለየ ጉርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ፡ ገለ ተጣበቅቲ ሰብዓውን ዴሞክራስን መሰላት ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ዝነጥፍ ዘለው ተቓለስቲ፡ ብብጾቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ፡ ዘይሕጋ’ውን ግጉይ ኣሰራርሓ እንዳርኣዩ ከምዘይርኣዩን እንዳሰምዑ ከምዘይሰምዑን ኮይኖም ክሓልፍዎ ከለው ኢዩ። ዘይፍትሓዊ፡ ዘይሕጋ’ውን ግጉይ ኣሰራርሓ ኣበይን ብመንን ይፍጸም ኣሎ ብዘየገድስ ክምከት ዘለዎ ኢዩ። እንተዘየለ ዘቁጸልጽል ኣስማት ናይ ተቃለስቲ ተሰኪምካ፡ ኣቀድም ኣቢልና ከምዝጠቀስናዮ ኣብ ጊዜብረታዊ ቃልስናን ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታትን ዝተገበረ ጌጋታት ንደግም እንተኾይና ለውጢ ከነምጽእ ኣይንኽእልን፡ እኳ ድኣ ተሓባበርቲ ናይቲ ዝግበር ዘሎ ጌጋታት ኢና ንኸውን ዘለና። ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጥራሕ ኣብ ምቅላዕን ናቱ ሓጥያት እንዳጸብጸብካን እንዳጽሓፍናን እንዳተዛረብካን ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ከነውጽእ ንሓስብ እንተሊና፡ ሕልሚ ጥራሕ እዩ ከኸውን። ሕልናና ኣንጺህና እቲ ዕላማ ተቃለስቲ ዝጠልቦ ስራሕ ስጋዕ ዘይሰራሕና ነብስና ነዕሽው ጥራሕ ኢና ዘለና።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስን ኢሳያስ ኣስፍሃን ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ኣጥቢቕና ብምኹናን ንኣባላት ስድርን ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ደለይቲ ፍትሕን ነዚ ብመሪሕነት ናይ ስድርን ሰልፊ ህዝብን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ንኽኩንንዎ ንጽውዕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣስራርሓ እንተቐጺሉ ግን ሎሚ ንዖዖም ጽባሕ ነቶም ዝተረፍና በብሓደ ዕጫና ክበጽሓና ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
12 ነሓሰ 2010



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...