እማመ ሽዱሽተ ነጥብታት ንሃገራዊ ዋዕላ
ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ምሕደራ (ኤ.ም.ደ.ም.)

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት 25, 2010, ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ምሕደራ “እወ ንሃገራዊ ዋዕላ“ ብዝብል ዘንቀሎ ሓሳብን ምልዕዓልን ህዝብና ብህንጡይ ዓቕሊ ከም ዝተቐበሎ ዝዝከር እዩ። ሕጂ እውን ሃገራዊ ዋዕላ ጭቡጥ ኮይኑ ብዓቐን ዘይንዓቕ ካብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ  ውድባትናን ምንቅስቓሳትናን በርጌሳዊ ማሕበራትናን ክሳተፉዎ ይሻባሸቡ ኣሎው። ከምቶም ዝተፈላለዩ ማሕበራት፡ ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) እውን ናቱ ገለ ስክፍታታት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነጥብታት እናሃለዎ ግን ከኣ እዚ ዋዕላ’ዚ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ኣብ ቃልስና ኣገዳስን ኣዎንታውን ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋትና ኩሉ ስክፍታትናን ግጉይ ተሞኩሮታትናን ከይድገሙ ኣተንቢህና እኳ እንተነበርና ሕጂውን ደጊምና ተመሳሳሊ ዳግም ጌጋታት ከይግበር ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኩሉ ተቓውሞ ደምበን እንተላይ ጽላል ውድባት ዝኾነ ኪዳንን ወትሩ ብዘይ ገደብ ግዜ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ብዘይ ጭቡጥ ለውጢ እውን ዓመት ካብ ዓመት ክሓልፍ ጸኒሑ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ ግን ዝሓለፉ ይኣክል ክንብል ክንክእል ኣለና። ተቓውሞ ደምበ እቲ ኣኼባና “ብዓወት ተዛዚሙ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ጌርና” እንዳበልካ ምእዋጅ እሞ ዘይስጉመሉ ስራሓት ኣብዚ ከብቅዕ ኣለዎ። ሎሚ ነብስና ብዳግመ-ስርርዕ ወዲብና ካብቲ ባዕልና ዝሰራሕናዮ መጻወድያ ወጺና ንህዝብና ነጻ ክነውጽኦ ክንበቅዕ ኣለና። ስለዚ እዩ ኻኣ ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) ናይ ሽዱሽተ ነጥብታት እማመ ዝኾኑ መረቕ-ሓሳብ ሒዙ ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ምልዕዓል ዝገብር ዘሎ።

ንሕና ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ምሕደራ ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሓምሳ (50) ዓመታት ዝተፈጥሩ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምፍታሕ ሕጂ ዳምዳም ካብ ምባል፡ ንህዝብና ነጻ ምውጻእ ኣብ ዘተኮረ ቀንዲ ብድሆታት ቃልሲ ከነዐምቕ ኣለና ኢልና ንኣምን። እቶም ቀንዲ ስትራተጅን ሜላን ቃልሲ ከኣ ከመይ ጌርካ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ትቕይሮን ስልጣን ካኣ ካብኡ መንዚዕካ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ተረክቦን ክኸውን ኣለዎ ንብል። ኣብተን ዓሰርተ መዓልታት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ እማመ ነጥብታት ብኹሉ ዓቕምታትና ክነዐውቶም እንተኺእልና ዓቢ ናይ ዓወት ብስራት ንህዝብና ክኸውን ምዃኑ ጥርጥር የብልናን።

1. ሓደ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባይቶ

ባይቶ ክባሃል ከሎ፡ ጉባኤ ህዝብና ኣብ ወጻኢ ዘጠቓለለ ኾይኑ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ነጥብታት ንህዝቢ ኤርትራ ዝትንክፉ ዘትዮም ናይ ትልሚ-ዕዮን መፍትሕታትን ሒዝካ ምውጻእ እዩ። ኣብዞም ዝሓለፉ 19 ዓመታት ዝነበሩ ኣንጻር ህግደፍ ሜላን ቅድን ቃልስና እንተላይ ናይ ኪዳን ኣቀላልሳ ብህዝቢ ብዙሕ ሕጽረታት ከምዘሎዎን ክንቀፍን ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኪዳን እውን ነቶም ከመዝግቦም ዝጸንሐ ኣብ 12 ዓመታት ዝነኣዶምን ዘሞጎሶምን ሰብ የለን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ነዚ ሕጂ ኪዳን ሓላፍነት ተሰኪሙ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ጉዳይ መጻኢ ሃገሩ ንኽዝቲ ኣብ ዋዕላ ምዕዳም ግን ብርግጽ ኪዳን ዝንኣድ ስራሕን ጻዕርን ከምዝገበረ ክሰሓት ዘይብሉ ነጥቢ እዩ። ሕጂ ከኣ ኪዳን ኣብነት ብምዃን ነቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝበሃል ዘሎ ካብ ጭርሖ ሓሊፉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጀሚሩ ነፍሱ ብነፍሱ ክቕይር ድሉውነት ብተግባር ከርእን ከመስክርን ኣሎዎ ንብል።

ኣብዚ ዝመጽእ ዋዕላ፡ ተሳተፍቲ በርጌሳዊ ማሕበራትን ጸጊዕነት ዘይብሎም ውልቀ-ሰባትን ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ንኪዳን ዓቢ ዕድል ኮይኑ መልክዑን ቅርጹን ቀይሩ ሓድሽ ፈጻሚ ኣካል ናይ ህዝቢ ባይቶ ንኽምስርት ክሕግዞ እዩ። እቲ ካብ ዝተፈላለዩ ውህደት ተሳተፍቲ ኣብ ዋዕላ፡ ኪዳን ነቲ ብርግጽ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከመዝግቦ ደልዩ ዘሎ ኣብ ውሽጡ ብጣዕሚ ሓጋዚ ተራ ከም ዝጻወት ዘየጠራጥር ውሕስነት ህዝቢ እዩ ክበሃል ይከኣል። ድሕሪ እቲ ኩሉ ፖለቲካውን ሕጋውን ኣጀንዳታት ምዝታይ ሃገራዊ ዋዕላ ነቲ ዘየዕግብ ኣሰራርሓ ቀይሩ ዝሰርሕ ቅልጡፍን ንጡፍን ንጥፈታት ዘካይድ ሓድሽ ፈጻሚ ኣካል ክመርጽ ኣሎዎ ንብል። ሓድነትና ከም ህዝብን ሃገርን ብልክዕ ኣብ ተሃዋሲ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ነዚ ኣብ ግምት እንተ’እቲና እቲ ቀንዲ ዕላማና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ምቕያር ግሁድን ዕውትን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እቲ ሓድሽ ዝምረጽ መሪሕነት ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ንሓደ ንጹር ዝኾነ ዕላማ ሃገራዊ ዋዕላ ሓላፍነት ዘሰከሞ ክሰርሕ ክኽእል ኣሎዎ። ነቲ ነናይ ውድብካ ስራሕ ቀዳምነት ብምሃብ ሸንኮለል ምባል እውን ካብዚ ዋዕላ’ዚ ንድሕሪት ከብቅዕ ክኽእል ኣሎዎ።

2. ሓደ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት-ጽሕፈት

እቲ “ለውጢ“ ዝብል ቃል ዝውቱር ኮይኑ ግን ከኣ ነቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል ኣምር ሓጋዚ ነገር እዩ። ኪዳን ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ “ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ“ ብዝብል ስም ኣጠሚቑዎ ኣሎ። ለውጢ ክባሃል ከሎ ግን ብመሰረቱ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ናይ ኣሰራርሕ ብሮክራሲን ፕሮቶኮልን እውን ክልወጥ ኣሎዎ ማለት እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ተቓውሞ ደምበ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ክረአ ዝጸንሐ፡ ካብ 13 ክሳብ 18 ዝኸውን ውድባትን ምንቅስቓሳትን በብመንገደን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና ተኣማምንነት ንኽረኽባን ከምኡውን ናይ ወጻኢ መንግስታትን ትካላትን በቢፋንጠአን ፍሹል ዝኾነ ዝምድናታት እየን ከካይዳ ጸኒሐን። ብተመሳሳሊ መንገዲ እውን ነተን ዓበይቲ ጽልዋ ዘለወን ሃገራትን ንዓለም ለኸ ማሕበራትን ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ጉጅለታትን ብበበይኑ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሉኡኻት ዘይሳማማዕ ከምቲ ንህዝብና ዝብሉዎ መልእኽትታት ክመሓላለፍ ጸኒሑ። እዚ ኣገባብ ኣቀላልሳን ኣቀራርባን ናይ መወዳእታ መዓርፎኡ ክሕዝ ኣሎዎ። ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ነቲ መትከል ህዝብና ነጻ ምውጻእን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቕያርን ዝብል ረጊጸን ነቲ ህዝባዊ ባይቶ ዘገልግል ለውጢ ንኸምጽኣ ቁሩባት ክኾና ኣለወን። ኣበርክቶ በርጌሳዊ ማሕበራትና ብቐሊል ዝርአ ዕማም ስለዘይኮነ፡ እቲ ሓዲሽ ትካል፡ ሓደ ዋና ቤት ጽሕፈት ብምግባርን ሓደ ተልእኾ ብምሓዝን ንኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኤስያን ኣመሪካን ከምኡውን ንኣውስትራልያን ብምኻድ ንበርጌሳዊ ማሕበራትና ከም መሳልልን መራኸብን ምንጪ ተጠቒምካ ዕውት ዝኾነ ስራሕ ክካየድ ኣሎዎ። ኪዳን ብሓቂ ንለውጢ ቁሩብ እንተኾይኑ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሉኡኻቱ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ማእከላዊ ቤት-ጽሕፈት ተጠርኒፎም ንማንታ ዕላማታት ጭቡጥ ናይ ለውጢ ሰነድ ብምሓዝ ክሰርሑ ይግባእ። ኤርትራዊ ዜጋ (ድያስፖራ) ከኣ ውልቃዊ ተሳትፎኡ ከም ግቡኡ ወሲዱ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ግድን ለውጢ ከም ዘድሊ ተፈሊጡ ሓገዛት ንምርካብ ክንጽዕር ይግባእ። እዚ እንተተጌሩ ኣብ ሓጺር ጌዜ ህዝብናን ኤምባሲታትን ልኡኻት ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ኤርትራን ተኣማንነቶም ናብ ህዝባዊ ባይቶ ከም ዝቕይሩ ኣይንጠራጠርን።

3. ሓደ ናይ ቁጠባውን/ ፋይናንሳውን ጉዳይ ቤት-ጽሕፈት

ነዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብወፈያታት ንመንግስቲ ይኹን ንተቓዎምቲ ሓይልታት ከዋጽእ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን ኩሉ ጁባታት ህዝብና ተሓንኵኹን ድልየታቱ ተጸንቂቑን ስለዝኾነ ዝረአ ጭቡጥ ለውጢ እንተዘይመጺኡ ንኸዋጽእ ቁሩብ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዝተመቓቐለ ሓይልታት ተቓውሞ ብምሕጋዝ ዝተረኽቦ ጠቕሚ የለን። ኣብ ውጻኢ ዘሎ ህዝብና ሓገዛቱ ከውፊ እንተኾይኑ ንለውጢ ከም ቅድመ-ኩነት ብምስራዕ ጥራሕ እዩ። ስለዚ ተግባራዊ ሰነድ ምስ ሓቀኛ ምዱብ ገንዘብን ቀጻሊ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብዝተሰነየ ኣስራርሓ ከርኢ ኣሎዎ። እዚ ዝተጠቐሰ ኣብ ተግባር ከውዕል እንተኾይኑ ከኣ ኩሉ እቲ ዝተፈላለየ ናይ ገንዝብ ቤት-ጽሕፈታት ኣብ ሓደ ማእከላዊ ቤት-ጽሕፈት ተጠቓሊሉ ህዝብና ብቐሊሉ ብኽርእዮ ዝኽእል ኣገባብ መንገዲ ክሰርሕ ክጅመር ኣሎዎ።

4. ሓደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሰራዊት

ኩለን ኣባላት ኪዳን ውድባት ነናተን ፖለቲካዊ ሓሳባትን ሃይማኖታውን፡ ብሄራውን መደብ ዕዮታተን ከዐውታ እየን ክጽዕራ ጸኒሐን። ኩለን ከኣ ኣንጻር እዚ ዘሎ ዓብላሊ ስርዓት ኮይነን ነናተን መተካእታ ፕሮግራማት የቕርባ ኣለዋ። ገሊአን ሃገራዊ ፕሮግራም ክህልወን ከሎ ገሊአን ከኣ ሃይማኖታውን ብሄራውን መደብ ዕዮ ኣለወን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ገሊአን ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ክኣምና ከለዋ ገሊአን እውን ኣብ ዓመጻውን ሱር ነቀል ለውጥን ይኣምና። ናይ ኪዳን ቻርተር ከኣ ንኹሉ ብዘጠቓለለ ካብ ብሰላማዊ ክሳብ ዓመጻዊ ማለት ኩሉ ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃም ለውጢ ከምጽእ ኢሉ ኣስፊሩዎ ዝርከብ።
ነተን ብድፕሎማስያውን ሰላማውን ኣገባብ ኣቀላልሳ ዝኽተላ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ርእይቶኦም እንተኣኽበርና፡ ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) ግን ስርዓት ህግደፍ ንኽትስዕርን ስልጣን ናብ ህዝቢ ንኸተረክብን ብሓይሊብረት ተኸላኸልቲ ሰራዊትን ዕጡቕ ሰራዊት ተቓውሞን የድሊ ኢሉ ዝኣምን። ኣብዚ ሓደ ቅድመ-ኩነት ክቕመጥ ዘለዎ እንተልዩ፡ እተን ኩለን ብሓይሊ ብረት ተጠቒመን ንስርዓት ህግደፍ ተጽዕኖ ክገብራሉ ዝደልያ ውድባት ስርሐን ዕውት ንኽኸውን መጀመርያ ሰራዊተን ኣብ ሓደ ኣዋሃሂደን ብሓደ ማእከላዊ መሪሕነት ክእዘዛ ኣለወን ንብል። ምንቅስቓስና ከኣ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ነዚ ዕላማ እዚ ንኽትግበር ክጣበቕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ምልዕዓል እዚ ከኣ ኣብ ምጥርናፍ ወተሃደራዊ ክንፊ ዓቐናዊ ጽልዋ ኣሕዲሩስ ውድባት ገለ ኣወንታዊ ስጉምቲ ናብ’ዚ ኣቕጣጫ’ዚ ከም ዝተውስደ ጌርና ንግምግም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሾመንተ ውድባት ሰራዊተን ንሓደ ዕላማ ብሓባር ንኽሰርሓ ዝኣዎጅኦ ኣዋጅ ክምስገን ዘሎዎ እዩ ንብል። እዚ ተበግሶ’ዚ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ኮይኑ፡ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ ግን ሸነኸይ ሸነኽካ ጥራይ ዘኮነስ ሓቀኛ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ንምርግጋጽ ኣብ መስርሕ ኣሎና። ህዝብና ድልየቱ ሓደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሰራዊት ቆይሙ ናይ ሓድነት ስርሒት ንኽርኢ ይጽበ ኣሎ። እዚ ዕድል እዚ ከየምልጠና ከኣ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሓይሊ ተጠርኒፎም ብሓባራዊ ሰራሕ ንስርዓት ኣስመራ ንከውድቕዎ ተስፋ ንገብር።

5. ሓደ ኮምሽን ቅዋማዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት
ኢቕዋማውን ኢሕጋውን ስርዓት ኣስመራ ብኣዋጃት ጥራሕ እዩ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ። ሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት ብዘይ ቅዋም ምስ ዘማሓደር፡ ዲክታቶርያዊን ውልቀ- መላኽን ኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ተማእዛዝነትን ተቐባልነትን ዘይብሉ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ህልዊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከኣ ብተጽዕኖ ዲክታቶርያዊ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እና’ዘውተረ ጥራሕ እዩ ዝገዝእ ዘሎ። ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣብ ስራሕን ምምስራትን ክልተ ቅዋማት ዝተሞከረ ክኸውን ከሎ ግን ካኣ ጌና ኣብ ቅዋማዊ ሰልሚ ትሸኺሉ ዋላ ተቓወምቲ ሓይልታት ከድሕንዎ ኣይክኣሉን ዘለዉ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤርትራዊ መንግስቲ ብ1952 ቅዋም ሓንጺጹ ቅኑዕ ዝኾነ ድሞክራስያዊ ቅዋም ሰነድ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብምሕዋስ ብ1963 ቅዋምና ስርሑ ኣቓረጸ። እዚ ናይ ቀረባ ግዜ ቅዋም ብ1996 ዝተሓንጸጸ ከኣ በቲ ንሽሙ “ናይ ህዝቢ ፓርላማ” ዝባሃል ዝጸደቐ እውን እንተኾነ ብስርዓት ህግደፍ ተኾኒኑ ን13 ዓመታት ኣብ ከብሒ ተደርብዩ ይርከብ። እዚ ሰነዳት ቅዋም’ዚ ከኣ ዋላ እኳ ሕጽረታት ይሃልዎ እምበር ኪዳን ከም መበገሲ ተጠቒሙ እቲ ኣዎንታዊ ሸነኻቱ ክወስድ ይከኣል እዩ።
ኪዳን እውን ኩለን ኣባላት ውድባት ብዝተሰማማዓሉ ቻርተር ስልጣን ናብ ዋንኡ ናብ ህዝቢ ከመሓላልፍ ኣሎዎ ዝብል ኣሎዎ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቁዋማት ክጅምር ይኽእል እዩ። መጀመርያ ነዘን ክልተ ቅዋማት ከም ሰነድ ከለልየን ይግባእ፡ ቀጺሉ ከኣ ናይ ቅዋም ሽማግለ ካብ ማእከሉን ካብ ዋዕላ ደገን ካብ ዘለዉ ዜጋታት መሪጹ ነቲ ኩሉ ዘሎ ሕጋዊ ሰንዳትን ባህላዊ ሕጊታት እንዳባን ተጠቒሙ ተወሳኺ መጽናዕታት ብምግባር ብድራፍት ናብ ህዝቢ ንዘተ ከውርዶ ይኽእል እዩ። እዚ ሰነዳት እዚ ከኣ ከም ትልሚ ዕዮ ተጠቒሙ ናይ መጻኢት ኤርትራ ቅዋም ኣብ ምድላው ዓቢ እጃም ከበርክት ይኽእል እዩ።

6. ሓደ ዓመት ግዜ ገደብ ፈጻሚ ኣካል

ካብዚ ሃገራዊ ዋዕላ’ዚ ዝቐውም ባይቶ ንሓደ ዓመት ንህዝቢ ዘገልግል ፈጻሚ ኣካል መዚዙ ማለት፡ ካብ መስከረም 01, 2010 ጀሚሩ ክሳብ መስከረም 01, 2011 ስልጣኑ ዘኸትም ይኸውን። ናይ ሓደ ዓመት ገደብ ዘለዎ መሪሕነት ምናልባት ሓጺር ኮይኑ ይረአ ኸውን። ግን ከኣ ቅልጣፈ ብዘለዎ ኣሰራርሓ እንተተመዲቡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ዞናና ዓቢ ፍጻሜታት ከምዝግብ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ኪዳን ተቐባልነቱን ተእማምንነቱን ክረጋገጽ እንተኾይኑ ብናይ ሓደ ዓመት ገደብ ናይ ስልጣን ድልየቱ ክውሰን ይኽእል እዩ። ሓደ ነገር ክዝከር ዘሎዎ ህዝብና እምነት ኣጕዲሉ ዘሎ ሓደ ዓይነት መሪሕነት ጥራሕ ንነዊሕ ግዜ ይርኢ ስለ ዘሎ እዩ። ሃገራዊ ዋዕላ ንምግባእ ብመሪር መድረኽን ቅርሕንትን ይሕለፍ ስለ ዘሎ ዝሓጸረ ናይ ግዜ ገደብ ምግባር ነቲ ቅርሕንቲ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኸሕውዮ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ግዜ ገደብ ምግባር ንመሪሕነት ምቁጽጻር ይጠቅም ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕሉፍ ግጉይ ተሞኩሮታትና እውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽንእርሞ ዝሕግዝ ሓሳብ እዩ።

ሎሚ ሃገርና ብሓደ ሰብ ኣብ ትመሓደረሉ ዘላ እዋንን መንእሰያትና እውን ንዘይተወሰነ ግዜ ንስልጣኑ ክብል ኣብ ጎዳጉዲ ድፋዓት ተደርብዮምሉ ዘሎው እዋን እዩ ዘለና። እዚ እዋን እዚ ነጻነት ናይ ምንቅስቓስ ዘይብሉ፡ ሓሳባትካ ዘይትገልጸሉ፡ ክትእከብ እውን ዘይፍቀደሉን ግፍዒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ንፍሲ ወከፍ ደቓይቕ ዝዝውተረሉ ዘሎ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ግፍዕን ራዕድን ከኣ ንሓደ መዓልትን ለይትን እውን ንህዝብና ነዊሕ እዩ ። ስለዚ ካብዚ ሃገራዊ ዋዕላ ዝምረጹ መሪሕነት ጥቕሚ ህዝቦም ካብ ውድቦም ንላዕለ ኣቐዲሞም ዝርእዩ እንተኾይኖም ግደፍ’ዶ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ቅሩብ ኣዋርሕ እውን ብዙሕ ነገራት ክዕመሙ ይኽእሉ እዩም።

መደምደምታ

ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ እማመ ሹድሽተ ነጥብታት ንተጋብእቲ ሃገራዊ ዋዕላ ሓሳባቶም ብጥርኑፍን ጭቡጥን መሳርዕ ኣትሒዙ ከዐውቱና ዝኽእሉ ነጥብታት እዮም ኢሉ ይኣምን። እዚ ከኣ ህዝባዊ ጠመተ ብምስሓብ ናብ ተግባራዊ ዓወታት ከምረሓና ክኽእል እዩ። ናይ ህዝብና ደሌትን ጠለብን ቁጽሩ ብዙሕ ኢዩ። ተጋባእቲ ድማ ውሑድ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና ጥራይ ስለ ዝኾና፡ እቲ ዕላማ ሃገራዊ ዋዕላ ናብቲ ቀንድን እዋናውና ዕማም ጥራይ ከቶኩር እንተጌርናዮ ምስ ትጽቢታት ህዝብና ዝጋጠም ውጽኢት ከነመዝግብ ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን። ንብዝሑነት ህዝብና ኣብ ግምት ብዘእተወ ሓድነት ህዝብና ምስዝረጋገጽ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ’ዚ ንዓወትና ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ከብጾሖ ከምዝኽእል ንኣምን። ስለዚ ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕምታትና ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስዒርካ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ዝብል ኣምር ኣተኵርና ምስ እንቃለስ ዓወትና ናይ ግድን እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዓወት ንሓይልታት ለውጢ!
ኣምላኽ ሃገርና ይባርኽ!!!
ኤ.ም.ደ.ም. (EMDG) ሓምለ 09, 2010

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...