ስቱትጋርት 05/07/201
ዕዉት ኣኸባ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
ስቱጋርትን ከባቢኡን

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምቲ ኣቐዲምና ብመራኸቢ ብዙሃን ክንሕብሮ ዝጸናሕና ድሕሪ ነዊሕ ተኻታታሊ ኣኸባታት ምስልሳል ብዝተዋሃባ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ማለት ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ካብ ውድባዊ ይኹን በርገሳዊ ማሕበራት ነጻ ዝኾኑ ብህዝቦምን ሃገሮምን ዝሓሙን ኣብ ክሊ ደንበ ተቓውሞ ዓቕሞም እንዳ ፈጸሙ ብተገዳስነት ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ካልእ ንጥፈታት ክዋስኡ ጸኒሖም ዝበለቶም ኮምኡውን ብተሞኩሮን ዓቕምን ተመዚኖም መልእኽቲ ህዝቢ የብጽሑ እዮም ብምባል ዝቐረብቶም ሽዱሽተ(6) ኣባላት ዝርከብዋ ብምርኻብ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ዕዉትን ኣገዳስን ኣኸባ ብምክያድ ብዕሊ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ሽማግለታት ብምልላይ ንዘኺዶም ዘሎ መሰረታዊ ዓላማ ንምዕዋት ክድግፎምን ክጠቕሞም ዝኽእል ምኽርን ርእይቶን ለበዋን ካብ ኩሉ ኣባል ሽማግለ ብምስናቕ እቲ ኣኸባ ብፍሉይ ስምዒት ብዓወት ተዛዚሙ።

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስቶም ጉልበቶምን ግዚኦምን ከይቆጠቡ ብሓላፍነት ንህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ወኪሎምን ሓሪኖምን ክላኣኹን ከገልግሉን ተቐሪቦም ዘለዉ የሕዋት ኣኸባ ብምቕጻል ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተኻየደ ኣብ ውሽጢ ውሱን ዝተጻበበ ግዜ ብዘይ ዕርፍትን ሸለል ምባልን ናይ ህዝቢ ሕድርን መልእኽትን ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጸሖ ንዝተሓባበሩና ኩሎም ንምምስጋንን ንዝለኣኸና ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ህዝብናን መታን መሊኡ ከዕጥቖምን ተወሳኺ ርእይቶ ከሀብትሞምን ክላበዎምን መሪቑ ከፋንዎምን ንሰንበት ዕለት 18/07/2010 ኣብ ስቱጋርት ናይ ህዝቢ ኣኸባ ክግበር ብምሉእ ዕግበት ብምውሳን እቲ ኣኸባ ብኣላዝቦ ዝመለኦ ሃዋሁው ተፈጺሙ።

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ንምዕዋቱ ንበገስ ኣይነዕጠጢ!!
መድረኽ በሲሉ ኮይኑሎ መሳጢ!!
ህግደፍ ክሰዓር ብሓንቲ ጎስጢ!!

እንበኣርከስ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብዚ ዝተባህለ ዕለት ንወከልትና መሪቕና ከነፋንዎም ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን መላእ ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኣን ብኽብሪ ትዕድምን ተማሕጽንን።

ናይ ኣኸባ ቦታ ኣብቲ ኩሉ ግዜ እንእከበሉ ልዕሊ ማሕበር ምትሕግጋዝ እዩ።

ኣድራሻ Landhaus str.62
70190 Stuttgart
ሰዓት ካብ 1400 ክሳብ 1900

ብሰላም የራኽበና።
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና።
ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...