መሞራንዱምን ምስጋናን ~ ሺካጎ፡ ሓምለ 3፡ 2010

እዚ መሞራንዱምን ምስጋናን’ዚ፡ ብኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ምስረታ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ተዳልዩ ዝቐረበን ጉባኤኛ ብጠቓዒት ኣስንዩ ዝተቐበሎን’ዩ። ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣገዳሲ ዝበልናዮ፡ ምስጋናን መዘኻኽርን/መሞራንዱም ናብ መስራቲ ጉባኤ ከቕርብ ኣፍቁድለይ። “ጽቡቕ ንዝገበረልካ፡ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ናይ ኣበው ምስላ ክጥቀም’የ። ልክዕ’ዩ ጽቡቕ ምግባር፡ ንባዕሉ ኢዩ ጽቡቕን ግሩምን ዝኸውን። እቶም ኩሎም፡ ንስለ ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ፡ ወርቃዊ ጊዜኦም ዘወፈዩን፡ ብገንዘብ ይኹን ብሞራል ኩሉ ዝከኣሎም ዘወፈዩን ዘበርከቱን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብኣጋጣሚ ምስረታ ጉባኤ ማሕበርና፡ ልዑል ምስጋና ከቕርበሎም ብትሕትና እሓትት።

ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ ብቐጻሊ ይኹን ኣብ ገለ እዋን፡ ብናይ ግበረ-ሰናይ ማሕበራት ንመደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ይኹን ኣብ ዝሃልዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ኣብ ብረታዊ ገድሊ ኤርትራ ንዝሰንኩሉ ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ንዝሓገዙን ንዝተሓባበሩን ኩሎም፡ መስራቲ ጉባኤና፡ የቐንየልና!! ሞጎስ ይኹንኩም! ኢሉ ብዓውታን ብሓጎስን ንስለ’ቲ ጽቡቕ ምግባሮም ከቃልሕ እጽውዕ። ንኹሎም፡ ኣብ’ዚ ጽቡቕ-ምግባር’ዚ ዝወዓሉ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላት፡ ማሕበራት፡ ዝክኣል ነይሩ እንተዝኸውን፡ ብዝርዝር ክንጠቕሶም ደስ ምበለኒ። እንተኾነ፡ ንገለ ፉሩያት ዝበልናዮም ከጠቅስ ትዕግስትኹም ክትህቡኒ እሓትት። ልክዕ’ዩ፡ ኣቀራርባይ ገለ ጉድለታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ኮነ ኢልካ ከምዘይኮነ ክትርዱእለይ ግን ኣቐዲመ እልምን።

ነዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ትሕዝቶ-ቃል ዝምልከት፡ ሓው ተስፋይ ተኽለዝጊ ካብ ምስረታ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን-ፈረንሳ፡ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ስለዝኾነ፡ ኣብዚ መሞራንዱም’ዚ፡ ኣብ ፍጻሜታት ናይ ተበግሶ ሕዳር 2008ን ድሕሪኡን’የ ከተኩር። በዚ መሰረት፡ ነዚ ዝስዕብ መሞራንዱምን ምስጋናን ናብ መስራቲ ጉባኤና ከቕርብ እፈቐደለይ።

  • ኣብ ተበግሶ ሕዳር 2008 ብድምር ኣዝዮም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ንጸዋዒትና ሰሚዖም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ሓገዝ ብንያት ወፍዮም። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ኣብ ምብጋስ ማሕበርና መሰረታዊ ጽኑዕ  ማሕበርና ናብ ዓወት ክምርሽ መስረተ-ባይታ ኣትሒዞሞ ኣለዉ ክንብል ንኽእል። ስለዝኾኑ፡ ብናትና ኣመላኻኽታ፡ ማለት ኣሳናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤ፡ ኣባልነት ናይ’ዞም ውፉያት ዜጋታት እዚኣቶም ኣብ ማሕበርና ክዉን’ዩ። ፍቓዶም መታን ክኸውን ግን ኣባልነቶም ባዕላቶም ከረጋግጹ ምሕታቶም ጥራሕ ኢዩ ዘድሊ። ንሕና ከም ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ንኹሎም ነቶም ኣብ ጊዜ ተበጉሶ ሕዳር 2008፡ ናይ ገንዘብ ወፈያ ዝገበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ኣባልነቶም ክፍሊት ምሕረት (waive) ተገይርሎም፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዘረጋግጽ ብደብዳቤ ናብ ነፍሲ-ወከፎም ክልኣኽሎም፣
  • ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ፡ ንስለ’ቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ብቐጻሊ፡ ንጸገም ውጉኣት ሓርነት፡ ከም ናቱ ጸገም ርእዩ ንዝገበሮ፡ ሓላፍነታዊ ጻዕርን ሞያን፣
  • ኣብ ተበግሶ ሕዳር 2008 ይኹን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ቀጻሊ ስራሓትን ጎሽጓሻትን፡ ብጽሑፍ፡ ብስልኪ፡ ብኣካል፡ ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበሩ ኩሎም፡ ንስለ እቲ ሰናይ ተግባሮም፡ መስራቲ ጉባኤና ክፈልጠሎምን ከመስግኖምን፣
  • ወይ/ሮ ከዲጃ መሓመድ ምስ ተሓባበርታን፡ ኣብ ሎንዶን-ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንጽጉማን ኤርትራ ንምሕጋዝ ንህዝቢ ጎስጒሶም ንዘበርከትዎ ግዙፍ ናይ ገንዘብን ሞራልን ደገፍ፣
  • ካብ ዝተፋላለየ ክፍሊ ዓለማት፡ መስራቲ ጉባኤና ብኩሉ ሜዳያዊ ዓቕሙ ንቕድሚት ክንህር፡ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ብጽሑፍን ብቃልን ንዝላኣኹልና፡ ሓው ወልደየሱስ ዓማር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው ዶክተር ዮውሃንስ ዘርእማርያም፡ ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ ከምኡውን ኣባላት ምምሕዳር ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን-ፈረንሳ ዝኾኑ፡ ብናይ ጊዜ ምኽንያት ኣብ ጉባኤና ብዘይምስታፎም ቅር እናበሎም መልእኽቲ ንዝለኣኹልና ኣሕዋት ተኽለሰንበት ተክላይን ሹም ሓላል ገ/መድህንን ከምኡ’ውን ንመስራቲ ጉባኤናን ንቅያን ዝናን ናይ ውግእ ጽጉማንናን ብዘደንቕ ድረሰቶም ሞጎሶም ንዘቕረቡ ኣሕዋት- ኣንተንዮ ተስፋይ፡ ጴጥሮስ ተኽሉን ብርሃነ ወዲ ጎሉን፣

ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብጠቕላላ፡ ብዝተፋላለየ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ህዝቢ ንክቐርብ፡ ንዝተሓባበራን፡ ከም ቀንዲ መነሃርያ ናይ’ዚ ጎሽጓሽ’ዚ ንዝኾናን፡ ናይ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት መርበባትን ናይ ራድዮ ማዕከናትን ክጠቅስን፡ ጉባኤ፡ ንስለ’ቲ ንዝገበረኦ ሞያ ከሞጉሰንን ንቕድሚት እዚ ጽቡቕ ምግባር’ዚ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽለኦ ንከተባበዐንን፡

  • መስከረም ነት፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሰጋእታ፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት ዝገበሮን ዝገብሮ ንዘሎን ኣስተዋጸኦ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡
  • ራድዮ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ-ሃሊፋክስ-ካናዳ፡ ብማዕረ መስከረም.ነት፡ ካብ ክንግምቶን ክንጽበዮን እንኽእል ንላዕሊ እወንታ ስለዘበርከተ፡
  • ቺፍ ጸሃየ ተወልደ፡ ራድዮ ኤርትራ ዳላስ-ቴክሳስ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ጎሽጋሻትና ናብ ህዝቢ ብዘይ ገደብ ስለዘቃለሐ፡
  • ንሓርነት-መርበብ ኢንተነት፡ ኣብ ዓምድታታ፡ ንማሕበርና ዘየቋርጽ ምትብባዕ ንስለ ዝገበርቶ ጻዕሪ፡
  • ተጎሩባ፡ መርበብ ኢንተርነት፡  ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ንጎሽጓሽ ንምልዕዓልን ምድጋፍ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ስለዝተሓባበረ፡
  • ኣስመሪኖ፡ መርበብ ኢንተርነት፡ ኣብ ዓወደ፡ ዌብ ሳይቱ ከቃላሓልና ንዝላኣኽናሉ ጽሕፋት ስለዘአንገደ፡
  • ክልተ ህጻናት፡ ሳሊና ሰመረ፡ ጓል 14 ዓመት፡ ሳምሶም ሰመራ ወዲ 10 ዓመት፡ ንጸዋዒት ምሕጋዝ ናይ ኤርትራ ኣካለ-ጽጉማን በቲ ሽዑን ናይ ቅድሚኡን ዝዝርጋሕ ዝነበረ ቪድዮ ስእልታት ኣቢሎም እዮም ረኺቦሞ። እዞም ሓርበኛታት ህጻናት እዚኦም፡ ነተን ካብ ወለዶም ንዘዋህለልዎን መቕሹሽ (allowances): ሳሊና $17.75 ሳምሶም ድማ $ 15.50 ናብ ሳጹን ሕሳብ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ስለዘወፈዩ፡ መስራቲ ጉባኤ ብዝለዓለ ፍናን ርእዩን ተቐቢሉን፡ ናይ ሜዳዊ ናይ መተባብዒ ወረቐት ምስክር ክልእከሎም፡

መስራቲ ጉባኤ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ንማሕበርና ዘበርከትዎ ሰናይ ምግባርን ቁም-ነገራትን ተረዲኡ፡ ዝለዓለ ምስጋናን ሞጎስን ከቕርበሎም፡ ብስም ተበግሶ ሕዳር 2008ን ኣሳናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ጉባኤን፡ ነማሕጽን።

ምሉእ ዓወት ንመስራቲ ጉባኤና
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና።


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...