ለበዋን ምሕጽንታን
ካብ ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትል
 
ናብ ዝኸበርኩም
ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ ዋዕላ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!
 
ብቐዳምነት ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታና ከነቕርበልኩም ንፈቱ። ብምቕጻል ነቲ ሕዝብናን ሃገርናን ንምድሓንን ንሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ዝኣመተ እተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ኣሳልጦን ዓወትን ክህልዎ ንምነ።
 
ሌላ፡
ንሕና ኤርትራውያን ተቐማጦ ሲያትልን ከባቢኣን፣ ብህ.ግ.ደ.ፍ. ንዝግበር ዘሎ ጸረ-ሕዝብን ጸረ-ሃገርን መደባት ንምፍሻልን፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ድማ ፍትሓውን ደሞክራስያዊን ዝኾነ መንግስቲ ንኽትከል፣ ኵላትና ውዱባትን ዘይውዱባትን ኤርትራውያን ብሓባር ተጠርኒፍና፣ ሃገራዊ ግቡእ እጃምና ንከነበርክት ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን ብዝብል ስም ኣብ ትሕቲ ንጹር ዓላማ ብ5 ጥቅምቲ 2007 ዝቖመ ምንቅስቓስ ኢና። ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን ብዝከኣሎ ዓቕሚ መረረ ሕዝብን ሕሰምን ንምቅላሕን ብህ.ግ.ደ.ፍ. ንዝተካየዱ መደባት ኣብ ምፍሻል ገለ ካብ ዝፈጸሞም ስራሓቲ ንምጥቃስ ዝኣክል፤
  • ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዘዳለዎም ናይ ጥፍኣት ፈስቲቫላት ኣብ ስያትል  ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን ኣባላቱ ጠርኒፉ “መሰል ህዝብና ይተሓሎ” “ንጥፍኣት ህዝብና ኣይኮነን ዋጋ ዝተኸፍሎ” “ወለድኹም ይነብዑ ንስኻትኩም ትስዕስዑ” ወዘተ ብምባል ንህ.ግ.ደ.ፍ.ን ንሳዓብቱን ዘሰንበደ መረረ ሕዝብና ዘቃልሔ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሩ።
  • ህ..ግ.ደ.ፍ. ጉዳይ ሕዝብን ሃገርን ንሕጊን ፍትሒን ኣዋሲኑ፣ በቲ ኣብ ውሽጢ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ምትእትታው፣ ብምድጋፍ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ህ.ግ.ድ.ፍ. ኣብ ናይ ኣሸበርቲ ሊስት ከየእትዎ ደገፍ ንጽውዕ ዝብል ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣዳራሽ ንክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ መደብ ሰዓብቲ ህ.ግ.ድ.ፍ.ን መንግስቲ ኤርትራን ጸረ-ሰብኣዊን ጸረ-ሃይማኖትን ባህርያቶምን ተግባራቶም ብምክሻሕ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ናይ ምጭዋይን ምእሳርን መቅተልትን (ንናይ ኤርትራ ፓትርያሪክ ምእሳር) ዘቃልዕ ተቓውሞ ብምግባር ነቲ ቅዱስ ኣዳራሽ ንእከይ ተግባራት መኤከቢ ከምዘይጥቀሙሉ ጌሩ ።
  • ነቲ ብሶፍያ ተስፋማርያም ኣብ ኣዳራሽ ማሕበረ-ኮም ሲያትል ንዝተገብረ ኣኼባ ብሰላማዊ ሰልፊ መልክዕ ንባህርያት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተሓባበርቶምን ዘጋልጽ መረረ ህዝብና ዘቃልሔ መደብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።
  • ንእከይ ተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተሓባበርቶም ዘቃልሔ ኣብ ሰሰሙን ሰንበት ናይ ድምጺ ፈነዋ ሪድዮ ብድምጺ ወጋሕታ ዝፍለጥ ናይ ትግርኛ ፕሮግራም ብምድላው ብዓቕሚ ኣባላቱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸደ ሃገራዊን ህዝባዊን ዕዉት መደብ ኣእንጊዱ። 

ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን፣ ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ኩሎም እቶም ብጉዳይ ሕዝቦምን ዝተወለዱላ ሃገርን ዝቃለሱ ዘለዉ ከካይዶ ዝጸንሔን ዘሎን እዩ። ከም መቐጸልትኡ ድማ ብቀዳም ዕለት 29 ግንቦት 2010 ዓ. ም. ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ህጹጽ ኣኼባ ብመንገዲ ሽማግለ ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን ክጽዋዕ ዝቐረበ ጠለብ መሰረት ብምግባር ንሰኑይ ዕለት 31 ግንቦት 2010 ዓ. ም. ክልተ ኣጀንዳታት ዝትሕዝትኡ ህጹጽ ኣኼባ ጸውዔ። ንሳቶም ከኣ፡ 

  1. ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢን ከምኡውን
  2. ብጉዳይ ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን ዝብሉ ኢዮም።

ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ብልዑል ተገዳስነት ልክዕ ኣብ ሰዓቱ ብመሰረት ህጹጽነቱ ኣጀንዳ ቁጽሪ ክልተ ንመጻኢ ክውንዘፍ እንከሎ ኣብ ኣጀንዳ ቁጽሪ ሓደ ኣተኵርና ክንዝትየሉ ተገብረ።
 
ብመጀመርያ ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ጕዕዞ ድሕረ-ባይታ ሃገራዊ ዋዕላ ድሕሪ ምቕራብ፡ ተደላይነት ሃገራዊ ዋዕላ ጊዜኡ ዝሓለፎ ኣገዳሲ መስርሕ ናይ ቃልሲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ደገፍ ከምዝሃቦ ኣኼበኛታት ዝተረዳዳእናሉ ክኸውን እንከሎ ንኣገባቡ ዝምልከት ብመልክዕ ሕቶታትን ርእይቶታትን ግንዛቤታትን ለበዋታትን ሓሳባት ቀሪቦም። ነቶም ዝቐረቡ ነጥብታት ድማ ጽማ`ቝ ናብ ዝምልከቶ ክልኣኽ ተሰማሚዑ። ንኣብነት፤

  • ኪዳን ኣብ 2008 ሃገራዊ ዋዕላ ንምድላው ሓላፍነት ወሲዱ እቲ Roadmap ናይቲ ዋዕላ ንምድላው ዝተገብረ ስራሕ እኹል መብርሂታትን ሰሚናራትን ናብ ህዝቢ ከምቲ ዝድለ ኣይበጽሔን።ሃገራዊ ዋዕላ ክብሃል እንከሎ ጥራሕ ነቶም ኣብ ኪዳን ተጠርኒፎም ዘለዉ ኣካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ካብ ኪዳን ወጻኢ (ጥርኑፋትን ዘይጥርኑፋትን) ዝኾኑ ግን ከኣ ተቓወምቲን ደለይቲ ለውጢን ኣካላት ህዝብናን’ውን ኣብ ግምት ዘእተወን ዘሳትፍን ክኸውን ኣለዎ በሃልቲ ኢና። ኣብ ኣሜሪካ ዝተገብረ ዎርክሾፕ/ሰሚናር ግን ድሩት ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ተረድኦ ዋዕላ ክሰፍሕ ኣይተገብረን።
  • ሃገራዊ ዋዕላ ዝዛተየሎም ዛዕባታት ከም መካትዒ ናብ ህዝቢ ደንጕዮም ዝቐረቡ እኳ ይኹኑ እምበር እቲ ናይ ምክታዕ መስርሕ ከምቲ ዝድለ ናብ ኩሉ ኵርናዓት ክንቀሳቐስ ኣይተገብረን።
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ኪዳን ዝኾና ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት ስለምንታይ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ንህዝቢ ክፈልጦ ኣይተገብረን።
  • ብመሰረቱ ሃገራዊ ዋዕላ ዕላምኡ ንዘሎ ዘይምርድዳእን ፍልልያትን ዘጻብብ፡ ንካልእ ዓበይቲን ኣገደስትን ሃገራዊ ጉዳያትን ክፈትሕን ክምእክልን ተደላዪ ክነሱ ጌና ኣብ ምጅማሩ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ንውጽኢቱ  ዋዕላ ዓንቃፊ ኣይከውንንዶ?
  • ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝብና ብመደብ ባህሉን ሃይማኖቱን ሃገራውነቱን ክብረቱን ሕውነቱን መጻኢ ተስፋኡ  ኮታ ነቲ ከም ህዝቢ መለለይኡ ዝኾነ ጸጋታቱ መንዚዑ ንሃለዋቱ ከጥፍእን ከጽንትን ውራየይ ኢሉ ዝጓየየሉ ኣብ ዘሎ ህሞት፡ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ውሽጠን ዘይምክእኣልን ዘይምርድዳእን ዘይሓላፍነታውን ኣንፈታት ከርእያ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ወግሔ-ጸብሔ ክጸላለማን ክፈናጨላን  ከለዋ ንናይ ህዝብና ዝሑል ተሳትፎን  ኣሉታዊ ኣራኣእያን ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ኣየጋድዶንዶ?
  • ግሉጽነትን ልዑል ተሳትፎን ብሩሕ ኣሰራርሓን ህዝቢ ክስዕቦን ክሕብሕቦን ምእንቲ እቲ መንገድታት ቃልሲ ክበርህ ኣለዎ!
  • ይርባሕ ኣይርባሕ ኣብ ክንዲ ጠቕሚ ውድባትን ሰልፍታትን ብቐዳምነት ዝስራዕ ፡ ጉዳይ ህዝቢ ጠቅሚ ሃገርን  ኣብ ቀዳማይ ቦታ ተሰሪዑ ብተገዳስነት ድማ ክስርሓሉ ኣለዎ!
  • ናይ መጻኢ ጉዕዞ ኣማቲ ዝኸውን  ነቲ ብሓባር ዝተረዳዳእካሉ መምርሒታትን ሕግታትን ክትስዕቦን ክትቅየደሉን ከምዘለካ ምእማንን ምኽታልን ምምእዛዝን እዩ።
  • ሃገራዊ ዋዕላ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢን ፍትሒን ይምልከቶ። ስለዝኾነ ድማ ማሕበራዊ ኣሰራርዓ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ብግቡእ ብምርዳእ ተሳትፎ ህዝቢ ኣሰራርዓን ግቡእ ቦታ ክህልዎ ኣለዎ!
  • ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዓላማ ቅኑዕ መሳርሒ ምዃኑ መጠን፡ ኪዳን ብሓላፍነት ዝተቐበሎ ፍሉጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቶም ዝርኣዩ ሕጽረታት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝን ህዝቢ’ውን ተቐባልነቱ ከዔዝዝ ምእንቲ ተሳተፍቲ ዋዕላ  ነቲ ናይ መካትዒ ነጥብታት ብዕምቆት ፈሊጠሞ ክኣትዉን  እኩል ስንቂ ካብ ከባቢኦም ክረክቡ ምግባር ሓጋዚ እዩ!
  •  ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሲቪካዊ፡ ምትሕቝቛፍ ዘለዎ ከተማታት ናይ ክትዕ መኣድታትን ሰሚናራትን ክካየዱ ምግባር!
  • መስኖታት ናይ ሓሳባት እንካን-ሃባን ብቕልጡፍ ክተሓላለፍ ምእንቲ ስሩዕን ንጡፍን ኾይኑ ከሰርሕ ዘኽእል ቅርጽታት ክህሉ ምግባር!
  • ናይ ሕጂ ኣገባብ ውክልናን ኣሰታትፋን ዓቢ መምህር ከምዝኸውን ብምእማን፡ ንህዝብና ኣተባባዕን ሰሓብን ክኸውን ኣብ ርእሲ ምግባሩ ናይ መጻኢ ኣማቲ  ሽግ ክከውን ትክእሎ ክፈጥር ይክእል!
  • ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ኪዳን ተረኺቡ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዓይኒ ረብሓ ህዝብን ሃገራዊ ድሕነትን ተራእዩ፡ ተጸዋርነት ብዝመልኦን ብናይ ኣሕዋት እንካን-ሃባን ክፍጸም ምእንቲ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ’ዚ ዓቢ ሃገራዊን ህዝባዊን ታሪኻውን ሓላፍነታውን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ’ዚ ብዘይ ዕንቅፍ ኣገባብ ብህጹጽ ሓደ መፍትሒ ክግበረሉ ናብ ዝምልከቶም መሪሕነት ኪዳን ለበዋኣ ብምትሕልላፍ ግደኣ ክትጻወት ነማሕጽን።
  • ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ንዘሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ቁጣባውን፡ ማሕበራውን፡ ሞራላዊ፡ ሃገራዊ ብርስትን ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒታት ኣብ ግምት ብምእታው ነንሕድሕድ ብምጽውዋር ሃገራውን ህዝባውን ሓላፍነት ተሰኪምኩም ንኣገባብ ኣከያይዳ ቃልሲ ክትእምቱ እንዳተላበና ንስለ በጃ ህዝቢ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ኣተገባብራን ዝተሰነየ (ቃልን ስራሕን ዝሳነ) ታሪኻዊ እጃም ከተበርክቱን ከተደንፍዑን ብምሉእ ዓወት ድማ ክትወጹን ንላቦ።

ደቂ- ሃገረ ኤርትራ ቃልስኹም ኣስጥሙ
ሕዝብና ክፍታሕ ሕሰሙ ጸገሙ
ጸጋታትና ክምለስ ከምቀደሙ
ጻማኦም ክረክቡ ዝተጠልሙ
 
ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕወት’ዩ!
ሕዝቢ ኤርትራ ክሓልፈሉ ኢዩ!
 
ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንስዉኣትና!
 
 
ሕብረት ኤርትራውያን ሲያትልን ከባቢኣን
31 ግንቦት 2010 ዓ. ም.
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...