ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰላማዊ  ሰልፊ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ
 
እቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ኖርወይ ክግበር ታሓሲቡ ኔሩ፡ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ተቛሪጹ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ብሓድሽ ንዕለት 25 ጉንበት ክግበር ተወሲኑ ምህላዉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ከነፍልጥ ንፈቱ፡፡
 
በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ካኣ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾንኩም ሓደስትን ነባራትን ኤርትራውያን፡ ሎሚ ንህግዲፍ ብጋህዲ ንምክተሉ ስዓታት ኣኺሉ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ተረኺብኩም፡ ኣብ`ዚ ሰላማዊ ሰልፊ`ዚ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም፡፡
 
ብፍላይ ከኣ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ፍትሓዊ ሰላማዊ ሰልፊ ምስታፍ፡ ንጉዳይ ሃገራዊ ሓላፍነትኩም ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ንጉዳይ ተቐባልነትኩም`ውን ከዕብዮን ከጸብቖን ከም ዝኽእልን ተረዲእኩም፡ ክትሳተፉን ሓላፍነት ክትወስዱን ንጽውዕ፡
 
ንዝያዳ ናይ`ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፡ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ክስዕብ ስለ ዝኾነ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ተኸታተሉና፡፡              
 
ብድሓን ምጹ፡
 
ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኦስሎ ኖርወይ፡፡
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...