ዕውት ህዝባዊ አኼባ አብ ሮተርዳም
 
ብዕለት 17 ሚያዝያ 2010 አብ ሮተርዳም ሆላንድ ብአባላት ኪዳን ተቓወምቲ ሐይልታት ኤርትራን መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ህዝባዊ አኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ህዝባዊ አኼባ ዋሕዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተሳተፈሉ ኮይኑ አካያዲት ሽማግለ ናይ እንኳዕ ደሐን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምስመዖም ስፍሕ ዝበለ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ ሎሚ ንህዝብና ዝወርዶ ዘሎ መከራ እንዳበአሰ ይኸይድ ከምዘሎ እኹል መብርሂ ሂባ።

ድሕሪኡ አብ ዝሐለፈ ዓመት ዝተገብረ ንጥፈታት ገምጋም ድሕሪ ምርአይ ንብድሕሪ ሕጂ ክግበሩ ዘለዎም ዕማማት ብዕምቆት ተኻቲዑ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ መደምደምታ ብልዙብ መንፈስ አኼብኡ አሰላሲሉ። ንመጻኢ ዕዮታቱ ብዝያዳ አድማዕን ስጡምን ዝኾነ አሰራርሐ ክጥቀም ምኻኑ ርእዩ። ካብኡ ድማ ንህልው ኩነታት ህዝብና አብ ግምት ዘእተወ እዋናዊ ዕዮታት ሕጂ ከምመደብ ተታሒዙ ዘሎ።

1.    ግብራዊ መኸተ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት እገዳ አንጻር ስርዓት ህግደፍ፡
2.    ምንቅስቓሳት ህግደፍ አብ ዘለናዮ ቦታ ከመይ ገይሩ እግሩ ከምዘሕጽርን፡
3.    ዝተፈላለየ ህዝባዊ ሰሚናራት ብምክያድ ሞያውያን ህዝቢ አብ ጎኑ ከምዝስለፍ ምግባርን እዩ።

ካብኡ ሐሊፉ ነዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ጉዳይ ሰፊሕ ዋዕላ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ብዓቢ ጠመተ ብምርአይ ካብዚ ናይ ሎሚ አኼባና ዝለዓለ ስራሐትን ውዕውዕ ኩነታት ዴሞክራስያዊ ፍታሕ ዘተ ህዝብና እንዳተኸስተ ይኸይድ ከምዘሎ ብምሕባር ጨንፍርናውን ግዲኡ ብምርአይ አኼብኡ ብጽቡቅ ዛዚሙ።
 
ዓወት ንፍትሐዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.
ዝኽሪ ንስውአትና።
 
     


         


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...