ሀገራዊ ዕርቂ ድልድል ንሀገራዊ ዋዕላ!!
ግንቦት 10.2009 ጀርመን  

ርእይቶ ሀገራዊ ዕርቅን ሀገራዊ ዋዕላን አገባባቱን ብዝተፈላለየ መድረክን ስርሒታትን ክሓልፍ ከም ዝክእል ነፍሲ ወከፍና ክርድኦን ክግንዘቦን ዝግባእ ኢዩ። 

ንሀገራዊ ሀገራዊ ዋዕላ ንምብጻሕ  እውን ብዝተፈላለየ አገባባት ። ነዚ ዝተፈላለየ አገባባት ኣብ አንፈቱ ዝርከብ? ሀገራዊ ዕርቂዶ ወይስ ሀገራዊ ዋዕላ ይቅድም ዝብል ዓቢ ነጥቢ ተጐዝጒዙ ይስዕቦ፤ ዄይኑ ግን ኣብዚ መድረኽ እዚ ዘሎ ሕቶ ብቀዳምነትን ብህጹጽነትን ክህሉ ዝግባእ ሕመረት ኲሉ ርእይቶታት ዝኰነት ሀገር ኢያሞ መጀመርታ ንአአ ምድሓን ይህልወና። 

ስለዚ ንሕዝባውን ልዕላውነት ሀገር ክንብል ኲሉ ሕሉፍ ታሪኽ ንጊዜኡ አወንዚፍና ብቅኑዕ አገባብን ሕልናን፤ ዝኰነ ናይ ሕልናዊ ዕርቂ ናይ ሕይወትናን ነፍስናን ውልቃውን፤ ሀገራውን ሕድገት ብምዝውታር፤ ንዕላማን ሽቶን ሕዝባዊ መንግሥቲ ንምብጻሕ እታ እንኾ መፍትሕ ህሉው ጸገም ሕዝቢ ኤርትራን ሀገር ኤርትራን ካብዚ ወሪድዋ ዘሎ አደራዕ ንምንጋፍ ክንጥቀመሉ ዝግባእ መድረኽ ዝጠልቦ ብዘይ ወዓል ሕደር ሀገራዊ ዕርቂ ንሀገራዊ ድሕነት ዘዕቁብ እንኮ ምርጫና ሓባራዊ መአዲ ዘተ ኢዩ። እዚ ከአ ቅድመ ኲነት ናይ ሀገራዊ ዕርቅን ሀገራዊ ድሕነትን እውን ኢዩ። 

ሀገር ንኲላትና ኤርትራውያን ሕመረትን ዋና ናይ ህላዌናን መግለጺትናን እውን ኢያ።ስለዚ ሀገር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሀገራዊ ድሕነት ኢዩ። ሕ?ዝ?ብ?ን? ሀገርን? አብ ሓደጋ ናይ ጥፍአትን ህላዌአን አንጠልጢላትሉ አብ ዘላ እዋን፤ ነቲ ብብርሰታን ጥፍአታን ዝሕጐስ፤ ታሪ?ካን ያታአን ባህላን ደምሲሱ፤ህላዌኡ ከራጉድ ዝደሊ ናይ ውሽጥን ናይ ወጻእን ጸላኢ ተሳጢሓትሉ አብ ዘላ ጊዜ ብቀዳምነት ዝጥመት ውድብን ሰልፍን ዘይኰነስ እንታይ ድአ ሀገር ከም ሀገር ህላዌአን ህላዌ ሕዝብን ናይ ቀጻልነቶም ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ ኢዩ።ንሀገራዊ ድሕነት ከአ ብሓባራዊ ሥኒት፤ብዕቱብን ምጥርናፍን ብቁዕ ልቦናን ኒሕን ብሀገራዊ ስነ ምግባርን ዝተማእከለ ናይ ፍታሕ መሠረት ናይ ምግባሩ ንኲላትና ዝጽበየና ዘሎ ግደን ተራን ኤርትራዊ ኃላፍነትን ሀገራዊ ግድነትን እውን ኢዩ; 

እታ ንኲላትና ሒዛ ኣብ ሓደጋ ተንስስፍፍ ዘላ መርከብ፤ ናይ ሀገርና ተምሳል ኢያ

ስለዚ ዕላማና ነዛ ንኲላትና እትጥርንፍ መርከብ ኣብ ሽቶን መዓርፎአን ዝኰነ ሰላምን ቅሳነት ዜጋታታን እትዕድል ዲሞክራሲያዊት ሀገር ንምብጻሕ ዝጽበየና ዘሎ፤ ብርቱዕ ሥራሕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ግድነታዊ ግደን ተራን ብግብሪ ተራካ ተረዲእና ን ተግባራውነቱ ብዕቱብክንዋሳእ ይግባእ; 

እታ ንኲላትና ሒዛ ዘላ መርከብ ነቲ ተሰቂሉዋ ዘሎ፤ዜጋ መአስ መጸ፤አበይ ነበረ፤እንታይ በለ፤ እንታይ ገበረ፤ ዝብል ሕቶ አይተቅርብን ኢያ።ንአአ ( ነታ መርከብ ወይ ሀገር ) ካብ ቀረባ ምጻእ ካብ ርሑቕ፤ኣብአ ምስ አቶካ ሒዛትካ ንከይትሰጥም ንሕይወትካ ንምድሓን ንአአ ነታ ሀገር ምድሓን ናይ ግድን ይህልወካ። ስለዚ ከአ ኣብ ወጻኢ ሀገራት እንርከብ ዜጋታትን ውድባትን ሰልፍታትን፤ብሓባራዊ አተሓሳስባ ሕዝብን ሀገርን ዝምራሕ፤ ናይ ሓባር ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ሓባራ ሜላታትን (ፖሊሲታታ) ከምኡ እውን ኣብ ጥርኑፍን እኩብን ኃይሊ ወተሃደራትና ዝተመስረተ ሓደ ሓባራዊ ሀገራዊ ሰራዊት ክህልወናን እሞ ንኲሉ ዓቅምታታና ብጥርኑፍን እኩብን ንሓደ ሸቶ፤ ንሱ ከአ ንጃንዳ ጥልመት ዝኰኑ ህግደፋውያን ምስ ኣቦ መንበሮምን አጋፈርቶምን አዕስብቶምን ካብ ኤርትራ ምብራር ዄይኑ ክርከብ ናይ ግድን ምዃን ይግባእ; 

ነዚ ልዕል ኢሉ ተባሂሉ ዘሎ፤ኣብ ግብራውነት ዘለዎ ሥራሓት ምውዓል፤ነቲ ንአስታት 45 ዓመታት ሓሊኹ ሒዙና ዝመጸ ጊጉይ ናይ ካልአዊ ግርጭት አፈታትሓ ብግቡእ ገምጊምና፤፤ብሓዲሽ ሜላን ድልዱል ናይ ሓድነት መሠረት ነዲቕና ናብቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምስ ዘይንገብር ኤርትራ ነበረትያ ነበረት ኢዩ ዝጽበያ ዘሎ።እቲ ሀገራዊ ዕማምና ሕጂ ህጹጽ ዄይኑ ዝርከብ ዘሎ፤ ኲነታት ሀገርናን ሕዝብናን፤ ብሀገራዊ ዕርቂ ንድሕነት ሀገር  አቢልና ክንሓልፍ ክንግደድ ኢና። 

ስለዚ ናብቲ ዝድለ  ሀገራዊ ዕርቂ ድሕነት  ዝብል ሸቶ ንምብጻሕ ዝድለ ናይ ሓባር ቀንዲ ረቋሒታት ክማላእ ዘለዎ ነጥብታት ብከምዚ ዝስዕብ ይዝርዘር፡ 

  • ሓደ ሓባራዊ ሀገራዊ ሠራዊት
  • ሓደ ሓባራዊ ሀገራዊ ፖለቲካን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ሜላታቱን፤ ሓባራዊ ዜናን ዝርጋሔኡን፤
  • ሓባራዊ ቁጠባን ጥርኑፍ እተቓቕማኡን የማልእ።
ስለዚ ከአ ነቲ ንሀገርና ንምጽናት ዝጽዕር ዘሎ ናይ አጥፊእካ ጥፋእ ዝዕላማኡ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ንምድርባይ ድአ እምበር፤ ነዚ አብ ሀገርና አራጢጡ ዝነብር ዘሎ ብውድበይ ውድብካ ብሰልፈይ ሰልፍካ ብጥቕመይ ጥቕምካ ዝእለ ዘይኰነ እንታይ ድአ ብዕቱብ ኣብ ምትእምማንን ምትሕልላይን ዝተመርኰሰ ሀገራውን ሕዝባውን ሓልዮት ዝሰረቱ ብርቱዕ ጻዕሪ፤ናይ ዝኰነ ኤርትራዊ ዜጋ ዝድለ ናይ ሀገራውነት ሀገርነትን መግለጺኡን ኣብ ታሪኹን ባህሉ? እምነትን፤ከም ኤርትራዊ ብምሉእነታ ዝአምን ሰብ ዝሳተፎ ሀገራዊ ኃላፍነት እውን ኢዩ። 

ስለዚ ህላውነት ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝአምን ዜጋ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰ ዘሎ ንትግባሬኡ ንክቃለስ ወላዲት ሀገሩን የዋህ ሕዝቡን ብዘይውዓል ሕደር፤ህሉው መድረኽ ዝጠልቦ ጸዋዒት ድሕነት ሀገር  ክዋሳእ ይጽዋዕ አሎ። 

ሕዝብን ሀገርን ኣብ ምልኽት ሕቶ ተንጠልጢሎም እንከለዉ ብጓል መንገዲ ጊዜና ከነባኽ ኤርትራዊ ሕልናና ዘየፍቕዶ ኢዩ።ስለዚ ሕዝብን ሀገርን ንምድሓን ካብ ናይ ሰንፈላል ዘበን ወጺእና ብሀገራዊ ዕርቂ ብድልድል ንሀገራዊ ድሕነት  ሀዬ ኤእጃምና ነበርኽት። 

ሀገር ናይ ብዙኃት፤ ብዙኃት ንሀገር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...