18 ሓምለ 2011
 
(Report of the Security Council Monitoring Group on Eritrea and Somalia) 
 
18 July 2011

ትርጉም:  ናጽነት ኣስመሮም
................................................................................................................................................
 
ኤርትራ

ድሕረ -ባይታን መብርሂን 
 
253. ኤርትራ ን30 ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲ'ያ ናጽነታ ካብ ኢትዮጵያ ረኺባ ። 1991 ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ተሳዒሩ ምስ ወደቐ: ኤርትራ ረፈረንዱም አካዪዳ ብ 1993 ብወግዒ ናጻን ሉኣላዊነትን ሃገር ኰይና። ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም (World Bank) ቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ 5.1 ሚልዮን ይግመት፡፡ ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት (GDP per capita) ኤርትራ ከኣ 369 ዶላር ኢዩ። በዚ ድማ ኤርትራ ምድባ ምስተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ኢዩ። 
 
254. ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ድሕሪ ምቛማ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ዘለዋ ርክብ አዝዩ ሓርፋፍ ኢዩ ፡፡ ዶባታ ንምንጻር ኣብ ዝገበረቶ መስርሕ ምስ ስለስተ ጐረባብታ--- ጅቡቲ፡ የመንን ኢትዮጵያን---ኣብ ግርጭት ኣትያ ኢያ፡፡ ምስ ሱዳን ዘለዋ ርክብ'ውን እንተኾነ ሕልኽላኻት ዝመልኦን ዘይርጉእን ኢዩ። ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣመኽንያ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ጅቡቲ አትገብሮ ሓገዝ ዝተዓዘበ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ብይን 1907 (2009) ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓፈሻዊን ምሉእን እገዳ ኣጽዋር (እንተላይ ምሽማትን ሰደድን ኣጽዋር) ዝትግብርን  ኣብ መላእ  ዞባ ንዕጡቓት እትገብሮ ሓገዝ ዝዓግትን ድንጋገ ኣውጺኡ ኔሩ። ኤርትራ ነዚ እማመ እንተግሂሳ ምድስካል ገንዘብን እገዳ ጒዕዞን ዝኣመሰሉ ስጒምቲታት ክውሰዱ'ውን ይኽእሉ ኔሮም ኢዮም። እንተኾነ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ግዜ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዚ ስጉምቲ ዝውሰደሎም ውልቀሰባትን ትካላትን ዛጊት ኣይረቑሐን።
    
ፖሊስ ወጻኢ ጒዳያትን ጸጥታን ኤርትራ
 
ፖሊሲ ወጻኢ ጒዳያትን ጸጥታን ኤርትራ እንተላይ አቲ ኣብ መላእ ዞባ (ምብራቕ ኣፍሪቃ) ንዕጡቓት ጒጅለታት እትገብሮ ሓገዝ ብመንጽር ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ምርኣይ ይከአል ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር ብምእባያን ኣብቲ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝተረጋገጸ መሬት ሰራዊትን ህዝብን ምስፋር ብምቕጻላን መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ጒጅለታት ኢትዮጵያ (“ግንባር ሓርነት ኦሮሞ”-OLF፡ ከምኡ'ውን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን”- ONLF) ዝገብሮ ሓገዛት ከም ዘየቋርጾ ከም ምስምስ ይጠቕሶ፡፡ ኤርትራ ኣብ ካልእ ክፋላት እቲ ዞባ ብዘርኣየቶ ተግባራት ህሉው “ኣይሰላም አይኲናት” ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  መሊሱ ተንጸባሪቑ'ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ሶማልያ ክልቲአን ሃገራት ካብ 1998 ጀሚረን ዝተፈላለዩ ተቐናቐንቲ ጒጅለታትን ምምሕዳራትን ክድግፋ ጸኒሐን ኢየን፡፡ 
 
256. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ኲናት ኣብ ጠቕላላ ፖለቲካዊን ልምዓታዊን ኣንፈታ ገዚፍ ኣሉታዊ ለውጢ ከም ዘስዓበ ይፍለጥ፡፡ እቲ ብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ደስኪሉ ኢዩ ተሪፉ፡፡ ምርጫ ንዘይተፈልጠ ግዜ ተወንዚፉ፡፡ ብቕሉዕ ዘይተኣወጀ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ'ውን ተኣታትዩ ኢዩ፡፡ ንኤርትራ ዘመሓድራ ዘሎ እንኮ ሰልፊ-- ህግደፍ-- ብ 1994 ካብ ህግሓኤ ዝበቘለ ኮይኑ፡ ዛጊት ከም ናይ ኩናት ግንባር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ህግደፍ ኣብ ንቡር ኩነታት ብመንግስቲ ክዕየዩ ዝግብኦም ጉዳያት ከይተረፈ ይቈጻጸር፡፡ በዚ ምኽንያት ትካላት መንግስትን ህግደፍን ዕቤት ኣየርኣያን ፡፡ ስልጣንን ሃብቲን ሃገር ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሒደት ውልቀሰባት ይርከብ ፡፡ ጸጋታትን ስልጣንን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ትካላትን መዋቕራትን ወጻኢ ብዝኾኑ መርበባት ኢዮም ዝመሓደሩ፡፡
 
257. ምግሃስ እማመታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ-- 1844 (2008) ከምኡ'ውን 1907(2009) -- ንምጽናዕን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ንምንጻርን ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ተቘጻጻሪት ጒጀለ ስቱር መርበባት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ወተሃደራዊን ስለያዊን ሰበስልጣን ኤርትራ ክትትንትንን ከተብርህን ፈቲና'ላ፡፡ ኣብ ኤርትራ ውሳነታት ብስቱርን ዘይወግዓዊን ኣግባብ ኢዮም ዝመሓላለፉን ዝትግበሩን፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነዚ ጸጋታት ሃገር ዝንቀሳቐሱሉን ዝካየዱሉን ዘይወግዓዊን ዘይሕጋዊን አገባብ ክትፍትሸን መብርሂ ክትህበሉን ፈቲና'ላ፡፡ 
 
ኣብ ጎነጽ፡ ምዝራግ ሰላምን ግብረ ሽበራን ዝተዋፈሩ ዕጡቓት ጒጅለታት ዝገበረቶ ሓገዝ፡፡
 
258. ኤርትራ ኣብ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ብፍላይ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን) ከም እትሕግዝ ተቘጻጻሪት ጒጅለና ዘየዳግም መርትዖታት ረኺባ ኢያ፡፡ ኤርትራ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ምስ ህግደፍ ዲፕሎማሲያዊን ስለያዊን ሽርክነት ዘለዎም መርበባት ብምጥቃም ኢያ ነዞም ዕጡቃት ጒጅለታት ሓገዛት ክትህብ ጸኒሓ፡፡ 
 
259. መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ሶማልያ (እንተላይ ኣልሸባብ) ዝምድና ከም ዘለዎ ይኣመን ኢዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ርክባት ፖለቲካዊ (ኣብ ሓደ ፍሉይ አጋጣሚ ከኣ “ሰብኣዊ ረድኤት”) ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ፡፡ ካብዚ ዝተረፈ  ዝኾነ ወተሃደራዊ፡ ንዋታዊ ይኹን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝህብ ይኽሕድ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለና ዝረኸበቶ ዝተፈላለየ መርትዖታት፡ ናይ እምነት ቃል፡ ጸብጻባት ፋይናንሳዊ ልውውጣት፡ ምስ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝተገብረ ቃለ መጠይቓት፡ ዳታ ማሪታይምን በረራታትን ኩሎም ከም ዘመልክትዎ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምትእትታው ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ድማ ሰብኣዊ ንጥፈታት ጥራይ ዝተደረተ አይኮነን፡፡ ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ  ምስ ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ጒጅለታትን ዘለዎ ርክብ ከም ሓለፋ ብምጥቃም ነዞም ተቐናቐንቲ ጒጅለታት ናብ ዝርርብ፡ ዕርቂ፡ ወይ'ወን ናብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ዘምርሕ ተበግሶታት ክገብር  ኣይተራእየን፡፡ 
 
260. መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዝገብሮ ሓገዝ ዝምልከት ዘቕረብናሉ ሕቶታት ክምልስ ፈቓደኛ ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዘቕርቦ ምኽንያታት ድማ እዚ ክልተኣዊ ሽግራት እተን ሃገራት ምዃኑ፡ ጒዳይ ጅቡቲ ከኣ ብመንጐኝነት ቐጠር ይርአ ምህላዉ ኢዩ፡፡ ስለ’ዚ ድማ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነዚ ዝተጠቕሰ ክስታት ዝምልክት ግብረ-መልሲ ኤርትራ ኣብዚ ጸብጻባ ከተስፍር ኣይከኣለትን፡፡ 
 
ግዳማዊ ስርሒታት
 
261. ኤርትራ ንዕጡቓት ጒጅለታት እትገብሮ ሓገዝ ብውሑዳት ጒጅለ ሰበ-ሰልጣን ኢዩ ዝምራሕ፡፡ እዚኣቶም ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ኣባላት መሪሕነት ህግደፍ ኰይኖም ብቐጥታ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኢዮም ዝእዘዙ፡፡ እዞም ትካላት ብኣዝዩ ሚስጥራዊ ኣገባብ ኢዮም ዝዓዩ፡፡ ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ውልቃዊ ተኣማንነትን ዘይወግዓዊ ኣገባብን ዝዓብለሎ ብምዃኑ ሰንሰለት እዚ (command) ኮነ ተባሂሉ ስቱር ክኸውን ዝተገብረ ኢዩ፡፡ ብዘይካ’ዚ ነዚ ተልእኾ ዝፍጽሙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ሓደ ሳዕ ብዙሕ ዕማማት’ዮም ዝፍጽሙ፡፡ ጸብጻቦም’ውን ምናልባት ናብ ብዙሓት ሰንሰለታት እዚ (Command) የቕርቡ ይኾኑ ኢዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣገልግሎት ጸጥታ ኤርትራ  ዳግመ ውደባ ይገብር ኣሎ፡፡ ስለዚ ድማ ህሉው መዋቕር ኣገልግሎት ጸጥታ ኤርትራ ምፍላጥ ኣሸጋሪ ክኸውን ኢዩ፡፡
 
262. እዚ ይኹን’ምበር ጒጅለና ግዳማዊ ስርሒታት ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመርሑን ዝኣልዩን ቀንዲ ሰበ-ስልጣን ኣለልያ ኣላ፡፡ ናይ’ዞም ሰበ-ስልጣን ፍሉይ ተልእኾ’ውን ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ንሳቶም፡-- 
 
ሀ. ብርጋዴር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም ክንፉ “ወዲ መቐለ” 
 
ዝበዝሐ እዋን “ጠዓመ” ወይ “ወዲ መቐለ” ብዝብል ሳጓኡ’ዩ ዝፍለጥ፡፡ “ወዲ መቐለ” ሓላፊ ግዳማዊ ስለያዊ ስርሒታት ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ እዚ ሰብ ዕጡቓት ጒጅለታት ሶማልያ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝተዋፈረ ጠቒሳ ኔራ’ያ፡፡ ብዘይካ’ዚ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝረኸበቶ ፎቶግራፍ  “ወዲ መቐለ” ናይ እማን ምዃኑ ኣረጋጊጻ’ያ፡፡ 
 
ለ.  ኮሎኔል ፍጹም ኢሳቕ “ለኒን”
 
ኰሎኔል ፍጹም ከም ወኪል ጠዓመ ኰይኑ’ዩ ዝሰርሕ፡፡ ወኪል ግዳማዊ ስርሒታት ከምኡ’ውን ተቘጻጻሪ ታዕሊም ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢዩ፡፡ ብዘይካ’ዚ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ከበሳ ኢትዮጵያ (ትግራዎትን ኣምሓራን) ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽህብ ዝተዋፈረ በዓል ስልጣን ኢዩ፡፡ ፍጹም ጸብጻቡ ናብ ጀነራል ተኽለ ክፍለይ “ተኽለ ማንጁስ” ኢዩ ዘቕርብ፡፡ (ተኽለ ክፍላይ “ማንጁስ” ኣዛዚ ምዕራባዊ ወተሃደራዊ ዞባን ምክትታል ዶባትን ኮይኑ ምስ ኮሎኔል ፍጹም ኢሳቕ (ሌኒን) ብቐረባ እናተራኸበ ኣብ ዘይሕጋዊ ስግረ ዶባዊ ምትሕልላፍ (ሰባት፡ ኣጽዋር፡ ኣቕሑ ኮንትሮባንድን ካልእን) ዝተዋፈረ ኢዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝረኸበቶ ፎቶግራፍ ፍጹም ናይ እማን  ምዃኑ’ውን ብዘየዳግም ኣረጋጊጻ ኢያ፡፡
  
ሐ. ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ 
 
ካልኦት ኣስማት ተወልደ “ሙሳ”፡ ኣማኑኤል ኪዳነ”፡ ወይ “ወዲ ኪዳነ” ዝብሉ ኢዮም እዚ በዓል ስልጣን ምስ ጠዓመ ብቐረባ እናተራኸበ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ሶማልያ ከምኡ’ውን ገለ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ታዕሊም አብ ምሃብ ዝተዋፈረ ኢዩ፡፡ ክኢላ ተፈንጀርቲ ኣጽዋር’ዩ ተባሂሉ’ውን ይንገረሉ’ዩ፡፡ ካብ ኬንያ ሓደ-ክልተ-ግዜ ዝኸውን ተሰጉጉ’ሎ፡፡ ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ሶማልያን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብን ንጥፈታትን ኣብ ተለቃቢ 8.1 ን 8.5ን ርአ፡፡ 
      
መ. ኮሎኔል ገመቹ ኣያና (“ቀርቾ”) 
 
ኮሎኔል ገመቹ ስርሑ ን“ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” (OLF) ወተሃደራዊ ስልጠና ምሃብን ምሕጋዝን ኢዩ፡፡ 
 
ረ. ኮሎኔል “ሃጸይነት” 
 
እዚ በዓል ስልጣን መዋፈሪኡ ኪሎማ (ደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራ) ኮይኑ ሓላፊ ወታደራዊ ስለያ እቲ ዞባ ኢዩ፡፡ ተልእኾኡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ዓፈርን ሶማልያን ምዕላምን ምትሕግጋዝን እዩ፡
 
263. ካልአት ኣብ ግዳማዊ ስርሒታት ስለያ ዝተዋፈሩ ሰበስልጣን ኤርትራ
 
ሀ. ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሴ 
 
ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሴ ሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢዩ፡፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ይቈጻጸር፡ መምርሒ ፕረዚዳንት ናብ ሰበ-ስልጣን ህግደፍን መንግስትን እንተላይ ክፍሊ ጸጥታ የመሓላልፍ፡፡ ሓሓሊፉ ንፕረዚደንት ወኪሉ ፍሉይ ናይ ወጻኢ ተልእኾታት ይፍጽም፡፡ 
 
ለ. ጀነራል ተኽለ ክፍላይ “ተኽለ ማንጁስ” 
 
አዛዚ ኣሃዱታት ምክትታል ዶባትን  ምዕራባዊ ዞባን፡ ብወተሃደራዊ መስመር ቀጥታ ሓላፊ ኮሎኔል ፍጹምን፡፡  
ሐ. ኣድሚራል ሑመድ ካሪካረ ፡- ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምኡ’ውን አብ ምትሕግጋዝ  “ግንባር ንሕብረትን ዴሞክራሲን ጅቡቲ” (FRUD) ዝነጥፉ፡፡
 
መሳለጥያታት ታዕሊም 
 
264. ኤርትራ ግዳማዊ ስርሒታት ንምድጋፍ እትጥቀመሎም ስፋሕትን ዝተሓለለኹን መርበባት፡ ማእከላት ወተሃደዊ ታዕሊም፡ መዓስከራትን መሳለጥያትን ኣለዉዋ፡፡ ስልጠና ዕጡቓት ጉጅለታት ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ስጡም ቊጽጽር ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ፡ ማእከላት ስልጠና ወተሃደራዊ መሳለጥያታትን ኣብ ዝረኽብሎም ቦታታት ኢዮም ዝካየዱ ሎጂስትክን ካልእ ኣድላዪ ንዋትን ከኣ ካብ ሰራዊት ኤርትራ’ዩ ዝጥቀም፡፡ 
 
265.   ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብዛዕባ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ካብ ልዕሊ 100 ኣባላት ናይ ዝስዐቡ ሽዱሽተ ዕጡቓት ጒጅለታት ኣባላት ዝነበሩ ብመልክዕ ቃለመጠይቅ ዝረኸበቶ ኢዩ፡ 
 
  ኣልሸባብ 
  “ሒዝቡል ኢስላም” (እስላማዊ ግንባር ሳማል) 
  “ሒዝቡል ኢስላም” (ኤ .ኣር.ኤስ ኣስመራ) 
  “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” (ONLF)
  “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” (OLF)
  “ግንባር ንሕብረትን ዴሞክራሲን ጅቡቲ”  (FRUD) 
 
እዞም ቃለ መጠይቕ ዝገበሩ ኣባላት ዝሃብዎ ኣስማት ቦታታት፡ መንነት ሓለፍቲ፡ ኣገባብ ስልጠና ወዘተ... ምስ'ቲ ኣብ ማእከላይን ምብራቓውን ኤርትራ ዝርከብ መዓስከራት ታዕሊም ሓደ ኢዩ፡፡ ኣብ ነቑጣታት፡ ቦታን ተራ ውልቀሰባትን ናእሽቱ ለውጢታት ክህሉ ይኸእል'ዩ፡፡ ዝርዝር ናይተን ዛጊት ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዘለለየተን መደበራት ታዕሊም ኣብ ተለቃቢ 8.1 ርአ፡፡  
ሐ. ኤርትራ ብይን ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1844 (2008) ከምኡ'ውን 1907 (2009) ብምጥሓስ ንዕጡቓት ጒጅለታት ዝሃበቶ ሓገዝ 
 
267. ተቘጻጻሪት ጒጅለ፡ ኤርትራ ኣብ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕጡቓት ጒጅለታት ንምሕጋዝ እትገብሮ ንጥፈታት ተገንዚባ'ላ፡፡ እዞም ንጥፈታት ብሓፈሻ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ተግባራት ክጠቓለሉ ይኽአሉ፡ 
 
ሀ.  እማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1844 (2008) ከምኡ'ውን 1907 (2009) ብምግሃስ ንዕጡቓት ጒጅለታት ሶማልያ ዝተገብረቶ ሓገዛት፡፡ 
 
ለ.  እማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1844 (2008) ከምኡ'ውን 1907 (2009) ብምግሃስ ብሶማል ኣቢላ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዛት፡፡ 
 
ሐ.  እማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1907 (2009) ብምግሃስ ሶማልያውያን ንዘይኮኑ፡ ኣብ ምዝራግ ሰላምን ግብረ ሽበራን ንዝተዋፈሩ ዕጡቓት ጒጅለታት ዝገበረቶ ሓገዛት፡፡ 
 
መ.  እማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1907 (2009) ብምግሃስ፡ ውሽጣዊ ተቓወምቲ ጒጅለ እናምሰልካ ብቐጥታ ብኤርትራ ዝምእዘዙ ሓይልታት ብምውፋር ናይ ውክልና ስርሒታት ምክያድ፡፡ 

መ.  ጅቡቲ 
 
268. ሰነ 2008 አብ መንጐ ሓይልታት ኤርትራን ጅቡቲን ጥቓ ገምገም ራስ ዱሜራ (ዶብ ክልቲአን ሃገራት) ውግእ ተባሪዑ፡፡ ኣብዚ ኲናት ጅቡቲ 30 ወተሃደራት ከም እተቐትልዋ፡ 19 ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአን፡ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ድማ ከም ዝቖሰልዋን ትገልጽ፡፡ ብዘይካ’ዚ ክልተ ነፈርቲ፡ 12 ዝኾና ተሽከርከርቲን እንተላይ (ድሩዓት) መካይን፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋርን፡ ስንቅን ንዋትን ከም ዝኸሰረት ገሊጻ’ያ፡፡ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ግርጭት ዝሃበቶ መግለጺ የለን፡፡ 
 
269.  ዋላ’ኳ ብ 9 ሰነ 2010 ብመንጐኝነት ቐጠር ወግዓዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተተኣወጀ፡ ኤርትራ ነቲ ካብ FRUD - combatant ተፈንጪሉ ዝወጸ  ጒጅለ ምዕጣቕ ኣየቋረጸትን፡፡ እዚ ጒጅለ ኣብ ሰሜን ጅቡቲ ብንጥፈት ይንቀሳቐስ፡፡ ብፍላይ ኣብ መንጐ እምባታት ኦቦክን ታጁራን ዝርከብ ማብላ ዝተባህለ ከባቢ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብምክያድ ንሓይልታት ጅቡቲ ኣብ ምብስጫው፡ ከምኡ'ውን ብመሰረት ሰበስልጣን ጅቡቲ ኣብ ራስያን ሸፍትነትን ተዋፊሩ ይርከብ፡፡
 
ኤርትራዊ ኣድሚራል ሑሞድ ካሪካረ ምስ መራሕቲ  FRUD-C ጥቅምቲ  2009
(ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣድሜራል ሑሞድ ካሪካረ፡ መሓመድ ካዳሚን ሓሰን መቕቡልን)
 
270. እቲ መበቈላዊ ጒጅለ FRUD ናይ ዓፋር ብሄራዊ ምንቅስቐስ ኰይኑ፡ ካብ ሕዳር 1991 ክሳብ ታሕሳስ 1994 ኣንጻር መንግስቲ ጅቡቲ ደባይ ወግእ የካይድ ኔሩ፡፡  ታሕሳስ 1994 ግና ሓደ ተፈንጫሊ ጒጅለ FRUD ምስ መንግስቲ ናይ ሰላም ውዕል ጌሩ፡፡ ክልተ ካብ ኣባላቱ ከኣ ኣባላት ካቢነ ኰይኖም፡፡ እቲ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎ ጒጅለ FRUD ግና ብኣሕመድ ዲኒ አሕመድ እናተመርሐ ብዝተሓተ ውጽኢት ክሳብ ብ 7 የካቲት 2000 አብ ፖሪስ ካልኣይ ስምምዕ ስላም ዝፍርም ነቲ ቃልሲ ቀጺልዎ ኢዩ፡፡ 
 
271. ካብ 2000 - 2008 ወተሃደራዊ ብቕዓት FRUD - C ክሳብ ክንድቲ ኣይነበረን፡፡ ብኣፈኛ'ቲ ግንባር መሓመድ ሓሳን ሙቕቢል ካብ ዝወሃብ ቃል ወጻኢ ዝሓልፍ ኣንጻር መንግስቲ ዝገበሮ ወፍሪ'ውን ኣይነበረን፡፡ ኣብ 2008 ግና ኤርትራ      ንFRUD ደጀን፡ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ናይ ኣጽዋርን መሳለጥያን ሓገዝ ብምሃብ ዳግማይ ኣበራቢራቶ፡፡ 
 
272.  ሓገዝ ኤርትራን ወተሃደራዊ ስርሒታት FRUD –C ክሳብ 2008 ውሱን፡ ንእሸቶን ክሳብ ክንድቲ ብቕዓት ዘይብሉን'ዩ ኔሩ፡፡ እንተኾነ እዚ ኤርትራ ዝሃበቶ ሓገዝ ንእማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1907 (2009) ከምኡ'ውን ንተግባራውነት እማመ 1862 (2009) ዝግህሰን ዝዕንቅፍን ኢዩ፡፡ 
 
273. ብመሰረት መሓመድ ጀብሃ ኣዛዚ FRUD ዝነበረ ሕጂ ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሩ ዝርከብ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ኤርትራ ንሚሊሻ FRUD ካብ 2008 ጀሚሩ ክትሕግዝ ጸኒሓ'ላ፡፡ ሚሊሻ ጀብሃ ኣብ ጊብዶ (ኣብ መንጐ ዓሰብን ቡሬን እትርክብ መዓስከር) ኢዮም ወተሃደራዊ መሳለጥያ ዝረኽቡ ኔሮም፡፡ ኣብ ዶብ ጅቡቲን ኤርትራን ግርጭት ምስተባርዐ ደጀን   FRUD -C ካብ ጊብዶ ናብ ደባይ ሲማ  ከም ዝዛወር ተጌሩ፡፡ ኣብ 2009 ከኣ ናብ እንዳ ዓሊ ተቐዪሩ፡፡
 
274. መንግስቲ ጅቡቲ ዝቐድሖ (ዝቐረጾ) ቃለ እምነት ጀብሃ ከም ዘመልክቶ ኤርትራ ንተዋጋእቲ FRUD – C ናይ ኣጽዋር፡ ስንቅን መሳለጥያን ሓገዝ ትህብ ኔራ'ዩ፡፡ እንተኾነ ጀብሃ ምስ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ መንግስቲ ኤርትራ ናይ መግቢን መድሃኒትን (ዝቖሰሉ ናይ ምሕካምን) እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ናይ ኣጽዋርን ወተሃደራዊን ሓገዝ ከም ዘይሃቦም ይገልጽ፡፡ ሚሊሻኡ ወተሃደራዊ ክዳን፡ ኣጽዋርን ስንቅን ካብ የመን ከም ዘምጽኡ ቃሉ ሂቡ፡፡ ምስ ኤርትራዊያን ዝገብሮ ርክባት ብመገዲ ሓለፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዓሰብ ኮሎኔል “ሃጸይነት” ኢዩ ዝፍጸም፡፡ ኣባላት ዕጡቓት ጒጅለ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝነበሩ መንእሰያት ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ብዛዕባዚ ሰብ ሓቢሮም ኔሮም ኢዮም፡፡ ስግረ ዶባዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ዶባዊት ነቑጣ ዳዳዓቱ'ዩ ዝፍጸም ኔሩ፡፡ እዚኣ ነቑጣ ኣባላት “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” እውን ይጥቀሙላ ኔሮም ኢዮም፡፡  
መሓመድ ካዳሚ ንዕጡቓት FRUD-C እንተመያይጥ ጥቅምቲ  2009
 
275. ብመሰረት ጀብሃ ሓርነት ዓፈርን ምንቅስቓስ ዓፈር-- “እጉጉም”ን ዝተባህሉ ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ፡  ኣብ ኤርትራ ጥቓ ኪሎማ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወሃቦም ኔሩ'ዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ዕጡቓት ሶማልያን ኦሮሞን'ውን ኣብ ኪሎማ ከም ዝስልጥኑ ይፍለጥ'ዩ፡፡ ካልኦት ኣባላት'ውን ብዛዕባ'ዚ ናይ እምነት ቃሎም ሂቦም እዮም፡፡ ስለያ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ሶማልያ ዘለዎም ርክብ (ኣብ ተለቃቢ 8.5) ከምኡውን ምስ ONLF (ኣብ ተለቃቢ 8.3) ተዘርዚሩ ኣሎ፡፡    
 
276. ለካቲት 2011 ሓይልታት ጅቡቲ ካብ ስለያ ታጁራ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ እናተሓገዙ  ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ 'ትርከብ ኣስራቱ እተባህለት ዓዲ ናይ ተፍቲሽ ስርሒት ኣካዪዶም፡፡ በዚ ስርሒት ከኣ 50 ኪሎ ዝምዘን ነታጒ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ተሸጒጡ ተረኺቡ፡፡ ብመሰረት በዓል መዚ ኣኽባር ሕጊ ጅቡቲ፡ FRUD-C ዝገበሮ ሓበሬታ ሬድዮ ርክብ  ከም እተጠልፈን እዚ 50 ኪሎ ዝምዘን ነታጒ ብመንግስቲ  ተረኺቡ ከም እተሃገረን ምግላጾም ይሕብር፡፡  እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ነታጒ ምስ ተረኽበ ኣብ ቀትሩ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ጅቡቲ ነዚ 50 ኪሎ ነታጒ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ከም መርትዖ ከቕርበላ ፍቓደኛ ኰይኑ’ዩ፡፡ እዚ ነታጒ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቪዬት ዝተሰርሐ ኢዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ እዚ ተተኳሲ መበቈሉ ካበይ ምዃኑን ዝመጻሉ ሰንሰለትን ዛጊት ክትረክብ ኣይከኣለት፡ 
 
ኢትዮጵያ 
 
277. ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ግርጭት መዓልቦ ከም ዘይረኸበ ዘመላኽት'ዩ፡፡ ክልቲአን ሃገራት ናይ ክልቲአን ተቓወምቲ ጒጅለታት የዕቍባ እየን፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ጒዳይ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን አብ'ቲ ብኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተወሰነ መሬት ኢትዮጵያ ሰራዊትን ሲቪልን ምስፋር ምቕጻላ ከም ምኽንያት ብምቅራብ ነቲ ተቓውምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ትሕግዙ ኢኹም ዝብል ሕቶና ክምልስ ፍቃደኛ ከም ዘይኮነ ይገልጽ፡፡ 
 
278. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝጸንሓትለን ግዜያት ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ሓገዝ ከም ትገብር ብዘየዳግም መርትዖታት አረጋጊጻ' ላ፡፡ 
 
  “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” 
  “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” 
  “ግንባር ሓርነት ዓፋር” 
  “ሰውራዊ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ዓፈር “እጉጉሞ” 
  “ግንባር ሓርነት ሲዳሞ” 
  “ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ” 
  ዘይተፈልጡ ተቓወምቲ ዞባ ኣምሓራን ጋምቤላን፡፡
 
279. ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነዞም ዝስዓቡ ክሲታት ከተጻሪ ክኢላ'ላ፡፡
 
1. “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ONLF
 
280. ኣብ ኣጋ ምዝዛም ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ኤርትራ ነዚ ዕጡቕ ጒጅለ ምሕጋዝ ጀሚራ፡፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ እቲ ግንባር ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ግንባር ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ  ዝርርብ ድሕሪ ምግባር 2001 ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ከም ዘካየደን ይገልጽ፡  ተቘጻጻሪት ጕጅለ እዝን ካልእን  ዝረኸበቶ ሓበሬታታት መሰረት ብምግባር እማመ 1907 (2007) ካብ ዝወጸሉ ግዜ ኣትሒዙ እዞም ሐገዛት ከም ዝቐጸሉ ብዘይ ምንም ጥርጠራ ተረጋግጽ፡፡ 
 
281.ብመሰረት ካብ ነባራት ሓለፍቲ “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ዝተረኸበ ሓበሬታ ቅድሚ 2006 ኤርትራ ን“ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” እትገብሮ ሓገዝ ብበዓሶን ዓቡዱዋቕን (ማእከላይ ዞባ ሃገረ ሶማልያ) ኣቢሉ'ዩ ዝበጽሕ ኔሩ፡ በዚ ኣቢሉ ኸኣ ዶብ ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጽሕ ይግበር፡፡ ንኣሳልጦ'ዚ ስርሒት ሎጂስቲካዊ ሓገዝ ዝቕርቡ ኮሎኔል ጠዓመ “ወዲ መቐለ” (አብዚ ግዜ'ዚ ናይ ጀነራል መዓረግ ዘለዎ) ከምኡ'ወን ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኰይኖም፤ ካብ “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ከኣ ዓብዲኑር ሶያንን በሺር መኽታልን ኢዮም፡፡ ገሊኡ ኣጽዋርን ስንቅን ብቐጥታ ካብ ኤርትራ ብባሕሪ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጽእ ኔሩ፡፡ ካብ 2007 ከምኡ'ውን 2008 ንደሓር ግና ኤርትራ ብየመናዊ ደላሊ ኣጽዋር ኣቢላ እቲ ናይ ምትሕልለፍ ስራሕ ጀሚራቶ፡፡ እዚ ግና ዘዕግብ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ እቲ ካብ የመን ዝመጽእ (ኣጽዋር) ብዓይነቱ ብሉይን ግዜ ዝሓለፎን'ዩ ኔሩ፡፡  
 
282. ኣብ 2006 - ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር “ሕብረት ኣብያተፍርዲ እስላም” (UIC)--- ምስ ኣትወት ኤርትራ ነዚ ሓይሊ እትህቦ ሓገዝ ብመንገዲ “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ኣቢሉ'ዩ ዝበጽሖ ኔሩ፡፡ እዚ ምስ UIC ቀጥታዊ ውዕል ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክሳብ ዝብጻሕ ቀጸለ፡፡ በዓል ስልጣን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” በሺር ሙኽታል ከምኡ'ውን በዓል ስልጣን ስለያ ኤርትራ ተወልደ ሃብተ ነጋሽ ነዚ ዕላማ ከሳልጡ ናብ ሞቓዲሾ ተላእኹ፡፡ ሸዑ ግዜ ንነጋሽ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ በዓል ስልጣን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኣብ መንጐ ነጋሽ፡ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላምን ኣልሸባብን ቀጻሊ ርክባት ይካየድ ምንባሩ ይሕብር፡፡ እዚ ሓበሬታ ቅኑዕ ምንባሩ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ምክልኽል ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ዮሱፍ መሓመድ ሲያድ ዒንዳዲ የረጋግጽ፡፡ ዒንዳዲ ኣብቲ ግዜ'ቲ ጸሓፊ ምክልኻል ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም (UIC) ኢዩ ኔሩ፡፡ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም (UIC) ብመሬትን ብኣየርን ወተሃደራዊ ሓገዛት ይረክብ ኔሩ፡፡ እቲ ብመሬት ዝኣቱ ብቦሳሶ ናብ ድሑሶማሬብ ኣቢሉ'ዩ ዝበጽሕ ኔሩ፡፡ እንተኾነ መስከረም 2006 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጒዳይ ሶማልያ ምትእትታው ከም ዘይድግፍን ነቲ ኣብ ሶማልያ እገዳ ኣጽዋር  ዝሕግግ እማመ ከም ዝቕበሎን ገሊጹ ኢዩ፡፡ 
 
283. 2006 ዓ.ም ወተሃደራዊ ምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ንሕብረት አብያተ ፍርዲ እስላም (ICU) ካብ ስልጣን ዓልዩዎ፡፡ በዚ ድማ  ኤርትራ     ን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ናብ ፑንትላንድ ተዛወረ፡፡ እንተኾነ ኣብ 2008 ስለያዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ተላፊኖም ብዙሓት ሰበስልጣን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” አብ ፑንትላንድ ማረኹ፡፡ ሓደ ካብዚኣቶም ዓብደኑር ሶያጥ ኢዩ፡፡ በዚ ድማ ኤርትራን “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን”ን ካልእ መንገዲ ክፈጥሩ ተገደዱ፡፡ “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ወተሃደራዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ መስመር ናብ ዓውዳል ምዕራባዊ ሶማሊላንድ ተዛወረ፡፡ 
 
284. ፈለማ 2010 ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተቓለስቲ “ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን” ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገምገም ሶማሊላንድ (ጥቓ ወደባዊት ዓዲ ሉጋያ) ወረዱ፡፡ እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ብመሬት ሶማልያ ሰሊኾም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ቡራመ ናብ ዝተባህለት ኣብ ዶብ እትርከብ ዓዲ ንምብጻሕ'ዩ ኔሩ፡፡ እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ ሶማሊላንድ ህላዌኦም ብምፍላጦም ናብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ኣሳጒጐሞም፡፡ ኣብኡ ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝኸፈተሎም መጥቃዕቲ ተሳዒሮም ፋሕፋሕ ኢሎም ተበተኑ፡፡ ሕዳር 2010 ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ጂጂጋ ንዝርከቡ እሱራት ONLF ቃለመጠይቕ ጌራ ኔራ፡፡ ብዘይካ'ዚ ኣብ ውሸጢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተማረኸ ኣጽዋር'ዚ ዕጡቕ ጒጅለ ንምምርማር ፈተና ኔራ፡፡ እዚ ዘረጋገጾ ነገር እንተኔሩ ONLF ብዘይ ዝኾነ ጥርጥር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝሰልጠኑን ካብኡ ዝተላእኹን ምዃኖም ኢዩ (ተለቃቢ 8.3 ርአ)፡፡ ኤርትራ ነዚ ሓይሊ ዝገበረቶ ስልጠናን ምውፋርን ንእማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1844 (2008) ከምኡ'ውን 1907 (2009) ዝጥሕስ ኡዩ፡፡
 
2. “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” 
 
285. ልክዕ ከም ONLF “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” 'ውን ካብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተጠቃሚ ኰይኑ'ዩ፡፡ ኤርትራ ንOLF እትገበሮ ሓገዝ ኣቐዲሙ'ውን ብተቘጻጻሪት ጒጅለ ተሰኒዱ ኢዩ፡፡ OLF ኣብ ኣስመራ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ቤት ጽሕፈት ኣለዎ፡፡ መሪሕነት OLF ስልጠናን ስርሒታዊ ባይታን ካብ ኤርትራ'ዩ ዝረክብ፡፡ ካብ 2006 ኣትሒዙ ዝተገብረ መጽናዕቲ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ከም ዘመልክቶ ቀንዲ ሓለፍቲ'ዚ ጒጅለ ቁጽሪ ተሌፎኖምን ምስ ኤርትራ ዝገብርዎ ቀጥታዊ ርክባትን ከይተረፈ ብዝርዝር ክፍለጥ ተኻኢሉ'ዩ (ተለቃቢ 84. ሀ ርአ)፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ምስ ኣባላት'ዚ ጒጅለ ነበር ብዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ነዚ ከተረጋግጽ ክኢላ'ያ፡፡ 

ፍሉይ መጽናዕቲ 
 
ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግ ዝወጠኖ ስርሒት 
 
286. ፈለማ 2011 ሓይልታት ስለያ ኢትዮጵያን ፌደራል ፖሊስን ሻድሻይ ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግን ነተጒቲ ንምፍንጃርን ንዝተወጠነ ስርሒት ኣፍሺሎም፡፡ ዋላ'ኳ እዚ ስርሒት ናይ OLF ይምሰል'ምበር እቲ ሓቂ ግና ብመሪሕነት ግዳማዊ ስርሒታት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሓንጸጸ፡ ዝተሃንደሰ፡ ዝተደገፈን ዝተመርሐን ብመሪሕነት ጀነራል ጠዓመ ዝተኻየደን ውዲት'ዩ፡፡ እዚ ስርሒት ከም ዝተሓስቦ ተፈጺሙ እንተዝነብር ከቢድ ሲቪላዊ ህልቂት መስዓበ፡ ንቁጠባ ኢትዮጵያ መዕነዎ፡ ንኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከኣ ምዘረጐ ኔሩ፡፡       
 
ሀ. ድሕረ ባይታ'ዚ ስርሒት 
 
ምልመላ፡ ውጥንን ስልጠናን 
 
287. እዚ ውጥን ስርሒት ኣብ 2008 ዝጀመረ'ዩ ዝመስል፡፡ ኣብ'ዚ ዓመት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብዚ ስርሒት ዝሳተፉ አባላት OLF ከሰልጥንን ክምልምልን ጀሚሩ፡፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ብ ህይወቱ ዝደሓነ ፈቃዱ ኣብዲሱ ጉሱ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣባል OLF “ገመቹ ኣያና”  (“ቀርቾ” ብዝብል ስም’ውን ይፍለጥ ኢዩ)  ምስ ዝበሃል ኤርትራዊ ኮሎኔል ከም ዘተሓሓዞ ይገልጽ፡፡ ገመቹ ኣያና፡ ፈቃዱ ምስ ስለስተ ካልኦት ኣባላት ብሱዳን ኣቢሉ ናብ መሬት ኤርትራ ክኣቱ መምርሒ ሂብዎ፡፡  
 
288. ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ፈቃዱ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ነተጒቲን ኣጠቓቕማኡን ንብዙሓት ሳምንቲ ተማሂሩ፡፡ እዚ ትምህርቲ ብ ኣላይነት ገመቹ ኣብ ውሸጢን ዝተፈላለዩ ከበቢታትን ኣስመራ ኢዩ ተዋሂቡ፡፡ እቲ ትምህርቲ ዝሃበ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን “ወዲ ኢያሱ”  ብዝብል ስጓኡ ዝፍለጥ'ዩ፡፡ እዚ ስልጠና ምስ ተወድአ ኣጸቢቑ ክላለያ መታን ናብ ከተማ አዲስ አበባ ክኣቱ መምርሒ ተቐቢሉ ከም ዝኣተወ ፈቃዱ ይገልጽ፡፡ 
 
289. ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ፈቃዱ ዝያዳ ዝተናውሐን ዝጸዓቐን ስልጠና ንምውሳድ ናብ ኤርትራ ከም ዝተጸውዐ ይገልጽ፡፡ እዚ ጽዑቕ ስልጠና ፈለማ አብ ጥቓ ደቀምሓረ ደሓር ድማ ኣብ መዓስከር ዒን ኢዮም ወሲዶሞ፡፡ ክሳብ 2009 ከኣ ንሱን ካልኦት ኣባላት OLFን ኣብ ዒን ጸኒሖም፡፡ በመሰረት ሓበሬታ ፈቃዱ “ደምህት” ዝተሰምየ ዕጡቕ ጒጅለ ትግራዎት'ውን ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ኣብዚ መዓስከር'ዚ ስልጠና ወሲዱ ኢዩ፡፡
 
290. ፈቃዱ ኣብ ዒን ስልጠናኡ እናቐጸለ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ በመንገዲ ኮሎኔል ገመቹ ኣቢሎም ኣብ ጅቡቲ ዝቕመጥ ካድር OLF ረኽቡ፡፡ እዚ ካድር ዑመር እድሪስ መሓመድ ዝስሙ ኮይኑ፡ መራሒ ናይታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርሒት ክትገብር እተንቀሳቐሰት ሓይሊ ኢዩ፡፡ ኣብ ሙሎ በር (ጥቓ ጋሽ ባርካ) ከምኡ'ውን ሓድሽ መዓስከር ኤርትራ ስልጠናታት ከም ዝወሰደን ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዝነበሮን ይገልጽ፡፡ ኣብ ጾም ሮሞዳን ወርሒ (ነሓሰ/ መስከረም) 2009 ምስ ኣቦመንበር OLF ዳውድ ኢብሳ ምስተራኸበ ሓደ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን ሚስጥራዊ ተልእኾ ስለ ዝህቦ ጻውዒት ተሌፎን ክጽበ ሓቢርዎ፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኮሎኔል ገመቹ ረኺቡ ሓሙሸተ ምልምላት  ካብ ጁቡቲ ክቕርብ ንዑመር ኣዚዝዎ፡፡ ዑመር ብ ደዳዕቱ ኣቢሉ ዶብ ብምስጋር ካብ ጅቡቲ ሓሙሸተ ምልምላት ሒዙ ተመልሰ፡፡ ሓደ ካብዞም ሓሙሽተ ሓደስቲ ምልምላት ኢማም ስዒድ ኣሕመድ ኰይኑ ምስ ፈቃዱ ብሓባር ክስልጥኑ ናብ ዒን ከምተላእኩ ይሕብር፡፡  
 
291. መጋቢት 2010 ዑመር  ኤርትራ ኣትዩ ምስ ገመቹን ጠዓመን ኣብ ሆቴል ኣስመራ ተራኸበ፡፡ ብ/ጀነራል ጠዓመ ንዑመር ሓደ መምርሒ ሃቦ፡፡ ካብቶም ዘምጽኦም ምልምላት ክልተ መሪጹ ናይ “ከተማ ስርሒት” ንምክያድ ልምምድ ነተጉቲ ንምውሳድ ክዳሎ ሓበሮ፡፡ ዑመር መመረቕታ'ዞም ምልምላት ንምዕዛብ ናብ ዒን ከደ፡፡ ኣብ ዒን ዑመር ብናይ ሓሶት ስሙ “ያሕያ” ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ ዑመር ካብዞም ምልምላት ክልተ መረጸ፡፡ ንሳቶም ድማ ዓብዱልቃድር “ጉርቱን” ስዒድ መሓመድ ዩሱፍ “ድሮግባን” ኢዮም፡፡ 
 
292. መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ እቲ ንክልተ ሳምንታት ዝተዋህበ ክልስ-ሓሳባዊን ግብራዊን ስልጠና ኣብቅዐ፡፡ እዚ ስልጠና ኣብ ውሽጢ ኣስመራን ከባቢአን ኢዩ ተዋሂቡ፡፡ እዞም ሰለስተ ኣብ ወሰናስን ከተማ ጅቡቲ ነዳዲ ዘመላልሳ መካይን ኢትዮጵያ ክፍንጅሩ ምዃኖምን ነዚ ዝኸውን ፈንጂታት ከኣ ክዕደሎም ምዃኑን ተነግሮም፡፡ 
 
293. ምኽንያቱ ንጹር ኣይኮነን - ግን ጠዓመ እቲ ስርሒት ቅድሚ ምክያዱ ንዑመር ዳግማይ ናብ ኤርትራ ጸውዖ፡፡ ዑመርን ብጾቱን ብመሬት ናብ ጅቡቲ ኣትዮም ብዙሓት ሳምንቲ ኣብ ስለላን ኮለላን ድሕሪ ምሕላፍ ናብ ኤርትራ ኣተዉ፡፡ ንሱን ካልኦት 10 ኣባላት
OLF ናይ ሓደ ወርሒ መሰረታዊ ስልጠና ብረት ንምውሳድ ናብ ዒን ተላእኩ፡፡ ኣዛዚ መዓስከር ዒን ኮሎኔል ጀማል ኣላዪ፡ ዑመር ከኣ መራሒ'ታ ጒጅለ ኮይኖም ቀጸሉ፡፡ እቲ ስልጠና ምስ ተወድአ ዑመር ናብ ኣስመራ ተጸውዐ፡፡ ዕላማ ስርሒቶም ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኾነ ከኣ ብ/ጀነራል ጠዓመ ሓበሮ፡፡ 
 
ጒጅለ 1. 
ፈቃዱ ኣብዲሱ ጉሱ
 
294. መጋቢት 2010 ቅድሚ ወፍሪ ናይ መወዳእታ ምድላው ንምግባር ፈቃዱን ካልኦት ሰልጠንትን ንሓጺር ታዕሊም ተላእኩ፡፡ እዚ ታዕሊም ብ “ወዲ ኢያሱ” ዝወሃብ ኰይኑ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሞባይል ተሌፎንን ቅመራ ግዜ ተፈንጀርትን'ዩ ኔሩ፡፡ ሲፈን ጫላ በዳዳ - ኣባል ጒጅለ ፈቃዱ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ንሱን ካልኦት ተፈንጀርቲ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ኣባላት ኩሉ ስልጠናታት ከም ዝወሰዱ ይሕብር፡፡ ብዘይካ'ዚ ኣብ  ጒዳያት ስርሒታዊ ጸጥታን ጸረ-ስለያን ብጠዓመ መምርሒታት ከም ዝተዋህቦም ይገልጽ፡፡ ድሕሪ'ዚ ገመቹ፡ ፈቃደን ጒጅለኡን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ሓበሮም፡፡ ኣብኡ ኮይኖም ነተጐቲን ተወሳኺ ሓበሬታን ክሳብ ዝመጾም ክጽበዩ ተነግሮም፡፡ ድሕሪ ምውፋሮም ፈቃደ ምስ ገመቹ ዝነበሮ ርክባት ቀጺልዎ ኢዩ፡፡ ኣብ መንጐኦም ብውሑዱ 27 ዝርርባት ተሌፎን ከም ዝተገብሩ ናይ ተሌፎኑ ጾብጻባት ይሕብሩ፡፡ 
 
295. ፈቃዱን ጒጅለኡን በቲ ዝለኣኸሎም ገንዘብ እናተጠቕሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ጸገም ተቐመጡ፡፡ ሲፈን ጫላ በዳዳ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብ ኦሮሞን ኤርትራውያንን መንጐኛታት ብትካላት ምትሕልላፍ ገንዘብ ዳሃብሺልን ኣማልን ከምኡ'ውን ብኬንያን ሱዳንን ኣቢሎም ገንዘብ ክረኽቡ ገመቹ ከም ዘሳለጠሎም ይሕብር፡፡ ብኣማል ኤክስፕረስ ከምኡ'ውን ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝወጹ ኦፊሴላዊ (ወግዓዊ) ሰነዳት ከምዚ ዝበለ ምልውዋጥ ከም ዝነበረ የረጋግጹ፡፡ (ተለቃቢ 84. ለ ርአ)፡፡
 
ጒጅለ 2. 
ዑመር እድሪስ መሓመድ
 
296. ኣብ መፋርቕ 2010 ዑመር ጒጅለኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብወገን ጭፍራ ከስሉኽን ናይ ኮለላ ስርሒት ከካይድን ካብ ጠዓመ “ወዲመቐለ” መምርሒ ተዋህቦ፡፡ ብዘይካ'ዚ ዕላማ ክገብሮም ዝግባእ ቦታታት ኣዲስ ኣበባ እንተላይ ቤ/ጽ አፍሪቃዊ ሕብረት፡ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝርክብ ሎንዶን ካፊ፡ ሆቴል ኣክሱም፡ ኣብ መንጐ ሆቴል ሸራተንን ቤ/ጽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝርከብ ከበቢ ፍልውሃ ብዝርዝር ተነግሮም፡፡ 
 
297. ናይ ስለላን ኮለላን ተልእኾኡ ምስ ዛዘመ ዑመር ንኤርትራ ተመሊሱ ናብ ሰልጠንቲ ዒን ተጸንበረ፡፡ ታሕሳስ 2010 ስልጠናኦም ብመመረቕታ ምስ ዛዛሙ ዑመርን “ድሮግባ”ን ምስ ወዲ ኢያሱ ኮይኖም ናይ መወደእታ ስልጠና ተፈንጀርቲን መዛዛሚ መብርሂን ካብ ጠዓመ ”ወዲመቐለ” ክስምዑ ናብ ከተማ ዓሰብ አምርሑ፡ ምስ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝገብሮ ቃለመጠይቕ ዑመር ንመብርሂ ጠዓመ ብኸምዚ ይዝክሮ፡፡ 
 
 “ ሓንቲ ካብተን ዝነገረና ዕላማታት ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት’ያ፡፡ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተወከልቲ ዝጥቀሙለን ትመስል ላንድ ክሩዘር ዝዓይነታ መኪና ክካረ ተነጊሩኒ፡፡ ናይ ተኬቪዥን መዐሸጊ ኣብ ዝመስል ባኮ ካብ 2- 4 ዝኸውን ሲሊንደራት ከዳሉን ኣብ ናይ ድሕሪት መኾፈሊ'ታ መኪና ከቐምጦን ተነጊሩኒ፡፡ ንፉዩዝ  እታ መኪና ናብ ፐናላ ቅድሚት እታ መኪና ክዝርግሖ ከም ዘሎኒ'ውን ተሓቢሩኒ'ዩ፡፡ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዕረፍቲ ዝወስዱሉ ግዜ ከነጽንዕ ዝኣትውሉ ወይ ዝወጹሉ ግዜ ክንመርጽ ከም ዘሎና ኸኣ ኣቐዲሙ ተነጊሩና'ዩ፡፡ እቲ ግዜ ዝሕብር ናይ ሞባይል ተሌፎን ስርዓተ መበራበሪ (alarm) ክንጥቀም ኢና ሓሲብና፡፡ ጥቓ'ቲ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ወይ ካፌ ኮፍ ኢልና እቶም መራሕቲ ፍልይ ዝበለ ግዜ መሪጾም እንተወጺኦም ግዜና ከነመዓራሪ ዉጥን ኔሩና፡፡ 
 
       “ ዕላማና ነቶም መራሕቲ ንምቕታል ኣይነበረን፡፡ ሓሳባትና ኢትዮጵያ ውሕስነት ዘይብላ ሃገር ምዃና፡ ኣብ ውሸጢ ኢትዮጵያ ውሕስነት ከም ዘይስምዖም ንምግባር ኢዩ ኔሩ፡፡ ነዚ ኣበሃህላ ዝድግፋ ገለ ሃገራት ዓረብ ኣለዋ፡፡ 
 
          ካልእ ዕላማ ዝገበርናዮ ቦታ ፍልውሃ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሸራተን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢዩ፡፡
 
       ሳልሳይ ዕላማና መርካቶ (ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ክፉት ዕዳጋ) ኮይኑ ብዙሓት ሰባት ንምቕታል ኢዩ ኔሩ፡፡ እዚ እንተጌርና ህዝቢ “መንግስቲ ዉሕስነትና ኣይሕልወልናን'ዩ” ኢሉ  ከማርር ኢዩ፡፡ ነቲ ነተጉቲ ምስ ናይ ጋዝ ሲሊንደራት ኣብ ሓደ ISUZU ፒክ ኣፕ መኪና ከነቐምጦ ኢና ሓሲበና፡፡ ከምዚ ዓይነት መኪና 15 ሲሊንደራትን ካብ 4-6 ኪሎ ዝምዘን C-4 ነታጒን ክትስከም ተኽእል ኢያ፡፡ ነዞም ሲሊንደራት ብተፈንጀርቲ ጠምጢምና ናብ ቅድሚ'ታ መኪና ክንኣስሮ ኢና ሓሲብና፡፡ እቲ C -4 ኣብቲ ናይ ውሽጢ 6 ሲሊንደራት እቲ ተፈንጀሪ ከኣ ኣብቲ ዝተረፈ ትሸዓተ ክንጥምጥሞ ፡፡ እቲ ፊዩዝ ኣብ ጫፍ'ቲ ተፈንጀሪ ክእሰርን ብሞባይል ክፍንጀርን ከነዳልዎ ኢዩ ተነጊሩና፡፡ 
 
   ጠዓመ ላፐቶፑ ከፊቱ ዕጡቓት ዒራቕ በኽመይ ነተጐቲ ምፍንጃር ከም ዝጥቀሙ ብቪድዮ ኣርእዩኒ፡፡ ንዓይ ኮነ ኢሉ ከረሳስን ኢዩ ነዚ ጌርዎ፡፡ ሸዑ ላፕቶፑ ዓጽዩ “ደጊም ኣዲስ ኣበባ ባቕዳድ ክንገብራ ኢና” ኢሉኒ፡፡  
 
298. ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ዑመር ምስ ጠዓመን ገመቹን ተራኺቡ ዝርዝር ሓበሬታ ስርሒታት ተዘራረበ፡፡ እዚ ዝርብባት ናይ መንግስቲ ባንክታት መርበባት ህዝባዊ መንዓዝያን መዐደሊ ጸዓት ኣዲስ ኣበባን ከነጥቅዕ ሓበሬታ ዝሃበ'ዩ ኔሩ፡፡ 
 
299. ብመሰረት ዑመር ዝሃቦ ሓበሬታ ንሱን “ድሮግባ”ን ካብ ገመቹ ካብ 20 ኪሎ ዝምዘን C-4 ዝዓይነቱ ተፈንጃሪ፡ 100 ሜትሮ ዝንውሓቱ RBx ተፈንጃሪን ከም ዝተዋህቦም ይገልጽ፡፡ (ተለቃቢ 8.4 ሐ ርአ)
 
300. ብእግሮም ናብ ጅቡቲ ምስ ኣተዉ ብመኪና ዶብ ኣቋሪጾም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፡፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጒዕዞ ካብ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያን ንምኽዋል እተጠቕሙሉ ሜላታት ዑመር ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ብዝርዝር ሓበሬታ ሂቡ'ዩ፡፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ዑመር ነቲ ነታጒን ካልእን ናውቲ “ሙሳ” ንዝተባህለ ውልቀሰብ ኣረኪብዎ፡፡ ተልእኾ “ሙሳ” መዓልቲ ስርሒት ክሳብ ዝኣክል ነዞም ነተጒቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ምቕማጥ ኢዩ ኔሩ፡፡ ዑመር ምስ ፈቃዱ ምርኻቡ ቀጸለ፡፡ ፈቃዱን ጒጅለኡን ትእዛዝ ጥራይ ኢዮም ዝጽበዩ ኔሮም፡፡ 
 
301. ፈቃዱ መኪና ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንዑመር ሓበሮ፡፡ ምክንያቱ መብዛሕትኦም ኣካረይቲ መኪና ብዘይ ኣውቲስታ መኪና ኣየካርዩን ኢዮም:: ወረቐት መንነት'ውን ይሓቱ ኢዮም፡፡ ብዘይካ'ዚ ፈቃዱ እተኻረዮ ገዛ ኣብ ውሸጢ ካልኦት ስድራ ዝቕመጡሉ ካንሸሎ ምዃኑን እዚ ድማ ንጸጥታን ሚስጥራውነትን እቲ ተልእኾ ምቹእ ዘይምዃኑ ዑመር ክግንዘብ ከኣለ፡፡ 
 
መ. ጒጅለ 3 
መሓመድ ኑር “ዶክተር” 
 
302. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረት ጒጅለ ነቲ ስርሒት ንምክያድ እናተዳለወት ኣብ ዔን ዝርከቡ ዝተረፉ ሰልጠንቲ ስልጠናኦም ዛዚሞም ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብመሬት ክዋፈሩ ተዳለዉ፡፡ ሓደ ካብ ኣባላት እዛ ጒጅለ ዝኾነ ኢማም ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ዔን ዝኾነ ኤርትራዊ ነዛ ጒጅለ ኣጽዋርን መሳለጥያን ከም ዝሃባ ይገልጽ፡፡ ኢማም መንጣሊ ብረት (Dragunov-Type Sniper) ተዋህቦ  (ተለቃቢ 8.4 መ ርአ)፡፡ ነቲ ተልእኾ ከኣ ተዓጥቓ፡፡ እቶም ካልኦት ከላሽን ኮቭ ዝዓይነቱ  ብረትን ስንቅን ተዓደሉ፡፡ መሓመድ ኑር “ዶክተር” ሓደ ካብቶም ብዑመር ካብ ጅቡቲ ዝተመልመሉ ኣባላት መራሒ'ዛ ጒጅለ ክኸውን ተመርጸ፡፡ 
 
303. ብመሰረት ኢማምን ሰይድ ዓብድራሕማን ዑመርን ዝሃብዎ ሓበሬታ እዛ ጒጅለ ፈለማ ናብ ዓሰብ ተጓዒዛ፡ ኣብኡ ጠዓመን ገመቹን መዛዛሚ መምርሕን ዝስልጠንዎ ተፈንጀርቲን ሂቦሞም፡፡ ብመሰረት ዝሃብዎም መምርሒ (ሓበሬታ) ክሳብ ጭፍራ ብእግሮም ክጓዓዙ ነቲ ነተጒቲ ቀቢሮም ከኣ ተወሳኺ ትእዛዝ ዑመር ክጽበዩ ነበሮም፡፡  
 
ረ. ስርሒት ይጅምር፡፡ 
 
304. ፈለማ ጥሪ 2011፡፡ ስርሒት ዝካየደላ መዓልቲ ተቐላጠፈት፡፡ ዑመር ተወሳኺ ገንዘብ ክወሃቦ ንገመቹ ሓተተ፡ 
 
     “ ብመንገዲ ሓዋላ ኣማል (ኬንያ) ብስም ዑመር እድሪስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሳኺ ገንዘብ ተላኢኹልና፡፡ ነዚ ሓድሽ ዝተላእከልና 3 ሸሕ ዶላር ነቶም ስለስተ ሂበ፡ ነቲ ካብ ኣስመራ ዝወሰድናዮ ተረፍ ንዓይ ሓዝኩዎ፡፡ ገመቹ ምስኦም ርክብ ዘለዋ እናኒ መለሰ ንዝተባህለት ሰበይቲ (ዓርኪ ተስፋይ ወይ ድማ ፍቓዱ) 500 ዶላር ከም ዝልእኽ ነጊሩኒ ኔሩ፡፡ እዚ ናብ ኣስመራ መምለሲኣ ኢሉ'ዩ ክሰዶ ወጢኑ”  
 
305. ተቘጻጻሪት ጒጅለና ኣብ መወዳእታ ሰነድ ክልቲኡ ልውውጣት (ዕለቱ 8 ጥሪ 2011) ረኺባ'ያ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ዑመር ዝሃቦ ጸብጻብ ከራጉድ ክኢሉ'ዩ (ተለቃቢ 8.4 ለ ርአ)፡፡ 
 
306. አብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝግበረሉ ግዜ ምስ ምእታዉ፡ ዑመር ግድነት ምስ ገመቹ ክማኸር ከም ዘለዎ ወሰነ፡፡ እዚ ንኽገብር ናብ መተማ (ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ) ብምኻድ ብ SIM ካርድ ሱዳን ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ጻዉዒት ክገብር ይኽእል ኢዩ (ተለቃቢ 8.4 ረ ርአ)፡፡ ገመቹ ብወገኑ ናብ ተሰነይ እናተጓዕዘ SIM ሱዳን ወይ ኢትዮጵያ እናተጠቕመ ጻውዒት ይገብር ኔሩ'ዩ፡፡ ሰነዳት ተሌፎን ከም ዝሕብርዎ ዑመር ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈረሉ ግዜ ልዕሊ 39 ርክባት ኣካዪዱ'ሎ፡፡ መብዛሕትኡ እዚ ጻውዒታት ብገመቹ ዝተገብረ'ዩ ኔሩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ዑመር ሓደ ግዜ ንዳዉድ ኢብሳን ጠዓመን ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠዓመ እናሃለዉ ኣዘራሪብዎም ኔሩ'ዩ፡፡ እዛ ናይ ጠዓመ ቤት ጽሕፈት'ያ እተባህለት ቊጽሪ ተሌፎን ምስ'ቲ ግንቦት 2011  ኣብ ሱዳን ዝተኣስረ ካልእ ካድር OLF ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ'ዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብዘይካ'ዚ ኣብ መንጎ ዑመርን  ጠዓመን ዝተኻየደ ዝርርብ ብድምጺ ቅዳሕ ኣለዋ፡፡ እዚ ቅዳሕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት እተሰነደ ኰይኑ ድምጺ ጠዓመ ምዃኑ ብ ናጻ ምንጪታት ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ 
 
307. ብ “ዶክተር” እትምራሕ ጒጅለ ጥቓ ባቲ ብ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተጠሊፋ ከም ዝተታሕዘት  - ኢማም (ሓደ ካብኣቶም ከኣ) ቈሲሉ ከም ዝተማረኸን ብቴለቪዥን ኢትዮጵያ ከም ዝተራእየን ዑመር ኣብ መተማ እናሃለወ ሰምዐ፡፡ ኢማም ክማረኸ እንከሎ ስርሒት ሩማንያ ዝኾነት PSL (ድራግኖቭ ዝዓይነታ) መንጣሊት ብረት ዓጢቑ'ዩ ኔሩ፡፡ እዛ ብረት ኣብ ዔን ዝተዓደላ ምዃኑ ከኣ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ሓበሬታ ሂቡ'ዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብ 11 ሚያዚያ 2011 ካብ መንግስቲ ሮማንያ ደብዳቤ ተቐቢላ ኔራ፡፡ እዚ ደብዳቤ ከም ዘረጋግጾ እዛ መንጣሊ ብረትን መነጻጸሪኣን ኣብ 2004 ን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ከም ዝሸጠሉ ምስናይ ሰነዱን ናይ መንግስቲ ኤርትራ end user ምስክር ወረቐትን ኣሰንዩ ሓበሬታኡ ሂቡ ኢዩ (ተለቃቢ 8.4 መ ርአ)፡፡ ኢማም ካብ ኤርትራ ዝተዓደላ ስናይፐር (Dragunov-type PSL)፡ ብ2004 ሩማንያ  ንኤርትራ ዝሸጠትላ
 
308. ካልኦት ኣባላት ጒጅለ “ዶክተር” ኣምሊጦም ተበታቲኖም ፡፡ ዑመር ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክግበር ዝተሓስበ ስርሒት ኣቋሪጹ ዝተረፉ ኣባላት'ታ ጒጀለ ንምድሓንን ንምጥርናፍን ናብ ባቲ ተጓዒዙ፡፡ ኣብኡ ግና ክልተ ኣባላት ጥራይ'ዩ ረኺቡ፡፡ ዓሊን ኣብዲን ጥቓ ገርባ ኣብ ዝርክብ ጣሻ ተሓቢኦም ዘምለጡ ኢዮም፡፡ ክልተ ካልኦት ብፖሊስ ተታሒዞም፡  “ዶክተር” ከኣ ከም እተቐትለ ፈለጠ፡፡ 
 
309. ዑመርን እዞም ዝተረፉን ክልተን ናብ ኣዲስ አበባ ምስ ተመልሱ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ እናተኻየደ'ዩ ኔሩ፡፡ ነቲ ስርሒት ዝኸውን መኪና ስለ ዘይተረኽበን ግዜ ይሓልፍ ስለ ዝነበረን ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ገዲፉ ታክሲ ተጠቒሙ ክልተ ካልኦት ዕላማታት ከጥቅዕ ወሰነ፡፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ቅድሚ ቐትሪ (2 ለካቲት 2011) ዑመር ምስ ኣብዲን ፈቃዱን ብምዃን ን ኣክሱም ሆቴልን ፍልውሃን እናኾለሉ ተዓዘቡ፡፡ ድሕሪ'ዚ ዑመር ንሙሳ ተሌፎን ብምድዋል ድሕሪ ቀትሪ ክራኸቡን ነቲ ነተጉቲ፡ ፈንጂታትን ከምጽእ ነገሮ፡፡ ነቲ ፈንጂታት ኣብ ፒያሳ ተረኪቦም ናብ እንዳ ፈቃዱ ወሰድዎ፡፡ 
 
310. ንጽባሒቱ ንግሆ ፖሊስ ንፈቃዱን ብጾቱን ኣብ ገዝኡ ሓዝዎም፡፡ ዑመር ን ፈቃዱ ክራኸብ ፈቲኑ ተሌፎን ከም ዝተዓጽወት ምስ ተዓዘበ፡ ተጨኒቑ ነቶም ካልኦት ኣባላት ናብ ካልእ ሆቴል ኣዕረፎም፡፡ 
 
311. ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ዑመር ህዝባዊ ሚኒባስ (ታክሲ) ተሳፊሩ እናኸደ፡  ፖሊስ ተፈንጀርቲ ዝሓዙ ሰባት ከም ዝቐየደ ተሳፈርቲ እንክዘራረቡ ሰምዐ፡፡ ናብ እንዳ ፈቃዱ ዝገብሮ ዝነበረ ጉዕዞ ኣቋሪጹ፡ ዝተረፉ ኣባላቱ ቅድሚ ምምራኾም ናብ ኮምቦልቻ ክንቀሳቐሱ ኣዘዞም፡፡ ናብ እንዳ ፈቃዱ ከይዱ ቤቱ ባዶ ኰይኑ ረኸቦ፡፡ ኣብ ኣዲስ አበባ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ሆቴል እናቐያየረን ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ዶክመንታትን SIM ካርዲታትን እናተጠቕመ ንሒደት መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ናዝሬት ጉዕዞ ጀመረ፡፡ ኣብ መንገዲ ከኣ ተታሕዘ፡፡ 

ትንተና 
 
312. ምስ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ቃለ መጠይቕ ካብ ዝገበሩ ሰባት መራሕ ጒጅለ ዑመር እድሪስ መሓመድ ጥራይ ኢዩ ምስ መሪሕነት OLF (ኣስመራ) ስሩዕ ርክብ ዝገብር ኔሩ፡፡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ጒጅለ ካብ ምልመላ ጀሚሩ ካብ መዋቕራት OLF ተነጺሎም፡ ኩሉ ስልጠናን ትእዛዝን ብቐጥታ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኢዮም ክቕበሉ ጸኒሖም፡፡ ብመሰረት ዑመር ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ስርሒት ምህላውን ዕላምኡን ዝፈልጥ ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ ጥራይ ኢዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ንሱ”ውን ኣብዚ ስርሒት ዝኾነ ቁጽጽር ይኹን ምትእትታው ኢድ ኣይነበሮን፡፡ ስለዚ ድማ ተቘጻጻሪት ጒጅለ እዚ ስርሒት ከም ተበግሶ OLF ጌርካ ብሓሶት ንምቕራብ ዝተፈተነ ንጡፍ ስራሕ ስለያ ኤርትራ ምዃኑ ክትድምድም ክኢላ ኢያ፡፡ 
 
ሶማልያ 
 
313. ኤርትራ ንዕጡቓት ጒጅለታት ሶማልያ እትገብሮ ሓገዝ ካብ 1998 - 2000 ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ኢዩ ጀሚሩ፡፡ ኤርትራ ብሑሴን መሓመድ ፋራሕ “ኣይዲድ” ንዝምራሕ ሚሊሻ ሓገዝ ብምሃብ ንኢትዮጵያ ካልኣይ ግንባር ክትፈጥረላ ተንቀሳቒሳ ኢያ፡፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብሚሊሻ መሓመድ ፋራሕ “ኣይዲድ” ኣቢሉ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ ONLF (“ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን”)ን OLF (“ግንባር ሓርነት ኦሮሞ”)ን ክትሕግዝ ተንቀሳቒሳ ኢያ፡፡ ምትአታታው ኤርትራ ኣብ ግርጭት ሶማልያ ክጐልሕ ዝጀመረ ግና ምስ ምቕልቃል “ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም” (UIC) ኣብ 2006 ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣስመራ ንዝመደብሩ “ውድብ ዳግመ ምሕራር ሶማልያ” ከምኡ'ውን ድሕሪ ወተሃደራዊ ምትአትታው ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ (ታሕሳስ 2006) ከኣ ንጒጅለ ኣልሸባብ እትገብሮ ሓገዝ ብሰፊሑ ቀጺላቶ ኢያ፡፡ 
 
314. ኤርትራ “ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይ ሶማልያ ምትእትታው ብመትከል ደረጃ ከም ዘይትድግፍ” ብምግላጽ ንዕጡቓት ጒጅለታት ሶማልያ ወተሃደራዊ ደገፍ ምሃባ ትኽሕድ፡፡ መብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ንምንቅስቓስ ምቹእ ብዘይምዃኑ  ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ካልእ ጭቡጥ ሓበሬታን ክትረክብ ኣጸጋሚ'ዩ፡፡ እንተኾነ ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዕማማ ዝረኸብቶ ሓደስቲ ሓበሬታታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም ዝገበረን ገና'ውን ከም ዝቐጸለን የመልከቱ፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ምትእትታው ብቤት ጽሕፈት ግዳማዊ ስርሒታቱ ክፍሊ ስለያኡ ኣቢሉ'ዩ ዘካይዶ ዘሎ፡፡  ስለያ ኤርትራ ምስ ዕጡቃት ጒጅለታት ሶማል ኣብ ተለቃቢ 8.5  ርአ፡፡

1. ንኣባላት ኣልሸባብ ዝተገብረ ፋይናንሳዊ ደገፍ 
 
315. መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቃት ተቓወምቲ ጒጅለታት ዝገብሮ ሓገዝ ብዙሕ'ዩ፡፡ ንኣባላት እዞም ጒጅለታት ብቐጻሊ ናይ ገንዘብ ሓገዛት ምሃብ ሓደ ካብዚ ኢዩ፡፡ ገለ ካብዚ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ተሰኒዱ'ሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጒጅለታት፡ መራሕቶም ኮነ ደገፍቶም ዝኾነ ገንዘብ ምትሕልላፉ ብዕሊ ክኽሕድ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ፡፡ 
 
316. ኣብዚ ናይ ሕጂ ተልእኾኣ ተቘጻጻሪት ጒጅለ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ርክብ ንዘለዎም ብዙሓት ውልቀሰባት ክፍሊት ገንዘብ ምሃቡ ናይ ሰነድ መርትዖ  ረኺባ'ላ፡፡ እዞም ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ( ኬንያ ) ዝተረኽቡ ኮይኖም “ሃገረ ኤርትራ” ዝብል ጽሑፍን ኣርማን ዘለዎም ኢዮም፡፡ ብዓረብኛን ትግርኛን ዝተጻሕፉ፡ ብሰንጠረዥ ዝተቐመጡን “ሃገረ ኤርትራ” ዝብል ርእስ ጽሑፍ ዘለዎምን ፋይናንሳዊ ሰነዳት ተረኺቦም ኣለው (ተለቃቢ 8.5 ሀ ርአ)፡፡ 
 
       ስርሒታት ኤምባሲ ኤርትራ ዝከታተሉ ምንጭታት እዚ ሰነዳት ናይ እማን ምዃኑ አረጋጊጾም ኣለው፡፡ ብዙሓት ኣባላት ቆንስል እንተላይ ኣምባሳደራት ብምጥፍፋእ ገንዘብ ይኽሰሱ እዮም፡፡ ስለዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ካብ ትጽቢት  ወጻኢ ኣይኰነን፡፡ በዚ ድማ'ዩ ኣብ መንጐ መንግስትን ኤምባሲታቱን ጽኑዕ ኣተሓሕዛ  ፋይናንሳዊ መዝገብ ክተአታተቶ ዝተገብረ፡፡ 
 
317. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝረኸበቶ ሰነድ ን2008 ዓ.ም ዝመልከት'ዩ፡፡ ይኹን'ምበር ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ምንጭታት መዝገብ ክፍሊት (Payroll) ኤምባሲ ኤርትራ ከም ዝሕብርዎ ኣልሸባብ'ውን በዚ መገዲ ኣቢሉ ክፍሊት ከም ዝወስድ ይፍለጥ፡፡   ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ሓዶ ነጋዳይ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነዚ ዕለማ ተባሂሉ ናብ ናይሮቢ ዝስላዕ ገንዘብ ወርሓዊ ክሳብ 80 ሽሕ ዶላር ኣቢሉ ይበጽሕ፡፡ እዚ ነጋዳይ ካልኦት ዘተኣማምኑ ሓበሬታታት'ውን ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ሂቡ ኢዩ፡፡  
 
ሀ. ዑጋስ ዓብዱ ደሂር 
 
318. ሓደ ካብቶም ኣብ መዝገብ ክፍሊት ዝተረኽቡ ውልቀሰባት ዑጋስ ዓብዱ ዳሂር ኢዩ፡፡ ዓብዱ ዳሂር ኣባል ውደብ ዳግም ምሕራር ሶማልያ ነበር፡ ሕጂ ኸኣ ኣባል ጒጅለ ኣልሸባብ ኢዩ፡፡ ዳሂር ኣብ ቀቢላ ሓቢር ግዲር ዓይር ተስማዕነት ዘለዎ ፖለቲከኛ ኢዩ፡፡ 27 ታሕሳስ 2010 ኣብ ኣፍጐየ ውህደት ሕዝቡል ኢስላምን ኣልሸባብን ዘበሰረ ውህደት ተፈጺሙ ኔሩ፡፡ ናይቲ ኮንፈረንስ ኣፈኛ ከኣ ንሱ'ዩ ኔሩ፡፡ ን ዳሂር ብቐረባ ዝፈልጥዎ ክልተ ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣልሸባብ ኣብ ቀቢላ ዓይር ተቐባልነት ንምርካብ ነዚ ውልቀሰብ ይጥቀመሉ አሎ፡፡ 
 
319. ብመሰረት ሰነዳት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2008 ዳሂር 1,600 ዶላር ጥረ ገንዘብ-ከምኡ'ወን 800 ዶላር ናይ ኣየር ቲኬት ተቐቢሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ምንጪታት ከም ዝሕብርዎ ሕጂ'ውን ዳሂር ካብ'ቲ ኤምባሲ ገንዘብ ይቕበል ኢዩ፡፡ ብኤርትራዊ ፓስፖረት ከም ዝንቀሳቐስ'ውን ይፍለጥ፡፡ ሓደ ካብ'ዞም ሶማላውያን ምንጪታት ሓድሽ ናይ ጉዕዞ ማሕተም ዘለዎን ገና ዘይወደቐ (ግዚኡ ዘይሓለፎ)ን ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣርእዩና፡፡ 
 
ለ. መሓመድ ዋሊ ሼኽ ኣሕመድ ኑር 
 
320. ካልእ ኣብ ፋይናንሳዊ ሰነዳት ኤምባሲ ኤርትራ ዝተረኽበ ውልቀሰብ መሓመድ ዋሊ ሼኽ ኣሕመድ ኑር ኢዩ፡፡ (እዚ ሰብ ዑጋስ መሓመድ ዋሊ ሼኽ ብዝብል ስም'ውን ይፍለጥ'ዩ)፡፡ እዚ ሰብ ኣቐዲሙ ኣብ ጸብጻብ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ተጠቒሱ ኔሩ'ዩ፡፡ ን “ውድብ ዳግመ ምሕራር ሶማልያ” ወኪሉ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ይረክብ ኔሩ'ዩ፡፡ ኑር ሚያዝያ 2008 ካብ ኤምባሲ ኤርትራ 20 ሽሕ ዶላር ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ከም ዝተቐበለ ናይ ክፍሊት ሰነዳት የመልክቱ፡፡
 
321. ውድብ ዳግመ ምሕራር ሶማል -ኣስመራ ኣብ 2010 ካብ ዝበታተን ንደሓር ከም ፖለቲካዊ ኣወሃሃዲ ኣልሸባብ ኮይኑ ናብተን ኣልሸባብ ዝቈጻጸረን ከተማታት ኪስማዮን ጌዶን ተጓዒዙ ኢዩ፡፡ ንኑር ሓዉ -ሜጀር ዓብዱልቃድር “SPM”-- ኣብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣልሸባብ ኢዩ፡፡ ምስ ኑር ኣብ ውሽጢ ውድብ ዳግመ ምሕራር ሶማልያ-ኣስመራ ዝሰርሕ ዝነበረን ሕጂ'ውን ደጋጊሙ ናብ ኤርትራ ዝመላለስን ውልቀሰብ ብዝሃበና ሓበሬታ መሰረት ኑር ኣብ 2010 'ወን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ ኔሩ፡፡ ካብ ሕዳር 2010 ክሳብ ጥሪ 2011 ናብ ኤርትራ ካብ ዝገብሮ ምብጻሕ ገዚፍ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተቐበለ ይገልጽ፡፡  
ሐ. ዓብዱራሕማን ኣሕመድ ሸኪር፡፡ 
 
322. ካልእ ሰነድ ቅብሊት ኤምባሲ ከም ዝመልከቶ ዓብዱራሕማን ኣሕመድ ሸኪር ዝተባህለ ውልቀሰብ'ውን ኣብ ሚያዚያ 2008 20 ሽሕ ዶላር ምውሳዱ ኢዩ፡፡ እቲ ሰነድ ከም ዘመልክቶ እዚ ውልቀሰብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬነያ 20,000.00 ዶላር ኣብ ሚያዚያ 2008 ተቐቢሉ'ዩ፡፡ ኣብ ተመሳሰሊ ግዜ ኣብ ናይሮቢ ብዝርከብ ወኪል ሓዋላ ሶማልያ ኣቢሉ ናይ ባንክ ደብተር ኣውጺኡ'ዩ፡፡ 
 
323. ተቘጻጻሪት ጒጀለ ንደብተር ባንክ ሸኪር ዝምልከት ሓበሬታ ረኺባ ኢያ፡፡ መብዛሕትኡ ምልውዋጣት ብቕሙጥ ገንዘብ ወይ ሸኪር ባዕሉ ብዘውጽኦ ገንዘብ ኢዩ ተፈጺሙ፡፡ እታ እንኮ ዝተፈልየት ኣጋጣሚ ብ10 ግንቦት 2009 ዝተገብረት ምልውዋጥ ኢያ፡፡ ኣብዛ ዕለት ሸኪር 1,919 ዶላር ኣብ ጐደቦ በቓራ (ሞቓድሾ) ንዝቕመጥ ዓሊ መሓመድ ሓሺ ዝለኣኾ ገንዘብ'ዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ መዛግብ ቅብሊት ብዝገበረቶ ጽዑቕ መርመራ፡ እዚ ተቐባሊ ገንዘብ መሓመድ ሓሺ ዓሊ፡ መሓመድ ዓሊ ሓሺን ዝብሉ ኣስማትን ናይ ሓሶት መለለዪ ዶክመንትታትን ከም ዝጥቀም ኣረጋጊጻ'ያ፡፡ 
 
324.  ሸኪረን ሓሺን ኣብ ሃርጌሳ መዓስከር ስደተኛታት (ኬንያ) ምዝጉብ ኣድራሻ ኣለዎም፡፡ 31 ጥሪ 2010 (እማመ 1907(2009) ካብ ዝሓልፍ ወርሒ ምስ መልኦ) ሻኪር 1,247 ዶላር ኣብ ሃርጌሳ ካብ ዝርከብ ጨንፈር ሓዋልኡ ኣውጺኡ ነቲ ደብተሩ ዓጸዎ፡፡ ጥቅምቲ 2010 ዓሊ መሓመድ ሓሺ ናይሮቢ ኣትዩ ካልእ መዝገብ ሓዋላ ከፈተ፡፡ እዚ መዝገብ ክሳብ 22 መጋቢት 2011 ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ግና ሓሺ 4,660 ዶላር ብምውጻእ ንመዝገቡ ጓሕጎሖ፡፡ 
 
325. ሚያዚያ 2011 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሃርጌሳ ምስ ተቘጻጻሪት ጒጀለ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ሓሺ ዓርኩ ምዃኑን ብቐጻሊ ናብ ናይሮቢ ሞቓዲሾን ዞባ ጌዶ (ሶማልያ) ከም ዝጐዓዝን ገሊጹ ኢዩ፡፡ ሸኪር ምስ ሓሺ ናይ ገንዘብ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ተኣሚኑ ኢዩ፡፡ ምስ ኣልሸባብ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ይኹን ርክብ የብለይን ኢሉ ይኽሕድ፡፡ እንተኾነ እቲ ዝረኸብናዮ ናይ ቅብሊት ሰነድ ብኣንጻሩ'ዩ ዝምስክር፡፡   
 
326. ሸኪር፡ ሓሺን ሓዉ ንሓሺንን ናብቶም ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ 2011 ናይ ኣልሸባብ ምዃነን ናብ ዝፍለጣ ዝተፈላለያ ቁጽሪ ተሌፎናት ዝደወሉ ምዃኖም ካብ ብ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ዝውነን ማህደር ቴሌፎን (phone numbeers database) ተረጋጊጹ ኢዩ ፡፡
 
2. ትንተና (መብርሂ) 
 
327. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ  ዝረኸበቶ ናይ ሰነዳት ጭብጢ ካብቲ ብሓቂ ዝተኻየደ ምልውዋጣት ኣዝዩ ቁንጽል (ንእሸቶ) ክፋል ጥራይ ኢዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ከምዚ ዝኣመሰሉ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ምትሕልላፍ ገንዘብ (ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሶማላውያን ውልቀሰባት) ከም ዝተገብሩ ሓበሬታት ኣለዋ፡፡ ንኹሎም ክትረኽቦም ግና ኣይከአለትን፡፡ እዞም ምስ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዘለዉ ፋይናንሳዊ ሰነዳት ግና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2008 ንዕጡቓት ጒጅለታት ሶማልያ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይገብርን ናይ ፓስፖርት አገልግሎት ይህብ ምንባሩን ዘመልክቱ ኢዮም፡፡ ኣብ ተልእኾ ኣብ ዝጸንሓትሉ ግዜ ዝአከበቶም ቃለ ምስክርነታት ከምኡ'ውን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት ሻኪርን ሓሺን ከም ዘመልክትዎ ከምዚ ዝበለ ደገፋት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ከኣ ሰፊሕ መርበባት ሶማላውያን ናይ ስለያ ንዋያትን ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ተሰማዕነት ዘለዎም ወኪላትን ዘዋፍርን ዝምዝምዝን ምዃኑ ስውር ኣይኰነን፡፡ 
 
ሸ. ሱዳን 
 
328. ኣብ መፋርቕ 90ታት ኣጠቓላሊ ውዕል ሰላም ክሳብ ዝተፈረመሉ ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ቀረባ ወተሃደራዊ መሻርኽቲ SPLM (ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን) ኢዩ ኔሩ፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሓርነታዊ ምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን (SPLM) ዝገብሮ ሓገዝ ብመንገዲ ሃገራዊ ዴሞክራሲያዊ ስምረት (NDA) ኣቢሉ'ዩ ኔሩ፡፡ NDA ንመንግስቲ ካርቱም ዝቃወሙ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ዕጡቓት ጒጅለታት ኣብ ኤርትራ ዝመስረትዎ ጥሙር ሓይሊ'ዩ፡፡ SPLA ምስ ካልኦት NDA ዘቖሙ ጒጅለታት ብምዃን ወተሃደራዊ ሓይሊ የዋፍር ኔሩ'ዩ፡፡ 
 
329. ካብ 2009 ንደሓር ግና አብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን SPLMን ዝነበረ ዝምድና ክሕርፍፍ ተራእዩ'ዩ፡፡ ኢሳያስ ኣፎወርቂ ብግልጺ “መሪሕነት SPLM ብብልሽወና ዝተቖማጥዐ'ዩ” ዝብል መግለጺ ምሃቡ ናይዚ መርኣያ'ዩ፡፡ ሰበስልጣን SPLM ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ እዚ ምሕርፋፍ ዝምድና ዝመጸሉ ምኽንያት፡ ደቡብ ሱዳን ናጻ ሃገር እንተኾይና ኣብ መንጐ ካርቱምን ብዙሓት ምዕራባውያን መንግስታትን ጥቡቕ ዝምድና ክፍጠር ይኽእል'ዩ ዝበል ስግአት መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዘሎ ኢዩ፡፡ 
 
           ገለ ሰበስልጣን SPLM ከኣ ጠንቂ'ዚ ምሕርፋፍ ዝምድና፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን እናዓበየ ዝመጸ ጥቡቕ ምትሕግጋዝ ኢዩ ይብሉ፡፡ 
 
330. ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን ሱዳንን ምትሕግጋዝ ምህላዉ ዘመላኽቱ ምዕባለታት ተጋህዱ፡፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ጀነራል ተኽለ ክፍላይ “ማንጁስ”ን ካልኦትን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡፡ ኣብ ሚያዚያ 2011 ኤርትራ መሓመድ ማንታይ ዝተባህለ ሓድሽ ኣምባሳደር ምስያማ፡ ነቲ ዝምድና ናብ ሓድሽ መድረክ ዝመርሕ ስጉምቲ'ዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ 
 
331. እዚ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ምስ'ቲ ሰበስልጣን SPLAን SPLMን ኣብ ልዕሊ ካርቱም ዘቕርብዎ ዘለው ክሲታት ኣብ ሓደ ግዜ ዝመጸ'ዩ፡፡ ካርቱም ነቶም ኣንጻር SPLA መጥቓዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ነበር ሌተናል ጀነራል ጆርጅ ኣተር ዶነግን ጀነራል ፒተር ጋደትን ወተሃደራዊ ሓገዝ ትህብ ኣላ ብምባል SPLA ይኸስስ፡፡  ሚያዚያ 2011 ጥራይ ዩኒቲን ጆንገሊን ኣብ ዝተባህለ ዞባታት 165 ሰባት በዚ ግርጭት ምሟቶም ይፍለጥ፡፡ 
 
332. ላዕለዎት ሰበስልጣን SPLM ኣተር ኣብ 2010ን 2011 ጥራይ ናብ ኣስመራ ስለስተ ምብጽሓት ፈጺሙ’ሎ ይብሉ፡፡ ሰብመዚ SPLM መንግስቲ ኤርትራ ንኣተር ዶንግ ዝሃበቶ (ናውቲ) ከም ዝማረኹ'ውን ን ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃብዎ  ቃለ መጠይቕ ሓቢሮም ኢዮም፡፡ እንተኾነ ነዚ ማሪኽናዮ ዝበልዎ ናውቲ ዛጊት ከም መርትዖ ኣየቕረቡን፡፡ በዚ ድማ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነቲ ክሲ ብናጻ ምንጭታት ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን፡፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን SPLM ኣተርን ጋዴትን ብኤርትራ ከም ዝሕገዙ ጥርጣረታት ኣለዎም፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ተመሳሳሊ ጥርጣረ ኣለዋ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለና ነዚ ኣመልኪታ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕረበትሉ ሕቶ ብኣሉታ ይምልስ፡፡ 
 
333.  ሓቅነት ናይቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ጒጅለታት ደቡብ ሱዳን ምትሕግጋዝ ትገብር ኢያ ዝብል ክሲ ንምምርማር ተቘጻጻሪት ጕጅለ ሚያዚያ 2011 ናብ ደቡብ ሱዳን ተጓዒዙ፡፡ ዕላማ'ዚ ጉዕዞ ነቲ ኣብ ፈለማ 2011 መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ሚሊሻታት ዝማረኾ ዕጥቅን ካልእ ናውቲን ንምምርማር ኢዩ ኔሩ፡፡ እዚ ተልእኾ ልዕሊ 150 ዝኸውን ዝተላለየ ዝዓይነቱ ኣጽዋራት (እንተላይ ካላሺንኮሾ ዝዓይነቱ ብረታት፡ PKM ዝተባህለ ዶሽካ፡ ሞርታራት፡ 12.7 ሚ.ሜ ተተኮስቲ፡ 218 ጸረ-ታንክ ፈንጂታት፡ ናይ ኢድ ቦምባታት ከምኡ'ውን ብዙሕ መዐሸጊ ኣጽዋርን) ክትዕዘብ ኢዩ ኔሩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ እዚ ኣጽዋር ኣበይ ፈርዩ፡ ኣበጻጸሕቱኸ መን ኢዮም ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሕ ዳህሳስ  ጌራ ኢያ፡ 
 
334.  ኣብ ኢድ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝኣተወ ናዉቲ ኣብ ቻይና ዝፈረየ 69- ዝዓይነቱ ሞረታር ኮይኑ፡ “8-91-93” ዝብል ቁጽሪ ዝተሓትሞ ኢዩ፡፡ እዚ ስርሓትን ቁጽሪን ምስ'ቲ ኤርትራ ን “ ONLF--- “Anal side force” ” ንዝተባህለ ዕጡቕ እትህቦ ኣጽዋር ሓደ ኢዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ጥቅምቲ 2010 ኣብ ሃርጌሳ ከምኡ ዝበለ ኣጽዋር ረኺባ ኢያ(ተለቃቢ 8.3 ርአ)፡፡ ቻይና ንተቖጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃብቶ ሓበሬታ ከምዚ ዝበሉ ሞርታራት ዝሸጥኩሉ ናይ ሰነድ ሓበሬታ የብለይን ትብል፡፡

Image of markings on rocket-propelled grenade recovered from Athor’s militia
 
መብርሂ (ትንተና) 
 
335. “8-91-93” ዝብል ምልክት ዝተጻሕፎ ሞርታር ምስ ኣተርን ONLF ን ምርካቡ ዘመልክቶ ነገር እንተሎ መንግስቲ ኤርትራን ሱዳንን ምትሕግጋዝ ወተሃደራዊ ሎጂስቲክ ከም ዘለወን ኢዩ፡፡ እንተኾነ ነዚ ውሱን መርትዖ ሒዝካ ኤርትራ እማመ 1907(2009) ብምጥሓስ ነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምዝራግ ዝተዋፈሩ ዕጡቓት ጒጅለታት ትሕግዝ ኢያ ኢልካ ምድምዳም ኣይከኣልን፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ንዝመጹ ምዕባለታት ብቐረባ ምክትታላ ክትቅጽል ይግባእ፡፡ 
ምግሃስ እገዳ ኣጽዋር 
 
ሀ. ምሽማት ኣጽዋርን ግዳማዊ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዛትን፡፡ 
 
336. ኤርትራ እማመ ባይቶ ጸጥታ 1907 (2009) ካብ ዝወጸሉ ግዜ ንደሓር'ውን ኣጽዋርን ተክኒካዊ ሓገዛትን ምርካብ ከም ዝቐጸለት ተቘጻጻሪት ጕጅለ ዘየዳግምን ናጻን ምንጪታት ኣለውዋ፡፡ 
 
337. ጀነራል “ተክላይ” ሃብተስላስ ከምኡ'ውን የማነ ተስፋይ ኣብ 2009 ናብ ዪክሬን ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኤርትራ ኣጽዋርን ዕጥቅን ብባሕሪ ከም ዝረኸበት ተቘጻጻሪት ኮሚተ ትኣምን፡፡ ብዘይካ'ዚ ናይ ወጻኢ ተክኒካዊ ሓገዝን ንመጸገኒ ነፈርቲ ውግእ ዝኸውን መለዋወጢ ኣቕሑን ከም ዝረኸበት ይእመን፡፡ እንተኾነ እዘን ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተጻዕነ (ንዝተበየነ) እገዳ ኣጽዋር ደይ መደይ ኢለን ንምግሃስ ድየን ተዋሲአን ንዝብል ሕቶ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ገና ዝወሰነቶ ነገር የብላን፡፡ 
 
338. ጐድኒ ጐድኒ'ዚ፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ መንጐ ኤርትራን እስላማዊት ሪፖብሊክ ኢራንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከም  ዘሎ ዝሕብሩ ብዙሓት ተኣመንቲ ጸብጻባት ረኺባ ኢያ፡፡ እዚ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ እማመ 1907 (2009) ካብ ዝወጸሉ ግዜ ኣትሒዙ ቀጺሉ ኢዩ፡፡ ዲፕሎሚሲያዊን ወተሃደራዊን ሰበስልጣን ኢራን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ምግባሮም ርጉጽ'ኳ እንተኾነ፡ እዞም ንጥፈታት ነቲ እማመ ዝግህሱ ድዮም ኣይኮኑን ኣብ ዝብል ተቘጻጻሪት ጒጅለ ርጉጽ መልሲ የብላን፡፡ ቅደሚ ምውጻእ እማመ 1907 (2009) ኣብ መንጐ'ዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ታሪኽ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኮሚተ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነዚ ዝምድና ብቐረባ ክትከታተሎ ለበዋኣ ተቕርብ (ተለቃቢ 9.1 ርአ)፡፡
 
339. ገለ ሃገራት ንመንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ይህባ እየን፡፡ ገለ ካብዚ ሓገዛት ንወተሃደራዊ መዓላ ክውዕል ይኽእል'ዩ፡፡ ቀጠርን ሊብያን ክልተ ኣገደስቲ ቁጠባዊ መሻርኽቲ ኤርትራ ኢየን፡፡ ሰበስልጣን ቐጠር ዋላ'ኳ ቁጽሪ ኣይጥቀሱ፡ ንመንግስቲ ኣስመራ ቀጥታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝህቡ ንብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ተኣሚኖም ኢዮም፡፡ ሊብያ'ውን መዋሊ መንግስቲ ኤርትራ'ዩ፡፡ መንግስቲ ሊብያ ቀጥታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ብዓይነት ዝወሃብ ደገፍን (ከምኒ ውጽኢት ፔትሮልዮም) ንመንግስቲ ኤርትራ ይህብ ኡዩ፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ እዞም መንግስታት ነቲ ዝተነብረ እገዳ ጥሒሶም ድዮም ኣብ ዝበል ሕቶ ዝበጽሓቶ ውሳነ የብላን፡፡ እንተኾነ ብመንግስታት ናብ መሪሕነት ኤርትራ ዝወሃቦ ሓገዛት ናብ ወተሃደራዊ መዓላ ከይውዕሉ መታን ጥቡቕ ምክትታል ክግበረሎም ይግባእ፡፡ 
 
ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ዝተራገፈ ኣጽዋር 
 
340. 19 ሕዳር 2010 ሓንቲ መርከብ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ኣጽዋር ኣራጊፋ ዝብል ጠርጠራ ከም ዘሎ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ካብ ብዙሓት ተኣመንቲ ምንጭታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ የመልክት፡፡ 
 
341. ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾነ ምንጭና  ከም ዝሕብሮ እዚ ጽዕነት 99 ከቢድ ብረት (12.7 ሚ.ሜ) ደርዘን 60 ሚ.ሜ ሞርታራት፡ 3 ደርዘን 82 ሚ.ሜ ሞርታራት፡ 4 ደርዘን ብስልኪ ዝምራሕ ጸራ -ታንክ፡ ከምኡ'ውን 29 መንጠልቲ ብረታት የጠቓልል፡፡ ብተወሳኺ እዚ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ኣወሃሃዲ'ዚ ስርሒት ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሓ/ም/ኤ ኣድሚራል ሑመድ ካሪካረ ኢዩ፡፡ 
 
342. ክልተ ካልኦት ነዚ ጽዕነት ዝፈልጥዎ ምንጭታት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ ጽዕነት ዝወረደሉ ግዜ 10 ሕዳር 2010 ምዃኑ አረጋጊጾም ኢዮም፡፡ ኣብታ መዓልቲ ዘየድልዩ ዝተባህሉ ኣባላት ወደብ ካብቲ ቦታ ከም ዝተኣልዩን ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣብ ከባቢ ወደብ ምንቅስቓስ ምዕጋቶምን ይሕብር፡፡ እዚ ዝኾነ 19 ን 20 ን ሕዳር'ዩ ኔሩ፡፡ ሳልሳይ ምንጪ በዚ ዕለት ኣብ ወደብ ምንቅስቓስ ተዓጊቱ ምንባሩ ሓቢሩ፡፡ 
 
343. መንግስቲ ኤርትራ ዝርዝር ናይተን ኣብ መንጐ 18-20 ሕዳር 2010 ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ተዓሺገን ዝነበራ መራኽብ ንኽህበና ሓቲትና ኢና፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝሃበና መልሲ ሓንቲ MV Dorrat Jeddah ዝተባህለት ናይ ስዑዲ ባንዴራ ዘለዋን ብ ሮሮ ዝተባህለ ኩባንያ እትውነንን መርከብ እንተዘይኮይኑ ካልእ መርከብ ናብ ወደብ ምጽዋዕ ከም ዘይተጸግዐት ይገልጽ፡፡ እዛ መርከብ ናውቲ ህንጻ ፡መግቢን ዘቤታዊ ኣቕሑን ዝጸዓነት ምንባራ'ውን ይሕብር፡፡ ክልተ ምንጭታት ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብርግጽ ከምዚ ዝተባህለት መርከብ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ኣትያ ምንባራ የረጋግጹ፡፡ እንተኾነ ክልተ ካልኦት መራኽብ'ውን ኣትየን ምንባረን እኹል መርትዖታት ኣሎ፡፡ 
 
344. 10 ሕዳር 2010 ናብ ምጽዋዕ መልሕቐን ካብ ዘውረደ መራከብ ሓንቲ  MV Nizar M ዝተባህለት ናይ ጆርጂያ ባንዴራ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ ኢያ፡፡ እዛ መርከብ ኣብ ፓናማ ዝተመዝገበት ኮይና ኣብ ሶርያ ብዝርከብ ሓደ ኩባንያ ኢያ ትካየድ፡፡ ናይ መርከብ ሲግናል ዳታ ከም ዝሕብሮ 19 ሕዳር 2010 ሰዓት 8፡24 እዛ መርከብ ናብ ወደብ ምጽዋዕ 16-18 ማይል ተጸጊዓ ምንባራ ይሕበር፡፡ እዛ መርከብ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ'ውን ተራእያ'ያ፡፡ እቲ ኻልእ ዝተረኽበ ሲግናል ኣብ ገማግም ወደብ ዓሰብ ምንባራ ኢዩ፡፡ 
 
ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነዚ ክትምርምር ፈተና ኔራ፡ እንተኾነ ካብዘን ዝተቕሳ ሃገራት ዘድሊ ምትሕብባር ኣይረኸበትን፡፡ 
 
345. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብሳልሳይ ደረጃ ናይ ስእሊ መረጋገጺ ዝረኸበላ MV Ryu Gyong ዝተባህለት ናይ ሰሜን ኮርያ ባንዴራ ዘለዎ ናይ ጽዕነት መርከብ ኢያ፡፡ እዛ መርከብ 19 ሕዳር 2010 ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ተዓሺጋ ኔራ፡፡ መርከብ MV Ryu Gyong 24 መስከረም 2010 ካንድላ (ህንዲ) ለቒቓ 24 መስከረም 2010 ባታንገሳ (ፊሊፕንስ) ክሳብ ዝበጽሓትሉ መዓልቲ (22 ጥሪ 2011) ዝኾነ ሲግናል ዳታ ኣይንበባን፡፡ 
 
346. MV Ryu Gyong ዋንነታ ናይ ኩባንያ መራኽብ ሲንሁንግ ኮርያ ኢያ፡፡ MV Hyang Ro Bong 'ውን በዚ ኩባንያ ኢያ ትውነን'፡፡ ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝረኸበቶ ሰነዳት MV Hyang Ro Bong ታሕሳስ 2010 ናብ ሶማልያ ብምብጻሕ 6 ሸሕ ቶን ሰሚንቶን 800 ቶን ዝምዘን ኣኽያሽ ሩዝ ካራቺን ኣብ ወደብ መቓድሾ ድሕሪ ምርጋፍ ናብ'ታ ኣልሸባብ ዝቆጻጸራ ወደብ ኪስማዮ ከም ዘምርሐት ይሕብሩ፡፡ ብዘይካ'ዚ እዛ መርከብ ጥሪ 2010 ናብ'ታ ኣልሸባብ ዝቈጻጸራ ወደብ ባራወ ከም ዝበጽሐትን ነሓሰ 2010 ከኣ ወደብ ምጽዋዕ ከም ዝተራእየትን ኣብ ጭቡጥ መርትዖ ዝተመርኰሰ ሓበሬታ ኣሎ፡፡ እዚ ምንቅሰቓስ መራኸብ ነቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ ዝግህስ ድዩ ኣይኮነን ንዝብል ዋላ'ኳ ንጹር መርትዖ እንተዘይብላ ጠርጠራ ዘለዓዕል ምዃኑን ዝያዳ መርመራ ከም ዘድልዮን ትኣምን፡፡ 
ጽገና ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ 
 
347. ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሓደ ሽሕ ኣባላት ኣለዉዎ፡፡ ካብ 4 ክሳብ 6 ዝኾና ካብ ዩክሬን ዝተሸመታ ሱኾይ ሲ 27 ናይ ውግእ ነፈርቲ ድማ ይውንን፡፡ እዘን ነፈርቲ ኣብ 2003 ንኤርትራ ዝተዋህባ ምዃነን ተቘጻጻሪት ጒጅለ ትኣምን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕ ሓደ ምንጪ ብዝሃበና ሓበሬታ መሰረት እዘን ነፈርቲ ውግእ ብመንግስቲ ዩክሬን ብዝውነን ኩባንያ እየን ዝጽገና፡፡ እዚ ኩባነያ ኣብ  “Avia Rempntny Zaved VVO 713” ዛፓርፊ ዩክሬን ከም ዝርከብን እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ SU-27 ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ (608 ከምኡ'ውን 609 ዝበል ቁጽሪ መለለዪ ዘለወን ዕለቱ ዘይተነጸረ) ኣብቲ ቦታ ከም ዝተራእያን ይፍለጥ (ተለቃቢ 10.1 ርአ)፡፡ 

348. ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብዘይካ'ዚ ካብ 5-7 ዝኾና ሚኮያን -ጐረቪች ሚንግ 29ለ እንተላይ ሚግ-29 ዩቢ “ፋልክረም ቢ” ናይ ስልጠና ነፈርቲ ኣለውኣ፡፡ እዘን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዓመታት 1998, 2001 ከምኡ'ውን 2004 ካብ ሩሲያ ዝተዋህባ ኢየን  ፡፡ ካብ ወተሃደራዊ ምንጭታት ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ ኤርትራ ምስ ጨንፈር ኮርፖረሽን ነፈርቲ ውግእ ዝኾነ ሚግ (MIG) ውዕል ጽገና ነፈርቲ ውግእ ምግባራ ይፍለጥ፡፡ ሚግ ኣብ ሩሲያ ክራስኖደር “Avia Remontory VVS 275” ክፍሊ ጽገና ነፈርቲ ውግእ ዝርከብ ጨንፈር'ዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ERAF -501 ዝብል መለለዪ ቁጽሪ ዘለወን ክልተ ሚግ-29 ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ለካቲት 2010 ኣብ ዝወጸ  ወተሃደራዊ በረራ ዝምልከት website ስእለን ወጺኡ ኢዩ፡፡ 
Eritrean Mig-29 at Krasnodar, Russian Federation
 
349. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብ 6 ግንቦት 2011 ካብ ትንተናን መብርሂን ጂን ብዝረኸበቶ  ሓበሬታ ብ1994 ብፊንላንድ ዝተዋህባኣ ሸውዓተ Vamlet Lg OTPRedi GO መሰልጠኒ ነፈርቲ ውግእ ክሳብ ሕጂ ኣብ አገልግሎት ኣለዋ፡፡ ብተወሳኺ ካብተን ብ 1998 ብ ኢጣልያ ዝተዋህባ MB-339 CE Aermachi ዝዓይነተን ነፈርቲ ፍርቀን ኣብ ስራሕ ከምዝህልዋ ይግመት፡፡ 
 
350. ብመሰረት SIPRI ከምኡ'ውን Jane ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ብ 1996 ከምኡ'ውን 1998 ካብ ሩሲያ ዝገዝኣተን 4 ወይ 5 ዝኾነ Moscow Helicopter Plant Mill Mi -8/17 “Hip” ንመጐዓዓዚ ዘገልግላ ሄሊኮፕተራት ፡ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ዝኾነ  Mil Mi 24 “Hind” (A ከምኡ'ውን D ዝዓይነተን) ከምኡ'ውን ብ 2000 ዓ.ም ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ዝተዋህባ ኣርባዕተ Bell - 412 ዝዓይነተን  ነፈርቲ ከም ዘለውዋ ይፍለጥ፡፡ 
 
351. ብመሰረት ገምጋም ተቘጻጻሪት ጒጅለ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ 10 ናይ ጽዕነት ሄሊኮፕተራት፡ ከምኡውን 22 ሄሊኮፕተራት ውግእ ከም ዘለዉዋ ይፍለጥ፡፡  እዘን ሄሊኮፕተራት ብውሑዱ ካብ ሽዱሸት ዝተፈላለያ ኩባንያታት ዝተረኽባ ከም ዝኾና'ውን ይፍለጥ'ዩ፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ 2011 ኣብ በረራታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብፍላይ ናይ Mi-8 ሄሊኮፕተራት “ዘገርም” ምውሳኽ ተራእዩ'ዩ፡፡  እዘን ነፈርቲ ቀጻሊን ልዑልን ኣገልግሎት ጽገና ዝጠልባ ኢየን፡፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ከም ዝሕበርዎ ከምዚ ዝበለ ስልጠና ኣብ ኢንስቲትዪት ቴክኖሎጂ ማይ ነፍሒ ብ ዪክሬናውያን መማህራን ተዋሂቡ ኢዩ ዝብል ሓበሬታ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ሂቦም ኔሮም ኢዮም፡፡ እንተኾነ እዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣገባብ ብ መጻረዪት ጒጅለ ክምርምር ኣይተኻእለን፡፡ 
 
352. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዓመት 2010/2011 ንጽገና ነፈርቲ ዝምልከት ውዕል ከም ዝተገብረ ዝገልጽ ሓበሬታ የብላን፡፡ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ንመንግስቲ ሩስያን ዪክሬንን ነዚ ንመልኪታ ዘቕረበትሎም ሕቶ ብኣሉታ ኢዮም መሊሶምላ፡፡ ንሕና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክባት የብልናን ኢዮም ዝብሉ፡፡ እዚ ኣገልግሎት ን እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕስ ምዃኑ ብምምልካት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝጸሓፍናዮ ክልተ ደብዳበታት ኔሩ፡፡ መልሲ ግን ኣይተዋህበናን፡፡         
 
353. 5 ሚያዚያ 2010 ቀዋሚ ወኪል ቤላሩስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፈልና ደብዳበ ክሳብ 2009 ኣብ መንጐ “558 ትካል ምጽገን ነፈርቲ” ዝተባህለ ናይ ቤላሩስ ኩባንያን መንግስቲ ኤርትራን ውዕል ምንባሩ ገሊጹልና'ሎ፡፡ መንግስቲ ቤላሩስ “እዞም ከምዚ ዝኣመስሉ ንጥፈታት ድሕሪኡ ምሉአ ብምሉእ ኣቋሪጾም ኢዮም፡ ሰራሕተኛታትና ከኣ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኢዮም ይብል፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ብወገና እተን ካብ ሚኒስክ ናብ ምጽዋዕ ዝበራ ዝነበራ ብ ኩባንያ ሰደድ ጽዕነት ዝካይዳ Ilyushin il-76  ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብዚ ግዜ'ዚ ንደሓር ከም ዘቋረጻ አረጋጊጻ'ያ፡፡ 
 
354. ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት ናእሸቱ ናይ ሲቪል መንዓዝያ ነፈርቲ ይውንን እዩ፡፡ እዘን ነፈርቲ ናይ ሓጺር ግዜ በረራ ጥራይ ዝገብራ ኢን፡፡ እዘን ነፈርቲ ሓሙሸተ የርኒየር ዶ 28 D Sky servant፡ ከምኡ'ውን ኣርባዕተ ያከብሌቭ ያክ-12 “ሼንግያንግ” ዝተባህላ ብ 1994 ካብ ጀርመንን ቻይናን ዝተሸመታ ኢየን ፡፡  እታ ካልእ ካብ በሪኽ ስእሊ ንምልዓል እተገልግል Pilatus PC-6 B2-H4 Turbo Porter ካብ ዝዊዘርላድ ዝተረኽበት ኰይና (2010) E3-AAS ዝበል መለለዪ ዘለዋ ኢያ (ተለቃቢ 10.2 ርአ)፡፡
ፕሮቴክሽን ቨዘልስ ኢንተርናሽናል (ሓ.ዝ.ብ.ማ)
 
355. 17 ታሕሳስ 2010 Sea Scorpion ዝተሰምየት ብ ፕሮቴክሽን ቨዘልስ ኢንተርናሽናል እትውነን መርከብ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣትያ፡፡ እዛ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ኩባንያ ጸጥታ ማሪታይም ዝውንና መርከብ ናይ ጸጥታ ኣባላት፡ ኣጽዋርን ካልእ መሳለጥያን ዝጸዓነት ኢያ ኔራ፡፡ እዛ መርከብ ንምጽዋዕ ቅድሚ ምምራሓ ኣብ ሓንቲ ደሴት ብናእሽቱ ጀላቡ ኣጽዋርን ካልእ መሳለጥያታትን ኣራጊፋ ኢያ፡፡ ድሕርኣብ ዓመት 2010/2011 ሰብመዚ ኤርትራ ነዛ መርከብ ሒዞም ነቶም መራሕታ ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም፡፡እዚ ዝኾነ ብክፍሊት ስለ ዘይተሰማምዑ ኢዩ፡፡ ብዛዕባ'ዚ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪብናሎም ኔርና ፡፡ ግና ንሕቶና ኣይመለሱልናን፡፡            
 
356. ምግሃስ እማመ እገዳ ኣጽዋር ከም ዝተፈጸመ ዘየጠራጥር'ኳ እንተኾነ ኣብ መርከብ sea scorpion ተጻዒኑ ዝነበረ ኣጽዋር ናይ ባሕሪ ሸፍቱ ንምክልኽል እምበር ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ከም ዘይኰነ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ገምጋም ኣለዋ፡፡ 
ሰደድ ኣጽዋርን ስንቅን 
 
357. ኤርትራ ኣብ መላእ ዞባ ንዘለው ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት እትገብሮ ደገፍ ኣብ ቁጽሪ 7 ተመልኪቱ ኣሎ፡፡ ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዓመተ 2008 ከምኡ'ውን 2011 ብሱዳንን ግብጺን ኣቢሉ ናይ ኣጽዋር ምትሕልላፍ ከም ዝገበረ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ዘየማትእ ሓበሬታ ኣለዋ፡፡ መብዛሕትኦም ኣብዚ ዝጥቅሱ ፍጸመታት እማመ ቤት ምክሪ ጸጥታ 1907 (2009) ቅድሚ ምሕላፋ ዝውጹ'ኳ እንተኾኑ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ተግባር ምትሕልላፍ ኣጽዋር መንግስቲ ኤርትራ ዘነጽሩ ንጥፈታት ኢዮም፡፡
 
358. ሓደ ካብዚ ብወገን ምዕራብ ኤርትራ ዝግብር ምትሕልላፍ ኣጽዋር ኢዩ፡፡ እዚ ኣዝዩ ሰፊሕን ኣኽሳቢን ስርሒት ብኣዛዚ ምዕራባዊ ወተሃደራዊ ዞባ ኤርትራ ጀነራል ተኽላይ ክፋለ “ማንጁስ” ኡዩ ዝካየድ፡፡ ኣብዚ ስገረ-ዶባዊ ንጥፈት ቀንዲ መሻርኽቲ “ማንጁስ” ሚኒስተር መጉዓዝያ ሱዳን መብሩክ ሙባረክ ሰሊም ኢዩ፡፡ መብሩክ ኣቐዲሙ ኣባል ናይቲ ብኤርትራ ዝሕገዝ ዝነበረ ዕጡቕ ጕጅለ  ምብራቕ ሱዳን (ፍሪ ላየንስ) ኢዩ ኔሩ፡፡ ሕጂ ሃብታም ነጋዳይ ኢዩ፡፡ ሰሊም ካብ ብሄረ ራሻይዳ ኰይኑ ምስ ኣብ ዶብ ዝርከቡ ሰበስልጣናት ክልቲኦም መንግስታት ዝፈልጥዎም መሳገርቲ ጽብቕ ሌላ ኣለዎ፡ ብሓባር ከኣ ኢዩ ዝሰርሕ፡፡ 
 
359. ብመሰረት ላዕለዋይ በዓል መዚ ስለያ ግብጺ ዝሃቦ ሓበሬታ ጥሪን ለካቲትን 2009 ኣጽዋር ዝጸዓና ቃፍላያት መካይን ካብ ሱዳን ተበጊሰን መሬት ግብጺ ክጥሐሳ ከም ዝፈተናን ብጥሙር ስርሒት ግብጽን እስራኤልን ብዘይ ሰብ ብዝዝወራ ነፈርቲ ከም ዘጥቅዕወንን ይፍለጥ፡፡ ነዚ ሓበሬታ ዝድርዕ ሱዳናዊ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ኣሎ፡፡ ሓደ ኣውቲስታ'ዘን ቃፍላይት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ስርሒት ምትሕልላፍ ኣጽዋር ብትእዛዝ መብሩክ ሙባረክ ሰሊም ከም ዝካየድ ቃሉ ሂቡ ኔሩ፡፡ ነዞም አውቲስቲን ካልኦት ኤርትራውያን ምንጭታትን ቃለ መጠይቕ ብምግባር ብዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ኣባላት ስድራቤት ብመንግስቲ ኤርትራ ደበስ ተጌሩሎም ኢዩ፡፡
 
360. መጋቢት 28, 2009 ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ነበር (ሕጂ'ውን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ) ሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ ብሄረ ራሻይዳ፡ ሓደ ፍልስጤማዊን ሓደ ሊባኖሳዊን ተጓዓዝቲ ዘለዉዋ ቃፍላይ ካብ ኣስዋን (ግብጺ) ናብ ሲናይ ከም ዝተጓዕዘት ይሕብር፡፡ እዛ ቃፍላይ 45 ጸረ-ታንክ፡ 25 ካብ መሬት ዝተኮስ ሚሳይላት ከምኡ'ውን ብሓለውቲ'ዚ ቃይላፍ ዝዕጠቕ ብረታት ሒዛ ኔራ፡፡ እዚ ምንጪ ን ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃቦ ሐበሬታ እዛ ቃፍላየ ኣብ ዓረባዊት ሪፖብሊክ ሶሪያ ብዝሰልጠኑ ወተሃደራዊ ሰብ መዚ ኤርትራ'ያ ትምራሕ ኔራ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ምስ ብዙሓት ምንጭታት ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ከም ዘረጋገጸቶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶርያ ዝነጥፉን ዝሰልጠኑን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ኣለዉዎ፡፡ 
 
361.  የካቲት 7 2011 ሓደ ብኤርትራ ዝሕገዝ ኣባል ዕጡቕ ተቓዋሚ ጕጅለ ሱዳን ዝነበረ ሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ዝተጠቕሰ ቃፍላየ ብሓላይብ (ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን እትርከብ ንእሸቶ ከተማ) ኣቢሉ ከም ዝሓለፈ ይገልጽ፡፡ እዚ 20 መካይን ዘጠቓልል ቃፍላ ናብ ስለስተ ጕጅለ ተመቓቒለንን ብብዙሕ ኪሎሜትራት ተፈላልየን'የን ክጓዓዛ ፈተነን፡፡ ካብዘን ተሽከርከርቲ ሓንቲ'ውን ተኹን መለለዪ ቁጽሪ (ታርጋ) ዘለዋ ኣይነበረትን፡፡ ኣብአን ተጻዒኖም ዝነበሩ ተወለድቲ ራሻይዳን ማእከላይ ምብራቕን ኰይኖም፡ ብረታት ዓጢቖም ኢዮም ኔሮም፡፡ 
 
362. ንተኽለ “ማንጁስ” ሰባት ኣብ ምትሕልላፍ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልግሎ ዝነበረ ኤርትራዊ ምንጪ ተቘጻጻሪት ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ 2008 ኣጽዋር ዝጸዓና ቃፍለይ ሒዙ ናብ ግብጺ ከም ዝተላእከ ይሕብር፡፡ ብመሰረት እዚ ምንጪ አብ ግብጺ ዝርከቡ ስለያ ኤርትራ ኣብ 2011 ብ መንገዲ ሲናይ ኣቢሎም ኣጽዋርን ሰባትን ኣብ ምምልላስ ተዋፊሮም ጾኒሖም ኢዮም፡፡ 
 
263. ነዚ መርመራ ዝያዳ ክትደፍላሉ ስለ ዝደለየት ግንቦት 2011 ተቘጻጻሪት ጕጅለ   ብዛዕባ'ዚ ምትሕልላፍ ኣጽዋርን ኣብኡ ተጌሩ ዝተባህለ መጥቃዕቲን ኣመልኪታ ሰበስልጣን ግብጺ መብርሂ ንኽህብዋ ሓቲታ ኔራ፡፡ እንተኾነ እዚ ጸብጻብ ክሳብ ዝቐረበሉ ግዜ ዛጊት ዝተዋህባ ሓበሬታ የሎን፡፡ 
እማመ 1907 (2009) ብምጥሓስ ዝተገብረ ናይ ገንዘብ ድጐማ (ሓገዝ) 
 
364. ብዛዕባ ቁጠባ ኤርትራ ዘተኣማምን ሓበሬታ ምርካብ ኣመና ኣሸጋሪ'ዩ፡፡ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) 2010 ኣብ ዘዳለዎ መወከሲ ምዕባለ ሃገራት ን ኤርትራ ኣየጠቓለላን፡፡ ምኽንያቱ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክመጻረ ዝኽእል ቁጠባዊ ሓበሬታ ኤርትራ የለን፡፡ ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኢያ፡፡ ኣብ 2008 ጃምላዊ ሃገራዊ እቶት ፐር ካፒታ እታ ሃገር 331 ዶላር ይግመት፡፡ ካብ 2000 - 2009 ማእከላይ ቁጠባዊ ዕቤት እታ ሃገር ኣሉታ 0.9% (-0.9%) ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ቁጠባ ኤርትራ ብልዑል ሕጽረት  ሸርፊ ወጻኢን ዝቕባበን ኢዩ ዝልለ፡፡ መንግስቲ ካብ 2005 ንደሓር ካብ 15-25 ሚእታዊ ዝኸውን ናይ ንግድ deficit፡ 150 ሚእታዊት bill ህዝባዊ ልቓሕ (ዕዳ) ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ'ዩ፡፡  ካብ 2010 ዝጀመረ ፍርያት ዕደና ወርቂ ኮንሰቺዮነ ቢሻ ኦፊሴላዊ ፋይናንሳዊ ኩነታት ኤርትራ ከመሓይሾ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ 
365. ኤርትራ ኣዝያ ድኻ ሃገር'ኳ እንተኾነት ኣብ መላእ ዘባ (ምብራቕ ኣፍሪቃ)ን ኪንዮኡን ንዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ደጋፊትን መዋሊትን ኰይና ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ'ላ፡፡ እዚ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ዝመስል ሓሳባት'ዩ፡፡ እዚ ዝኾነ ኣብ መንግስቲን ህግደፍን ዘለዉ ላዕለዎት ሰብመዚ ዝመርሕዎ ኣዝዩ ገፊሕን ዝተሓላለኸን ዘይወግዓዊ ቁጠባ ካብ ኤርትራውያን ዜጋታት ወጻኢ፡ ብህግደፍ ዘካየዳ ኩባንያታትን ናይ ቢዝነስ መሻርኽቲን ዓመታዊ ብ ሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ስለ ዝረኽቡ ኢዩ፡፡ 
 
366. ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጕጅለ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ እዚ እገዳ ኣጽዋር ብምግሃስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ንምድጋፍ ዝውዕል ዘሎ ገንዘብ ካብዚ ሰፊሕ ስግረ-ባሕራውን ዘይሕጋዊን ፋይናንሳዊ ትካላት ዝርከብ'ዩ ኢላ ድምዳሜኣ ትህብ፡፡ እዚ ትካላት ፋይናንስ ብ ስለያዊን ወተሃደራዊን ሰበስልጣን ህግደፍ ዝውነን ኰይኑ፡ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ኢዩ ዝካየድ፡፡ 
 
367. ወተሃደራዊ ሸመታ ብመንገዲ ወግዓዊ መዋቕራት መንግስቲ ኤርትራን መሻርኽቲ ህግደፍ ዝኾኑ መርበባትን ኢዩ ዝካየድ ኔሩ፡፡ ብዓይኒ ፋይናንስ እንክርአ ግና ኣብ መንጐ ህግደፍን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ብዙሕ ንጹር ኣይኮነን፡፡ ክኸውን'ውን ኣይድለን፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ወተሃደራዊ ሸመታ ብኸመይ ከም ዘካይድ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕረበትሉ ሕቶ ኔሩ፡፡ እንተኾነ መንግቲ ኤርትራ ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኮነን፡፡ በዚ ድማ ናይ ሸመታ ሰነዳት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፡፡ 
 
368. ሰበስልጣን ህግደፍ ኣብ ወተሃደራዊ ሸመታ ክዋፈሩ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን፡፡ ምስ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ቃለ መጠይቕ ዝገበሩ እሙናት ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ሓጐስ ገብረሂወት መዓሾ “ክሻ” ኣብ ወተሃደራዊ ሸመታ ካብ ዝዋፈር ኣይወሓዶን፡፡ ብፍላይ ቅድሚ ምሕላፍ እማመ 1907 (2009) ግንቦት 2011  ናይ ወግእ ነፈርቲ ኣብ ምሽማት ተዋፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ መስከረም 2010 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብስራሕ እናተንቀሳቐሰት ብዛዕባ'ዚ ጒዳይ  ን ሓጐስ “ክሻ” ከተዘራርቦ ፈቲና ኔራ- መንግስቲ ኤርትራ ገና ንሕቶኣ ክምልስ ፈቓደኛ ብዘይምዃኑ ነጺግዎ ኢዩ፡፡ 
 
369. አካያዲ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ከም ዘረጋገጸላ ሓጐስ “ክሻ” ኣብ ምምቕራሕ ሸርፊ ወጻኢን ካልእ ከምዚ ዝመሰሉ ጉዳያትን በይኑ ኢዩ ዝውስን፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣኼባ ቦርድ (2009) በይኑ'ዩ ዝወስን፡፡ ወተሃደራዊ ናውቲን ኣገልግሎትን ንምሽማት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለ ዝሓትት ከምዚ ዝበለ ምልውዋጣት ንምግባር ክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ብንጥፈት ተዋሲኦም ከም ዝኾኑ አየጥራጥርን፡፡
 
370. ተስፋይ ምስ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እቲ ንሱ ዘመሓድሮ ባንክ ኣብ ምሽማት ኣጽዋር ከም ዘይተዋፈረ ሓቢሩ ኔሩ፡፡ ጥሪ 2011 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ግና ምስ ጉጅለ ልኡኽ ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላስ ናብ ዩክሬን በጺሑ ምንባሩ ይገልጽ፡፡ እዚ ምብጻሕ ዝፈጸመሉ ምኽንያት ዝኾነ ውዕላት እንተተፈጺሙ ፋይናንሳዊ ክፋላቱ ንምስላጥ ኢሉ ምዃኑ ብምግላጽ ዕላማ'ቲ ምብጻሕ ኣጽዋር ንምሽማት ምንባሩ ይእምት፡፡ ንሱ ብዝተኻእሎ ዓቐሚ ከም ወኪል ንግዳዊ ባንክ ኰይኑ ክዓዪ ከምዘይጸንሐን ከምዚ ዝበለ ዕድጊ ከም ዘይተፈጸመን ይሕብር፡፡
 
371. ንስቱርነት መንግስቲ ህግደፍን ውልቃዊ  ውሳነታትን ካብ ዘነጽሩ ንጥፈታት ኣዛዚ “ሜካናይዝድ” ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮሌኔል ወልዱ ገሬሱስ “ባሪያ”፡ ከምኡ'ውን ብርጌጋዴር ጀነራል ጠዓመ ኣብርሃ (ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታ) ኢዮም፡፡ ኰሎኔል ባሪያ ገዚፍ ማሽነሪታት መለዋወጢ ኣቕሑ ካብ ወጻኢ የእቱ፡፡ ገለ ካብዚ ኣቕሑ ንጽገና ወተሃደራውያን ተሽከርከርቲን ካልእ ናውቲታትን ዝውዕል ኢዩ፡፡ ጀነራል ጠዓመ ኣብርሃ (“መቐለ) ብወገኑ ሆርን ኮንሰትራክሸን ዝተባህለ ናይ ኩባንያ ህንጻ ምኽፋቱን እዚ ኩባንያ ድሮ ስራሕ ምጅማሩን ይፍለጥ፡፡  
 
ለ. መዋቕርን ቁጽጽርን ፋይናንስ፡
ወግዓዊን ዘይወዓዊን ቁጠባዊ ስርዓታት ኤርትራ 
 
372 ተቘጻጻሪት ጕጅለ፡ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ኣጽዋር ብምግሃስ ኣብ ሶማልያን ካለእ ክፋል ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝገበሮ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ንምምርማር ተንቀሳቒሳ ኢያ፡፡ምስ መዋቕራት ፋይናንስ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ቅርበትን ቀዳማይ ደረጃ ኣፍልጦን ዘለዎም ክልተ ደርዘን ዝኾኑ ኤርትራውያን ምንጭታት፡ ከምኡ'ውን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ፋይናንሳዊን ሎጂስቲካዊን ሓገዝ ዝረኽቡ ዝነበሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጅለታትን ብዙሕ ሓበሬታታትን ክርከብ ተኻኢሉ'ዩ፡፡ 
 
373. ብመሰረቱ ኤርትራ ክልተ ተመዓደውቲ ቁጠባታት ኢያ እተካይድ፡፡ እቲ ሓደ ብመንግስቲ ዝካየድ ዝመስል ወግዓዊ ጽላት ቁጠባ ኢዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ስቱር፡ ብቐንዱ ብባእታታት እቲ ገዛኢ ሰልፊን ደገፍቱን ኣብ ስግር ባሕሪ ዝካየድ ፋይናንሳዊ ስርዓትን ኢዮም፡፡ ብመሰረት ምንጭታት ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ወግዓዊ ቁጠባዊ ስርዓትን ንግዳዊ ልውውጡን ምሉእ ብምሉእ ብናቕፋ (ሃገራዊ ባጤራ ኤርትራ) ኢዩ ዝካየድ፡፡ እዚ ቁጠባ ብሕዱር ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ዝልለ ኾይኑ፡ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ክትሕግዘ ዘኽእላ'ውን ኣይኮነን፡፡ 
 
374. እቲ ዘይወግዓዊን ብ ህግደፍ ዝካየድን ቁጠባ ብብዙሕ መዳዩ መቐጸልታ ናይ'ቲ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ብ ህግሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ትካል ኢዩ፡፡ እዚ ልዑል መጠን ሸርፊ መጻኢ ዝሓትት ኮይኑ፡ ብብልሓቱ ዘይፍለጥ መርበብ፡ ሃገር ሓለፍ ኩባንያታት፡ ውልቀሰባትን ናይ ባንክ መዝገብን ኢዩ ዝካየድ፡፡ እዞም ዝተጠቕሱ ሃገራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ህግደፍ ዝምድና ከም ዘለዎም ኣይጠቕሱን ኢዮም፡፡ ኣብ “ዘይፍለጥን” ዘይሕጋዊን ንጥፈታትን እተጸምዱ ምዃኖም ከኣ ይፍለጥ፡፡ እዚ ዘይወግዓዊ ክፋል ቁጠባ ክሳብ ክንደይ ይኽውን ንዝብል ምግማቱ አሸጋሪ'ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ግዳማዊ ስርሒታት ንምክያድ ዘኽእል  ምዃኑ ይግመት፡፡ 
 
375. ወግዓዊ ቁጽጽር ቁጠባ ኤርትራ ብክልተ ቀንዲ ትካላት ኢዩ ዝግብር፡፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ባንክ ኤርትራን፡፡ እዞም ክልተ ትካላት ከቢድ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ኣለዎም፡፡ መስከረም 2010 ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ የማነ ተስፋይ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ከም ዝሓበሮ ኤርትራ ምንም ዕቑር ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብላን፡፡ 95 ሚእታዊት ቅሙጥ ገንዘብ እቲ ባንክ ብ ናቕፋ ምዃኑ ይግልጽ፡፡ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እንተ ዝህልዋ ኣብ ባንክና ምዓቘረቶ... ግና የብላን፡፡” ይብል፡፡  
 
376. እቲ ዘሎ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ብ ቦርድ ምቑጽጽር ሸርፊ ወጻኢ ኢዮ ዝካየድ፡፡ እዛ ቦርድ ተወከልቲ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ባንክ ኤርትራ፡ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራን ዳይሪክተር ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ አቶ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሽ) ወኪላቶምን ብእትሓቑፍ ኢያ፡፡  ጥሪ 2011 ኣካያዲ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድሕሪ 2009 እዛ ቦርድ ከም ዘይተኣከበትን ምቕርሐ ሸርፊ ወጻኢ ዝምልክቱ ውሳነታት ብክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ክካየዱ ምጽንሖምን ይገልጽ፡፡ እዚ ዘመልክቶ ነገር እንተሎ እዚ ክፍሊ ካብ ኤርትራውያን ወጻኢ ንዝእከብ ግብሪ፡ ከምኡውን ካብቲ ኣብ መንጎ ትካላት ህግደፍን ናይ ወጻኢ ኤምባሲታትን ዝግበር ንግዳዊ ልውወጥ ዝርክብ ቀረጽ ኩሉ ብመንገዲ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከም ዝካየድ ይፍለጥ፡፡ 
 
377. ጉዳይ ሸርፊ ወጻኢ ዝምልከተን ትካላት ዕጹዋት ምኻነን ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት “ክሻን” ኣቶ ተስፋይን ዓቢ ስልጣን ከም ዝህልዎም ዝገብር ኢዩ፡፡ ኣብ ፋይናንሳዊን ስለያዊን ጉዳያት ዝነጥፉ ዝነበሩ ናይ ቀደም ሰበ ስልጣን ኤርትራ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስርሒታት (እንተላይ ሸመታ ሓገዝ ዕጡቓት ጉጅለታት) ብሓጎስ “ክሻ” ኢዩ ዝዋሃሃድ፡፡ ኣቶ ተስፋይ ብወገኑ (ሓላፊ ኣሃዱ ወተሃደራዊ ስለያ “ብርጌድ 72” ኢዩ ኔሩ)፡ ኣማኻሪ ተክኒካዊ ጉዳያት ፋይናንሳዊ ስርሒታት ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት “ክሻ” ኢዩ፡፡ 
 
ሐ. ብ ህግደፍ ዝውነኑ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪን ካልኦት ቢዝነሳትን
 
378.  ህግደፍ ዝውንነን ኩባንያታት ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን ኢየን፡፡ ካብዚ እቲ እዝዩ ኣገዳሲ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ፡፡ እዚ ኮርፖረሸን ፈለማ “09” ተባሂሉ'ዩ ከም ሓደ ስቱር ስርሒት ፋይናንስ ተመስሪቱ፡፡ ዕላምኡ ድማ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብምንጋድ ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ  ዝኸውን ገንዘብ ምኽዕባት ኢዩ ኔሩ፡፡ ሎሚ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ብ ህግደፍ ዝውነን ትካል ኮይኑ፡ መግቢ ሸሚቱ ብ ውሱን (fixed) ዋጋ ይሸይጥ፡፡ ብመሰረት ሰብ መዚቲ ኩባንያ እዚ ሸመታ ብመንገዲ መሓሪ ወልደሰላስ (ወኪል ንግዲ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ዱባይ)፡ ከምኡ'ውን ኤሪ ኮመርስ ኢዩ ዝካየድ  ፡፡ ኤሪ ኮመረስ ኣብ ሎንደን (ዓበይ ብሪጣንያ) ዝመደብሩ ንግዳዊ ኩባንያ ኰይኑ ሓዋላ ኤርትራውያን ወጻኢ ይቆጻጸር፡፡ ብዘይካ'ዚ ነዚ ገንዘብ ኣብ ናትዌሰት፡ ፈርስት ኢንተርናሽናል መርቻንት፡ ከምኡ'ውን ማልታ ዝተባህሉ ባንክታት ይዓቁር፡፡   
379. ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ህግደፍ ዝውንነንን ኣብ ወጻኢ ዝዋፈራን ናይ ምህንድስናን ህንጻን ኩባንያታት ከም ዘለዎ'ውን  ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት አኪባ'ላ፡፡ እዘን ኩባንያታት ሰገን፡ ገደም፡ ገደብ (GHEDECC)፡ As.Be.Co፡ ሮዳብ ብርካዊ ኩባንያ፡ ብድሆ ናይ ብርኪ ኩባንያ፡ ህንጻዊ ኩባንያ ደብዓት ኮይነን ገለ ካብ'ዚኣተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝዋፈራ ኢየን፡፡ ብዘይካ'ዚ ብስም ድርብ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተመዝገባን ብክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝመሓደራን  ብዙሓት ኩባንያታት ወጻኢ ከምኡውን ሕሳባት ባንክ ከም ዘለዋ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ሓበሬታ ኣለዋ፡፡
 
380. ኩባንያታት ህግደፍ ገንዘብ ንምእቃርን ንምልቃሕን ካብ ባንክ ኣባይትን ንግድን ኤርትራ ይጥቀማ ኢየን ፡፡ እዚ ባንክ ንባዕሉ ብ ህግደፍ ዝውነን ኮይኑ ኣብ Citibank New York DZ: Bank commerzbank and BNL (ኣመሪካ: ጀርመንን ጣልያን) ናይ ባንክ ሕሳብ ኣለዎ፡፡ 
 
መ. ግብሪ ዳያስፖራን ሓዋላን      
 
381.   ህግደፍ ዝረኽቦ ዝዓበየ ምንጨ ኣታዊ አብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ዝኸፍልዎ 2 ሚእታዊት ኢዩ፡፡ 1.2 ሚልዮን ኤርትራውያን 25 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ኢዮም ዝቕመጡ፡፡ ዝበዝሑ ካብዚኦም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኢዮም ዝነብሩ፡፡ ኣብ ጒዳይ  ሕጊ ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ኤርትራውያን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዲያስጰራ ዝነበሩን ኤርትራውያን ብመሰረት ዝሃብዎ ሓበሬታ  መንግስቲ ኤርትራ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝረክብ ይፍለጥ፡፡ 
 
382. ነዚ ግብሪ ዝወሃብ መመኻነዪ ብዙሕ'ዩ፡፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃቦ
ሓበሬታ ኣብ ዓዶም መሬት ወይ ንብረት ዘለዎም ኤርትራውያን ወይ ተወለድቲ ኤርትራ ዝኸፍልዎ ናይ መሬት ግብሪ ምዃኑ ገሊጹልና፡፡  ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ን መጻረዪት ጉጅለ ኣብ ዝሃብዋ ሓበሬታ ኸአ “ንቖንስላዊ ኣገልግሎት” ዝኸፍልዎ ምዃኑ ይዛረቡ፡፡ ንኣብነት ፓስፖርት ከሐድሱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ወይ'ውን ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ዘለዎም ኰይኖም ኤርትራ ክበጽሑ ዝደልዩ ኤርትራውያን ኣብቲ ዝቐመጡሉ ሃገር 2% ዝኸፈሉሉ ሰነድ ከቕርቡ ይሕተቱ፡፡ በዚ መሰረት እቲ 2% ግብሪ ተሰሊዑ (ተቐሚሩ) ብቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ናብቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝውነን ሕሳብ ባንክ ከመሓላልፍ ይግደድ ኢዩ፡፡ “ቆንስላዊ ኣገልግሎት” ዘይሓተቱ ዜጋታት'ውን ንዓመታት ዘይከፈልዎ ውህሉል ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ኢዮም፡፡
 
383. እዚ ኣይንኸፈልን ዝብሉ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ክአትው ኣይፍቀደሎምን ኢዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንብረቶም ይውረስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ቤተሰቦም'ውን ብዙሕ ገልታዕታዕ ክወርዶም ይኽእል ኢዩ፡፡፡ ዘይእመን ተባሂሉ ዝጥርጠር ሰነድ ምስ ዝቐርብ ዘይወግዓውያን ሰበስልጣን ኤምባሲ ኤርትራ ወይ ህግደፍ ንጥፈት ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኣታዊታቶምን “ንመንግሰቲ ዘለዎም ተማእዛዝነትን” ንምምርማር ይቘጻጸሩ፡፡ 
 
384. ተቘጻጻሪት ጕጅለ ምስ ሰበስልጣን ህግደፍ ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ፋይናንሰ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ኣብ ዝገበረቶ ቃሉ መጠይቕ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓጐስ ገብረሂወት ኢዩ፡፡ ሸርፊ ወጻኢ ብህግደፍ እምበር ብመንግስቲ ኤርትራን ትካላቱን (ባንክ ኤርትራ፡ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንሰን ትሬዠሪን) ከም ዘይካየዱ ኢዮም ሓቢሮምና፡፡ብኸምዚ መንገዲ ዝተኣከበ ሓዋላ ኣብ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲታት ኤርትራ ይኣቱ፡ ብኢቢሉ ኸኣ ከከም ኣድላይነቱ ናብ ስርሒታት ይዋፈር - ወይ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ብውልቀሰባት ዝተሓዝ ሕሳብ ባንክታት ይመሓላለፍ፡፡  
 
385. ክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ብዘይካ'ዚ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ስድራቤቶም ዝልእክዎ ሚልዮናት ዶላራት ይቁጻጸር፡፡ ናይ ሓዋላ ዕቋር ብ ትካላት ሸርፊ ሂምቦል ኢዩ ዝካየድ፡፡ እዚ ትካል ናይ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራን ማእከላት ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ወጻኢን ወግዓዊን ዘይወግዳዊን ቤት ጽሕፈታት ዘለዎ ኩባንያ ኢዩ፡፡ 
 
386. ሓዋላ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ሂምቦልን ሕሳብ ባንክ ኤምባሲን (ወጻኢ) ኢዩ ዝዕቆር፡፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተቐበልቲ ኸኣ ገንዘቦም ተሸሪፉ ብናቕፋ ይወሃቡ፡፡ ሂምቦል ብ ህግድፍ ዝወነን ኩባንያ ስለ ዝኾነ ዕቑር ሸርፊ ወጻኢ ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኢዮም ዝካየዱ፡፡ ኣብ ዝመሰሎ መዓለ ኸኣ የዋፍሮም፡፡ ልክዕ ከምቲ 2% እዚ ገንዘብ'ውን ናብ'ዞም ዝተጠቕሱ ናይ ህግደፍ ሕሳባት ባንክታት ወጻኢ ይሰጋገር፡፡ ናብ ሕሳባት ኤምባሲ ይኣቱ፡ ወይ'ውን ብጥረ ገንዘብ መልክዕ ብ ዲፕሎማሲያዊ ሻንጣታት እናተታሕዘ ይከፋፈል፡፡ 
 
387.   ዋላ'ኳ ግብሪ ወጻኢ ምኽፋል በኤርትራ ዝተጀመረ እንተዘይኮነ እዚ ፖሊሲ ዝትግበረሉ ገለ ፍሉይ ተርእዮታት ኤርትራ ግን ኣሎ፡፡ ቀዳማይ እዚ ግብሪ (ድርብ ዜግነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ) ኣብ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ዜጋታት ወጻኢ'ውን ይውዕል ኢዩ፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ፡ ቆንሰል ወይ ቆንስላዊ ወኪል ኣብ ዘይብሉ ቦታታት እዚ ግበሪ ብወኪላት ህግደፍ፡ ንጡፋት ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራውያንን ኢዩ ዝእከብ፡፡ እዚ ተግባር በገለ ሕጋዊ መዳያት ከም ራስያ ገንዘብ ጌርካ ክርአ ይኽእል'ዩ፡፡ 
 
ወፈያን ንጥፈታት ምውፋርን ህግደፍ 
 
388. ማሕበራዊን ፖለቲካዊን በዓላት ኣብ ዝህልዉሉ ኣጋጣሚታት በብዓመቱ ሚልዮናት ዶላራት ናብ ህግደፍ ኣታዊ ይኸውን ኢዩ፡፡ ነዚ ኣጋጣሚታት ህግደፍ ካብ ዜጋታት ወፈያ ንኽእከብ ከም ምቹእ ባይታ ይጥቀመሉ'ዩ፡፡ ኣብ ስዊድን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከቡ ናይ ህግደፍ ጨንፈራት አህጉራዊ ኣኼባታትን ጉባኤ መንእሰያት ህግደፍን የካይዱ፡፡ ካብ መወዳእታ 2009 ጀሚሩ ኤርትራ ብኣመሪካ ንዝተጻዕነላ እገዳ ንምቅዋም፡ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን በዓላት ናይ ወፈያ ንጥፈታት ተኻዪዶም ኢዮም፡፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ዴንማርክ፡ ፈረንሳይ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ሆላንድ፡ ኖርዌይ፡ ስዊድን፡ ስዊትዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦትን ብሰበስልጣን ኤምባሲን ደገፍቲ'ቲ ሰልፊን ኣንጻር እገዳ ሕቡራት መንግስታት ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻባት ተኻዪዶም ኢዮም፡፡
 
389.  ከም ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ መጠን የማነ ገብረኣብ ንጥፈታት መናእሰይ ህግደፍ ይቆጻጸር፡፡ ከም ናይ ክብሪ ዕዱም ኰይኑ'ውን ይሳተፍ ኢዩ፡፡ ውጽኢት (ገምጋም) ምትእኽኻብ መናእሰይ ህግደፍ ናብ ንጡፋት ኣባላት ህግደፍ ብኡቢሉ ኸኣ ናብ ኣባላት ኤምባሲ ይዝርጋሕ፡፡ ገለ ካብቶም ምርኡያት ወደብቲ'ዚ ምትእኽኻባት ኣለም ተኽለገርግስ (ኣቦመንበር ኣወሃሃዲት ሸማግለ በዓላት ስዊድን)፡ ሲራክ ባህልቢ (ኣወሃሃዲ መናእሰይ ህግደፍ ጨንፈር ብሪጣንያ) ይርከብዎም፡፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከኣ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ምርኡያት ወደብቲ ሶፍያ ተስፋማርያም ኢያ፡፡ እዛ ሰብ ፕሮግራማት ህግደፍ ኣብ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ዋሺንግተን ዲሲ ተዳሉ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ምትእኽኸባት ህግደፍ (ኤውሮጳ) ብስሩዕ ትሳተፍ፡ ኣብ ኢንተርነት'ውን ጽሑፋት ብምድላው ፍልጥቲ ኢያ፡፡ ኣብ ውሸጢ ዓዲጣልያን ብሰበስልጣን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጣልያን ኢዮም ዝካየዱ፡፡ 
 
390. ወፈያን ናይ ወፈያ በዓላትን በዚ ዝስዕብ ዓለባ ገጽ (websites) ኢዮም ዝወዓውዓ፡፡
 
            www.ypfj.com, www.meadna.com, www.eritreacompass.com, www.eritrean-smart.org,.....www.alenalki.com.....www.dehai-org, ከምኡ'ውን www.raimaq.com ኢዮም፡፡ አብ ፌይሰቡክ'ውን ብዙሓት ማሕበረሰባት መናእሰይ ህግደፍ ኣለው፡፡ 

ቀጥታዊ ፋይናንሳዊ ወፈያታት
 
391.   ብዘይካ ቀረጽን ሓዋላን ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ወጻኢ ዝእከብ ቀጥታዊ ወፈያ'ውን ኣሎ፡፡ እዞም ቀጥታዊ ወፈያታት በብዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላራት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ከም ኣብነት ዝሓዘቶ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ ፡ብሩንዲ፡ ደቡብ ሱዳን ዝቕመጡ ነጋዶ ዝኣከቦ ወፈያታት ኢዩ፡፡ እዚ ካብ ሰነዳት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኤርትራ ዝተረኽበ ቁንጽል ሓበሬታ እዩ፡፡ 
 
392. ገለ ናይ ወጻኢ መንግስታት'ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ጌረን ኢየን፡፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ቐጠር ቀንዲ ፋይናንሳዊት መሻርክቲ ኤርትራ ምዃና ይፍለጥ፡፡ ሰበስልጣን ቐጠር ንዝተፈላለዩ ዲፕሎማስኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ገሊጾም ኢዮም፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ቀደም ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ብመሰረት ዘገበረቶ ቃለ መጠይቕ ዝበዝሐ ካብዚ ሓገዝ ብመልዕክ ጥረ-ገንዘብ ኢዩ ዝወሃብ፡፡ (ተለቃቢ  11.1 ርአ)
 
393.   ብዘይካ'ዚ ሊብያ ቀንዲ መዋሊት መንግስቲ ኤርትራ ምዃና ይፍለጥ፡፡ እዚ ናይ ሊብያ ሓገዝ ብቐጥታዊ ገንዘባዊ ደግፍን ብዓይነትን (ውጽኢታት ፔትሮል) ዝወሃብ ኢዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ሊብያ በውሑዱ ሓደ ዕቑር ሕሳብ ባንክ ከም ዘሎ ዝገልጽ ናይ ሰነድ መረጋገጺ ረኺባ'ላ፡፡ እዚ ሕሳብ ባንክ ብሓደ በዓል ስልጣን ኤርትራ'ዩ ዝካየድ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ነዚ ኣብ ምጽራይ ትርከብ፡፡ 
 
ስቱር መርበባት ቢዝነስን ባንክን ህግደፍ ኣብ ዲያስጶራ 
 
394. ኣብ ቀረባ ዓመታት ፋይናንሳዊ ስርዓታት ህግድፍ ዝያዳ ዝተሓላለኹን ስቱራትን እናኾኑ'ዮም መጺኦም፡፡ ኣብ 2004 ሰበስልጣን ሕ/መ/ኣመሪካ ሂምቦል ከም  ፋይናንሳዊ ትካል ከም ዘይተመዝገበ ምስ ፈለጡ ዓጽዮምዎ ኢዮም፡፡ በዚ ድማ ህግደፍ ካብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣመሪካ ዝእክቦ ሓዋላ ንኽረክብ ካልእ መንገዲ ክኽተል ቀሲብዎ ኢዩ፡፡ ሓደ መንገዲ ሓሳብ (መዝገብ) ኤምባሲ ኢዩ ኔሩ፡፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብዙሓት ማሕበረሰብ ኤርትራ ዝርከብዎ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ኦክላንድ ብ 2007 ምስ ዓጸዎ እዚ'ውን ኣቋሪጹ'ዩ፡፡ እማመ ቤት ምኽሪ ጸጥታ 1907 (2009) ምስ ሓለፈ ብመሰረት ኤርትራውያን ምንጭታት ሓጐስ ገብረሂወት ፋይናንሳዊ ምትሕልላፍ ህግደፍ ዝያዳ ስቱር ብዝኾነ መንገዲ ዝካየደሉ ሓደስቲ መምርሒታት ሂቡ'ሎ፡፡ 
 
395. ሓደ ካብዚ ሜላታት ውልቀ ዜጋታት ምጥቃም'ዩ፡፡ እዞም ሰባት ድርብ ዜግነት ዘለዎም ኮይኖም ን ህግደፍ ወኪሎም ገንዘብ ክእክቡን ከመሓላልፉን ይግበሩ፡፡ ገለ ካብዚኦም ዘወርቲ ታክሲ፡ ወነንቲ ግሮሰሪ፡ ወኪላት ጉዕዞ ኮይኖም ንህግደፍ ወኪሎም ናእሸቱ ቢዝነሳት ዘካይዱ ኢዮም፡፡   እዞም ሰባት ዘመሓላልፍዎ ገንዘብ መታን ናብ ጥርጣረ ከይኣቱ ካብ 10ሸሕ ዶላር ከይበዝሕ ተወሲኑ ኢዩ፡፡ እቲ ካልእ ኣማራጺ ውልቀሰባት ነቲ ገንዘብ ሒዞም ዶብ ጥሒሶም ከም ዝንቀሳቐሱ ምግባር'ዩ፡፡ ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ህግደፍ እዞም ሰባት ዲፕሎማሲያዊ ፖስፖርት ከም ዝውሃቦም ይገብር'ዩ፡፡ 
 
396. ንኣብነት ቆንስላዊ ፋይናንስ ሕ/መ/ኣ ብብርሃነ ገብረሂወት ዝካየዱ እናሃለው ኣብ ሕ/መ/ኣ ዝርክቡ ኣባላት ቆንስል ዘይኮኑ ወኪላት ህግደፍ ዶላር ተጻዒኖም ናብ ዱባይን ካልእ ክፋላት ዓለምን ገንዘብ የመሓለልፉ፡፡ ሰበስልጣን ቆንስል ሕ/መ/ኣ ነበር ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ኣብ ከምዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ክልተ ውልቀሰባት ኢዮም፡፡ እቲ ሓደ ተስፋይ ባርዮስ ኢዩ፡፡ ተስፋይ ባርዮስ ኣብ ከባቢ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብን  ብ ሓጐስ ገብረሂወት ዝውነንን ቶታል መዐደሊ ነዳዲ የካይድ፡፡ ካልእ ማርታ ሰለሙን ዝተባህለት ተቐማጢት ቺካጐ ኮይና ኣብ ዱባይ ከም እትነግድን ኣብ ኣመሪካ ከኣ ናይ real state ቢዝነስ ከም ዘለዋን ትገልጽ፡፡ ብዘይካ'ዚ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ከባቢታት ካሊፎርኒያ፡ ኔቫዳን ዋሽንግተን ዲሲን ንኤምባሲ ኤርትራ ወኪሎም ተመመሳሊ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ዝተዋፈሩ ሰባት ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣለዋ፡፡ ነዚ ድማ ኣብ ምጽራይ ትርከብ፡፡ 
 
397.   ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝተኣከበ ወፈያታት ህግደፍ ብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጣልያን ኣቢሉ'ዩ ዝሐልፍ ኔሩ፡፡ እዚ ሕሳብ ኣብ ባንካ ዲ ሮማ  ኡኒክሬዲት (ሮማ) ኢዩ ዝቕመጥ ኔሩ፡፡   እቲ ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ዝገብርዎ ኣብ ኢጣልያ'ውን ብዙሓት ኣሳለጥቲ ፋይናንስ ህግደፍ ክህልው ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝነበሩን ቀዳማይ ደረጀ ኣፍልጦ ዘለዎምን ምንጭታት ብመሰረት ዝሃቡና ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ምርኡያት ኣሳለጥቲ ኣብ ሚላን ዝቕመጥን ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢሳያስ ኣፎወርቂ ዝኾነ ግርማይ ዑቕበ ኢዩ፡፡ እዚ ሰብ'ዚ ከም ፋይናንሳዊን ስለያዊን ወኪል ህግሓኤ/ህግደፍ ኣብ ጣልያን ኰይኑ ን ኣስታት 30 ዓመታት ኣገልጊሉ'ዩ፡፡ እዚ ሰብ'ዚ ኣብ ሚላን ንእሸቶ ወኪል ጉዕዞ ዝውንን ኰይኑ፡ ኣብ ስለያዊ ጒዳያት ሃይለ ዘርኦም ዝበሃል ተሓጋጋዚ ከም ዘለዎ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ሚላን ዝርክብ ሬስቶራንት ኣፍሪካ ዝተባህለ ብ ጸሃየ ትኩእ ዝውነን ትካል መሓዛ ህግደፍ ምዃኑን ናብ ካዝና ህግደፍ ቀጻሊ ወፈያ ከም ዝገብርን ይፍለጥ፡፡ ብመሰረት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢጣልያ እዞም ውልቀሰባት ክፍለ ዝተባህለ ኣብ ሸመታ ኣጽዋር ዝተዋፈረን ልኡኽ ኮሎኔል ወልደ ገረሱስ (ወልዱ“ባርያ”) ዝኾነን ሰብ ኣብ 2010 ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ገዝኦም ከም ዘዕቈቡ ይፍለጥ፡፡ 
 
398. ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ መርባባት ፋይናንስ ህግደፍ ኣብ ስዊትዘርላንድ ምስ ዝርከቡ ዋህዮታት ህግደፍ ዝተተሓሓዙ ኢዮም፡፡ ብመሰረት እዞም ምንጭታት ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወኪላት ህግደፍ ብቐጻሊ'ዮም ናብ ስዊትዘርላንድ ዝጓዓዙ፡፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ተመሳሰልቲ ናይ ህግደፍ ትካላት ከምዝዓያ ይፍለጥ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ፎቶግራፍ ገለ ካብዞም ወኪላት ክትርኢ ክኢላ ኢያ፡፡ 
 
399. ኣብ ስዊድን ፋይናንስ ህግደፍ ኣብ ሰቶክሆልም ብዝቕመጥ በዓል ስልጣን ኤምባሲ ኤርትራ ኢዮም ዝካየዱ፡፡ እዚ ሰብ ኣካቢ ግብሪ ወጻእተኛታት ኤርትራ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ'ዩ፡፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ከበቢታትት ኣብ ፋይናንስ ህግደፍ ብዙሓት ዘይወግዓውያን ሰባት ከም ዝሳተፉ ይፍለጥ፡፡ ገብረሂወት ገብረመደህን ኣብ ስዊድን ፍሉጥ ንጡፍ ኣባል (activist) ኢዩ፡፡ እዚ ሰብ ብቤት ጽሕፈት ጒዳያት ዲያስጶራ (ህግደፍ) እናተመርሐ ኣንጻር እማመ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ይጽውዕን ይመርሕን፡፡ ኣብ ስዊድን ዝርክቡ ወኪላት ተቓወምቲ ጕጅለታት ኢትዮጵያን ሶማልን ከኣ የዋሃህድ፡፡ ኣበባ ተኽላይ'ውን ፋይናንሳዊ ምትሕልላፋት አብ መንጐ ስዊድን ኤርትራን ኢጣልያን ዝግበሩ ጕዕዞታት ህግደፍ ተሳልጥ፡፡ ካልእ ፋይናንስ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይድ ሚካኤል ሃይለ ዝተባህለ ውልቀሰብ'ውን ካብን ናብን ስዊድንን ኤስያን ብቐጻኢ ከም ዝንቀሳቐስ ይፍለጥ፡፡ 
 
400. ተቘጻጻሪት ጕጅለ ከምዚኦም ዝመስሉ መርበባት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ዘለዉ ትፈልጥ ኢያ፡፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ንጥፈታትን ምግሃስ እገዳን ኣብ ምስላጥ ዘለዎም ምንቅሰቓስ ከኣ ቀጻሊ ክጽናዕ ከም ዘለዎ ለበዋኣ ተቕርብ፡፡ 

ናይ ክብሪ ቆንስላትን ስግር ባሕሪ መሻርኽቲ ቢዝነስን 
 
401. ናይ ክብሪ ቆንስላት ተባሂሎም ዝምዘዙ ገለ ወጻእተኛታት ነጋዶ ኣብ ፋይናንሳዊ መርበባት ህግደፍ ዓቢን ወሳኒን ተራ ይጻወቱ፡፡ ናብ አቓልቦ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ጕዳያት ከም እንርድኦ፡ እዞም ሰባት ኣብ ምሽማት ኣጽዋርን ገለ ገበናዊ ንጥፈታትን ዝተዋፈሩ ይመስሉ፡፡
 
402. ኣብ መንግስቲ ሎምባርዲ ዘገልግል ዝነበረ ፒዬር ጂያኒ ፕሮስፔሪኒ ዝተባህለ ኢጣልያዊ በዓል መዚ ብብልሸውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሱ ክሳብ ዝእሰር ናይ ክብሪ ቆንሰል ኤርትራ ኣብ ሚላን ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ፡፡   ምስ ሚስተር ፕሮስፔሪኒ ሌላ ዝነበሮ ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ከም ዝገለጾ ኣብ ሸመታ መራኽብ ኤርትራ ተዋፊሩ ምንባሩ ይግለጽ፡፡ ናብ ኢራን ዝተፈላለየ ጥቕሚ ዝህቡ መሳርሒታት ከም ዘመሓላልፍ ስሙ ይለዓል ኢዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ናብ ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣቕሑ ኣመሓላሊፉ ከይከውን ምጽራይ እናተገብረ ይርከብ፡፡
403.  መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኦፊቺነ ፒቺኒ ዝተባህለ ትካል ቢዝነስ ፔሩጋ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ይፍለጥ፡፡ እዚ ትካል መለዋወጢ ኣቕሑን ማሽነሪን ብምልኣኽ ዝተፈልጠ'ዩ፡፡ ናይ'ዚ ኩባንያ ሕጋዊ ወኪል ኣስመሮም መኮነን ዝተባህለ ኤርትራዊ ሰብ ቢዝነስ ኢዩ፡፡ እዚ ሰብ ምስ ህግደፍ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ዘለዎ ኮይኑ መሻርኽቱ ኰሎኔል ወልዱ ገረሱስ “ባሪያ” ኢዩ፡፡ እዚ ኩባንያ ኢሳያስ ኣፎወርቂ  ባዕሉ ምብጻሕ ከም ዝገበረሉ ይፍለጥ'ዩ፡፡ ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ዝኣከበቶ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ እዛ ኩባንያ ናብ ልዕሊ 100 ዝኾና ሃገራት ሰደድ ፍርያት ትልእኽ ኢያ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ናብ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊነን ዝሰደደቶ ፍርያት 40 ሚልዮን ዩሮ ይግመት፡፡ ብመሰረት ሓደ ኣብ ጒዳይ  ሕጊ ዝተዋፈረ በዓል መዚ ብዝሃቦ ተኣማኒ ሓበሬታ ሓደ ካብ ሰብ ብርኪ ኩባንያ ኦፊቺኒ ፒቺኒ ብ ዘይሕጋዊ ምትሕልለፍ ገንዘብ ተከሲሱ ብ ፖሊስ ስዊዘርላንድ ይምርመር ኣሎ፡፡ 
 
404. ዓብደላ ማትራጂ ናይ ክብሪ ቆንሰል ኤርትራ ኣብ ሊባኖስ  ኮይኑ ዝተመርጸ ሃብታም ቢዝነስማን ኢዩ፡፡ ንዓብደላ ማትራጂ ዝመረጾ ኣቡኡ ባዕሉ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ሱዳን ትምዩን ባጤራ ዶላር ብምትሕልለፍ  - ን “ብርጌድ 72”  ይሰርሕ ኔሩ'ዩ፡፡ ጋሳን ማተርጂ ብ 1997 ባጤራ ዶላር ብምትምያኑን ነዞም ዶላራት ኣብ ሊባኖስ ከዛውሮም ብምፍታኑን ኣብ ቤይሩት ተኸሲሱ ኔሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ 1995 ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውቲን ብምሽያጡ ብቤት ፍርዲ ቤይሩት ተኸሲሱ ኔሩ'ዩ፡፡ 
 
405. ናይ ክብሪ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ፖኪስታን ሸኪል ካሸሚራዊ'ዩ ዝበሃል፡፡ እዚ ሰብ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ምርኡይ ቢዝነስ ማን ኢዩ፡፡ ኣብ 2006 ዝነቐለ ናብ ፓኪስታን ዝኣተወ ላዕለዋይ ልኡኽ ወተሃደራዊ ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ገዝኡ'ዮም ኣዕሪፎም ኔሮም፡፡ ምስኦም ኰይኑ ናይ ጥይት ፋብሪካታትን ካልኦት መስንዓትን ከም ዝበጽሐ ድማ ይገልጽ፡፡  
ፍሉይ መጽናዕቲ ዱባይ ፋይናንሳዊ ማእከል ስግር ባሕሪ ኤርትራ 
 
406. ዱባይ ቀንዲ ማእከል ስግር ባሕራዊ መርበብ ፋይናንስ ህግደፍ ኢያ፡፡ እዛ ዓዲ ቀንዲ መትረብ ዋሕዚ ግብሪ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሕ/መ/ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኢያ፡፡ እዚ ዝእከብ ገንዘብ'ውን ብመንገዱ ግዳማዊ ስርሒታት ኤርትራ ንምክያድ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላታት ክውዕል ይኽእል'ዩ፡፡ እዛ ፍልይቲ መጽናዕቲ ሓደ ካብ ገንዘብ ህግደፍ ዝኸዶ ጕዕዞታት እተርኢ ኢያ፡፡ እዚ ገንዘብ ካብ ሕ/መ/ኣመሪካ ብ ዱባይን ናይሮቢን ኣቢሉ ብኸመይ ናብ ኢድ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት ሶማልያን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝበጽሐ እተርኢ ኢያ፡፡
 
407. ኦክላንድ፡ ካሊፎረኒያን ዋሺንግተን ዲሲን ገለ ካብተን ብዙሓት ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝቕመጡለን ከተማታት ኢየን፡፡ ስለዚ ድማ ህግደፍ ካብዘን ከተማታት ዝበዝሐ ግብሪ ከምዝእክብ መግማት ኣየሸግርን፡፡ ኣብ ሕጡበ ጽሑፍ 396 ከምኡውን 400 ከም እተጠቕሰ ገለ ካብዚ ገንዘብ ኣብ ሕሳብ ባንክ ኤምባሲ ኤርትራ ኢዩ ዝዕቆር፡፡ ዝበዝሐ ካብኡ ግና ኣዝዩ ሕልኽልኽ ብዝኾነ መርበባት ፋይናንስ፡ ኩባንያታት ምትሕልላፍ ገንዘብን ውልቀሰባትን ኣቢሉ ይንቀሳቐስ፡፡ ብመሰረት ኤርትራውያን ምንጭታት ተስፋማርያም (ኣደይ) ሓደ ካብ'ዞም ኣሳለጥቲ ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ ይጥርጠር፡፡ ተስፋይ ኣብ ኣርሊንግተን ቨርጂንያ ዘዋር ታክሲ ኮይኑ እናሰርሐ ኣማኢት ኣሸሓት ዶላራት ናብ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ኣብ ዱባይ ዘለዉ ምስ ህግደፍ ርክብ ዘለዎም ቢዝነሳትን ከም ዘሰጋገር ይፍለጥ፡፡ ተስፋማርያም ድርብ ዜግነት (ኤርትራን -ሕ/መ/ኣመሪካን) ዘለዎ ሰብ'ዩ፡፡ ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ዝሰርሑ ሰባት ሓደ ኣብ ቨርጂንያ ዝቕመጥ ዘዋር ታክሲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ናብ ዱባይ ከም ዝተዋፈረ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  አረጋጊጾምላ ኢዮም፡፡ ስም እቲ ውልቀሰብ ግና ኣይጠቐሱን፡፡ 

408.   ተቘጻጻሪት ጕጅለ ካብ ሰብ መዚ ሕጊ ብመሰረት ዝረኸበቶ ሓበሬታ ነዚ ገንዘብ ኣብ ዱባይ ኰይኖም ዝቕበሉ ውልቀሰበት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡፡ 
 
ገብረመስቀል ተስፋማርየም ግደይ
ደስበለ ኣብርሃ 
ኣቤል ሓይልኣብ 
ወልዱ ክፍለማርያም ሃብተ 
ዳንኤል ኣባዲ 
ቢንያም ተወልደ 
ኣባዲ ኣቕሑ ህንጻ
ሓፈሻዊ ንግዲ ሚያኮም 
ሓፈሻዊ ንግዲ ዛራ 
ኣልኣብጣል ሬዲመይድ ጋርመንት ትሬዲንግ፡፡ 
ላግዠሪ ጀነራል ትሬዲንግ LLC
ኣባዲ ቢዩልዲንግ ኤንድ ትሬዲንግ LLC
 
409.   እዚ ገንዘብ ናብ ከመይ ዕላማ ክውዕል ተባሂሉ ከም ዝተላኣከ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ዛጊት ዝበጽሓቶ መደምደምታ የብላን፡፡ እዞም ተቐበልቲ ስለምንታይ ኣብ ስታንዳርድ ቻርተርድ ባንክ ከምኡ'ውን ባንክ ዱባይ ሕሳብ ከም ዘለዎም'ውን ዛጊት ዘጣለለቶ ነገር የብላን፡፡ ኣብ ዱባይን ኣመሪካን ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ምንጭታት ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዝርዝር ዝተሰምዩ ውልቀሰባትን ትካላትን ምስ ህግደፍ ምሕዝነት ዘለወንን ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ዝተዋፈራን ምዃነን ይገልጹ፡፡  
 
410. ኣብ ዱባይ ዝስርሕ ሰብ ቢዝነስ ከምኡ'ወን ኣባል ቖንስል ኤርትራ አብ ዱባይ ዝነበረ  ኤርትራዊ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ   ዱባይ ብፍላይ ወኪል ንግዲ መሓሪ ወልደስላሰ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳያት ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም፡፡ ኣታዊታት ግብሪ እዚ ቆንስል ኣብቲ ብመንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ዝተመርጸ HSBC ኢዩ ዝቕሙጥ፡፡ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን ነዚ ዝመረጽሉ ምኽንያቱ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተሐርየ ስለ ዝኾነ ኢዩ፡፡ አቶ ወልደስላሰ ንሰርሒታት'ዚ ሕሳብ ባንክ የቆጻጸር፡፡ ብዘይካ'ዚ ንንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ወኪሉ ሸመታ የካየድ፡፡ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ገለ ኩባንያታት ህግደፍ ኣቢሉ ኸኣ ንግዳዊ ንጥፈታት የወሃህድ፡፡   
 
411. ላዕለዎች ወተሃደራዊያን ኣዘዝቲ ኤርትራ ኣዘውቲሮም ናብ ዱባይ ይመላለሱ ኢዮም፡፡ በቆንስል ዱባይ ኣቢሎም ከኣ ፋይናንሳዊ ዕድጐም የወሃህዱ፡፡  ንኣብነት ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ብዱባይ ኣቢሉ'ዩ ንዩክሬን  ዝጐዓዝ፡፡  ብመሰረት ምንጪ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ታሕሳስ 2009 ንኣብነት ንተልእኾ ሸመተ ኣጽዋር  ናብ ዱባይ ተጓዒዙ ኔሩ (ሕጡበ ጽሑፍ 370 ርአ)፡፡ ጀነራል ጠዓመ ኣብርሃን ኮለኔል ተወልደ ሃብተ ነጋሸን እውን ብቐጻሊ ናብ ዱባይ ይበጽሑ ኢዮም፡፡  ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ላዕለዋይ በዓል መዚ ተሰፋልደት ሃብተስላሰ'ውን ብዱባይ ኣቢሉ ናብ ቻይናን ምብራቕ ኣውሮጳን ይጐዓዝ ኢዩ፡፡ 
 
412. ገለ ዋሕዚ'ዚ ሸርፊ ወጻኢ ካብ ዱባይ ናብ ናይሮቢ'ዩ ዘቕንዕ፡፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲኡ ናብ ዝረከብ ሕሳብ ባንክ የመሓላልፎ፡፡  ኣብ ውሸጢ'ቲ ኤምባሲ ዘሎ ፋይናንሳዊ ግብይት ዝፈልጡ ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ እዚ ኤምባሲ ዝበዝሐ ዶላር ዘለዎ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ባንክ ስታንዳርድ ቻርተርድ ከምኡ'ውን ባንክ በርክለየ ከም ዘቕመጥን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ዕቑር ዶላራት ከም ዝተቐበለን ይዛረቡ፡፡  
 
413. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ቀንዲ መትረብ ሎጂስቲክ ስለያዊ ንጥፈታት ኤርትራ'ዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ን ሶማልያ ዝምልከቱ ስለያዊ ንጥፈታት ኤርትራ ከምኡ'ውን ምስ ኣልሸባብ ርክብ ንዘለዎም ውልቀስባት ዝግብሩ ክፍሊታትን በዚ ኣቢሎም ኢዮም ዝወሃሃዱ፡፡ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ይለኣኹ፡፡ እቲ ገንዘብ ከኣ ን ዝተፈላላዩ ሶማላውያ ይወሃብ፡፡ ኣብ ውሸጢ ኬንያን ሶማልያን ንዝገብርዎ ጕዕዞታት፡ ስርሒታትን ከኣ ይውዕል፡፡ ኣብዚ ግብይት ብኣካል ዝተሳተፈ ሓደ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ካብ ሕሳብ ባንክ በርክለይ ዓሰርተታት ኣሸሓት ዶላራት ብምውጻእ ናብዚ ዝተጠቕሰ ዕላማ የውዕሎ ኔሩ፡፡ ንሶማላውያን ጕጅለታት ዝግበር ክፍሊታት ኣብ ሕጠብ ጽሑፍ 315 ከምኡ'ውን 326 እዚ ጸብጻብ ተሰኒዱ'ሎ፡፡ ገለ ተወሰኽቲ ሰነዳት ከኣ ኣብ መዝገብ ሕ/መ/ኣ ከም ዝዕቀብ ተጌሩ'ሎ፡፡ ስለያ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሶማልያ ዘለዎም ርክብ ኣብ ተለቃቢ 8.5 ርአ፡፡
 
414. ኣብ መንጐ ሱዳንን ኤርትራን ዝግበር ኮንትሮባንዳዊ ንግድ'ውን ብ መዋቕራት ሸመታ ህግደፍ ኣብ ዱባይ ዝድገፍ ኢዩ፡፡ እዚ ንባዕሉ ኣብኡ ብዝርከብ ቆንስል ኤርትራን ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪን ኢዩ ዝውደብ፡፡ ብ ህግደፍን ኣብ ዱባይ ዝርከብ ንግዳዊ ኮረፖረሽን ቀይሕ ባሕሪን እተሸመተ ሓፈሻዊ ኣቕሑ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ብኮንትሮባንድ መልክዕ ይኣቱ፡፡ እዚ ዘይሕጋዊን ሕጊ ጉምሩክ ዝጥሕስን ተግባር'ዩ፡፡ 
 
I. ኣብ ሱዳን ዝግብር ንግዲ ኮንትሮባንድ፡፡ 
 
415.  ብኣሃዝ ብርክት ዝበሉ ሱዳናዊያንን ኤርትራውያን ምንጭታት ንተቘጻጻሪነት ጕጅለ ከም ዝሓበርዎ ብብዙሕ ሚልዮናት ዶላራት ዝቚጸር ኮንትሮባንዳዊ ንግዲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሱዳንን ይካየድ ኢዩ፡፡ እዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንኽካየድ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዓቢ ተራ'ዩ ዝጻወት፡፡ 
 
416. ብወገን ዶብ ኤርትራ እዚ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ብኣወሃሃድነት ጀነራል ተኽላይ ክፍለ “ማንጁስ” ኢዩ ዝካየድ፡፡ ብወገን ጠረፍ ሱዳን ከኣ መብሩክ ሙባረክ ሰሊም (ሕጡበ ጽሑፍ 358 ከምኡ'ውን 359 ርአ)፡ ከምኡ'ውን ሓምድ ዓብደላ (ኣብ ካርቱም ዝቕመጥ ሃብታም ቢዝነስ ማን)፡፡ ሓምድ ዓብደላ ምስቶም ጠረፍ ሱዳንን ኤርትራን ዝሕልዉ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ዝምድና ዘለዎ ኮይኑ አገዳሲ ስለያዊ ምንጪ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ኢዩ፡፡ ካርቱም ዝበጽሑ ሰብመዚ ኤርትራ (የማነ ገብረኣብ፡ ዓብደላ ጃብር፡ ጀነራል ተኽለ ክፍላይ “ማንጁስ” ን ካልኦትን) ኣብ ገዝኡ ኢዩም ዘዕርፉ፡፡ እዚ ሰብ'ዚ ኣብ 2010 ንቊርጽራጽ ሓጻውን ኤርትራ ብሚልዮናት ዶላራት ንጊያድ ዝተባህለ ሱዳናዊ ኩባንያ ኣብ ምሻጥ ተዋሲኡ ኢዩ፡፡  
 
417. ኤሌክትሮኒክስ ከምኡ'ውን ከምኒ ሽኮርን ኣልኮልን ዝመስሉ ሃለኽቲ ኣቚሑ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን እናተሸመቱ ናብ ሱዳን ዝበል ቢል ተለጢፍዎም ናብ ወደብ ምጽዋዕ ይጐዓዙ፡፡ ድሕርዚ እዞም ኮንቴይነራት ናብ ዶባዊት ከተማ ተሰነይ ይውሰዱ፡፡ ኣብኡ ይሸየጡ ወይ'ወን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ይሸየጡ፡፡ ብኸምዚ ድማ ወግዓዊ ቀረጽ ክልቲአን ሃገራት ከይከፈሉ ይሓልፉ፡፡ በዚ ስርሒት ዝርከብ “ካብ ቀረድ ናጻ ዝኾነ” ገንዘብ ብ መንገዲ ሓምድ ዓብደላ ናብ ዶላር ተቐዪሩ ናብ ጀነራል ክፍለ ይለኣኽ ወይ ናብ ሕሳብ ባንክ ኤርትራ (ካርቱም) ይኣቱ፡፡ ወይ'ውን ብወኪላት ሓዋላ ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይመሓላለፍ፡፡ 
 
418. ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም በዚ ኮንትሮባንድ ዝተረኽበ ገንዘብ ጌሩ ኣብ ኤርትራ ዘገልግሉ ኣቚሑ ሕርሻ ይሸምት፡፡ ካብ
ሱዳን ብ ጉድል ዋጋ (Discount) ነዳዲ ዘይትን ውጽኢታት ጋዝን ይገዝእ፡፡ ብዘይካ'ዚ እዚ ገንዘብ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት ንምሕጋዝን ወተሃደራዊ ናውቲ ንምሸማትን ይውዕል ኢዩ፡፡ 
 
419.  ኣብ ካርቱም ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ ከም ዝሓበሮ ሓላፊ ጸጥታዊ ጉዳያት እቲ ኤምባሲ ኣቶ ዓንደብርሃን በርሀ ካብ ካርቱም ናብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማልያ፡ ኦሮሞን ካልኦትን ገንዘብ ቐጻሊ ብሓዋላ ይልእኽ ኔሩ'ዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ ክሳብ ቀረባ እዋናት ንነዊሕ ዓመታት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ዘገልገለ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ብምብራቕ ኣውሮጳ ኣቢሉ ገንዘብ ብምትሕልላፍ ኣብ ሸመታ ኣጽዋር ክነጥፍ ጸኒሑ ኢዩ፡፡   
 
420.  ስለያ ኤርትራ ኣብ ፋይናንሳዊ ስርሒታት ጁባ (ደቡብ ሱዳን) 'ውን ይነጥፍ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ህግደፍ ናይ ሆቴል ቢዝነሳት፡
ናይ ማይ መዘርግሒን ዕዳጋታት ኢንሹራንስን ብምቕራብ ምስ ደቀባት ነገዶ ይጫረት፡፡ ጁባ ስለያዊ ስርሒታት ኤርትራ ዝካየደላ ቦታ ምዃና'ውን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጡ ኣብነታት ምስክር ኢዮም፡፡ 
ምትሕልላፍን ምጭዋይን ሰባት 
 
421. ካብ ድኽነትን ግዱድ “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ንምምላጥ ዝውሕዙ መንእሰያት ኤርትራውያን'ውን ካልእ መድረኽ ምዝመዛ፡ ብልሽውናን ዘይሕጋዊ ኣታዊን መንግስቲ ኤርትራ'ዩ፡፡ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዋሕዚ ሰባት ዝህሉ ዘሎ ሓገዝ (ምትሕብበር) ሰበስልጣን መንግስትን ህግደፍን (ብፈላይ በቲ ብ ተኽለ “ማንጁስ” ዝመሓደር ምዕራባዊ ዞባ ዘለው ወተሃደራዊያን ሰብ መዚ) ስለ ዘለዉ ምዃኑ ኣየተሓትትን ኢዩ፡፡ ብዙሓት ምንጭታት ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ምስ ራሻይዳ ብምትሕብበር ሰብ ዝጸዓና መካይን ብሱዳንን ግብጽን ኣቢለን ክሓልፋ ጌሮም ኢዮም፡፡ እዚ ምሰ'ቲ ኣቐዲሙ ዘይሕጋዊ ምትሕላለፍ ኣጽዋር ናብ ቓዛን ሲናን ይፍጸመሉ ተባሂሉ ዝተመልከተ መርበብ ተመሳሳሊ'ዩ፡፡  
 
422. ብመሰረት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝነበሩ ሰባት ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ዝሃብዎ ሓበሬታ እዞም ወተሃደራውያን ሰብ መዚ ንሓደ ሰብ 3000 ዶላር እናኽፈሉ ኤርትራውያን ካብ ዓዶም የውጽኡ፡፡ እዞም ብዘይ መውጽኢ ቪዛ (ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ) ካብ ዓደም ዝወጹ ኤርትራውያን ከምኡ'ውን ካብ ተታሒዝና ንእስር ምኽፍል ይሕሸና ዝበሉን ነዚ ክፍሉት ይፍጽሙ፡፡ 
423. ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እዞም ኣመሓላለፍቲ ክሳብ 20 ሺሕ ዶላር ተወሳኺ እንተዘይተኸፊልና ነቲ ሰብ ኣይንለቆን ኢሎም ጅሆ ዝሕዘሉ እዋን ኣሎ፡፡ ሓደ ሰባት ብቐጥታ ናብ ግብጺ ኣብ ምትሕልላፍ ተዋፊሩ ዝነበረ ኤርትራዊ ን ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቤተሰብ እዞም ተሳገርቲ ብ መንገዲ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ (ግብጺ)ን ኣብ እስራኤልን ዝዓዪ ወኪላትን ኣቢሎም ገንዘብ ክሰዱ ይሕተቱ ኢዩም፡፡   
 
424. ዋላ'ኳ መንግስቲ ኤርትራ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ክወጹ ዘይፈቅድን ኣብዚ ተግባር ዝተዋፈሩ ገለ ሰብ መዚ ኣሲሩ እንተኾነን፡ ምስ ኣዛዚ ምክትታል ዶባት ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ርክብ ዘለዎም ገለ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ህግደፍን ካብዚ ስርሒታት ብዙሕ መኽሰብ ሓፊሶም ኢዮም፡፡  ብመሰረት ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ካብ ሕሳብ ባንክ ስዊዝ ዝረኸበቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እዚ ካብ ምትሕልላፍ ሰባት ዝርከብ ገንዘብ ኣብ'ዚ ባንክ'ዩ ዝዕቈር፡፡ ሰብመዚ ባንክ ስዊዝ እዚ ገንዘብ ካበይ ከም ዝመጽእ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምትሕልለፍ ዘወሃህድ ቀለቤት ኣብ ስዊዝ ከም ዘሎ፡ ኣብ ግብጺ'ውን መሳርሕቱ ከም ዘለዎን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ካብ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  ተዋሂብዎም ኢዩ፡፡ 
       
ስርሒት ዕደና
 
425.   ኤርትራ ኢንዱስትሪ ዕደናኣ ኣማዕቢላ ብዙሕ (volumes) ዝቑጸር ወርቂ ምፍራይ    ከም ዝጀመረት ተቘጻጻሪት ጕጅለ ኣፍልጦ ኣለዋ፡፡  እዘን   ኩባንያታት ዕደና ዝኽፈልኦ   ናይ ንብረት ክፍሊት (royalty)፡ ከምኡ'ውን ቀረጽ (ግብሪ) ናብ ክፍሊ ማል (treasury) ኤርትራ ዝወሃብ'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ገንዘብ እማመ ባይቶ ጸጥታ 1907 (2009) ንምግሃስ ወዒሉ ድዩ ወይስ ኣይወዓለን ንዝብል ምግማት ኣይከኣልን፡፡ ምኽንያቱ ፋይናንሳዊ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙ ግሉጽ ኣይኰነን፡፡  

እማመ ባይቶ ጸጥታ 1862 (2009) ዝዕንቅፍ ተግባራት 
 
426. እማመ ባይቶ ጸጥታ 1862 (2009) ካብ ዝሓልፍ ንደሓር ኣብ ትግባረኡ ዝነኣድ ገስጋስ ከርኢ ጸኒሑ'ዩ፡፡ መንግስቲ ቐጠር ዝነኣድ መንጐኝነት ብምግባሩን፡ ሰነ 2010 ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢ (ራስ ዱሜራ) ውሕድ ቁጽሪ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ብምልኣኹን ኢዩ እቲ ትግባረ ክሳለጥ ክኢሉ፡፡ ኤርትራ ካብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ሰራዊታ ስሒባ'ላ፡፡ ድሕሪ ምትእትታው ቐጠር ከኣ ዝኾነ ብረታዊ ጐነጽ ኣይተራእየን፡፡ 
 
427. ተቘጻጻሪት ጕጅለ ነዚ እማመን ትግባረኡን ክዕንቅፉ ዝኽእሉ ክልተ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ተዓዚባ'ላ፡፡ ኤርትራ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ተልእኾ ዝጠፍኡ ወተሃደራዊያን ሰብ መዚ ጅቡቲ ክትዛረብ ፍቓደኛ ኣይኮነትን፡፡ ንዕጡቕ ተቓዋሚ ጕጅለ ጅቡቲ (FRUD) 'ውን ምሕጋዝ ኣየቋረጸትን፡፡  
 
ሀ. ኣብ ተልእኾ ዝጠፍኡ ወተሃደራዊያን ሰብ መዚ ጅቡቲ 
 
428. ብመሰረት ጸብጻባት መንግስቲ ጅቡቲ በቲ ኣብ 2009 ዝተባረዐ ግጭት 30 ጅቡታውያን ወተሃደራት ሞይቶም፡ 39 ቆሲሎም 49 ከኣ ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና ኣጋጢምዎም ኢዩ፡፡ 19 ወተሃደራውያን ሰብ መዚ እንተላይ ሓደ ኣዛዚ ኣብ ተልእኾ እናሃለው ምጥፍኦም ምናልባት ብመንግስቲ ኤርትራ ተማሪኾም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ጅቡቲ ይዛረቡ፡፡  
 
429. ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዞም ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ምስ ዝኾነ ሳልሰይ አካል ክዘራረብ ፍቓደኛ ኣይኰነን፡፡ ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቱ ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነዚ ጕዳየ ክዝቲ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ፡  እቲ ግርጭት ብመንኝነት መንግስቲ ቐጠር መዓልቦ ምርካቡን ይገልጽ ፡፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ  ምስ ሰብ መዚ ቐጠር ከም ዝተዘራረበ ይገልጽ፡፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ቐጠር ንተቘጻጻሪት ጕጅለ  ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግና ናይ መንግስቱ ተበግሶ ኣብ “ሕጋዊን”  “ካርቶግራፍያዊን” ጉዳያት እቲ ጎነጽ ጥራይ ዝተደረተ ምዃኑ ይዛረቡ፡፡ 
 
430. ኤርትራ ብዛዕባዚ ጒዳይ  ንምትሕብባር ፈቓደኝነት ዘይምርኣያ ን እማመ ባይቶ ጸጥታ 1907 (2009) ዝጥሕስ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 4 እቲ ባይቶ “ኤርትራ ነቶም ካብ 10-12 ሰኔ 2008 ኣብ ዝተገብረ ግርጭት ዝጠፍኡ ወተሃደራት ጅቡቲ ሃለዋቶም ከፈልጥን ብእኡ ኣቢላ ምሩኻት ኵናት ጅቡቲ ምህላዎም ከተፍልጥ ይግብኣ” ዝብል ይርከቦ፡፡ ተቘጻጻሪት ጕጅለ እዚ ሰቕታ ኤርትራ ግህሰት እማመ ባይቶ ጸጥታ 1862 (2009) ኢዩ ኢልካ ንምዝራብ ግዚኡ ከም ዘይኣኸለ ትኣምን፡፡ እንተኾነ ተበግስ ሰላም ቐጠር ንኹለንትናዊ ገጽታ'ቲ ግርጭት ክድህስሶ መታን ተወሳኺ ግዜን ዝርግሐን ክወሃቦ ትላቦ፡፡ 
 
ለ. ኤርትራ ንFRUD-C እትገብሮ ሓገዝ      
 
431.  ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 268 ክሳብ 276 ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ኤርትራ ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚራ ዕጡቕ ጉጅለ ተቓዋሚ ጅቡቲ (FRUD-C) ክትሕግዝ ጸኒሓ'ላ፡፡ 
 
432.   ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ቐጠር ኣብ ዶብ ጅቡቲን-ኤርትራን ጥቓ (ራስ ዱሜራ) ን እሸቶ ስፍሓት መሬት (5-6 ኪ.ሜ) ጥራይ ኢዩ ዝሕሉ፡፡ ስለዚ ድማ ነቲ ብደቡብ ወገን ዝግብር ስግረ-ዶባዊ ምንቅስቓሳት ክዕዘብ አይክእልን ኢዩ፡፡ 
 
433. ዋላ'ኳ ዕጡቕ ጐጅለ FRUD-C ዝገብሮ ንጥፈታት ውሱንን ዛጊት ዘየድማዒን እንተኾነ፡ ኤርትራ ን መስርሕ ሰላም ምንም ቅሩብነት ዘይብላ ምዃና ዘርኢ ኢዩ፡፡ እዚ ዶባዊ ግርጭት ብዕውት መንገዲ ፍታሕ ከይረከብን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ንኸይምለስን ዝገብር ሓደገኛ ተርእዮ ምዃኑ'ውን የስምረሉ፡፡ በዚ ድማ ኤርትራ ን ዕጡቕ ተቓዋሚ ጐጅለ ጅቡቲ (FRUD-C) እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኣንጻር እማመ ባይቶ ጸጥታ 1907 (2009) ምዃኑ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ከተፍልጥ ትደሊ፡፡ 
ትዕዝብቲ፡ መደምደምታን ለበዋን 
 
446.   ክሳብ ሎሚ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት እትገብሮ ሓገዛት ኣብ ንቡር ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘተኮረ'ዩ ኔሩ፡፡ እንተኾነ ጥሪ 2011 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግ ዝወጠነቶ ሓደገኛ ውዲት ስልታ ብዓይነቱ ምቕያሩ ዘርኢ ኢዩ፡፡ እዚ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝተወጠኖ ተፈጺሙ እንተዝነብር ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ምኾኑ፡፡ እዚ መጥቓዕቲ ብመሰረቱ ናይ ራዕዲ ሃዋሁ ንምፍጣርን ሰላማውያን ሰባት ብነተጕቲ ግዳይ  ንምግባርን ዘንቀደ'ዩ ኔሩ፡፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ግርጭት'ውን ይሃልዋ፡ ከምዚ ዝበለ ውጥን ፍጹም ክምኽነ ዘይክእል ኢዩ፡፡ 
 
447.   ነዚ ስርሒት ዝወጠኑን ዝመርሑን ሰብ መዚ ስለያ ኣብ ግዳማዊ ስርሒት ኣብ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሶማልያን ሱዳንን'ውን ከም ተዓዘብትን ወጠንትን ፈጸምትን ስርሒት ኮይኖም ምውፋሮም፡ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ኣይሰሓትን፡፡ ውጥን ኣዲስ ኣበባ ዘግህዶ ነገር እንተሎ እዞም ኣቐዲሞም ንስለያዊ ሓበሬታ፡ ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ልውውጥ፡ ምትሕልላፍ ሰባትን ካልእ ዓይነት ሓገዝን ንምሃብ ዝወዓሉ መርባባት ሕጂ'ውን ዝያዳ ጐንጺን ኣዕነውቲ ስርሒታትን ንምፍጻም ክወዕሉ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ስለዚ ድማ ተቘጻጻሪት ጕጅለ  በዚ ለበዋ'ዚ ኣቢላ ዳይሪክቶሬት ግዳማዊ ስርሒት ኤርትራ ንመጻኢ መዕገቲ  ክግበረሉ ትምሕጸን፡፡ 
ለበዋ ተቘጻጻሪት ጕጅለ ፡፡ 
 
ሀ.  ኣባል ሃገራት ንኣህጉራዊ ትካላት ፋይናንስ (እንተላይ ማልታይናሽናል ባንክታት) ሕሳብ ኤምባሲ ኤርትራን ምስ ህግደፍ ስጡም ርክብ ዘለዎን ትካላትን ኣመልኪተን ጽዑቕ መምርሒታት ከውጽኣን ተቘጸጻሪት ጕጅለ ንእትገብሮ ምርመራ ምትሕብበር ንኽገብራ ክሓትአንን ባይቶ ጸጥታ ከተባብዕ ይግባእ፡፡ 
 
ለ.   ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንዝነጥፍ  ኩባንያታት ዕደና ክፍሊት ግብረንን ናይ ዋነነት ክፍሊትን ዝምልከት ጽዑቕ መምርሒ ንከዳልዋ ባይቶ ጸጥታ ከተባብዐን ይግባእ፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ክፍሊት ዝረኽቦ ኣታዊት እማመ ባይቶ ጸጥታ ንምግሃስ መታን ከየውዕሎ እዚ ክግበር ይግባእ፡፡ 
 
ሐ.     መንግስቲ ኤርትራ ንውዕል ቪዬና ቈንስላዊ ርክባት ብምግሃስ ብ ዲፕሎማሰኛታቱ ኣቢሉ ዝእክቦ ናይ ወጻኢ ግብሪ ከቋረጾ ዝምልከተን ሃገራት ክሓታ ይግባእ፡፡ እዚ መንግስቲ ካብ ዜጋታቱ ብ ተወክልቲ ህግደፍን ማሕበረኮምን ኣቢሉ ኣብ ዘይዓዱ ዝእክቦ ገንዘብ (ብፍላይ እቲ ብምፍርራህን ብምስግደድን ዝእከብ) ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ዝምልከተን መንግስታት ከጽንዓ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝግባእ ስጉምቲ ክወስዱን ተቘጻጻሪት ጕጅለ ለበዋኣ ተቕርብ፡፡ 
 
መ. መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝተኣከበ ገንዘብ ህግደፍ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብ ሳንጣ ዲፕሎማሰኛ ኣቢሉ ምስግጋር ክሳብ ዘየቋረጸን ውዕል ቪዬና ዝእዝዞ ግቡእ ክሳብ ዘየማልአን ዝምልከተን ሃገራት ነቲ ውዕል ቪዬና ዝህቦ ሓለፋታት ነዚ መንግሰቲ ከይህባ፤
 
ሰ. ኣኽበርቲ ሕጊን ወኪላት ስለያን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነዚ ዳይሬክቶሬት ግዳማዊ ስርሒታት ኤርትራ ዝዘርግሖ ስግኣት ነቒሐናሉ ክጸንሓ፡ ንንጥፈታቱ ኣብ ምክትታል ልዑል ቀዳምነት ክህባን ምስ መሻርኽተን ሃገራት ሓበሬታ ክለዋወጣን ይግባእ፡፡     


ተለቃቢ 8
(Annex-8)

ኤርትራ ንዕጡቓት ጕጅለታት እዚ ዞባ ዝገበረቶ ሓገዝ

ተለቃቢ 8.1 መደበራት ታዕሊም ኤርትራ

1. ኤርትራ ግዳማዊ ስርሒታት ንምክያድ እትግልገለሎም ሰፋሕትን ዝተሓላለኹን መርበባት ማእከላት ታዕሊም፡ መዓስከራትን መደበራትን ኣለዉዋ፡፡ ታዕሊም ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ስጡም ምክትታል ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ወ.ሃ.ድ) ኮይኑ እዘን ማእከላት ስልጠና ምስ ወተሃደራዊ መደበራት ኣብ ሓደ ቦታ ኢየን ዝርከባ፡፡ ሎጂስትክን ወተሃደራዊ ጥረ ነገርን ከኣ ካብ ምክልኻል ኤርትራ ኢዩ ዝቕረብ፡፡ 

2. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ዘቕረበቶ ገለጻ መደበራት ታዕሊም ዝበዝሐ ክፋሉ ካብ ኣባላት እዘን ዝስዕባ ሽዱሽተ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ዝነበሩ 100 ሰባት ዝተረኽበ ኢዩ፡፡ ንሳቶም፡
 
ኣልሸባብ
ሒዝቡል ኢስላም (እስላማዊ ግንባር ሶማልያ) 
ሒዝቡል ኢስላም-ኤ.ኣር.ኤስ ኣስመራ
ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ONLF)
ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (OLF)
ግንባር ንሕብረትን ዴሞክራሲን ጂቡቲ (FRUD)

3. ካብዚ ቃለመጠይቕ ዝተረኽበ ምስክርነት ምስቲ ኣቐዲሙ ተረኺቡ ዝጸንሐ ኣስማት ቦታታት፡ ኣስማት መኮነናት፡ መንነት ላዕለዎት ሰብ መዚ፡ ዝሃብዎ ዓይነት ታዕሊም (ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤርትራ) ሓደ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ቦታን ኣገባብ ኣሰራርሓን ገለ ናእሽቱ መደበራት ምስ ግዜ ተለዊጡ ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጸብጻብ ዝርከቡ ገለ ሓበሬታታት ግዚኦም ሓሊፍዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡
 
ኪሎማ

4. ኣብ ምብራቕ ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ጥቓ ከተማ ዓሰብ ዝርከብ --ኪሎማ ኢዩ፡፡ ኪሎማ ቀዋሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ኮይኑ ከም ማእከል መወሃሃዲ ናይተን መዐለሚ ዕጡቓት ጉጅለታት ወጻኢ ክኾና ተባሂለን ዝተሃንጻ ናእሽቱን ግዜያዊን መዓስከራት ኮይኑ የገልግል፡፡ ኣባላት ONLF: ሒዝቡል ኢስላምን ኣልሸባብን ዝነበሩ ሰባት ኣብዚ መደበራት ዘሕለፍዎ ተመኵሮ ን ተቘጻጻሪት ጒጅለ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡  ኣባላት ONLF ወይ FRUD ኔሮም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ን ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ካብ 2007 ክሳብ 2009 ተቓወምቲ ጒጅለታት ሶማልያ፡ ዓፈርን ኦሮሞን ኣብ ኪሎማ ከም ዝረኣዩ ምስክርነቶም ይህቡ፡፡   

5. እዚ ምብራቓዊ ክንፊ ኣብ ትሕቲ እዚ (command) ገረዝገሄር ዓንደማርያም “ውጩ” ኢዩ፡፡ ውጩ ን ሃይለ ሳሙኤል “ቻይና” ተኪኡዩ ኣዛዚ ክንፊ ኮይኑ፡ኣባላት ዝተፈላለያ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝኾኑ ተዓለምቲ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንጥፈታት ታዕሊም ዝቘጻጸር ኮሎኔል ሃጸይነት ኢዩ፡፡ ኮሎኔል “ወዲ ስዩም” ኣብ 2004 ምስ ሞተ ኢዩ ኮሎኔል ሃጸይነት ናብዚ መዚነት መጺኡ፡፡  

6. ሕዳር 2010 ኣብ ጂጂጋ ምስ ተቘጻጻሪት ጒጅለ ቃለመጠይቕ ዝገበሩ እሱራት ONLF ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ 2008 ሰለስተ ሚእቲ ዝኾኑ ተዓለምቲ ONLF ናብ ኪሎማ ምስ ኣተዉ ኮሎኔል ሃጸይነት ኢዩ ተቐቢልዎም፡፡ ኣብቲ ክፍሊ ታዕሊም “ክፍላይ” ብዝብል ስም ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ እቲ ኮርስ ታዕሊም ከኣ ብኮሎኔል “ስምኦን” ኢዩ ዝእለ፡፡ ብዘይካዚ ተዓለምቲ ነቲ ኣዘውቲሩ ናብቲ መዓስከር ዝበጽሕ ዝነበረ ኮሎኔል “ሙሳ” (ተወልደ ሃብተ ነጋሽ) ውን ግርም ጌሮም መልክዑ ገሊጾሞ ኢዮም፡፡ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ መባእታዊ ታዕሊም ፎከስቲ ብረታት፡ ከቢድ ብረት፡ ነተጉቲ፡ ሬድዮ ርክብ፡ ታንክ፡ MEITS ከምኡውን  SAMS ኢዮም፡፡ ስሳ ዝኾኑ ተዓለምቲ ከኣ ናይ መሪሕነት ስልጠና ወሲዶም ኢዮም፡፡   

ራስ ዳርማ    

7. ሰነ 2009 ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ጁቡቲን ኣብ ዶብ (ጥቓ ዳርማ) ግርጭት ተባሪዑ ኔሩ፡፡ እዚ ናብ ኣጠቓላሊ ግርጭት ከይ ዓርግ ከኣ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኔሩ፡፡ ብመሰረት እሱራት ONLF እቲ ኣብ ኪሎማ ዝወሰድዎ ታዕሊም ንሓጺር ግዜ ናብ ራስ ዳርማ (ካብ ዶብ ጁቡቲ ርሕቕ ኢላ ኣብ ሰሜን ዓሰብ እትርከብ ማርሳ) ተዛወረ፡፡ ጸኒሖም ተዓለምቲ ካብ ራስ ዳርማ ናብ ዒን (ካብ ምጽዋዕ ንሰሜን ጥቓ ሽዕብ እትርከብ ዓዲ) ተቐዪሩ፡ ክሳብ ኣብ 2010 ታዕሊሞም ዝውደኡ ከኣ ኣብኡ ቀጸሉ፡፡
 
ዒን

8. መዓስከር ታዕሊም ዒን ብውሑዱ ካብ መወዳእታ 2008 ወይ ፈለማ 2009 ንደሓር ስራሕ ጀሚሩ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ONLFን OLFን ኣብዚ መደበር ታዕሊም ዘሕለፍዎ ተመኵሮ ንተቘጻጻሪት ጒጅለ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሂቦም ኢዮም፡፡  ኣብ ዒን ዝስልጥኑ ዝነበሩ ተዓለምቲ  OLF ትግርኛ ዝዛረቡ ብልምዲ “ደምህት” እናተባህሉ ዝጽውዑ ተቃወምቲ  (ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ) ረኺቦም ኢዮም፡፡  ኣባላት OLF ን ተቘጻጻሪት ጒጅለ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዓለምቶም ምስ ኣልሸባብ የወዳድርዎምን ንተቓለስቲ ሶማልያ ከም ተባዓትን ንፉዓትን ጌሮም ይገልጽዎም ምንባሮም ጠቒሶም ኣለዉ፡፡

9. ኣባላት ONLFን  OLF ን ብሓባር ከም ዘመልከትዎ ኣዛዚ መዓስከር ዒን ኮሎኔል ጀማል ኢዩ፡፡   ካለኦት ተዓለምቲ ብስም ካብ ዝጠቐስዎም መማህራን እቶም ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

ኮሎኔል ሰሊም (ምክትል ኣዛዚ መዓስከር)
ኮሎኔል ኣብርሃ (ኣዛዚ ፍሉይ መደበር OLF)
ሜጀር ደበሳይ (መምህር ነተጉቲ)
ካፕቴን ተስፋይ (ኢድ ብኢድ ኲናት)
ስምኦን (ምንቅስቓስ)
ኢብራሂም (መባእታዊ ጥበብ ውትህድርና)

10. በመሰረት ሰልጠንቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ዒን ዝወሃብ ትምህርቲ መባእታዊ ልዑል ስልጠና ፎክስቲ ብረታት፡ ኢድ ብኢድ ኪናት፡ ስልጠና ኣጽዋር፡ ነተጕቲ፡ መንጣሊ ብረት፡ ከምኡውን ስርሒት ኣጻምእ ዘጠቓልል ስልጠና ኮማንዶ ወይ “ሬንጀር” ኢዩ፡፡ 

11. ኣብ መወዳእታ 2009 ካልእ መደበር ታዕሊም ኣብ ዒን ተኸፊቱ ኔሩ፡፡ እዚ መደበር ታዕሊም ንፍሉይን ሚስጥራዊን ተልእኾ ዝስልጥኑ ኣባላት OLF ተባሂሉ እተኸፍተ ኢዩ፡፡ ምስቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝራግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወጠነ ስርሒት ኣብ ሓደ ግዜ ኢዩ ተወሃሂዱ (ኣብቲ ቀንዲ ክፋል ፍሉይ መጽናዕቲ OLF ዝብል ርአ፡፡) ኣዛዚ ዚ መደበር ኮሎኔል ኣብርሃ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሎኔል ጀማል ኢዩ፡፡ ሌ/ኮ ጠዓመን ገመቹንውን ገስጋስ ተዓለምቲ ንምዕዛብ ብስሩዕ ናብዚ መደበር ታዕሊም ይመላለሱ ኔሮም ኢዮም፡፡ 

እንዳዓሊ

12. ዘይከም ኣብ ከባቢ ኪሎማ ታዕሊም ዝወሰዱ ካልኦት ተቓወምቲ ጉጅለታት ዓፈር (ኢትዮጵያ)፡ ተቓወምቲ ጉጅለታት FRUD ግን ኣብ ከባቢ 2008 ካብ ዓሰብ 40 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ጌዶ ዝተባህለት ወተሃደራዊት መዓስከር ናይ ፈለማ ወተሃደራዊ መዓስከር ተኸፊቱሎም፡፡ ኣብ መፋርቕ 2009 ብዙሓት ኣባላት እናሃደሙ ስለ ዝጎደሉ፡ እቲ ስልጠና ካብ ዶብ ርሕቕ ኢሉ ፈለማ ኣብ ደባሲማ ጸኒሑ ከኣ ኣብ መወዳእታ 2009 ናብ እንዳዓሊ ተቐየረ፡፡

13. መደበር ታዕሊም እንዳዓሊ ዘመናዊ ስለ ዘይኮነ መባእታዊ ወተሃደራዊ ትምህርቲን ፎኪስ ብረትን ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ፡፡ ሓይልታት ጸጥታ ጁቡቲ ኣብዚ መዓስከር ዝስልጥኑ ኣባላት ብቕዓቶም ክንድቲ ዝነኣድ ከም ዘይኮነ ይገልጹ፡፡

ካልኦት መደበራት

14. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ቃለመጠይቕ ዝገበረትሎም ናይ ቀደም ኣባላትን እሱራትን ከም ዝገለጽዎ ካልኦት ብርክት ዝበላ መደበራት ታዕሊም ውን ኣለዋ፡፡ ርግጽ ኢዩ ገለ ካብዚ ገና ብግቡእ ዘይተሃንጸን ግዜያዊን ኢዩ፡፡ እተን ኣዝየን ኣገደስቲ እዘን ዝስዕባ ኢየን፡፡

- ኣስመራ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ውሑስ ከባቢታት ናይ ወጻኢ ተቓለስቲ    ይዕቆቡሉ፡፡ እዚ ገዛውቲ ማእከል ክለሰ ሓሳባዊ ስልጠና ነተጉቲ፡ ስለያ፡ ጸረ ስለያን ስርሒታዊ ጸጥታን ኢየን፡፡ ከባቢታት ኣስመራ ብፍላይ እቲ ኣእማን ዝጓረተሉ ቦታታት ግብራዊ ስልጠና ነተጉቲ ይወሃበሉ፡፡
 
- ደቀምሓረ፡ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ዝርከብ ከባቢታት ብፍላይ ሆቴል ሓመላይት ትምህርቲ ብረታትን ነተጉቲን ንምሃብ ይጥቀሙሉ ኔሮም ኢዮም፡፡

 
- ጋሓይሬ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ሶማልያ (እንተላይ ሒዝቡል ኢስላም) ይዕለሙሉ ኔሮም ፡፡ እዚ መደበር ኣብዚ ግዜዚ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ የሎን ርግጸኛ ሓበሬታ የብልናን፡፡

 
- መሎቤር፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት OLF ዝርከብ ፍሉይ መደበር OLF ነበር ምዃኑ ተጋደልቱ ዝገለጽዎ፡፡
 
- ሰነይ፡ መሰልጠኒ ብረታት፡፡

ተለቃቢ 8.2.፡ ሰልጠንቲ “ግንባር ንሕብረትን ዴሞክራሲን ጂቡቲ” ኣብ እንዳዓሊ (ጥቅምቲ 2009)

ተጋደልቲ FRUD-C ኣብ እንዳዓሊ (ጥቅምቲ 2009)
 
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ዘይተፈልጠ፡ መሓመድ ካዳሚ፡ መሓመድ ጀብሃ፡ ሓሰን ሙቕቢል

ተጋደልቲ FRUD-C ኣብ እንዳዓሊ ጥቅምቲ 2009
 
ተለቃቢ 8.3.፡- ፍሉይ መጽናዕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን--“ኣላንሳይድ ፎርስ”

1. ኣብ ፈለማ መስከረም 2010 ገለ ጉጅለ OLF ካብ ኤርትራ ብጃልባ ተጻዒኖም ናብታ ብ ገምገም ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማሊላንድ እትርከብ ወደባዊት ዓዲ ሉጋያ ዓሪፎም፡፡ ኣብ ክልተ ሳናቡቕ (ሓንቲ ዓባይ ሓንቲ ንእሽቶ) ኢዮም ተሳፊሮም፡፡ እዘን ሳናቡቕ ሰብመዚ ኤርትራ ካብ የመናውያን ጀለብቲ ዝማረኽወን ኢየን ይበሃል፡፡ እዚ “ኣላንሳይድ” ማለት ጸወርቲ ሰንደቕ ዝተሰምየ ኣሃዱ ONLF 204 ኣባላት ዝሓዘት ኮይና ኣብ ትሕቲ እዚ “ስነውየን ” ዝሳጓኡ ኣሕመድ ዋሊ ሸኽ ዓብዱላሂ ተበጊሳ፡፡ 

2. ምስ ብረቶምን መሳለጥያታቶምን ምስ ወረዱ፡ እቶም ጉጅለ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ መራኸቢኦም ከዱ፡፡ ኣብኡ ካብ ቦራማ ብኽራይ ዝመጻ ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን ጌሮም ንኢትዮጵያ ክሰግሩ ተዳለዉ፡፡  ኣባላት ONLF ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት መታን ከሕልፍዎም ንሰብመዚ ሶማሊላንድ ጉቦ ሂቦሞም ኢዮም፡፡   ፖሊስ ሶማሊላንድ ጽንጽንታኦም ምስ ሰምዑ ግና ኣብ ባሓራሳፍ (ጥቓ ዓብዱለቃድር እትርከብ ዓዲ) ጠለፍዎም፡፡ ኣባላት ONLF ናብ ማዕዶ ታባታት ኢትዮጵያ ኣቢሎም ሃደሙ፡፡ ኣታሃድማኦም ናይ ታህዋኽ ስለዝነበረ ገለ ካብ ብረቶምን ቅምቡላኦምን (እንተላይ 62 ራውንድ 69 ታይፕ ቅምቡላ ኣር.ፒ.ጂ.) ገዲፎም ኢዮም ሃዲሞም፡፡  ብዘይካዚ ክልተ ካለሺንኮቭ ዝዓይነቱ ብረት፡ 10 ደብተራት ወተሃደራዊ ስልጠና ከምኡውን ባጤራ ኤርትራ (ሓደ ናቕፋ) ተረኺቡ ኢዩ፡፡ ገለ ካብዚ ደብተራት ብ ዩኒሴፍ ዝተሓትመ ኮይኑ ኣብ ገበሩ ዝርዝር “ኣገደስቲ ዕለታት ታሪኽ ኤርትራ” ዝተሓትሞ ኢዩ፡፡ (ስእሊ ኣብ ተለቃቢ 8.3.ለ ርአ፡፡) ተቘጻጻሪት ጒጅለ ቃለመጠይቕ ዝገበረትሉ ሓደ ኣዛዚ ONLF ከም ዘረጋገጾ ክሃድሙ እንከለዉ እቲ ናይ ኣር.ፒ.ጂ. ቅምቡላታት ስለ ዝኸበዶም ገዲፎሞ ምኻዶም ይገልጽ፡፡ እዞም ቅምቡላታት ኣር.ፒ.ጂ. ካብ ኣዛዚ መዓስከር ኮሎኔል ጀማል ኣብ ዒን ዝተዋህብዎም ምዃኖም ድማ ይገልጽ፡፡ 

ኣብ ሶማሊ ላንድ ዝተማረኸ Type 69 ቁምቡላታት አርብጂ (R.P.G.)
 
3. እቲ ቀንዲ ሓይሊ ONLF 13 መስከረም 2010 ናብ ዶብ ሃዲሞም፡፡ ሓይልታት ስለያ ኢትዮጵያ ጥቓ ሱኒጂፍ ከርዲኖሞም፡፡ ኣብዚ ኲናት ዝበዝሑ ኣባላት ONLF ምዉታትን ምሩኻትን ኮይኖም፡፡ 76 ኣባላትዚ ጉጅለ ምስ ዕጥቆም፡ ናውቶምን ሰነዳቶምን ተማሪኾም፡፡ ገለ ካብዚ ሰነዳት ኣብ ጅቡቲ መውጽኢ ቪዛ እተወቕዖ ፓስፖርት ኤርትራ፡ 2009 ዝብል ዕለት ዘለዎ ቅብሊት ወተሃደራዊ ሆስፒታል ዓሰብ፡ ከምኡውን ነጥብታት ምንቅስቓስ ONLF ዘርኢ መዐቀኒ GPS ተረኺቡ ኢዩ፡፡ (ተለቃቢ 8.3. ሐ ርአ)   
ምንቅስቓስ ዕጥቓት ተቓወምቲ ONLF ካብ ናቑጣታት GPS ዝተረኽበ
 
4. እዞም መምሃሪታት ልክዕ ከምቶም ኣብ ሶማሊላንድ ዝተማረኹ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣጽዋር፡ ነተጉቲን ናይ እንግሊዘኛ ኣሰያይማ ወተሃደራዊ ቃላት ብትግርኛን ዓረብኛን ተጻሒፍዎ ይርአ፡፡  እቲ ኣብቲ ደብተር ብኢድ ዝተጻሕፈ መምሃሪ ክሳብ 3 ሓምለ 2010 ዝብል ዕለት ውን ኣለዎ፡፡ (ተለቃቢ 8.3 ርአ)፡፡

5. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ነቲ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ካብ ኣላንሳይድ ፎርስ ዝማረኽዎ 21 ካለሺንኮቭ ዝዓይነቱ ብረት፡ ኣርባዕተ ወንጨፍቲ ኣር.ፒ.ጂ. ፡ ኣርባዕተ ዶሽካ (General Purpose Machine Guns): ክልተ ድራግኖቭ ዝዓይነተን መንጠልቲ ብረታት፡ 50 ኤፍ. ዋን ቦምባ ኢድ፡ ሸውዓተ ቅምቡላታት ኣር.ፒ.ጂ. ከምኡውን ኣማኢት 7.62 x 39 : 7.62x 54 R ዝዓይነቱ ቅመቡላታት ተዓዚባ ኢያ፡፡ መብዛሕትኡ ካብዚ ኣጽዋር ግዚኤ ዝሓለፎ፡ ክንበብ ዘይክእል ምልክታት ዘለዎ ስለ ዝኾነ መበቆሉ ክፍለጥ ኣይተኻእለን፡፡ 

6. እዞም ቅምቡላታት ኣር.ፒ.ጂ ግና VMZ Sopot ዝተባህለ ቡልጋርያዊ ኩባንያ ኣብ 1990/1 ኢዮም ተገጣጢሞም፡፡ 50 ሽሕ ዝኾኑ ኣር.ፒ.ጂ ታት ንምልኣኽ ቡልጋርያዊ ኩባንያ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ብ ቁጽሪ ፍቓድ (1473- 02 መጋቢት 1999) ተጸሓሒፉ ኔሩ፡፡ ነቲ ጠያይቲ ካብ ወደብ ቡርጋስ (ቡልጋርያ) ጽዒና ናብ ኤርትራ ዘብጽሓቶ “ቶር ኣሊስ” ዝተባህለት መርከብ ኢያ፡፡   

7. ተቘጻጻሪት ጒጅለ ብዛዕባዚ ታይፕ 69 ዝዓይነቱ ወንጫፊ ኣር.ፒ.ጂን ክልተ ታይፕ 58 ዝዓይነቱ መንጣሊ ብረትን ከተጻሪ ናብ ህዝባዊት ሪፖብሊክ ቻይና ደብዳቤ ልኢኻ ኔራ፡፡ ዛጊት ዝመጻ መልሲ ግን የለን፡፡

ካብ ኣላንሳይድ ፎርስ (Alanside force) ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተማረኸ ኣጽዋር
 
8. ኩሎም 76 ምሩኻት እንተላይ ሓደ ብጽኑዕ ዝቖሰለ ኣባል ምስ ONLF ዘለዎም ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝወሰድዎ ስልጠና ናብ ሶማሊላንድ ዝኣተዉሉ ኣገባብን ኩነታት ኣመራርኻኦምን ንተቘጻጻሪት ጒጀለ ሓበሬታኦም ሂቦም ኢዮም፡፡ ሓደ ካብ ኣዛዚ ኣሃዱ ONLF ንተቘጻጻሪት ጒጀለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መስከረም 2010 ንኮሎኔል ነጋሽ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዒን ከም ዝረኣዮ ምስናይ ኣካላዊ መልክዑ ብምዝርዛር ይሕብር፡፡ ካብ ኤርትራ ምስ ተሰናበተ ብጀማል ተሰንዮም ናብ ምጽዋዕ ከም ዝተፋነዉን ፡ ነጋሽ ተቀቢሉ ብሳናቡቕ ከም ዝለኣኾም ይገልጽ፡፡  

9. ተቘጻጻሪት ጒጀለ ንሓሙሽቲኦም ጒጅለታት ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም፡ ዝተመልመሉሉ ኣገባብን ስልጠናን ብዝርዝር ሕቶታት ኣቕሪባትሎም፡፡ ሓደ እሱር ንተቘጻጻሪት ጒጀለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 80 ዝኾኑ ተዓለምቲ ገና ኣብ ዒን ኣለዉ፡፡  ኣላንሳይድ ፎርስ ምስ ወፈረ ኣብ ወርሑ ሓደ ኣብ ONLF ዘገልግል ዘሎ ላዕለዋይ በዓል መዚ ከም ዝሓበሮ “ሓይልታት ONLF ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ጒጅለታት ኢትዮጵያ --ማለት ግንባር ሓርነት ሲዳማ፡ ኣምሓሩ፡ ትግራዎትን ጋምቤላን ኣብ ዝስልጥኑሉ ከባቢ ኢዮም  ታዕሊሞም ዝወስዱ ዘለዉ” 

ተለቃቢ 8.3 ሀ›፡ ኣብ ሶማሊላንድ ካብ ONLF-ኣላንሳይድ ፎርስ ዝተማረኸ ጥረ ነገራት 

ኖት ሓደ ናቕፋ
 
“ኣገደስቲ ዕለታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ” ዘርኢ ናይ ስልጠና ደብተር

22 ታሕሳስ 2009 ከምኡውን 6 ጥሪ 2010 ዝብል ዕለታት ዝተጻሕፎ ደብተር ተዓላማይ ኣባል ONLF.
 
ምንጽጻር ዘርኢ ደብተር ተዓላማይ ኣባል ONLF.
 
ክልተ ካላሺንኮቭ ዝዓይነተን ተዓጸፍቲ ብረታት
 
62 ራውንድሰ ከምኡውን ታይፕ 69 ዝዓይነቱ ቅምቡላ ኣር.ፒ.ጂ
 
ተለቃቢ 8.3 ለ. ካብ ሓይልታት ONLF ኣላንሳይድ ፎርስ ጥቓ ጂጂጋ ዝተማረኸ ሰነዳት፡፡ 
 
ቅብሊት ወተሃደራዊ ሆስፒታል ዓሰብ (1)
 
ቅብሊት ወተሃደራዊ ሆስፒታል ዓሰብ (2)
  
መውጽኢ ቪዛ ዘለዎ ፓስፖርት ኤርትራ (1)     መውጽኢ ቪዛ ዘለዎ ፓስፖርት ኤርትራ (2)
      
ባንዴራ ኤርትራ ዘርኢ ምስሊ ቪድዮ       ሰሌዳ መዘውሪ ፍቓድ ዘርኢ ምስሊ ቪድዮ  
   
ብሶማሊ ላንድ ኣቢሉ ዝሓልፍ መንገዲ ዘርኢ ካርታ ጂ.ፒ.ኤስ.
 
ሰሌዳ ትሕዝቶ ትምህርቲ ምንቅስቓስ
 
3 ሓምለ 2010 ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ጥራዝ    ቁምቡላታት መድፍዕ ዘርኢ ናይ ታዕሊም ጥራዝ
   

ተለቃቢ 8.3 ሐ

ካብ ቡለጋርያ ዝተሸመተ ኣጽዋር ዘርኢ ኣርማ ኤርትራ ዘለዎ ምስክር ወረቐት፡፡

ተለቃቢ 8.4

ፍሉይ መጽናዕቲ፡ OLF ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመዝራግ ዝወጠኖ ስርሒት (ኣብ ክፍሊ 7. ረ ርአ፡፡)

ተለቃቢ 8.4 ሀ.  OLF ኣብ ኣስመራ ናይ ዝራኸቦም ሰባት ዝርዝር

ተለቃቢ 8.4.ለ . ቁንጽል ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ዑመር ንጉጅለኡ ንምኽፋል 8 ጥሪ ዘመሓላለፎ 3000 ዶላር፡፡   

ዑመር እድሪስ ብ 8 ጥሪ 2011 ንእናኒ መለስ ኢሉ ዘመሓላለፎ 5000 ዶላር ዘርኢ ቅዳሕ፡፡
 
ብ 31 ሓምለ 2010 ከምኡውን 24 ታሕሳስ 2010 ናብ  ሲፈን ጫላ በዳዳ ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ዘርኢ ቅዳሕ፡፡
 
ተለቃቢ 8.4.ሐ ፡- ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተማረኹ ኣባላት OLF ክፍንጅርዎ ዝሓሰቡ ነተጉቲ፡፡

c-4 plastic ተፈንጃሪ ኣብ ክሻ
 
መፈንጀሪ ገመድ R