እዚ ቅንያት'ዚ፡ ሰማያት ኤርትራ ጸለሎ ደመና ኣንጠጥይዎ ቀኒዩ'ሎ፤ መልእኽቲ ሞት ሓዚሉ። ሸካታት ሃገርና፡ ጊሓት ጊሓት፡ ኣብ ክንዲ ዛዕዛዕታ ኣዝመራ፡ ንብዓት ጓሂ ይሕለቡ'ለው። ሩባታት መረብ፡ ዓንሰባን፡ ካልኦት ወሓይዝን፡ ውሕጅ ንብዓት ይዛርዩ'ልው። ኳዕናናት እምባታትና፡ ጉህዮምን፡ ኣብክንዲ ክንዳና ሓኒኾምን ክሳውዶም ሰይሮም ይርከቡ። መሬት ኤርትራ የንቀጥቅጥ ኣሎ ካብ ጻት ንጻት። እዚ ኩሉ ስለቶም ሰዳድ ወረ ዘይብሎም፡ ኣብ መዓሙቅ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡ መናእሰያትና፡ ብዝያዳ ድማ ነዚ ፍጻመዚ፡ ስለቲ ዝግብኦ ነድርን ግብረ መልስን ዘይምሃብናን'ዩ ።

ነዚ ኣዝዩ ዘስንብድ ነገር፡ ከም ፍትሓት ነዳይ፡ ድርብይ ድርብይ ኣቢልና ሓሊፍናዮ'ለና። ዘሕንኽ'ዩ ካኣ።
 እዚ ዘስካሕክሕ ኣጋጣሚ'ዚ፡ አብ ካልኦት ህብረተሰባት፡ ካብ ጻት ንጻት ኣኼባታት እዩ ዘጸውዕ፤ እዚ፡ ንህዝቢ ኢድ ንኢድ ኣተሓሒዙ'ዩ ዘመያይጥ፡ ዘበግስን፡ ሓሕ ዘብልን፤ እዚ፡ ውድባት ፍልልያተን ወንዚፈን ብሓባር ክሰርሓ'ዩ ዘሕርን፤ እዚ፡ ሕልና ምሁራት፡ ተቃለስቲን፡ ለባማትን ኮርዅሑ፡ ብሓደ ክብገሱ'ዩ ዝንውንው፤ እዚ ክእለት ደረስትን ዘየምትን ካልኦት ስነጥበበይናታት ቦርቢሩ፡ ህዝቢ ዘለዓዕል መልእኽቲ ክውርቁን ክዝርጉሑን'ዩ ሓላፍነት ዘዘኻኽር።
ከምዚ ናይ ለንቅነ ሞት መናእሰያትና፡ ዘየበራብሮ፡ ዘየሕንኖ፡ዘየሐርቅሞ፡ ሕብረተሰብን ሃገርን በድኒ ሕብረተሰብን ሃገርን ጥራይ'ዩ። እዚ ጥፍኣት ነኣሽቱ የሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ኣወዳድባናን እንተዘይቀይርዎ ንሒጂን ንሓዋሩን፡ ንነብሳትና ድሕሪ ደጊም ትሩፋት ኢልና ምጽራፍ ይሓይሽ። እዚ ዚኣክል ተባዕታይ ምኽንያት ሕነ ክንፈዲ እንተዘየንቂሉና፡ ሬሳታት ጥራይ ኢን።  እዚ ንሕልናና እንተዘይኮርኵሕዎ፡ በሃማትን ኣምሰልቲን'ዩ ክኸውን ዘሎዎ መጸዊዒና፤ ሒጂ ሒጂ እንተዘይተበጊስናን፡ እትዝገበር እንተዘይገቢርናን ድማ፡ ካልእ ካብዚ ዚኸፍኣን ዘስካሕክሕን ክመጽኣና ሙዃኑ ካብ ሕጁ ንቀረብ፡ እቲምንታይሲ እዚ ስርኣት'ዚ፡ ስለምንታይ ብዘየገድስ፡  ነዛ ሃገርን ህዝባን ከዐንው ከምዘንቀደሲ  ከም ጸሓይ ንግሆ በጣእጣእ ኢሉ ተገሊሁ'ሎ።

መዓናጡኻ ኩምትርትር ዘብል፡ ዝርንዝሕ ዘንብእ፡ መንጠሊና ተኸዲንካ፡ ተዓጺፍካ ኮፍ ዘብል ጎንፊ'ዩ እዚ ናይ ለንቅነ። እዚ ፋልማይና ስለዝኾነ ኣይኮነን፤ ከምዚን ካልእን፡ ብዙሕ ተነጊሩን ተሰሚዑን። ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘጓነፉ ተመሳሰልቲ ፍጻሜታት፡ ገሌና ከምዘይስማዕናዮም፡ ንዮ ገጽና ክንጥምት፡ ገሌና ኣነኣኢስና ክንርእዮም ስለዚደለና፡ ገሌና ድማ "ኣብ ገዛይ ክሳብ ዘይመጸኒ፡ እንታይ ገደሰኒ" ዝኣይነቱ ስምዒት ሒዙናሲ፡ ክንዲቲ ዝግብኦም ከይተነግረሎምን ኣቃልቦ ከይሃብናዮምን ሓሊፎም። ብኡ ግዲ ዚሓልፈልና መሲሉና ኾይኑ። ትሓልሞኦ'ሞ ይዝንግዓክና! ከምዚባሃል ግን፡ እኳደኣ ከምመቅጻዕቲ፡ ብዝትዓጻጸፈን ብዘሰንብድን እንሀ ተደጊሙ። ምናልባት ውን ክንምሃረሉ፡ ክንለዓለሉ፡ ቱታ ንመሰለይ ኢልና ክንትንስኣሉ ይኸውን ዝነዋንወና ዘሎ። እንታይ'ሞ፡  ክሳብ ይኣክል! ንብል ህይወት የእላፍ መዓንጣ ዘይቆጸሩ መናእሰይ እንደሞ መጻወቲ ወኻሩን ኣሞራ ሰማይን ኮይኑ። እቲ ፍሉጥ ናይ ሳይበር ጸሓፋይና፡ ዮሴፍ ገብረሂወት፡ ኩሉ ሻእ ዘስምረላ ነጥቢ'ላ፡ ሃገር ብዘይ ህዝቢ ትርጉም የብሉን። እቶም ረኣይቲ ብደንቢ ነቋምት፡ እቶም ሰማዕቲ ብደንቢ ጽን ንበል፡ እቶም ሓሰብቲ ድማ ብደንቢ ነስተንትን።

ካንዶ ሕሊናና ሞይቱ'ዩ። ካንዶ ቤትና መጻወት ጕሓላሉ ክኸውንሲ፡ ምሁራትና፡ ተቃለስቲን ተጋደልትን ዝነበርና፡ መናእሰያትና፡ ለባማት ዓበይቲ ዓዲን፡ ካልኦትን፡ ኣብ ደንደስ፡ የእዳውና ኣጣሚርና፡ ክንርኢ ኣየሕፍረናንዩና። ኣረ ክንደይ ዝረኣናን ክንደይ ዜሕለፍናን ሕዝቢሲ እንታይ'ዩ ዓዚሙና። እዚ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብሙሉኡ፡ ፈረስ ኣስማይተና ደኣ ሰትዩ ከይኸውን? ኣረ እንታይ ኢና ክንብል።

ፈቲና ጸሊእና ክልተ ምርጫ'ለዋና። ወይ ከምዚ ንገብሮ ዘለና ይእዳውና ኣጣሚርና ሃገር ንዕርብርባ ክትጠፍእ ምዕዛብን፡ ጽባሕ ንግሆ ድማ፡ መላስ ኣውያት ዘይብሉ፡ ዝበርስ ምስ በረሰን፡ ዝጠፍእ ምስ ጠፍኣን፡ ንዘልኣልም እንጣኦዓሰሉን፡ ናይ ታሪኽ ሕፍረት ተወንዚፍና፡ ብሕንከት ክሳድና ሴርና፡ ብመጻኢ ወለዶታትና እናተጸየንና እንኸደሉን ኩነታት ምጽባይ፤ ወይ ውን ግዜ ከይበልዐ፡ ነዚ ስርዓት እዚ፡ ምእላይ።

እዝ ዳሕረዋይ ምርጫ፡ ናይኩላትና ጥሙር ጻዕሪን ትግሃትን፡ ዘይምግድዳዕን፡ ብፍላይ ድማ ናይ ህዝብና ስምረትን ምንቅቃሕን የድልይ፤ እቲምንታይሲ  ብዘይ እምብይታን፡ ብዘይ ምትንሳእ ህዝቢን ኣንጻር ኢዚ ዘሎ ስርዓት፡ ሽግራትና ከም ጸላም ለይቲ፡ ሓደ ንግሆ ተቀንጢጦም ከርፍዱሉና ክንሓስብ ኣይንኽእልን፡፡ ከምኡ ንሓስብ እንተሊና ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ጥራይ ኢና ንነብር ዘሎና። ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ንፈልጦ ስርዕት'ዚ፡ ናብ ልቡ ክምለስ  ኢልና ንጽበ ተሊና ድማ፡ ትጽቢትና ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ወይ'ውን ዝሞተ እንጌራ ጥራይ'ዩ ክኸውን።

ካብ ሕጁ ንፍለጦ፤ ሽግር ወሪዱኒ ኢልና ስለዚተጣራዕና፡ ብኣፍ ጥራይ ስለዚመደርና፡ ቃላት ደርዲርና ኣወቂብና ኣወሪቅና ስለዚጽሓፍና፡ ፍትሒ ክመጽእን፡እዚ ዘስደምም ኩነታት ለንቅነ፡ ከይተደግመ ክግታእን ምሕሳብ የዋህነት ጥራይዩ። ልእሊ ዚኾነ ይኹን እዋን፡ ስምረትን፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ምስራሕን የድሊሎ።  ስምረት ውድባትና፡ ስምረት ሃይማኖታትና፡ ስምረት ኣውርጃታትና፡ ስምረት ብሄራትና፡ ስምረት ኩላትና፡ ልዕሊ ዚኾነ እዋን ሕጂ ይድለሎ። እዚ ዝሓለፈ፡ ኣብ ጓል መንገድን፡ ሕዝሎን ቅንጦን፡ ዝተኸስረ ዓመታት ክድገም የብሉን። ኣብ ሕሉፍ ቅርሕንቲ ዝነብር በሰሮ ተቃላሳይ ጥራይ'ዩ። ጽባሕ ንግሆ ህዝቢ ከይኽዕበና፡ ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ብሓንሳብ ንምስራሕ ብሓድሽ መንፈስ ክንብገስ ኣለና።

ዝተመንዝዐ ኣክሊል፡ መሰልን ፍትሕን ብዋዛ ፈዛዛ ክመጽእ ክንጽበ ኣይንክእልን። እቲ ህቡብ ደራፋይ ኤርትራ፡ የማነ ባርያ፡ ሓድ ሓደ ግዜ ዅናት መጸውኢ ሰላምዩ፡ ናይ መግዛእቲ ሕቶ መፍትሒኡ ቅልጽዩ ኢሉ ነይሩ። ስሙር ሓይሊ ጥራይ ከኣዩ እንኮ መፍትሒ። ነዚ ንምግባር ግን ከምቲ ወትሩ ናይ ሙሁራትና፡ ናይ ተጋደልትና፡ ናይ ስነ ጥበብይናታትና፤ ናይ መናእሰያትና፡ ናይ ዓበይቲ ዓዲ ሓባራዊ ስራሕን፡ ናይ ሓፍሽ፡ ዘይሕለል ትግሃትን ቃልስን ከድሊ'ዩ።
ኩሉኹም ኩቡራት ሙሁራትና፡ ብፍላይ ድማ እቶም ትማሊ፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ነዚ ስርዓት'ዚ ብዝተፈላለየ ዓቀን ዝሓገዝኩም፡ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ ዩኹን እዋን ዑዙዝ ተራኹም የድሊ'ሎ። ዶር. ተስፋይ ግርማጽዩን፡ ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ፡ ዶር. ኣማረ ተኽለ፡ ዶር.ወልደኣብ ኢሳቅ፡ ኣቶ ተስፋገርግሽ ባኣታይ፡ ዶር. ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ዳዊት መስፍን፡ ዶር. መሓመድ ኼር፡ ወ/ሮ/ሪት ሚርያም መሓመድ ኦመር፡ ኣቶ. ሙሴ ምስግና* . . . .ን ካልኦት ንኣሽቱን ዓበይቲን፡ ኩሉኹም ሙሁራትና፡ ኣተሓሳስባኹምን መርገጺኹምን ብዘየገድስ፡ ታሪኽ ይደሃየኩም ኣሎ።እቲ ትማል ዝደኸምኩሙሉ ዕላማን፡ ዝኸፈልኩሞ መስዋእቲን፡ ንኸንቱ ከይተርፍ፡ እዋኑ ከይመሰየ፡ ገለ ግበሩ ሕጂ። ዚፈሰሰ ማይ ጽባሕ ኣይሕፈስንዩ። ነዚ ሕዝቢ ንኽሓብርን፡ ነዛ ኣብ ጸድፊ ዘላ ሃገር ከድሕንን፡ ናትኩም ኣጆኻ ምባልን፡ ምዅብካብን፡ ምእላይን፡ ምንቅቃሕን ልዕሊ ዚኾነ እዋን የድልዮ ሎሚ።
ኩሉኹም ኩቡራት ተቃለስትን ተጋደልትን፡ በፍላይ ድማ እቶም ነዚ ስርኣት እዚ ብደንምቢ ትፈልጥዎ፡ ከምቲ ናይ ትማል፡ ሕጂ'ውን ኣውያት ኣዴታትኩምን፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኣሽቱ የሕዋትኩምን ደቅኹምን፡ ይጣራዕ'ኣሎ ። እታ ትማል ዝደምኹሙላ ኤርትራ ኣብ ገምገም ጸድፊ ኮይና ትደሃይ ኣላ'ሞ፡ ሕድርኹም!። እቲ ትማል ዝሓለፍኩሞ ኣደራዕ፡ ዝኸፈልኩሞ መስዋእቲ ኣብ ልቢ ኩልና'ሎ። ሕጂ'ውን፡ ብሶላ ኾንኩም፡ ነዛ እትሰጥም ዘላ መርከብ ንምድሓን ኣበርክቶኹም የእዝዙ። እቶም ትማል ንፈልጠኩም፡ ተ/ይ ሃይለ መንቆርዮስ፡ ተ/ይ ኣንደብርሃን ኣንደገርግሽ፡ ተ/ይ ዶር. ተኸስት ፍቃዱ፡ ተ/ይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተ/ይ ኣብደላ ኣድም፡ ተ/ይ መሕየዲን ሸንገብ፡ ተ/ት ሕብረት በርሀ፡ ተ/ይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ተ/ይ ወልደሱስ ኣማር፡ ተ/ይ ኣሕመድ ናስርን፡ ተ/ይ መስፍን ሓጎስ፡ ተ/ይ መሓመድ ኑር ኣሕመድን*፡ ኩሉኹም ካልኦት ናይ ክልቲኡ ደንበ፡ ጀብሃን ሻእብያን፡ ተጋደልቲ ሎሚ፡ ኣብ ግዜ ህዝብን ሃገርን ኣድሕን፡ ዑዙዝ ተራኹም ይድለሎ።
ኩሉኹም ምዑታት ስነ ጥበበይናታትን ጸሓፍትን'ውን እጃምኩም ንምብርካት  ኤርትራን ህዝባን ብህንጥዩነት ይጽበ ኣሎ። ድምጺ ህዝቢ፡ ነቲ ትማል ህድሞና ኢሉ ህዝቢ ዘነቃቀሕን ዘበገሰን ኣብራር ኦስማን፤  ነቲ ይኣኽለና ይኣኽለናባ ኢሉ ዝዘየም ሃይለ ገብሩ፤ ነቲ ትማል ሽገይ ሃቡኒ ኢሉ ቢጊታሩ ህዝቢ ዘበራበረ ተወልደ ረዳ፡ ነቲ ሚ ርኤካ  ኢሉ ዝዘየመ ሓሰን መሓመድ ዓሊን፡ ነቲ ኣብ ገዛና ዘልኹም ተቀማጥ ሰብክራይ ኢሉ ዝደረፈ ዑስማን ዓብደልርሒምን*፡ ንካልኦት ኩሉኹም ንኣሽቱን ዓበይትን ናይ ኩሉ ብሄራትና ስነ ጥበበይናታት ሕጂ ልዕሊ ዚኾነ ይኹን ግዜ ኣበርክቶኹም ክዓዝዝ ይምሕጸነኩም ኣሎ። ኹሉኹም ጽሓፍቲ፡ ብኹሉ ቋንቋታትና፡ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ፡ ብዕርኹምን ወረቃቅትኹምን ኣዋዲድኩም፡ ህዝቢ ብሓደ ክመክርን፡ ጽባሕ ከይበለ ሕጂ ክትንስእን፡ ክትውድብዎ ብሃረርታ ይጽበሎ።
ብዘይ ቀልዓለም፡ ኤርትራውያን ወለዲ ስዑማት እግሪ ኣይኮኑን። ዘዚወለድዎ፡ ወይ ንመስዋእቲ ወይ ድማ ንስደት ኮይኑሎ እቲ ዕጭኦም። ሓዘን ዘይካሕኮሖ ቤት የልቦን፡፡ እህህታ ኣቦን፡ ጸፋፋት የኢንቲ ኣደን፡ ፈዳይ ሕነን፡ መላስ ክብረትን ክመጽአን ይጽበያ ለዋ። ብኣግኡ ክብረት ህዝብን ክብረት ሃገርን ክንመልስ ሃየ ንበገስ። ፍልልይ፡ ቅርሕንቲ፡ ንድሕሪት ጎቲቱ፡ መፍቶ ዚ ጉሒላ መንግስቲ ጥራይ'ዩ ክገብረና። ንሓድነትን ስምረትን ዘይሰርሕ ድማ፡ ልኡኽ ህግደፍ ጥራይ”ዩ ክኸውን ዚኽእል።
ሕጅ ሕጅ'ውን ከበሮ ዅናት ክድሰቅ ንሰምዖ ኣሎና። ካንዶ ብስሩ እዩ ምጽጋብ ሲኢኑ ዝኸርሲ ዛ መሬት። "በጃኺንዶ ሎምስ ሕድርኺ ሕድሪ ጎሮሮኺ ሰላም ሃብዮም ነዞም ተሪፎም ዘለው ናእሽቱ የሕዋትናን ኣሓትናን፡" ኢልና ክንልምና ። ምኽንያቱስ ንሳቶም'ውን ሩዖም ጠቅሊሎም ኣሰር የሕዋቶምን ኣሓተንን፡ ንዕርብርብ ከየምርሑ።
ጎራዙትና መጻወቲ የዕራብ ኮይነን፡ ቀጢን ኣውያት ከእውያስ ከምዛዘይሰማዕና ከነጽቅት ካንዶ ሰብኣውነትና ሽጥናዮ ኢና። ኮላሊት ኣጓብዝና ተሞዝሒቁ ክሽየጥ፡ ዝተረፈ ኣካላቶም መጻወቲ ወኻሩን ራውያታትይ ምድረበዳ ክኸውን ቁሩብ ዶ ኾን ኣይስቆረናን። 


ካንዶ ኣኺሉና'ዩ መጻወቲ በጽሒ ጋማ መራሕን፡ ዘይውርዙያት ወይጦታቱን ክንከዉን። ስምዑ ልምዑ ኢሉ፡ንህዝብና ከጥፍእ ዘንቀደ ጉሒላ ሳዕ ዶ ምባሉ ስኢንና? ኤርትራውያን ካን ዶ ኣኺሉና ቤት ፍቱሓት ሳእኒ ኮይንና ክንተርፍ ኢና። ሕነ'ታ ምልዖ ኣብ ሲናይ ትጣራዕ ዘላ ሕሳስልደ ገዛ፡ ሕነ'ቲ መጻወቲ ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ዚኾነ ሸኾና ብተይ ሕሳስልደ ገዛ፡ ሕነቶም ኣብ ፈቅዶ ማሕዩር ተደርብዮም ዘለው፡ ሕነቶም ብጭካነ ዝተቀትሉሞ ደሞም ደም ከልቢ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ምዃን ክንስእን?  ብደውካ ኣይትሙት ይብሉኻ ብደውና ሞይትና።
ጠይቂ ዝገበረካስ ኣድጊ ግበሮ ኢሎም ኣቦታት መሲሎም። ነዚ ተኸደንቲ ሃደላ ገይሩና ዘሎ፡ እነጽድፎሉን፤ ብሓባርን ብስምረትን እንብገሰሉ ግዜ፡ ሕጂ'ዩ። ወይ ኣብታ ናይ ታሪኽ ባቡር ምውጣሕ'ዩ፡ ወይ ካኣ ኣብ ናይ ታሪኽ እንድጉሓፍ ምስ ዝምብታት ምትራፍዩ። ሕጂ እዩ እቲግዜ፡ እቲ ወርቃዊ ዕድል።


*ንኩሉ  ኤርትራዊ ምሁር፡ ተጋዳላይን ስነ ጥበበይናና፡ ሓደ ብሓደ ክጠቅስ ደስ ምስበለኒ፡። ነዞም ሰባት እዚኦም መጥቅሲየይ እምባኣር፡ ፍሉይ ምኽንያት ሃሊይዎ ዘይኮነስ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ፖሊቲካ ኤርትራ ተራ ካብቶም ዚነበሮምን ዘለዎምን ዝጥቀሱ ብሙዃኖምን፡ ነቶም ዘይተጠቅሱ ይውክሉ ኢለ ስለዝኣመንኩን ዩ። ብዝኾነ ይኹን ተኣምራት ግን ካብቶም ኣብዚ ዘይተጠቅሱ ፍሉጣት ይኹኑ ውልቀሰባት ፍሉያት'ዮም ንምባል ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ ይፈቱ።

ኣረዛዘነ