ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመን-ሓምሳታት ብከምዚ ዝኣመሰለ ሕልኽላኽ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ኣብታ ብባሕቲ መስከረም ኳሕ ዝበለት ኣፈሙዝ ከም ንህቢ ንክዓስል ግዜ ኣይወሰደሉን። ሎሚ’ውን ከምቲ ትማሊ ኣሲርናዮ ዝነበርና ጋማ ጽንዓት እንተደኣ ኣሲርናን ከም እንዕወት ኣሚንናን፣ ብርግጽ ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ዘሎ ሰላምን ፍትሒን ክንበጽሕ ኢና። ሓንቲ ሃገር ንክልተ ዓይነት ሃገራውያን ኣይትፈልጥን ኢያ’ሞ፣ ጽባሕ ንግሆ ኤርትራ ንመን ኢያ ክትፈልጥ ሽዑ የራኽበና።

እቶም ምስ ኢሳይያስ ብሓንቲ ሳንቡእ ዘስተንፍሱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ናይ ጥፍኣት ሓዋርያትን፣ እቶም ንሓቂ ክደፍኑ ብዝቦኽቦኸ ዓቃቢቶ ከም ኣረጊት ከልቢ ሕኒንንን! ዝብሉ ዘለዉ መሳፍንቲ ሚለንየምን ጠቖም ፈሊጣውያንን ከኣ ህድእ በሉን ኣዋህልሉን ክንብሎም ንደሊ። ‘ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ’ ወይ ከምቲ ብቋንቋ ትግረ ‘በዓል ሰብር ዕዉት ቱ’ ዝበሃል፤ ሰብር የድሊ ኣሎ!

ሎሚ ንኢሳይያስ ካብ ውድቀቱ ዘድሕን መድሃኒት ክርከብ ኢዩ ካብ ምባል፣ ትንሳኤ ናይቲ ጥንቲ ዝነበረ ዳይናሶር ምጽባይ ይቐልል። ኦ ህዝቢ ኤርትራ! ዳግም ከይትደናገር፣ ዳግማይ ጽላሎት ‘ማሕበር ኣንድነት’ ኣብ ከባቢኻ የንጸላሉ ኣሎ። ሎሚ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እትገብሮ ቃልሲ መጓዓዝትኻን ዘይመጓዓዝትኻን ንክትመሚ ኣብ ቅድሜኻ ንጹር መንፊት ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ናትና ኣንፈት ምድንጋር ኢዩ’ምበር፣ እነሆ ኣብዚ መድረኽ ጽራይን ሓተላን ተፈላልዩ ኣሎ።

ክቡራት ኤርትራውያን ብሓበራ! እዞም ሰባት’ከ መን’ዮም? መዓስን ብከመይን’ከ ተራኺቦም? ንምንታይ ዕላማ? ቢጊሓቱ ትልሚ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ’ምበኣር ሎሚ ከምታ ዝዘርኣ ክርዳድ ንክበልዕ ኮራርምቱ ወቒሩ ይጽበ ኢዩ ዘሎ እንተተባህለ፣ ኣይተጋነነን። ‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ፣ ጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ከም ዝበሃል ከኣ፤ እቶም ክናናን ምናናን ኢሳይያስ ሎሚ ክርዳድ ንምቑርጣም ኣስናንኩም ውቐሩ።

ኢሳይያስ ሰይጣናዊ በትረ-ስልጣኑ ንምጭባጥ ብዓመጽ፣ ተንኮል፣ ቅንጸላ፣ ጸለመ፣ ወ.ዘ.ተ…እናተጠቕመ ክመጽእ ዝጸንሐ መንደላይ ተመን ኢዩ። ንኩሉ እናኣጸጸየ ምስ ወደአ ድማ ምስዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ነፍስ-ሄር ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዕለት 23 መጋቢት 1976 ዓ.ም. ዝነበሮ ዝምድና ኣብ ካርቱም በተኸ።

እምበኣርከስ እዞም ክልተ ወሰኖት መስፍን ሓጎስን ናይዝጊ ክፍሉን ክኾኑ እንከለዉ፤ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ድማ ሓርበኛ ነፍስ-ሄር ዑስማን ሳልሕ ሳበን ዕሉል ጉሒላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኢዮም። ኢሳይያስ ሰይጣናዊ በትረ-ስልጣኑ ንምጭባጥ ብዓመጽ፣ ተንኮል፣ ቅንጸላ፣ ጸለመ፣ ወ.ዘ.ተ…እናተጠቕመ ክመጽእ ዝጸንሐ መንደላይ ተመን ኢዩ። ንኩሉ እናኣጸጸየ ምስ ወደአ ድማ ምስዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ነፍስ-ሄር ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዕለት 23 መጋቢት 1976 ዓ.ም. ዝነበሮ ዝምድና ኣብ ካርቱም በተኸ።

ኢሳይያስን መስፍንን ክባተኹ ወይ ሓደ ኣንጻር እቲ ካልእ ብዕላማ ክቃለስ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምእማን፤ ንሓንጎልካ ዝዓጸኻሉ ፓስ-ዎርድ ምርሳዕ ከም ማለት ጥራይ ኢዩ ዝቑጸር። ስለምንታይ ኢዮም ኢሳይያስን መስፍንን፣ ከምኡ’ውን ኢሳይያስን ገለገለ ጀነራላትን “ሓደ ዕላማና ክሳብ ሞት!” ዝብል ጭርሖ ኣድሚጾም ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ መሪጾም?

እቲ መልሲ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ኣብቲ ናይ በረኻ ጉዕዞን ብድሕሪ ናጽነትን ኢሳይያስ ንኣእዳዎም ብንጹህ ደም ስለዝለኸዮ ጥራይ ኢዮም ሰብ ሓደ ማዕተብ ኮይኖም። ስለዚ እዞም ሰባት፣ እዞም ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን መዋቕር ሃገርና ኤርትራ ዝለዓለ ስልጣን ሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ብሓደ ወገን፤ ግምጣል ቅርሺ ኢሳይያስ ድማ በቲ ካልእ፤ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምፍልላይ…ንምብኣስን ንምጽናትን በብዓመቱ ካሪክለም ዝሕንጽጹ፤ ኣብ ሰላማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክነብሩ ኣይክእሉን ኢዮም።

ምንባሮም ኣብ ዕግርግር ስለዝኾነ፣ ኲናት ምስ የመን፣ ምስ ኢትዮጵያ፣ ምስ ጂቡቲ እናኣካየዱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን መዘና-ኣልቦ ገበናት ክገብሩ ጸኒሖም። እነሆ ድማ ሎሚ እቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ (ወያነ) ዝጸንሐ ገዓሮን ሆይሆይታን ኣብ ህሮሩማ ሑጻ ከም ዝተሸመመ ጋሻ ውሕጅ ህጣሙ ኣጥፊኡ፣ ሓድሽ ናይ ኲናት ዋዜማን ኩሽማንን ምስ ዑመር ኣል-በሺር ከንጸላሉ ንዕዘብ ኣሎና። ስለምንታይ ኢና ነዚ ኣዝዩ ቀለልቲ ተርእዮታት ንከነዛምዶ ኣብ ክንዲ ምፍታን፤ ምስቶም ናብ ዕንኪላሎ ከእትዉና ዝጽዕሩ ዘለዉ ሰብ ዕላማ ከም ቶፖሊኖ /ባምቡላ/ መጻወቲኦም ንኸውን?

ክቡራንን ክቡራትን ኤርትራውያን! ኣብ ተኸታታሊ ክፋላት እዚ ጽሑፈይ፣ ሕቡኣት ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኤርትራውያን ንምጥፋእ ውዲታት ህግደፍ ብውሽጢን ሰብ እከይ መሻርኽቱ ብወጻኢን ክገልጽ ጸኒሐ። ብፍላይ ድማ እቲ ካብ ሰብዓታት ከም ግምጣል ሓንቲ ሽልን ዝፍለጥ ተጋዳላይ መስፍን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፣ ብፍላይ ከኣ ሎሚ ኣብዚ ዱሮ ቀብሪ ህግደፍን ጥፍኣት ኢሳይያስን ከመይ ዝኣመሰለ መንገዲ ይኸይድ ከም ዝነበረን ዘሎን ተንቲነ እየ።

ኣንቱም መሳፍንቲ ዘመነ-ሚለንየም! ኣንቱም ጽባሕ ንግሆ ናይ ኮን ዶኾን ሹምባሽን ብሉቕባሽን ትጽበዩ ዘለኹም መምባሃቑቲ፣ ብዝቐነነት ሚዛን ንክትፈርዱ ሕልናኹም ናብ ዕዳጋ በለስ ዘውረድኩም ተሓለቕቲን ጠበቓታትን፣ ኣብ ክንዲ መስፍን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ መከላኸሊ ሰነድኩም ሒዝኩም ንክትቀርቡ እንደገና ብድሆ ዓው ብዝበለ ድምጺ።

መስፍን ካብ ኣስመራ ክወጽእ እንከሎ ብከመይ ኣገባብ ኢዩ ተፋንዩ ጽባሕ ንግሆ ዝምስክሩ ሰብ ክልተ ኣዒንቲ ኣለዉና። ብድሕሪ ምውጽኡ ከኣ ንዕኡ ዝረኽቡን ብዛዕባ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢን ኩነታት ተቓወምቲን ዝግምግሙን ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ሓያለይ ግዜ ብኣዝዩ ምስጢራዊ ኣገባብ ከም ዝራኸቡዎ ብድሆ በብሰነዳትና። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ማለት ብዕለት 15 ለካቲት 2007 ዓ.ም. ምስኡ ምስጢራዊ ኣኼባታት ንምክያድ ኣብ ሃገር ጀርመን፣ ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ኣስመራ ተላኢኾም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን ኮሎኔል ኣማኑኤል ጳውሎስን ነይሮም።

ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ (ሆሊ ደይ) ዝተባህለ ዓቢ ሆቴል፣ ቁጽሪ ክፍሊ 903 ሒዙ ነበረ። እቶም ክልተ ሓለፍቲ ከኣ ናብ ካልእ ሆቴል ኣዕሪፎም ነበሩ። መስፍንን ፊሊጶስን ካብ ዕለት 16 ክሳብ 18 ለካቲት ብተኸታታሊ ንክልተ መዓልታት ምስጢራዊ ኣኼባታት ኣካይዶም ኢዮም። ብድሕሪ’ቲ ኣኼባ እቶም ካብ ኣስመራ ዝመጹ ሰበ-ስልጣናት ናይ 24 ሰዓታት ምብጻሕ ንምግባር ብመኪና ናብ ሆላንድ ድሕሪ ምብጽሖም ናብ ኣስመራ ተመሊሶም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ምስጢራዊ ርክባት መስፍን ሓጎስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን ሱዳንን ነይሮም ኢዮም። ንኣገዳሲ ጉዳያት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ዝመጽኡዎ ኮሎኔላትን ከምኡ’ውን ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝተመደቡ ሓለፍቲ ህግደፍ ከም ተጋዳሊት ሰማይነሽ ኪሮስ (ትሪንዳድ) ኣለዉ። እቲ ሰብ ገበሮ ምድሪ ነገሮ ዝብል ሓቂ ንከይተርፍ ድማ፣ መስፍን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ብዘይካ ገዛ እንዳ ኣቶ በረኸት ኣውዓሎም፤ ገዛ እንዳ ናይዝጊ ክፍሉ ክኣቱ እንከሎ ተራእዩ ኢዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ካብ ኣስመራ ናብ ጀርመን ተላኢኹ ዝመጾ፣ ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ ኮሎኔል ስብሃቱ ፎቶ (ወዲ ፎቶ) እውን ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ ኣሎ። መዓልቲ ይነውሕ’ምበር እቶም ሰነዳት’ውን ብህዝቢ ክንበቡ ኢዮም። ዓድና እናበረሰ…ህዝብና ብማእሰርቲ፣ ምርሻን፣ ጥሜትን ስደትን እናተበሳበሰ፣ መሰልና ኣብ እግሪ ውልቀ-መላኺ እናተሓምሸሸስ…ያኢ ካብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰላማዊ ኣገባብ ፍትሒ ክትኮበሎም ዝምህለሉ፤ ወይ ድማ ስርዓት ህግደፍ ብኣኼባን ዘረባን ጥራይ ኣብ ሓደ ለይቲ ዓነው ኢሉ ክወድቕ ዝጽበዩ ዘለዉ፣ ገና ድርዕቶ ተደሪቦም ምድቃሶም ይገርም!

ከምቲ ‘ካብ ዘይትፈልጦ ኣምላኽሲ እትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ’ ዝብል ኣረሜናዊ ብሂል፤ “…ኣብ ክንዲ ብዘይ ደቂ ሃይማኖትና፣ ኣብ ክንዲ ብዘይ ደቂ ኣውራጃና፣ ኣብ ክንዲ ብዘይ ደቂ ብሄርና… ሃገር ትምራሕ…እዚ ንኤርትራ ናጻ ዘውጽአን ትማሊ’ውን ሃገር ዘውሓሰን ኢሳይያስ ይጽንሓልና” ዝብሉ መራሕቲ ሰልፍታት’ኳ ብሃንደበት ዝመሎቖም ዘረባ ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናብቲ ‘ቅድም ደርሆ ድያ ተወሊዳ ወይስ እንቋቑሑ’ ዝብል መልሲ-ኣልቦ ሓሸውየ ኢዩ ዝመሳሰል። “…ኣንጻር ኢሳይያስ ንቃለስ ኣሎና! ግን ከኣ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ይጽናሕ” ወይ መስተንክር!!!

ንእሽቶ ስግንጢር ኣብ እነዛምደሉ ግዜ ግን፣ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ካብ ግዜ ስሳታት ክሳብ 2001 ንኣስታት ኣርባዓ ዓመታት፣ ሓዊ-ሓዊ ዝጨኑ ጠበንጃ ብርኪ ሊሎ ተሰኪሙ ዝተጓዕዘ ሰብሲ ሎሚ ንዓለም ከም ዝመነነ ፈላሲ ዓጣን ደብሪ ኳሕ ትብል ድምጺ ጥይት ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና። ምስ ኢሳይያስ ዝግበር ቃልሲ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእትኡ ሰላማዊ ቃልሲ ጥራይ ክኸውን ኣለዎኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣገደስቲ ሰባት ኣለዉና ብህድኣት ንጸበዮምመንግስቲ ህግደፍ ንክወድቕ ዝተረፎ ነገር የብሉንሞ፣ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተወዲብና ጸኒሕና ጽባሕ ንግሆ ብሓንቲ ቻርተር ነፋሪት ድርግም ናብ ኣስመራ!...” እናበለ ደጋጊሙ ይዛረብ ኣሎ።

ወዳጀ! ፍልስፍና፣ ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ህዝብና ብሰንኪ እቲ ኢሳይያስ ንገዛእ ጥቕሙ ክብል ዝጉስጉሶ ዝነበረ “በዞም በላዕልቲ እንቋቑሖ ጀብሃ ኣይንመሓደርን፣ ናጽነት ብበላዕቲ እንቋቑሖ ኣይትመጽእን ኢያ” ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ፖለቲካ ኢሳይያስ ተረሲዑስ፤ ሎሚ ፍትሒ፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ብበላዕ ስጋ ሰብ ዝኾነ ኢሳይያስ ክመጻ ኢየን ኢልካ ምጽባይን ምስ ምንታይ ኢዩ ክቑጸር! እምበኣርከስ ብቻርተር ነፋሪት ናብ ኣስመራ ምእታው እንተኾይኑ ቅድም እቶም ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም፣ ካብ ኩሉ ክፉእ ተግባራት ጃንዳይ ጃንዳኻ፣ ኣውራጃይ ኣውራጃኻን ሃይማኖተይ ሃይማኖትካን ወ.ዘ.ተ… ርሒቖም፣ ኣብ ጽኑዕ እምነትን ሰብኣዊ ስነ-ምግባርን፣ ኤርትራውነት ዝወለዶ ምጽውዋርን ጸኒዖም ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ዝርከብ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያንን ዘለዉ ኤርትራውያን ኢዮም ቅድም ናብታ ቅድስቲ መሬት ኤርትራ ክኣትዉ ዝግባእ።

ስለዚ ኣንጻር ኢሳይያስን ስርዓቱ ህግደፍን ተታሒዙ ዘሎ ዓርሞሽሻዊ ሃገራዊ ወፍሪ ‘ኣለና’ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ገበናት ኢሳይያስን መሻርኽቱ ዝነበሩን ዘለዉን፣ እቶም ስዉራት ዝመስሉ ህግደፍ ዝለኣኾም ተቓወምቲ መሰል ንምቅላዕ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ቀጻሊ ኢዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ ንርእያ ዘለና ስእሊ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1972 ዓ.ም. (ቅድሚ 38 ዓመታት) ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነፍስ-ሄር ሓርበኛ ዑስማን ሳልሕ ሳበ፣ መስፍን ሓጎስን ናይዝጊ ክፍሉን ሽዑ ኣብ ሊባኖስ ከተማ በይሩት ዝተሳእሉዋ ኢያ። ብዛዕባ’ቲ ነዊሕ ማእከላይ በዓል መነጽር ዓይኒ ግን ዝበሃል ነገር የለን።

እቲ “ካብ ሎሚ ንደሓር ኣማን ኣል-ዓማ ዝብል ስም ተሪፉ ብልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ክትካእ፤ ዝምድና ምስ ውሽጢ ሜዳ ከኣ ናይ ኣዛዚን ተኣዛዚን ዘይኮነስ ሓባራዊ ሓላፍነት ክህሉ ኣለዎ… “ ዝብል ሓሳቡ ተቐባልነት ረኺቡ ክታም ምስ ተነብረሉ፤ ኢሳይያስ ብታሕጓስ ዝኣክል ኣብቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ሆቴል፣ ኣብ ዓራቱ ኮይኑ ከም ቆልዓ ይሰራሰር ከም ዝነበረ ብናይዝጊ ክፍሉ ይዕለል ነበረ።

ጠላም ኢሳይያስ ግን ንመን ዘይጠለመ! ዑስማን ሳልሕ ሳበ ንዘቖሞ ሓይሊ’ውን ብጥበብን ተንኮላትን ናብ ጥቕሙ ኣውዒሉዎ። ንመስራቲ ዲሞክራሲ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብድሕሪ ዕረፍቶም ብመራኸቢ ብዙሓን በብመዓልቲ ዝንበብ ዝነበረ ታሪኾም ብዓይኒ ቅንኢን ስስዐን ስለዝጠመቶ፤ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ክልተ መስመራት ዝነበራ ደብዳበ ሰደደ። “ንግሆን ምሸትን ወልደኣብ…ወልደኣብ ምባልሲ ኣይበዝሐን’ዶ” ትብል ደብዳበ። ኢሳይያስ ናብ መቓብር ንዝኣተዉ’ውን ዝኣምን ሰብ ኣኮነን።

ኣብ 1970 ካብ ጀብሃ በብመንገዱ ዝተፈልየ ጉጅለታት ህዝባዊ ሓይልታት ጠርኒፉ፣ በብቑሩብ ንበይኑ በሓቶ። ናብ ዕላምኡ ንምብጻሕ ይዕንቅፉኒ ኢዮም ዝበሎም ምሁራትን ጀጋኑ ዜጋታት እዛ ሃገርን ከኣ፣ በብሓደ ዘይኮነስ በብደርዘን እናቀንጸለ ክመጽእ ጸኒሑ። ጥበብን ተንኮልን ቀንዲ መለለይኡ ዝኾነ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፣ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዝረኣዮ ጉዳይ የለን። ኢሳይያስ ዝኾነ ነገር ንክገብር ትማሊ ዝበሎን ዝኣመነሉን ሎሚ ክቕይሮን ምንም ዝጽግሞ ሰብ ኣይኮነን። ክሳብ ግዜ ናጽነት መሳርሒ ዝገበሮምን ኣብ ቅንጸላ ዜጋታት ደም ዝለኸዮምን ጉጅለ 15፤ ኣብ መፋርቕ ተስዓታት መንገዱ ስለ ዝዓገቱዎ፣ ኲናት ባድመ ኣባሪዑ። ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ዓ.ም. ከኣ ቀፈዶም። ቅድሚ’ቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ምዕንዳር ከመይ ጌርና ኢና ክንርስዖ? ዝሰርሖ ዝነበረ ኮንትሮባንድ፣ ብኣነዋሪ ትምዩን ዶላር ዝእክቦ ዝነበረ ገንዘብ ኣይንርስዖን ኢና።

ኣብ ኲናት ባድመ ንሰላማዊ ፍታሕ ኣሜሪካን ሩዋንዳን እምቢ ዝበለን፣ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ፈጺማ ኣይትወጽእን ኢያ ከም ማለት’ዩ” “…ወያነ ቅዳድ ገረወኛ ኢያ ወ.ዘ.ተ…”ኢሉ ከም ዘይፈከረን፤ ካብ ክልቲኡ ሃገራት ዘህለቐ ምስ ኣህለቐ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣብ ውሽጢ መሬትና 25 ኪ.ሜ. ንውሽጢ ንክኸውን ኣብ ኣልጀርስ ክታሙ ንከቐምጥ ኣየሕፈሮን። ስለምንታይ ኢና ንትማሊ ኩሉ ግዜ እንርስዓ ንሕና ኤርትራውያን? ኣብ ወርሒ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ብዝተኻየደ ጽዕጹዕ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ንኡስ ዞባ እምኒ ሓይሊ ኣትዩሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝነበረ ፋይላት ህግደፍ ባዕላቶም ሓዊ ኣንዲዶሞ ኢዮም’ኮ! ኩላተን ላንድ ክሩዘራት ኣዘዝቲ ሰራዊት ድማ ዝኣኽለን ነዳዲ መሊአን ንህድማ ተዳልየን ከም ዝነበራ ብዓይንና ርኢናየን።

ናይ ሰራዊት ደሞዝን ባጀት ክፍላተ-ሰራዊትን ናቕፋ’ውን ናብ ጸሊም ዕዳጋ ከባቢ እንዳ ጶስጣ ወሪዱ ኣሸበሸብ ናብ ዶላራት ተቐይሩ ነበረ። ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ከተማ መንደፈራ ዝነበረ ሓላፊ ህግደፍ ብርሃነ ዘርአ /ጣውላ/ ናብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ “እንታይ ኢና ክንገብር?” ዝብል ናይ ረድዮ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ፣ “ንኹሉ ዶክመንትታት ህግደፍ ኣቃጺልኩም ርክብና ኣብ ጋሕቴላይ ይኹን” ዝብል መልሲ ሂቡዎ።

ኣይንረስዕ ደኣ! ኣብቲ ኢሳይያስ ዝወልዖ ከቢድ ኲናት ዝነበረሉ ግዜ፣ መንእሰያት ክልቲኡ ሃገራት ከም ጥጥቖ እናተቐልዉ ዝሞቱሉ ዝነበሩሉ ግዜ ከኣ፣ ገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት “ኣንታ እዚ ሰብኣይ’ምበር ዶላር ኣልሚዱ-ኣልሚዱ ደንጉዩና፣” ክብሉ ተሰሚዖም። ‘ኣጓብዝ ከም ዓይበት ይቕደዱ ጓል ማእምን ከኣ … ተራእዩዋ’ ከም ዝበሃል፤ ሰብ ከም ህንኩቶ ናብ ሓዊ ይጥበስ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢሳይያስ ድማ ዶላራት ይረኣዮም ነበረ።

ስለዚ ንኢሳይያስ ዘሕፍሮ ነገ የለን’ሞ ናብ ትማሊ ንዘክር! ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ ዓሚ ብኹሉ መራኸቢታቱ፣ ረድዮ፣ ተለቪዥን፣ ጋዜጣን ኣኼባታትን “…ጭፍራ ወያነ! ”፤ “ብጎበጣ ንዝተታሕዘ መሬትና ብሓይሊ ክንመልሶ መሰልና ኢዩ…ንኺድ ናብ ኲናት” እናበለ ጎረርኡ ክሳብ ዝቕደድ ዓንገረር ክብል ሰሚዕናዮ ኢና’ኮ። እሞ ሎሚ ደኣ ዶብ ድዩ ተሓንጺጹ፣ ወይስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስርዓት ተቐይሩ? ኣመል ምስ መግነዝ ስለዝኾኖ፣ ክርዳድ ተሊሙ ስርናይ ከብልዕ ከቶ!

ኢሳይያስ “ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኲናት የለን። ንሕናን ወያነን እንፈታተነሉ ጎልጎል ሶማል ኢዩ። ጀጋኑ ኣሃዱታት ዳግም ንምሕራር ሶማል…ሓይልታት መሓክም… ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ወያነ ዓወታት ኣመዝጊቦም…መላእ ሃገር ሶማል ንምቁጽጻር ርብዒ መሬት ተሪፉዎም… ወ.ዘ.ተ…” ክብል ዘይሰምዐ ኤርትራዊ የለን። ስራሕ ግብረ ሽበራ ንምስፍሕፋሕ ኣንጻር ስርዓት ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ሓይልታት ኣብ ሩባ ኣንቶረ፣ ቢያ ጋላን ተከዘን ዓዓሊሙ ናብ ውሽጢ መሬት ዋልቃይት ኣእትዩን ሰባት ኣህሊቑን ኢዩ። ምስ ጉጅለታት ኦሮሞ ብምምሽጣር ብወገን ምብራቕ ኢትዮጵያ ዓቢ ዕንወት ክፍጽም ጸኒሑ። ምስ ሰልፊ ቅንጅት ካብ 2005 ዓ.ም. ንደሓር ዝለዓለ ሓድሽ ዕርክነት ብምምስራት፣ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምውዳቕ ናይ ሓይሉ ሰሪሑ። ካብ ምንጋጋ ኤርትራውያን ዝመንዝዖ 2% ንሰልፊ ቅንጅት፣ ጉጅለ ኣል-ሸባብን ዳርፉርን ተኸፊሉ።

ከመይ ጌርና ኢና ንርስዕ ዘለና! ህግደፍ ናብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ነታጒ ንክቐብር በብዓመቱ ሰባት ኣዋፊሩ። “ቤት ጽሕፈት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ኢትዮጵያ ከይገዓዘ ወኪል ኣየድልየናን ኢዩ” ከም ዘይበለ እነሆ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መደብ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ናይ ኣምሓርኛ ኣቕራቢ ዜና ዝነበረ ግርማ ኣስመሮም ዝተባህለ ኣምባሳደሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ሰሚዕና። ኣበይ ደኣ ኣተወ እቲ ንግሆን ምሸትን ወያነ…ወያነ…ሶማል…ሶማል ዝበሃል ዝነበረ ጥሩምባ? ሕጂ’ውን ዘዕነወ ኣዕንዩ እቲ ዝሓሰቦ ኩሉ ምስ ከውሒ ምስ ተጋጨዎ፣ መጥሓን ተሰኪሙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምባል ፈጺሙ ዘሕፍሮ ኣይኮነን።

ኣብ ተመኩሮ ኢሳይያስ ከም ዝረኣናዮ፣ ካብኡ ንዝሕይል ሰብ ንምቕንጻል ውዲትን ጸለመን እናገበረ ስጉምቲ ይወስድ። ኣብ ዝሓሰቦ ግዜ ዘድልዮ ስጉምቲ ክወስድ ዘጸግሞ እንተደኣ ኮይኑ ግን፤ ከምቲ ንጂ.15 ዝገበሮም ኢዩ ዝገብር። ስለዚ እቲ ትማሊ ዝነበረ ሕልሙ ብዛዕባ ጎረቤት ትግራይን ኢትዮጵያን ንሓዋሩ ክቐብሮ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እነሆ ምስ ጂቡቲ ዝነበሮ ቁርቁስ ገዲፉ ብድርብ ከቦሮ ከም ዘይኣተወ፣ ከም መርዓት ጭሉቕ መሉቑ ወጺኡስ ምስ መራሕቲ ጂቡቲ ይዋሳእ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፖለቲካ ምንዝርና ዝበዝሓሉ ወቕቲ፣ እዞም ኣብ ደገ ህዝቢ ንምብትታን ዝተላእኩ ካልኣይ ገጽ ህግደፍን ዓሊ ዓብዱ ብለይቲ ለይቲ ዘመሓድረን ወብ ሳይታት ማሕበር ኣንድነትን፤ ነዚ ናይ ግዜ ዕግርግር ተጠቒሞም ሓንሳብን ንሓዋሩን ወዛሕዛሕ ይብሉ ኣለዉ። ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ወጊድ ክብሉ ከም ዘይነበሩስ ኣተዉ ደኣ። እነሆ ድማ ሎሚ ብታሕቲ ታሕቲ ምስ ህግደፍ መደባቶም ብምውህሃድ፣ ኣንጻር ህዝባዊ ፍሕሕታ ንምግጣም ስረ ብዘይ ቁልፊ (ስርዋን እምበል ወደግ) ንምዕጣቕ ይሸባሸቡ።

ንሕና ደቂ’ዚ ኣርዑት ኢሳይያስ ዝኸበዶ ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ንሕና ደቂ’ቶም ፈለምቲ ዲሞክራሲ፣ ደቂ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኢና’ኮ። ንሕና ደቂ’ቲ ክንዮ ደረት ትርኢት ንዝነበረት ብርሃን ዝረኣየ፣ ብሓንቲ ኣቡ-ዓሸራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ክዕወት ምዃኑ ዝኣመነን ስለ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ከም ኣንበሳ ዝጓዘመን ደቂ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኢና። ኣብ ደምና ዝጭንጉዕ ዘሎ ሕድሪ ሰማእታት ሚእቲ ሽሕ ደቂ ህዝቢ ክሳብ እፎይ ዝብል ከኣ ዝዓጠቕናዮ ህዝባዊ ዝናር ከነዝልቕ ማለት ኣበደን!

ንሕና ኣሕዋት እቶም እንኮ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ጋንዲ ከም እትኸውን እናኣመኑ፣ ብናይ መወዳእታ ትንፋሶም ኢሎም ዝተሰውኡ ኢና። ስለዚ ትማሊ ስለ ናጽነት እዛ ሓላል መሬት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ምሩጻት ዜጋታትና ከም ዝኸፈልና ሰብ ሕልና እንተድኣ ኮይንና፣ ነዚ ንብዓቱ ወዲኡ ደም ዘንጠብጥብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብ ምድረ-በዳ ሳሃራን ሲናይን ዝቕዘፍ ዘሎ መንእሰይና፣ ነቲ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ቀለብ ዓሳታት ዝኸውን ዘሎ ኤርትራ ወሊዳ “ኤርትራዊ” ኢላ ዘጠመቐቶን ዕሸል ዜጋና ኣለናልካ ንበሎ። ኣንቱም ሕጊ ንፈልጥ ኢና በሃልቲ ከኣ፣ ባጀላ እንተለኩምሲ ነቶም ኣብ ዓዓመት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናተጠረዙ ናብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት ቅድም ተጣበቑሎም።

ሕቡኣት ምስጢራት ህግደፍን ሓለቕኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ገና ክጸሓፉ ኢዮም። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ብካልእ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም ቅነ። ንሓበሬታን መአረምታን ከኣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻይ ክትጽሕፉለይ ብትሕትና አዘኻኽር።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኣለና፣ ከም ነጎዳ ሓጋይ ድምጺ ዕቡሳት ኢዩ።

ኣለኺ+ኣለኻ+ኣለኽን+ኣለኹም= ኣለና

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...