“ተጋዲሉ ገበል ሒዙ ምእታዉ” (2 ካብ 2)
ንመዘክር “ሰነ” - ኢስያስ ኣስመራ ዝኣተወላ ወርሒ

መራሕ ሃገር ናብ ምገባት ዘድሃበ ተበግሶ መዲቡ፣ ምርባሕ ጥቅሙ ከም መሰረት ኣንጺፉ፣ ነቲ ውጺኢትን ድምር ኣወንታዊ ፍረ ካብ ካልኦት ስለ ዝምንዝዕ፣ እተን ምርባሕን ምምቃልን ዝብላ ዓውደ ትምህርቲ ንበይኑ ወይ ንብሕቱ ይጥቀመለን። ትርጉም ገድሊ ወይ ተጋዳላይ፣ ገድሊ ናይ ውድብ መጸውዒ ይኸውን። ብናይ ሰዋሱው ኣዘራርባ ናይ ተጸውዖ ስም ንብሎ። ተጋዳላይ ድማ ነቲ ንሃገራዊ ቃልሲ ከሰላስል ዝተሰለፈ ስለ ዝረቑሕ፣ ንናይ ገድሊ መስርሕ ፈጻሚ ኣካል ዝወሃብ ናይ ተጸውኦ ስም ኢዩ። ምግዳል ድማ ናይ ምንቅስቓስ እዮ ከም ግሲ ይቐርብ። ምግዳል ቀጻሊ ዝንቀሳቐስ ክኽውን ከሎ፣ ንሕሉፍ ዝተፈጸመ ድማ ተጋዲሉ ንብል። ምግዳል ወለንታዊ ኢዩ።

ንኢሳያስ ግን ናይ ትካል ምውናን ማለት ከም ሙቛም ብሕታዊ ጥሪትን ንብረትን ተባሂሉ ኢዩ ክጥቀስ ዘለዎ። እታ ውድብ ብሕታዊት ትካሉ ክትከውን ከላ፣ እታ ሃገርን ንብረቱ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ጥሪቱ፣ ዝብል መግለጺ ኢልና ካልእ ክንህቦ እንኽእል መለክዕን ቅጥዕን ፈጺሙ የለን። ንኹሉ ማሕበራዊ መስርሕን ቅርጽን ዘይቅበል ስለ ዝኾነ ድማ፣ እታ ኢሳያስ ተማሂሩ ትብል መግለጺት እውን ግግይቲ ኢያ። ብሓጺር እወ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ተኻፊሉ። ክመሃር ዘይኮነስ ሰንድ ናይ ምግባት ፍቓድ ንምውጻእ ኣመልኪቱ ነይሩ ይሓይሽ፣ መታን ንምግላጹ ምምእራይ ክጥዕመና።

ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ ስለ ዘይፈልጥ፣

ኣብ ናይ መንእሰይ ህይወቱ ሰሪሑን፣ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ ስለ ዘይፈልጥ፣ ንጻምኡ መግለጺት ወይ ዘበርከተላ ዓስቢ ናይ ሓንቲ መዓልቲ እውን እንተኾነ ደሞዝ ተቐቢሉ’ዶ ይፈልጥ ትብል ሕቶ? መልሳ ፈጺሙ ኣይተቐበልን። ከም ስራሕ ዘበርከቶ ስለ ዘየለ ደሞዝ ንኢሰያስ ባእዳዊት ቃል ኢያ። እንተ ዝሰርሕ ነይሩ እንታይ ወይ ከመይ ዝበለ ኣወንታዊ ጽልዋን ነጸብራቕ መሕደረሉ ኢልና ምስ እንሓትት ድማ፣ ሓላፍነት ናይ ወለዱ፣ ናይታ ኣብ መጻኢ ክሃንጻ ዘለዎ ስድራ-ቤት ሓላፍነት ምስካምን ምውሳትድን ትርጉምን ምተሪድኦ። ኣቦን ኣደን ወይ ስድራቤት ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ እታ ዝነኣሰት ኣሃዱ ኢያ። ኣብኣ ድማ ብዙሕ ትመሃር። ስለዚ ሓላፍነት ስድራ-በት ምስካም ውጽኢት ኣለዋ። ምስካም ሓላፍነን ምምሕዳራን ከም ተመክሮ ኣባል ናይ ሕብረተ-ሰብ ከም ዝኾነ መብራሃትሉ። ሓልዮት ስድራ፣ ሓልዮት ወለዱን መቕረቡኡን እውን ንጠባዩ መተዓራረዮ። ናይ ንዋትን ናይ ገንዘብ ኣማቓራርሓን ምትኽኻል ምፈለጠ። “ናተይ” ገዲፉ “ናህና” ምለመደ። ብሓቂ ብጭቡጥ ኢሰያስ ሰሪሑን ኣፍሪዩ ዓስቢ ናይ ዘበርከቶኡ ተቐቢሉ ኣይፈልጥን። ንኹሉ ክሕለፍ ዘለዎ መለክዒታት ዘሊሉ፣ መራሕ ሃገር ክኸውን ዘይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ንኩላህና ተኻፈልቲ ናይ ዘይተመኮረ ሰብ ክንከው ኣብቂዑና።

ታሪኽ ይትረፍ ካብ ዝሓለፈን ብተኸታታሊ ዝሰዓበን፣ ንመጻኢ እውን ሚዛን እንታይ ክገድፍን እንታይ ከንጽፍን ዝበሃል ኣመት የብሉን። ህዝቢ ወይ ከባቢ ዝብላ ኣምራት፣ ኣብ ሓንጎል ኢሰያስ ካልእ መለክዒ ኣለወን። ኩሉ ከም ዝጸልኦ ገይሩ ስለ ዝግምት፣ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ይብገስ። ሓሳባቱ ዘይሸጠሉ ሰብ ጸላኢኡ ኢዩ። ስጉምቲ ክወስድ ድማ ድሕር ኣይብልን። ካብዚ ባህሪ ተበጊሱ ድማ ምስ ዝቐረቦ ሰብ ክበኣስን ክንጽልን ግዜ ኣይወስድሉን። ብሓፈሽኡ ኩሉ ከም ዝብድሎ ገይሩ ስለ ዝወስድ ተጣራጣሪ ኢዩ። ጸገሙ ብናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይም ዝፍታሕ ክኸውን ምኸኣለ። ሃገር ምስ ከምዚ ዝበለ ሰብ ስለ ዘላ ከመይ ገይራ ትናገፍ - ህጹጽ ስጉምቲ ንድሕነት ሃገር የድሊያ ኣሎ።

ግዜ ድማ የለን። እዚ ባብዕለቱ ሃገሩ ጸሊኡ ዝበርስ ዘሎ መንእሰይ ሃገርና፣ ሰዓት 23.55 ወይ 5 ጎደል በጺሓ ከም ዘላ ምዝካር የድሊ። መንእሰያት ንኢሳያስ ኣዝዮም ኢዮም ዝጸልእዎ፣ ይኹን እንበር ንዓና “ንስኹም ኣምጺእክሞ፣ ትጽመምዎ ነርኩም” ዝብል ቀጻሊ መረረ ኢየም ዘስምኡ። ንሓድሕድና ሓድነት ካብ ዘይመስረትና ኣባሃህለኦም ሓቂ ኢዩ ምባል ጉጉይ ኣይኮነን። (ኤርትራ ቅድሚ 1991)

ንሕጊ ቀዳሞት ወለድና ይነጽግ።

ኢሳያስ ከም መራሒ ኣብ ምምሕዳር ተመክሮኡ እንታይ ክኸውን ነይርዎ? ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ሽግራትን ወጥርን ክፍታሕ ኣይዓበየሉን። ሽማግለታት ኣብ ከከባኢኦም ንዝተባእሱ ከተዓርቑ፡ ንዝተፈሑ ሓዳሮም ከይፈርስ፣ ደቆም ከይበታተኑ ብጥበቦም ናብ ንቡር ክመልሱ ኣይተመለከትን። ህዝብና ሕግን ስርዓትን ከም ዝነበሮ ምስማዕስ ሰሚዑ ነይሩ። ግን ክቕበሎ ኣይፈቅድን። ናይ ሓባር ውጽኢት ስለ ዘቕርቡ፣ ኢሰያስ ፍታሕ ንዝግዘኣሉ ተጠቂሙ ክድርቢ፣ ንዝተሓሰመ ድማ ክቕንልጽል ዝለመደ ስለ ዝኾነ፣ ሰላማዊ ፍታሕ ዝእምት ስለ ዘይቅበል፣ ንሕጊ ቀዳሞት ወለድና ይነጽግ። ብዘበናዊ ሕግታት ዓለም፣ ሓደ ዜጋ መሰሉ ተሓልዩ ክመርጽን ከመርጽን፣ ሃገራዊ ግቡእ ከማላእ ዝብል መግለጺታት፣ ቀንዲ ሕማሙ ስለ ዝኾነ ይትረፍስ ከተግብሮ ከንብቦ እውን ኣይብህግን።

ኣብ ናይ ምምሕዳር ቅርጺ ሓገግቲ ኣካላት፣ ነታ ብህዝቢ ዝተመርጸት መንግስቲ ናይ ኣመራርሓ ሕግን መስመርን ክቕይሱ ዝገልጽ ኣሰራርሓ የባህርሮ። ከም ፈጻሚ ኣካል ድልየት ህዝቢ ብናይ ባይቶ ዝተመርጹ ናይ ባጀት፣ ናይ ሞያዊ ገምጋማት ዝልክዑን፣ ናይ ጥዕናን፣ ትሕተ ቅርጽን፣ ህንጸትን፣ ናይ ዝተወሰነ ዓመታት ሃገራዊ ምዕባለ ብመደብ ዘንብሩ ክኢላታት ዘስፈርዎ መምርሒ ኣይቅበልን። ንዝተሓንጸጸሉ ኣሰራርሓ ዝጠሓሰ መንግስቲ - ንመራሒ - ብፈራዲ ኣካል ኣቕሪብካ ናይ ዝፈጸሞ ጌጋታት ተሓታቲ ክትገብሮ ዘፍቕድ መቆጻጸሪ ናይ ሞት ሞቱ ኢዩ። “ህዝቢ ካብ ክምራሕ ሓሊፉ ምቁጽጻር ዝገብር ኣካል ከቕውም ፈጺሙ ንዜጋታት ዝግደፍ ሓላፍነት ምሃብ ዘይዓቕሙ ኢዩ” ዝብል መስመር ጥራይ ይኽተል።

ህዝቢ ከም “ንህቢ” መዓር ከፍሪ ኣለዎ፣ ግን መዓር ክምገብ ኣይፍቀዶን።


 

ህዝቢ ከም “ንህቢ” ሓደ ዝዓይነቱ ገርካ ክትሃንጾ ኣለካ። ናጽነቱ ካብታ ቆፎ ዘጽለላን ዝኣትወላን ካልእ ዝንቀሳቐሰሉ መስመር የብሉን። መዓር ከፍሪ ኣለዎ፣ ግን መዓር ክምገብ ኣይፍቀዶን። ፍጡር ሓሚሙ ክሕከም፣ ወይ ካብ እቶቱ ወጻኢ ገይሩ፣ ሞያዊ ሓልዮት ክረክብ ኣየፍቅድን። ሕክምና ድሩት ዓቕሚ ክህልዎ ኣለዎ። ሕማም መፋጥርቲ ዜጋታት ስለ ዝኾነ፣ “ህዝቢ ክሓምም ግቡኡን መሰሎምን” ይብል። ማእቶት ኣብ ዝፈርየሉ ዝሕፈሰሉን ኢዱ ኣይሓወሰን። ክሕውስ እውን ኣየድልዮን። ክፍጠር ከሎ ኩሉ ንእኡ፣ ብዘይክኡ ካልእ ዝኸውን የልቦን። ባዕሉ ብሞይኡን ዘጠራቐመ ብሕታዊ ዋንነት ኣጥርዩን፣ ነቲ ዘጥረዮ ብጥንቃቐ ክሕዝን፣ ዘዋህለሎ መኽሰብን ክሳራን ክግምግም ኣይህቅንን። ኣየድልዮን ድማ ኩሉ ናቱ ኢዩ። እንታይ ኣሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይናቱ?

ዝኸስቦ እነበር ዝኸስሮ ክሳራ የለን። ክሳራ ንኻልኦት ኢያ ትምልከት። ኮታ ናይ ሓደ ካብ ንእስነት ወጺኡ ቅኑእን ጌጋን ፈልዩን ኣነጺሩ ዘይሓንጸጸ፣ ብድልየቱ ዝነቀሳቐስ ጥራይ ዝሕለፍ ባህርያዊ መስርሕስ ኣንፈትን ሓሊፉ ምምእራይ ትብል ቃል ተጠቂሙላ ኣይፈልጥን። ንዕኡ ሕብረተ-ሰብ ክበሃል ከሎ ከም እምኒ፣ ሓመድ፣ ከም ዝድህሰስ ባህርያዊ ነገር ጥራይ ኢዩ። ናይ ሕብረተ-ሰብ ሓርፋፍን ልሙጽን፣ ናይ ዋዕን ዛሕልን ምልልዋጥ ኣይምልከቶን። ንእኡ ጥራይ ኣይውዓዮ ኣይቕረሮ። ብዘይካ ናቱ ህዋስ፣ ካልእ ሰብ ህዋስ ዝበሃል የብሉን። ናይ ካልእ ስምዒት ከምዘሎ ካብ ዘይኣምን፤ ከመይ ገይሩ ክርዳእ ንጽበ? ብሓጺሩ ናይ መጀመርያ ሓደ ኢሉ፣ ነብሱ ክኽእል ዝረኸባ ዕድል፣ እታ ምስላፍ ትብል ኣምር ጥራይ ኢያ። ንሳ እውን ቀልጢፍካ ትረከብን፣ ብቕልጡፍ ድማ ናብ ትደልዮ ተሰጋግር መሳልል ከም ዝኾነት በሪሃትሉ።

ብሓይሊ ትብል ቃል፣ ጽቡቕ ገይራ ትርድኦ። ዘይትርድኦ እታ ፍትሒ


ኢሳያስ መንነቱ እንተዘይ ኣጉዲለ ኣይወሰኽሉን። ኣብቲ ከክፉኡ ማለተይ ኢየ። ጽብቕ ዝነበብ ግን ፈጺሙ የብሉን። ንጾታዊ ፍቕሪ ዘትሕዝ ጉብዝና እሞ ክንደይ ኮለል ዘየበለ። ብሕልሚ ዝፍታሕ ሓማም ጥራይ ኢዩ። ክሓልማ ዝደለያ ከምቲ ,,ድኻስ ብሕልሙ ጠስሚ እንተዘይ ሰትስ ከርፊሑ ምሞተ“ ዝበሃል ምስ ማለተይ ኢየ። ምስ ደቂ ደቁ ዝዝሙ፣ ነቶም ጽዩቓት መሻርኽቱ ልክዕ ኣብነቱ ክኽተል ገዝርዎም። በዓል ተኽላይ ሃብተስልሰ ምስ ደቂ ደቆም ኣዋልድ ካብ መንእሰያት እንዳ መንጠለ፣ ሎሚ በዓል ተኽላይ ሒዝኩም ትኣትዉ፣ ዝብል ሕቶ የቕርቡልና። ውጩ መስኪን ኣብዑር ገባር ሽይጡ ዝኣተወ፣ ምስኦም ኣብ ዘይዓቕሙ ክወዳደር ተግባሮም የጋልጾም። ኢሰያስ ስለምንታይ ክስለፍ መሪጹ። ዓመጽ ትብል ቃል ስለ ዝፈትዋን፣ ንዝእምጸካ ብዓመጽ ጥራይ ከም ትኣልዮ ትብል ፈትይዋን ተረዲእዋን። እወ ዝኾነ መንግስቲ ንገበነኛ ብሓይሊ ኢዩ ዘንበርክኾ። መንግስቲ ኣንጻር ዓመጸኛ ኢዩ። መንግስቲ ሓይሊ ትብል ቃል ዝመረጽ፣ እቲ ገበን ዝኽተል ሰብ ዓማጺ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ፍትሒ እውን ኣንጻር ገበነኛ ቅልጽማ ተሐይል። መጀመርያ መረዳድኢ ባይታ ትፈጥር።

ንኢሳያስ እታ ሓይሊ ትብል ቃል ካብ ፍትሒ ፈልዩ ኢዩ ዝርድኣ። ብሓይሊ ትብል ቃል፣ ጽቡቕ ገይራ ትርድኦ። ዘይትርድኦ እታ ፍትሒ ትብል ቃል ጥራይ ኢያ። ፍትሒ ትብል ናይ ድኹም ብኽያት ኣውያት ጥራይ ኢያ ይብል። ስለዚ ኣብ ሕልሙ ክበጽሕ ክዓጥቕ ኣለዎ። ናይ መጀመርታ መበገሲት መስርሑ ትኸውን። ዕጥቂ ተዓጢቕካ ንጸላኢ ምንብርካኽ ትብል ዛዕባ ኣርውያቶ። ንኻልኦት “ጸላኢ” ትብል ኣተራጉማን ንኢሳያስን ፍልልየን ዓቢ ኢዩ። ብናይ ተገዳላይ ኣተራጉማ ጸላኢ ትብል ቃል “መግዛእቲ” ኢያ። ንኢሰያስ ግን ጸላኢ ክበሃል ከሎ ኣብ “ውልቃዊ ረብሓኻ ዝዕንቅፍ ሰብ” ኢዩ።

ዝምርሑ እንበር መራሕቲ ክህልዉ የብሎምን።

“ገዛኢ” ትብል ቃል ትበርሃሉን ትሰማምዖን። ህዝባዊ ትርጉማ ግን ክልወጥ ኣለዎ። ገዛኢ ንሓደ ጥራይ ኢያ። ኣብታ ትካልካ ገዛኢ ጥራይ ኢዩ ቦታ ዘለዎ። ህዝቢ ተገዛእቲ ጥሪት ኢዮም። ናይ ሓባር ምምሕዳር ትበሃል ቃል ሓሶትን ዘይትብጻሕን፣ ብዝለዓለ ድማ ንውልቃዊ ርብሓ ዘይተገልግል፣ ናይ ሕንፍሽፍሽ መሰረት ኢያ ንዕኡ። ጽዕነት ኩሉ፣ ብገመድ ወይ ብመአከቢ እንተዘይ ተጻዒኑን ተኣኪቡን፣ ፋሕ ከም ዝብል ፍሉጥ ኢዩ። ብቐደሙ እውን እኮ ፋሕ ዝበለ ጠሚርካ ጽዕነት ኢዩ ዝኸውን። ኩሉ ክትረክብ ተዓዋቲ ኩን (The winner takes all)። ካልእ መርገጺ እንካን ሃባን ዝብል ናይ ቁልማጾ ሕቶ ንተንበርካኺ መጸናንዒት ኢያ። ኣብታ ትካልካ ዝምርሑ እንበር መራሕቲ ክህልዉ የብሎምን።

መንግስታዊ ቅርጺ፣ ናይ ሚኒስተራት፣ ምክፍፋል፣ ክፍለ-ምምሕዳራት፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ ዝበሃል ምስ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዘይምቕባል መደብ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ ብሄር፣ እንዳ፣ ስድራ-ቤት ይነጽግ። እታ ናብ ኩሉ መሳገሪት ኤርትራ ስለ ዝኾነት፣ ከም መደብ ኣብ ናቱ ላቡራቶሪ ብስነ ፖለቲካዊ ስነ-ቀመማት ዝተማህዘት ክትከውን ኣለዋ። ከም ኣብነት ናይ ኣልኣሚን መሓመድ ስኢድ ኢየ ሰምየ። እሱ እውን እቲ ከም ከሚካላዊ ስነ-ቀመም ክስራሕ ዝመደበ ለባም ንጥረ-ቀመም ስለ ዝኾነ። ወሃ ዘበለ ብኹሉ መለክዒ ድማ ሓሊፉ፣ ረብሕኡ ዝሓለወ፣ ብኢሳያስ ‘ዳግመ ትውልዱ’ ዘበሰረ ፈጢሩ እንተ በልክዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ካልኦት መሪሕነታት ግን ኣብ ምምካኾም ዲዩ፣ ኣብ ምውሃዶም፣ ገለ ህዋሳዊ ጎዲልዎም፣ ወይ ድማ ናቱ ስነ-ባህሪ ዘየስተውዓለሎም ከይኑ፣ ክስርሑ ከለዉ ኣሸጊሮሞ፣ ሰናኒዑ ዝሰርሖም እውን ኣለዉ።


ጥፍእት ሰብ ብቐሊሉ ዝትግበረሉ ቦታ።

ተጋደልቲ ሽግራት ክመጽእ ከሎ፣ ካብ ኣቃውማ ቅርጺ ክልወጥ ይግበር። ካብቲ እኩይ ተግባራት፣ ሓይልታት ዝነበራኣ ናብ በጦሎኒ ክሳገራ ተባሂሉ ሓዲሽ በቲንካ ምትሕንፋጽ ይመጽእ። ናይ ሓደሽቲ ዋሕዚ ስለ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ኣብቲ ምትሕንፋጽ ነቶም ምኩራት ትብትኖም። እቶም ሓደሽቲ ድማ ሓንቲ ዝዓይነታ ዓማ ትብል መዝሙር ኢዮም ዝዝምሩ። ናይ ጓይላ መውጽኢት ደርፎም ኢያ። እቲ ነባርን ምኩርን ተጋዳላይ ብውሽጠ ውሽጢ ኣድሓርሓሪ፣ ንኡስ ብርጅዋ እንዳ ተባህለ ይጽየፍ። ይንጸል ካብ ኩሉ ከም ዝግለል ይግበር። ኣብ ውግእ ድማ እቲ ቀዲሙ ዝስዋእ ንሱ ኢዩ። እንተዘይ ተሰወአ፣ ከም ተራ ተጋዳላይ ስለ ዝምደብ ምስቶም ንቕሓቶም ክብ ዘይበለ እሞ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ርእይትኡ ከይገልጽ፣ ካብ ተኻታታል ሜላ ጀሚርካ፣ ብዝይ ምርድኦም ዝተዓስቡ - ኣብ መስርዕ - ክልተ ወይ ሰለስት ሰሚዖም - ንመራሒ ዘቀባብሉ ሰለይቲ ኣብ መሰርዕ ምንባሮም -ዘሕምምን ነብስኻ ዘጽልእን ተዘክሮ ኢዩ። ተነጺልካ ከም እንስሳ ዘግዳም ትሕቲ ጽላል ትድቅስ። “ትርኢዎዶ ኣለኹም? ሕማም ኢዩ ዘነጽሎ ዘሎ” ተባሂልካ፣ በቶም ዘይትፈልጦም፣ ግን ተሓጺቦም ዝተወደቡ ሓደሽቲ ተወሰኸታት፣ “ኣብዚኣ እባ” “ከምዚ ኣላታ” እንዳ ተባህለ ኣብ ኣኸባ ነቐፈታ ሓመድካ ትስሕንን ትግለልን። እዚ ኣብ በረኻ ሳሕል ኮይኑ፣ ባዕልኻ ንኽትጋደል ኢልካ ዝኣተኻዮ ናብራ - ክትሓቅቕ ወዲቑ ተዓንቂፉን ባዕሉ ነብሱ ቀቲሉን - እናበሉ ጥፍእት ሰብ ብቐሊሉ ዝትግበረሉ ቦታ ከምዝነበረ ዘይምርሳዕ። ብሓቂ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ህዝባዊ ግንባር ውሽጣውሽጢ ከንደይ ንጹሃት ሃገራውያን ኣኽሲራትና ኢያ።

ሕጂ እውን ደቅና ብኸምዚ ተሓጺቦም ናይ ርኳን ግዕጋዕ፣ ኣባህሪርዎም ኣብ ዘይውዱቕ ይወድቁ ኣለዉ። እቲ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣምበርኪኽዎ ዘሎ፣ ኣቐዲሞም ንዝረኣዩ ጀጋኑ ተጋደልቲ -  ንብረት ህዝቢ ኮነ ነገራዊ ገንዘብ - ኣብ ኢድ ህዝባዊ ምቁጽጻር ዘይኣትወ ወይ ክኣቱ ነይርዎ ስለ ዝበሉ ኢዮም - ከምዝጠፍኡን ዝሓቑን ዝገበሮም። ሰራዊት፣ ጸጥታ፣ ዕጥቂ፣ ፈሳሲ ሓይሊ ገንዘብ በይኑ ወኒኑ ሃገር ጅሆ ሕዝዋ።

ኣብነት ጀርመን ጃፓንን።

እቲ ቀንዲ መፈወሲ ነቶም ብቱሑት ዓቐን ዘለዎ ወልፊ ዝጀመሩን፣ ድሓር ናህሪ እንዳ ወሰኸ ዝኸይድ፣ ናብ ልዑል ምምብርካኽ ዓንኬል ዝኣተዉ - ፈሊኻ - ምልላይ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኮነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብመደብ ዝለኣኽ እንበር ክመርሕ ወይ ናይ ምምራሕ ዝበቅዕ ዜጋ ኣይፈረየን። ሃገር ዝጸንሓ ታሪኽን፣ ዘገምታዊ ጉዕዞን ንምቕያር ብዙሕ ትዕግስቲ የድሊ። ኮይኑ ግን ናይ ሃገር ሕማም ቀልጢፉ ክፍወስ ከም ዝኽእል ካብ ጀርመን ጃፓንን ንላዕሊ ኣብነት ክርከብ ኣይከኣልን።



ኣብ ካልእ ጽሕፋት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክሳብ ንራኸብ ጽቡቕ ቅነ ይግበረልና። ሃገርና ሽግራ ክሳብ ዝፍትሕ ቀሲና ክነብር ስለ ዘይንኽእል፣ ተግባርና ኣብ ምንጻህ ሃገና ዝሓለነ ክኸውን ካባይ ማዕዳ ዘድልየኩም ኣይኮነን።

ካብ ህዝባዊ ሓይልታት - ህዝባዊ ግንባር - ህ.ግ.ደ.ፍ.
ሕማምዶ ጥዕና ህዝቢ ኤርትራ።
መድሃኒት ክንረክብ ሕማምና ንድሕሪት ተመሊስና ሃሰስ ንበሎ።

መምህር ተስፉ ዘውደ። ጥቅምቲ 2009 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...