"ሃገርን ብሽም ሃገራውነት"

ከምቲ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ተገሊጹ ዝነበረ ኣብ መጥቃዕቲ USS Cole ተሳቲፉ ዝነበረን ከምኡ'ውን ኤምባሲታት ኤርትራን እስራኤልን እቲ ናይ ኣሜሪካ ዓዲ ለቒቕካ ውጻእ ስጉምቲ ንስለ መን ኢሎም ስጋብ ሕጂ ተጸሚሞሞ ጸኒሖም ዝብል ቀጺሉ ይስዕብ፤ ሰናይ ንባብ።
 

ሸሪፍ ናስር ሽኽ ሽሪፍ ኣሕመድ ኣል ሻጥሪ

ኣብ ወርሒ 10/2000 ዓ.ም.፣ (USS Cole DDG67 Giuded Missile Destroyer) ትብል መርከብ ኣሜሪካ፣ እቲ ብደቂቕ ተጸኒዑ ኢድ ሰበስልጣን የመን ዝነበሮ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ካብቶም ቀንዲ ዝተዋሱኡ ሰባት፤ ሓደ ሸሪፍ ናስር ሽኽ ሽሪፍ ኣሕመድ ኣል ሻጥሪ ነይሩ። እዚ ውልቀሰብ'ዚ (ኣብ ስእሊ ከምእትርእይዎ) ብትርኢት መልክዑ ንሲሪላንካ፡ ህንዲ፡ ኣፍሪቃዊ፡ ዓረብ፡ ኣቦርጂኒስት፡ ቁሩብ ድማ ብርህ ዝበለ የማነ (ማንኪ) ይመስል። መበቊሉ፡ በብኡ ካብ የመን በዲኡ ድማ ካብ ታንዛንያ እዩ። ሽሪፍ ናስር ኣብ ከንያ ምስ ሰብኣይ ሓፍቱ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካብ ትምህርቲ ዓለም ገና ኣብ ኤለመንታሪ እንዳሃለወ ኢዩ ተሰናቢትዎ። ብዋዒዩኡን ጸዋታኡን ፍሉጥ ዝነበረ ሽሪፍ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ዓዋሉን ሽያጢ ሓሺሽ ናይ ሞምባሳ ከምዝነበረ ድማ ይዝንተወሉ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮነ ድማ መርከበኛ ኮይኑ ምስ ሓንቲ ናይ ግሪኽ መርከብ ክሰርሕ ጀመረ፡፡ ከምዚ ኢሉ እንዳቐጸለ እንከሎ ከምቲ (ኣብ ሳልሳይ ገጽ ተገሊጹ ዘሎ እቲ ወፍሪ ናይ ካርሎስን ቐዛፊን) ምስ ሰመዐ ብዘይ ዋዓል ሕደር ተጸንቢርዎ። ብድፍረቱን ትብዓቱን ካብ ኢድ ቐዛፊ እቲ ዝዓበየ ሽልማት ገንዘብ $10.000 ንኽቕበል በቒዑ ። በዚ ገንዘብ'ዚ ድማ ናይ ውልቁ 35ቶን ትጽዕን መርከብ ገዚኡ፣ የመን ሶማል ሶማል የመን፣ ኣብ ናይ ዓሳ ንግዲ ተዋፊሩ።

ብድሕሪ'ዚ ብኹሉ ወደባት ሁቡብ ነጋዳይ ኮይኑ፣ ኣልቓዒዳ ናይ ባሕሪ ወኪል ኣብ ትደልየሉ ዝነበረት ግዜ፣ ኩሉ ድሕረባይትኡ ተራእዩ ብቑዕ ተባሂሉ ብመራሒ ኣልቓዒዳ  ኡሳማ ቢን ላድን ባዕሉ ኢድ ኒኢድ ብምጭብባጥ ናይ ውዳበ ማሕላ ፈጺሙ። ብድሕሪ'ዚ እቲ ናይ ዓሳ ንግዲ ናብ ናይ ኣጽዋር ተቐይሩ ንሶማል ብፈኩስን ከቢድን ኣጽዋር ኣዕለቕሊቑዋ። እቲ ቀንዲ ወኪል ኣልቃዒዳ ኣብ ሶማል ድማ ዓብዱልቃድር ስዒድ (ሺኖ) ተቐባላይን ወዛዓይን ዝነበረን ዘሎን ኮይኑ ቀንዲ መሓውር ሸባብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ መዓልታዊ ብስልኪ ዝዘራረብን፡ ክልተ ጊዜ ድማ ኣብ ሱዳን ብኣካል ዝረኸቦን ውልቀሰብ እዩ፡፡ ኩነታት ሸሪፍ ብኸምዚ እንዳቀጸለ እንከሎ እቲ ብላዕለዎት ሰበስልጣን የመንን  ኡሳማ ቢን ላድን ዝተወጠነ ከተግብር ዝኽእል ሰብ እንተሃልዩ ሸሪፍ ጥራይ ኢዩ ስለዝተባህለ፡ እታ ስርሒት ብቀጥታ ካብ  ኡሳማ ቢን ላድን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ እቲ ውጥንን ንዑኡ መሳለጥያታት ዝኸውን ተሸይጡ ስጋብ ክልተ ሚልዮን ዘውጽእ ኮከይን ካብ ኢድ ሓሊፊኡ ተረኪቡ ንሶማል ብምኻድ እቲ ዘድልይ ምቅርራባት ጌሩ፡፡

ናይ ዜሮ ሰዓት ምስ ኣኸለ እታ ፈራሪ (ferrari) ዝዓይነታ ናይ ኮርሶ መርከብ (Racing Boat) እቲ ዝተዋደደ 15 ኪሎ T.N.T ካብ መርከብ ሸሪፍ ተጻዒና ነቲ ውጥን ብሓደ ውፉይ ብሸሪፍ ዝተወደበ ተፈጺሙ። ብድሕሪ'ዚ ሰበስልጣን የመን ነብስይ ነብሰይ ኮይና ንሽሪፍ  ኣሕሊፎም ሂቦሞ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የመን ድማ ኣትዩ። ኣሜሪካዊያን እቲ ጸዋታ ቑሩብ ስለዝበረሃሎም ባዕልና ኢና ንምርምሮ ኢሎም ንሸሪፍ ካብ ሞት ኣድሒኖሞ እምበር፣ እቲ ኹነት ምስ ሸሪፍ ክቐብርዎ ኢዩ ኔሩ ኢቲ ሓሳብ። ብዝኾነ እዚ ዝተዓዘበ ሸሪፍ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ኣሜሪካዊያን ክተሓባበር ፍቓደኛ ኮይኑ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ነጻ ለቒቖም ኣንጻር ኣልቓዒዳ ክሰርሕ ተሰማሚዑ። ሸሪፍ ኣብ ሰንዓ (R.S.O John Lewis) ብርጅናል ሰኩሪቲ ኦፊሰር ጆን ልዊስ ኣብ ክውል ገዛ እንዳተኣለየ ድሕሪ ምጽናሕ ብቐጻሊ ምስ ሺኖ ብሰል ፎን ይራኸብ ስለዝነበረ ሓደ ዓቢ ኣጋጣሚ ኣብ ሻርጃ ዱባይ ተመዲቡ ስለዘሎ ሸሪፍ ድማ ክርከብ ከምዘለዎ ይሕብሮ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መጀመርያ 2004 እዩ። እዚ ተባሂሉ ዘሎ ጊዜ ንወርሒ 8፤ 2004 ስለ ዝኾነ ሸሪፍ ንዕረፍቲ ንኣስመራ ይኺድ ተባሂሉ ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ርጅናል ስኩሪቲ ኦፊሰር ወንዲ (Ms. Wendy) ባዕላ ንሰንዓ ብምኻድ ነስመራ ሒዛቶ ተመለሰት፡፡

ኣብ ኣስመራ ኣብ ፒሳ ሆቴል ፊት ካተድራለ ዓሪፉ ክልተ ወርሒ ምስገበረ (ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብለይቲ መጺኦም ዓፊኖም ወሲዶሞ። እንታዋይ ስለ ዝኾንካ ብሲ.ኣይ.ኤይ ተዓጂብካ መጺእካ ዓሰርተ ጊዜ ኣብቲ ኤምባሲ ምልስ ምልስ ትብል ብምባል ኣብ ሸላ ኣእትዮም መርመራ ጀመርሉ። እወ ሰላይ ናቶም እየ ኢሉ ብቐሊል ዝገድፍዎ መሲልዎ ኩሉ እቲ ሓቂ ነጊርዎም። ሕራይ በል ክንምለስካ ኢና አሎም ምስ ከዱ ብሎሚ ክመጹ ኢዮም ጽባሕ ክመጹ ኢዮም ክብል ኪልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኣብ ሸላ ሓቢኦሞ። ኣሜሪካ ናይ ሸሪፍ ምንቅስቓስ ብቐረባ ይከታተልዎ ስለ ዝነበሩ እስሪቤት ወንጀል መርመራ ከምዘሎ ፈሊጦም ሸሪፍ ኣረክቡና እንተልካ (ናይ ኤርትራ ጸጥታ) ዕጭ ሓንፊፎም። ወዲ ካሳ እዛ ጉዳይ ኣይተውጽኣናን እያ እዚ ወዲ ንሃቦም ስለ ዝበለ በዛ ዘረባ እዚኣ ሞት እያ ትጽበዮ ዘላ ስጋብ ሕጂ ምጽንሑ ከማን ናይቲ ከባቢ ሰባት ከይገረመቶም ኣይሓለፈትን። ብዝኾነ ኩነታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ቡሽ ባዕሉ ንኢሰያስ ደዊሉ (ኣሰትና) ሰብና ሃበና ኢልዎ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ሰብ ምሳና የለን ክብል ዓይኑ ደፊንዎ። ኣብቲ ህሞት ዝነበሩ ሰባት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፤ ቡሽ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ስልኪ You are history ድሕሪ ሕጂስ ነበረ ኢኻ ክብል ፈኪርሉ።
 
ብድሕሪ'ዚ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይመልእ ሚስ ወንዲ (Ms. Wendy) ክልተ ገጽ ደብዳበ ብኢዳ ንኢሰያስ ኣረኪባቶ ከይዳ። ዑቡድ ከልቢ ኤርትራ ድማ ነዓይ ከምዚ ክብሉኒ ኣነ መንግስቱ መሲልዎም ንዓይ ክብል መሬት ኣውጊሑ ኣዕሪቡዋ ልክዕ ኣብዚ ጊዜ እዩ ድማ ኦፊሱ ጠንጢኑ ንባጽዕ ዝቀየረ። ጭላፍ ትሕዝቶ ካብቲ ደብዳበ ከምዚ ዝብል ነበረ፡
 
"ካብ ካንዲ ራይስ ድሕሪ ሰላምታይ እዚ ዝቕጽል መልኽተይ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ነኸተተግብሮ እንዳተማሕጸንኩ ብቅደም ተኸተል የቕርቦ። ህዝብኻ ንኣርበዓ ዓመት ተጻዊሩካ እዚ ዞባ'ውን እንተኾነ ከምኡ ሕጂ ግን ህዝብኻ ይኹን ንሕና ብፍላይ ድማ እዚ ዞባ ክጻወረካ ስለ ዘይከኣለ እቲ ኣኻዖቢትካዮ ዘለኻ $800.000.000 ሸሞንተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ሕዝካ ብሽም ደቅኻ ወይ ሰበይትኻ ወይውን ብሽምካ ኣብ ድመረጽካዮ ዓዲ ክትቅመጥ ጸገም ስለ ዘይብልና እዚ ገንዘብ'ዚ ውን እንተኾነ ይግበኣካ እዪ በሃልቲ ኢና ከም ጻማ ቃልስኻ፡ ኣብዚ ተወሳኺ ሓሳብ እንተለካ ንኣከናውንኡ ብዝመረጽካዮ መንገዲ ርኸበኒ" ኣኽባሪትካ ካንዲ ራይስ ዝብል ነበረ።

ናይ ሸሪፍ ምእሳር እቲ ናይ ዱባይ ስርሒት ተዓናቒፉ ኣሜሪካ ከይቀነዖም ተሪፉ። ሸሪፍ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ብሓንቲ ኣየር ምስ ሃሩን መሓመድ ዓብደላ ኣል ዓምሪ ብትእዛዝ ኢሰይያስ ብነፈርቲ ኣስመራ ንየመን ተፋንዩ። ሰብኣይ ሎሚ ጽባሕ ክኻርጅዎ እዮም እንዳተባህለ እስራኤል ናይ ኢሰይያስ ምክራጅ ፕሮግራማ ፋሕ ክብላ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ኢሰይያስ ምኽንዳድ ኣማታሪፋቶ። ንምንታይ? ንዝብል ሕቶ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣዕራብ ኤምባሲታት ኤርትራ ንሽሙ ባንዴራ ኤርትራ ይውልብለብ ብውሽጢ ግን እስራኤል ይጥቀምሉ። ናይዚ ጻማ ድማ ናብ ናይ ኢሰይያስ ሕሳብ $15.000.000 ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ ይኣትው።

ሕጂ ግን እዚ ኩሉ ኣሽካዕላል ኢሰይያስ ኣብቂዑ'ዩ። ዝተረፎ ሎቕመጽመጽ የለን። እታ ሓንቲ ተሪፋቶ ዝነበረት መምስኸረ ዝደጋግማ ንኤርትራ ሶማል ክቕይራ እየ። ብድሕረይ መጺኡ ዝገዝእ የለን። ኣነ ናይ መጀመርያ ኣነ ናይ መጠረሽታ ፕረሲደንት እየ። እሳ'ውን ክትሰምረሉ ኣይከኣለትን። እቲ ምንታይ'ሲ ሕዝቢ ኤርትራ ካብቲ ንሱ ገሚትዎ ዝጸነሐ ንላዖሊ ተሪር ስለዝኾነ።  
 
ኣነ ብውልቀይ ኢደይ ኣብ ኣፍ ልበይ ሒዘ  ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ቅሰን። ነገር ተወዲኡ ኢዩ። እታ ሪጎለ ተረኺባ እያ ቀላዒ ድማ ይዳለው ኢዩ ዘሎ። ኣጆኹም ዝስሕት ቀላዒ ኣይኮነን እንዳበልኩ ጽሑፈይ ኣብዚ ይዓጹ።
 
ጎይታ ሚሒሩና'ዩ ምስጋናና ይብጻሓዮ
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...