ቀዳማይ ክፋል (3)

ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ መጀመሪያ ንኤርትራ ብጀጋኑን ምዑታትን ሕዝባ ነጻ ምስወጸት ከም ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብስራሕ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ንኣስመራ ከምዝተመላለስኩን ዘጋጠመኒ ኩነታትን ክገልጽ እየ።

ኣብ ካልእይ ክፋል ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ንኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ንምኻድ፣ ከምዝወሰንኩ እንታይ ከምዝተዓዘብኩን ከብርህ እየ።

ውግእ ባድመ

ድሕሪ ምምላሰይ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ባድመ ውግእ ተጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ኣዝየ ሓዚነ። ኣብቲ እዋን ዝውረ ዝነበረ 7 ኤርትራውያን መኮንናት ኣብ ከባቢ ባድመ ምስ ዝነበሩ ናይ ወያነ ሚሊሽያ ክመያየጡን ክረዳድኡን ኢሎም ምስ ከዱ ናይ ወያነ ሚሊስያ ንሽውዓቲኦም መኮንናት ቀቲሎም ናይ ኤርትራ መሬት ብሓይሊ ስለዝሓዙ በዚ ምኽንያት ውግእ ተጀሚሩ። ስለዚ ንቦታና ኣኢና ንከላኸል ዘሎና። ወያነ ግን ወሪሩና መሬትና ብሓይሊ ሒዙ ኣሎ እናተባህለ ይንገረና ነበረ። ኣነ ይኹን ካልኦት ነዚ ኣባሃህላ እዚ ብዘይ ሓንቲ ሕቶ ተቐቢልናዮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብበወገንና እውን ክንደገሞ ጀመርና። ድሕሪ 3 ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኣኦክላንድ ከተማ ኣኼባ ናይ ኤርትራውያን ተጸወዐ። እቲ ከተማ ካብ ዝንበረሉ 600 ኪሜ ርሕቀት ይሃልዎ እምበር ንኦክላንድ ክሳተፍ ከድኩ። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ሕዝቢ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ገንዘብ ኣዋጺአ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሽዑ ዝተመርጸት ናይ ሃገር ምክልኻል ሽማግለ ኣባል ኮይነ ኣገልገልኩ። ክሳብ እቲ ኲናት ጠጠው ዝብል ዓቕመይ ብዘፈቕዶ ይስተፍን የገልግልን ንመከላኸሊ ሃገር’ውን ገንዘብ የዋጽእ ኔረ።

ሕጂ ክዝክሮ ከሎኹ ግን ኣዝዩ ይገርመኒ። ንባዕለይ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝኣክል ብናይ ኢሳያስ ሓሶትን ቅጥፈትን ምትላለይ የስደምመኒ። ስለምንታይ ኢና ኣስማት ናይቶም 7 መኮንናት ይነገረና ዘይበልና? ሕጂ ከምንፈልጦ ኣንኳይ ሽውዓተ ሓድ’ውን ኣይተቐትለን። እቲ ኲናት ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ዝወልዖ ኢዩ። ጸዲቑ ዝነበረ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኢሉ ዝጀመሮ ውግእ ኢዩ። ወያነ ሽዑ ብሓይሊን ወሪሮም ዝሓዝዎ መሬት ኣይነበረን። ብዛዕባ እቲ ናይ ዶብ ኲናት ኣብዚ መጥቀስየይ ምኽንያት፣ ካባይ ጀሚርካ ዳርጋ ሕዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ብናይ ኢሳያስ ሓሶትን ቅጥፈትን ተታሊልና፣ ዳርጋ ከምዞም ሕጂ መኸተ እናተባህሉ ንኢሳያስ ዝደርፉ ዘሎዉ ምንባርና ኣዝዩ የሕዝኒኒ።

እዞም ሕጂ መኸተ እናበሉ ክሳብ ጎረሮኦም ዝነቕዕ ክጭድሩ ዝውዕሉ ዘለዉ፣ ከምቲ በዓል ኣነ ሓንቲ ከይሓተትና ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝነገረና ጥራይ ወያነ ወያነ እናበልና ከንቃልሕ ንውዕልን ንሓድርን ዝነበርና ኮይኖም ይስምዑኒ። ካብ ኩሉ ዝገርም ግን ኢሳያስ መታን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ደልዩ ካብ 40,000 ዘይውሕዱ መንእሰያትን ነባራትን ዝርከብዎ ሰራዊት ኣቕቲሉን ካብ 80,000 ዘይውሕዱ ኣካሎም ጎዲሉ። እዚ ዘይብሃል ንብረት ዝዓነወሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ሕዝቢ ድማ ካብ ናብራኡ  ከምዝፈናቐል ገይሩስ፣ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ስልጣን ምህላዉ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብቐጥታ ተሓተቲ ዝገብረና ብፍላይ ነዞም ብመጠኑ ምሁራት ንበሃል ኢዩ። ኣብ መጀመርያስ ስለዘይፈለጥና ተታሊልና ንበል። ሕጂኸ ናይ ኢሳያስ ሓሶትን ምድንጋርን ሃገር ምዕናውን ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁልና እንከሎስ እንታይ ኢና ነዋጢ ዘሎና? ብዛዕባ’ዚ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዝርዝር ከቕርቦ እየ።

ደዘርት ሪሰርች ኢስንትዩት (ደሪኢ) Desert Research Institute

ዶባዊ ውግእ ጠጠው ድሕሪ ምባሉ ባዕለይ ኣድላዪ እዩ ኢለ ዝገመትኩዎ ሓገዝ ንኤርትራ ከናዲ ጀመርኩ። ሓገዝ ክገብሩልና ይኽእሉ እዮም ዝበልኩዎም ድማ ደ.ሪ.ኢ. ነይሮም። ናብ (ደሪኢ) ደዊለ ኣነን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደርን ክንረክቦም ከምእንደሊ ገለጽኩሎም። ብወገኖም ሕራይ ክንራኸብኩም ፈቓደኛታት ኢና በሉኒ። በቲ እዋን እቲ ዝነበረ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ደዊለ ደ.ሪ.ኢ. ዘካይድዎ መጽናዕቲን ዝህብዎ ሓገዝን ድሕሪ ምግላጸይ ናብቲ ዘለኹዎ ክመጽእን፣ እንተተኻኢሉ ናይ ሳይንስ ዶክተር ብፍላይ ኣብ ዪኒቨርስቲ ዝምህር ኤርትራዊ ሒዝና ክንረኽቦም ሓተትኩዎ። ናይቲ ዩኒቨርስቲ ጽሑፋት ለኣኸለይ ምስበለኒ፣ ኩሉ ኣዳልየ ለኣኽኩሉ።

ድሕሪ ውሑድ ሳምንቲ ደዊለ ንመዓስ ክትመጽእ ኢኻ? እቲ ዝበልኩኻ ዓይነት ሰብከ ረኺብካዶ? በልኩዎ። ግዜ ስለዘይረኸብኩስ ዋላ ሓንቲ ኣይገበርኩን፣ ስለዚ ንስኻ ተራኺብካ ኣዘራርቦም በለኒ። ኣዝዩ ገረመኒ። እቶም ክንራኸቦም ዝደሊ ዘሎኹ ሰባት እቶም 2 ሳይንቲስት ኮይኖም ናይቲ ዩኒቨርስቲ ምክትል ፕረሲደንትታት እዮም። እቲ ሳልሳይ ናይ ዩኒቨርስቲ ናይ ምምሕዳርን ህዝባዊ ርክባትን ሓላፊ እዩ። ምስ ሰለስቲኦም ተራኺበ ብዛዕባ ኤርትራ መግለጺ ብምሃብ ብወገኖም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክገብሩልና ከምዝኽእሉ ሓተትኩዎም። እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም እንገብረልኩም ሕጂ ርግጸኛታት ኣይንኹን እምበር ከምቲ ዝገለጽካልና ብዙሕ ዓይነት ሓገዛት የድልየኩም ትመስሉ በሉኒ። ኣኼባና ክንውድእ ከሎና ናይ ምሳሕ ግብጃ ምስ ናይ ጋና ዩኒቨርስቲታት ቻንስለር ከምዘሎዎም ነገሩኒ። እንታይ ክገብር ድኣ መጺኡ እንተሓተትኩዎም፣ “ምሳና ርክብ ስለዘለዎም ንሕግዞም ኣሎና። ዳርጋ 500 ዒላታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኲዒትናሎም ኣሎና። ሕጅ’ውን እቲ ስራሕ ይቕጽል ኣሎ” በሉኒ። ኣነ ብውሽጠይ ሕርር ኢለ፣ በዓል ጋና ምስ ኩሉ ፍልጠቶምን ክእለቶምን ቻንስለር ይልእኩ፣ በዓል ግርማ ኣስመሮም ድማ ብናይ ህዝቢ ገንዘብ ኤርትራ ገይሮም ምስ ኣንስቲ ክራኸቡን ክምንዙሩን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ይዞሩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምርካብ ድማ ግዜ ይጽግሞም ኢለ ሓዘንኩ።

ደ.ሪ.ኢ. ኣብ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥን ውሩይን ዘካይድዎ መጽናዕት ዝተደንቀን እዩ። ብናተይ ኣተሓሳስባ ምስኣቶም ርክብ ምግባር ተኣምራዊ ዝኾነ ክእለቶምን ናይ መሳርሒ ናውቶምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕተ መሬት ክንደይ ዝኣክል ማይን ኣበይ ቦታን ክንደይ ዕምቖቱን ንኽነግሩናን ንምዂዓቱ ክሕግዙናን ኢዩ ነይሩ። ደ.ሪ.ኢ. ባዕላቶም ኣብ ሰማይ ደመና ሰሪሖም ማይ ክወቅዕ ዝኽእሉ ምዃኖም ሓደ ግዜ ኣብ ነቫዳ ኣርእዮሙና ነይሮም እዮም።

ንግርማ ኣስመሮም ብዛዕባ እቲ ዘካይደኩዎ ኣኼባ ብስልኪ ደዊለ ድሕሪ ምግላጸይ ክልተ ነገር ሕተትክዎ። ሓደ ናይ ምስጋና ደብዳበ ባዕሉ ፈሪሙ ክልእከሎም። ካልኣይ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሰበ ሰልጣናት ተዘራሪቡ ርክብ ክግበርን ሓገዝ ከምዝጅምር ምግባር ኢዩ ዘድሊ በልክዎ። ኣይተ ግርማ ብወገኑ ከምዚ በለኒ። “ንስኻ ምስ ሃብቲ ማይ ወይ’ውን ምስ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተራኺብካ ግለጸሎም። ንሳቶም እቲ ናይ ምስጋና ደብዳበ ጽሒፎም ብዛዕባ ሓገዝ ድማ ይዘራረቡ” ኢሉ ምስመለሰለይ “ግርማ፤ ይርድኣካ ድዩ? ኣነ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ሰራሕተኛ እምበር ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሰራሕተኛ ኣይኮንኩን። እዚ ስራሕ እዚ ብቐንዱ ንዓኻ ዝምልከት እዩ ኔሩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ንዓኻኳ ኣረዲአ ሕራይ ከብለካ ዘይከኣልኩስ ኣብ ኣስመራ ንዘለዉ ሕራይ ከብሎም ዝኽእል ኣይመስለንን። ስለዚ ዘድሊ ሓበሬታን ክግበር ዝከኣል ስራሓትን ይሰደልካ ኣሎኹ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ናትካ ሓላፍነት እዩ” ኢለ ዓጸኽዎ። ግርማ ኣስመሮም ነቲ ስራሕ ክፍጽሞ ስለዘተይደለየ ኣብኡ ከሎ ተቛሪጹ ተሪፉ።

ብነገርና ኣነን ግርማን ብሓደ ዓመት ኢና ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ጀሚርና። ኣብቲ ዓመት እቲ ፕሪፋብ ዝበሃል ብዚንጎ ዝተሰርሐ ናይ ተመሃሮ መደቀሲ ተስሪሑ፣ ውሽጡ ግን ኣይተኸፋፈለን ነይሩ። ኣነን ግርማን ኣብዚ ቦታ እዚ መደቀሲ ተዋሂቡና ነይሩ። ኣብቲ ዓመት እቲ፣ ሻድሻይ ኩዕሶ እግሪ ናይ ኣፍሪቃ ውድድር ስለዝነበረ፣ ግርማ ኩዑሶ ልምምድ ክገብርን ድሓር ድማ ክጻውትን ብዙሕ ግዜ ስለዘሕለፈ፣ መርመራ ንበይኑ ክወሃቦ ኣቶ ይድነቃቸው ተሰማ ናይ ኢትዮጵያ ኩዑሶ እግሪ ፈደረሽን ሓላፊ ሓቲቶምሉ፣ ንበይኑ ተፈቲኑ ሓሊፉ። ኣብ ካልኣይ ዓመት ግን ምሳና መርመራ ወሲዱ ስለዝተረፈ ኣቡኡ ናይ ሃይለስላሴ ኣፍራስ ሓጻቢ ስለዝነበረ ዝገበረ ገይሩ ንኣሜሪካ ሰዲድዎ።

ናይ ፍሕኛ ሕክምና Kidney Dialysis

ካብዚ ናይ ደ. ሪ. ኢ. ጉዳይ ምስ ግርማ ኣስመሮም ምስተፋነኹ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፣ ሓደ ብሰብ ዝተፋለጥኩዎ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ናይ ኪድኒ ዲያሊሲስ ሕክምና ክሊኒክ ዝነበሮ ዶክተር ተራኺብና ድሕሪ ዕላል “ዝሓለፈ ሰሙን ክሊንኪ ዓጽየዮ ጡረታ ወጺአ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናዞርኩ የዕርፍን ይበጽሕን ኣሎኹ” ምስበለኒ፤ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዘዕለልኩኻ ሃገርና ሓዳስ እያ። ንእሽቶ እያ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ወሪራትና ብዙሕ’ውን ኣኽሲራትና እሞ እቲ ኣቑሑ ዘይትልግሰልና ኢለ ምስሓተትኩዎ፤ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣልዒልካለይ ስለዝነበርካ ብወገነይ ሓሲበሉ ኣሎኹ ክብል መለሰለይ። ብተወሳኺ፣ ንስኻ ምስቶም ሰበ ስልጣን ተዘራረብ ኣነ ግን እቲ ናይ ኪድኒ ድያሊስስ ኣቑሑትን ዘሎ መድሃኒታት ሒዘ ንኣስታት ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ብነጻ ክሰርሓልኩም ፈቓኛ ምዃነይ ንገሮም ምስበለኒ ተሓጒሰ ኣመስገንኩዎ።

 



ኣብቲ እዋን እቲ ባዱሪ ካብቲ ምድብ ቦታኡ ኒው ዮርክ ንኦክላንድ መጺኡ ኣብ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣኼባ ከምዝርከብን ድራር ከምዝህሉን ሰሚዐ ስለዝነበርኩ፣ ናብ ኦክላንድ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቤት ጽሕፈት ደዊለ ሕጂ ኣብኡ ዘሎ ቀዳማይ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕሱብ ኣልኣዛር ኣብርሃም ዝተባህለ ረኸብኩዎ። ንሱ’ውን ባዱሪ ከምዝመጽእ ምስእረጋገጸለይ ኩሉ እቲ ዶክተር ንኤርትራ ከበርክቶ ዝተማባጽዖ ገለጽኩሉ። ብተወሳኺ ነቲ ዶክተር ናብቲ ኣኼባ ከምዝኸይድ ክነግሮ እየ፤ ንስኻትኩም ናይ መእተዊ ኣይተኽፍልዎ፤ ምስ ባዱሪ ድማ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮይኖም ከምዝድረሩ ክገብር ሓበርኩዎ። እቲ ዶክተር ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ምስ ባዱሪ ብሓባር ተደሪሮም ዝተማባጽዖ ኩሉ ነገሮ። ብተወሳኺ ዘለዎ ኣቑሑትን መድሃኒትን ሒዙ ብኸመይ ጌሩ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጻርዩ ንኽነግሮ ስልኪ ቁጽሩን ኣድራሻኡን ንባዱሪ ሃቦ። ባዱሪ’ውን ስልኪ ቁጽሪ ሃቦ።

ንጽባሒቱ ንግሆ እቲ ዶክተር ደዊሉ ከመይ ከምዘምሰየን ምስ ባዱሪ ከምዝተዘራረቡን ድሕሪ ምግላጹ፣ ንኤርትራ ንምኻድ ምድላዋት ከምዝጅምር ሓበረኒ። ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ኣቢሉ ካብ ባዱሪ ሓንቲ ነገር ኣይሰምዐን። ድሃይ ምስሰኣነ፣ ባዕሉ ንባዱሪ ደዊሉ ምስኣዘራረቦ፣ ስራሕ ስለ ዝበዝሓኒ እየ ዘይደወልኩልካ ኢሉ ከምዝመለሰሉን ነገረኒ። ብድሕሪ’ዚ ባዱሪ ንዓይ ደዊሉ፣ ንስኻ እቲ ጉዳይ ስለትፈልጦ ንሳልሕ መኪ ናይ ጥዕና ሚኒስተር ደዊልካ እቲ ዝግበር እንተገበርኩምዎ ዝሓሸ ኢሉ ነገረኒ። ኣነ ድማ እዚ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኢዩ እቲ ዘለዎ መድሃኒት ብዙሕ ስለዝኾነ ምናልባት ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ፍቓድ የድልዮ ይኸውን ኢለ እንተመለስኩሉ፤ እምበኣር ንሳልሕ መኪ ምስ ረኽብካዮ ንገረኒ በለኒ። ኣነ ነቲ ዶክተር ኣቑሑቱን ኣገልግሎቱን ንኤርትራ ዓቢ ሓገዝ’ዩ ስለዝበልኩዎ ዝከኣለኒ ካብ ምግባር ክቑጠብ ወይ’ውን ንከንሳሕብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እየ በጸሐ ኔረ።

ንሳልሕ መኪ ክልተ ግዜ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ደዊለ ስለዘይረኸብኩዎ መልእኽቲ ገደፍኩሉ። መልሲ ስለዘይረኸብኩ ድማ ደብዳበ ጸሓፍኩ። ኩሉ ብዘይ መልሲ ስለዝተረፈ ንባዱሪ ደዊለ ኣነ ኣይተዓወትኩን ስለዚ ከምታ ሕራይ ዝበልካዮ ትፍጽም ዲኻ ወይስ ኣይትፍጽምን ምስበልኩዎ። ኣነ ግዜ የብለይን፣ እንተደሊኻ ግን ንግርማ ኣስመሮም ንገሮ ምስበለኒ፤ ኣነ ንግርማ ኣይዛረብ ንካልእ ኣይዛረብ። ንስኻትኩም ግን ብገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ኣናተኸፈልኩም ንዕዑ ዝኸውን ጥቕሚ ዘለዎ ነገር ኣብ ምፍጻም ግን ኣይትርከቡን ኢኹም ኢለ መለስኩሉ። እታ ቴለፎን ኣብ እዝኑ ዓጸኹዋ። ካብ ኩሉ ዘሕዘነኒ ግን ነቲ ዶክተር ረኺበ የቐንየልና ግን ኣገልግሎትካን ንብረትካን ኣየድልየናን ኢሎምኻ ምባል ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ደዊለ ከምቲ ዝተመነኹዎን ዝሓሰብኩዎን ስለዘይተሓባበሩ እቲ ውጥን ተሪፉ እዩ ኢለ ነገርኩዎ። ብድሕሪኡ ርእየዮ ኣይፈልጥን። ብሰንኪ’ዞም በትኪ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ተቐዩሙኒ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዝንዕቀኒ ኣይጠራጠርን እየ።

ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚረ ዝኾነ ንኤርትራ ዝገብሮ ስራሕ እንተሃልዩ ባዕለይ ጂሚረ ባዕለ ዝውድኦ ድኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር፣ ብሓገዝ ሰበ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘድልዮ ስራሕ ንኸይሰርሕ ወሰንኩ።

ገለ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስ ባዱሪ ምርኻበይ ጉጅለ 15 ተኣሰሩ። ማእሰርቶም ምስ ሰማዕኩ ኤርትራ ናብ ዲክተተርነት ጢሒላ ከምዝሰጠመት ተረደኤ ኣዝየ ሓዘንኩ። ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ፈጺመ ርክብ ንኸይገብር ወሰንኩ። ቀጺሉ ሓደ መዓልቲ ግርማ ኣስመሮም ደዊለለይ። ኣነ ግርማ እየ ምስ በለኒ፣ እንታይ እዩ መደወሊኻ ምስ በልኩዎ እንቋዕ ሓጎሰካ ክብለካ ደዊለ እየ በለኒ። እንታይ ረኺበ ዝሕጎስ? እቲ ትሓቶ ዝነበርካ ብሚኒስተር ደረጃ ተቛቑሙ በለኒ። ኣነ ስማዕ ግርማ እትረፍ ብሚኒስተር ደረጃ ብፕረሲደንት ደረጃ እውን እንተዝቐውም ግዲ የብለይን። ንዓኻ ድኣ ኣይነገርኩኻን እምበር ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ርክበይ ኣቛሪጸ እየ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ንኤርትራ ፈጺመ ከይከይድ ወሲነ እየ። ንስኻ ኣባል ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይንካ ቀጽል ኣነ ድማ ነጻ ሰብ ኮይነ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክገብሮ ዝኽእል ክገብሮ እየ ኢለ ተፋነኹዎ። እዚ ብሓድሽ ቤት ጽሕፈት ብሚኒስተር ደረጃ ቆይሙ ዝብሎ ከምዚ ዝስዕብ ጉዳይ ኢዩ። ቅድሚ 5-6 ዓመታት ኣቢሉ ንኣስመራ ብዝኽደኩሉ ግዜ ይኹን ምስተመለስኩ ንመራሕቲ ህ.ግ.ድ.ፍ. ሓንቲ ንእሽተይ ቤት ጽሕፈት ወይ ኣብ ትሕቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ወይ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣቛሞም ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ክምድቡ። ናይዚኦም ስራሕ ነዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን እናተራኸቡ ንዓዲ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ብዘለዎም ናይ ስራሕ ክእለት እናሓተቱ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ናብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታት እናመደቡ ንኽሰርሑ ኣሳለጥቲ ኮይኖም ከገልግሉ ኢዩ። ስለዚ ነታ ሃገር ዓቢ ጥቕሚ ክህብ ይኽእል እዩ ብማለት ፕላንን ኣተገባብርኡን ብምሉኡ ሂበዮም ኔረ። ግርማ ኣስመሮም ቆይሙ ኢሉ ዝነገረኒ ግን ብተጋዳላይ ተኸስተ ተስፋማርያም (ሕጂ ኣብ እስራኤል ኣምባሳደር ዘሎ) ዝምራሕ ኮይኑ ኤርትራውያን ንዓዲ ምስ ከዱ ንስኻ ንተቓወምቲ ትድግፍ ኢኻ፣ ብተቓወምቲ ዝተዳለዊ ኣኼባ ከምዝተሳተፍካ ኣብ ቪድዮ ሪኢናካ ኣሎና እናበሉ ሰብ ዘበሳብሱሉ ቤት ጽሕፈት ኢዩ ተመስሪቱ። እዚ ዝተባህለ ሓላፊ እውን ምስተሾመ ክልተ ግዜ ኣቢሉ ንኣሜሪካ መጺኡ ንደገፍቶም ዘረባ ሂቡ ኔሩ።

ብዛዕባ ብዙሕ ጌዜ ንኤርትራ ክሕግዝ ፈቲነ ዝፈሸልኩ ምዃነይ እዚ ዝጠቐስኩዎ ከም ኣብነት እኩል እዩ ኢለ ይግምት። ኩሉ እንተጸሓፍኩዎ መወድኢ ግዜ ጥራይ ኢዩ። ከምዚ ዝጠቐስኩዎ ኣብነታት ካልኦት ኤርትራውያን እውን ከምዘጋጠሞም ኣይጠራጠርን። ክሳብ ሕጂ ዝጸሓፍኩዎ ብዘይ ሓንቲ ትንተና እየ ኣቕሪበዮ ዘሎኹ። ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይን ግን እናገላበጥኩ ተንቲነ ከቕርቦ እየ።

ካልእይ ክፋል ይቕጽል።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...