ኣነ ብዙሕ ናይ መደብኩም ተኻፋሊ ኮይነ ኣይጸናሕኩን። ኣብ ቃልዕ ወጺእካ ካብ ምክታዕን ምክርኻርንሲ ብምኽርን ማዕዳን ዶኾን ይዕረ ይኸውን እናበልኩ ዝፈልጦ ምስጢርን ሓቢአዮ ኢየ ጸኒሐ። ሎሚ ግና ኣነ ብዓቕመይ ዝፈልጦ ሓቅን መረድኢ ሰነድን ሒዘ፡ ንለባማት ዓበይቲ ሰባት ሓቲተ፡ ናይዚ ብመርገም ዘርኢ ዝተሃንጸ ዮፍታሔ ዲመጥሮስ ታሪኽ ኣተሓሒዘ ብተኸታታሊ ከቕርበልኩም ቃል እንዳ ኣተኹ።

ንስኻትኩምውን ኣብ ምቅላሑ ብጽሑፍን ብረድዮን ክትተሓባበሩኒ እላበወኩም።

ኣነ ስመይ ክነግረኩም ደስ ምበለኒ፡ ግን እቲ ታሪኽ ለኪመዮ ኣብ መቓብር ከይወርድ እሞ። ንህዝቢ ኤረትራ መዝገብ ገፋዕቱ ከይሕባእ እምበር ዝጽበዮ ዕድመ የብለይን።

የቐንየለይ፡ ካብታ፡ ብዮፍታሔ መኣዝና ጠፊእዋ: በትረ ስልጣናን፡ ፓትርያርካን ተዘሚታ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ተንቆልቁል ዘላ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣስመራ።

 

 
ዮፍታሀ ዲመጥሮስ መን እዩ?

ንተዋህዶ ሃማኖት ከፍርስ፡ ፓትርያርክ ክሕይር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተ ክርስትያናት ክበታትን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ፋሕ ጭንግራሕ ከእቱ፡ ካህናት ክኣስርን ስድራቤት ከሳቕን ክሳብ ክንድዚ ስልጣን መን ሃቦ? ብከመይከ ረኸቦ?

ዮፍታሀ ወዲ ቀሺ ዲመጥሮስ፡ ኣባ ገረማርያም እዩ።

ሓቀይና ታሪኽ እዚ ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝገበለ ኣረሜን ሰብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣቦ ሓጎ ዮፍታሀ ኣባ ገረማርያም ይበሃሉ። ካብ ምድሪ ኢትዮጵያ፡ ጎጃም ካብ ዝተባህለ ክፍለ ሃገር "ዓለም መኒነ ኢየ" ብምባል ናብ ኤርትራ ገዳም ኣቡነ መንቆርዮስ መጹ። ብዙሕ ናይ ቤተ ክህነት ትምህርቲ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብቲ ገዳም ሓላው እንስሳን ሓረስታይን ኮይኖም ነቲ ገዳም ከገልግሉ ጀመሩ። ኣባ ገረማርያም ትግርይና ዘይክእሉ ብምንባሮም ጸገም ናይ ቋንቋ ነይርዎም እዩ።

እኖሓጎኡ (ዓባዩ) ንዮፍታሔ፡ ኢታይ መግደላዊት ቀሺ ማዕቀበ ይበሃላ። ሓብቲ መድህን በራድ እኖሓጎ (ዓባዩ) ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እየን።
ብዙሕ ሰብ ብዘይምርዳእ ንወ/ሮ መድህን በራድ፡ ከም ትግራወይቲ ገይሩ ይገልጸን እዩ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣባሃህላ እዩ። ብወለዶአን ኤርትራዊት እየን።

ማዕቀባይ ወዲ ዓዲ ባሮ ጽልማ ኢዮም። መወለዶም ቅዱስ ሰብ ምናብሮምን ከም ኩሉ ሰብ ድማ እኹል ሃብቲ ከም ዘይነበሮምን እዩ ዝዝረብ። ወ/ሮ መድህን በራድ፡ ክሽቅላ ናብ ከተማ ኣስመራ መጻሞ፡ ኣብ ምሽቃጥ ስዋ ጽቡቕ ሰለጠለን። ካብዚ ተላዒሎም እዮም መድህን በራድ ዝበልወን። ወ/ሮ መድህን ለዋህ፡ ንዝጸምኡን ዝጠመዩን ዝዕንግላ ገባሪት ሰናይ ምንባረን ኩሎም ፈለጥተን ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ኣቦታት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

ክብርቲ ወ/ሮ መድህን ማዕቀባይ፡ ካብ ሓደ ኣይተ በርሀ ዝበሃሉ ትግራዋይ ንወ/ሮ ኣዳነሽ (ኣደ ፕረሲደንተ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ) ወሊደን። ኣይተ በርሀ ዓይቢ ሓወቦ የማነ ጀማይካ ናይ ወያነ በዓል ስልጣን ዝነበረ እዩ።

መግደላዊት፡ ኣነ ዓለም ኣይደልን እየ ኢለን መኒነን ኣብ ከባቢ ዓረዛ ናብ ዝርከብ ገዳም እንዳ ኣቡነ መንቆርዮስ ክምንኩሳ ከዳ።

"ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣሰር" ከም ዝበሃል ኣብ ክንዲ ጸሎትን ምህልላን መቑጸርያን፡ ኣብቲ ቅዱስ እንዳ መድገምያን መነንቲን ባሕተውትን ምስ ኣባ ገረማርያም ሽርሙጥና ጀመሩ። ገዳም ምዃኑ ተረሲዑ ድማ፡ ነቲ ቅዱስ ቦታ ከራኽስዎ ጀመሩ። እዞም ሰይጣን ዝዓሸሮም ክልተ ኣጋንንቲ ናይ ዝሙት ስራሕ ብውሽምና ብዘይ ኪዳን ኣብ ገዳም ተተሓሓዝዎ። ዓብን ቅዱስን ገዳም ኣራኸሱ። ስርናይ ስርናይ ይፈሪ ክርዳድ ድማ ክርዳድ የፍሪ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና፡ ናይ እኽሊ እንዳ ሓደረ ይጥፈእ ናይ ሰብ እንዳሓደረ ይደፍእ ኮይኑ፡ ጥንሲ ኢታይ መግደላዊት ምስ ቆቢዐን፡ ፈኾኽ እንዳበለ ከደ። ኣብዚ ንድሕነቶም ስሞም ክንጠቕሶም ዘይንደሊ ኣቦ ከም ዝብልዎ፡ ኣባ ገረማርያም፡ “ኣብ ጎጃም ሰይጣን ብስራይ የጥንስ እዩ” ካብ ሰይጣን እንተ ኮይኑ እምበር ካባይ ኣይኮነን ኢሎም ኣሉ ክብሉ ከም ዝፈተኑ ይሕብሩ። ኮይኑ ግን ጸበል እቲ ጻድቕ ስለ ዘይሰደዶም እቲ ሰይጣን ናይ ጎጃም ዝብልዎስ፡ ብሓቂ ንሶም ነይሮም።

እዞም ብሰይጣን ዝተዓሸሩ ክልተ ኣጋንንቲ፡ ክፉእ ካብ ክፉኣት ይወጽእ ዝብልዎ፡ ካብኦም ዝኸፍእ ጋኔን ደም ንጹሃት ዕሸላት ዝሰቲ፡ ሰይጣን ተወልደ፡ “ዘይሓፍር ድሙ ገረማርያም ስሙ” ዝባህል ምስላ ድማ ኣብኡ ተፈጸመ። ነዚ ብዝሙት ኣብ ንጹህ ገዳም ኣራኺሱ ዝተወልደ፡ ኣብ ክንዲ ጸረ-ሃይማኖት፡ “ፍሬ-ሃይማኖት” ዝብል ስም ተዋህቦ።

እቶም ናይ ገዳም ኣቦታት፡ ነዛ ገዳም ዘራኸሰት ርኽስቲ ኢታይ መግደላዊት ካብ ገዳም ኣውጽእዋ። ካብኡ ወጺኣ ኣብ ዓረዛ እንዳ ራእሲ ኪዳነ ማርያም ገረድ ኮይና፡ ወዳ ከተዕቢ ጀመረት።

ፍሬ-ሃይማኖት (ድመጥሮስ) ኣብ እንዳ ራእሲ ኪዳነማርያም እንዳዓበየ፡ ናብ ገዳም እንዳ ኣቡነ መንቆርዮስ እንዳ ተመላለሰ፡ ምስቲ ርኹስ ኣቡኡ ተጸጊዑ ትምህርቲ ዲቁና ተማህረ። ፍሬ-ሃይማኖት መጠን ዕድመ ኣዳም ምስ ኣኸለ፡ ራእሲ ኪዳነማርያም ኣብ ገዛኦም ዝዓበየ ኩሉ ከም ወዶም ስለ ዝቖጽርዎ፡ ካብቶም ኣግራዶም ካብ ዝወለደኣን ሓንቲ ትግራወይቲ ኣገልጋሊት እንዳ ራእሲ ኣመርዓውዎ።

ምዓርግ ክህነት ክቕባኣ እንከሎ ድማ ካብ ፍሬ-ሃይማኖት፡ ቀሺ ዲመጥሮስ ዝብል ሽም ተዋህቦ።

እዚ ካብ ክልተ ደቀቕቲ ክርዳድ ዝተወልደ ፍሩይ ክርዳድ፡ ኣብ ደገ-ሰላም መኽፈልቲ፡ ኣብ እንዳ ራእሲ ድማ ተረፍ-መረፍ ራእሲ እንዳበልዐ ዝገበለ፡ ምስ ቤት-ክህነትን ቤተ መንግስትን ናይ ምልላይ ዓቢይ ዕድል ረኸበ።

በዚ ተጠቒሙ ድማ እቲ እንኮ ሰብ ናይ መንግስትን ሃይማኖትን መራሒ ኮይኑ፡ ንመንእሰያት ኤረትራ፡ ንኽብሩን ንመዕበዪ ደቁን፡ ከም ገንሸል ፋስጋ ንመስዋእትን፡ ንሞትን መዋገዪ ተጠቕመሎም። ብሰንኪ እዚ ውዲት እዚ መሬት ኤረትራ ናይ ኣሽሓት ደም ደቃ ከም ጠንቋሊ ዝኣዘዘላ በዓልቲ ዛር ብደም ደቃ ክትቋደስ ተፈርደት።

ታሪኽ ቀሺ ዲመጥሮስ ንህዝቢ ኤረትራ፡ ምንጋር ንቐባሪ ምርዳእ ስለ ዝኾነ፡ ካልእ ከቢድ ቁስሊ ኩሉ ኤረትራዊን ስለ ዝትንኪ ምግዳፉ መሪጸ ኣለኹ።

ቀሺ ድመጥሮስ ኣወዳትን ኣዋልድን እዮም ወሊዶም። ወዮ ደኣ ርጉም ኣምበጣስ ገደናኻ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ኮይኑ እምበር፡ ንህዝቢ ኤረትራ ደምካ ሰቲና፡ ንስኻ ክትመውት ብስልኪ ኣብ ጎደናታት ክትሕነቕ፡ መሰልካን ናጽነትካን ገፊፍና፡ ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ስደትን ጌርናካ፡ ንስኻ ክትጠፍእ ንሕና ብዋጋ ናትካ ተማሂርናን ከቢርናን ኢና፣ ንዝበደልናካ ይቕረ በለልና ኢሎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤረትራ ርእሶም ደፊኦም ክኸዱ ዝግባኣ፣ ሎሚውን እታ ትማሊ ኣቦና ንርእሱን ንኣናን ዝጠቐመላ መገዲ ብሃይማኖት ኣሳቢብካ እያ እሞ፡ ሎሚውን ከም ትማሊ ኢሉ፡ ዮፍታሀ ነቲ ግዕዘይ ታሪኽ ናይ ኣቡኡ ይደግም ኣሎ። ነቶም ካልኦት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ግን ስሞም ክንጠቕሶም ኣይንደልን፡ ከመይሲ ንህዝቢ ኤረትራ ኣብ ሕማቑን ኣብ ጽቡቑን የለውን። ዘይመላዕልትኻ ምልዓልውን ግቡእ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ፖለቲካ-ዕሱብ ዮፍታሀ ድኣ ከመይ ገይሩ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ተዋህዶ ኮይኑ? ስርዓት ተዋህዶ ሃይማኖት ፓትርያርክ ብህይወቱ ከሎ ከም ዮፍታሀ ናይ ፖለቲካ-ዕሱብ መራሒ ኪኸውን የፍቅድ ድዩ? ዮፍታሀ በየናይ መንፈሳዊ ሚዛን ተራእዩ ኢዩ ናይዛ ኽልተ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዋ ቤተ ክርስትያን መራሒ ኮይኑ? ከም ዮፍታሀ ዝመሰለ ሰብ ኣብ ቤት ክርስትያን ተዋህዶ ምትእትታውከ ካብቲ ሃይለስላሴ ብኢድ ቀሺ ዲመጥሮስ ገይሩ ዝገበሮ እኩይ ተግባራት ብምንታይ ይፍለ? ገዛእቲ ሰርዓታትሲ ኤርትራ ንምጉባጥ ዝተጠቕምሉ ሜላ ኢዩ ነይሩ፤ ስርዓት-ኣልቦ መንግስቲ ኤርትራኸ ስለምንታይ? እቲ ሕቶታት ዝውዳእ ኣይኮነን?

Wednesday 08 April 2009, 20:14
Post Reply

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...