ኣብ ሚዙሪ ትነብር ኣኽበረት ሃይለ (ናይ ብሓቂ ግን “ሃይሉ”) ምስ በዓል ቤታ ብዕለት 22, 2010 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ናይ ሕ.መ. ዝበየኖ እገዳ ተሳቲፋ ክብሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋጊጹ። ሳባ ሃይሉ፣ በዓልቲ ቤቱ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ንመፈለምታ እዋን ኣብ ግዜ ምብጻሕ ሂሊሪ ክሊንተን ኣብ ኣስመራ ክትረእ እንከላ፣ ንካልኣይ ግዜ ድማ ብወግዒ “ብስም ስድራ ቤት” ፕረሲደንት ናይ ሓዘን መግለጺ ሂባ ዝብል ኣብ ናይ ሳልሕ መኪ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝተንተነ ዜና ብ 7 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ሓዳስ ኤርትራን ፕሮፋይልን ገለጹ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብመቕርቡን ቤተ ሰቡን ጌሩ ንእገዳ ንምግምጣል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ብስም ናይ “ካልኦት” ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ እሙናት ኣሎ ዝበሃል ንብረትን ገንዘብን ከይንትከፎ ምእንቲ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ቁጠባ ሓላፊ ሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ” ዝተፈረመ ብስም ወዱ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኢሳያስ ኣብ ናይ ቻይና ገንዘብ ኣሎ ዝብል ዜና ተመሓላሊፉ ኔሩ። ተሳተፍቲ ሰልፊ ከምዝሓብርዎ ኣብ ኮሎምበስ ዝቕመጥ ሓው ብዘይ ምስታፉ ንዋዛ ድኣምበር ኣብ ቁም ነገር እንተሃልዩ ባዕሉ ኢሳያስ እውን ኣብቲ ሰልፊ ክሳተፍ ኣይደልዮን ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ ነቶም “ንጡፋት” ኢሉ ዝግምቶም ሰባት ብድሕሪ መጋረጃ ክገብሮም እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ግን ብፍላይ ኣብ ቅድሚት ብምምጻእ ናይ “ሕዝቢ”ን ተራ ሰብን ሓገዝ ኣለኒ ንምባል ይጥቀመልን ኢዩ። ስለዚ ድማ ናይ ወይዘሮ ኣኽበረት ኣብ ጽርግያ ዲሲ ምውጻእ ቅቡል ኢዩ። ስርዓት ኢስያስ ንስድራ ቤት ኤርትራ ኣብ ምፍራስን ስነ ስርዓትን ክብረትን ደቂ ኣንስትዮ ብምቕንጣጥን ንስድነት ከም “ቅቡል” ጌርካ ንኽረእ ብምፍታን ነውርነት ከም ባንዴራ ኣብ ግንባሩ ደፊኡ ይርከብ።


ተሳተፍቲ ሰልፊ ካብ ሚዙሪ

እዞም ኣስታት 900 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብኸመይ ተወዲቦም ንዝብል ሕቶ፣ ዕሉል “ሃገራውነት”ን ጥቅምን ናይ ስድራ ቤት ናይ ምርኣይ ድፊኢት እኳ እንተሃለወ እቲ ወዳበ ብግዜ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኢዩ ሰሲኑ። ሰመረ ርእሶም ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ዑደት እናገበረደ “እሙናት” ሰባት የጥሪ ከምዝነበረን (ብፍላይ ብስንሰለት ናይ ብቤተ ስቡ ዝኾኑ ናይ እምባየ ርእሶም ሓደራ፣ ሓወቡኡ ማለት ኢዩ) ኣብ ሚኒሶታን ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን እኳ እንተድሃበ ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን “እሙናት” ሰባት ኣቐሚጡ ኢዩ ይብሃል።

እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ማለት በብሓደ ሰባት እናለለኻ፣ ብዝምድና ይኹን ቀደም ይፈልጣ፣ጦ፣ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት በብሓደ እናፈለኻ ምውዳብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝጠቀመሎም ቅድሚ ነጻነት ዝጸንሐ ስልትታት ኢዩ። ናይ ገለ ሰባት ናይ ኣድህቦ ድሌት ስለዝዕዘብን ባዕሉ ዘይቆጻጸሮ ባእታ ክህሉ ከኣ ስለዘይደሊ መሳርሕቱ ከይፈለጡ (እንተፈለጡን እውን እቲ ጥልቀት ናይቲ ርክብ ይሕብኦም) ብቐጥታ ዝረኽቦም ሰባት ኣጥሪዩ ኢዩ። ኣብነታት ናይዚኣቶም ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፣ ጴውሎስ ተስፋጊዮርጊስ፣ ኤልያስ ሃብተስላሰ፣ ወልደጽዮን ምስግናን ካልኦት ገለ ኣብ ውሽጢ ገለን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም መሳርሕቲ ናይ እሱር ጴጥሮስ ሰለሙን እዮም እናተባህሉ ግንከ ብድሕሪኡን ኣብ ቅድሚኡን ቀጥታዊ ርክብ ምስ ኢሳያስ ዝነበሮም ኢዮም። ኣብ ኣስመራ እውን እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ ተኣታትዩ። ስለዚ ከኣ ንዝኾነ ዓይነት ውሳነ “ናብቲ ሰብኣይ” ይኺድ ክብሉ ይውዕሉ።

ተሳተፍቲ ሰልፊ ካብ ሚዙሪ


ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ከምዚ ዓይነት ነገር ክርከብ እዩ ተባሂሉ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ ንኤውሮጳ ሰጊሩ ዝብል ወረ ብሰዓብቱ ተፈንዩ ኔሩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንነጻ ዘረባን ነጻ ምክትታል ብዛዕባ ብስም ሃገርን ሕዝብን ዝተረኽበ ገንዘብ ይኹን ብዛዕባ መሰል ሕዝቢ ክሕተትን ኣብ ማዕከናት ዜና ክወጽእ ኣየፍቅድን ኢዩ።

 More Missouri Pictures

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...