ርእይቶ መጽሓፍ ~ “መንገዲ ጊልያነት” ብኤፍ.አ. ሃይክ


እዚ ዓምዲ እዚ ንልሙድ ርእይቶ ብዛዕባ መጽሓፍ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ኢዩ ዘቕርቦ። ደቅ ሰብ ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ፋሽስትን ግፍዐኛታትን ይወድቁ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ካብ ዝፍትኑ ፍሉጣት ኣብነታት “መንገዲ ጊልያነት” ትብል ናይ ሃይክ መጽሓፍ እያ። እዚኣ መጽሓፍ እዚኣ ናይ 50 ሕታማ ብ1994 ወጺኡ። ስለዚ ሎሚ ኣብ 2010 ናብ 66 ዓመታት ተገማጊማን ትሕዝቶኣ ድማ ኣገዳስነቱ ቐጻሊ ኣሎ። ሃይክ ነዚኣ መጽሓፍ ብ1944 ክጽሕፍ እንከሎ “ናብ ኩሎም ኣብ ስልፍታት ዝርከቡ ማሕበርነታውያን” ብዝብል ኢዩ ተበጊሱ። ሎሚ ክትንበብ እንከላ ግን ንኹሎም ብስም "ሕዝቢን" "ኩልናን" "ሃገራውነት"ን ንዝብሉ ኩሎም ከምዝተጻሕፈት ትመስል። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመሰረቱ ናይ “ሓባር” (collectivist) መደባት ናይ ማሕበርነታውያንን ሕሉፋውያን ናይ የማን ሓይልታትን ከም ቀንዲ ኣብነት ናዚን ፋሽስት ኢጣልያን ናይ ሶቭየት ሕብረትን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ከምዘይነበሮ ብዝርዝር የረድእ።

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ “ሓባር” ዝብል ኣተሓሳስባ ዝጠፍአን ናይ ነጻ ውልቀ ሰባዊን ኣብ ርእሰ ማልነት ዝምርኲስን ኣሰራርሓ ዝሰዓረ እኳ እንተመሰለስ፡ ጌና እቲ ክፉኣት ሰባት እንተዝለግሱ እሞ ብጥዑያት ሰባት እንተዝትክኡ ነገራት ይመሓየሽ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባስ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ስልጣን ዘይብሉ ውልቀ ሰብ ያኢ ብድልየቱ ምስ ጎረባብቱ ይኹን ኣብ ጉዳዩ ጽቡቕ ነገር ከፍሪ ይኽእል ኢዩ ዝብል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ንግፍዕን ጭቆናን ዝፈጠረ ናይ “ሓባራዊ” ኣተሓሳስባ ነቲ ኣብ ትሕቲ ነጻ ውልቀ ሰብ ዝፈረየ ነጻነትን ሃብትን ኣብ ግምት ኣየእቱን።



ዝተጎነየ መንገዲ ዝበሃል ኣብ ሓደ መስርሕ ጉዕዞ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊስና ምስእንዕዘብ ምስ ሕሉፍ ዝሰብርን ናይ ምዕራብን ናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ብሓፈሻ ንዝነበረ ዝሰብር ተርኣዮታት ኣጋጢሙ ኢዩ። ናይ ናዚነት ምንቅስቓስ ኣብ ጀርመን ንሙሉእ ናይ ምዕራብ ስልጣነ ከጥፍእ እዩ ተላዒሉ። እዚ ንሙሉእ ዓለም ዘንቀጥቀጠን ብግዳይነት ሚልዮናትን ብርሰት ንብረትን ዝዝከር ታሪኻዊ ፍጻመ ግን ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ ነቲ ውልቃዊ ነጻነትን ናይ ደቂ ሰብ መሃዚ ክእለትን ዝፍኑ ኣገባብ ዘዐወቶ መስርሕ ከውድቕ ኣይከኣለን። ኣብዚ ብደሞክራሲ ዝፍለጥ ናይ ነጻ ውድድር ስርዓት፣ ዋላ’ኳ ኣብዚ መንገዲ እዚ ዝጽላእን ሕብረተ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ነገራት እንተኣጋጠሞ፣ ብዓቢኡ ነቲ መትከልስ ኣይቀየሮን። ንዘጋጥምዎ ብድሆታትን ሽግራትን ብሕግን ታሪኽን ኣግባብን እውን ከዕርዮ ይርአ። ነጻነት ናይ ውድድር፣ ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ከምዝጠቕሞን ትካላት ኣብ ምእማንን ተቐቢሉ ይኸይድ። ብዓቢኡ ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ጉዳያትን መንግስታውያንን ኣህጉራያውያን ትካላት ተጠቒምና ንክፉእን ጽቡቕን ንኽንጥቀመሎም ስልጣንን ተስፋን ኣሎ ይብል ሃይክ።
 
ነቲ ሕብረተሰብ ነጻ ብምግዳፍ ዝመጽእ ምዕባለ ክቆጻጽር ዝፍትን ዝምባለ፣ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ሕጅ’ውን ይቕጽል ኣሎ። ገለ ገለ ካብዚኣቶም ጀርመናውያን - ሓሳባቶምን ምህዞታቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ተቐባለነት እናረኸበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፤ ነጻ ዕዳጋ ንጥቕሚ ዓዲ እንግሊዝ ዝውዕል ኣተሓሳስባ እዩን፣ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣሜሪካን እንግሊዝን ግዜኡ ዝሓለፎን ኣዝዩ ዘሕፍርን እዩ፤ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ኣብ ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ግዜ ኣናበዝሐ ከደ።

እዚኣቶም ኣብ ዓለም መንግስተ ሰማይ ክፈጥሩ ዝፍትኑን፣ ዩቶፕያ ማለት ከም ኣብነት “ሓዳስ ኤርትራ”፣ ብነጻ ጉልበት ዜጋታታ እትስራሕ ዘላ “ምዕብልትን” ከምቲ ናይ ዜና ማዕከናታ ዝብልኦ፣ ብኹለንትናኣ ኣብ ሰማይ ትንሳፈፍ ዘላ ሃገር ከምዘላ ንምምሳል ዝግበር ፈተነ ክጥቀስ ይከኣል።

ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ን”ዝያዳ ነጻነት” እዩ እቲ ዓቢ ፕሮፓጋንደአን። ልክዕ ከም ፋሽስታትውያን፣ ማሕበርነታውያን ድማ ሓደ ሓቀኛን ርትዓዊ ዝኾነ ኣገባብ ከምዘምጽእ ይኣምኑ። እዚ ንዝያዳ ነጻነት ዝተባህለ መንገዲ ግን እንድሕር ናብ መንገዲ ጊልያነት ዘምርሕ ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ውድቀት ኢዩ። ምኽንያቱ ንብዙሓት ናብ ማሕበርነት ከምዝዝምብሉ ዝገበረ መስርሕ ዝያዳ ነጻነት ይርከቦ እዩ ብዝብል እምነት ኢዩ ኔሩ። ኣብ ምዕራብ ዝነበሩ ናይዚ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ምሁራት፣ ናብዚ ዓይነት ዝኣተዉ፣ ካብቲ ነጻነታዊ ኣመተ ዝያዳ ከድምዕ ኢሎም ስለዝኣመኑሉ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ማሕበርነት ናብቲ ሓደ ኣንጻሩ ዝኾነ ገጹ ምስኣምርሐ ንምርዳኡ ዘጸግሞም።

እቲ ን12 ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝነበረ ው.ኤች. ቸምበርለን፣ ኩሉ እምነቱ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ምስተሓምሸሸ፣ ከምዚ በለ። “ማሕበርነት ኣብቲ መጀመርታ እንተወሓደ መንገዲ ነጻነት ዘይኮነስ መንገዲ ንዲክተተርነትን ዳግመ ዲክተተርነትን፣ ዘስካሕክሕ ውግእ ሕድሕድን የምርሕ። ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝካየድ ማሕበርነት ኣብ ዩቶፕያ (ሕልማዊ ዓለም) ጥራሕ እዩ ዝርከብ።”

ብተመሳሳሊ ኤፍ.አ.ቮይት ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ጸሓፋይ፣ ንሱ እውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሰብ፣ “ማርክስነት ናብ ፋሺዝምን ናዚዝምን ኣምሪሑ፤ ምኽንያቱ ንባዕሉ (ማሕበርነት) ፋሺዝምን ናዚዝምን ስለዝኾነ” ኣብ ዝብል መደምደምታ በጹሑ። ዋልት ሊፕማን እውን ብተመሳሳሊ “እዚ ናህና ትውልዲ እዚ (ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ማለት እዩ) ሰባት ካብ ነጻነት ኣዝሊቖም ናብ ሓደ ንጉድያዮም ብሓይሊ ዝውድብ መስርሕ እንተኣትዮም ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ተመኲሮም እዮም። ንዝያዳ ብሩህ መጻኢ ኢሎም እኳ እንተገብርዎ፣ ኣብ መወዳእታኡ ናይ ዩኒፎርሚቲን የምርሕ” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካብቲ ኣብኡ ዝነበሩ ዝገልጽ ብዙሕ ምስክርነት ኣሎ።   

ናዚዝም (ሃገራዊ ማሕበርነት) ዝመርሕ ዝነበረ ሂትለር፣ ንርእሱ ከም ናይ ብሓቂ ደሞክራሲያውን ሓቀኛ ማሕበረነታውን ጌሩ እዩ ዘቕርብ ኔሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከም ናይ “ክርስትና” ተሓላቒ ጌሩ እውን ነብሱ የቕርባ ኔሩ። ኣብነት ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ክገልጽ እንከሎ "ህጻናት፣ ክሽነን ቤተ ክርስትያንን" (kinder, kuchen und kirche) ጥራሕ እዩ ተረአን ይብል ኔሩ።  ካብዚ ኣዝዩ ሕሉፍ ዝኾነ ስእሊ ዝመጽእ ነገር እንታይ እዩ፤ ሂትለር ሓቀኛ ሊበራልነት ማለት ነጻነት ዝብሃል ከምዘይኣምን ዝነበረ ባዕሉ ይምስክር እዩ። እኳ ድኣ ሓደ ካብቲ ንሱ ዝጸልኦ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እዩ ኔሩ። ሂትለር ኣብ ስልጣን ምስመጸ ሊበራልነት ፈጺሙ ተደሚሲሱ እዩ፤ እቲ ቀታሊኡ ድማ ሃገራዊ ማሕበረንት (ናዚዝም) ኔሩ። ። (ይቕጽል..)