ታሪኽ ምስክርነት ኣብ ዒራዒሮ ተኣሲሮም ናይ ዘሎዉ ኤርትራዉያን እሱራት ፖለቲካ
ዕዉት ታሪካዊ ጉዕዞ ጋዜጠኝነት ኣብ ኢትዮጵያ
ቀዳማይ ክፋል 


“ሕጋዊ ክሲ ከይመስረትካ፣ ብፈጻሚ ኣካል ዝግበር ናይ ሰብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓንን፣ ብፍላይ ድማ ብመሰልቱ ኣብ ፍርዲ ናይ ምብጻሕ ዕድል ምንፋግ፣ ናይ ኮሚኒስት ይኹን ናይ ናዚ ቶታሊታርያን ስርዓታት ኣዝዩ ዝኸፍአ መሰረት እዩ"  ቀዳማይ ሚኒስተር ዊንስቴን ቸርችል



ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ 26 ሚያዚያ 2010 ብደበና ዝተሰነየ ሓሞኽሽታዊ ሕብሪ ዘሎዎ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ስካንድናቪያ ዝነበረሉ እዋን እዩ ኔሩ፡፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ በረኸታት ሃገረ ኣይስላንድ ዝተከስተ ንመላእ ዓለምለኻዊ ናይ ኣየር በረራታት ኣኸቲሉ። እዚ ዘሰናኸለ ክስተት፣ ንኣስታት ክልተ ቕነ መሰናኽል ዝገጠሞ ጉዕዞና፣ ንምስላጥ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም ኣርላንዳ 5 ጋዜጠኛታት ምስ መበል ሻድሻይና ተራኸብና።

እዚ ሻድሻይና ንነዊሕ እዋን ከይተሓለለ፣ ልዑል ኒሕ ሓቦን ተቐኒቱ፣ ጉዳይ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ንሓዉ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ኤርትራዉያንን ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ንኽረክብ ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ዝገበረ ሓዉና ኢሰይያስ ኢሳቕ ኣባል ጉዕዞና ክኸዉን ኣቀዲምና ወሲና ስለዝነበርና ኩላህና ብእኩብን ንጽልን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ተራኸብና፡፡ ናብ ነፋሪት ንምስቃል ዘድልዩ ናይ ዘበንና ቅድመ ኩነት ድሕሪ ምምላእና ኸኣ፣ ኣብ ነፍሲወከፍ ናይ ጉዕዞና ሰነድ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ኣገባብን መገዲና ብዘረጋግጽ መንገዲ ኣባላት እታ ነፋሪት ብቋንቃታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ብመጉልሒ ድምጺ ሓበሬታ ብምሕባር፣ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ምስ ሰናይ ምንዮት ንደቡብ አዉሮጳዊት ሃገረ ኢጣልያ፣ ከተማ ሮማ ኣቢልና ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣቕናዕና፡፡

ንገለ ክፋል ሰማያት እዛ ንነብረላ ዓለም በታ ንብረትነታ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 757 – 200/300 ናይ ለይቲ ጉዕዞ ብምጅማር ተንቀሳቐስና፡፡
  • ቀጻሊ ዘተ ንምዕዋት ዕላማ ጉዕዞና ኣብ ነፋሪት፡-
ኣብ ጉዕዞና፣ ካብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሽወደን ዝተዋጻእና ጋዜጠኛታት ስለዝነበርና፣ ንከደሉ ዘሎና ዕላማ ኣገባብ ኣተገባብርኡን፣ ኣብ ቅድሜና ዝጽበዩና ኩሉ መዳያዊ ጉዳያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ሓበሬታ ናይ ምልዉዋጥ ሓድሕዳዊ ዘተን ምሕላው ሓባራዊ ስምምዓትን ዘጠቓለለ ብምንባሩ፤ ኣብ ነፋሪት እዉን እንተኾነ ካብ ጉጅለና ሰብ ካሜራ ብካመራ፣ ሰብ ብርዒ ብብርዒ፣ እንዳዕመምና ንመደባትና ዘዕዉቱ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ምስራሕ ፍርቂ ጉዕዞና ኣሕለፍናዮ። ኩሉ መወዳእታ ስለዘሎዎ ጉዕዞና እዉን በቲ ዝተመደበሉ ሰዓት ማለት ሰሉስ ኣጋ ወጋሕታ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ በጻሕና፡፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝተገበረልና ፍሕሽዉ ኣቀባብላ ኣመስጊንና ኸኣ ናብ መዕረፊና ኣምራሕና፡፡
  • ፋልማይ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡-
ኣብ እዋን ረፋድ ናይቲ ዝኣተናሉ ንግሆ ብቐጥታ ስራሕና ከጀምሩና ዝኽእሉ ምድላዋትና ድሕሪ ምጽፋፍ፣ ዕማማትና ተኸፋፈልናዮ። እዚ ናይ ጋዜጠኛታት ጉዕዞ ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፣ ንትሽዓተ ዓመት ገንዘብን ዓቕሙ ሰቡን ብጽዑቕ ኣዋፊሩ፣ ብሚስጢር ጀሚሩ ብሚስጢር ክዉድኦ ዝሓሰበ ~ ፕሮጀክት ምጽናት ጉጀለ 15 ኣብ ዒራዒሮ ~ ዝምልከት ጉዳይ ነበረ። እዚኣቶም ብመገዲ ምትግባር ቅዋም ኣቢሎም ስልጣን ናብ ሕዝቢ ክርከብ ኣሎዎ ብምባል፣ ሃገርና ካብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ድቕድቕ ጸልማት ንምድሓን ፈተነ ምእራም ዝገበሩ ብጉጅለ 15 (G15) ዝፍለጡ ኣባላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶን፣ ሚኒስተራትን፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ደገፍቶምን፣ ከምኡ እዉን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮምሉ ዘሎዉ ሚስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ፣ ሰብኣዊነት ዝትንክፍ ጉድ ዘበለ ሚስጢራዊ ዛንታ ሒዙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ንዘኣተወ ኣባል ሓለዋ እዚ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሓዉ ኢዮብ ባህታ ሃይለማሪያም ንምርካብ እዩ ኔሩ፡፡ ንሕና ከም ጋዜጠኛታት፣ ድሕሪ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምርሕርሑ፣ ንሓዉ ኢዮብ ባህታ፣ ብኣካል ንረኽቦ ዘሎና ናይ መጀመሪያ ጋዜጠኛታት ከም ምዃንና መጠን ብዜናዊ መልክዑ ድዩ ታሪኻዉነቱ ፍሉይነት ኔርዎ።

እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ፣ ሕጂ ንግዚኡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ክገልጾ ዘይደለኹ፣ ቅድመ ምድላውን ኣወዳድባ ናይቲ ታሪኻዊ ርክብ ብሓደ ወገን፣ ነቶም ተኣሲሮም በብሓደ ብዘሰቅቕ ሚስጢራዊ መንገዲ ንኽሓቁ ዝተፈርዶም ናይ ዒራዒሮ እሱራት ኤርትራዉያን ንመጀመሪያ እዋን ኣብ ዉሽጢ ትሸዓተ ዓመት ንሰብኣዉነት ዘሰንብድ ኣታሓሕዘኦም ዘግሃደን ዘቃለዐን ምስክርነት ሓዉ ኢዮብ ባህታ ሃይለማሪያም ሰናዲ ምስክርነቱ ብምዃን፣ ናይ መጀመሪያ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ምዃነይ ክሕበን እንከለኹ፤ በቲ ኻልኣይ ወገን፣ ነታ ክንደይ መስዋእቲ ዝተኸፈላ ተፈታዊት መበቆል ሃገረይ ኤርትራ፣ ኣብ ኢድ ከመይ ዝኣመሰሉ ሰብኣዉነት ዘይብሎም ኣረመናዉያን ንዝወደቐ ሃገርን ሕዝብን ኤርትራ ዝነባዕኽሎም ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ፡፡
ካብዚ ብምቕጻል ኣነ ምስ ሓዉ ኢዮብ ባህታ ሃይለማሪያም ካብ ዝገበርክዎ ቃለ ምልልስ ንኩሎም እቶም ካብ ወርሒ መስከረም - ጥቅምቲ 2001፣ ብፍሉይ ዓፈና ከካብ መንብሪኦም ምስ ተወሰዱ፣ ንትሽዓተ ዓመት ብልክዕ ኣበይ ከምዝኣተዉ ከይተፈልጡ ናይ ዝጸንሑ ጉጅለ 15 ጋዜጠኛታትን ከምኡ እዉን ደገፍቶም ተባሂሎም ብጸለመ ዝተታሕዙን፣ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመት ኣብ ሓለዎኦም፣ ማለት ካብ 17 መስከረም 2001 ስጋብ 5 ጥሪ 2010፣ ኣብ ዝነበረ ግዜያት ኣብ እምባትካላን ዒራዒሮን ካብ ዘሕልፍዎ ዝጸንሑን ዘሎን መዓልታዊ ሕይወቶምን፣ ከመይ ከምዝመስል ብዓይኑ ዝራኣዮ ዝርዝር ታሪኾምን በቲ መዘና ዘይብሉ ኣረሚናዊ ኣገባብ ኣታሓሕዞኦምን፣ ናይቶም ዘለዉን ከምኡ እዉን ናይቶም ድሮ በዚ ኣረሚናዊ ኣገባብ ዝተቐተሉን ኩነታት ኣቀታትሎኦምን ወዘተ… ናይ ነፍሲ ወከፎም ዝሃበኒ ደቂቕ ዝርዝራዊ ምስክርነት እንሆ አቕርቦ።

1.    ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ     




ይቕጽል 

”መፍለጢ መንነት ሓደ መንግስቲ፣ ኣብያተ  ማእሰርትታቱ እዮም"
ቀዳማይ ሚኒስተር ዊንስቴን ቸርችል