(1ይ ክፋል) ሃገራውነት ዝተሰመየት መርዚ
(2ይ ክፋል )ሃገራውነት፣ ወ/ሮ ኣበበሽን ኣልማዝን (ዲያሞንድ ንግዲ) ሲዒድ ሳልሕን።

"ሃገርን ብሽም ሃገራውነት"

3ይ ክፋል

ኣብዚ ሳልሳይ ክፋል ኣትኩረ ክዛረበሉ ዝደሊ ነገር አንተሃልዩ፣ እዚ ሕጂ “ኣባኽዩና” “ርድኡና” “ሓሳርና” ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ከመይ ኢሉ ማዕቢሉ? መበገሲኡ ናይ ሎሚ ወይ ትማሊ ከምዘይኮነን ክብደቱ እውን ኣቃሊልካ ዝረኣ ከምዘይኮነ እንዳኣተሓሳሰብኩ ኣብ ትሕዝቶይ ክእቱ፤

ኣብ 1996 ናይዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ህሞት እምነ ኩርናዕ ዝተነበረሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኡ ሕዝቢ ኤርትራ፣ ከም ትማሊ ዝክሮ እኳ እንተኾነ እዞም ሕጂ ዋይ ዋይ ዝብሉ ዘለዉ የዋሃት መዘኻኸሪ ክኾኖም እሞ ካልኣይ ግዜ ክሓስቡሉ እንተሓገዞም እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ኣመሪካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ መደበር (በይዝ) ንኽትመልስ ዝኾነ ዋጋ ንኽትከፍል ቅርብቲ ስለዝነበረት ምስ መራሕቲ ኤርትራ ኢሰያስ ዘይብሉ ንምይይጥ ኣብ ምጽዋዕ ኮፍ በሉ። ናይቲ ዝርርብ ትሕዝቶ ከምዚ ይመስል ነበረ።

    · ምጽዋዕ ዓሰብ ዘሎ መንገዲ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ብቕጥራን ክልብጥዎ

    · ዓመታዊ $20.000.000 (ዕስራ ሚልዮን ዶላር) ንመንግስቲ ኤርትራ ክኸፍሉ

    · ደሴት ዳህላክ ናይ ቱሪስት ቦታ ንክቕይርዎ ስጋብ 500 ቪላታት ክሰርሕሉ

    · እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ጸጥታ ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ክሕልዉላን ዝኣመሰሉ ነበሩ።

ብድሕሪ'ዚ እቶም ኣብቲ ስምምዕ ዝነበሩ ማሕሙድ ሽሪፎን ጵጥሮስ ሰለሙንን ዝርከብዎም ጸብጻቦም ሒዞም ናብ ኢሳያስ ይኸዱ። ኢሰያስ ነቲ ጸብጻብ ከም ሑጉስ ኮይኑ ተቐቢሉ ከጽንዖ ከምዝኾነን መልሲ ኸኣ ብቑልጡፍ ከምዝህቦም ተመጻባዓሎም። እቲ ብኣፉ ንይምሰል ሕራይ ዝበሎም፣ ከም ሕራይ ወሲዶም ነገር ከምዝተወደኤ፣ ንመዛነኦም ኣመሪካዊያን ኣወከእሎም። ብድሕሪ'ዚ ናይ ኣመሪካ መርከብ፣ ምጽዋዕ ኣትያን ዓቢ ግብጃ ተጌሩ። ተበሊዑ ተጎሲዑ ርሑስና ይኹን ተባሂሉ። ንኹለን ሚኒስትሪታት ድማ ብዛዕባ’ዚ ሰርኩላር ተመሓላሊፉ። ሃገር ሓሊፉላ እንዳተባህለ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ እቲ ዝተመሓላለፈ ሰርኩላር ብቁልጡፍ ክሰሓብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። “እዋእ እንታይ'ዪ ነገሩ እንታይ ተረኺቡ” እንተተባህለ፣ ደሓን ዝተባህለኩም ጥራይ ግበሩ ተባሂሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ፣ ጎኒ ጎኒ'ዚ ካልእ ተደራቢ ዘተሓሳስብ ኣጋጣሚ'ዪ ተኽሲቱ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መበል ሓምሳ ዓመቱ ዘብዕለሉ ዝነበረ ግዜ ጋዜጠኛታት ወያነ (እቲ ናትናን ናይ ወያነን ሕውነት ብደም'ዪ ተፈሪሙ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ ማለት'ዪ) ኢንተርቪው ከግብርዎ መጺኦም ድሕሪ ብዙሕ ሕቶታት ከምዚ ክብሉ ሓተትዎ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተኽእሎ ኣሎ ዶ ትብል? ብዘይ ገለ ምውልዋል እወ በሎም። ወይ ጉ.....ድ።

ብድሕሪ'ዚ ድማ እዮም እቶም ናይ ሓቂ ኤርትራውያን ቃልሶምን ገድሎምን ማይን ጨውን ከይከውን ድቃስ ሲኢኖሙሉ ዝሓደርሉ ህሞት ዝኾነ። ብድሕሪ'ዚ ከም በዓል ጵጥሮስ እንታይ ስለምንታይ ክብል ስለዝጀመረ ሰላይ ሲ.ኣይ.ኤ ዝብል ሽም ዝተጠመቐ። ኣመሪካ ድማ ቁጠዖኦም ኣብዚ'ዪ ዝፍልም።

ፕረዚደንት ኢሰይስ ስጋብ ዕለተ ሞቱ፣ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ሰድያ ከራፍጥ እንተኾይኑ፣ ኣመሪካ ኣብ ካንቸልኡ ኣቐሚጡ ክሰምረሉ ስለ ዘይኮነ ንኤርትራ እቲ ኩሉ ረበሓታትን ዋሕስ ምዕባሌኣን ሓሪሙ፣ሲንጋፖር ተሪፉ ናብ ዳርፉር ቀይርዋ። ቀጺሉ ኣብ 1998 ናይ ታንዛንያን ኬንያን (see attachment – Fazul) ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዘጋጠመ ከምኡ'ውን ኣብ የመን መጥቃዕቲ መርከብ ኣመሪካ ዩ.ስ.ስ ኮል፣ ጽልዋታት ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት እንታይ ይመስል ኔሩ ምስ ኢሰያስ'ከ እንታይ ዘተሓሕዝ ኣለዎ ሰዓቡኒ።

ኣብቲ ብኡሳማ ቢንላዲን ዝተመወለ መጥቃዕቲ ዝተኻፈሉ ክልተ ኣሕዋት እቲ ናይ ሓቂ ሽሞም ዓብዱለጢፍ መሓመድ ዓብደላ ኣል ዓምሪ ሃሩን፣ መሓመድ ዓብደላ ኣል ዓምን ክኾኑ ከለዉ መብዛሕትኡ ጊዜ ግን ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣስማት እዮም ዝጥቀሙ። ሃሩን ንኣብነት ከም ጀማል ነቢል ፈዙል ዝኣመሰሉ ኣስማት ይጥቀም።

እዞም ክልተ ኣሕዋት መበቆሎም ፍርቂ ወገኖም ማለት፣ በቦኦም ደቂ ዖማን ክኸውን እንከሎ

ብንዳኖኦም ድማ ደቂ ዛንዚባር ይኾኑ። እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣዝዮም ሓደገኛታትን ፕሮፈሽናላትን፡ ብፕሮፈሽናል ካርሎስ ዘ ጃካል ዝተመልመሉ እዮም። ኣብ መፋርቕን መወዳእታን ሰብዓታት ናይ ሊብያ መራሒ ሙዓመር ቕዛፊ፡ ቐዘፍቲ ግብረሽበራውያን መናእሰያት ናይ ግብረሽበራ ታዕሊም በቲ ጥቡቕ ዓርኩ ካርሎስ ዘ ጃካል ንኽወሃቡ ምስ ተመደበ፡ብስኮላርሺፕ መልክዕ መናእሰያት ንሊብያ ወሓዙ። መብዛሕተኦም ድማ ካብ የመን ኣብ ምስራቕ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኣዕራብ ካብ ኣልጀርያ ካብ ፈልስጤም ካብ ዖማን ካብ ጆርዳን ስጋብ 7000 ዝበጽሑ መናእሰያት ነበሩ፡ ዓመት ሙሉእ ኣዝዩ ጽዑቕ ወታሃደራዊ ታዕሊም ምስ ቀሰሙ ድሕሪ'ዚ ካርሎስ ከመይ ጌርካ ሰብ ምቕታልን ካሊእ ናይ ግብረሽበራ ተክኒክ ብሰፊሕ ሚሂርዎም። እዞም ክልተ ኣሕዋት ድማ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ሓያላት ኮይኖም ወጺኦም።እቲ ናይ ከንያን ታንዛንያን ፍጻሜ ድማ ከም ሃይማኖተኛታት ወይ ሙጃሂዲን ኮይኖም ዘይኮኑ:ከም ኮንትራት እዮም ወሲዶሞ፡፡ እቲ ኣብቲ ፍጻሜ ሳልሳዮም ኮይኑ ዝተዋሰኤ ኣል ነብሃኒ ኣብ ቀረባ እዋን ብኮማንዶ ኣመሪካውያን ኣብ ሶማሊያ ተቐቲሉ። እምበኣርከስ ኣብዚ ኹሉ ዝዋዓለ ኣረሜን ሰብ እዮም ኣብ ኣስመራ ኣዕቒቦም ንሕዝብና ዘይመዓቱ ኣሽኪሞም ኣደራዕ ኣምጺኦሙሉ ዝርከቡ ዝነሄዉ፡ ከመይ'ሉ? ንዝብል ሕቶ መልሲ ይቕጽል።

ከምቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ 2007 ዝገበሮ ቃለ መሕትት http://www.meadna.com/business%20page/MEADNA-VIDEO/us-eritrea4.html ብዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ትንተና ናቱ ከምዚ ክብል ይጠቅስ "ሓደ ፈዙል ዝበሃል ሰብዶ ገለዶ" ክብል ከም ሓውሲ ሚዛን ዘይብሉ ኣምሲሉ ሰብ ኣዳህሊሉ'ዩ ሓሊፍዎ እቶም ነቲ ጉዳይ ንፈልጥ ግን ኣዝዩ'ዪ ኣስደሚሙና። እዚ ከም ነቢል መሓመድ ኣል ዓምሪ ኮይኑ ነስመራ ዝመጸ ውልቀሰብ ካብቶም ክልተ ኣሕዋት እቲ ዝነኣሰ ሃሩን እዩ። ወርሒ ኣርባዕተ 2004 ብፓስፖርት ናይ ከንያ ነስመራ ብመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣትዩ፡ኣብ ኢንተርኮንቲነንታል ሆቴል ዓሪፉ ድማ ብሰንኪ ህግደፍ ጉልባበን ዝቐለዓ ኤርትራዊያን ልክዕ ከምክዳውንቱ ክቐያይረን ጊዜ ኣይወሰደሉን፡ ሑሉፍ ሓሊፍዎ ስጋብ ሰለስተ ኣንስቲ ኣብ ሓንቲ ዓራት ሒዝወን ይድቅስን መምስ ሓድሕደን እንዳ ኣደቀሰ ብቪድዮ ይስእለንን ነይሩ። እህህህህህህም'ዪ ዘብል። ብዝኾነ ድሕሪ ሓደ ወርሒን ፈረቓን፡ ፓስፖርቱ ኣብ ሆቴል ገዲፉ ሕሳብ ናይ ሆተል ከይከፈለ ብዓሰብ ጌሩ ንጅቡቲ ክኣትው ኣብ ዶብ ጁቡቲ ብወትሃደራት ኤርትራዊያን ተታሒዙ ነስመራ ወንጀል መርመራ ካሜራ 27 ተቐዪዱ። ኣብ ሻንጥኡ ሰለስተ ዓይነት ፓስፖርት ተረኺብዎ ክንሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣይገደሰሙን ጥራይ እቲ ናይ ወርሕን ፈረቓን ሕሳብካ ክፈል ዓድኻ ትኸይድ ኢሎሞ፡ በሉ ስልኪ ኣደዉሉኒ ናብ ስድራይ ሰልዲ ንኽሰዱለይ ክነግሮም ምስ በሎም ሕራይ ኢሎም ኣደዊሎሞ፡

ሰልዲ ተላኢኽሉ ክወጽእ እንዳተባህለ፡ ኣሜሪካ እቲ ብላምባዲና ዝደልይዎ 257 ሕይወት ዝቐዘፈ ውልቀሰብ ኣስመራ ኣብ ወንጀል መርመራ ከምዘሎ ሓበረታ በጺሕዎም (Andrew K.wroblewski R.S.O IVG 596-2778) ብኣንድሪው ሮብለውስኪ ርጅናል ሰኩሪቲ ኦፊሰር ዝተመርሔ ጉጅለ ኣሜሪካ ናብ ኣብራሃ ካሳ ብምኻድ ናይ 257 ሕይወት ተሓታቲ ውልቀሰብ ፈዙል መሓመድ ኣል ዓምሪ ምሳኹም ከምዘሎ ሓበሬታ በጺሑና'ሞ ከተረክቡና ምስ በልዎ ኣብራሃ ካሳ ብንጽህና ተበጊሱ ከረክቦም ኢሉ እኻ ኢንተነበረ ንኢሰያስ ምስ ተወከሶ ከይትህቦም በሎ። ወዲ ካሳ ኣብ መዋጥር ኣትዩ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሰብ ምሳና የሎን እንተደሊኹም ምልክት ኣጻብዕቲ ክንህበኩም'ሞ ኣረኣእይዎ እሱ እንተኾይኑ ሕጂ ንህበኩም ኢሎም ናይ ሓደ ኤርትራዊ ምልክት ጻብዕቲ ሂቦሞም። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምልክት ጻብዕቲ ኣነጻጺሮም፡ ናብ ወዲ ካሳ ከይዶም እቲ ምልክት ኣይተመሳሰለን ንዝኾነ ግን እንተትህቡና ደስ ምበለና ነይሩ እንተበልዎ ይቕሬታ: እቲ ሰብ መቕጻዕቱ ወዲኡ ነጻ ተለቒቑ ዓዱ ከይዱ'ዩ ኢሎም ኣፋኒዮሞም። በዚ ዝተቆጠዑ ኣመሪካ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መቃለሲ ንግብረሽበራዊያን ሓገዝ ብሁጹጽ ደው ኣቢሎሞ።

http://www.meadna.com/business%20page/MEADNA-VIDEO/us-eritrea6.html ካብቲ ዝነበሮ ካሜራ 27 መጀመርታ ንካሜራ 4 ንገለ ሓሙሽተ ወርሒ ዝኸውን ብድሕሪኡ ንካሜራ 5 ቀይሮም ስጋብ ዓመት ይኸውን ሓቢኦም (see attachment – Exit Card) ብዕለት 20/10/06 ብምትሕብባር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንዱባይ ከምዝኸይድ ተገሩ።

Click for larger image

ኣብ ዝስዕብ ራባዓይ ክፋልን መወዳእታን እቲ ኣብ መጥቃዕቲ ዩ ኤስ ኤስ ኮል ዝተሳተፈን ከምኡ'ውን ኢሰያስን ርክባት ኤምባሲታት ኤርትራን እስራኤልን ዝብል፡ ከምኡ'ውን ኣሜሪካ ስጋብ ሕጂ ንስለ መን ኢሎም ተጸሚሞሞ እቲ ናይ 2004 ናይ ዓዲ ለቒቕካ ውጻእ ሱጉምቲ ንምንታይ ኣየተግበርዎን ዝብል ሓተታ ክቐርብ እዩ።

 

ሰብኣዊ ካብ ለንደን

 

 
Last Updated: Wednesday, 10 January 2007, 13:32 GMT
Key US embassy bombings suspects
US embassy in Nairobi following bomb attack in August 1998 (file photo)
More than 250 people died in the 1998 attacks
More than 250 people died in the 1998 attacks on US embassies in Kenya and Tanzania, for which al-Qaeda claimed responsibility.

The US also holds the same cell responsible for attacks on an Israeli aircraft and Israeli-owned hotel in Kenya in 2002, in which 15 people died.

Few details about key figures have been officially released. BBC News Online pieces together what little is known about three of the suspects.

 

FAZUL ABDULLAH MOHAMMED

Fazul Abdullah Mohammed on the FBI website
Mohammed allegedly trained with Osama bin Laden in Afghanistan
There are unconfirmed reports that Fazul Abdullah Mohammed was killed in a recent US air strike in southern Somalia, according to a US intelligence report passed on to the Somali authorities.

Mohammed, 32, from the Comoro Islands, was allegedly being harboured by Somali Islamist militants, who have challenged the country's Ethiopian-backed transitional government for power.

Mohammed joined al-Qaeda in Afghanistan and trained there with Osama bin Laden, the terror network's leader, according to the transcript of an FBI interrogation of a known associate.

He had a $5m (£2.6m) reward on his head for allegedly conspiring to bomb the US embassies in Kenya and Tanzania in 1998.

He was also suspected of planning the car bombing of a beach resort in Kenya and a near simultaneous attempt to shoot down an Israeli aircraft in 2002.