እገዳ፤ ይሰርሕን ፈረቓን

ካብ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ብጆርጅ አ. ሉፐዝን ደቪድ ኮርትራይት
(ሰነ/ነኅሰ 2004 – “ወጻኢ ጉዳይ” መጽሔት) ዝተተርጎመ

by George A. Lopez and David Cortright,
(July/August 2004 – “Foreign Affairs”)
Summary: The failure to find weapons of mass destruction in Iraq has prompted much handwringing over the problems with prewar intelligence. Too little attention has been paid, however, to the flip slide of the picture: that the much-maligned UN-enforced sanctions regime actually worked. Contrary to what critics have said, we now know that containment helped destroy Saddam Hussein's war machine and his capacity to produce weapons.

SUCCESS DISREGARDED (ገጽ 6 – 8)
ዝበርተዐ መርበብ (A Stronger Net)

ክሳብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኲናት (እዚ ብ2004 ሓምለ/ነሓሰ እዩ ተጻሒፉ) ኣብ ዋሺንግተን ገለ ሰባት ብዛዕባ ኣድማዕነት ናይ እገዳን ትዕዝብትን (ኢንስፐክሽን) እኳ እንተኣመኑ እቲ እገዳስ ክፈሽል እዩ ዝብል እምነት ኔሩዎም። ከንዝ ፖላክ ኣብቲ ወርሓዊ ኣትላንቲክ እትብሃል መጽሔት ነዚ ትንታነ እዚ ብጥሪ 2004 ደጊምዎ። ማለት ናይቲ ኲናት ኣድላይነት “እቲ ምቁጽጻር ንኩል ግዜ ክቕጽል ስለዘይክእል”ን ሳዳም ድማ “ናይ ኣጽዋር መደባቱ እንደገና ክሃንጽ ይኽእል እዩ” ብዝብል ምኽንያት ገሊጹ። ደገፍ ናይ እገዳ ኣብ መወዳእታ 1990 ክሃፍፍ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ናይ ቡሽ ምሕደራ ኣብ መፈለምታ 2001 ዕዙዝ ናይ ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ኣካየዱ። ነቲ እገዳ ኣማሓይሹን፣ ኣህጉራዊ ደገፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ዝያዳ ትኩረት ዝዓይነቱ ኣገባብ ናይ ኣጽዋር እገዳን ምስኡ ዝዛመድ ኣታውን ከምዝምልከት ጌሩ።

ሓደ ካብዚ ዋና ምኽንያት ናይዚ ሓድሽ ዘመተ እዚ ንኹሉ ዘሰማምዕ ጉዳይ ““ስማርት” እገዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እዩ። ናይዚ “ስማርት” እገዳ ዕላማ ነቲ ስርዓት ብጽብብ ዝበለን፣ ኣጽዋር ብምኽልካልን፣ ወተሃደራዊ ንዋት ብምግታእን፣ ሲቪላዊ ንግዲ ከይተንከፍካ ንምትግባር ነበረ። እዚ፣ ሳዳም መሳርሒ ኲናት ከይዓጠቐን ኣጽዋር ከየዘቕበበን፣ ንቑጠባ ኢራቕ እንደገና ክሃንጽ ተኽእሎ ይህብ። ኣብዚ እዋን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ኮሊን ፓወል ንእገዳ ምምሕያሽን፣ ኣብቲ ዝግበር ዝርርብ፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ናይ በንዚን-ንመግቢ-ኮንትራክታት ዝነበራ ምድስካል ከተቛርጽን፣ በዚ ድማ ንግዲ ናይ ሲቪላዊ ኮንትራክታት ናብ ሩስያን ቻይናን ፈረንሳን ንክኸይድ ኣኽኢሉ። ሓድሽ ኣገባብ ናይ መዕዘቢ ክትትል ናይ ሓባራዊ ትጥቀመሉ ኣቑሑ ተኣታትዩ፤ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣጽዋር ዝነበረ ምድራት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ንግዲ ዝነበረ እገዳ ግን ተላዒሉ። እቲ እገዳ ነቲ ሲቪላዊ ንግዲ ከይዓጸወ ናብ ኣጽዋር ምኽልካል ገጹ ምስ ኣድሃበ ኣህጉራዊ ደገፍ ናይዚ እናበዝሐ ከደ። “ስማርት” እገዳ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ጉዳይ ካብቲ ጣውላ ኣልጊሱ፣ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ናይ ሓባር ናይ ጸቕጢ መስርሕ ኣማዕበለ። ኣብ መወዳእታ 1990 ዝነበረ ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ምክፍፋል ኣብ 2002 ገጹ ተለዊጡ፣ ናብ ሙሉእ ናይ ኣባላት ስምምዕ ኣድሃበ። ናይ ነዊሕ እዋን ወተሃደራዊ ቁጽጽር ዝምልከት ኣገባባት ሰለጠ። እዚ ሓድሽ እገዳ ውሳነ ፖሊቲካዊ መላእ ምስምማዕ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣታኣታትዩ፣ ንዘይተወሰነ ግዜ ክኸይድ ዝኽእል ናይ ኣጽዋር ምኽልካል ሰረተ።

ቁሩብ ኣዋርሕ ቅድሚ እቲ ኲናት፣ ናይ ቡሽ ሰበ ስልጣናት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ሃዲዶም ነቲ እገዳ ከምዘይጠቅም ጌሮም ክወስድዎ ከለዉ፤ ነቲ ናይ እገዳ ስርዓት ዘሕይል ስጉምትታት ተወሳኺ ሓሳባት ቀረቡ። ብሓምለ 2002 ኣብ ቅድሚ ናይ ላዕለዋይ ባይቶ ናይ ወጻኢ ዝምድና ኮሚቲ ኣብ ዝገበሮ ምስክርነት፤ ሞርቶን ሃልፕሪን ዝተባህለ ናይ ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዲረክተር-ነበር ናይ “ወሰኽ ቁጽጽር” ሓተተ። ናይዚ ኣገባብ ዕላማ በለ ሃልፕሪን፤ “እቲ ቑጠባዊ እገዳ ናይ ኣልማማ መጥፊኢ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኣጽዋር ኣቑሑን ወተሃደራዊ መደባትን ካልእን ኣጥቢቑ ብምስሓብ ናይ ኢራቕ (ነዚ ኣጽዋር ዝኸውን) ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብቲ ናይ ሕ.መ. እገዳ ወጻኢ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ንምትሓት እዩ።”

ነቲ እገዳ ብዝያዳ ንምጽፋፉን ምሕያሉን ኣብ ልዕሊ’ዚ ተወሳኺ ስጉምቲ ክወሰድ ይከኣል ኔሩ። እዚ ማለት ናይ እገዳ ናይ ምክልኻል ሚሽናትን ኣብ ዶብ ኢራቕ ክግበር ዝከኣል ናይ ኣቑሑ ምንቅስቓስ ንምክትታልን፣ ሕጋውነት ዘይኽብሩ ኩባንያታት ማለት ናይ ኢራቕ ዘይቲ ንምሻጥ ብዝብል ዝህብዎ ጉቦ ምጥፋእን፤ ናይ ኢራቕ ዘይትን ናይ ኩሉ ዝሽየጥ ናይ ዘይቲ ንግዲ ፓብሊክ ኦዲተር (ሕሳብ ምቁጽጻር) ከምዝግበረሉን፣ ነቲ (ሽዑ) ክፉት ዝነበረ ናይ ሶርያን ኢራቕ ናይ ዘይቲ መስመር ወይ ምዕጻዉ ወይ ምቁጻጽሩ ዝኣመሰሉ ክትግበሩ ይኽእሉ ነይሩ። እዚ ናይ መወዳእታ ዝተባህለ ፍሉጥን ክግበር ዝከኣል ኣዩ ኔሩ። ካልእ ስጉምቲ ግዜን ዲፕሎማስን ዝወስድ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብዚ ኣሜሪካ ጸብለትነንት ስለዝነበራን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ነጊራ ስለዝነበረትን፣ ነዚ ተጠቒማ ነቲ ገመድ ከተርርሮ ትኽእል ኔራ። ምስ ኣሜሪካ ዝተመሓየሸ ዝምድና ክምስርታ ምእንቲ ሶርያን ጎረባብትን ንኽተሓባበራ ምጽዋዕ ይከኣል ኔሩ። እዚ ንናይ ነዊሕ እዋን ቁጽጽርን፣ ዝበለጸ ዝምድና ኣብቲ ከባቢ ናይ ምምዕባል ሰረት ክትከል ይኽእል ኔሩ። ከምቲ ካልእ ዘይ-ናይ ኣጽዋር ኣገባብ (ማለት ሰላማዊ) ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ናይ ኣሜሪካ ዕላማ ትወቅዕ ኣብነት እዚ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ’ውን ተነጽገ።

ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ዝተገብረ “ስማርት” እገዳ፣ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ናይ ቡሽ ምሕድራ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ቁሩብ ኣዋርሕ ጸኒሑ መንግስቲ ኢራቕ ንተዓዘብቲ ተቕቢላን ብናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝሓየለ ውሳነ 1441 ተማእዚዛ ክትከይድ ተሰማሚዓ። ናይ ቡሽ ምሕድራ ኣብዘን 2 ዓመት፤ ነዚ ጉዳይ ንምትግባር ዘድልዮ ስምምዕ ንምርካብ ጻዕርታት ኣካየደ። ኣብ ሓጋይ ናይ 2002 ሕመረት ናይቲ ዝደለዮ ናይ ነዊሕ እዋን ምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢራቕ ጌሩ እንከሎ - ንኲናት ብምምራጽ ነዚ ገደፎ።

ናይ ትግባረ ነጸብራቕ (ደሞንስትረሽን ኢፈክት)
ናይ ኢራቅ ጉዳይ፣ ናይ ስለያ ትንተና ንሕሉፍ ዓወታት ኣብ ግምት ዘይእቱ እንተኾይኑ፣ ንመጻኢ ፖሊሲ እውን ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል የመልክት። ዋሽንግቶን ምስ ኢራን ሊብያ ሶርያን ሰሜን ኮርያን ዝኣመልሰኡ ሃገራት ብዛዕባ ምቁጽጻር ናይ ኣልማማ መጥፈእቲ ዝኾኑ ኣጽዋር (WMD) ተኣፋፊ ዘተ ክትጅመር እንከላ እቲ መልእኽቲ፣ ብፍላይ እኳ ንእገዳን ዲፕሎማስን ንዝምልከት… ካብዚ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።  

ብፍላይ ናይ ሊብያ ጉዳይ፤ እገዳ ናይቲ ስርዓት ጠባይ ኣብ ነዊሕ እዋን ናይ ምቅያሩ ክእለት ከምዘኸትል የገንዝብ። ሙዕማር ኣል ቓዛፊ ቀደም ከም ሳዳም ሑሴን ሽፍታ እዩ ዝቑጸር ኔሩ። ግዜ እናሓለፈን ሸኸም ናይ ኣህጉራዊ እገዳ እናኸበደን ምስከደ ግን፣ ሊብያ ናይ ኣህጉራዊ ኣካይዳ ክትቅበል ወሲና። በዚ ድማ ንሽበራውያን ምሕጋዝን ብምስጢር እትገብሮ ዝነበረት ናይ ኣልማማ መጥፍኢ ኣጽዋር (WMD) ምግዛእን ምምዕባልን ፈተነ ገደፈቶ። ፕረሲደንት ቡሽን ካልኦት ደገፍቱን ናይ ሊብያ ዙር ምምላስ ቀንዲ ምኽንያት ወኪል ናይ ካሊፎርንያ ዝኾነ ቶም ላንቶስ ዝብሎ ናይ “ፐዳጎጊክ ክብሪ” ናይ ኲናት እዩ ይብሉ። ብሓቂ ግን ናይ ሊብያ ገጽ ምግምጣል ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት እዩ ተጀሚሩ። ብ1990 ዝተገብረ ናይ ሕ.መ. እገዳ፣ ሊብያ ነቶም ሽበራውያን ኣብ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኸተቕርቦም ኣወሲንዋ። ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሽበራ ዝወጸ ናይ 1996 ናይ ስተት ዲፓርትመንት ጸብጻብ፤ “ብሊብያ ዝገበር ሽበራ ብድሕሪ’ቲ ናይ ሕ.መ. እገዳ ጎዲሉ” ይብል። ብድሕሪኡ ዝተገብረ ቀጻኢ ዝርርብ ምስ ጥሪቡሊ፣ ምትሕባባር ኣንጻር ሽበራን ከምኡ’ውን ናይ ሊብያ ሙሉእ ምግሃድ ብዛዕባ እተካይዶ ናይ ኑክለር ኣጽዋርን ምትሕብባር ብዛዕባ ናይ ምፍንጥሑን ኣኸቲሉ።

ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ናይ ክሊንተንን ናይ ቡሽን ምሕድራ፣ ናይ ሊብያ ምምሕያሽ ካብ 1990 ኣቢሉ ምዃኑ ይእመኑሉ እዮም። ፍሊን ለቨረት ዝተባህለ ላዕለዋይ ድረክተር ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ናሽናል ሰኩሪቲ ካውንስል ብ2003 ብዛዕባ ናይ ኢራቕ ኲናት ክጽሕፍ እንከሎ “ናይ ሊብያ ንጥፈት ኣብዚ ኣዋን እዚ በዚ (ናይ ኢራቕ ኲናት) ዝተረኽበ ለውጢ ኣይኮነን…..እንታይ ድኣ ሊብያ ብዝተዘርገሐላ ዝእመን ናይ ዲፕሎማስያዊ ኣእዳው.........እዚ ድማ ነቲ ክትወቕዖ እትደሊ ናይ ውሽጥን ወጻእን ዕላማ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸበቶ እዩ።….” (ናይ ኣቦኡ ስልጣን) ወራሲ ዝበሃልን ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ወዱ ንመራሒ (ሊብያ)፣ ሰይፍ ኣል ኢስላም ኣል ቓዛፊ፣ ንለ ሞንድ ዝተባህለ መጽሔት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሊብያን ዝምድና ዘተ ካብ ነዊሕ እዋን ከምዝጀመረን ምስ ናይ ኢራቕ ኲናት ዘራኽብ ከምዘይብሉን ነጊሩ። ሓቂ እዩ፤ እገዳ ጥራሕ ኣይኮነን ንሊብያ ቀይርዋ። እንታይ ድኣ ምስ ናይ ዓለም ቑጠባ ንምትእስሳር ዝነበራ ድሌት ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ኮይኑ ስለዝተረኽበ እዩ።

ነዚ ናይ እገዳን ትዕዝብትን ኣብ ኢራቕ ከመይ ጌሩ ከምዝሰርሐ እንተድኣ ክትርዳእ ዘይተፈቲኑ፣ ኣሜሪካ ሕጅውን ጌጋ ኣብ መጻኢ ክትድገም ትኽእል። እቲ ናይ ስለያ ሽግር ዝበሃል እምበኣር ነዚ ናይ ምትንታንን ስለምንታይ ብዙሓት ሰበ ስልጣን ኣብ ኢራቕ ዝነበረ ምግናኖምን፣ ብዛዕባ እቲ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣገባባትን መረዳእታት ስለምንታይ ኣብ ግምት ዘይምእታዎምን እዩ። ነቲ ዝዕወት ዝነበረ ትዕዝብትን (ኢንስፐክሽን) እገዳን ወሰን (ብምግላል) ዋሽንግተን ክሰርሕ ዝኽእል ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ኣልጊሳ፣ ኣብ ጌጋ ናይ ሓበሬታ ብምምርኳስ ናይ ምክልኻል ኲናት ኣብ ቦትኡ ኣበገሰት።

********
እዚ ኹሉ እንታይ ንማለት እዩ፤ እገዳ ይሰርሕን ፈረቓን፣ እኳ ድኣ ስለዚ እዩ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሸበድበድን መኸተን ዲፕሎማስያዊ ወፍርን ኣእትይዎም ዘሎ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ወጻኢ ጸሓፍቲ ኣዋፊሮም ይርከቡ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...