ካልኣይ ክፋል ይቕጽል።

መሰረታዊ መፍለይ ህዝባዊ ሓይልታት ጭብጢን መንነት ናይቲ ኣተግባሪ ዲክታቶር ኢዩ። ንተዘክሮና መታን ውዕውዕ ትገብር  ናይ ሓንቲ መዓልቲ ምስሉን ምስሊ ቲቪ.ኤረን (ዕለት 31.12.2009) ከም መወከሲት ገለ ጽሑፋት ተኻታቲለ ድሕሪ ምውህላል፣ እዛ ዕለት እዚኣ ከምተን ዝሓለፋ ናይ 43 ዓመታት፣ ናታ ትሕዝቶ ቁንጭል ኣቢለ ኢየ ከቅርብ ዝመረጽኩ። ቀንዲ መቐጸልታ ናይተን ዝመጻ ተኻታተልቲ ትሕዝቶይ ግን ነቲ መፍለይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝሃበቶ ፈላሚ መግለጺኣ ንሕናን ዕላማናን“  ኢየ ከተኩር። እዚ እውን ጉዳይና ንምብራህ ዝሓለነ ስለ ዝኾነ።

ነዛ ብኢድ ዝተጻሕፈትን ብኢሰያስ መግለጺት ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ድሕሪ ምንጻል እታ ውድብ፣ ንኤውሮጳ ዝርከቡ ሓደስቲ ስሩዓቱ ዝተጻሕፈትን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ 15.02.1986 ካብ ኣብ ወካሊ ውድብ ዝኾነ ቤት-ጽሕፈቱን ምስ ክታም ኢሰያስ ዘለዋ መረጋገጺት ሰነድ ኢየ ዘቕርባ ዘለኹ። እዚ ኣብቲ እዋን ዕድምኡ 26 ዓመት ዝኾነ ኣተሓሳስብኡ ከመይ ዝበለ ነይሩ? ሕጂኸ ብተዛማዲ ኣነጻጺርካ እንታይ ለውጢ ኣምጺኡ ንምግማጋም ዘኽእል፣ መነጻጸሪት ሰነዲ ኢያ። ትንታኔ ናይቲ ብድሕሪ ኣጸሓሕፋን ለውጢን ግን ነተን 24 ገጻት በብዕለቱ ቀጻሊ ድሕሪ ምቕራበይ ኢየ ርእይቶይ ዝህብ።
 
(እታ 24 ገጽ ዘለዋ ጽሕፍቲ ብኢድ ዝተጻሕፈትሉ ዕለታ ሕዳር 1971።)
 
(ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ
ንሕናን ዕላማናን።
ሕዳር 1971 ዓ.ም.ፈ.
ገጽ 1
ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ንሕና መን ምዃናን ርእይቶና ብዛዕባ ሓደ-ሓደ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይ ሃገርናን ዝገልጽ ጽሑፋት በብግዜኡ ዘርጊሕና እኳ እንተነበርና ካብ ዋሕዲ ገንዘብን መሳርሕን ጽሑፋትና ናብቲ ዝድለ ቦታታት ከም ዘይበጽሕ ንርድኦን ንፈልጦን ኢና።
 
ሕጂ ነቲ ዓቢ ዕድልን ምቹእ ግዜን ረኺብና ,,ሕናን ዕላማናን“ ብዝብል ኣርእስቲ እነቕርቦ ታሪኻዊ ጽሑፍ፣ ኣገደስቲ ንጉዳይ ሃገርና ኤርትርን ህዝቢ ኤርትራን፣ ንደገፍትና ብፍላይን፡ ንህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ፣ ሚዛን ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ሸለልትነት ከይወሃቦ እናኣዘኻኸርናን እናአጠንቀቕናን፣ ንሕና መን ከም ዝኾናን ንምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ገድሉን እንታይ ከም ዝኾነ ክፈልጥ ንዝደሊ ተገዳሲ ብሩህን ኣጽጋብን መልሲ ከም ዘለዎ ነረጋግጽ።
 
ንሕና ማልት እዞም ኣብ ቅድመኹም ዘለና ተጋደልቲ ኤርትራውያን እቶም ብመጋቢት 1969 ዓ.ም.ፈ ካብ ምምሕዳር ,,ቕያድ ኣል ዓማ“ ዝተፈለና ኢና። እወ ንሕና ዳርጋ ኩላትና ወይ መብዛሕትና ብትውልዲ ብባህልን ብታሪኽን ክርስትያን ኢና። ብደገ ናይ ኩነታትና ህላዌ ዝርኢ እውን ,,ሃይማኖታውያን“ ኢዮም ይብል ይኸውን፣ ዕላማና ዘይፈልጥ ከምኡ ምስ ዝብል ኣይታሓዞን ኢዩ ምባል ብሸልልትነት ክንሓልፎ ስለ ዘይንደሊ ግን መንነትናን ዕላማናን ክፈልጥ ንዝደሊ ንጽሑፍና ብምሉኡ ንከንብብ ሓደራ ንብል።
 
ብንባብን ብወረን ዘይኮነ እውን ብዛዕባና ግር ዝብሉ ነገራት ምስ ዝህልዉ ክንራኸቦን ከነፍልጦን ቅሩባት  ከም ዝኾና ነረጋግጽ።
 
ንሓና ንምንታይ ከምዚ መዀኒናን፣ ንምንታይ  ከምእተፈለናን መድወኛ ትርጉም ርሕቐት ምኽንያት ንርድኦ እኳ እንተኰንና ተዓዘብትን ተገደስትን፣ ክርስትያን ንምንታይ ተፈልዮም፣ ከመይ ኢሎም ተፈልዮም? መኣስከ ተፈልዮም? እንታይ እዩ ዕላምኦም? እንታይ ኢዩ ድልየቶም? ሃይማኖታውያን ዲዮም ሃገራውያን? ተጋደልቲ ዲዮም ምእመናን? መድሓርሓርቲ ድይም ገስገስቲ? እንታይ……..፣ ከመይ…….? ስለምንታይ……..? እናበሉ ከምዝሓቱ፡ ምስ ገዛእ ርእሶም ተመራሚሮም ኣጽጋቢ መልሲ ከይረኸቡ ከም ዝሽገሩ ንግንዘቦ ኢና። ንሱ ተሪፉ ዝተዘወረ መልሲ ርኺቦም ዝሓምዩናን ዝጸልኡናን ከም ዘለዉ ኣይንስሕቶን ኢና። ብዛዕባ ኩነታትና ሕቶታት ጥራይ ኣይኮነን ንሕተት፣ ርእይቶታት እውን ይወሃብ እዩ። ብዙሓት ናህና ተመሲሎም (ገጽ 2) ,,እንቋዕ ደኣ ካብ ኣስላም ተፈልዩ“፣ ገለ“ውን ,,እንቋዕ ደኣ ተፈልዩ፣ ክንደይ ኢሎም ደኣ ክጽመሙ“ ሓደ-ሓደ ድማ ,,እዚኣቶም ሃይመኖታውያን ኢዮም“ እዚባ……. እቲባ እናበሉ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓራት ኣትዮም፣ ዝትንትንዎ ርእይቶታት ይይቡ ይኾኑ። ኮታ ንዓና ንምቅላል፡ ንምንኣድ፡ ንምፍርራሕ፡ ንምክፋእ፣ ንምእራም፣ ንምግዛእን ካልእ ነንበይኑ ሸቶታት ዘለዎ ዕላማታትን ናብ ምምራሕ ዝወሃቦ ርእይቶታት ካብ ቁጽሪ ናይቶም ብሃልቱ ይበዝሕ ይኸውን።
 
ንሓታቲ ዘጽግብ መልሲ ንምሃብ፣ ከታልለና ንዝፍትን ካብ ድኻሙ ከም ዘቋርጽ ንምግባር፣ ንዝንእደና ናይ ምስጋና ቃል ንምቕራብ፣ ክገዝኣና ንዝፍትን መልክዕና ከምዘይንቕይር ንምርግጋጽ፣ ክእርመና ንዝፍትን ንደልዩ ሓሳባቱ ንምቕባል፣ ክገዝኣና ንዝፍትን ዕንጸይቲ ወይ እንስሳ ከምዘይኮና ንምርግጋጽ፣ ናትና’ምበር ናይ ካልኦት ሓላፍነት ከም ዘይኮነ ንርዳእ ኢና። እንታይነትና ዕላማናን ድምድ ቅድሚ ኩሉ ሓታትን ለፍላፍን ንሕና ባዕላትና ኣጸቢቕና ስለ ንፈልጦ መንነትና ንግላጽን ዕላማና ንምብራህን ናትና ሓላፍነት እምበር ናይ ካልእ ከምዘይኮነ እናኣፍለጥና፣ ጽሑፍና ጉሉሕ መረዳእታ ንክኸውን ተስፋ ንገብር።) ኣብዚ ጠጠው አብል ድሕሪ 1 ገጽን ፍርቂ 2ይ ገጽን ማለት እዩ።
************************************************************************************
ስለዚ እዩ ጉጉይ ኣቃላልሳ ሜላ ኣባላት ህ.ግ.ን ህዝባዊ ሓይልታትን ዝበሃል ዘሎ፤
 
እዚ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህዝብን ሃገርን ብግሉጽ ዝፍጸም ዘሎ ገበንን በደልን፣ እኩብን ውህሉልን ናይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዝተኻየድን ክንከላኸሎ ዘይከኣልናን ጉጉይ ናይ መላእ ኣቃላልሳ ሜላ ኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ሓይልታትን ኢዩ። እዛ ውድብ ክብል ከለኹ ብፍላይ ነቶም ክእርሙን ከመዓራርዩን ክብሉ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ኣይምልከትን። ክሳብ ሎሚ እውን እንተኾነ ነዞም ጀጋኑና ክላኸልሎም ዝተበገሱን ዝሃቀኑን በጻብዕ ዝቑጸሩ ኢዮም። እዞም ኣዝዮም ድሩታት ደፊሮም ክጽሕፉን ከእውዩን ዝኸኣሉ፣ ሕድሮም ብዘይምጥላሞም ክምስገኑ ይግባእ። እቶም ማዕከን ታሪኽ ሒዞም ዘለዉ፣ ዓለም ጽላለት ስለ ዝኾነት፣ ነዛ ገዛ ክራይ ዝኾነት ካብ ፕላነትና ቅድሚ ምስንባቶም፣ ዘለዎም ጓሕጊሖም ከውጽኡ እላበዎም።
 
ህዝባዊ ሓይልታት ጥር ኢላ ካብ ዝቦቖለትሉ ዕለት በብቕሩብ መሰል ተጋደልቲ እና ተሻራረፈ እና ተቖራረምን ሃደሽደሽ ኢሉ ዓንዩ። ህዝብን ኣባላት ሰራዊትን እውን ንመሰሉ ዝቃለሱ ጀጋኑ ከም ዘለውዎ ኣይተሓበሮን። ኣብ ውሽጢ ብፍላይ ኣብ ሓለዋ ሰውራ እንታይ ይፍጸም ነይሩ? ንሰራዊት እዛ ውድብ ተገሊጽሉ ኣይፈልጥን። እቲ ዘገርም ተሳሒቡ ዝእሰር ሰብ ብዝያዳ ደሃዩ ከይተሰምዐ ናብ ፍሉይ መልእኽቲ ከም ዝተመደበ ዝመስል መጸዋዕታ ተገይሩ ኢዩ ዝሓቅቕ ነይሩን ሕጂ እውን ብተዛማዲ ይሓቕን ዘሎ። እቲ ዝሓቅቕ ተጋዳላይ ናበይ ከይዱ ዝብል ብኣባላት ሓንቲ መስርዕ ዝቐርብ ሕቶ የለን። ብሓጺሩ ሓቲተ ነይረ ዝብል ውልቀ-ሰብ ኣብ ህዝባዊ ግንባር የለን። ብሓጺሩ ክሓትት ከም ዘይብሉ ከም ሕጊ ዝሰፈረ ኣካይዳ እታ ውድብ ብኹሉ ቅቡል ኮይኑ ተሰርሑሉ። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ክልተ ኣሕዋት እውን ሓደ ካብኦም ምስ ዝሰሓብ እቲ ካልኣይ ክሓትት ዝሃቀነ ፈጺኑ የለን። ብመላእ እቲ ተጋዳላይ መሰሉ ክግፈፍ ተቐቢልዎን ብስቕትኡን ኣጽዲቕዎ ኢዩ። ክሳብ ከምዚ ዝበለ መነባብሮን ህይወት ከሕልፍ ዘጽቀጠ ተጋዳላይ ሃገር ከውሕስ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ዝጽበ ሃገራዊ ለዋህ ተባሂሉ ኢዩ ጥራይ ዝጽዋዕ።
 
ህዝባዊ ሓይልታት ነቲ ኣብ መስከረም ሓደ 1961 ዝጀመረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ብራእስታት ጀብሃን ዝተመስረተ፣ ዘስዓቦ ኣዝዩ ድሑር ቀቢላውን ናይ እምነትን ጸገማት ንሽግር እታ ሃገር ክፈትሕ ኣይክእልን ካብ ዝብል መርገጺ ኢያ ክትንጸል ዝወሰነት። ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ምንጻል መርገጺ እውን ኣብ ውሽጢ ተሓአ ናይ ምትዕርራይ ፈተነ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ከም ዝተበጽሐ ኢዩ ብጹሕፍ ተዘርጊሑ። ክዕረ ዘኽእል ኩሉ ፈተነታት ስለ ዝተጸንቀቐን፣ ናይ ምንባር ሕቶ ናይ ዝተወሰኑ ተጋደልቲ ህይወት ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተዉን ዝገልጽ ጽሑፍ ከም ጭብጢ ቀሪቡ። እስኪ ነታ ሕዳር 1971 ብዕሊ ዝወጸት ጽሕፍቲ እታ ውድብ ነንብባ። እዛ ኣብ ላዕሊ ተጀሚራ ዘላ ጽሕፍቲ እዚኣ ብኢሲያስ ኣፈወርቂ ዝመርሓ ጉጅለ ዝወጸት ዕላዊት ጽሕፍቲ ኢያ። ኣብ ናይ ምፍልላይ መድረኽ ዝደየበ ንሱ ብወገኑ ንምምዕርራይ ይብል፤ እንታይ ኣማዓራርዩን ኣመሓሽን ክንግምግም ታሪኽና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እነማዕዱ ኣበይ ኢና ተዘንጊዕና ዘብረሃልና ኣንፈት ክረክብ ንኽእል ኣብል። እቲ ሰነድ ብጭብጢ ከም ዘለዎ እየ ዘቕርብ ዘለኹ።

(ኣብ ገጽ ክልተ ዝቕጽል ኣርእስቲ ,,ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራን ሕብረተ-ሰባን“) ዝብል ኢዩ ክቕጽል።
 
ጽቡቕ ምክትታልን ንባብን።
ተስፉ ዘውደ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...