{autoremote linkfromdisplay="false" height="30" width="320" shuffle="false" autostart="true" plthumbs="false"}http://tewahdo.org/images/stories/mp3/diocese/Abune%20Makarios%20Lidet.mp3{/autoremote}
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡-

ፍትዋት ኣሕዋት ምእመናን ሰላመ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዘለኹሞ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን! ናብዚ ናብ ብርሃነ ልደት ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንኹልና እንቋዕ ኣብጽሓና። ንዝመጽእ ዘመናት ከኣ ብሰላም ብፍቕሪ ይሓልወና ኣምላኽ። ሕጂ ካብ ብሥራተ ሉቃስ ምዕራፍ ክልተ ስለቲ ናይ መድኃኒና ልደት ዘውስእ ከንብብ እየ። ሉቃስ ምዕ 2፡1-20 ኣንብቡ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዓቢ ሓጎስ ዝኸውን ኣብ ሓደ ቤተ ሰብ ሕጻን ኪውለድ ከሎ፡ እቲ ሕጻኖም መጀመርያ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከሎ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ ኪወጽእ ከሎ፡ ወይ ኪምርዖ ከሎ ኢዩ። እዚ ግና ነቶም ቤተ ሰብ ጥራሕ እዩ። ሓደ በዓል ከኣ ይነብር’ዩ። ሰብ ዝተወለደሉ መዓልቲ ከብዕል ከሎ ንሱን ቤተሰቡን እዩ። ወይ ከኣ ናይታ ሃገር ንጉሥ ውላድ ኪውለደሉ ከሎ፡ እቲ ንጉሥ ህያባት ይህብ፥ ነቶም እሱራት ማእሰርቶም ቅልል ቅልል የብለሎም ወይከኣ ዝፈትሖምውን ኣለዉ፥ ግን ኣብታ ዓዲ ጥራሕ ኢያ እታ ሓጎስ።

ናይ መድኃኒና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ግና ንኹሉ ዓለም ዚኸውን ሓጎስ እዩ ዝተባህለ። ንኹሉ ዓለም ሓጎስ ድማ ኢዩ ዝኸውን። እንሆለ 2009 ዓመት መቑጸሪ ዘመን በጺሕና ኣሎና። እቲ ልደት ናይ ጎይታና ናይ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ግን ኩሉ ሳዕ ሓዲሽ እዩ። ኩሉ ሳዕ ሓዲሽ እምበር ዝኣረግ ኮይኑ ኣይስምዖን እቲ ሰብ። ኩሉ ቤተሰብ ከኣ ይራኸብ በቲ ልደት። ሰማያውያን መላእኽትን ምድራውያን ኖሎትን ዝተራኸብሉ እዩ። ሕጂ ኣሕጽር ኣቢለ ከንብበልኩም እየ። እቲ ንባበይ ከኣ ፍልጠትኩም ዝተፈላልየ ኢዩ። ካብ ናተይ ንላዕሊ ፍልጠትኩም ዘሎኩም ኣሎኹም። ከምዚ ከማይ ከኣ ኣሎኹም። ሕጻናት ከኣ ኣለዉ። ንኹሉ ዝኸውን ኢና እቲ ንባብ እንገብሮ።


ሊቀ መላእኽቲ ገብርኤል ንቅድስት ድንግል ማርያም መጋቢት 29 ዕለት ዘበሠራ ኣብ ናዝሬት እዩ ዝነበረ። ቅዱሳት ቤተሰብ ካብ ፍልስጤም ናብ ግብጺ ምስ ተሰደዱ፡ ካብ ግብጺ ከኣ ናብ ፍልስጤም ምስ ተመለሱ፡ ናብ ናዝሬት ከይዶም ኣብኣ ተቐመጡ’ሞ፡ መድኃኒና ናዝራዊ ዝበሃል ቅጽል ስምውን ተወሰኸሉ። ናዝራዊ ክንብል ከሎና፡ ከምቶም ዘይባሕታውያን ባሕታውያን መሲሎም ዝኸዱ ኣይኮነን። ዕብራይስጢ ናዝሪን ክብል ከሎ እቶም ደቂ ብፅዓት፡ መስተ ዘይሰትዩ፡ ሥጋ ዘይበልዑ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ዕለተ ስቕለት ዮሓንስ ወንጌል 19፡19 ‘’ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ ኣይሁድ’’ ተባሂሉ’ዩ ዝተጻሕፈ። ሓዋርያ ናትናኤልውን ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሠናይ ክመጽእ ይከኣል እዩ በለ። ዮሓ 1፡46 ናይ ቤተ ልሔም ነገር ኣይተላዕለን ማለትና ኢና።

ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዝመነ ልደትን ጥምቀትን ዝንበሩ ናይ ሮማ ገዛእቲ ሽም ይጠቅስ። ኣብ ጥምቀት ዝነብሩ ሊቃነ ካህናትውን ሽሞም ይጠቅስ’ዩ። ኣብ ዘመን ልደት ዝነበረ ኣውግስጦስ ቄሳር ካብ 27 ወይ 26 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 14 ዓ.ም ዝገዝአ ናይ ሮማ ቄሳር እዩ። እዚ ኣውግስጦስ ዝበሃል ንጉሳዊ ቅጽል ስም ብኣውግስጦስ ደኣ ንመጀምርታ ጊዜ ይጸውዓዕ እምበር ብድሕሪኡን ንዝነብሩ ሰዓብቱውን ተጸዊዖምሉ እዮም። ከምቲ ናይ ግብጺ ጥንታውያን ነገሥታት ፈርዖን እናተባህሉ ዝገዝኡ ዝነብሩ’ዩ። ፈርዖን ማለት ከኣ ዓቢይ ገዛ ማለት እዩ። ካልእ ትርጉም የብሉን። ካብ 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ቁስጥንጥንያ ኮይኖም ዝገዝኡ ዝነብሩ ዑስማናውያን ‘’ኣል ባብ ኣልዓሊ’’ ላዕላይ በሪ’’ እናተባህሉ ይጽውዑ ኔሮም ማለት እዩ። ስለዚ እቶም ናይ ሮማውያን ኣውግስጦስ እናተባህሉ ይጽውዕሉ ኔሮም ማለት እዩ። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕ 25፡21-25 ዘሎ ኣውግስጦስ ግና እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ኣይኮነን ኔሮን እዩ። ኔሮን ከኣ ዝገዝአ ካብ 54 ዓ.ም ክሳብ 68 ዓ.ም ዝገዝአ ናይ ሮማ ቄሳር እዩ።

ፍቁራት ሰማዕተይ! በሉ ካብዚ ዘንበብናዮ ብሥራት ሕልፍ-ሕልፍ ኢለ ሓደ-ሓደ ነገር ከብርሃልኩም። ኣብ ሉቃ 2፡7 ቦኽሪ ወዳ ወለደት ይብል። ቅድስት ድንግል ማርያም ብቅድሚ ጎይታና ይኹን ብድሕሪኡ ደቂ ኣይነበርዋን። ንሱ ንባዕሉ ወልድ ዋሕድ ‘’ሞኖገሚስ’’ ተባሂሉ እዩ። ንሳ ኸኣ ነቲ ሊቀ መላእኽት ከበሥራ ከሎ፡ ኣነኮ ሰብኣይ ኣይፈልጥን‘የ እያ ዝበለቶ። ብቅድሚኡ ኣይነበረን ሩካቤ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ድሕሪ እቲ ኩሉ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ዘበሠርዎ ነገር ከኣ ኣይነበረን። ዋእ! ኣሕዋት ጎይታ ዝበሃሉ እንዶ ኣለዉ ዝብል ከኣ ሓደ-ሓደ ክነብር ይኽእል እዩ’ሞ ንሱ ኣብ ካልእ መዓልቲ  ብካልእ ቦታ ኣስፊሐ ከብርሃልኩም እየ። ኣብ ቁጽሪ 8 ከኣ ስለ እቶም ጓሶት ይዛረብ፡ ጓሳ ምዃን ነውሪ ኣይኮነን። ዝጓሲ ሰብ፡ ሓሰማታት ዝጓሲ ስገአን ኣይበልዕ፡ ቆርበተን ኣይንጸፍ፡ ጸብአን ኣይሰቲ፡ ጨንአንውን የሸግርኦ እየን። ኣብቲ ሉቃስ ወንጌል እቲ ጠፊኡ ዝነብረ ወዲ ምሳሌ እዩ። ግን መሲለ ዝነግሮ ንኽመስሎ። ንዓታተን ክሕሉ ከሎ ‘’ምን ሖመረ ጽዋዕ ጽራዕ እለ ይሴሰዩ ቦቱ ኣሕርው’’ ይብል፡ ትርጉሙ ካብቲ ንሳተን ዝበልዕኦ ዝነበራ ሕሞር እኳ ዝህቦ ኣይነበረን።

ስለቶም ጓሶት ግን ተመልከቱ እሞ! ኣየ ጸጋ ኣየ ዕድል! ንኹልና ይሃበና ናይዚኣቶምስ፡ ናብ ገዝኦም ናብቲ ዘለውዎ መጺኡ እቲ መልኣከ-እግዚኣብሔር ኣበሠሮም። ከበሥሮም ከሎ ከኣ ቅድም ኣይትደንግጹ ኣይትፍርሑ፡ ንኹሉ ዓለም ሓጎስ፡ ደስታ፡ ፍስሓ፡ ሓሴት ዝኸውን ከበሥረኩም እየ በሎም። ደድሕሪኡ ከኣ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ብድንገት መጹ። እንታይ እናበሉ እዮም ዝመጹ፡  ‘’ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ’’ እናበለት ቤተ ክስርቲያንና ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ክትዝምሮ ትነብር ኣላ። ካብዚ ዝጥዕምዶ ኣሎ? ነጋዳይ እንታይ ትደሊ በልዎ? ደሓን በለ፡ ዕዉርከ ብርሃን። ዓለም ከኣ ካብዚ ዝጥዕም ኣይረክብን እዩ።

ተመልከቱ’ሞ ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ ብ451 ክሳብ 521 ዓ.ም ዝነበረ ናይ ሶርያ ኣቦ እዩ። ንሱ ኣብቲ ናይ ዓርቢ ስቕለት እንታይ ይብል፡ እቲ ሽፍታ ክኣመን ከሎስ እቲ ተመሃራ’ዩ ከሓደ ይብል ንይሁዳ። ንጓሳ ተመልከቱዎሞ፡ ጓሳ ከነልዕል ከሎ እንታይ’ዩ ትዝ ዝብለና ንኹልና? ቀዳማይ ጓሳ ዝነበረ ኣቤል እዩ። ካብተን ስቡሓት፡ ካብተን ጽቡቓት ኣባጊዕ’ዩ ዘቕረበ መስዋእቲ። ሠለስተ ኣበው ከኣ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ፡ ጓሶት እዮም ዝነበሩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብቲ ምድሪ ኣየውዓልዎን እቲ ጉልበቶም ኣብ ማሕረስ። ከብቲ እዮም ዝሕልዉ ዝነበሩ። ከብቲ ምሕላው ከኣ ነውሪ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ዝሃበካ ጥሪት ምሕላው እዩ። ሙሴ 40 ዓመት ኣብቲ ምድረ በዳ ኪቕመጥ ከሎ፡ ናይ ሓሙኡ ኤስሮን ኣባጊዕ እዩ ዝሕሉ ነይሩ። ዳዊት ንጉሥ ከኣ ቅድሚ ንጉሥ ምዃኑ ኣባጊዕ’ዩ ዝሕሉ ነይሩ። መጽሓፈ ምሳሌ እንታይ እዩ ዝብል ‘’እቲ ደጊ ሰብሲ ንእንስሳኡ ይርሕርሓሎም እዩ ይብል። መድኃኒና ከኣ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ 10፡1 ሕያዋይ ጓሳ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ሉቃስ 2፡11 ተጠቒሱ ዘሎ ክርስቶስ ዝብል ‘’ክርስቶስ’’ ግሪኽኛ’ዩ ናቱ ትርጉም ብዕብራይጢ መሲሕ’ዩ። ኢየሱስ ዝብል ቃል ግና ከምቲ ኩልና እንፈልጦን እንዝክሮን እነስተውዕሎን፡ ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጠቑሱ ኣሎ።

ንኣብነት መሲሕ ዝብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጥራሕ 300 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ብቕድሚ ልደት ኣብ ሻሙናይ ሚእቲ ዘመን ዝነበረ ኢሳይያስ ግን ኣብ ምዕ 7፡14  ኣማኑኤል እዩ ዝብሎ። ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና፡ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ማለት እዩ። ኣብ ካልእ ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 9፡6 ከኣ ከምዚ ይብል ‘’ሕፃን ተወሊዱልና፥ ወዲ ተዋሂቡና እዩ። እቲ ግዝኣቱ ከኣ ኣብ መንኩቡ እዩ። ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለዓለም መስፍን ሰላም፡ ኪስመ እዩ ይብል። ዝተባህለ እንተ ተባህለ ግና መድኃኒና ብኢየሱስ እዩ ዝተጸውዐ፡ ኢየሱስ ብምባል። ንምንታይ ኢየሱስ ማለት መድኃኒ እዩ። ብዕብራይስጢ ብንኡስ ኣንቀጽ እዩ ዝግሰስ ለሆሽያ ማለት ምድኃን ማለት እዩ። ስለዚ መድኃኒና ሥጋኡን ደሙን ንድኅነትና ስለ ዝሃበና ብኢየሱስ ብምባል እዩ። ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ጥራሕ 147 ጊዜ ኢየሱስ ዝብል ቃል ተጸዊዑ ኣሎ።

ዓልቢ ዘረባ ብዕለተ ልደት መድኃኒና እዩ ሰላም ዝተባህለ። ብዕለቱ እምበር ብካልእ ከምቲ ትፈልጥዎ ዕልል እዩ። እቲ ዕልልውን ናይ ሓጎስ እዩ። እተን ኣንስቲ ዓድና መድፍዕ ስለ ዘይነበረ ቀደም፡ ሻንባኝ ስለ ዘይነበረ ቀደም ዕልል እየን ዝብላ። ዕልል ናይ ሓጎስ እዩ። ሕጂ ብዕለት መድኃኒና’ዩ ስብሓት ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ዝተባህለ። ንምንታይ፡ ደቂ ኣዳም እቲ ሓያል ብቕልጽሙ ነቲ ድኹም እናገዝአ ስለዝነበረ እዩ። መድኃኒና ካብ ምውታት ምስ ተንስአ ከኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን እዩ ዝበሎም። ካብ ሰላም ዝጥዕም ከኣ የሎን። ሰባት ክራኸቡን ክፈላለዩን ከለዉ’ውን ሰላም-ሰላም እዮም ዝበሃሉ። ብነገረ መለኮት ወገን ከኣ ክንምልከቶ ከሎና፡ ወዲ ኣምላኽ  ሥጋ ዝለበሰሉ፡ እቲ ረቂቅ ብግዘፍ ዝተራኣየሉ፡ ቃል ሥጋ ኮነ ወሓደረ ላዕሌነ ዝተባህለሉ መዓልቲ እዩ። ነዚ ክርዳእ ዝኽእል ሰብ ነዚ ሕጂ ዝብሎ ዘሎኹ ቃል ዝተረድአ እዩ። ንሱ ኸኣ እንታይ እዩ፡ ንግመ እናተራእየ ከይተሰምዐ፡ ንንፋስ ከይተራእየ እናተሰምዐ ከመይ ኢሉ ከምዝኸይድ ዝተረድአ ሰብ ንሱ ጥራሕ’ዩ ናይ ክርስቶስ ልደት ክርዳእ ዝኽእል።

እዚ ናይ መድኃኒና ንኹሉ ዓለም ዝኸውን ዝተባህለ ሰላም ከኣ ኣብ ወውልቅና ኣብ ቤተሰብ ከኣ፡ ኣብ ሃገራትን ጎደቦ-ጎደቦን፡ ኣብተን ሃገራት ከኣ ኣብ ውሽጠን፡ ኣብ ዓለም ኪኸውን ይመነ። ከም ዝሰፍን ከኣ ይግበረልና ኣምላኽ። ህዝቦም ብጥሜትን ዕርቃንን እናተሳቐዩ ከለዉ፡ ናይ ሃገር ገንዘብ ኣብ ሃገረ ባዕዲ ካብ  ዘቐምጡ መራሕቲ ሃገራትን፡ ደርሆ ጉቦ ካብ ዝበልዑ ደያኑን ኣድሕነና። ንዓታቶም ከኣ ካብ ዘዘለዉዎ ቦታ ብተሎ እለየልና። ዎ ኣምላኽ! ካብ ሃገር ንዝጎዪ መንእሰይ ዝመክር ዝገንሕ፡ ዝግስጽ ዘጸናንዕ ሽማግለ ኣይትኽልኣና። ሓላፍነቶም ዘይፈልጡ ብስም መራሕቲ ሃይማኖት ዘይኮኑ ክንሶምሲ ኢና ካብ ዝብሉ ሰባት ኣርሕቐልናን ኣድሕነናን፡ ኣሜን። ንስዉኣትና ዕረፍተ-ነፍሲ፡ ነደ-ስዉእ ሓፍቲ-ስዉእ፡ ሰበይቲ-ስዉእ፡ ጓል-ስዉእ፡ ጽንዓት ሃበልና። ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ባጤራ ቅልውላው ከኣ ብኸሃሊነትካ ብተሎ ኣርሕቐልና። ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትኩም ይኹን። ሰላም ርገጹ ሰላም ተጎልቦቡ። ነታ ዝተወለድናላ ሃገር ከኣ ኣብ ውሽጣ ዝናም፡ ምስ ጎረባብታ ከኣ ሰላም ይሃበልና። ነዘን ኣዕቍበናና ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ሃገረ ሰላም ሃገረ በረከት ስለ ዝኾና ኢና እተዓቝብናለን። ዓቢይ ገረብ እኮ ጽላል እንተዘይብሉ ሰብ ኣየጽልለሉን እዩ። ከምኡዶ ኣይኮነን? ንዓታተን ከኣ እግዚኣብሔር እቲ ሂብወን ዘሎ ጸጋ ይመልኣለን። ንዓና ከኣ ከምኡ ይሃበና።

በሉ ምእመናን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣይትረስዑ፡ ኣብ ዓዲ ባዕዲ ተሰዲድና ኣይትበሉ። ኣይተሰደድኩምን። ስኮላርሺፕ (ማሕደረ ትምህርቲ) ሂቡኩም ኣሎ እግዚኣብሔር ንኽትመሃሩ። ስለዚ ቋንቋ እንተ ኮይኑ ፍለጥዎ ኣጸቢቕኩም። ናይ ኢድ ሞያ እንተኾይኑ’ውን ኣጸቢቕኩም ምለኽዎ። ነቲ ቋንቋ ኣጸቢቕኩም ሱሩ፡ ጉንዱ ፍለጥዎ ኢኹም። ክትዛረብዎ ከሎኹም ከኣ ኣጽሪኹም ተዛረብዎ። ጽባሕ ትድለይሉን፡ ነቲ ቋንቋ ትደልዩሉን መዓልቲ ክመጽእ እዩ። ኣብ ካልእ ክሳብ ንራኸብ እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን። ሰላም ኩኑለይ!።

ብደቂቀ እንጦንዮስ ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝተመልአ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...