ክቡራት ኣንበብትና፡

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕለት 10 ግንቦት 2001 ምስ ኩሎም ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ብምርኻብ፡  ን6 ሰዓታት ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡

ሕቶ፡ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ይኸይድ ኣሎ? ኣብ ስዑዲያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ወያኔ፡ ርክብ ምክያድካ ዝገልጽ ዜና'ውን ወጺኡ ነይሩ። ሓቂ ድዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- በታ ዳሕረወይቲ ክጅምር። ኣነ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ኣይተራኸብኩን። ዘራኽብ ምኽንያት'ውን የብለይን።

መስርሕ ሰላም ሕጂ ዳርጋ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ናይ ሰነ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዝፍረም ዛጊት ኣብ ባይታ ኣይተተግበረን። እንታዩ'ቲ ጸገም እንተድኣ ኢልና፡ ምናልባት ሓደ ብሓደ እቶም መስርሓት ብዝርዝር ክንከዶም ንኽእል ኢና። ግን ከም ዝሓለፈ ዓመት ብዉሑዱ ኣብ ታሕሳስ ክጅመር ወይ ከኣ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክውዳእ'ዩ ዝብል ኣረኣእያ ወይ ትጽቢታት'ዩ ኔሩ። እቲ ናይ ፈለማ ዕንቅፋት ብእዋኑ'ውን ከም ዝተገልጸ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልርስ ኣብ ውሽጢ ጥቅሲ ''ናይ 6 ግንቦት መስመር'' ዝብል ኣሎ። ንሕና እዚ ናይ 6 ግንቦት መስመር ዝብሃል ንክልተ ዓመትን ፈረቓን መልሲ ኣይረኸብናሉን ኔርና። ግና ኣብቲ ውዕል ስለዝኣተወ “እወ ይእቶ ደሓር መዳህሰሲ'ውን ይኾነና፡ እንታይ'ዩ እዚ ናይ 6 ግንቦት መስመር ዝብሃል ዘሎ ከማን ንፈልጥ” ኢልና። ነዚ ናይ 6 ግንቦት መስመር ዝብሃል ክጣበቐሉ ዝጸንሐ ከኣ መንግስቲ ወያነ ስለዝኾነ፡ ንሱ ከቕርቦ'ሞ፡ ብኡ መሰረት ከኣ እቲ ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ክኽለል ተባሂሉ ስለዝነበረ፡ ኣብ'ቲ ስምምዕ ወያነ ናቱ ካርታ ኣቕሪቡ። ንሕና ኢና ተቓዊምናዮ ኢለ ኣነ ኣይዛረብን'የ። ዓለም ብምልኡ ተቓዊሙዎ። ምኽንያቱ ኣብ ሓንጎል ሰብ ዝኣቱ ወረቐት'ውን ኣይነበረን። ዓገብ ኢልና። ካብ'ቲ ስምምዕ ወጻኢ'ዩ። ነቲ ስምምዕ ከኣ ብመሰረቱ የፍርሶ ስለዘሎ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን'ዩ ተባሂሉ። ኣብ መወዳእታ እሞ ው.ሕ.ሃ ንዕኡ ዝመስሎ ኣብ'ቲ ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ይኸልል ተባሂሉ። እንተድኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዓሉ ኮይኑ ንሕና ጸገም የብልናን። እቲ እማመ'ውን ብኣና መጺኡ ይፍረም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕንቖ ደው ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ስምምዕ ክትግበር ክኽእል ኣለዎ። ንዕኡ ዘፍርስ ነገር ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ው.ሕ.ሃገራት ናቱ ሒዙ መጺኡ። ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ ኣለዎ ተባሂሉ። ንዕኡ ከኣ ብጽሑፍ ናትና መብጽዓ ኣረጋጊጽና። ብወገን መንግስቲ ወያነ'ውን ተቐቢልዎ እዩ ተባሂሉ። ኣብ መወዳእታ ወያነ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሊ ናይ ግዚያዊ ጸጥታ ዞባ ወያነ ኣይቅበሎን እየ ኢሉ። ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ወያነን፡ ኣብ መንጎ ው.ሕ.ሃገራትን ዘከራኽር ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳይ'ዩ።

ካልኣይ ናይ ነቶጉቲ ሕቶ'ዩ። እዚ'ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ፡ ነቶግቲ ክወጽእ ስለዘለዎ ኣብኡ ብኽልቲኣቶም ወገናት ንዝተቐብሩ ነቶግቲ ዝምልከት ሓበሬታ ክቐርብ ኣሎዎ ተባሂሉ። እቲ ኩነታት ክሳብ ዝበስል፡ ንሕና ሓበሬታ ናይ ነቶግቲ ምቅይያር ናይ ወያነ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ጸጥታ ግዚያዊ ዞባ እንከሎ ሓበሬታ ናትና ንዕኦም ምሃብ፡ ናቶም ንዓና ምሃብ'ውን ኣገባብ ኣይሃለዎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናቱ ሓደጋታት ስለዘለዎ፡ ንሱ ንው.ሕ.ሃገራት ክንህቦ ንኽእል ኢና፡ ግና ብሚስጢር ክዕቀብ ኣለዎ ዝብል ሓድሓደ ትዕዝብትታት ኔሩና። ግና ኣብ መወዳእታ ቀሪቡ'ዩ ብኻልእ ወገን። ንስኻትኩም ከኣ ኣቕርቡ ተባሂሉ። ሂብና ንሕና። ብሙሉኡ እቲ ዘድሊ ሓበሬታ ናይ ወረቐት ይኹን ካልእ። ኣብ መወዳእታ ወያኔ ናይ ነቶግቲ ሓበሬታ ኣየቕረበን ተባሂሉ። ብኣንጻሩ ጉጅለታት ወያኔ ኣብቲ ናይ ጸጥታ ዞባ እናሰሎኻ ሓድሽ ነቶግቲ ይቐብራ ኣለዋ። እዚ ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት'ዩ። ንሕና ምናልባት እቲ ናይ ሰራዊት ምውጻእን ዘይምውጻእን መመኽነይታ ከይከውን፡ ንሕና ብመሰረት እቲ ዝገበርናዮ መብጽዓ ካብ'ቲ ሰሜናዊ መስመር ናይቲ ዞባ ካብኡ ወጻኢ ሰራዊትና ከነመዓራሪ ኣሎና ኢልና ሰራዊትና ተሳሒቡ። ብኣዋጅ ከኣ ተገሊጹ። ንነቶግቲ ዝምልከት ሓበሬታ'ውን ተዋሂቡ። ናይ ወያኔ ናይ ነቶግቲ ሓበሬታ ግን ዛጊት ኣይተዋህበን። እዚ ናይ ነቶግቲን ናይ ሰራዊት ህላወን ዘይኮነ እቲ ንዓና ዘገድሰና፡ ንሕና ህዝብና ብሰንኪ እዚ ወራር እዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣደራዕ ዝረኸበ እቲ ህዝቢ እዩ። እቲ ሰለማዊ ህዝቢ'ዩ። ንሱ'ዩ ቀዳማይ ግዳይ ክበሃል ይከኣል። ሕጂ ከኣ ኣብ መዓስከራት ናይ ልማኖ ኮፍ ኢሉ ምጽዋት ክጽበ ኣብ ቁንጭን ትዃንን ዘለዎ ቦታታት ካብ ቤቱ፡ ካብ ከባቢኡ፡ ካብ መንበሪኡ፡ ተመዛቢሉ ንዘይተወሰነ ግዜ ንናይ ኣእምሮን ናይ ኣካልን ስቓይ ክፍረድ የብሉን። ክምለሰ ኣለዎ ናብ ቦትኡ። እዚ ኸኣ ከም ቀዳማይ መዲብና ኢና ንርእዮ። ስለዚ ክራማት ይኣቱ ስለዘሎ፡ ክራማት ከይመጸ ከሎ፡ ማይ ከይመረ ከሎ ናብ ከከባቢኡ ከይዱ፡ ዝሓርስ ክሓርስ ክኽእል ኣለዎ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ካልእ ስምምዕ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ክፍታሕ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ። ብው.ሕ.ሃገራት'ውን ተቐባልነት ረኺቡ። እቲ ዋና ነገር ግና ዕንቅፋት ናይ መንግስቲ ወያነ ስለዘሎ፡ እቲ ናይ ተጻብኦ ምቁራጽ ስምምዕ ኣይተተግበረን ዘሎ። ዋላ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት መግለጺ፡ ንሕና እቲ ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ብወገንና ው.ሕ.ሃገራት ከተግብሮ ሓላፍነት ስለዘለዎ፡ ንሕና ኣብቲ ዝተገልጸሉ እዋን ገና እቲ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ (Temporary Security Zone) ዝበሃል ኣይኮነን ወይ ኣይተመስረተን ተባሂሉ ተገሊጹ። እዚ ኩሉ ሕልኽላኻት እናሃለወ እንከሎ ህዝቢ ካብ ቤቱ፡ ካብ ዓዱ፡ ካብ መሬቱ ተመዛቢሉ ከምዚ ኢሉ እናተሳቐየ እንከሎ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ተተግቢሩ ኣሎ ክትብል ኣይከኣልን። ንሕና ግን ሒዝናዮ ዝጸናሕና ፖሊሲ ንዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት መመኽነይታ ዘይህብ፡ እቲ ንዓና ዝምልከተና ክፋል ናይቲ ስምምዕ ከነተግብር ኣሎና ስለዝተባህለ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እቲ ብወገንና ዝሕተት ነገር ኣማሊእና ኢና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ናይ ምምላስ ጉዳይ'ዩ። ስለዚ እቲ ሓደ መልክዑ እዚ'ዩ።

ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ናይ ዶባት ኮምሽን (Boundary Commission) ዝበሃል'ዩ። ንሱውን ከምኡ ስርሑ ጀሚሩ ኣብዚ መወዳእታ ዓመት ስርሑ ክዛዝም'ዩ ተባሂሉ ኔሩ። ፈለማ መንግስቲ ወያነ ነቶም ንሕና ዘቕረብናዮም ሕጹያት ጠበቓታት ኣይቅበሎምን'የ ኢሉ ተቓዊሙ። እንድሕሪ ወያነ ተቓዊሙ ንሕና ኸአ መሰልና ኢዩ። ክንቃወም'ውን ኣሎና ኢልና። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃገራት ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣቕሪቦሞ ዘሎዉ ተቓውሞታት ይስሓቡዎ ኢሉ። ንሕና ኣየበገስናዮን እቲ ጉዳይ፡ ግና ናትና ጠበቓታት እንድሕሪ ድኣ ኣይንቅበሎምን ኢና ኢሉ እቲ ኻልእ ወገን'ሲ ከመይ ጌርና ንሕና ናይቲ ካልእ ወገን ጠበቓታት ክንቅበል ንኽእል። ብስነ-ሞጎት'ውን ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ጸገም ካብ'ቲ ካልእ ወገን ዝመጸ'ዩ ተባሂሉ። ደሓን እሞ ሓደ መንጎኛ ፍታሕ ክርከብ'ዩ ተባሂሉ። ድሕሪኡ እምበአር ሓሓደ ስሓቡ ተባሂሉ። ዳርጋ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዕንቅፋታት ስለዘሎ እቲ መስርሕ ገለ ነገር ኣይተገብረን ክብሃል አይከአልን። ግና ኩሉ ከምቲ ዝድለ ብጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ወያኔ ንጉዳይ ምልሻ፡ ከም ጠንቂ ናይ ዘይምምስራት ግዝያዊ ናይጸጥታ ዞባ ገይሩ የቕርቦ ኣሎ። ርእይቶኻ....

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ናይ ምልሻ ጉዳይ ንወያነ ዝምልከት ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን መገዲ ንወያነ ዝምልከት ኣይኮነን። ንው.ሕ.ሃገራት ዝምልከት'ውን ኣይኮነን። ው.ሕ.ሃገራት ዝምልከት ምናልባሽ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ ዘሎ'ዩ። ኣብ መንጎ እቲ ኮሚሽንን ኣብ ሞንጎ ኣንሚን'ዩ። ኣብ'ዚ ግና ንሱ ኸኣ ንምልሻ ኣብኡ ዝህሉ ዝሕዞ አጽዋርን ዓይነት ናይቲ አጽዋርን ዚምልከት'ዩ። ብወግዒ ከኣ ዝተገልጸ'ዩ። ስለዚ ናይ ምልሻ ምህላውን ዘይምህላውን ኣብ'ቲ ግዚያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ፡ ግዝፊ ናይ'ቲ ምልሻ ንዝኾነ ካልእ ወገን ብዘይካ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ኣይኮነን። ግዝፍን ምንኣሱን ከኣ በቲ ክፍጠር ዝኽእል ስግኣት ናይ ህዝቢ'ዩ። መዓልቲ መዓልቲ ጥሪት ናይ ህዝቢ ተዘሚተን፡ ክንድዚ ኣግማል ተወሲደን፡ ክንድዚ ከብቲ ተወሲደን ሰብ ደቂሱ ከይሓድር ምእንቲ ተቓወምቲ ጉጅለታትዮ'ም እናተባህለ ሃሱሳት ኣምጺኻ ህዝቢ ምቕታልን ምስንባድን ዳርጋ ቀጻሊ ፈተነታት'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቶግቲ ሒዞም ክቐብሩ ኢሎም ዝተበገሱ ሒዞሞ ዝመጹ ነቶግቲ ኣብ ሓደ ቦታ ከምዝተሓዝ ኮይኑ። ከምዚ ዓይነት ቀጻሊ ህዝቢ ብሰላም ቀሲኑ ከይነብር ምእንቲ ዝግበር ፈተነታት ስለዘሎ፡ ምስ ዓቐን ናይቲ ስግኣት ብዝሒ ናይቲ ምልሻ ከኣ ዝውሰን'ዩ። ስለዚ ብዝሒ ናይቲ ምልሻ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝህሉ ናይ ጸጥታ ኩነታት ተዛሚዱ ዝርአ፡ ንዝኾነ ይኹን ወገን ከኣ ዘይምልከት ልኡላዊ መሰል ስለዝኾነ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ነዚ ብዙሕ ከም መከራኸሪ ምኽንያት ክቐርበሉ ዝኽእል መርትዖ ወይ መማጎቲ ነገር ኣሎ፡ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ገና ግን እቲ ህዝቢ ናብ ቤቱን ከባቢኡን ክምለስ ክኽእል ኣሎዎ። ጓሳ ጥሪቱ ሒዙ ናብ ዝደለዮ ከባቢ ክንቀሳቐስ ክኽእል ኣሎዎ፡፡ ክሓርስ ዝደለየ ክሓርስ፡ ማይ ክወርድ ዝደለየ ማይ ክወርድ፡ ዝዓነወ ኣባይቱ ክሃንጽ፡ ዝዓነወ ትካላቱን መሳለጥያታቱን ከም ብሓድሽ ክሃንጽ ክብገስ ክኽእል ኣሎዎ። ናይ ምልሻ ምህላውን ዘይምህላውን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን መገዲ ከም ኣከራኻሪ ሕቶ ኣብ ትግባረ ናይቶም ስምምዓት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።

ሕቶ፡ ኣብ መስርሕ ሰላም ኤርትራን፡ ኢትዮጵያን ብኻ ኣቐዲምና ከምዚ ጌርና ኢልና እንጠዓሰሉ ነገር ኣሎ'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ፈለማ'ዚ አፋፍኖቱ ክርአ ምስ መረ፡ ዋላ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ እናተፈልጠ ከሎ ብህድኣት ዘይእለየሉ ምኽንያት የለን። ሰብ እንድሕሪ በትሩ ሒዙ፡ ኣንቂዱ ይወጣወጥ ኣሎ ኮይኑ፡ ቅድም ቀዳድም ናብ ካልእ ጎረቤት ኬድካ ንዑ፡ ከምዚ ሽግር ኣለና፡ ኣይትብልን ኢኻ። እቲ ንቡር መገዲ ሃዲእካ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳዩ'ዩ።

ንቀ.ሚኒስተር ብናትካ ልቦና ክትኣልዮ ፈትን ምባል፡ ብግብሪ ከኣ ንዕኡ ዝምልከት ኣካላት ቆይመን ነቲ ስራሕ ክርእይኦ ምባልሲ፡ ንሱ እንድዩ ምእላይ? ካብዚ ዝዓቢ ምእላይ ኣይፈልጥን'የ። ዋላ እቲ ኣካይዳ እናተራእየኒ ከሎ፡ ናበይ ገጹ ከምዝኸይድ፡ መምለሲ'ውን ክረኽበሉ ኣይክእልን'የ እናተባህለ ከሎ፡ ሰብ እንድሕር ክወቕዓኒ ኣንቂዱ ተበጊሱ'ሞ፡ ያዕ ዝብሎ ሰብ እናሃለወ፡ ኣነ'ውን ኣይፋልካን እናበልኩዎ ከለኹ፡ እንድሕሪ ዝወቕዓኒ ኮይኑ፡ ፈሊጠ ''ኣይትውቅዓኒ ትጋገ ኣሎኻ፡'' ክብሎስ ግቡእ እዩ። ዋላ ኣብታ ናይ መወዳእታ ካልኢት'ውን ትኹን። ንኻልእ ሰብ'ውን ክፍለጥ ግቡእ'ዩ። ኣነ፡ ንሕና ዘይንፈልጦ ብዙሕ ነገር ነይሩ'ዩ ክብል አይክእልን። ትንታኔ'ውን ኣይኮነን። ግና ኣብቲ ፈለማ ንምእላዩ ዘይተገብረ ፈተነ ኣይነበረን። ብክውንነታዊ ምዙን ዝኾነ ኣገባብ፡ ንምልላዩ ኣነ'ውን ብናተይ ውልቃዊ ሓላፍነት፡ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ፕረዚደንት ተባሂለ ብሓላፍነት ዝሰርሓሉ ጉዳያት ስለዘሎ፡ ብኸምዝን ከምዝን ክእለ ክኽእል ኣለዎ፡ ዋላቲ ኣካይዳ'ውን እናረኣኻዮ ከለኻ፡ ንምእላዩ እቲ ዝግባእ ጻዕርታት ተኻይዱ ኢዩ። ኵናት ምስመጻካ ግና ኵናት'ዩ። ካልእ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። “'ቤትካ ክኣትዎ'የ ማዕጾኻ እንተኸፈትካዮ ክፈቶ፡ እንተዘይከፈትካዮ ከኣ ክሰብሮ'የ”፡ እንድሕሪ ኢሉካ እንታይ ትገብር? እታ ማዕጾ ምስባራ ኣይተርፋን'ዩ። ኣብ ቤትካ ኣትዩ “ውጻእ ደገ'“ እንድሕሪ ኢሉካ፡ “ዋእ ክወጻልካ'የ ሕራይ” ኢልካ ምስ ትወጽእ፡ ናበይ ትኸይድ ኣብ መወዳእታ? ክሳብ ናበይ ኢኻ ትኸይድ። ሕጂ ኣብቲ ኣዘራርባታት፡ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ውርጽጽና ክህሉ ይኽእል ይኸውን። “ከምዚ እንተዝግበር ኔሩ”፡ “ከምዚ ተፈጢሩ እንተዝኸውን ኔሩ”፡ ክሳብ ነቲ ሽግር ክትኣሊ እትኽእለሉ ደረጃ፡ ዋላ'ውን ዘይከኣል (impossible) እናመሰለ እቲ ዝከኣል፡ ክትፍትን ኣለካ። ኵናት ፈቲኻ፡ መሪጽካ፡ ውጥን ኣውጺካ ትኣትዎ ነገር ኣይኮነን። ረብሓ ስለዘይብሉ። ህዝቢ ኤርትራ ኸአ መምህር ኣየድልዮን ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ብዝተኻእለ መጠን ካብኡ ክትእለ ትፍትን። እንድሕሪ ዘይሓልፈልካ ኮይኑ ግና ኣበይ ኢኻ ትኸይድ? እንታይ ኢኻ ትገብር ኣብ መወዳእታ? ስለዚ ኣነ ብዙሕ ብዛዕባ ከምዚ ተጌሩ ኔሩ እንተዝኸውን ዝብል ብዙሕ ኣይረኣየንን'ዩ። ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብቲ እዋን ዝረሳሰነሉ ዝነበረ ግዜ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ነይሮም። ብዙሕ ዓውዓው'ዩ ኔሩ። “ከምዚ'ዩ ሓሳባቶም፡ ከምዚ ኣንዳ ኣለዎም፡ ከምዚ ክገብሩ'ዮም፡ ከምዚ ዘይንገብር? ከምዚ ዘይንፈጥር?” ዝብሃል ዘረባታት ሃዲእና ክንሕዞ ነቲ ጉዳይ ክንክእል ኣለና። ኣንድ'ኦም ከምዚ'ዩ ኣተሓሳስብኦም ከምዚ'ዩ ከምዚ ክንገብር ኣለና። ነንሕድሕድና'ውን ንስኻትኩም እንታይ ትገብሩ ኔርኩም ስጋብ ሎሚ ትም ኢልኩም ጸኒሕኩም፡ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኢልካ ካብ ምዝራብ፡ ሃዲእና ክንሕዞ ኣሎና ተባሂሉ ይዝረበሉ'ሞ ብወገን መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣካላት መንግስቲ ናይ ኤርትራን፡ ብወገን ሓይልታት ምክልኻልን ዘይተፈተነ ነገር ኣይነበረን። ሰብ ትንዕ ክብለካ ከሎ፡ ኣብዚኣ ዘለናስ ሐደ መጺኡ ትንዕ እንተዝብለና ነንበይኑ ግብረ-መልሲ (reaction) ነርኢ። ገሊኡ ክዓርቕ፡ ክረድእ፡ ገሊኡ ከኣ በትሩ'ውን ቀልጢፉ ዘልዕል ክህሉ ይኽእል'ዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ተመኻኺርካ ኣየዋጽኣናን'ዩ ከምዚ ጌርና እንተሰራሕና ከምዚ'ዩ ዝሕሸና ትብል። ዘይሓሊ እንተኾይኑ፡ መወዳእታ ምስ ኣጋጠመካ'ቲ ነገር እቲ ከምዚ'ዶ ምግባር (ምባል) ኣይምሓሸን።

ኣነ ከምኡ ናይ ጣዕሳ ምቑዛም መኣዝን ዘምርሕ ነገር ናብኡ ዘመኽኒ ነገር ኣለና ኣይብልን'የ። እቲ ዝግባእሲ ተጌሩ'ዩ። እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና'ውን'ኮ ኩሉ ሰብ ዘስተባህለሉ ዘሎ ጉዳይ'ዩ። ንዕኡ ዝገልጽን ዘረድእን ነገር'ዩ። ሓደ ሰብ እንድሕሪ ኣንቂዱ ክሃስየካ ዝደሊ ኾይኑ፡ ክሳብ'ቲ ዝከኣለካ መጠን ክትሕየር፡ ወይ ድማ ንዕኡ'ውን ከተረድኦን ክትኣልዮን'ሲ ክትፍትን ክትክእል ኣለካ። ኣብ መወዳእታ ግና ባይታ ዘቢጠ ግንባረይ መሬት ደፊአ፡ ከምዚ ክገብር እኽእል'የ ኢልካ ምሕሳብ ንህላዌኻ'ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው ስለዝኾነ። እዚ ህዝቢ'ዚ ኣብ ከምኡታት ደረጃ ዝወርድ ኣይኮነን። ምኽንያት'ውን የብሉን። ዘጣዕስ ምኽንያት'ውን የብሉን። መስዋእቲ ከፊሉ ኣይደለዮን። ኵናት ኣትዩ ኣይደለዮን። እንታይ ግና ልዕሊ ኹሉ ኣብ ቤቱ፡ ዓዱ፡ መሬቱ ክነብር እንድሕሪ ኮይኑ ብዘይክኡ ካልእ ኣማራጺታት የለን። እቲ ዝተገድፈሉ ኣማራጺ ሓደን ካልእ መገላበጢ ዘይብሉን ስለዝኾነ እቲ ዝግበር ተጌሩ። እቲ ምዕባሌታት ከኣ ከምዚ ኢሉ መጺኡ።

ሕጂ ናብ “ከምዚ እንተዝግበርዶ?” “ከምዚ እንተዝኸውንዶ?” ኣይንኣቱን። እቲዘይፈልጥ ብዙሕ ክዛረብ ይኽእል'ዩ። እቲ ገለ ገለ'ውን ነናቱ ትንታኔታት ኪወስድይደሊ ይኽውን። እቲ ዛንታ'ውን ብምሉኡ ኣይተነግረን ክኸውን ይኽእል። ግዜ ይሓትትይኽውን። ክሳብ ዝንገር ግን፡ ሓንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጣ ነገር፡ ዋላ ሓንቲ ዘጣዕስየብሉን።

ሕቶ፡ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክንዲ ብካርቶግራፊክ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኮሚሽን ምሕንጻጽ ዶብ ክትግበር ምውሳኑ፡ፖለቲካዊ ጽልዋ ከይህልዎ ኣየሰክፈናን'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህሉ ይኽእል'ድዩ ኣይክእልን'እዩ...ናይ ሰባት ቤት ፍርዲ'ዩ። ሓደ ከምኡ ኢሉ ሓቲቱኒ። ናይ ፍሎሪዳ ናይ ኣሜሪካ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳርጋ ኣብ ዓለም ካብ ዝዝረበሎም ዓበይቲ ኣብያተ ፍርዲ'ዩ።ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋታት ናጻ ዝኾነ ኢዩ ዝበሃል። ማለት ቤት ፍርዲስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዎ የብሉን'ዩ ዝብሃል። እንድሕሪ ናይ ኣሜሪካ ስርዓት ኮይኑ፡ እቲ ዝተራቐቐስርዓት፡ ኣብ ምሕደራ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ፍሎሪዳቤት ፍርዲን፡ ናይ ሕ.መ.ኣሜሪካ ቤት ፍርዲን እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ምስሕሓብ ምምጻኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ'ውን ናይ ፖለቲካ ምግምማዕ ኔርዎ ኢዩ። “ኣብ ከምኡ ዝኣምሰለ ቤት ፍርዲ'ኳ ናይ ፖለቲካ ምግምማዕ ዝተረኽበስ፡ ኣብ ካልእ'ከ ክርከብ ኣይክእልን'ዶ...?” ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ማለት ከምኡ ዓይነትግምታት ክህልወካ ይኽእል'ዩ። እቲ ዋና ነገር ቤት ፍርዲ'ዩ። ቤት ፍርዲ፡ ናይ ሰባትቤት ፍርዲ'ዩ። ብሰባት ዝቖመ'ዩ እምበር፡ መላእኽቲ ወይ ቅዱሳን፡ ካብ መንግስተ ሰማይ መጺኦም ዘቖምዎ ኣካል ኣይኮነን። ሕግታት ኣሎ ንዕኡ ዝቕይድ። እዚ ሕግታት እንታይ'ዩ?እቲ ዝወሃብ ብያነ፡ ስቕ ኢልካ ወይ ዊን ከም ዝበለካ ዘይኮነ ኣብ መግዛእታዊውዕላት ዝተመርኮሰ'ዩ። እቶም መግዛእታዊ ውዕላት ከኣ ፍሉጣት'ዮም። ብእኦም መሰረት'ዩ እቲ ፍርዲ ክውሃብ ዘለዎ እምበር ዝኾነ ሰብ ናቱ ቃሕ ዝበሎ ግምት ዝተሓወሶፍርዲ ክህብ ስለዘይክእል እቲ ፍርዲ ቅድሚ ሕጅ'ውን ብተመክሮ ክሳብ ዝረጋገጽሲ ዳህሳስ ክካየድ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ኣናዳርኮ ናይ መደመሪያን ናይ መወዳእታን'ዩኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዘሎና፡ ናይ የመን ንፍተዎ ኣይንፍተዎ፡ ሓደ ፈራዳይ ክዓርቀና'ዩ ኢልናእንተተሰማሚዕና፡ ንሱ ዝወሰዶ ብያነ ክንቕበል ክንክእል ኣሎና። ፖለቲካዊ ጽልዋኣለዎ'ዶ የብሉን ኢልና ኣብ ዘየድልየና ግዜና ዘጥፍእ ሓንጎልና'ውን ዘየቕስን ዓይነት ግምታት ንኣትወሉ ምኽንያት የለን። ኣቲናዮ ኢና። እቲ ቤት ፍርዲ ከኣ እቲ ብይን ምስ ሃበና ክንርእዮ ኢና።

ሕቶ፡ “ወያነ ኣደንዳኡ ኣብቂዑ ኢዩ” ክንብል ንደፍር'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ዘረባ ንሰምዖ ዘሎና ምስ'ዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣገናዚብካ ክትርእዮከለኻ ጽቡቕ ድሌት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተጻብኦ ምቁራጽ ስምምዕ ተፈሪሙስ ንሕና እቲ ብወገንና ዝሕተት ነገር ኣማሊእና ኢና። ስለምንታይ'ዩ እዚ ኩሉ ጸገማት ዝመጽእ ዘሎ? ናይ ነቶግቲ ሓበሬታ ዘይምሃብ፡ ኣብውሽጢ እቲ ናይ ጸጥታ ዞባ ሰራዊትካ ኮፍ ምባል፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ብደረጃ ምቛም ናይ ኮሚሽናት ዘድልን ዘየድልን ሕልኽላኻት ምፍጣር ግዜ ከም ዝመጥጥ ምግባር፡ ጽቡቅ ድሌት የንጸባርቅ ድዩ? ብጹሑፍ ደረጃ'ውን እንተርኢናዮ ክወጹ ዘለዎም ምስ'ዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ናይ ወያነ ስምምዕ ክፍረም ኣይነበሮን። ምናልባት ጉዳይእንተድኣ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቲ ዓቢ መጎሳጎሲ ኣርእስቲ እዩ ዘሎ። እዞም ስምምዓት እዚኣቶም ክፍረሙ ኣይነበሮምን ዝብል ሓይሊ እንተደኣ ሃልዩ ገዚፍ ይኹን ንእሽቶይብዘየገድስ፡ ብሓቂ ጽቡቕ ድሌት ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ብዙሕ ቅሉዕመርኣያታት ናይ'ቲ ኣካይዳ ጽቡቅ ድሌት ኣሎ ኢልካ ንክትዛረብ'ውን ዘድፍር ኣይኮነን። ግና ስምምዕ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ክኸብር ኣለዎ። እቲ ስምምዕ ከኣ ክልቴና ጥራይዝፈረምናዮ ኣይኮነን። ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሳተፎ ናይ ማሕበረሰብ ዓለምኣካላት ዘለዎ ስለዝኾነ ክኽበር ክኽእል ኣለዎ'ዩ እቲ ዋና ነገር ናትና። ኣነ ሕጂ ብዛዕባ ቅሉዕን ሕቡእን ኣደንዳ ወያነ ኣትየ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን'የ።

ሕቶ፡ “ኢትዮጵያ ዓባይ'ያ። ቁጽሪ ህዝባ'ውን ብዙሕ ኢዩ። ኤርትራ ግን ንእሽቶ ኢያ፡ ቁጽሪ ህዝባ'ውን ውሑድ ክነሱ ከመይ ኢላ ምስ ዓባይ ሃገር ክትገጥም ደፊራ?” ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎም ወጻእተኛታት ኣሎ። እንታይ ኢዩ ርእይቶኻ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡  ከምኡ ዝብሉ ሰባት ኣለው። ዋላ ኤርትራውያን'ውን ከምኡ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ግና እቲ ኣጠማምታ ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ክትርእዮ ይከኣል።ምስ ብዙሓት መንግስታዊያንን ዘይመንግስታዊያንን ውድባት'ውን ዝለዓል ጉዳይ'ዩ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ክብል ይኽእል፡ “ትንታኔታት ዓባይ ኢትዮጵያ” ዝብሃል ዘረባታትኣሎ። ዕቤት ኣብ ዓቐን ኣይኮነን። ሓቂ'ዩ ዓለም ረብሓታት'ዩ ዝእዝዞ። መትከላት ጽድቂ ቅድስና ኣይእዝዞን'ዩ። ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኣይኮነን። ሕጂ ንሕና ንመሃሮ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሃሮ ኣይኮነን። 30 ዓመታትሲ ንህዝቢ ኤርትራ ቀሊል ግዜ ኣይኮነን፡ ብጣዕሚ ነዊሕ ግዜ'ዩ። ረብሓታት ከመይ ከምዝሰርሕ መትከላት ከመይ ከምዝሰርሕ ከኣ ብዙሕ'ዩ ተማሂሩ። መን ኣሎ ምሳኻ፡ መን ይጠልመካ፡ መን ይግልብጥ፡መን ይመጽእ፡ መን ይኸይድ'ሲ ብዙሕ ነገር ርእዩ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕብኡ ብዙሕ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣነ ኣይረኣየንን። ቀሊል ኣብነት ንውሰድ። ኣሜሪካ ከምዚ'ያ ትደሊ ዝብሉ ኣለዉ። ኣሜሪካስ ንኢትዮጵያ ዓባይ ስለዝኾነት፡ ብዙሕ ህዝቢ ስለዘለዋ፡ገፊሕ መሬት ስለዘለዋ፡ ብዙሕ ጸጋታት ስለዘለዋ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጂኦግራፊያዊ ቦታእውን ስለዘላ፡ ካብ ናይ ኤርትራሲ ንኢትዮጵያ'ዩ ዝያዳ ተገዳሰነት ዝውሃብ። ረብሓታት ምስ ኢትዮጵያ ስለዝዓቢ፡ ኢትዮጵያ ከኣ ዓባይ እንተኾይና መጋበርያ ክትኮኖም ትኽእልኢያ፡ ዝብል ከምዚታት ዘረባ ኣሎ። ብዙሕ.. ይትንተን። እስራኤል'ዶ ትዓቢ፡ ሃገራት ኣዕራብ? ክንደይ'ዩ ብዝሒ ህዝቢ ናይ እስራኤል? ክንደይ'ዩ ጆግራፊያዊ ዕቤት ናይ መሬት እስራኤል? መሬት እስራኤል እንታይ ጸጋታት ኣለዎ? ልዕሊ መሬት ይኹን ትሕቲ መሬት? ኣብ ምንታይ ኢዮም ዝምዘኑ እቶም ረብሓታት? እንታ'ዮም እቶምመለክዒታት ናይ ረብሓ? ሱቅ ኢልካ መካኒካል ዝኾነ ገምጋማት ጌርካ እትሪኦ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዙሕ ብጥንቃቐ ክግምገም ዘለዎ ነገራት ኣሎ። ዋላ እተን ሃገራት'ውንንገዛእ ርእሰን ብግዝፈን ክልክዓ የብለንን። ግዝፊ ትርጉም የብሉን ማለት ኣይኮነን። ሓቂኢዩ፡ ግዝፊ እንድሕሪ ብግቡእ ተታሒዙ ናብ ቅኑዕ ዕላማ እንድሕሪ ከይዱ፡ ይትረፍ ነቲ ሃገር፡ ንከባቢ ናይታ ሃገርውን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። እንተድአ ገዚፍ ሃገር፡ ጸጋ ዘለዎ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ፡ ገፊሕ መሬት ዘለዎ፡ ንርእሱ ቅሱን ኮይኑ ንከባቢኡ ዘቕስን እንተኾይኑ፡ እቲ ከባቢኡ'ውን ኩሉ ግዜ ሕጉስ'ዩ። ግና ገዚፍ ስለዝኾንካ ንካልኦት ክትጎብጥ እንተ ኾይኑ እቲ ስነ መጎት፡ ኩሉ ግዜ ዓለም ዳርጋ ከምዚ ገዚፍ ዓሳ ንንእሽቶ ዓሳ ዝኹልስ እንድሕሪ ኮይና ንሪኣ፡ ሓባር ንብረት ዝበሃል የለን። ምክብባር ዝበሃል የለን። መለክዒታት እንድሕሪ ኮይኑ ከኣ ነኣሽቱ ሃገራት'ውን ክነብራሉ ዝኽእላ ደረጃ የለን ማለት'ዩ። እቲ ሕግስ የለን። ቻይና 1.2 ወይ 1.3 ቢልዩን ኮይና ኣሜሪካ ኽኣ 300 ሚልዮን እንድሕሪ ዘይትበጽሕ ኮይና፡ ቻይና ብግዝፊ ጥራይ ክትጎብጣ ኣለዋ።ግና ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ኣሜሪካ ኢያ ልዕለ ሓያላን። ብምንታይ ምኽንያት? ካብ ካልኦት ሃገራት ዝዓበየ ጸጋታት ስለዘለዋ ዲዩ? ህንዲ ኣላ 1 ቢልዮን ተቓሪቡ ዘሎ ህዝባ።ብዙሕ ክፍሊ ናይቲ ሕብረተሰባ ጌና ኣብ ድሑር ደረጃ ዝነብር ብቑጠባዊ መነባብሮኡ ኣዝዩ ድኹም'ዩ። ጌና ትትስእ ዘላ ሃገር'ያ። ትማሊ ከም ዓባይ ሃገር ዝዝረበላ ዝነበረ ኢንዶኔዥያ ሎሚ ኣበይ ኣላ? ንዩጎዝላቪያ'ውን ምናልባት ከም ቀሊል ኣብነት ኣምጺእናከነልዕል ንኽእል። ሕብረት-ሶቭየት'ውን ብዓቢኡ ሎሚ ከም ልዕለ ሓያላን የላን። ኣይቀጸለትን። ግዝፊን ዓቐንን ንገዛእ ርእሱ፡ መለክዒ ዋላ ብረብሓታት ዓይኒ ክትሪኦ የጸግም ኢዩ። እዚ ግና ምናልባሽ ስለዝተላዕለ ከም ሕቶ ክትዛረበሉ እንተዘይኮይኑ ኣብዚ ከባቢና ብሓባር ክንነብር'ሲ የወጻጽኣና'ዩ። ዓቢ ምስ ንእሽቶ። ጂቡቲ ክንደይ'ያ?ፍርቂ ሚልዮን ዲያ 6 ሚልዮን? ንሕና 3 ዲና 5 ሚልዮን፡ ሶማል 6 ሚልዮን ዲያ7 ሚልዮን፡ ኢትዮጵያ 55 ዲያ 60 ሚልዮን፡ ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት እንድሕሪ ብሰላም ተኸባቢርና፡ ዓቢን ንእሽቶን ከይበልና ክንነብር ንኽእል ኮይንና፡ ካብኡ ዝዓቢ ነገር እንታይ ኣሎ? ንናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ይዕበ ይንኣስ ኣወሃሂድና ቅሳነት እንተድኣ ፈጢርና፡ ብዙሕ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣነ ገዚፍ'የ'ሞ ንኻልእ ጎቢጠ በሊዐ ክነብር ይኽእል'የ ማለት፡ ንነብሰኻ'ውን ሽግር ምምጻእ ማለት'ዩ። እዚ ጎቢጡ ንንእሽቶ በሊዑ ደቂሱ ዝሓድር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን'የ። ብኸምኡ ጌርካ ዝርአ ጉዳይ እውን ኣይኮነን። ረብሓታት እንተለዎ፡ ረብሓታት በቲ ዝበለጸ መልክዑ ተሳኒኻተሓጋጊዝካ ክትነብር ከለኻ ኢዩ እምበር፡ ረብሓታት በብቕልጽምካ እንድሕሪ ኮይኑ፡ በብቕልጽምካ ዝፍጠር ረብሓታት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዘርብሕ ኣይኮነን። ናይ ኣሜሪካተመኩሮ ኣብ ቬትናም ቀሊል ናይ ትማሊ ታሪኻዊ ኣብነት'ዩ። ብጉልበትካ(ቅልጽምካ)ክትገብሮ ትኽእል ነገር የለን። ምናልባት ንዝተወሰነ ግዜ ኢዩ። ንዘይተወሰነ ግዜ ቅልጽምካን ግዝፍኻን ዝውስኖ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከምኡ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣተናትናን ኣረኣእያን ብዙሕ ብዕምቆት ዝዝረበሉ ነገር ኣይኮነን። ሓደ ዓቢ ጋዜጠኛ ሓንቲ ነገር እንድሕሪ ኢሉ፡ ሓደ ከኣ ካብኡ ቁልብ ኣቢሉ ክደግማ እንተዘይኮይኑ እንታይ'ዩ ትርጉሙ? እንታይ ማለት'ዩ? ብኸመይ ጌርካ ኢኻ መግለጺታት ክትህበሉትኽእል? ኢልካ ትዛረበሉ ወይ ትሕዞ ጉዳይ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ኣብ መንጎ ህ.ወ.ሓ.ት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ፡ ንዕድመ'ቲ ውድብ ብኸመይ ይጸልዎ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ቀዳማይ ነገር እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ናይ ወያነ ጉዳይ እዩ።እቲ ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፋት ንዝኾነ ኣእምሮ ዘለዎ ኣንባቢ እንታይ ማለት ምዃኑ ትርጉሙ ዘጸግም ኣይመስለንን። እቶም ብቐጥታ ምስ ኤርትራ ምስ ኵናት ዝተዛመዱ ሕቶታት ክንደይ ጉጅለታት'ዮም? ክልተ ዲዮም ሰለስተ እቶም ሕጂ ዝዛረቡ ዘለዉ?እቲ ጽሑፋት ንገዛእ ርእሱ መግለጺ'ዩ ክብሃል ይከኣል። ምናልባት'ዚ ጥራይ ከይከውን ይኽእል እቲ መግለጺ። ብዙሕ ነገር ክንመሃር ዘለና ኮይኑ'ዩ ዝርኣየኒ። ብወገነይ ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገር ነይሩ ክብል ኣይክእልን'የ።

እቲ ዝመጽእ ሕቶ ኣብ መወዳእትኡ ግና ንሕና ከመይ ጌርና ንዋሳእ? እንታይንገብር ዝብል'ዩ። ትም ምባል። ሱቕ ኢልና ንሰምዕ። ትም ምባል ንዝፈልጦ ጥዑምነገር'ዩ። ምዝራብ ጽቡቕ'ዩ። ትም ምባል ከኣ ማዕሪኡ ጽቡቕ'ዩ። እንተድኣ እቲምርጫ ትፈልጦ ኮይንካ፡ መዓስ ትም ከምዝብሃል መዓስ ከምዝዝረብ ኣነ ሕጂ ምዝራብ ዝውስኾ ነገር ይብሉን። ስለዚ ትም ምባል ዓቕሊ ኣነ፡ ንዓኻ ዝምልከተካ፡ ብቐጥታ ዘይምልከተካ ከኣ ትም ምባል ዓቕሊ ምግባር ጽቡቕ'ዩ። ኣነ ኪኖ'ዞም 2 ጉጅለታት እዚኣቶም ስለዝርኢ፡ (እቶም 2 ጉጅለታት ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦም) እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ይሕሸና ወይ'ቲ ሓደ ኽምዚ'ዩ እቲ ሓደ ከምዚ'ዩ ኢልካ ምዝራብ ከኣ፡ ንገዛእ ርእሱ ምዝራብ ስለዝኾነ፡ ትም ምባል እንድሕሪ መሪጽካ ኽኣ ምዝራብ ስለዘይግባእ፡ ትም ምባል እቲ ዝበለጸ'ዩ። ዝኾነ ብማዕዶ ዝከታተል፡ ዋላ ዝሰምዕ ተዓዛቢ፡ ዋላ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ'ውን ኩሉ ሰብ ኣይግድሶን'ዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ኩሉ ዜጋ ይግድሶ እዩ። ሰላም ስለዝደሊ፡ ቅሳነት ስለዝደሊ። ህ.ወ.ሓ.ት ስለዘይደሊ ኣይግድሶን'ዩክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ቀረባ ጎረቤቱ ዘሎ ምዕባሌታት ይምልከቶ'ዩ።ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ግምታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ። ምስ ዓቐን ናይ ፍልጠቱ፡ ምስ ዓቐንናይ ኣተረጓግምኡ ንጉዳያት።

ኣብ መወዳእታ ግና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ህውኽ ኢልካ፡ “ከምዚ'ዩ፡ከምዚ'ዩ” ኢልካ ምዝራብ ግቡእ'ውን ኣይኮነን። ፋይዳ ዘለዎ ስለዘይኮነ፡ ሰብ ዓቕሊ ምግባር እንተተማህረ ኣጸቢቑ እንተተኽተለ ዝሓሸ'ዩ። ድሓር ፍልጠቱ ከዕሙቕ፡ መረዳእታኡ ከትርር ኣዛሚዱ ከኣ ክርኢ ኣለዎ።

ሕቶ፡- ቅርጽን ሓላፍነትን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከመይ ኢዩ? መብዛሕትኡ ጉዳያት በቲ ቤት ጽሕፈት ይዕመም ምህላዉ፡ ጠንቂ ምድንጓያት ይኸውንኣሎ ይበሃል ኢዩ። ብዛዕባ'ዚ ዘሎካ ርእይቶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- “እዚ ቤት ጽሕፈት ሓደ ካብቶም ዝፈኾሱ፡ ክብደት ዘይብሎም ማለት፡ ቅርጡው፡ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ዝበሃል ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ ቤትጽሕፈት'ዩ። ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ይመጹ ኣብኡ ይዕንቀፉ፡ ፋይላት ተደርዲሮም ይጽቀጡ፡ ሕቶታት መልሲ ኣይረኽቡን ኢዮም” ዝበሃል ኣነ ብዙሕ ግዜ ሰሚዕዮ ኣለኹ። ማለት፡ ኣብቶም ብዙሕ ዘይግደሰሎም ግን ዘገርሙኒ ጉዳያት'የ ክዛረብ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝመጸ ጉዳይ ብዘይምግናን ንመዓልታት'ውን ኣይጸንሕን'ዩ። ብዙሕ ጉዳያት ከኣ ዝመጽእ የለን። እቲ ቤት ጽሕፈት ቀንዲ ስርሑ፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ ንጥፈታት ምክትታል ኢዩ። ንሱ ኽኣ ብናይ መንግስቲ ኣካላት ዘቕርብዎ ጸብጻባት ይከታተል። ሓደ ሓደ ካብቲ ስርሑ ወጻኢ፡ ናይ ውልቀሰባት ጉዳያት ኣሎ ዝመጽእ።”ኣነ ከምዚ ኮይነ ተበዲለ” ዝበሃል ኣሎ። ንሱ'ውን ኣካላት ኣለዉ ዝርእይዎ፡ሕጋዊ ጉዳይ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ናይ ሕጊ ተኸታታሊ ሓላፊ ኣሎ ዝርእዮ። ምምሕዳራዊ ጉዳያት እንተኾይኑ፡ ብዙሕ ወጻኢ ካብቲ ኣካላት ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ሲቭል ምሕደራ ስርሓት ስለ ዘየለ፡ ሕጂ እቲ ግንዛበ (perception)ብፍላጥ ድዩ ተፈጢሩ ዋላ ከምኡ ኢሉ ወረ ብወረ እናገፍሐ ከይዱ ዝብሃል ዘረባታት ኣሎ። ግና መሰረትን ሓቅን ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብኡ ዝመጽእ ጉዳይን ኣብኡ ዝውንዘፍ ጉዳይን የለን።ቅርጹ ብዝምልከት ድማ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣሎ። ናይ ኣርካይቭ ክፍሊ ኣሎ፡ ንሳቶም እዮም። ገዚፍ ቤት ጽሕፈት፡ ዓበይቲ ጉዳያት ዝከታተልን ዘሳልጥን ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ገለ ውልቀ ሰባት፡ ካብ ስልጣን ይእለዩ ወይ ሓድሽ ሓላፍነት ይወሃቦም። ይኹን እምበር ብወግዒ ንህዝቢ ኣይግለጽን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዘይድለ ወረታት ክናፈስ ይስማዕ። ስለምንታይ'ዩ ብወግዒ ንህዝቢ ዘይግለጽ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እወ። ብዙሕ ገዚፍ ሚስጢር ኮይኑ፡ ምስጢር ጌርካ ትሕዞ ነገር ኣይኮነን። ምምሕዳራዊ ምቅይያራት ይግበር ኢዩ። ምምሕዳራዊ ምቅይይራት ክግበር ከሎ፡ መን ንመን ይቕይር፡ ወይ መን ንመን ሓላፍነት ይህብ፡ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሕታት፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሕታት ዝግበር ምቅይያራት ኣለዉ። ብዙሕ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ነገር የብለይን። ኣነ ምቅይያራት ይግበር፡ ምቅይያራት ክግበር ከሎ ምናልባት ናይ ውልቀሰባት ምቅይያር ዲዩ ናይ ኣካላት መንግስቲ ድዩ ዝግበር ብኸመይ መገዲ በየናይ እዋን'ዩ ዝግበር'ቲ ምቅይያራት ከከም ኣመጻጽኡ፡ ኣገባቡ ሒዙ ዝግበር ምቅይያራት ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ዝተሰወረ ምቅይያራት'ውን የለን። ነፍሲ ወከፍ ምቅይያር፡ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ናይ ምምሕዳር ኣካል ናይ መንግስቲ ዝግበረሉ፡ እዚ ተገይሩ ኣሎ ኢልካ ምንጋር ይንገር ኢዩ ። ግና ስሩዕ ኣገባብ ሃልይዎ ብኣገባቡ ከም ዝንገር ምግባር፡ ምናልባት ኣድላይነቱ ክሳብ ክንዲ'ቲ ካብ ህዝቢ ዝጥለብ ነገር ኮይኑ እውን ኣይረኣየንን። ምኽንያቱ ፡ ኣብ'ቲ ኣካላት መንግስቲ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣሎ፡ ዲፓርትመንት (ክፍሊ) ኣሎ፡ ዲቪዥን ኣሎ፡ ኣሃዱ ኣሎ። ዝግበር ምቅይያራት ስሩዕ ወይ ዘይስሩዕ ክኸውን ይኽእል። በብዝተገበረሉ እዋን ከኣ መን ክፈልጥ ይግብኦ፡ መንከ ክፈልጥ ኣይግብኦን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መነመን'ዮም ኢለስ ኣይሓተሎምን እየ። ዋላ እቲ ስራሕ ንዓይ ዘገድሰኒ እንተኾነ። እዚ ሰለምንታይ ኢዩ ናብ ህዝቢ ዘይተነግረ? ናይ ዩኒት ዝነበረ ሓላፊ ከመይ ገይሩ ተቐይሩ? ስለምንታይ ተቐይሩ? መዓስ ተቐይሩ? ኣብ ዲፓርትመንት ዝነበረ ሓላፊ፡ ዋላ ኣብቲ ኣካል ናይመንግስቲ'ውን ብዙሕ ምሕትታት ዘይግበረሉ ከም ንቡር ስራሕ ዝኸይድ ስለ ዝኾነ፡ኣብ ህዝቢ ምግላጽ ዘይምግላጽ ኢልካ ዝዝረበሉ ብዙሕ ነገር የለን። ናይ ሚኒስተራት ምቅይያራት'ውን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፡ ክግበር ዝጸንሐ ኢዩ። እዚ ምስ ተገብረ ከኣ ይንገር እዩ። ሕጂ እቲ ሰብ ክዛረብ የብሉን ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ ። ማለትሲ፡ሓደ ተቐይሩ ምናልባሽ “ስለምንታይ ተቐዪረ?” ወይ “ስለምንታይ ከምዚ ኮይነ?” ክብል ይኽእል ይኽውን። ግና ኣነ ከምኡ ብዙሕ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን ኣብ ተመኩሮይ። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት።

ሕቶ፡- ጸላእቲ ከይምዝምዝዎ'ኸ ኣየሰክፈናን'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እንታይ ዝምዝመዝ ስለዘለዎ ኢዩ? ንዓይ ብዙሕ ኣይርድኣንንእዩ። ጸላኢ ከይምዝምዝዞ ዝበሃል ነገር ንዓይ ኣይርኣየንን። ምቅይያር ናይ ሰባትንቡር እዩ። ኣብ ኩሉ መንግስታት ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝግበር ምቅይያራት ብጸላኢዝምዝመዝ ዝበሃል ነገር፡ ከምኡ ዓይነት ፓለቲካዊ ባህሊ ኣነ ኣብዚ ሃገር ኣይፈልጥንኢየ። ምናልባት ይዛረብ ይኸውን፡ ሓደ ዘረባ ይዛረብ ሓደ ናቱ ትርጉም ይህብ። ብዙሕ ብጸላኢ ዝምዝመዝ ነገር ግና የብሉን። ንዕኡ ክምዝምዝ ዝደለየ ጸላኢስ ስራሕ ዝሰኣነ፡ዝነደየ ጸላኢ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ይብል ኣነ ብወገነይ።

ሕቶ፡-ገለ ሚኒስተራት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት እናተቐያየሩ ኪሰርሑ ይረኣዩ። ኣብ ኩሉ ዓውድታት ክሰርሑ ብቕዓት ስለ ዘለዎም ድዩ፡ ዋላስ ካልእ ኣማራጺታት ስለ ዝተሳእነ? ቀጻሊ ምቅይያር ሚኒስተራት'ከ ነቲ ሒዞሞዝጸንሑ ስራሕ ኣይሃስዮን'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ወትሩ ምቅይያራት ይግበር ኢዩ። ሕጂ እቲ ምቅይያራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወስድ መስርሕ ዝጥመት ኢዩ። በብንእሽቶ ሓደ እናበደልካ ነቲ ሓደ እናደገምካ ክትሪኦ ዝከኣል ኣይኮነን።ኣብ ምህናጽ ኣካላት መንግስቲናይ መንግስቲ ትሕዝቶ ወይ ብቕዓት ሓፍ ምባል፡ ውልቃዊ ብቕዓት ናይ ሰባት ሓፍምባል። ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ኣመዳድባ ናይ ሰባት፡ ኣብ ቅርጽን ኣቃውማን ኣካላትናይ መንግስቲ እቲ ትካላዊ ኣመዓባብላኡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኢዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዝምዕብል ነገር ኣይኮነን። ነዚ ንምግባር ኣነ ብናተይ ርእይቶ ምናልባሽ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ተፈጢሩ ተሃኒጹ ውርጹጽ ወይ ከኣ ፍጹም ክኽውን ወይ ከኣ ጥቓ ፍጹምነት ዝቐርብ ኣካላት ናይ መንግስቲ የለን።ምኽንያቱ ብዙሕ ሞያዊ ብቕዓት ይሓትት። ኣብ ሓደ ስራሕ መብጽዓ ይሓትት ። ብጀካ ሞያዊ ብቕዓት።ንሓደ ሰብ ሓላፊ ክኸውን ከሎ ኣብ ሓደ ቦታ ሞያዊ ብቕዓት ክህልዎ ይኽእል። ግና ባህጊ ወይ ተወፋይነት ኣብ ስራሕ እንተዘይብሉ፡ ኣበርክትኡ ከምቲ ዝድለ ኣይከውንን።ናይ ውልቀሰባት ብቕዓት ሓፍ ንምባል ትምህርቲ ይሓትት። ዝተፈላለየ ስልጠና፡ ብጀካ እቲ ተመኩሮ ዝውህለል ማለት እዩ። ካልኦት ዝተፈላለዩ መሳለጢያትት ይሓትት። ሓደ ሰብ ከኣ፡ ሓደ እዋን ሓደ ፍልጠት ስለ ዝቐሰመ፡ ምስዚ ፍጡን ምዕባለ ናይ ኣሰራርሓናይ ተክኖሎጂ፡ ብፍላይ ብዙሕ ኣብ ትካላት ናይ መንግስቲ ይኹን ኣብ ውልቀሰባት፡ ናይ መንግስቲ ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ኣካል ዝምደብ ብቕዓት'ውንይሓትት እዩ። እዚ ውልቃዊ ብቅዓት ኢልካ ዝዝረበሉ ክኸውን ይኽእል። እቲ ትካላዊ ብቕዓት፡ ነዊሕ ባህሊ፡ ነዊሕ ተመኩሮ፡ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ናይ ኣሰራርሓ ብቕዓት ምምዕባል ኣሎ። ብቑዕ መንግስቲ፡ ብቑዓት ኣካላት ናይ መንግስቲ፡ ብቑዓት ሰራሕተኛ ናይ መንግስቲ ክህልዉ ኣለዎም፡ ኢልካ ክትዛረብ ይከኣል እዩ።ኣብ ወረቐት ከተስፍሮ ከም ፖሊሲ ቀሊል እዩ። ብግብሪ ተጨባጢ ክትገብሮ ግና ግዜ ዝወስድm በዙሕ ዓቕምታት ዝሓትት ኣድካሚ ስራሕ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ናይ መንግስቲ ኣካላት ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ከተማዕብል ዝተገብረ ብዙሕ ህቀናታት ኣሎ። ፈተነታት ኣሎ። ዕላማኡ ወቒዑ ኢዩ ምሉእ ብሙሉእ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ግዜ ቅድም ምራኣዩ የድሊ። እቲ ስልጠና ትምህርቲ፡ ተመኩሮ፡ ተወፋይነት ኣብ ስራሕ'ውን ከም ባህሊ ምስ ግዜ ዝምዕብል ነገር ስለ ዝኾነ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝግበሩ ምቅይያራት፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ከምዚ ዝበለ መረዳእታ ዚተሓዝ በብውልቂ ናይ ሰባት ናይ ሓደ ሓደ እናረኤኻ ዚኽውን ነገር ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ብቑዕ ክኸውን ይኽእል፡ ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ስርዓት ወይ ሓደ ትካል ብቑዕ ኣወቓቕራ ወይ ቅርጺ ዘይብሉ፡ ብቑዕ መሳለጥያ ዘይብሉ፡ ብግቡእ ዘይተወደበ ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን ኢዩ። ሕጂ ብኹሉ ኹሉ ኣገናዚብካ ክትርእዮ ከለኻ ነዊሕ ጌዜዝወስድ ኢዩ። 10 ዓመታት ሰሪሕና፡ ምናልባሽ ዓሰርተ ዓመታት ንገዛእ ርእሱ ዝተነጸረጊዜ'ውን ኣይኮነን። 10 ዓመታት ቅድሚኡ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ግዜ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኣብ መንግስቲ ዘሎ ሓላፊ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ብዝተፈላለየ መልክዕ፡ ኣብ ነንበይኑ ቦታታት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኢዩ። ካብኡ ተሰጋጊሩ ሓድሽ ናይ መንግስቲ ስራሕተሰኪሙ ምስቲ ፍሉይ ኩነታት ናይቲ መንግስታዊ ኣሰራርሓ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ተመኩሮከማዕብል፡ ንዕኡ ዝበቕዕ ሞያ ክህልዎ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ኣሰራርሓ ይኹን ቅርጺ ሒዙ ኪኸይድ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ዝተበታተኸ ነገር ኣይኮነን። መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃጓፍ ክፍጠር ኣይክእልን። ሃጓፍ ክፍጠር'ውን ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣምሰለ መስርሕ ከመይ ጌርካ ትሕዞ? ከመይ ጌርካ ተመሓድሮ? ቀሊል ጉዳይ ኣይኮነን። ሕጂእቲ ምቅይያር ናይ ሰባት ዝግበር ወይ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ናይ መንግስቲ ዝግበር ምቅይያር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ዘሎ ቅርጺ፡ ንዕኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንምኽላስዝካየድ ናይ ተግባራዊ ገምጋም ኣገባባት ብዙሕ ኢዩ። ምናልባት ኣብ ዝሓለፈ ናይቅልውላው እዋን፡ እቲ ቅልውላው'ውን ንገዛእ ርእሱ ምስኡ ተሓዋዊሱ ጽልዋ ክህልዎይኽእል። ነገር ግን፡ “ቅርጽን ኣሰራርሓን ናይ መንግስቲ ብቅዓቱን ክብ ክብል ምእንቲ፡ኣብ ውሽጢ እቲ መስርሕ ዚረኣዩ ምዕባለታት ውልቃዊ ብቕዓት ይኹን፡ ትካላዊ ብቕዓት ዝምልከት ከመይ ማዕቢሉ? እቲ ቅርጺ'ኸ ብቑዕ ድዩ? ዝተደለየ ሰሪሑ ድዩ ኣይሰርሐን? ክእረም ይግብኦ ድዩ? ክመሓየሽ ይግብኦ ድዩ?” እናተባህለ፡ ካብ ግዜ ናብግዜ ክኽለስ ዘለዎ እዩ። እቲ መትከል'ውን ብኡኡ መሰረት ሓንሳብ ዝተገበረ ቅርጺ፡ ንዘልኣለም የስርሕ ኢዩ። ሓንሳእ ዝተኣታተወ ኣገባብ ንዘልኣለም ክኽይድ እዩ ኢልካክትሓስብ ዝከኣል ነገር ስለ ዘይኮነ። ሕጂ እቲ ምቅይያራት ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጢ ከምዚዝኣምሰለ መረዳእታ ዝተሓዝ እዩ። እምበር ከም ቀዋሚ ነገር ሃልዩ፡ እሞ ኣብኡ ዝግበርምቅይያራት ከም ካብ ንቡር ወጻኢ ዝካየድ ምቅይያራት ጌርካ ክትወስዶ ዝከኣል ኣይመስለንን። ደሓር ንቡር ከኣ እዩ ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ምምሕዳራት ኣሰራርሓ።

ሕቶ፡- ምድስካል ወይ ካብ ስራሕ ደው ምባል ኣብ ገለ ገለ ሰበ ስልጣናትይርአ ኢዩ? እቲ ጠንቂ እንታይ ኢዩ። ከይሰርሑ ደሞዞም ኪወስዱ'ኸ ግቡእዲዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡-ምድስካል ዝበሃል የለን። ምድስካል ኣነ ርእየ ኣይፈልጥን እየ።ምድስካል እንታይ እዩ? ስለምንታይ እዩ ምድስካል? ምድስካል ማለት'ሲ ኣይሰሪሑ ወይ ኣይተሰናቢቱ ማለት ኢዩ እኮ። ምድስካል ማለት የለን። ሓደ ሰብ ይቕየር ወይ ብዙሓት ሰባት ይቅየሩ። ክሳብ ሓድሽ ቦታ ዝሕዙ ክጸንሑ ይኽእሉ። ግዜ ይወስድ ይኸውን። ምናልባሽ እቲ ናይ ምጽናሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ እዚ ዘሎ ግዜ ዝፍጠር ስምዒታትን ሓደ ሓደ ትዕዝብትታትን ክህሉ ይኽእል። ምድስካል ከም ምድስካል፡ ከም ኣምር ግና የለን። ማለት ንሓደ ሰብ ደስኪልካ ኢኻ ክትብሎሲ እንታይ ማለት ኢዩ? እንድሕሪ ክሰናበት ኮይኑ፡ ተሰናቢትካ ኢኻ ክብሃል ክኽል ኣለዎ። እንድሕሪ ክሰርሕ ኮይኑ ከኣ ክሰርሕ ኢዩ ። ምድስካል ዝበሃል ነገር ከም ኣምር የለን። ከም ኣሰራርሓ'ውን የለን።ሰባት ክሳብ ዝምደቡ ምናልባት ተቐይሮም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ክሳብ ዝኸዱ ግዜ ይወስድ ይኸውን። ሰብ ክሳብ ዘይተሰናበተ ወይ ዘይተጣየሰ ከኣ ደሞዝ ኣይግበኣካንኢዩ ኢልካ፡ ደሞዝ ክትቆርጸሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒሑ ካብኡ ተቐይሩናብ ካልእ ከይዱ ኣብኡ ዝሰርሓሉ እዋን ወይ ጊዜ ክነውሕ ክሓጽር ይኽእል። ደሞዝካ ኣይትወስድን ኢኻ ክትብሎ ግና ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሕቶ፡- ሚኒስትሪ ዜና ከመይ ኢዩ ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ? ንመጻኢ'ኸከመይ ኪኸውን ኢዩ? ብወግዒ ዝፍለጥ ሚኒስተር የብሉን። እንታይ ኢዩ እቲጸገም?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ሚኒስትሪ ዜና፡ ሓደ ካብቶም ኣኽረርቲ እኳ እንተዘይኮነ፡ኣብ መንግስቲ፡ “ሚኒስትሪ ዜና ክህሉ ኣለዎ'ዶ የብሉን?”፡ ሓደ ሕቶ፡ ማለት ብኽፉትሓንጎል ትዛረበሉ ነገር ኢዩ። “መንግስታዊ ጋዜጣ ክህሉ ኣለዎ'ዶ የብሉን?”፡ “ናይ ቲቪ መደበራት ብመንግስቲ ክውነኑ ኣለዎም'ዶ?”፡ “ብሕታውያን ኣካላት፡ ክሕዝኦ ኣለወን”። ንነዊሕ ግዜ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ኣከራኻሪ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ቅርጺ ናይ ሚኒስትሪ፡ መን ሓላፊ ኣሎ መን ሓላፊ የሎን። ኣብ ገለ ገለ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ገለ ሚኒስትሪታት ሰባት ስለ ዘይተመደቡ እቲ ሚኒስተር ደረጃ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ናይቲ ሚኒስትሪታት እውን ናይ ሰባት ምምዳብን ዘይምምዳብን፡ ምድንጓይ ናይ ሰባት፡ ኣብኡ ጸኒሖም ናብ ካልእ ዝተቐየሩ እሞ መተካእታኦም ናይ ምርካብ ሕቶ፡ከም ተርእዮ ይቕልቀል ይኽውን። ግና ንሚኒስትሪ ዜና ንበይኑ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ናይ ሚኒስትሪ ዚና ኣጠቓላሊ ግና ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቀስክዎ እዚ መንግስቲ ኣሎ። ቅርጺ ናይ መንግስቲ ከመዚ ኢዩ፡ እቲ ሰርዓት ናይ መንግስቲ ከምዚ ኢዩ ዚመስል፡ ከስርሕ ይኽእል ኢዩ፡ ተባሂሉ ሓደ እዋን ተወሲኑ ወይ ከም ቅቡል ተወሲዱ፡ ካልኣይ ጊዜ ክኽለስ ክኽእል ኣለዎ። ሰሪሑ'ዶ ኣይሰርሐን እቲ ቅርጺ ብጥቅልሉ ካብኡ ናብኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ናይ መንግስቲ ዘሎ ቅርጺ ሰሪሑ'ዶ ኣይሰርሐን? ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ዘሎ ጽፍሕታት ብመትከል፡ ጽፍሕታት ከይበዝሕ፡ እቲ ቢሮክራሲ መሊሱ ከይተሓላለኸ፡ ስራሕ ከይሕነቕ፡ ቅርጺ ቅርጡው ክኸውን ኣድማዒ ክኸውን፡ ከም መትከል ተባሂሉ ዝተታሕዘ ኣሎ። ሰሪሑ'ዶ ኣይሰርሐን ንሱ...? ጉዳይ ብጉዳይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሚኒስትሪታት ስሪሑ'ዶ ኣይሰርሐን በብሓደ ክትርእዮ ዘሎካ ጉዳይ ኢዩ። ብኣጠቃላሊ ግና ሓደ ሓደ ፕሊሲ ጉዳያት ከምዚ ናይ ዜና'ውን ክለዓል ኣለዎ። ነዚኦም ጉዳያት እዚእቶም ዝኾነ ሰብ ውዱእ መልሲ ወይ ቅርጺ የብሉን። ሓሳባት ክህሉ ይኽእል። እቲ ሓሳባት ክበስል ክፈልሕ ይኽእል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ቅዱስ ነገር ክውስድ ዘይክእል፡ ግና ክሰርሕ ሓደ ፓሊሲ ወይ ኣሰራርሓ ይተኣታቶ። ንሱ እውን ኣብ ተመኩሮ እናተፈተነ ሰሪሑ'ዶ ኣይሰርሐን ይረአ። ብኸምኡ እንተዘይኮይኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ይኹን ናይ ካልኦት ሚኒስትሪታት ዝርአ የለን። ብኣጠቓላሊ፡ ምስ'ዚ ናይ ቅልውላው እዋን ዝተደናጎየ፡ ሎሚ ክንገብሮ ኢና፡ ጽባሕ ክንገብሮ ኢና እናተባህለ ዝጸንሐ እንተዘይኮይኑ ሓፈሻዊ ክለሳ ክግበር ከም ዘለዎ ንዕኡ ዝምልከት ስርሓት፡ ናይ ባይታ'ውን ክካየድ ከምዝጸንሐ ርዱእ እዩ። ሕጂ እቲ ክለሳ እንታይ እዩ ዝሕግዝ? ጉዳይ ብጉዳይ ብጥቅልሉ ከኣ፡ እቲ ስርዓተ ቅርጺ ኣሰራርሓ ኣድማዒ ነይሩ'ዶ ኣይነበረን? ገሊኡ ዕላማታት ወቂዑ'ዶኣይወቕዐን? እንታይ ድኻማት ነይርዎ? እንታይ ሓያል ነጥብታት ነይርዎ? እንታይ ምምሕያሽት ክግበረሉ ይከኣል? ኢልካ ይረአ... ብዘይ ከምኡ ሓንሳእን፡ ንዘልኣለምን ዝኸውን መንግስቲ ኣካላትን ቅርጺን ኣሰራርሓን ኣሎ ምባል ኣሸጋሪ ኢዩ።

ሕቶ፡- ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ብልሽውና ዘይብላ ሃገር ተባሂላ'ያ ትጥቀስ ነይራ። ህዝቢ'ውን ከምኡ ዓይነት መረዳእታ ኢዩ ነይሩዎ። ኣብዚ እዋን'ዚግን፡ ቁሩብ ዝተቐየረ ይመስል። ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝግብኦም ክነሶም መውጽኢ ቪዛ ተዋሂቡዎም ንወጻኢ ሃገር ዝኸዱ ሰባት ከምዘለዉ ይዝረብ ኢዩ። ኣብ ኣመዳድባ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን ሌላን ጉሌላን ኣሎ ይበሃል። ነዚታት ኣብ ግምት ብምእታው ርእይቶኻ እንተትገልጸልና።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ብዛዕባ ምጥፍፋእን ጉቦን ንምዝራብ ብናተይ ኣረኣእያ ሓደ ሃገር ዝዓኑ ወይ ዝሰዓር ብኵናት ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ካብቶም ሓደጋታት ናይ ሃገር ከም ሃገር ምህላው ዝዓበየ ሓደጋ ዝብሎ ኣነ፡ ንቑጠባ፡ ንማሕበራዊ ሂወት፡ ንባህላዊ ሂወት ናይ'ቲ ሃገር ኣንቆልቍሉ ወይ ኣማሲኑ፡ ሃገር ዘዕኑ ብልሽውና ኢዩ በሃላይ ኢየኣነ። ብልሽውና ክኣቱ ከሎ ኣይተስተባህለሉን ኢኻ። ብሰለሎ ዝዓይነቱ ኣገባብ ክኣቱ ይኽእል። ሳዕሪሩ እንድሕሪ ሰሪቱ ፡ ክትምሕዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነገር ኢዩ። ዕንወት ናይ ሃገራት ወይ ምርማስ ናይ ሃገራት ምናልባት ኣብ ምዕቡላት ሃገራት የለን ኢልካ ክትዛረብ ይከኣል ይኽውን። ዝበዝሕ ተርእዮታት ኣብ ዘይምዕቡላት ሃገራት ኢዩ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ግና ኣብ ነንበይኖም እዋናት ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ብፍላይ፡ ኣብኣፍሪቃ ካብዚ ንላዕሊ ዘለው ኣገደስቲ ሕቶታት፡ ልዕሊ ምሕደራ ናይ መንግስቲ ናይ ብልሽውና ጉዳይ ኢዩ። ብልሽውና ኣብ ዘለወሉ ሃገር፡ “ሃገር” ኣሎ ምባል'ውን ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣነ ካብቶም ዓበይቲ ሓደጋታት ናይ ሓደ ሃገር ህላወ ብልሽውና ኢዩዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎኒ። ሃገር ክንሃንጽ እንተኾይንና፡ ሃገር ናጻ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገር ምህናጽ ዝድለ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም መንግስታዊñ ኣካላት፡ ህዝቢ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ከስተባህለሉ፡ ክገትኦ፡ ክከላኽሎ ወይ ኵናት ክእውደሉ ዘለዎ ብልሽውና(corruption) ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎኒ። እዚ ሃገር፡ እዚ መንግስቲ እዚ፡ክሳብ ሕጂ ካብቶም ዝምስገኑ ስርዓታት፡ ሓደ ካብቲ መለለይኡ ናጻ ካብ ብልሽውና(corruption free) ምዃኑ ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግና ነፍስኻ ምትዕዕሻውክህሉ የብሉን በሃላይ እየ ኣነ። ካብ ሰማይ ከም ማና ዝወሃበካ ገጸ በረኽት ኣይኮነን። ካብ ብልሽውና ናጻ ምዃን ማለት፡ ኩሉ ጊዜ ትኩር ኩሉ ከኣ ንዕኡ ዝገትእ ሃዋሁውን ንዕኡ ዝገትእ መቆጻጸሪ ስርዓትን እንተዘይብልካ፡ ብልሽውና የሎን እሞ፡ ንዘልኣለምውን ኣይክህሉን ኢዩ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዙሓት መንገድታት፡ ብውሽጢይኹን ብደገ ኣብ ብልሽውና ወይ ድማ ጉቦን ብልሽውናን ምስሳን ዝፈታተኑ ውልቀ ሰባትን ሓይልታትን ስለ ዘለዉ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ከመይ ጌርካ ክትሕዞ ትኽእል ዝበሃል ሕቶ ኣነ ሎሚ፡ ንጽባሕ'ውን ሓደ ካብ'ቲ ዓቢ ብድሆታት ናይ'ዚ ሃገር እዚ ኢየ ዝብሎ። ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣዚ ጉዳይ እዚ ይዝረብ ኢዩ። ዝተጋነነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓቂ የብሉን። መሰረት የብሉን ኢልካ ግና ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዙሓት ተርእዮታት ኣለዉ ንዕኡ ዘንጸባርቑ። እዞምም ተርእዮታት እዚኣቶም ንምቁጽጻርዝውሰድ ስጉምትታት ኣሎ። እቲ ዝውሰድ ስጉምታት ኣዕጋቢ ኢዩ ወይ ኣኻሊ ኢዩ ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ገንዘብ ምሃብን ዘይምሃብን ኣብ ጉቦ'ውን ዝተኣሳሰረጥራይ ኣይኮነን። ዝጥከስ ብዙሕ ኣይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ናይ ሰራዊት ክለዓል ዝጸንሐ ጉዳይ ኢዩ። ኣብዚ ንሕና ግዜናሰዊእና ገልታዕታዕ ንብለሉ፡ ረሃጽና ነንጥበሉ፡ ደምና ነፍስሰሉ፡ ኣብ ዚድለ እዋን'ውን ሂወትና ንስውኣሉ ግዜ ከም ዜጋታት ከም ደቂ ሃገር ምስሎም ልዕሌና ዝኾነ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይሳተፉ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሃድሙ፡ ብሰብ፡ ብዘመድ፡ ብዓርኪ መብዛሕትኦም ከኣ ደቂ ነጋዶን ሃብታማትን ወይ ኣዝማድ ነጋዶን ሃብታማትን ኣብ ግቡኦም ምብርካት ዘይርከቡ ኣለዉ። ንወጻኢ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሃድሙኣለዉ። ምቁጽጻር ዘይግበረሎም ቪዛ ከም ድላዮም ይረኽቡ። ፓስፖርትታት ከም ድላዮም ይረኽቡ። ገሊኦም ብኮንትሮባንዳ ዝሞልቁ ኣለዉ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ዝተሓባበሩ ኣካላት'ውን ኣለዉ ኣብ ውሽጥን ደገን። ስለ'ዚ እዚ ጉዳይ እዚ ገደብ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ክቆጻጸሮ ክኽእል ኣለዎ። ብቑጽሪ ብዙሕ ኣይኹን'ምበር ከምተርእዮ ኣብዛ ሃገር ክስስን፡ ክምዕብል የብሉን። ንሕና ደምናን ረሃጽናን ግዜናን ሂወትናን ነጥፍኣሉ ዘለና፡ ሓለፋ ካልኦት እንስከም ትሕቲ ኹሉ ከኣ ንነብረሉ ምኽንያት የለን እናተባህለ ቀጻሊ ምዕዝምዛማት ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ክመጽእ ከሎ እንታይ ጭብጥታት ኣሎና ኢልካ ፈለማ ሕቶ ተቕርብ። ብስምዒት ወይ ብቤላቤለው ዝኸይድ ነገር ኣይኮነን። ጭብጥታት ክርከብ ኣለዎ ተባሂሉ ናይ ፈለማ ዳህሳስ ኣብ ዝተገብረሉ፡ ዝተረኽቡ ጭብጥታት ነይሮም። በዞም ጭብጥታት እዚኣቶም ጥራይ ትም ክበሃል ስለዘይብሉ፡ ንዕኡ ዝቆጻጸር ስርዓት ክተኣታቶ ክኽእል ኣለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓደ ካብ'ቲ ሓደ ዝበልጸሉ ምኽንያት የለን። ሓደ ርኹብ ስለ ዝኾነ ዝያዳ መሰል፡ ሓደርኹብ ስለ ዘይኮነ ትሕቲ ካልእ ተረጊጹ ክነብር ኣይክእልን፡ ኣብዚኣ ሃገር'ዚኣ ሓደ ዝያዳ ዝሕተተሉ፡ እቲ ሓደ ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝኾነሉ ምኽንያት የለን። ብፍላይ ብዘመድ፡ ብሰብ፡ ብርኽበት ወይ ገንዘብ ስለ ዘለካ ካብ ግቡእካ ምፍጻም ትሃድመሉ ምኽንያት የለን። ስለ'ዚ እቲ መንግስቲ ነዚ ንምቁጽጻር ሓደ ታስክ ፎርስ ኣቝሙ እቲ ዝግባእመጽናዕትታት ከወካይድ ኣለዎ። እቲ ዘድሊ ስጉምትታት ከኣ ኣብ ሰዓቱ ክወስደሉ'ዩ። እዚ ምስ ኩሉ ኩሉ፡ ምስ ናይ ጉቦን ብልሽውናን ኣተኣሳሲርካ ዝርአ ኢዩ። ሓወይ፡ዘመደይ፡ ቤተሰበይ፡ ዓርከይ... እናበልካ ዝወሃብ ወይ ዝግበር ሓለፋታት ወይ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ፡ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኾነ ሓለፋታት ነዛ እዚኣ ካብ ዘዕነዉ ዝኸበደኵናት ኢየ ዝብሎ ኣነ። እቲ ዝኸበደ ኵናት ናይ ብልሽውና ኢዩ። ብድሕሪኡ ዝመጽእኵናት ናይ ኤይድስ፡ ብሳልሳይ ዝስራዕ ኵናት ድማ ወተሃደራዊ ኵናት ኢየ ዝብሎ ኣነ ብወገነይ። ስለዚ ዝዓበየ ሓደጋ ንሃገራዊ ድሕነት ኮራፕሽን ኢዩ። ብድሕሪኡ ምናልባሽንሃገራዊ ድሕነት ዘስግእ ኤይድስን ብሳልሳይ ከኣ ኵናት ኢዩ። ወተሃደራዊ ኵናት ስቕ ኢልካ ኣእምሮኻ፡ ሕልናኻ፡ ብጥዑዩ ምስ ኣእምሮኻ፡ ንሓደ ዕላማ ሂወትካ ትስውኣሉ ሂወትካ ተወፍየሉን ትዋግኣሉን ኵናት ስለ ዝኾነ፡ ተገዲድካ ትገብሮ ነገር እምበር ፈቲኻትገብሮ ነገር ስለ ዘይኮነ፡ ከቢድ ኢዩ ኣይብሎን ኢየ ኣነ። ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሰራዕኩሉ ምኽንያት ከኣ ብኸምኡ ኢየ። ብለበዳ መልክዕ፡ ኤይድስ ይኹን ክልኦት ሕማማት ንዓቕሚ ሃገር ዘዕኑ፡ ንዓቕሚ ህዝቢ ናይ ሃገር ዝንኪ፡ ንኣፍራይነት ናይ ዜጋታት ዘዳኽምኵናት'ውን ክእወደሉ ዘለዎ ዝብሎ ብካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ። ጉቦን ብልሽውናን ግና ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ ሃገር ንገዛእ ርእሱ'ውን ከም ሃገር ክብረታን ህላዌኣን ዝቝንቁነሉ ቀስ ብቐስ እናማዕበለ ንሓዋሩን ንወለዶታትን ዘየናሕሲ ስምብራት ዚገድፍ ተርእዮ ስለ ዝኾነ ዓቢ'ዩ እየ ዝብሎ ኣነ። ሕጂ እቲ ኣብ'ዚ እዋን ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኣይ ከም ቀደምን፡ ቀደም ከም'ዚ ይበሃል ነይሩ፡ ሕጂ ግና ኣይኮነን። ንሕና ካብ ኮራፕሽንናጻ ኢና ይበሃል ነይሩ፡ ሕጂ ግና ይርአ ኣሎ። ብዙሕ ዕላላት፡ ብዙሕ ዘረባታት ይዝረብ ኢዩ። ከም ሓላፊ ኮፍ ኢልካ ግና ዕላል ተባህለ፡ መን በሎ? ብመን... ዘይኮነ እቲጉዳይ፡ ጭብጥታቱ እቲ ዝግባእ ስጉምትታት ክውሳድ፡ ንምግትኡ እቲ ዝግባእ ስርዓት ክዋደድ ስለ ዘለዎ፡ ሓደ ዓቢ ናይ'ዛ ሃገር፡ ናይ'ዚ ህዝቢ፡ ናይ'ዚ መንግስቲ ሓላፍነትኢዩ እየ ዝብሎ ኣነ።

ሕቶ፡- ደቀንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስታፈን፡ እቲ ዝግባእ ዕላማ ኣይወቕዓን ዝብል ምዕዝምዛም ኣሎ። ዘይተደልየ ጥንሲ ምብዝሑ፡ ኣገልገልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምዃነን፡ ናይ መርዓን ውላድን ዕድላተን ምሕላፉ'ውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ኢዩ ርእይቶኻ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ንሓደ ጉዳይ ብሓደ መልክዑ ጥራይ ምርኣይ ኩሉ ግዜ ዝተማልአ ስእሊ ኣይህብን ኢዩ። ማለት ነቲ ስእሊ ብንጹር ክትርእዮ'ውን ኣየዕግብን ኢዩ።ንኣሸቱ ነገራት እናጋነንካ ዝዝረብ ዘረባታት'ውን፡ ነቲ ገዚፍ መልክዕ ዝህብ ኣይኰነን። ከም'ዚ ኰይነን፡ ጠኒሰን፡ ከም'ዚ ተገይሩ፡ከም'ዚ ተፈጢሩ ዝብሃልሲ፡ ኣብ ኣስመራ እንድሕር ኣብ ጽርግያታት ትዛወሩ ኳንኩም፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኩርናዕ ዘሎ ኩነታት ዘይፈልጦ ሰብ የለን። ኣብ ካልኦት'ውን ከምኡ ተመሳሳሊ። ጓለንስተይቲ ኣብ'ዚ ሃገር'ዚ፡ ካብ'ዝኾነ ይኹን ካልእ ሃገር ኣነ ብጹሑፋት ዘንበብክዎ ይኹን፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሰማዕክዎ፡ ደቀንስትዮ ተሳቲፈን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሰሪሕን፡ ግቡአን ፈጺመ ንዝበሃል፡ ብዙሕ ንህዝባዊ ርክባት ዝዝረብ ዘረባታት'ኳ እንተሎ፡ ከም ናይ ኤርትራ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ሃገር ሂወት፡ ናይ ሃገር ምክልኻል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝተሳተፈ ኣሎ ኣይብልንእየ ኣነ። ብኣሃዛት ይኹን ብዓይነትናይ ተሳታፍነት እንተርኢናዮ፡ ኣብ'ዚ ናይ ወራር ወያነ መኸተ'ውን ደቀንስትዮ ብኹሉ መለክዒታት፡ ልኡላውነት ሃገረን ንምክልኻል፡ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዘበርከትኦ ነገር፡ ቀሊል ኣይኮነን። ተርእዮታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኰነን። ዓመጽ፡ ጥንሲ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ተርእዮታት'ውን ይርኣዩ እዮም። ግን'ዚ፡ባህርያዊ ነገር ኢዩ። ከም ቅቡል ዝውሰድ ዘይኮነ፡ ክእረም ዘለዎ እዩ። ክእረም ከኣ፡ ንቕሓት ናይ ኩሉ ሰብ፡ ንቕሓት ናይ'ተን ደቀ ንስትዮ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ኣብ ስርዓተ ምቁጽጻር እተፈላለዩ ኣገባባት ከተትኣታቱ ይከኣል ኢዩ። ከም ተርእዩ ግን፡ ንሱ ኢዩ እቲ ናይ ደቀንስትዮ ተራ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘዳኽም ዘሎ፡ ክብረትን ህላወን ደቀንስትዮ ዝሃሲ ዘሎ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኰነን። ምናልባት ካብ'ቲ ኣሉታዊ ጎንታቱ እቲ ኣወንታዊ ጎንታቱ ኣጸቢቑ ይምዘንን ይዓብን። ደቀንስትዮ ንቡር ማሕበራዊ ቦታ ይኹን፡ ኣገልግሎት ወይ ግደ ኣለወን። ውሑዳት ኢና፡ ኣብ ቅልውላው ግዜ እቲ ኣፍራዪ ዝበሃል ዓቕሚ ሰብና፡ ኣብ ሃለኽለኽ፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝኣትወሉ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ኸኣ ከምኡ ዝኣመሰለ ዕማማት ኣብ ዝጽመዳሉ ግዜ፡ ናይ ወለዶታት ዕድል ይሓልፈና ኣሎ፡ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ወለዶ ዕድል ኣሎ። ሕጂ'ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገማት የጋጥም ኣሎ'ሞ ዘይሕሰበሉ? ካልኦት ዝተፈላለየ ሕቶታት'ውን ዝመጹ ኣለው። ኣነ እዚኦም ኣብ ክፉት ናይ ህዝቢ መድረኽ ናጻ ክትዕ ክግበረሎም ዘለዎም ጉዳያት ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ። ናይ ደቀንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዋ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ሕቶ። ብሰፊሑ ብኻልእ መልክዕ ክረአ ዘለዎ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቀጥታ ምስኡ ዘለዎ ተዛማድነት ወይ ዘይቀጥታዊ ተዛማድነት ወይ ዘይቀጥታዊ ተዛማድነት ኣብ ውሽጢ ከም'ዚ ዝኣመሰለ መረዳእታ ክግምገም ዝከኣል ይመስለኒ። እቲ ጎጎጥጒጥካ ኣውጺእካ ንሓደ ሓደ ሕማቕ ፍጻሜታት ከም ዓቢ ነገር ማግኒፋይ ገይርካ ወይ ኣጋኒንካ ምቕራብ ግን፡ ነቲ ካልእ ክትርእዮ ዝግብኣካ ነገር፡ ዓይንኻ ስለዝሽፍን፡ የለን ኢልካ ከምምኽሓዱ ዘይኮነ፡ በቲ ናይ ብሓቂ ዓቐኑኡ ምርኣዩ፡ ምስ ካልኦት ኣዛሚድካ ኣብ እተፈላለየ ዳይመንሽን'ውን ክርአ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ኣይዝረበሉን ማት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ብቐጻሊ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኢዩ። ንዝርኣዩ ሓድሓደ ጌጋታት ምእራም፡ ንዝፍጸም በደል ምቁጽጻርን ምቕጻኦን ካልኦት ናይ ንቕሓት ደረጃታት ሓፍ ንምባል ዝካየድ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ኣለዉ። ውርጹጽ ፍታሕ ኣለዎም ክትብል ዘሸግር ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕብረተሰብ ወይ ኣብ ሰብብ ከምእምኒ፡ ከም ጡብ፡ ከም ዝኾነ መካኒካል ነገር እዝን እዝን ከም'ዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ እሞ ክቆጻጸሮ ይኽእል ኢየ ኢልካ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ትዛረበሉጉዳይ ኣይኮነን። ኣነ እቲ ናይ ምግናን ጎኑ ብዙሕ መሰረት ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን ብፍላይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ። ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋ የብለንን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክኣትዋ የብለንን፡ ኣብ ኣገልግሎት ክኸዳ የብለንን፡ ብባህሊ'ዶ ብማሕበራዊ'ዶ፡ ካልኦይ እተፈላለዩ ግምታት ኣለዉ እናተባህለ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ፍልልያት ምምጻእ ገለን ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ከሳትፍ፡ ገለንድማ ከየሳትፍ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጹ ኣቀራርባታት ቅቡላት ኣይኮኑን። ንዓታቶም ጉልባብ ኢልካ ዝቐርብ መመኽነይታ ወይ ምምስማስ ንዓታቶም ንምምኽናይ ኢልካ ንኣሽቱ ንኣሽቱ ነገራት እናጋነንካ ዝግበር መሸፋፈኒ ህቀናታት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ከደናግር ዝኽእል ኣይኮነን። ብእኡ ዝቕየር ፖሊሲ ከኣ ክህሉ ኣይከኣልን ኢዩ።


ሕቶ፡- ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ብምህላዉ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ምውህሃድ የልቦን ይበሃል ኢዩ። ሓቂ ድዩ? ሓቂ እንተኾይኑ እንታይ ኢዩ እቲ ጠንቂ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ ዝብል ኣይፈልጥን ኢየ። ኣብ ዕላል ናይ ጽርግያ ክዛረብ ኣይደልን ኢየ። ሰባት እምኒ ኣይኮኑን ወይ ዕንጨይቲ ወይ ጡብ ኣይኮኑን ንሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኮፍ ተብሎ። ሓደ ነቲ ሓደ ብቕርጺ፡ ብመልክዕ፡ ብትሕዝቶ ዝመሳሰል ሰብ የለን። ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ሓንጎል ኣለዎ። ነናቱ ኣእምሮ ኣለዎ። ነናቱ ኣተሓሳስባ ኣለዎ። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ምስ ሓደ ካልእ ክሳነ ኣለዎ ኢልካክ ትሓስብ ኣብ ገነት ምንባር ወይ ምስፋር ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣነ ህዝባዊ ግንባር ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ህዝባዊ ግንባር ከም ህዝቢ፡ ህዝባዊ ግንባር ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም ሰፊሕ ህዝቢ ዘሳተፈ ምንቅስቓስ ግይረ ስለ ዝርእዮ፡፣ መን ኣሎ ኣብኡ? ኣብ ላዕሊ ደረጃ መን ምስ መን ፍሽኽ ኢሉ? መን ምስ መን ተቐያዪሙ? መን ንመን ቀኒኡሉ? መን ንመን እ... ዝብል ነገር ኣነ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ምናልባት ከምኡ ዓይነት መረዳእታ ክህሉ ወይ ክዝረብ ይኽእል ኢዩ። ግና መን ኢዩ ምስ መን ዘይተሳነዩ? እንታይ ኢዩ እቲ ዘፈላሊ ጉዳያት? እቶም ዘይተሳነዩ'ኸ መነመን ኢዮም? ኣነ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ግንባር ከምኡ እንድሕሪ ኣለዎ ኮይኑ፡ኣገባብ ገይሩ ክኣልዮ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ምምኽንያቱ ኣነ ኣብ ናይ ግንዛበ ለም ክነብር ኣይደልን ኢየ። ማለት ሰብ ብዝመስሎ፡ ብቤላቤለው ብዝናፈሶ፡ ብናይ ቤላቤለው ሃዋህው ዝተፈጥረ ጉዳያት ኣቲኻ ክዝረብ ኣይከኣልን። ዝሕተቱ ኣባላት ወይ ሓለፍቲ ግንባር እንድሕሪ ኣለዉ፡ ስርሖም ዘንጊዖም ማለት ኢዩ። ወይ ስርሖም ብግቡእ ዘይፈጸሙ ወይ ዝበደሉ፡ ወይ ዝኾነ ጌጋ ዝፈጸሙ ኣንድሕሪ ኣለዉ ክሕተቱ ኣለዎም። ንዓ ንስኻ እከለ ወዲ እከለ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት እተነብረልካ፡ እዝን እዝን ጌጋታት ጌርካ ወይ እዝንእዝን ጉድለታት ኣለካ ኢልካ ሓቲትካ ብግቡእ ነቲ ሰብ ክትግምግሞ ንቡር ኢዩ።እከለ ምስ እከለ ኣይተሳነየን፡ እከለ ምስ እከል ኣይሰሓቐን፡ እከለ ምስ እከለ ኣየዕለለን፡ እከለ ምስ እከለ ተቛዪቝ ኢልካ ክትዛረብ ግና ኣነ ትርጉም ዘለዎ'ውን ኣይኮነን። ኣብኡ ኣቲኻ ዝኾነ ክትገብር። ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ናይ ቃልሲ ንዓይ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ናይ'ቲ ህዝቢ ተሳታፍነት፡ ናይ'ቲ ግንባር ከም ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ናጽነት ግዜ፡እንታይ ጌሩ ብጥቕልሉ ክርአ፡ ትካላት እንተኣልየን፡ ሓደ ብሓደ ክግምገማ እንተ ዘይኮይኑ ኣነናይ ውልቀሰባት ጉዳይ፡ ካብ'ቲ ዝዓበየ መሰረታዊ ጉዳይ ፈሊካ ከም ርእሱ ዝኸኣለ ገዚፍ ኣርእስቲ ክትዛረበሉ ንክብረትካ'ውን ዝትንክፍ ስለ ዝኾነ ኣነ ብዙሕ ኣብኡ ክዛረብ ኣይደልን ኢየ።

ሕቶ፡- ልዕሊ መንግስቲ ስልጣን ዘለዎም ኮይኑ ዝስምዖም ገለ ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዘለዉ'ውን ይዕለል ኢዩ። ሓላፍነቶም ገደብ የብሉን ዲዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ዘገርም ኢዩ። መን ኢዮም እቶም ከምኡ ዝስምዖኦም እክለወዲ እከለ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ቦታ ዘሎ ነፍሱ ልዕሊ መንግስቲ ኮይኑ ዝስምዖ ኣሎ ኢልካ ኣንተዝዝረብ ምናልባት እቲ ተዓዛቢ'ውን ራይቶኡ ክህብ ምስ ተሓተተ። ብድብዱቡ ግና ከም'ዚ ዝስምዖም ሰባት ኣለዉ...። መነመን ኢዮም? ልዕሊ ሕጊ፡ ልዕሊ ሃገር፡ ልዕሊ መንግስቲ፡ ልዕሊ ህዝቢ ዝኾኑ ሰባት መነመን ኢዮም? ከመይ ጌሮም'ከ'ዮምልዕሊ ህዝብን ልዕሊ ሃገርን ኮይኖም? ብኸመይ መገዲ? እንታይ ኢዮም እቶም ጭብጥታት፡ ንዓታቶም ልዕሊ ሃገር ይኹን ልዕሊ መንግስቲ ዘግብርዎም? ከም ውልቀሰባት ተሓቲቶም ዲዮም? ከም ኣካላት ናይቲ ግንባር እንድሕሪ ኣልዮም ኮይኖም ተሓቲቶም ዲዮም?እዚታት ቅድም ክረጋገጽ ኣለዎ ይመስለኒ። ንሰብ ብኸም'ዚ ዓይነት መገዲ ከተሀውትትኣይትኽእልን። ከምዚ ኣሎ፡ ከምዚ ኣሎ። በዓል እከለ በዓል እከለ ኢልካ ተዛሪብካ ጭቡጥ ነገራት እንተዚኸውን ጽቡቕ። ኣብ ዘይትሕተተሉ መድረኽ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ኣልዒልካ ንሰብ ከተህውትት ብዙሕ ኣድላይነት'ውን የብሉን። ትርጉሙ'ውን ኣይረኣየንን ኢዩ። ኣነ ብወገነይ ብጭቡጥ እዚኦም ዝኣመሰሉ እከለን “እከለን'ሲ ከም'ዚ ገይሮም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የዳዅሩ ኣለዉ” ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል እንተኾይኑ ክመጹ ክኽእሉ ኣለዎም እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ወላ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሕቶ'ውን ዝመለስክዎ ምህውታት ኮይኑ ኢዩ ዝረኣየኒ ኣነ። ኣብ ከም'ዚ ዓይነት ነገር ክንዲ ምህውታት ከኣ ንፋስ ክትሕዝ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብጭቡጥ እዝን እዝን ነይሩ።ከምዚ ከምዚ ነይሩ ኢልካ ተዛሪብካ እዚ ብደገ ደገ ብጎቦ ጎቦ ጥራይ ናይ ህድማ ስራሕ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ ኣነ። ሓቂ ዘለዎ ክዛረብ ዝደለየ ወይብጭቡጥ ዘለዎ ወይ ክእርም ዝደለየ ናይ ብሓቂ ሓልዮት ናይ ሃገር፡ ሓልዮት ናይ መንግስቲ ዘለዎ ከምዚ ከምዝን ኣሎ እሞ፡ ከምዚን ከምዚን ኮይኑ ክእረም ኣለዎ። እከለ በዲሉ፡ እከለ ከም'ዚ ገይሩ ኢሉ ከቕርብ ኣለዎ እምበር ትም ኢልካ ብዘይጭበጥ ነገር ክትዛረብ ወይ ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ክትፈላሰፍን ኣብ ሃይፖተቲካል ዝኾኑ ነገራት ግዜኻከተጥፍእሲ ንምንታይ? ዝብል ሕቶ ስለ ዝለዓል፡ ኣነ ከምኡ እንድሕሪ ኣልዮም ኮይኖምበስማት ተጠቒሶም ክሕተቱ ክኽእሉ ኣለዎም።

ሕቶ፡- ዝምድና ህ.ግ.ደ.ፍን መንግስትን ከመይ ኣሎ? ንመጻኢ'ኸ ብኸመይ ኪቕጽል ኢዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ሓደ ክንርእዮ ዝግብኣና ነገር ኣሎ። እቲ ናይ መሰጋገሪ እዋን ከም ኣብነት ናይ ረፈረንደም መስርሕ፡ ተኻዪዱ። ግዝያዊ መንግስቲ ነይሩ። ድሕሪኡ'ውን ናይ ቅዋም ምንዳፍ ስራሕ ወይ መስርሕ ተጀሚሩ። ህዝቢ ብዝተሳተፈሉ መገዲ እቲ ቅዋም ተነዲፉ ጸዲቑ። ክጸድቕ ከሎ ንዕኡ ዘጽድቕ ኣካል ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ።ንዕኡ ዘጽድቕ ካብ ፍርቁ ኣባላት ናይ ማእከላይ ባይቶ ናይ ግንባር ኢዮም። ሰብዓን ሓሙሽተን ከኣ ካብ ህዝቢ ዝተወከሉ ኣካላት ኢዮም። እዚ ናይ'ታ ሃገር ፖለቲካዊ ኣመዓባብላ ርዱኣት ኢዮም። ምኽንያታት ዘምጽእዎ ኢዩ። ስለ'ዚ ኣብቲ ኣቃውማታት እንተመጺና'ውን እቲ መንግስትን እቲ ግንባርን ፈላሊኻ ትርእየሉ ነገር የለን። ብግብሪ ብምምዛን ናይ'ቲ ሃገር መስርሕ ምህናጽ ፖለቲካዊ መልክዕ ብኸመይ ክካየድ ጸኒሑ ካብ ዝኾነ ሰብ እተሰወረ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ምናልባት እቲ ላዕለዋይ መልክዑ ክኸውን ይኽእል። ኣብ መንጎ ፈጸምቲ ኣካላት ናይ መንግስትን ግንባርን ንጹር ናይ ስራሕ ዶብ ክህሉ ኣለዎ። ተዛማድነትን ፍልልይን ክንጸር ኣለዎ ተባሂሉ ብኣኡ መጠን ክስራሕ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ምሉእ ግዚኡ ዝሰርሕ ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ዓውድታት ናይ ስራሕ ኣለዋ። ቁጠባዊ ጉዳያት ዝበሃል ኣሎ። ናይ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሎ። ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣሎ። ናይ ምርምርን ስነዳን ኣካል ኣሎ። ጸሓፊ ከኣ ኣሎ። ነፍሲወከፍ በብዓውዱ ኢዩ ዝሰርሕ። በብዓውዱ እንታይ ይሰርሕ?ናይ ቁጠባዊ ጉዳያት እንታይይሰርሕ? ናይ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓላፊ እንታይ ይገብር? ናይ ውድባዊ ጉዳያት ሓላፊ እንታይ ይገብር? ናይ ምርምርን ስነዳን እንታይ ይገብር? ነፍሲ ወከፍ ነናቶም ንጹር ሓላፍነት ኣለዎም። ምስ ናይ መንግስቲ ዝራኸቡሉን ዘይራኸቡሉን ነንበይኑ ቦታታት ኣለዎም። ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። ምስጢር'ውን ኣይኮነን። ኣባላት ግንባር ዝበዝሕ ኣካላት ናይ መንግስቲ ኣብ ምምሕዳራት ድዩ፡ ኣብ ሚኒስትሪታት ድዩ፡ ኣባላት ናይ'ቲ ግንባር ኢዮም። ኣባላት ናይ'ቲ ግንባር ኮይኖም በቲ ሓደ፡ ባቲ ሓደ ናይ መንግስቲ ስርሖም እናሰርሑ ከለዉ፡ በቲ ሓደ ከኣ ናይ ግንባር ዕማማት የካይዱ ኢዮም። ዝምድናታት ከምዚ ኢዩ። ኣብ ንሓድሕዱ ዝተወሳሰበ ኢዩ። ብዝተኻእለ መጠን ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስርሓት ምድብላቕ ከይህሉ፡ ንጹርነት ክህሉ ምእንቲ፡ እቲናይ ግንባር ኣካላት ስርሓቱ ብምሉእ ግዜ ዝከታተል ናይ'ቲ ግንባር ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ናይ'ቲ ግንባር ኣካላት ከኣ ኣለዉ። ንሳቶም ዝሰርሑዎ ስራሕ ከኣ ንጹር ኢዩ። ናይ ቁጠባ ጉዳያት ስራሕ እንታይ ይሰርሕ? ኣበይ ምስ መን ይራኸብ? ምስ ኣካላት መንግስቲ'ኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝተሓግጋገዝ? እንታይ ይሰርሕ? ብግብሪ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ስለ ዝኾነ ዘብል ነገር ኣይኮነን። እቲ ናይ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓላፊ ይኹን፡ እቲ ንሱ ዝሰርሖ ስርሓት'ውን ንጹር ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እንታይ ሰሪሑ? እንታይ ኣይሰርሐን ሓደ በብሓደ ክግምገም ዝከኣል ኢዩ። ናይ ምርምር ሰነዳት ዝበሃል ክፍሊ ኣሎ። ንሱ'ውን እንታይ ሰሪሑ፡ እንታይ ኣይሰርሐን ናቱ መደባት ኣለዎ። ብኸመይ መደባቱ ሰሪዑ ክሰርሕ ጸኒሑ ክሕተተሉ ዝከኣል ጉዳይ ኢዩ። ናይ ውድባዊ ጉዳያት'ውን ከምኡ። ጸሓፊ'ውን ኣሎ። ነዚኦም ኩላቶም ዘማእክል ማለት ኢዩ። ኣቦ መንበር ኣሎ። ኣቦ መንበር ፕረዚደንት ናይ'ታ ሃገር ኢዩ። ኣቦ መንበር ኣበይ ኣበይ ስርሓት ናይ'ቲ ግንባር ይሳተፍ? ኣበይ ኣበይ ከኣ ናይ መንግስቲ ስርሓት ይሳተፍ ከኣ ንጹር ኢዩ። ኣብ'ቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት ክለዓል ዝጸንሐ፡ እቲ መረዳእታ ምድብላቕ ክህሉ የብሉን። ምትእትታው ክህሉ የብሉን ዝብል ሓፈሻዊ መትከል ኢዩ። ብግብሪ ግና ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሰሩኢሑ ክትብሎ ኣጸጋሚ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ገለ ገለ ከተላቕቖን ከተፈላልዮን ስለዘይከኣል። ከም'ዚ ዓይነት ባህሪ ሒዙ ክኸይድ ስለ ዝጸንሐ፡ ፈሊኻ ሓሙሽተ ሰባት ኣለዉ ወይ ኣርባዕተ ሰባት ኣለው ኢልካ ብዛዕብኦም ንበይኑ ፈሊኻ ትዛረበሉ ምኽንያት ብዙሕ ኣይረኣየንን ኢዩ ኣነ።

ናቶም እንድሕሪ ከም ውልቀሰባት ዝሕተቱሉ ኣሎ፡ በብዓውዶም ክሕተቱ ይኽእሉ። ሰሪሕካ ኣይሰራሕካን፡ ከምዚ ጌርካ ወይ ከም'ዚ ኣይገበርካን፡ ኣብዘይምልከተካ ኣቲኻ ወይ ዝምልከተካ ስራሕ ፈጺምካ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል ኢዩ። ዘይፍለጥ ምስጢር እሞ ሰብ ዘይተረድኦ ነገር ኣሎ ኣይብልን ኢየ። እቲ ገዚፍ መልክዑ ግና ኣስፍሕ ኣቢልካ ክርአ ዝከኣል ጉዳይ ኢዩ።

ሕቶ፡- ንምዕባለ ትካላዊ ስራሕ'ከ ኣይሃሰዮን'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ፈጺሙ። ሓጊዝዎ እምበር ኣይሃሰዮን። ምኽንያቱ ከም'ቲኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ሓደ ስራሕ ናይ ሓደ ሰብ ብቕዓቱን ተመክሮኡን ናይ ተወፋይነት ልዕሊ ኹሉ። ድሕሪኡ ከኣ ምናልባት ተመክሮ ኢልካ ምስ ካልኦት ረቛሒታት ከተምጽእይከኣል ይኸውን። ኣብ'ዚ ሃገር ዳርጋ ብምልኡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት ናይ መንግስቲ ብተወፋይነት ነዛ ሃገር እዚኣ ክበልዓላ ኢየ። እዚ ክረኽበላ እየ ከይበለ፡ ምሉእ ግዚኡ ይሰርሓሉን ይውፈየሉን ኣሎ። ኣብኡ ምናልባሽ ኣብ ናይ ተወፋይነት ደረጃታት ክህሉ ይኽእል ይኸውን።ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ሰብ፡ ኣብ ግንባር ከበሮ ኣይኮነን ዝሃርም ኔሩ።ተመኩሮ ዝደለቦ ኣሎ። ሰብ ስለ ዝኾነ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ተሞክሮ ደሊቡ ኢዩ። ምናልባት ወግዓዊ ዝኾነ ሞያዊ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ዘይወሰድ ክኸውን ይኽእል። ግና ናቱ ናይገዛእ ርእሱ ኣብ ነዊሕ እዋናት ዘማዕበሎ ተመኩሮ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ርእሲ ሞያ ወይ ክእለት ንምስልጣን ንምትእትታው ዝተገብሩ ዝተፈላለዩ ናይ ስልጠና መደባት'ውንኣለዉ። ነቲ ዓቕሚ'ውን ኣሐዪሉዎ ኢዩ። ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዓቕሚ ኣብ ግንባር ይኹን ኣብ'ቲ መንግስቲ ኣሎ።ሓደሓደ እዋን'ውን ክትፈላልዮ ስለ ዘጸግም፡ ኣብ'ቲ ኣፍራይነት ናይ'ቲ መንግስቲ ይኹን፡ ኣካላት ናይ'ቲ መንግስቲ ዓቢ ኣበርክቶ ጸኒሑዎ ኢዩ። ከም ዓቢ ኣብነት ኩሉ ግዜ ዝጠቕሶ፡ ኣብ ንግዲ፡ ኣብ ከምዚ ኮሚደረ ተሸጠ፡ ገለ ተሸጠ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ናይ'ዚ ሃገር፡ ብዘይካ እቲ መንግስታዊ ኣካላትን ብሕታዊ ኣካላትን ዝገብርኦ፡ ኣካላት ናይ መንግስቲ ኣካላት ናይ'ቲ ግንባር ዝገበሮ ስራሕ ዓቢ ኣበርክቶ ኢዩ ነይሩ። ጽርግያታት ኣብ ምጽራግ። ኣብ እዋን ጸገም መተካእታዊ ስርሓት ኣብ ምስራሕ ዘሎ ዓቕሚ ኣዋፊርካ ንህዝቢ ዘገልግል መሳለጥያታት ንምውዳድ ዝተገብረ ስራሕ ከም ሓደ ቀሊል ኣብነት ክጥቀስ ስለዝኽእል ኣስሪሑ ብዘይብኡ ክሰርሕ ይኽእል ነይሩ፡ ብዘይብኡ ክግበር ይኽእል ነይሩ። ሃይፖተቲካል እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ክውንነት ወጺኻ ነቲ ነገር ምጥማት ኢዩ እየ ዝብሎ ኣነ። ናይ ግንባር ኣካቅት፡ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሃስዩ ወይ ናይ መንግስቲ ስራሕ ዓንቂፉ እዩ ኢልካ ክትዛረብ ብጭብጪ ንዕኡ ዘረጋግጽ መረዳእታት'ውን የለን። ብውጽኢት፣ እንተተራእየ'ውን ሓደ ብሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ዝተገብረ ስራሕ እንተመዚንካዮ እቲ ስእሊ ብዝመስከሩለይ ወይ ስቕ ኢልካ ብምጥባቕ ዘይኮነ ብጭቡጥ ክግለጽ ስለ ዝከኣል ሃሲይዎ ክበሃል ኣይከኣልን። መንግስቲ ትካላዊ ኣሰራርሕኡ ይኹን ትካላቱ ክሳብ ዘማዕብል ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ብሓደ መዓልቲ ብሓደ ህሞት ወይ ብሓደ ረፍዲ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ጊዜ ዝወስድ ኢዩ።

ሕቶ፡- መሬት ናይ መንግስቲ ምዃኑ ተኣዊጁ ክስረሓሉ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ህዝቢ ዘምጽኦ መሰረታዊ ለውጢ እንታይ ኣሎ? ምዕዳል መሬት ብምድንጓዩ'ውን ህዝቢ የማርር ኣሎ። እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እዚ ሓቅታት ዘለዎ እዩ። ኣነ ካብቶም ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ብግቡእ ክንሰርሓሎም ኣይከአልናን ዝብሎም፡ እዚ ንመሬትን ምሕደርኡን ዝምልከት እዩ። ምሕደራ ናይ'ቲ ፖሊሲ፡ እምበር ነቲ ፖሊሲ ብዙሕ ዝሕየር ነገር ዘለዎ ኣይረኣየንን። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ብልጫታት ናይ ፖለቲካ ይኹን ናይ'ቲ መንግስቲ ስራሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንመሬት ዝምልከት ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ንመሬት ዝምልከት ዝሓንጸጽዎ ፖሊሲታት ኣለዉ። ከም ኣብነት ኣብ ዝኾነ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ወይ ከተማታት ዝሰፍሓሉ ከባቢታት፡ እቲ መሬት ብሰለስተ ኣተሓሕዛ ክንሕዞ ኣሎና፡ ተባሂሉ ከም ፖሊሲ ተቐሚጡ። ሓደ እቲ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ናይ ሕርሻ መገሃጫ መሬት፡ ሓደ ዓቢ ንምሳሌ ሓደ ስፍሓት መሬት እንተድኣ ሃልይዎ፡ ሓደ ክፋሉ ንሕርሻ፡ ንመገሃጫ። ሕርሻ ክበሃል ከሎ ግና ሕርሻ በቲ ልምዳዊ ዘይኮነ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂን ኣሰራርሓን እናኣተኣታቶና፡ ካብቲ መሬት ክንረኽቦ ንኽእል ምህርቲ ከም ዝዓቢ ክንገብር ኣሎና። እቲ ፖሊሲ ከመይ ይግበር፡ መዓስ ይትግበር ካልእ ሕቶ ኢዩ። እዚ ግና እቲ ንሕርሻን ንመገሃጫን ዝምልከት ኢዩ። እቲ ካልኣይ ክፋል ንጤሳ እዩ። ጤሳ ናይ ሓደ ሰብ፡ ናይ ሓደ ዜጋ መሰልካ ኢዩ ማለት ኢዩ። ትካረዮ መሬት ዘይኮነ ከይተኻረኻ፡ ከም ዜጋ ናይ'ታ ሃገር ኣብ ዓድኻ ትወስዶ መሬት ኢዩ። እዚ ከኣ ስፍሓቱ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ብዙሕ ናቱ ብልጫታት ኣለዎ። ብሳልሳይ ክፋል፡ መንግስቲ ዝወስዶ ማለት ኢዩ። መንግስቲ ካብ ዓዲ መሬት ክወስድ ከሎ፡ ንዝተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት፡ ንኣባይቲ ድዩ፡ ንኻልእ እተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት ድዩ ንመሳለጥያታት ድዩ። ንትሕተ ቅርጺ ድዩ ክወስድ ከሎ ብእተኻእለ መጠን ነቲ ዜጋ ወይ ተቐማጢ ናይቲ ዓዲ ብዝጠቅም መልክዕ ክወስዶ ክኽእል አለዎ። ኣባይቲ ዝስራሕ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ምምዕባል ናይ ኣባይቲ ወይ ዕቤት ናይ ኣባይቲ ከም መደብ እንድሕሪ ክተኣታቶ ኮይኑ፡ እቲ ዓዲ ገለ ጥቕሚ ክረኽበሉ ክኽእል ኣለዎ። ወይ መንግስቲ ብለቓሕ ነቲ ዓዲ ከም ዝሰርሖ ክገብር ክኽእል ኣለዎ። እቲ ዓዲ፡ ገለ ብርኪ ወይ ሽርክነት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ፡ ተባሂሎም፡ እዚ ፖሊሲ ንኣብነት ብኻ እቲ መሬት ናይ መሬት ኣዋጅ፡ እዚ ፖሊሲ እዚ ተተግቢሩ'ዶ ኣይተተግበረን? ሓደ ብሓደ፡ ጉዳይ ብጉዳይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸድካ እንድሕሪ ሪኢኻዮ ኣይተተግበረን። ምስቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ናይ ብልሽውና ተላዒሉ ዝነበረ ሕቶ፡ ናይ ብልሽውና ዝተጋነነ እዩ ኢልካ ተወግኖ ኣርእስቲ ኣይኮነን። ኣብ ምሕደራ ናይ'ቲ ናይ መሬት ጉዳይ ብዙሕ ጸገማት ተራእዩ እዩ። ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተገብሩ ወይ ዝተወስዱ ስጉምትታት ኣለዉ። ህዝቢ እውን፡ ወይ ገለ ዜጋታት ነቲ ዝተራእየ ናይ ኣሰራርሓ ወይ ናይ ምሕደራ ድኽመት መዝሚዞም፡ ኣብ መሬት ዝተፈላለየ፡ ናይ ላግጫ እየ ዝብሎ ኣነ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ኣሰራርሓታት ዝገበሩ ኣለዉ። ሓደ ንኣብነት፡ ጤሳ ወሲደ ካብ ዓዲ ይብል። ንሓደ ርኹብ ንዓ ከምዚ ኢለ ብኸመይ ገዛ ክሰርሖ፡ ገንዘብ ሃበኒ ኢሉ ገንዘብ ይወስድ። የስርሖ። ኣብ መወዳእታ ከይዶም ናብ ኣካላት ናይ መንግስቲ ይፈራረሙ። እዛ ገዛ እዚኣ ሸይጠሉ ወይ ሂበዮ እየ ይብል። አብ መንጎ መዓት ስፔኩለይት ዝኾነ ንጥፈታት ክወጽእ ይጅምር። እቲ ኣተሓሕዛ ሓያልን ዕቱብን ስለዘይጸንሐ። ምናልባሽ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ብዙሕ ክዝረበሉ ይከኣል እዩ። ግና ናይ ክፍሊ መሬት ሓላፊ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዜና ዝተዛረበሉ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ግና፡ ኣነ እንታይ እዩ ዝርኣየኒ፡ እቲ ፖሊሲ ቅኑዕ እናሃለወ እንከሎ፡ ነቲ ፖሊሲ ንምትግባር ዝወጹ መደባት ከምቲ ዝድለ ኣይተተግበሩን። ኣብ ምሕደራ ናይ'ቲ ፖሊሲ ብዙሕ ሓላፍ፡ ዘላፍ ጉድለታት ኣሎ። ክእረም ዘለዎ ከኣ እዩ ግዜ ከይወሰደ። ህዝቢ ተበዲለ ኢየ እንተበለ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተበዲሉ። ዝተጋነነ ዘረባታት ክህልዎ ይኽእል ይኸውን፡ ግና ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ እቲ ጉዳይ ንህዝቢ ብዙሕ ከም ዘይርበሖ፡ ንህዝቢ ከምዘየዕገበ ዘዋጥጥ ነገር ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- መንግስቲ ሽግር መንበሪ ኣባይቲ ንምቅላል ብፍሉይ ዝወጠኖ ነገር ኣሎ'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እዚ ናይ'ቲ መንግስቲ ዓቕሚ እዩ ዝውስኖ። ናይ ሰንበል ኣባይቲ ተሰሪሑ። እዚ ናይ መንግስቲ፡ ናይ ግንባር ኢልካ ብዙሕ ትፈላልዮ ነገር'ውን ኣይኮነን። ግና እተን ፋይናንሳዊ ትካላት ናይዛ ሃገር (ባንክታት) ናይ መንግስቲ ኣካላት ናይ ግንባር አካላት'ውን ተወሃሂዶም ዝሰርሕዎ ኢዩ። ብዙሕ ነገር ኣቃሊሉ። ምናልባት “ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝብህጎ ዓይነት ኣባይቲ ኢዩ” ክትብሎ ኣይትክኸእልን ኢካኸ። ናይ መንግስቲ ዓቕሚ ዝተደረተ'ዩ። ናይ ብሕታቒ ክፋል ዓቕሚ'ውን ብግብሪ ሪኢናዮ ኢና። ኣብዚ መገዲ ቁሸት ዘሎ ገዛውቲ ኬድኩም ክትርእይዎ ትክኸእሉ ኢከኹም። “ዝተፈላለየ ፕሮግራማት፡ ዝተፈላለየ ምዕቡላት ኣባይቲ ከነማዕብል ኢና፡ ኣባይቲ ክስራሕ'ዩ” ዝብል ዘረባታት ነይሩ። እዚ ግና ክግበር ኣይተካኸእለን። ፈለማ ሓደ ብሃገር ደረጃ ናይ ኣባይቲ ውጥን ክህሉ ክክኸእል ኣለዎ። ምናልባት ምስ ዝርግሐ ናይ ከተማታት ንገዛእ ርእሰን ከመይ ይዓብያ፡ ከመይ ይገፍሓ፡ ኣገልግሎት ትሕተ ቅርጺ፡ ዓይነት ናይቲ ኣባይቲ፡ ንዕኡ ዘድሊ ብቕዓት፡ ዓቕሚ ሰብ ጥረ-ነገራት፡ ክኢላታት፡ ብዙሕ ነገር ዝሓቖፈ'ዩ። ካብ'ቲ መንግስቲ ይከኹን ኣካቅቱ ጽቡቕ ድሌት እኳ እንተሎ፡ ቐላ ናይ ፖሊሲ ጸገማት'ውን እንተዘይሃለወ፡ እቲ ዓቕሚ የለን።እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ዝተባህለ፡ ምናልባሽ፡ ምስቲ ናይ መሬት ተኣሳሲሩ ዝርአ፡ እቲ መሬት እንተዝዕደል፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በብዝመስሎ፡ በብዝረከኸቦ'ውን ክሰርሕ ምከኸኣለ ዝብል ኣዘራርባታት ኣሎ። ነዚ ኣነ ብጭቡጥ ካብ ስምዒት ዝሓልፍ'ውን ኣይብሎን ኢየ። ኣይምተሰርሐን ማለት ኣይኮነን። መሬት እንተተቐሂብካ፡ በዚ ኢልካ በቲ ምተፈተነ። ንሱ ምናልባት ሓደ ኣካል ናይ'ቲ ፍታሕ ኢዩ እምበር፡ ምእንቲ ርእሱ ንከኹሉ ሽግር ናይ ኣባይቲ ክፈትሕ ይክኸእል ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትክኸእልን ኢካኸ። መንግስቲ ናቱ ኣበርክቶ ክህሉ ክክኸእል ኣለዎ። እዚ ከኸኣ ወይ ብለቃቓሕ መልክዕ፡ ወይ ካብ ደገ ብዝርከብ ሓገዝ ኣውፈርቲ፡ ገና ክሳብ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ዝበጽሑ፡ ሓደ ምትእትታው ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ዛጊት እቲ መንግስቲ ከም ሓሳብ ሸጊርዎ ዘይኮነ፡ ከም ዓቕሚ መገዲ ንምርካብ ዝበላሓተሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።

ካልኣይ፡ እቲ ዝብሎ ዘለከኹ፡ ነፍሲ ወከፍ በብዓቕሙ በብዝመስሎ ክሰርሕ ምእንቲ፡ እቲ ናይ መሬት ጉዳይ ብግቡእ ክፍታሕ ክክኸእል ኣለዎ። እቲ ካልእ ከኣ ብገፊሕ ከም'ዚ ናይ ሰምበል ንኣብነት፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት'ውን በብንኣሽቱ ዝግበር ዘሎ ፕሮጀክትታት ዓቕሚ ክዓቢ ክኸእል ኣለዎ። ዓቕሚ፡ ማለት ናይተን ናይ ህንጻ ትካላት፡ ገዘፍትን ብዙሓትን ናይ ህንጻ ትካላት፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነንበይኑ ከባቢታት ናይ ኤርትራ ክስርሓ ወይ ክህልቐ ኣለወን። ዓቕሚ ክህልወን ክኸእል ኣለዎ። ዓቕሚ ናይ ሰብ ካብ'ቲ ዝለዓለ ሞያዊ ክሳብ እቲ ለጠቕ ዝበለ ክእለት ዘለዎ ሰራሕተኛን ጉልበትን ክህልወን ኣለዎ። ካልእ መሳለጥያታት ናይ ህንጻ ኢዩ። መሳለጥያታት ናይ ህንጻ ብኹሉ መልክዓቱ፡ ዓበይቲ ማሽነርን ዝተፈላለየ ናይ ኢድ መሳርሒታትን፡ ኣብቲ ዕዳጋ ክህሉ ክኸእል ኣለዎ። ናይ ህንጻ ንዋት፡ ስሚንቶ፡ ሓጺን ብዝ ተፈላለየ መልክዓቱ፡ ኮታ ንህንጻ ዘድልዩ ጥረ-ነገራት፡ ዋግኦም ምኸኑይ ወይ ርትዓዊ ብዝኾነ መንገዲ፡ ህላወኦም ኣብቲ ዕዳጋ ብዘይ ጸገም ክትረኸቦም ትኸእል ኽኾኑ ኣለዎም። ተጸናጻኒ (SPECULATIVE) ዝኾነ፡ ነቲ ዋጋ መመሊሱ ዘንህሮ፡ ክሰርሕ ንዝደለየ መመሊሱ ዘጸግም ኩነታት ከይህሉ ምእንቲ፡ ናይቶም ናይ ህንጻ ንዋት ህላወ ኣብ ዕዳጋታት ይኹን ዋጋኦም፡ ብዝተካኸእለ መጠን ቅቡል፡ ሰብ ክጋላበጠሉ ዝክኸእል መንገዲ ክህሉ ኣለዎ። እዚታት ኩሉ ደማሚርካ፡ ክትርእዮ ከሎካኻ መንግስቲ ጥራይ ንበይኑ ክገብሮ፡ ወይ መንግስቲ ጥራይ ብዓቕሙ ክሰርሓሉ ኣጸጋሚ ኢዩ። መንግስቲ ኣይገብርን ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ናይ ግንባር ኣካላት እውን፡ ሓደ ካብ'ቲ ክሳተፋሉን ክፍትንኦን ዝጸንሓ፡ ኣብዚ ዓውዲ'ዚ እንታይ ከበርክታ ይኽእላ ዝብል ኢዩ። ዛጊት እቲ ዓቕመን ከም'ቲ ዝድለ ኣይዓበየን። ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ወሲደን ክሰርሓ ክኽእላ ምእንቲ፡ ናይ ዓቕሚ ሰበን ብዝሒን ዓይነትን ከዕብያ ክኽእላ ኣለወን። ናይ መሳርሒ መኻይነን፡ ብግቡእ ከዕብያኦ ክኽእላ ኣለወን። ናይ ጥረ ነገራት ካብ ደገ ምምጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ መተካእታኦም ካብ'ዚ ከተፍሪ ምኽኣል ጉዳይ'ውን፡ ምስ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ፡ ወይ ድማ ናይ ህንጻ ንዋት ኢንዱስትሪ ምዕባለ ዝርአ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ጥረ ነገራት ኣብ ኢድና እናሃለዉ እንከለዉ፡ እቲ ፋብሪካታት ስለዘየለ ከነፍርዮም'ውን ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ደገ ኢዮም ዝመጹ። ከም ኣብነት ማቶኔላ ካብ ዱባይ ይመጽእ። ኣብዚ ክስራሕ ዘይክእለሉ መገዲ የለን። እቲ ክእለት ኣሎ፡ እቲ ጥረ ነገራት'ውን ኣሎ። ግን ኣብኡ ብስኬል ስለዝስራሕ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዋግኡ ዝሓሰረ ኢዩ። ካብ ኣብ'ዚ ተፍርዮ ካብኡ ገዚእካ ከተምጽኦ ይሓስር። ኣብዚ በቲ ዝሓሰረ ቐጋ ከተፍርዮ ክትክእል ኣሎካ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጸገማት ኣለዉ። ብውሑዱ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ዝበሃሉ፡ ብዓቕምና ክንሰርሖም ንኽእል ናይ ህንጻ ንዋት ከነፍርዮም ክንክእል ኣሎና። ብሕታዊ ክፋል ዛጊት ኣብኡ ዘርኣዮ ነገር የለን። ህቀናታት ነይሩ ኢዩ። ግን እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ኣባይቲ፡ መርኣያኡ ኣነ ብናተይ መለክዒ። ሓደ፡ ኣብቲ ገዛውቲ ንገዛእ ርእሱ ንዓይንካኸ ክትርእዮ'ውን ዘብህግ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ኣቲካኸ ክትነብር'ውን ንዝኮኸነ ሰብ የብህግ ኢዩ ኣይብሎን ኣነ። ሰብ ተጻጊሙ ኣብኡ ክነብር ይክኸእል ይከኸውን። ናይ ብሓቂ ንጠማቲ'ውን ባህ ዘብል፡ ብደገ'ውን ክትርእዮ ከሎካኸስ እቲ መልክዕ ክፈለሉ ኣይትክኸፈለሉ ይረኣየካ'ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝነብር ሰብ'ውን ጥጡሕ ዝኾነ ገዛውቲ፡ ድልዱል ንነዊሕ እዋናት ወይ ዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል ኣባይቲ፡ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ። ርትዓዊ ብዝኮኸነ ዋጋ። ኣብ ከምኡ ደረጃ ስለዘይበጻሕና፡ ኩሉ ናይ ሰብ፡ ናይ መንግስቲ፡ ናይ ብሕታዊ ክፋል፡ ናይ ህዝቢ ዓቕምታት ወሳሲኽካ ምስቲ ኣቀቓዲመ ዝጠቐስኩዎ ናይ መሬት ጉዳይ እንተድኣ ክፍታሕ ክኢሉ ክስርሓሉ ኣለዎ። ግና ሓደ ካብቶም ቀዳምነታት ናይቲ መንግስቲ'ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ሰልፍታት ብሕጂ ቆይመን ንምርጫ 2001 ከርክባ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ? እንተቆይመን'ከ እቲ ምርጫ ብኸመይ ኢዩ ክካየድ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ እቲ ናይ ሰልፍታት ጉዳይ፡ ከም ነቐሕ ታሪካኸዊ መስርሕ ኢየ ዝርእዮ። ኣነ ንጃህራ ክጀሃረሉ ኣይደልን ኢየ። ግና ካብቶም ኣብ ፈለማ ሰማንያታት፡ ከም ምክትል ዋና ጸሓፊ ህ.ግ ከለከኹ፡ ካብቶም ተጣበቕቲ ናይ ብዙሕነት ኢየ ነይረ። “ኣብ ኤርትራስ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት'ዶ፡ ብዙሕ ሰልፋዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ?” ተባሂሉ። ሽዑኡ ቅድሚ 20 ዓመት ክዝረብ ከሎ፡ (ምናልባት እቲ ክትዕ ቅድሚኡ'ውን ነይሩ ኢዩ)፡ ምስ'ቲ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት፡ ምስ'ቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ኩነታት ናይ ዝሑል ኵናት፡ ብዛዕባ ሰልፍታትን ብዙሕነትን ዝነበረ ኣጠማምታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣርእስቲ ምልዓሉን፡ ብዛዕብኡ ሰብ ምዝራቡን፡ ናይ ብሓቂ ጥዑይ ነገር'ዩ ዝብሎ ኣነ ብወገነይ። ሽዑኡ ከምኡ ተባሂሉ ክዝረብ ከሎ'ውን ሰልፍታት ከም እንቋቁሖ ድሕሪ 21 መዓልቲ ክጫጭሓ'የን ዝብል ኣምር ኣይነበረንን። ነዊሕ መስርሕ'ዩ። ሃገራውያንን ብሱላትን ዝኮኸና ሰልፍታት ክመጻ፡ ብድሌት ወይ ብውሳኔ ዝውሰድ ነገር ኣይኮነን። ብትእዛዝ ዝመጽእ ነገር ኣይኮነን። ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህርያዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት ኣለዉዎ። 1991 ናጽነት ምስ ኮነ፡ እቲ ሓሳብ'ውን ኣይተቀቓየረን፡ ብመሰረቱ ነይሩ ኢዩ። ማለት ድሕሪ 10 ዓመት በሎ፡ ወይ ድማ 2ይ ጉባኤ ናይ'ቲ ግንባር ኣብ 1987፡ ክሳብ ናጽነት ሓደ 4-5 ዓመታት ሓሊፉስ፡ እቲ ሓሳብ ኣይተቀቓየረን ኣብቲ ግዜ'ቲ። ሰልፍታት ሽዑ ክመጻ ይክኸእላ'የን ዝብል ኣረኣእያ ግን ኣይነበረን። “መዓስ? ብከኸመይ መገዲየን ዝመጻ?” ኢዩ እቲ ሕቶ። ኣነ ሰልፍታት በቲ ናይ ቀደም ኣብ ናይ ሓርነት ዝነበረ ቃልሲ ዝነበረ ናይ ዝተፈላለያ ግንባራት ወይ ኣስማት፡ ብኡኡ ኣይርእዮን ኢየ። ንሱ ከም መግለጺ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝውሰድ ኣይኮነን። ንዕኡ መሰረት ክገብሮ ዝደሊ እንተሃልዩ'ውን ለዋህ'ዩ። ብዛዕባ ሰልፍታት ዘለዎ መረዳእታ ካልእ ኢዩ ማለት'ዩ። ሰልፍታት ክህሉ ክኽእል ምእንቲ እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣገባብ ክሕዝ ክኽእል ኣለዎ። ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቀዳምነታት ናይ'ቲ ሃገር ረፈረንዱም ምክያድ ኢዩ። ክልተ ዓመት ዝኣክል ከኣ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ተኻዪዱ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ናጽነት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ብምምላሽ ተዋሲኡ ሓሊፉዎ። ኣብ 1993 ናጽነቱ ብሕጋዊ መገዲ ኣረጋጊጹ። እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ስጉምቲ ወይ ድሕሪኡ ዝነበረ መደብ፡ ቅዋም ምንዳፍ ኢዩ።ቅዋም ብተሳታፍነት ናይ ህዝቢ ክንደፍ ኣለዎ ተባሂሉ። ህዝቢ ብዝተሳተፎ መገዲ ተነዲፉ፡ እቲ ቅዋም ጸዲቁ። ብዘይካ'ዚ ናይ ፕረስ ሕጊ ተባሂሉ፡ ንግዚኡ ከስርሓና ዝኽእል ናይ መወዳእታ ውርጹጽ ዘይኮነ፡ ናይ ሕጊ ፕረስ ክህልይ ኣለዎ፡ ብውሑዱስ ጋዜጣታት ክነጥፋ ኣለወን።መጀመርያ አመኩሮ ንቀስመሉ። ግና ውርጹጽ ወይ ድማ ፍጹም ሃዋህው ናይ ሃበሬታ ምዝርጋሕን ናይ ዜና ንጥፈታት ምክያድን ዘይኮነ መፈታተኒ ይኾነና ተባሂሉ፡ ሕጊ ናይ ፕረስ ወጺኡ። ናይ ምርጫ ሽማግለ ቆይሙ፡ ዳርጋ ዝሓለፈ ናይ ወራር ግዜ ክሰርሕ ኣይከኣኣለን።ዋላ እቲ ምርጫ'ውን በቲ ተሓሲቡዎ ዝነበረ ግዜ ክግበር ኣይተኻእለን። ሕጂ እቲ ናይ ሰልፍታት ጉዳይ ኣነ ምስ'ቲ ዝግበር ምርጫታት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝተኣኣሳሰረሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ዝኾነ ሰብ ርእይቶ እንተድኣ ኣለዎኮይኑ፡ ኣይፋሉን ዝብል እንተኾይኑ፡ ብኸመይ መገዲ ከረድእ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ዋና ነገር ግን፡ እቲ ሕግታት ህዝቢ ክዛረበሉ ቅድም ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ክመያየጠሉ፡ ክፈልጦ ክኽእል ኣለዎ። ጽሒፍካ፡ ወረቐት ኣውሪድካ፡ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ፡ ሕጊ ኮይኑ ኢዩ ክትብል ኣይትኽእልን። ህዝቢ ክፈልጦን ክርድኦን ክኽእል ኣለዎ። እቲ መስርሕ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምቕራጽ፡ ናቱ ሕግታት ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሕጊ፡ ህዝቢ ክዛረበሉ ክኽእል ኣለዎ። ሓደ ብሓደ ህዝቢ ምስ ተዛረበሉ፡ እዚ ናይ ምርጫ ሕግታት በቲ ኣገባቡ ጸዲቑ፡ በቲ ቅዋም መሰረት ናይ ምርጫ ኮሚሽን ቆይሙ እቲ ምርጫታት ክካየድ ኢዩ። በቲ ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ኣብ ታሕሳስ ክፍጸም ይከኣል ዲዩ ኣይከኣልን'ዩ፡ ምስ'ቶም ግብራውያን ኣብ ባይታ ዝወስዱ ስጉምትታት ዝርአ ኢዩ። እቲ ናይ ሰልፊ ሕግታት ተነዲፉ ቀሪቡ ኣሎ። ህዝቢ ክዛረበሉ'ዩ። ህዝቢ ተዛሪቡ ከብስሎ'ዩ። ኣብ መወዳእታ ክጸድቕ ኢዩ። ምስ ጸደቐ ብኣኡ መሰረት ሰልፍታት ክቖማ ክጅምራ ኣለወን። ብመሰረት'ቲ ሕጊ። ናይ ሓደ ኣካል ውሳነ ኣይኮነን። ሕጊ እነሀለ ኣብ ባይታ ምስ ተባህለ፡ ብመሰረት እቲ ሕገ ሰልፍታት ክቖማ ክጅምራ ኣልወን። ነቲ ሕጊ ኣማሊአን ማለት ኢዩ። መዓስ'የን ነቲ ሕጊ ኣማሊአን ዝቖማ? ብኸመይ መገዲ'የን? ኣነ ኣብ ሓንጎለይ ዝርኣየኒ ነገር የለን። ግና ኣብ'ቲ ፈለማ ከም ዝገለጽኩዎ መስርሕ ኢዩ። ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ሰልፍታት ክውለዳ ኢየን ሰልፍታት ክህልዋ ኢየን፡ ሰልፍታት እንድሕሪ ዘየልየን ምርጫ ክግበር የብሉን፡ ሰልፍታት ክሳብ ዝቖማ ምርጫ ክጸንሕ ኣለዎ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ኣነ እቲ ምርጫ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ህዝቢ ወከልቱ መሪጹ፡ ናቱ ሃገራዊ ባይቶ ኣቝሙ ብኡ መሰረት ከኣ ካልኦት ትካላት ናይ'ቲ መንግቲ ተቕውም። እዚ ብዝኾነ ፖለቲካዊ ኩነታት ክጽሎ ዘይብሉ ነገር ኢዩ። እቲ ምርጫ ናይ ህዝቢ ወከልቱ ምምራጽ'ዩ። ንሰልፍታት ዝውክሉ ይኹኑ፡ ውልቀ-ሰባት፡ ዝኾነ ይኹን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናቱ መሰል ስለዝኾነ ብመሰረት እቲ ቅዋም ወከልቱ መሪጹ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ከቕውም ኣለዎ። ናይ ሰልፍታት ጉዳይ ምስኡ ብቐጥታ ተሓናጊሩ ወይ ድማ ተሃላሊኹ፡ እቲ ሓደ ካብ'ቲ ሓደ ከይተፈልየ ክኸይድ'ዩ ዝበሃል ነገር፡ ኣነ ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ከም ኣምር'ውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን'የ። ክኸውን ዝኽእል እንተኾይኑ ከኣ ንለባማት ክሰምዕ ድሉው'የ። ግና ናተይ መረዳእታ ናይ ሰልፍታትን ናይ ምርጫታትን ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ'ውን ንሱ'ዩ።

ሕቶ፡- ኣቶ ማሕሙድ ሸሪፎ ንጋዜጣ ጽጌናይ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ እንታይ ኢዩ ርእይቶኻ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ ኣየንበብኩዎን ነቲ ጋዜጣ። ሸሪፎ ኣብ ጽጌናይ ከም'ዚ ኢሉ ተዛሪቡ ኢሎምኒ። ገሪሙኒ ትም ኢለ። ማለት'ሲ ኣስደሚሙኒ።

ሕቶ፡- ህዝባዊ ግንባር ከም ሰልፊ ኪቕጽል ዲዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ ኣብ ክንዲ ኩሉ ኮይነ ናይ ግንባር ሕቶታት ምናልባሽ ናይ መጻኢ ጉዳያት ብኻልኦት ኣካላት ናይ ግንባር ክምለሱ ዘለዎም ክምልስ ኣይክእልን'የ። ንዓይ ግን ግንባር ሰልፊ ኣይኮነን። ንዓይ ግንባር ከም ሰልፊ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ምናልባሽ እዚ ኣባላት ግንባር ኣይቅበልዎን ይኾኑ። ወይ'ውን እቲ ግንባር ብኣካላቱ ኣይቅበሎን ይኸውን። ግንባር ንዓይ ሰልፊ ኣይኮነን። ግንባር ንዓይ'ሲ ምንቅስቓስ ክብሎ ይኽእል ወይ ካላ ስም ክወሃቦ ይኽእል። ግና ግንባር ንዓይ ሰልፊ ክብሎ ምስ ክዉን ታሪኽ ናይ።ዛ ሃገር፡ ምስ ኣመዓባብላ ናይ'ዛ ሃገር ከም ሰልፊ ኣይረኣየንን። ከም ምንቅስቓስ ክርእዮ ይኻል። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ እዋን ናይ ታሪኹ ንዘጓሳጎሰ፡ ንዝወደበ፡ ዘሰለፈ፡ ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል ይኸውን። ግን ብድምር ኣብ መወዳእታ ሰልፊ ኣይኮነን። ግንባር በቲ ዝጸንሐ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ንውሱን ታሪኻዊ እዋን ብዘይካ እቲ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝገበሮ ናቱ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሕዝ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ብኸመይ'ዩ ነዚ ኣበርክቶ'ዚ ዘማልኦ? እንታይ መልስታት ኣለዎ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም? ብጉባኤኡ ድዩ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝርዝር መልስታት ክረኽበሎም ዝከኣል ይመስለኒ። እቲ ግንባር ግና ኣነ ብኸምኡ ኢየ ዝርእዮ። ምናልባሽ ኣብ'ቲ ጉባኤኡ ብዙሓትሓሳባት ክመጹ ይኽእሉይኾኑ። ሰብ ክዛረበሉ ይኽእል ይኸውን።ንዓይ ግና ከም ሰልፊ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ኣነ ከኣ ድሕሪ ናጽነት፡ ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ናይ ናጽነት ግዜ ኣብ ሰልፍታት ኣትየ ወይ ኣብ ሰልፊ ተወዲበ ከም'ዚ ክገብር'የ፡ ከም'ዚ ክሰርሕ'የ ኢለ ሓሊመሉ'ውን ስለዘይፈልጥ፡ ህዝባዊ ግንባር ነይረ፡ ኣለኹ፡ ንድሕሪ ሕጂ'ውን ከም ህዝባዊ ግንባር ክነብር'የ። ንሱ ዝቕይሮ ሰብ የለን። ኣነ'ውን እንተደለኹ ክቕይሮ ስለዘይክእል፡ እቲ ናይ ግንባር ቦታን ኣካይዳን ብኸምኡ'ዩ ዝረኣየኒ። ናይ ሰልፍታት ጉዳይ ካልእ ኣርእስቲ ኢዩ ንዓይ። ብኸም'ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ከኣ ዝምለስ ኢዩ። ናይ ግንባር ንብረት ከመይ'ዩ ክኸውን፡ ግንባር ኣብ ቁጠባ ምስታፉ ኣድላይነት ኣለዎ ድዩ የብሉን?፡እቲ ግንባር ክምልሾም ዘለዎ ሕቶታት'ዮም መስለኒ። ናተይ ርእይቶታት የብለይን ማለት ኣይኮነን። ግና ሕጂ ከም'ዚ ክኸውን ኣለዎ፡ ከም'ዚ ክኸውን የብሉን ኢለ፡ ኣነ ንውሳነ ወይ ከም ውዱእ ነገር ከቕርቦ'ውን ዘመኽኒ ነገር ስለ ዘይብለይ ኣብኡ ምዝራብ ኣድላይነቱ ኣይረኣየንን። እቲ ግቡእ መልስታት'ሲ ኩሉ እቲ ኣብ ግንባር ኣለኹ ዝብል ሰብ ክምልሶ ዘለዎ'ዩ።

ሕቶ፡- ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ብቑዕ ፍርዳዊ ኣካል ኢዩ ክበሃል ይከኣል'ዶ? ምስ ምትግባር ቅዋማዊ መንግስቲኸ ብኸመይ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ኢዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ንሱ ካብ ብቑዕ ንላዕሊ'ውን ኢዩ። እንታይ ከምዘፍረየ ምናልባሽ ኩሎም እቶም ዝወሰዶም ስጉምትታት፡ ዝፈረዶም ፍርድታት፡ እቲ ዝተኸተሎም ኣገባብ፡ ኣብ'ቲ ቀረባ እዋን መግለጺ ንህዝቢ ክህብ ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ብሓደ እቶም ጉዳያት እንታይ'ዮም?፡ እቶም ዝተኸሰሱ ሰባት መን'ዮም?፡ እንታይ ኢዩ እቲ ጉዳያት ዝተኸሰሱሉ? እንታይ'ዩ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ? ብኸመይ ኣገባብ'ዩ ተዋሂቡ? ንህዝቢ ምስ ገለጸ፡ ህዝቢ ሽዑኡ ርእይቶኡ ክህበሉ ኢዩ።ካብ ህዝቢ ዝዓቢ ፈራዲ የለን።ህዝቢ ከኣ ሓቂ ምስ ፈለጠ ይመሚ ማለት ኢዩ። ስለ'ዚ እቲ ቤት ፍርዲ እንታይ ሰሪሑ ኣይሰርሐን ኣነ ሕጂ ክነግረካ፡ ንዓይ ብቐጥታ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ቤት ፍርዲ ግን ኩሎም እቶም ዝሰርሖም ስርሓት፡ ዝሓዞም ጉዳያት ክገልጽ'ዩ። ንምንታይ ከም ዝቖመ እቲ ቤት ፍርዲ ሓድሽ መግለጺ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ናይ ፍርዲ ኣካላትና ብቑዕ ኣይኮነን፡ ዓቕሚ የብሉን፡ ወይ ከምዚ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከም'ቲ ካልእ ዝተፈላለየ ኣካላት ናይ'ቲ መንግስቲ፡ ናይ ፍርዲ ኣካላት ምህናጽ ዘድሊ ዓቕምን ግዜን ኩሉ ሰብ ዝርድኦ ስለ ዝኾነ፡ ጸገም የለን። እዚ ንብልሽውና ዝምልከት ጉዳይ ግን ይጽንሓለይ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኢልካ ዝተሃዝ ጉዳይ ስለዘይኮነ፡ ንዕኡ ጥራይ ዝከታተል ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክህሉ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቆይሙ። ብዛዕባ ሕጋውነቱ፡ ብዛዕባ ኣሰራርሕኡ፡ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር ኣይረኣየንን። እቲ ቤት ፍርዲ ሃይሉ፡ ደኺሙ፡ ሰሪሑ ኣይሰርሐን ግና በዚ ዝብሎ ዘለኹ ጥራይ ኢዩ ክግለጽ ዝኽእል። ብምልኡ እቲ ሒዝዎ ዝጸንሐን፡ ሒዝዎ ዘሎን ንመጻኢ ዝሕዞም ጉዳያት ሓደ ብሓደ ናብ ህዝቢ ከቕርቦም ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ኣይቀረቡን ዝበሃል ስክፍታታት ወይ ትዕዝብትታት ክለዓል ይኽእል ይኸውን። ግና ንሱ ኣይኮነን እቲ ዘገድስ። ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ፡ ስለምንታይ ሎሚ፡ ስለምንታይ ጽባሕ ዘይኮነ፡ እንታይ'ዩ ጌሩ እቲ ቤት ፍርዲ፡ እንታይ'ዩ ሰሪሑ፡ ሒዝዎም ዝጸንሐ ጉዳያት እንታይ'ዮም እቲ ህዝቢ ምስ ፈለጠ ጽቡቕ ገምጋም ብዛዕባ'ቲ ቤት ፍርዲ ክገብር ኢዩ። ሕጂ ሓደ ስስለ ዘጠፋፍአስ ነቲ ቤት ፍርዲ ክፈትዎ ኣይክእልን ኢዩ።ሓደ ዘተፋፍአስ ነቲ ቤት ፍርዲ ከም ዘይፈትዎ እፈልጥ ኢየ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ክርድኦ ዝኽእል ይመስለኒ። ከጠፋፍእ ዝደሊ'ውን ንኸም'ዚ ዝኣመሰለ ቤት ፍርዲ ከምዘይፈቱ ርዱእ ነገር ኢዩ። ስለ'ዚ ሰብ ብዛዕባ ሕጋውነት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ብዙሕ ክዛረብ ይኻል'ዩ።እቲ ዋና ነገር ግና፡ እቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንምንታይ ቆይሙ? ዘይኮነ፡ መዓስ ቆይሙ? ዘይኮነ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ቤትፍርዲ ስርሑ ህዝቢ ምስ ፈለጦ ክርአ ይከኣል። ብዙሕ ኣብ ጽርግያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት'ውን ከም ሕቶ ዝለዓል፡ በዓል እከለ ሓንቲ ኣይገበሩን፡ በዓል እከለ ብዘይ ገበን'ዮም ከም'ዚ ኮይኖም፡ ብዘይ ገበን ዝተታሕዘ ሰብ እንድሕሪ ኣሎ ኮይኑ እቲ ዝሓዞ ሰብ ኣብ መወዳእታ ገበነኛ ስለ ዝኸውን፡ ክሕተተሉ'ዩ ማለት'ዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ግን ናቱ ስራሕ ስለዘለዎ፡ ጽባሕ ንጉሆ እቶም ጉዳያት ናብ ህዝቢ ሓደ ብሓደ ከም ጥርሙዝ ወይ ትራንስፓረንት ብዝኾነ መገዲ ምስ ኣቕረበ፡ እቲ ህዝቢ ናቱ ትዕዝብቲ ክገብር ኢዩ። ኣገዳስነት ናይ'ቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ሽዑ ዝርድኦ ይመስለኒ። ሕጂ ብዝመስለካ ምዝራብወይ ድማ ንዓኻ ብዝጥዕመካ መገዲ ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ስሙን ዘይስሙን ምሃብ፡ ወይ ብዛዕብኡ ብዙሕ ምምዳር ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን። ሓድሽ ነገር ከኣ ኣይኮነን። ብዙሕ ከም ኣሰራርሓ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ኣብ'ቲ ፍርዳዊ ትካል፡ ኣብ'ቲ ፍርዳዊ ኣሰራርዓ፡ ፍርዳዊ ኣካላት ከመይ ይሰርሕ? እቲ ፍልስፍንኡ፡ ብኸመይ ጌርካ ብዙሓት ዘይድለዩ ተርእዮታት ካብ'ቲ ሕብረተሰብ ትኣሊ፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኮፍ ኣቢልካ ዲኻ ሽግራት ትፈትሕ። ኩሉ ሰብ ፋይል ሒዙ እናተጓየየ ንዓመታት ከርተት ምባል ዲዩ እቲ ኣማራጺ፡ ካልእ ኣገባባት ኣሎ ዲዩ። እንታይ ኢዮም እቶም ከነተኣታትዎም ዘለና ባህልታት። ከመይ ጌርና ኢና ንሰርሕ ኣብ ውሽጢ ስድራ? ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ? ኣብ ውሽጢ ሓደ ከባቢ ሽግራት ከመይ ጌርካ ትፈትሕ? ኣብm ቤት ፍርዲን ኣብ ቆይቅን ኣብ ሃልኪ ናይ ግዜን ናይ ገንዘብን ከይበጽሑ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ናይ ብሓቂ ፍትሒ ከም ዝነግስ ትገብር? ህዝቢ ዝዋስኣሉ ናይ ፍትሒ ኣሰራርሓ ብኸመይ ጌርካ ኢኻ ተተኣታቱ? እቲ ባህሊ ከመይ ጌርካ ተስርጾን ተሰስኖን? እዚታት ኣሎ። ብዘይካ ብፖሊስ ብካልእ ናይ ጸጥታ ኣካልታን ናይ ሕጊ ኣኽበርቲ ኣካላትን ካልእ ነንበይኖም ኣካላትን፡ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳድ'ውን እኮ ንገዛእ ርእሱ ፍርዲ'ዩ። ምምሕዳራዊ መቕጻዕቲ፡ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳድ'ውን እኮ ንገዛእ ርእሱ ፍርዲ'ዩ። ምምሕዳራዊ መቕጻዕቲ፡ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳድ'ውን ኣሎ። እዚኦም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብኣጠቓላሊ ፍትሒ ንምንጋስ ዘድልዩና ባህልታትን፡ ኣሰራርሓታትን ከመይ ጌርና ኢና ምስ'ቲ ናይ ሃገር ምህናጻከያይዳና፡ ኣተሓሒዝና ወይ ኣገናዚብና ንሰርሓሎም? ብዙሕ ኣነ ፍልስፍናዊ ሕቶ ኣይኮነን። ግብራዊ መዓልቲ ብመዓልቲ ንገብሮ ሕቶ'ዩ። ምስ'ቲ ኣቐዲመ ዝጠቀስኩዎ ኣራስቲ ብዛዕባ ምጥፍፋእን ጉቦን ነ'ዚ ተርእዮ'ዚ ክንምክቶ ወይ ድማ ፈጺምና ክንገትኦ እንተድኣ ሕጂ'ውን ክስዕርር ይጅምር ኣሎ'ሞ፡ ጌና ከይሰረተ ኣጸቢቕና ክንምሕዎ ንደሊ እንተኾይንና፡ ብዕቱብ ንዕኡ ንምእላይን ንምቁጽጻርን ዝሕግዝ ግሉጽ ብዝኾነ መገዲ ዝሰርሕ ኣካላት ክንፈጥር ኣለና። ኣይፋሉን እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክተሃዝ ኣለዎ፡ ምባል ምስ'ዚ ሕጂ ዘሎ ዓቕሚ ናይፍርዳዊ ኣካላትና፡ ከም'ቲ ናይ ካልእ ናይ መንግስቲ ኣካላትና ይኺድ ደሓን፡ ቀስ ብቐስ ይስስን መገዲ ይከፈተሉ ምባል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ'ዚ ኣማራጺ ወይ ድማ መንጎኛ ፍታሕ የለን። ወይ ነቲ ጉቦን ምጥፍፋእን ኣዳዕዲዕካ ምምካት'ዩ፡ ወይ ከኣ ዝደለየ ይኹን እቲ ዓዲ፡ ይጥፋእ ኣብ ዝኸዶ መኣዝን ይኺድ፡ ኢልካ መዓጹ ምርሓው ስለዝኾነ እቲ ምርጫ ርዱእ ይመስለኒ።

ሕቶ፡- ግና ፍሉይ ቤት ፍርዲ ውጽኢቱ ኣብ ምግላጽ ይድንጕ ኢዩ ይበሃል?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣይደንጎየን። እቲ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ብዙሕ ግዜ'ውን ዘተሓሳስብ፡ ብኸመይ መገዲ ክተሓዝ ይከኣል ዝብል'ዩ። ዝበደለ ምቕጻዕ ሓደ ነገር ኢዩ። ኣቀጻጽዓ ከኣ፡ ንገዛእ ርእሱ ናቱ ትርጉም ኣለዎ። ሓንሳእ እንተቐጺዐካ፡ ካልኣይ ከኣ መሊሰ ክቐጽዓካ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን'ዩ። ሰራቒ ኢኻ'ሞ፡ እንድሕር ደኣ ሰራቒ ኢዩ ኢለ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከይደ ዝዛረብ ኮይነ፡ እንታይ'የ ክረኽበሉ እሞ? ክልተ ግዜ እንድ'የ ዝቐትለካ ዘለኹ። ክልተ ግዜ ኢየ እኮ ዝሃስየካ ዘለኹ።

ሕቶ፡- ንኻልእ ከም መምሃሪ ኣይምጠቐመን'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ክጠቅም ይኽእል ይኸውን። ንሱ ካልእ መካትዒ ወይ ካልእ መኣዝን'ዩ። ካልእ ምጉት'ዩ። ግን፡ ኣብ መንጉኦም ዘሎ ሚዛን ከመይ ገይርካ ክትሕልዎ ትኽእል። ደሓር ቀሊል ጉዳያት ኣይኮነን። ቀሊል ጉዳያት ስለዘይኮነ፡ ኣብ ኣተሓሕዝኡ፡ ኣብ ኣተገባብራ፡ ኣብ ኣቀራርባ፡ ጥንቃቐ ስለዝሓትት፡ ብናተይ ኣጠማምታ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝድለ ጥንቃቐ ክውሰድ ጸኒሑ ኢዩ። ዝሽፈን ነገር ዘሎ ከይመስሎ እቲ ህዝቢ ግን፡ ዝሽፈን ነገር ከምዘየለ ክፍለጥ ኣለዎ። ብፍላጥ ጉዳይ ስለዝተሳእነ፡ ብፍላጥ ዝተደናጎየ የለን።

ሕቶ፡- ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ምስ ሃገራዊ ቅዋም ከመይ ክሳነ ኢዩ? ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት'ከ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ንሃገራዊ ድሕነት ዝትንክፉ ጉዳያት እንተድኣ ኣለዉ ኮይኖም፡ ኣብ ዕጹው ካሜራታት ኣብ ዕጹው ኣብያተ ፍርዲ ከም ዝፍረዱ ምፍላጥ'ውን ኣሎ። ጥብቅና ብዙሕ መልክዓት ኣለዎ። ብዙሕ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ኣነ ግን፡ ኣብኡ ኣትየ ሕጂ፡ ብዙሕ ክፈላሰፍ ኣይደልን ኢየ። ፍትሒ ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ። ዝበደለ ሰብ፡ ወይ ብጉቦ ወይ ብሰብ፡ ወይ ብዘመድ ወይ ብኻልእ ሸፈጥ ካብ በደሉ ክሃድም የብሉን። እንድሕር በዲሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ዝቐርብ ኮይኑ ከኣ፡ ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ዘይበደለ ሰብ ብቅርሕንቲ ወይ ብጽልኢ ኣብ ዝኾነ መልክዕ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ክብደል የብሉን እዚታት ድማ ክረጋገጽ ኣለዎ። ንዓይ ዝግድሰኒ ፍትሒ ኢዩ፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር። እምበር ኣገባብ ናይ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ሓደ ሃገር ደሚርካ፡ ክሳብ ከም'ዚ ሃገር፡ እንታይ'ዩ እቲ መልክዑ እዚ ደረጃ እዚ ኣሎ። ኣነ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ናይ መሰል ወዲ ሰብ ተጣበቕቲ ኢና ዝበሃሉ ብዛዕባ'ዚ ዝጸሓፉለይ ኣሎ። ግን፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ዘይረኣኻስ፡ ኣብ እንዳማትካ ዘሎ ገፈል ወይ በሰር ምርኣይ'ሲ፡ ምውርዛይ ዘድልዮ ኣይኮነን። ንሕና እቲ ዘገድሰና ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክነግስ። ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝሰርሑ ስርሓት ክኽልከሉልና ክግትኡን፡ ምቁጽጻር ክግበረሎምን ኢዩ። ናይ መንግስቲ ኣካላት ይኾኑ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ ብሕጊ ተማእዚዞም ክነብሩ ናይ ህዝቢ ንብረት ከየጠፋፍኡ፡ ናይ ህዝቢ ንብረት ከይሰረቑ ከም ዝኸዱ፡ ኣብ ሃገር ቅሳነት ክህሉ ምእንቲ ፍትሒ ክነግስ ክኽእል ኣለዎ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር፡ ፍትሒ ማለት ከኣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዝርከብ ብያነ ወይ ፍርዲ ዘይኮነ፡ ብሱሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝህሉ ባህሊ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካላት መንግስቲ ዘሎ ምምሕዳር፡ ብስለትን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነታዊ ረብሓን ይመስለኒ ኣነ። ሓደ ሰብ ብምምሕዳር ተበዲሉ፡ ምምምሕዳር እቲ ዝግብኦ ኣገልግሎት ዘይህቦ ኮይኑ፡ ተበዲለ ኢሉ ዝጠርዓሉ ወገን እንድሕር ዘይሃልይዎ፡ ወይ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ዝሰርሕ ኣካል ናይ መንግስቲ እንተዘይሃልዩ፡ ኣብ ሃገር ፍትሒ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ከም ሸፈጥ ዝመጽእ ዘረባታት፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ዋላ ነቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ድምብርጽ ዘብል ኣይኮነን። ጠበቓታት ዘይኮኑ፡ ዘይፈለጥዎ ከም'ዚ ዘይትገብሩ፡ ናጻ ቤት ፍርዲ ቅሉዕ ክፉት መጋባእያታት ዘይተገብረ ምባል፡ ኣብ ትሕዝቶ ለውጢ ዘምጽኦ ጉዳይ ኮይኑ ኣይረኣየንን።

ሕቶ፡- ኣብ ዳህላክ ዓቢ ናይ መዘናግዒ ቦታ ክህነጽ ምስ ሓደ ኣሜሪካዊ ትካል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ። እንታይ ዓንቂጹዎ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ናይ ዳህላክ ፈለማ ዝቐረበ እማመ፡ ማለት ብዙሕ ፕሮጀክትታት ዓበይትን፡ ነኣሽቱን ይቐርብ ነይሩ። ግን፡ ብድብዱቡ ኣብኡ ከሎ እቲ፡ ክቐርብ ዝጸንሐ ወይ እቲ ገዚፍ ዝንገረሉ ናይ 200 ሚልዮን'ዶ፡ ናይ 300 ሚልዮን ናይ 400 ሚልዮን ዝብሃል፡ ከም'ቲ መንግስቲ ተገሪሁ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ብዙሕ ዕቱብ ናይ ወፍሪ መደብ ከም ዘይነበረ ምስ ተረጋገጸ፡ እቲ መንግስቲ ክቕጽል ኣይደለየን። ደው ኣቢልዎ። እዚ ግን፡ መንግስቲ ኣቋሪጽዎ'ዩ እቲ ሓሳባት ማለት ኣይኮነን። ድሕሪኡ ምናልባት ኣብ'ቶም ብዝተፈላለየ ከነውፍር ኢና ዝብሉ ትካላት ወይ ኩባንያታት ዝተማሃርናዮ፡ ብሱሩ ከኣ ምስ'ቲ ናይ ው.ሕ.ሃ ወኪላት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሰፊሕ ናይ ቱሪዝም ሃገራዊ መደብ ኣብ ወረቐት፡ ብፍላይ ነዚ ምብራቓዋ ñ ገማግም፡ ካብ ዳህላክ ደሚርካ፡ ክሳብ ባጽዕን ሰሜንን ደቡብን ዘሎ ቦታታት ሓደ ዝተማልአ ማስተር ፕላን ይዳሎ ኣሎ። እዚ እንተላይ ንእሽቶ ክፋል ናይ ዳህላክ ዘጠቓልል፡ ናይ ሆቴላት፡ ናይ ቱሪስት ማእከላት ምምስራት ዝቐንዐ'ዩ። ገዚፍ ናይ ትሕተ ቅርጺ መደባት ዘጠቓለለ'ውን ኢዩ። ናይ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ናይ ወደብ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ መሳለጥያታት ጸዓት፡ መራኸቢታት፡ ዘጠቓለለ ሓደ ምሉእ ማስተር ፕላን ንዓለም ምሉእ ግሉጽ ኮይኑ ከውፍር ዝደለየ ወይ ኣብ ንግድ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ፡ ኣብ'ቲ ናጻ ናይ መመስርሒ ዞባ ዝበሃል ወይ  ከውፍር ዝደለየ መጺኡ ከውፍር፡ ብንጹራት ሕግታት ኣብ ቱሪዝም፡ ኣብ ሆቴላት ኣብ ካዚኖ ዝተፈላለየ ካልእ መደባት ከውፍር ዝደለየ'ውን ከምኡ ከውፍር፡ እቲ መደብ ክፉት ክኸውን ኢዩ። ኣብዚ ግን፡ እቲ ክንግንዘቦ ዘለና፡ ከነውፍሮ ኢና። 300 ሚልዮን፡ 500 ሚልዮን ክበሃል ከሎ፡ መንግስቲ ኣእዛኑ ከፊቱ ክሰምዕ ግቡእ እዩ። ግን፡ እቲ ናይ ወፍሪ እማመ፡ ዕቱብ ድዩ ኣይኮነን? ናይ ብሓቂ ይትግበር ድዩ ኣይትግበርን? ንዕኡ ክትፈልጥ ክትክእል ኣለካ። እቲ ፈለማ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሕ እማመታት ቀሪቡ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ምናልባሽ መንግስቲ ገርሂ ኢዩ፡ ኣይፈልጥን'ዩ ዝብል ብዙሕ ነገራት ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ በብዝመስሎ ይቐርብ ነይሩ። መንግስቲ ግን፡ ዋላ ዝኾነ ግምታት ይሃልዎ፡ እቶም ኣውፈርቲ ከተውፍር ደሊኻ፡ ጽቡቕ። እንታይ ኢዩ እቲ ናይ ወፍሪ መደብካ? ስእሊ ሓደ ብሓደ ዝርዝራቱ ናቱ ናይ ዋኒን ውጥን፡ ዕቤት ናይ'ቲ ፕሮደክት፡ ኣበይ ኣበይ ኢዩ ክትግበር? ኢልካ ብዙሕ ክሓልፎ ዘለዎ ርዱእ መስርሓት ስለዘሎ፡ በቲ መስርሕ'ቲ ዘይሓለፈ'ሞ፡ ናይ ብሓቂ ዕቱብ ንዘይኮነ ወፍሪ፡ መንግስቲ ዝኾነ ወረቐት ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እቲ ናይ መደመርያ ፈተነታት፡ ኣብ ቱሪዝም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳህላክ ኣብ ካልኦት ከባቢታት'ውን ተመሳሳሊ ጸገማት ኣለዎ። ዋላ ገለ ገለ ወፍርታት'ውን እቲ ዘቕርቦ መደባት ኣይሰርሐን። ኣነ ብናተይ ኣራኣእያ፡ ሓደ ኣብ'ዚ ሃገር ዘሎ ብሕታዊ ክፋል፡ ገና ስለ ዘይማዕበለ፡ ማለት ገና ኣጸቢቑ ስለ ዘይሓየለ፡ እቲ ናይ ደገ ወፍሪ እውን ብነንበይኑ ምኽንያታት ክተዓናቐፍ ጸኒሑ። ብዙሕ ዕድል ኣይረኸበን። ሕጂ ናይ ክልቲኦም ድምር፡ ምናልባት ኣድማዒ ዝኾነ ወፍሪ ንምክያድ ምሓገዘ ነይሩ። እቲ ናይ ደገ ኣውፋሪ፡ ሓደ ምዘëእ ሃዋህው ይደሊ። ናይ ሓደ ጽቡቕ ናይ ሕጊ ፖሊሲ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ዘተባብዕ ሃዋህው ናይ ወፍሪ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ትሕተ ቅርጺ ጽርግያታት ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። መጓዓዓዚ ከምድላዩ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ማይ ኣገልግሎት፡ ናይ ጸዓት ኣገልግሎት፡ ዝተፈላለየ ናይ መራኸቢታት ኣገልግሎት፡ እንተዘይሃልዮም፡ ገንዘቡ ኣውፊሩ፡ መኽሰብ ክረኽበሉ ስለ ዘይክእል፡ ንሱ ከኣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ስለ ዘዋደድናዮ፡ ንኩሉ ናይ ደገ ኣውፋሪ ይዕድም እዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኣውፋሪ'ውን ዓቕሙ ዝተደረተ እዩ። ኣብ ገዘፍቲ መደባት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። እዚኦም ከምዚኦም ጸገማት ክሳብ ዘለው፡ እቲ ወፍሪ ከም'ቲ ንደልዮ ክኸይድ ኣይተኻእለን። ኲናት ንገዛእ ርእሱ ሓደ ጸገም ኮይኑ ጸኒሑ። ግን፡ እቶም ካልኦት ረቋሒታት'ውን ስለዝነበሩ እዩ። እዚ ግን፡ ዓንቂፉና እዩ'ሞ፡ ኣዋዲቕናዮም ክትብል ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። ዋላ ኣብ'ቲ ሕማቕ እዋን ዝነበረ'ውን፡ እቲ ማስተር ፕላን ክዳሎ ኣለዎ፡ እቲ መጽናዕትታት ክጻፈፍ ኣለዎ፡ ተባሂሉ ንኩሉ ዓውድታት ዘጣመረ ስራሕ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ወፍሪ ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ፡ ምምጽኡ ዝተርፎ ኣይኮነን።

ሕቶ፡- ኩባንያ “ኣናዳርኮ” ትስፉውን ውጽኢታውን ዳህሳስ ናይ ነዳዲ ኣካዪዱ ምንባሩ ተወርዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ እንታይ ረኸቦ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣናዳርኮ እቶም ዝገበሮም ፈተነታት ውጽኢታውያን ኣይነበሩን። ኣናዳርኮ ኣስታት 130 ሚልዮን እዩ ኣውፊሩ። ነቲ ናይ ዳህሳስ ፈተነ ጥራይ፡ ሕጂ እቲ ዝገበሮ ናይ ኩዕታ ፈተነታት ውጽኢታዊ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሓደ ካልእ ኩባንያ ሕጂ ምስ ሚኒስትሪ ህንጻ ዝተፈራረመ ኣሎ። እቲ ጻዕርታት ቀጻሊ እዩ። ማለት ነንበይኖም ከባቢታት ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ባሕሪ ይኹን ኣብ መሬት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዳህሳሳት ናይ ማዕድን፡ እንተላይ ነዳዲ ንቀጻሊ ክካየድ ይድለ እዩ። ኩሉ እቲ ዝከኣል ዳህሳስ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህላወን ዘይህላወን ዝረጋገጽ ክካየድ ኣለዎ።

ሕቶ፡- ኩነታት ምጥያስ ሰራዊት ከመይ ተታሒዙ ኣሎ? ሃገራዊ ግቡኦም ንምፍጻም ብዙሓት ናይ ስራሕ ቦታኦም ሓዲጎም ኢዮም ከይዶም ። ኣብ መንግስታዊ ይኹን ብሕታዊ ትካላት ድማ ናይ መብዛሕትኦም ናይ ስራሕ ቦታ ብኻልኦት ሓደስቲ ዝተተክአ ኣሎ። እዚ'ኸ ከመይ ኪኸውን ኢዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እቲ ሰባት ናይ ምጥያስን ቦታ ናይ ምትዕርራይ ኣዝዩ ገዚፍ ዕማም ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ንዑኡ ዝምልከት ኮሚሽን ቆይሙ ኣሎ። በቲ ወግዓዊ ሕጋዊ ኮሚሽን ኣብ ባይታ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ'ውን ገዚፍ እዩ። ናብ ትግባረ ዘብጽሕ ምስግጋር ኣይኣተናን። ገና ነቲ መደብ ኣጻፊፍና፡ ናብ ትግባረ ገጽና ክንኣቱ፡ ብዙሓት ረቋሒታት ክማልኡ ስለ ዘለዎም፡ ኣብኡ ኣቲና ኢና ክብል ኣይክእልን። ግዚኡ ኣይኣኸለን ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ግን፡ ሓደ ቦታ ሓደ ሰብ ሒዝዎ ዝጸንሕ የለን። ንሱ እቲ ስራሕ ከይጽገም ምእንቲ መተካእታ ክርከበሉ ይበሃል። መተካእታ ኣይርከበሉን፡ ገለ ብግዝያዊ መልክዕ ተታሒዙ ይጸንሕ፡ ገለ ከኣ ብቀዋሚ መልክዕ ዝተታሕዘ ኣሎ። ኣብ በበይኑ ኣካላት መንግስቲ ሓላፍ ዘላፍ ኣሎ። ዋላ ኣብ'ቲ ብሕታዊ ክፋል እንተኾነ፡ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣሎ። ኣነ እዚ ርኡይ ተርእዮ ናይ ቅልውላው ጊዜ ስለ ዝኾነ፡ ንዑኡ ክሳብ ንሓልፍ፡ ሓደ ሓደ ከምዚኦም ተርእዮታት ከጋጥሙ ይኽእሉ። ከመይ ገይርና ንሕዞም? ከመይ ገይርና ንኣልዮም? ካልእ ኣርእስቲ እዩ። ንሓዋሩ ግን፡ መሰረታዊ ፍታሕ ከነምጽኣሉ ንኽእል፡ ጹፉፍ መደብ፡ ንጹራት ፕሮደክትታት ወይ ፕሮግራማት ዝሓዘለ ከነውጽእ ኣሎና። ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ'ውን፡ ክንመሃር ኣለና ስለ ዝተባህለ፡ ንዕኡ ዝምልከት ኣካላት ቆይሙ። ኣብ ውሽጢ እቶም ቀንዲ ኣካላት፡ ከም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ስርሑ ንዑኡ እውን ኣድሂቡ ዝከታተል ኣካል ቆይሙ ኣሎ። ስለ'ዚ፡ ዳርጋ ድሕሪ ምዝዛም ናይ'ቲ ቅልውላው፡ ከም ሓደ ዓቢ ሃገራዊ ቀዳምነት ወሲድና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ፡ ክበሃል ይከኣል።

ሕቶ፡- ምንጋር ስዉኣት'ከ ብኸመይን መዓስን ክትግበር ኢዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እቲ ምንጋር ሕጂ'ሲ፡ ናይ ወያነ ምንጋር መጺኡ ተባሂሉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደንጒና ኣለና፡ እንተኾይኑ'ሲ፡ ብዙሕ ዝሕባእ ምስጢር ኣይኮነን። ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ብዝምልከት፡ መዛግብ ስለዘሎ ንዕኡ ተወኪስካ ምእዋጅ ጥራይ እዩ። ግን፡ ምእዋጅ ዘይኮነስ፡ ኣገባብ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ደበስ መደብ ቅድሚ ሕጂ ኣውጺእናዮ ዝነበርና፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣጠማምታ ምሉእ ይመስለና'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሕ ጉድለታት ነይርዎ'ዩ። ንዕኡ ዝምልከት ሓደ ነገር ክውሰድ ክኽእል ኣለዎ። ብዙሕ ዝተበደለ ስድራ ቤታት ኣሎ። ገለ ገለ ስድራ ቤታት፡ ዝንገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ዝምልከት ናይ ደበስ፡ ንጽባሕ ጥራይ ኢልካ ዘይኮነ ንሓዋሩ፡ እንታይ እንታይ ኣተሓሕዛ ክህልዎ ኣለዎ። ነዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ንምጥያስ ዝምልከት ክጽናዕ ዘለዎ መደብ'ዩ። ክንገር ይኽእል'ዩ። ግን፡ ነጊርካ እንታይ ንምግባር'ዩ? እቲ መዛግብቲ ጽፉፍ ስለዝኾነ፡ ምንጋር ብዙሕ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። እታ ሕቶ ምናልባሽ ዝተላዕለት፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ዘልዕልዎ ዝነበሩ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ተነጊሩ፡ ንስኻትኩም ደኣ እንታይ ኮይንኩም? ዝብል እዩ። ንሳቶም ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ፡ ንዕኦም ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ንዓና ግን፡ በቲ ዝመሰለና፡ ኣብ'ቲ ዝድለ እዋን ክንነግር ናይ ፖለቲካ ሕቶ'ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ንዓና እቲ ዘገድስ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቀስኩዎ፡ ድሕሪ ምንጋር'ከ እንታይ ኢና ክንገብር? እንታይ ጭብጥታት ነገራት ሒዝና ኣለና? ቅድሚ ሕጂ ነጊርና ነይርና። ሕጂ ከመይ ክኸውን እዩ፡ እቲ ደረት? ወይ ካልኦት ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ሕቶታት ኣለዉ?

እቲ ተሞክሮ እቲ፡ ከመይ ክንግምግሞ ንኽእል? ብድሕሪ ሕጂ ከመይ ገይርና ንሕዞ እቲ ጉዳይ? ብዙሓት ክምለሱ ዘለዎም ጉዳያት ኣለው። ብዊንታ ናይ ሰባት፡ ወይ ብዘሎ ስምዒት ክትምልሶ ስለ ዘይከኣል፡ ሃዲእና ዘይንገብረሉ ምኽንያት የለን።

ሕቶ፡- ንጋዜጣታት ብሕቲ ተንብበን'ዶ? ኣብአን ዘሎካ ኣዎንታውን ኣሉታዊን ርእይቶ'ውን እንተትገልጸልና?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡-እዚ ጉዳይ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ ምስ ሚኒስትሪ ዜና'ውን ብቀጻሊ ንዛረበሉ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ናይ መንግስቲ ጋዜጣ ክህሉ የብሉን፡ ዝብል ኣረኣእያ ኣለኒ። ምናልባት ነዚ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣይፈትውዎን እዮም። ግን፡ ሓደ ሓደ ሰባት ዘረድኡኒ ስነ-መጎታዊ ነገር፡ ጊዚኡ ድዩ? እዚ ክትብል ከለኻ፡ መተካእታ ዝኸውን ናጻ “independent” ሃገራዊ ጋዜጣታት ኣሎ ድዩ? ዝብል እዩ። ስለዚ ባዱሽ “vacuum” ክትፈጥር ኣይትኽእልን። መተኻእታ ዝኸውን ነገር ክፍጠረሉ ክክእል ኣለዎ። ብኡ መጠን ክሪኡ ከለኹ ምናልባት ግዜኡ እውን ኣይኣኸለን እየ ዝብል። ሕጂ ከም ብዙሕ ካልእ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዝበሃል፡ ነጻ ፕረስ ናይ ሰልፍታት ወዘተ ዝበሃል ኣነ 2 ወይ 3 ናይ ተሌቪዥን መደበራት፡ ናጻ ሓላፍነታዊ ዝኾና ናይ ብሕቲ ተለቪዥን መደበራት ክውነና ክርኢ ምደለኹ። መዓስን ከመይን? ካልእ ኣርእስቲ እዩ።

ከም'ዚ ሕጂ ናይ ሓዳስ ኤርትራ ዘሎ፡ ሓደ ናይ ሓበሬታ መዘርግሒ መሳርሒ ክህልወካ ስለ ዘለዎ፡ መንግስቲ ከኣ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ከምኡ ክገብር ኣለዎ። ብርግጽ ናይ ነንበይኑ ሃገራት ነንበይኑ ተመኩሮታት ኣሎ። ግን፡ ብሱል ጋዜጣታት እንተዝህሉ፡ ኩሉ ዳርጋ ከምኡ እትብለሉ ነገር እዩ። ሕልፍ ሕልፍ ኢለ፡ ኣነ ይርእየን። ሕጂ'ኳ ዳርጋ ረብሪበ። ምኽንያቱ፡ እቲ ገለ ገለ ጋዜጣታት ዝጽሕፍኦስ፡ ብስለት፡ ክሳብ ኣበይ ደረጃ ከምዘሎ ዘርኢ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ጸርፊ ኣይኮነን። ግዜ ዝወስድ እዩ። ጋዜጣታት ክበስል፡ ክብ ክብል ምእንቲ፡ ዋላ እቲ ሕጊ ናይ ፕረስ'ውን፡ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ በቲ ሽዑ ዝወጸ ብግቡእ ኣይከይድን እዩ ዘሎ።

ጋዜጣ ክትሓትም፡ ከተማሓድርን ከተካይድን እንድሕር ኮይንካ፡ ዕምቆት፡ ብስለት፡ ፍልጠት፡ ተሞክሮ፡ መሳለጥያታት ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ከኣ፡ ምስ ግዜ ተማዕብሎ ነገር ኮይኑ ይረኣየኒ።

ኣብ'ዚ ሕጂ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ናይ ገለ ንዛረብ። እንድሕር ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ሓይሊ ዝኽፍሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘቅውም ኮይኑ፡ ኣብ'ቲ ዓዱ ከይዱ ሰልፊ እንተገበረ እዩ ዝሕሾ'የ ዝብል። ኣብ'ዚ ዓዲ ሰልፊ ክገብር የብሉን።

እንድሕር ብደገ ዝምወል ኮይኑ፡ መሰል ናይ ህዝቢ፡ ብደገ ዝምወል መሰል ክህሉ ይኽእል እዩ። ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት...ወዘተ ብደገ ዝምወል ጋዜጣታት፡ ሃገራዊ ክብሎ ኣይክእልን እየ። ኣነ ናይ ደገ ረብሓታት፡ ናይ ደገ ዕላማታት ዘገልግል ጋዜጣታት፡ ሃገራዊ ክትብሎ ትኽእል ዲኻ? ብኸመይ መገዲ እዩ ሃገራዊ ትብሎ? ምኽንያቱ፡ “ከብዲ እንድሕር በሊዓስ፡ ዓይኒ'ውን ደፋር ነይትጥምት” ዝበሃል ነገር ኣሎ። ዋላ እቲ ክኢላ እየ ዝብለካ'ውን፡ እንድሕር ብሞቅሽሽን ገንዘብን ናይ ካልኦት ዝነብር ኮይኑ፡ ሓንጎሉ ከም'ቲ ዝደለዮ ናጻ ክገልጸሉን ክዛረበሉን ኣይክእልን እዩ። ኩሉ ግዜ እተን ዝበልዐን ገንዘብ ስለ ዘለዋ፡ በተን ገንዘብ ክጽሎ እዩ።

ምእንቲ ገንዘብ ኢልካ፡ ስምዒታዊ “sensational” ኣርእስቲ ክትጽሕፍ ትደሊ። እቲ ዝምባለ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ሕሱር ዝኾነ ነገራት ትኣቱ።

ማዕርግ ናይ'ቲ ጋዜጣ ይፈኵስ። ዓይነት ናይ'ቲ ኣብኡ ዝጸሓፍ ኣርእስትታት ምስ ተኻዕበ፡ እታ ጋዜጣ ካልኣይ ግዜ ክትትስእ ጸገም እዩ። ዝና ከጥሪ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዓይነት ናይ ምዝርጋሕ ሓበሬታ፡ ነቲ ህዝቢ ኣየርውዮን እዩ። ንሓጺር ሓጺር ረብሓታት ክትብል፡ ነቲ ሴንሰሽናል ዝመስል ነገራት ትጽሕፍ።

ኣብ'ቲ መደመርታ ዓቕምታተን ክከታተለን ኢለ፡ ንኹለን ጋዜጣ ብጋዜጣ የንብበን ነይረ። ሓደ ጸገም ናይ ግዜ ስለ ዘለኒ፡ ደሓር ከኣ፡ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ስክፍታታት እናተነጸረለይ ከይዱ።

እዚ ማለት ግን፡ ገና ኣብ'ቲ ምህናጽ መድረኽ ስለዘሎ፡ ገና ኣብ'ቲ ፈለማ ናይ ምምስራት ደረጃ ስለ ዘለዋ፡ እዘን ዛጊት ወጺአን ዘለዋ ጋዜጣታት፡ ብግቡእ ክግምገማ ክኽእላ ኣለወን። ኣነ እተን ጋዜጣታት ሓደ ብሓደ ኣይግድሰንን እዩ፡ ግና እቲ ናይ ነጻ ፕረስ ኣመዓባብላ ብሱል እናኾነ፡ ናይ ብሓቂ ነቲ መትከል ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ እየ ዝብል።

ኣብ መወዳእታ ብርግጽ ኣብ ነንሕድሕደን ክወዳደራ እየን። እተን ገሊአን በሊጸን ላዕሊ ክወጻ እየን። ገለ ታሕቲ ክወድቓ እየን። ገሊአን እውን ዓቕሚ ስኢነን ክተርፋ እየን።

ነጻ ኮይነን ምእንቲ ክሰርሓ ክኽእላ፡ ስለምንታይ መንግስቲ ደገፍ ዘይህበን? ግን፡ መንግስቲ እዚ ጸሓፋ፡ እዚ ኣይትጽሓፋ ክብለን የብሉን። ግን፡ መንግስቲ ገለ ነገር ክስልዓለን ኣለዎ'ምበር፡ ከይደን እንድሕር ደኣ ኤምባሲታት ክምውልወን ዝሓታ ኮይነን፡ እሞ ገለ ምወላ ዝረኽባ እንተኾይነን፡ ከመይ ገይረን ነጻ ርእይቶ ክጽሕፋ ይኽእላ? ከመይ ገይረን ነጻ ኮይነን ክመሓድራ ይኽእላ። ከመይ ገይረን ርእሰን-ዝኸኣላ “independet” ኮይነን ክምዕብላ ይኽእላ? ብስለተን ከመይ ገይሩ ምስ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ምእላይ “intensive care” ናይ ደገ ሕንቃቐ “pampering” ምግቢ እናብላዕካ፡ ፋፋ እናብላዕካ፡ ነተን ጋዜጣ ከተዕብየን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብአን ዝሰርሑ ዘለው ሰባት ብዘይካ እቲ ሞያዊ ብቕዓቶም፡ ዋላ እቲ ዕምቆት ኣጣማምትኦም፡ ራእይ ዘለዎም “visionary” ሰባት፡ ፖለቲካዊ ብስለቶም ኣዝዩ ዓሚቝ ፍልጠት ክህልዎም፡ ብዙሕ ዘንብቡ፡ ብዙሕ ዝንቀሳቐሱ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ናቶም ብልጫ፡ በቲ ዘፍርይዎ ትምህርቲ፡ ነቲ ዝሰፍሐ ህዝቢ ዝጠቕም፡ ንሃገር ዝጠቕም፡ ፍረ ወይ ምህርቲ ቦትኦም ሓፍ ይብል። ምስኡ'ውን ንሳተን እናሓየላ ይኸዳ ማለት እዩ። ብዝኾነ ብዙሕ ሓሳባት ኣለኒ። ብናተይ ኣረኣእያ ግን፡ ነዚ ከመይ ገይርካ ተተግብሮ? መዓስ'ከ? ብሃንደበት ኣዝዩ ብሱላት ዝኾና ጋዜጣታት ወይ ሜድያ ከተውጽእ ትኽእል'ዶ? ናይ ብሓቂ'ኸ፡ ናብ'ቲ ከምኡ ደረጃ በጺሕና ዲና? ሓደ ሓደ ናይ ዓረብ ጋዜጣታት፡ ክወጻ ክኽእላ ኣለወን። ካልእ ቋንቋታት ክሕወስ ኣለዎ። ጽቡቕ ናይ እንግሊዝ ጋዜጣታት ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ፕሮፋይል ኣላ። ሓደ ሓደ ጽቡቕ ነገራት ሒዛ ትወጽእ። ግን፡ ይበታተኽ። ቀጻልነት ኣለዎ ድ'ዩ? ጽቡቕ ጽቡቕ ዓምድታት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ።

ባህላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዝበሃል ክህሉ ኣለዎ። መለክዒ ናይ ካልኦት ጋዜጣታት'ውን ክትርእይ ክትክእል ኣለካ።

ናይ ቲቪ ፕሮግራማት ኣሎ። እዚ ሕጂ ናይ ኢንተርነት ዕድላት፡ ሰፊሕ ባሕርታት፡ ውቅያኖሳት፡ ኣቲኻ ክትሕምብሰሉ፡ ምስ ረብሓኻ ከተማዕብለሉ ትኽእሎ ኣሎ። እዞም ጉዳያት ክምለሱ ምእንቲ፡ ኣነ እቲ ናይ ፕረስ ዝበሃል ጉዳይ፡ ብኹሉ መልክዓቱ ብግቡእ ተገምጊሙ፡ ፕረስ ከመይ ገይርና ከነሕይል ንኽእል? ኣብ መወዳእታ ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ ናይ ህዝቢ ንቕሓት ሓፍ ምባል፡ ሓላፍነት ናይ ሰባት ሓፍ ምባል፡ ነቲ ሃገር ምህናጽ ዝበሃል፡ ማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ሰብ ከምኡታት ኣሎ። ኣነ ሕጂ ኣየንብበንን'የ። ምኽንያቱ፡ ከም ኣገባብ ኣብ'ቲ ቤት ጽሕፈትና ከም ዓቕሚ የለን። ንእሽቶይ እዩ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት። ብዙሕ ኣይሰርሕን እዩ። ግን፡ ሓደ ተሓጋጋዚ ሃልዩካ፡ ንኹላተን ጋዜጣታት ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ፡ ነተን ኣገደስቲ ዝበሃላ ጾሚቑ ዘቅርብ ሰብ እንተዝህሉ፡ ጽቡቕ ነይሩ። ንኣብነት፡ ካብ ኤምባሲና ዋሽንግተን፡ ናይ ኩሉ ዓለም ጋዜጣ ተነቢቡስ፡ ካብኡ ተነፍዩ፡ እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ተጾሚቑ፡ ካብ 100-150 ዝኸውን ገጽ ይሕተም እዩ። ንሱ ነንብብ ነይርና፡ ዋላ ኣብ ሜዳ ከለና'ውን ነንብቦ ነይርና። እዚ ናይ ደገ ጋዜጠኛታት ዝሳተፍዎን ዝጽሕፍዎን ስለ ዝኾነ፡ ናይ ዕምቆት ትንታነታት ኣለዎ። ወረ ከም ወረ፡ ኣብኡ ከሎ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሕጡበ ጽሑፍ ኣብ ትርእየሉ ተራ ኣለዎ። ከከም ምርጫኻ ኸኣ፡ ምስ ግዜ እናቆራረምካ ድላይካ ተንብብ።

ኣነ ዝብል፡ እቲ ክትበጽሖን ክትገብሮን ትደሊ ገዚፍ ነገር እዩ። ምናልባት ርሑቕ ኣብ ማዕዶ ዝረኣየካ፡ ኣብ መንጎ ዘሎ ጋግ፡ ከመይ ገይርካ ብዝሓጸረ ግዜ ብዝጠዓመ ኣንፈት ትኸዶ እመስለኒ። ሕጂ እቲ ናትና፡ እዚ ስለ ዝሓተትኩምኒ'የ ዝምልስ ዘለኹ'ምበር፡ ናተይ ብዕቱብ ክተሓዝ ኣለዎ ዝብል ኣራኣእያ ኣለኒ።

ሓደ እቲ ሕግታት ዳግመ ግምት ኮይኑ ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። እቲ ናይ'ተን ጋዜጣታት ተጸጋዕነት፡ ኣብ ሃገርና ሕጋዊ ኣይኮነን ንገዛእ ርእሱ። ሓደ ጋዜጠኛ ካብ ወጻእተኛ ገንዘብ እንድሕር ዝወስዶ ኣሎ ኮይኑ'ሲ፡ ብሕጊ ከምኡ ከተፍቕድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓደ ሃገራዊ ሰልፊ፡ ወይ ሃገራዊ ጋዜጣ ዝበሃል፡ ብደገ ክምወል ኣይክእልን። መንግስቲ ክምውሎ ክኽእል ኣለዎ። ንመንግስቲ፡ ንሚኒስትሪ ዜና፡ ከም'ዝን ከም'ዝን ጸገም ኣለኒ፡ ገንዘባዊ ሽግራት ኣለኒ፡ ክንብገስ ኣይከኣልናን፡ ዋላ ነቲ ናትና ክንጽሕፎ ንደሊ ማተርያል'ውን፡ ኮምፕሮማይዝ ከይንገብረሎም፡ ሓገዝ ይገበረልና፡ ክንሰርሕ ንደሊ ኢና፡ ሓገዝ ይወሃበና፡ ክብሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ሓገዝ ምስ ረኸበ ሽዑ፡ እንተ ብዕዳ መልክዕ፡ እንተ ብናጻ ወፈያ፡ ሓንጎሉ ነጻ ኮይኑ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ዝዕንቅፎ ነገር'ሲ የለን። ከይድካ ንሓደ ማዕጾ ኤምባሲ ኳሕኲሕካ፡ በጃኻ'ንዶ ከም'ዚኣ ጸገም ኣላትኒ፡ ንዓሞ ሓግዘና እንድሕር ኢልካዮ፡ ባርያ ምዃን ማለት እዩ። ኣነ ከምኡ ዝበሃል ነገር፡ ኣብ'ቲ ጋዜጣ ክምዕብል የብሉን በሃላይ እየ። ጋዜጣታት ናጻ ኮይነን ክሳብ ዝድልድላ፡ ክሳብ ዓቕመን ዘጥርያ ባዕላተን፡ ደገፍ ክግበረለን ክኽእል ኣለዎ። ምስ ደልደላ፡ ክልተ እግረን ክረግጻ ምስ ደመራ፡ ሽዑኡ እቲ ድፍኢት”momentum” ባዕሉ ክውሰድ ይኽእል'ዩ። ናተን ተኣማንነት፡ ተቐባልነት፡ እንድሕር ዘቕርብኦ ማተሪያል፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተማሓየሸ ከይዱ፡ እቲ ካብኡ ዝረኽብኦ ኣታዊታት ገይረን ጥራይ ክሕይላ ይኽእላ እየን። እዚ ጸበብቲ፡ ብሃገር ደረጃ ጥራይ ዝሕጸር'ውን፡ ምስ'ዚ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ስነ-ኪነት “information technology” ብልጫ ብዙሕ ካብ ኤርትራ ወጻኢ'ውን ክኸዳ ይኽእላ እየን።

ኣነ ሕጂ እዚ ንጋዜጣታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጽሔታት፡ ንሜድያ፡ ንቲቪ፡ ንሬድዮ ዝምልከት'ውን፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ክንበጽሕ ክንክእል ኣለና። ከምኡ ክንገብር ዘይንኽእል እንድሕር ኮይንና፡ ወይ ከኣ እዚ እዩ ታርጌትና፡ ዋላ ርሑቕ ድሕሪ 4-5 ዓመት፡ ዋላ ድሕሪ 10 ዓመት ይተግበር፡ ግን ናብኡ ገጽና ክንጓዓዝ ኣለና'ሞ፡ ሎሚ እዛ ስጉምቲ እዚኣ ወሲድና፡ ጽቡቕ ኬድና ኣለና። እዚኣ ዕንቅፋት እዚኣ ረኺብና፡ እዘን ሽግራት እዚአን ኣጋጢመናና፡ ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ንመጽእ። ከምኡ እናበልካ ክትከይድ ክትክእል ከለኻ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ዓቕሚ፡ ጽቡቓት እየን፡ ሕማቓት እየን፡ ደኺመን፡ ኣቢለን ኢልካ ክትመዝነን'ሲ ክንደይ ግዜ ዝኣክል ተዓዚብካየን? እንታይ ዕድል ረኺበን? እንታይ ሃዋህው ተፈጢሩለን? እተን ጋዜጣታት ክጽሕፋ'ሲ፡ ኣነ ግዜ ገና እዩ ዘሎ “too early” ንምግምጋመን ዝብል ኣራኣእያ እዩ ዘለኒ።

ሕቶ፡- ብዛዕባ ናይ ደገ ምወላ ጸቒጥካ ምዝራብካ፡ ገለ ዝሰማዕካዮ ወይ ዝፈለጥካዮ ነገር ስለ ዘሎ ዲዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ካብ ገለ ኤምባሲታት፡ ገለ ጋዜጣታት ገንዘብ ዝወስዳ ኣለዋ።እቲ ሕቶ “ስለምንታይ ኢድ ትዝርግሕ?” ኢዩ። ኢድ ክትዝርግሕ ኣንድሕሪ ጀሚርካ፡ ከም'ቲ ኣብራሃም ሳህለ ዝብሎ፡ ሕቖ ትደንን ኢያ። ኢድ ምዝርጋሕ እንድሕሪ መጺኣ፡ሕቖ ምዕጻፍ ኣላ ማለት ኢዩ። ማለት ዘየድሊ ትዕቢት ዘይኮነስ ኣብ'ታ ደረጃ እንድሕሪኣቲኻ፡ ፍጹም ሓንጎልካ ናጻ'ዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። መልኣኽ ኣይኮነን፡ ሰብ'ዩ። ሰብ ከኣ፡ ሓንጎልካ ኣብ ድላይካ ማዕበል ኣሐንብሶ፡ ዋላ ኣብ ድላይካ ኣየር ከተንፍሮ ክትክእል ኣለካ።እንድሕሪ ብናጻ ክትሓስብ ኮይንካ፡ ዓቕምኻ ብዘፍቅዶ መጠንፍልጠትካ ከተዕቢ፡ ከተዕሙቕ ትፍትን።ተመኩሮ እናሓገዘካ ብዙሕ ነገር ትገብር።ሓንጎልካግና ናጻ ኮይኑ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ። ቀይድታት ክህልዎ የብሉን። ሓደ ብበትሪ ወስ እናበለካ፡ እንድሕሪ ሕደግ እናበልካ ትኸይድ ኮይንካ፡ እቲ ሓደ ከኣ ጸጸኒሑ ከም'ዚናይ መካነ-እንስሳ ሓርማዝ ገለ እናኣኾለሰ ዘስርሓካ ኮይኑ፡ ብእሾኽ እናወግአ እንድሕሪ ዘንቀሳቕሰካ ኮይኑ፡ እንታይ ኢኻ ኣብ መወዳእታ? ጋዜጠኛ ክትበሃል ፈጺምካ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቀዳማይ ነገር እቲ ቅንዕና( principle)ናይተን ጋዜጣታት ክኽብርን ክረጋገጽንክከኣል ኣለዎ። ጸገም እንድሕሪ ኣለወን ከኣ ጸገመን ክፍትሓለን ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ብስለት ብቕዓት ናይ ኣቀራርባን.. ወዘተ ንገፊሕ ውድድር ዕድል ሂቡ። እቲውድድር ንገዛእ ርእሱ ንጽባቒአንን ንዓይነተንን የመሓይሾ ስለ ዝኾነ። ኣብኡ ክኣትዋ ከለዋ'የን ዝምዕብላ። እንድሕሪ ደኣ ብኽምዚ ናይ ደገ ምትእትታው ኣሎ፡ ክትወዳደር'ውን ኣይትኽእልን ኢኻ።ኣነ ሕጂ ዓቕሚ ዘይብለይ ከይደ ንሓደ ሓገዝ ሃበኒ። ጽሒፈ ከምዚኣ ክገብር'የ እንተይለዮ ንዓና ቁሩብተይ ንመንግስትና ተመጉስ ተእተኻላ ጽቡቕ'ዩ። ደሓር ከኣ ከምዚኣ ተገበርካ ከምዚኣ ተበልካያ ገለ...እንድሕሪ ኢሉኒስ ኤእ... ከብዲመሊአ'ላ እዚኣ ከኣ ክገብራ'የ። ኣብ ከምኡታት እንድሕሪ ዝኣቱ ኮይኑ ጋዜጣ ብዙሕጸገማት ክህልዎ ኢዩ። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ይጽሕፍ'የ፡ ብዙሕ ሓሳባት ናይ ምግላጽ ጸገም የብለይን። ክጽሕፍ እንድሕሪ ኮይነ ግና ናጻ ክኸውን ክኽእል ኣለኒ። ገለ ቀይድታት ምስ ብዙሓት ዘይሰማምዓሉ ሓላፍነት ስለዘለኒ ድላየይ ከዛረብ ኣይክእልን'የ። ሓላፍነት ስለዘለኒ መሰለይ ቅዩድ ኢዩ። ብዙሕ ነገር እናፈለጥኩ ብዙሕ ነገር እናረኣኹ ከምድላየይ ክዛረብ ኣይክእልን'የ። ግን ሓላፍነት ምስካም ማለት ክኣ ንሱ'ዩ ኣብ መወዳእታ። ጋዜጠኛ እንድሕሪ ኮይንካ ግን ብርግጽ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለካ። ሕግታት፡ ቀይድታት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ክሊ'ቲ ግን ካልእ ዝቕይደካ ክህሉ የብሉን። ሕጂ እዚ ናይ ደገ ምትእትታው፡ ኣብ ጋዜጣታት ከቖጽዮ'ዩ። ኣካል ናይ ብልሽውና ከኣ፡ ሓደ መገዲ ንሜድያ ናብ ብልሽውና ዘእቱ'ዩ። ዝደፋፍእ ረቛሒ ከምዚ ዝኣመሰለ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ እተን ጋዜጣታት ምናልባት 2-3 ዓመት ይወስደለን ይኸውን ዝብል ኣረኣእያ እዩ ዘለኒ። ናብቲ ቅርጻዊ ደረጃ (formative) ሓሊፈን ናይ ብሓቂጋዜጣ ክሓትማ፡ ነብሰን ክኽእላ ኣለወን። ብዙሕ ዓቕምታት ክድንፍዕ ኣለዎ። በዚ ኮይኑበቲ ግን፡ ኣነ ሓንቲ ካብ ኣገደስቲ ረቛሒታት ትረኣየኒ፡ እቲ መንግስቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ከምዚ ጌርካ ጽሓፍ፡ ከምዚ ጌርካ ኣይትጽሓፍ፡ ከምዚ በል ከምቲ ኣይትበል ከይበለ እቲ ዘድሊ ደገፍ ክህብ ክኽእል ኣለዎ። ንዝተወሰነ እዋን ንዘይተወስነ ግዜ (indefinite)ሓገዝ ክህቡ ኣይክእልን'ዩ።

ሕቶ፡- ትካላት መንግስቲ ግን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ብዙሕ ኣይተሓባበራን ኢየን። ቁሩብ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ ኣብቲ ናይ'ቲ መንግስቲ ትካላት ካብ ክምዕብል ዘለዎ ነገር ሓደ እዚ ኮይኑ ይርኣየኒ። ክፍሊ ምስጢራውነት (confidentiality) ኣሎ። ናይ መንግስቲ ኣካላት ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነት ኢለን በብደረጅኡ ክፋፊለን ክሕዛኦ ዝግባእ ሓበሬታታት ዕጹዋት ኣለዉ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እሞ ናይ ቀዳማይ ኵናት ዓለም'ውን ከይተረፈ ዕጹዋት ሓበሬታታት ኣለዉ። ኣብ በዓል ጀርመን፡ ጃፓን እዘን ዓበይቲ ዓበይቲ ገበን ዝፍጽማ ዝነበራ ሃገራት እንተኼድካ፡ ዋላ'ዘን ሕጂ ዲሞክራሲያ ውያን ኢና ዝብላ ስርዓታት ክቕላዕ (disclosed) ዘይደልይኦ ሓበሬታ ኣሎ። እዚኦምንሃገራዊ ድሕነት (national security ) ዝምልከቱ ሓበሬታታት ብኸመይ ትሕዞም ብዙሕ ጽፉፍ ኣሰራርሓታት ኣሎ። እዚን እዚን ክብለካ ይሓትት'ዩ፡ ሕጂ ኣብኡስክፍታታት ኣሎ።
ካልእ'ውን ኣብ ቅርጽታት ኣሎ። ሓደ ካብቲ ምስ ቅርጽታት ተባሂሉ ኣብ ንድፊኣስከሬን ናይ ኣካላት መንግስቲ ቅርጡው ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽፍሕታት ክህልዎ ኣለዎ፡ ወይ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ስራሕ ዝሰርሕ። ኩሉ ግዜ ህዝባዊ ርክባትክህልወና ኣለዎ። ኣዚ ኣብ ዝምድናታት ወሳኒ ኢዩ። ኣብ መንጎ'ቲ ኣካል ናይቲመንግስትን ህዝብን መራኸቢ ኮይኑ ብጋዜጣ ወይ ባዕሉ ብስሩዕ ዘውጽኦ ወይ ከኣ ባዕሉ ኣብ ዝድለ እዋን ዝህቦ መግለጺታት ከውጽእ ክኽእል ኣለዎ። ጋዜጣታት መጺኦም ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ከኣ መልሲ ክህብ ክኽእል ኣለዎ። መልሲ ኣንድሕሪ ዘይብልካ፡ የብለይንትብል። ንዓይ እንድሕሪ መጺእካ ሓቲትካኒ፡ ንሓደ ክነግረካ ዘይደለኹ ነገር፡ ኣይፋለይን ክነግረካ ኣይክእልን'የ፡ ሓበሬታ የብሉን፡ መግለጺ ኣይህበካ'የ፡ ክብለካ ይኽእል'የ። ካልእ ግን፡ ክሳብ ክንደይ ገዚፍ ምስጢር ኮይኑ ኢዩ'ሞ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ትኽውሎ? እንተን ሚኒስትርታት ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚ ዝግበር ኣኼባታት ዘልዕልዎ ጉዳያትይህሉ'ዩ። ሚኒስትሪታት ነቲ ሓበሬታ ክህባ ካብ ዘስክፈን ክገልጻ ከለዋ ነቲ ሓበሬታ ብዘይግባእ ይጥቀማሉ። የዘንብዕዎ ካብ ዝብል'ዩ። ብዙሕ ናይ ኣሰራርሓ ውሕስነት የለን። ኣብ ጋዜጣታት ክትዝርግሖ። ብናታተን ተበግሶታት ዝምእርራኦ ሓበሬታ ክህልወንይኽእል ይኸውን። ብተበግሶ ናይተን ሚኒስትርታት ዝወሃብ ይህሉ ይኸውን። ግን ሓደ ግድል ኣሎ ዝርኣየኒ ንዓይ ምስ ግዜ ክፍታሕ ዝከኣል። ኣብ መንጐ ጋዜጣታትን ኣብ መንጐ ኣካላት መንግስትን መጋረዲ ክህሉ የብሉን።ከምኮነ እተን ኣካላት ናይቲ መንግስቲባዕላተን በቲ ዘሎ ናይ ህዝባዊ ርክባት ኣካላትን እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕክኸኣል ኣለዎ። ብስሩዕ ወይ ኣብ ዘዝድለየሉ እዋን። ጋዜጠኛታት መጺኦም ኣብ ዝውከሱሉ እዋን፡ ከኣ ዘይምልሻሉ ምኽንያት ኣነ ኣይረኣየንን። ኣነ ካብ ጋዜጣ ዝፈርህ እንድሕሪ ኮይነ'ሲ፡ ኣበይሞ ኣበየናይ በዓቲ ኢኻ ክትነብር? ኣነ ኣግሂደ ንዓኻ ኣይምልሰልካንይብለካ፡ እንድሕሪ ክምልስ ዝግበኣኒ ነገር ኮይኑ ኸኣ ይምልስ። ንዓይ ዘይምልከትንኻልእ ሰብ ዝምልከት እንተኾይኑ ከኣ፡ ኪድ ንእከለ ሕተቶ ክብለካ ክኽእል ኣለኒ። እዚእቲ ባህሊ ኣይማዕበለን ጌና ሓደ ሓደ ዕንቅፋታት ኣለዎ። ወይ ናይ ስምዒት ክኾኑይኽእሉ። እተን ጋዜጣታት ንገዛእ ርእሰን ሓላፍነታውያን ዲየን? ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ሂብካዮም ንምንታይ ኪጥቀሙሉ ኢዮም? ኣነ ግን፡ ኣብ ክንዲ ነተን ጋዜጣታት ሓላፍነትምስካም (ምውቃስ)፡ ነቲ ኣሰራርሓናን፡ ዘለናዮ ኩነታትን ምጥማት ዝሓሸ ኮይኑ'ዩዝረኣየኒ።

ሕቶ፡- ኩነታት ዓለም ብኸመይ ትከታተሎ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣብ መዓቲ ክልተ ግዜ ብውሑዱ፡ ንግሆ ኣብ ዓራተይ ከለኹ፡ ምሸት ድማ ቢ.ቢ.ሲ ናይ ዓረብ መደብ እከታተል። ብቀጻሊ ማለት ኣብ ሜዳ ከለኹ ይኹንኣብዚ። ካልኦት ናይ ሬድዮ መደበራት ሳሕቲ ይፈታትን'የ ግን እቲ ናይ ዓረብ ምስ'ዚ ናይ ከባቢና ኩነታት ተዛማዲ ስለዚኾነ ንዕኡ የተኵረሉ። እቲ ናይ ንግሆ ክፍሉ ዳርጋ ን2-3 ሰዓታት ዋላ ካብ ዓራትካ ከይትሳእካ ከለኻ ትሰምዖ ኣሎ፡ ሽዑ ንግሆ ዝተሓትመ ናይዓረብ ጋዜጣታት ዝበልኦ ስለትሰምዕ፡ ጋዜጣ ምንባብ'ውን ኣየድልየካን'ዩ። ኣእዛንካ ጥራሕ ኢኻ ተስርሕ። ኣብ ኤውሮጳ ዝወጻ ጋዜጣታት ሓደ ብሓደ ናተን ጥቕስታት ተጸሚቑይቐርብ ናይ ተለኣኣኽቲ መደብ ኣሎ። እቲ ናይ ንግሆ መደብ ብጣዕሚ ሃብታም'ዩ። ናይ ምሸት ከኣ፡ ናይቲ መዓልቲ ጽማቕ ኣገደስቲ ዝበሃል ዜናታት ይቐርብ። ካብ ሰዓት 11-12ናይ ምሸት ማለት እንተርኪብካሉ። ሕጂ'ዚ ንህሉው ዕለታዊ ሓበሬታ ናይ ዓለም ኣየጠቓልልን'ዩ። ናይ ኤስያ ብሰፊሑ ዘተኮረ ኣይኮነን። ብቐንዱ ናይ ማ/ምብራቕ ዘተኮረ'ዩ። ነቲካልእ ናይ ዓለም ዜናታት'ውን ግቡእ ጌሩ ስለ ዝሽፍኖ፡ ምስ ናተይ ዘሎ ናይ ግዜ ጽበት፡ እቲ ዝበለጸ ኮይኑ'የ ዝረኽቦ። ካልኦት ሓደ ብሱላት'ውን ኣይኮናን። ደሓር፡ ናይ ብሓቂ ፍጹም ሚዛናውነት ዝበሃል የለን። ማለት ውድዓውነት ዝበሃል ኣብ ጋዜጣታት ወይ ሬድዮ ኣይትረክብን ኢኻ። ግን ኮይኑ ተሪፉ ውድዓዊ ኮይኑ'የ ዝረኽቦ። ኣብቲ ናይ ዓረብ ኣድልዎኣለዎ። ግን ከሎ ጌና፡ እንድሕሪ ትፈልጦ ኮይንካ ነቲ ኩነታት ደሓን'ዩ። ሕጂ ኣነ ንዕለታዊሓበሬታ፡ ሓደ ካብ ዝጥቀመሉ ንሱ'ዩ።ካልእ ብስሩዕ ንትንታኔታት እንተኾይኑ ናይ ብዙሓትመጽሄታት ዓሚል ኢየ። ኒውዮርክ(ኣሜሪካ)ብዙሕነት ኣለዎ፡ ኢኮኖሚስት (ብሪጣንያ) ብዙሕኣይፈትዋን'የ ግን የንብባ። እተን ካልኦት መጽሔታት ግን ዋላ እቲ መወዓውዒ ከይተረፈየንብቦ'የ። ሓደ ብሓደ ናይ ዓለም ወረ ንምክትታትል ብኸምዚ ይሕዞ። ሕጂ እቲ ንዕሙቕዝበለ ትንታኔታት ካብ ክኢላታት ተመኩሮ ዘለዎም ሞያውን ዝጽሕፍዎ ጽሑፋት ከተንብብ፡ ተዓጻጻፊ ኮይንካ ከም በዓል “ፎርችን” ሕጂ ናይ ቁጠባ ኩነታት ትከታተል እንተዀንካ ጽቡቕ'ዩ። “ፎሬይን ኣፈይርስ” ንገዚፍ ፖለቲካዊ ትንታነታት ብፍላይ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኣጠማምታ ብዙሕ ስውጠት ይህበካ'ዩ። ኢኮኖሚስት ብመጠኑ። ኒውዮርክ ብዙሕ ባህላዊ ትሕዝቶ'ውን ስለዘለዎ፡ ብዘይካ'ቲ ናይ ፖለቲካ ስውጠት፡ ናይ ኣመሪካ ዛንታ፡ ጽውጽዋያት ፖሊስታት ስውጠት ይህበካ'ዩ። ካልኦት መጽሔታት ኣለው ዝከታተሎም፡ በቲ ሓደ ወገን መሕለፊ ግዜ በቲñ ካልእ ከኣ ኣብ ዓለም እንታይ ይግበር ኣሎ ንምፍላጥ ይሕግዘካ።

ሕቶ፡- እሞ ነዚ ስለ ተንብብ ኢኻ፡ ነዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብዙሕ ዘይትግደሰለን?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኖ ኖ.... ካብተን ዓበይቲ መጽሔታት ዝጽሕፉ ዘለዉ ብዝያዳ ዝበለጸ ሓንጎል'ኮ ክህልወኩም ይኽእል ኢዩ። ዋላ ነቶም ኣብኡ ዝጽሕፉ'ውን ንበይኑ ሓንጐል ኣለዎም ኣይብልን ኢየ። ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ ወሲዶም ክኾኑይኽእሉ፡ ግና ኩሎም'ቶም ሞያዊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ካብ ዩኒቨርሲቲታት ዝወስዱክኾኑ ኣይክእሉን። ንኣብነት ሲ.ኤን.ኤን ዝመስረተ፡ ምናልባት ትፈልጥዎ እንተኾይንኩምፈጺሙ ጋዜጠኛ ኣይነበረን። ሲ.ኤን.ኤን ግና ሓደ እምበራጦርያ'ዩ። መስራቲኣ ዲግሪ'ውን የብሉን። ሕጂ ግና ንሱ ኣብ ናይ ሜድያ ዓለም ሓደ ጐይታ ኮይኑ'ሎ። ሲ.ኤን.ኤን ቀሊል ነገር ኣይኮነን ኣብ ዓለም። ንሳ ናቱ ፈጠራ ኢያ። ኣምጺኡዋ። በዓልሉደልፍ ምስኡ ይሰርሑ ኔሮም። ዓበይቲ ናይ ቁጠባ ክኢላታት ኢዮም። ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንዓኹም ሕጂ ምስኦም ከመጣጥነኩም ኣክእልን'የ። ካብኦም ትሓምቁሉ ምኽንያትግን የለን። ግና እቲ ንዓታቶም ዝፈጠረ ሃዋህው ኣሎ'ድዩ? ንዓታቶም ዘሕለፈ ተመኩሮኣሕሊፍኩምዶ? እቲ ናቶም ዓይነት ብድሆታት ኬድኩሞ ዲኹም? ብመካኒካዊ መገዲሓንቲ ጋዜጣ ንኣብነት፡ “ሰቲት” ኣምጺእካ ምስ “ኒውዩርከር” ገለ ከተወዳድራ፡ ከም መዓር ምስ ጉዕበርበረ ከም ማለት ይረኣየኒ። ኣየናይ ይጥዕም። እንተደሊኻ መዓር ናቱ መቐረት ኣለዎ። ጉዕበርበረ ከኣ ናቱ መቐረት ኣለዎ። ስለዚ ክወዳደራ ኣይክእላን'የን።

ሕቶ፡- ኣብ ናይ ሰዋስው ኣጠቓቕመአን'ከ ከመይ ትግምግመን?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ንሱ'ዩ። ከም ናተይ ጥሙሕ (ambition) ጽቡቓት ጋዜጣታት ክህልዋ ስለዘደሊ፡ እስከ ከመይ ይገብሩ ኣለዉ? ኢለ ይርኢ'የ። ኣየንብበንን'የ ክብለካ ከለኹ ኩለን መዓልታዊ ኣየንብበንን። ግና ሳሕቲ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ አንብብ። ብሓፈሻ ነቲ ትሕዝቶ ይሓልፎ። ኣብተን መምዘኒ ክኾናኒ ዝብለን ዓምድታት እትው ኢለእንተሪአስ፡ ዋላ ትግርኝኡ ከማን ባህ ዘብል ኣይኮነን። ኣነ ይፈላሰፍ'የ ዝብል። ማለት ጽቡቕ ትግርኛ ክንብብ ኢየ ዝደሊ። ንዓይ እንተሓቲካኒ ዋላ'ቲ ቋንቋ'ውን ትግርኛ ኣይኮነን ዝጸሓፍ ምበልኩ። እቲ ዓይነት ናይቲ ትግርኛ ኣዝዩ ተበሪዙ ተዳኺሙ። ንተኪአ ተስፋይ ከምኡ እብሎ ኔረ። መዝገበ ቃላት ንምድላው ብዙሕ ዝሰርሐ'ዩ። ድምጺ ሓፋሽ'ውን ዜና ከንብቡ ከለዉ ነቲ ትግርኛ ሕምትልትል የብሉዎ። ድምጺ ሓፋሽ'ሲ መምሃሪ ኢዩ። ቆልዓ ሎሚ ፊደል ዝቖጽር ዘሎ፡ ቋንቋ ዝመሃረሉ ኣደማምጻ ሰዋስው፡ መቐረት ናይ'ቲ ቋንቋ ዘስተማቕረሉን ዝመሃረሉን ምእንቲ ኪኸውን፡ እቶም ዝበለጹ ጸሓፍቲ ክጽሕፍዎ ክኽእሉ ኣለዎም። ዋላ'ቲ መዓልታዊ ዝቐርብ ዜና መቐረቱ መኣዝኑ ብዝምስጥ መንገዲ ጌሮም ክቕርብዎ ክኽእሉ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ'ዩ ዘሎኒ።

ቋንቋ ኣብ ኣቀራርብኡ ከተመቓቕሮ ይmግባእ። እቲ ዘንብብ'ውን ከምዝምስጦ ጌርካከትቕርቦ የድሊ'ዩ። ክሳብ'ዚ ደረጃ'ዚ፡ ሓደ ሓደ ፈተነታት ይገብር'የ። ግና ከም ተዓዛባይ ኣንቢበ እዝን እዝን ኢለ ርእይቶ ምሃብ የሸግረኒ'ዩ።

ሕቶ፡- ናብ ውልቃዊ ሂወትካ ክንሰግር። ታሪኽ ሂወትካ ብመልክዕ መጽሓፍከተቕርቦ ምዃንካ ገሊጽካ ኔርካ። ኣብ ምንታይ በጺሓ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ግዜ ምስ ረኸብኩ ከውጽኦ'የ። ኣነ ከምኡ ሽግር የብለይን።ብደገ ዝዕዘቡዎ ዝነበሩ፡ ይነግሩዎ'ውን ይኾኑ።

ሕቶ፡- ኩነታት መርዓኹም ምስ በዓልቲ ቤትካ ሳባ ሃይሉ'ኸ፡ መዓስን ከመይን ነይሩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ብ1985 ኢና ተመርዒና። ብዙሕ ገዚፍ መርዓ ኣይነበረንማለት ብዕራይ ኣይሓረድናን። ኣጽብብ ኣቢልና ኢና ተመርዒና። እቶም ኣብቲ መርዓ ዝተሳተፉ'ውን ብዙሓት ኣይነበሩን።

ሕቶ፡- “ኣብራሃም” ዝበሃል ወዲ ኣሎካ። ንሓደ ስዉእ ንምዝካር ኢልካ ከም ዝሰመኻዮ ይዕለል ኢዩ። ብዛዕባኡ'ውን ገለ እንተትብለና....

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣዝዩ ነዊሕ ዛንታ ኢዩ። ሕጂ ኣብዚ ተዛሪብካሉ ዝውዳእኣይኮነን። ግና መደመርያ ኣብ ቃልሲ ነንበይኑ መድረኻት ኣሎ እንድዩ። ማለት'ሲ ብዙሕ ዘኽብሮ (admire) ዝገብሮ ዝነበርኩ ብጻየይን መሳርሕተይን ስለዝነበረ፡ ምስ ተሰውአንዕኡ ንምዝካር ንወደይ “ኣብርሃም” ኢለ ሰምየዮ።


ሕቶ፡- ትርፊ ግዜኻ ብምንታይ ተሕልፎ? ፍሉይ ክእለት ከምዘለካ ይዝረብኢዩ...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ብምንባብ፡ ገለ ብኢድ ዝስራሕ ነገራት ምስ ግዜ ምጽባብግን ብዙሕ ዕድል ኣይረኸብኩን። ዳርጋ ቤት ማእሰርቲ'ዩ'ኮ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስራሕ። እንዳ ማሕቡስ'ዩ። ግን ኣብቲ ቦታ ዝፈቕደልካ መጻሕፍቲ ተንብብ መጽሄታትተንብብ። ኩሉ ሰብኮ ከምኡ ኣለዎ። ግን ኣነ በታ ዓቕመይ ክእለት ኣለኒ ኣይብልን'የ።ግን ልክዕ ሓደ ክፋል ናይ ሂወትካ'ዩ ገለ ነገር ትገብሮ ክህልወካ ኣለዎ። ኣነ ካብተደጋጋሚ ቀጻሊ ኣረብራቢ ዝኾነ ነገር ምግባር ፍልይ ዝበለ ክገብር ይደሊ'የ። ስራሕ ቤ/ጽ ኩሉ ነገር የርውየለይ'ዩ፡ ኩሉ ስምዒተይ ይምልሰለይ'ዩ ኣይብልን። ግን ከም ግቡአይ እፍጽሞ ክብለካ እኽእል'የ። ክብኡ ወጻኢ ገለ ትገብሮ ነገር ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ከምታ ዓቕምኻ። ክኢላ ኮይንካ ዘይኮነስ፡ ኩሉ ነገር ክትፍትን ክትክእል ኣለካ።

ሕቶ፡- ኣብ ምንታይ ኢኻ ዝያዳ ትጸቅጥ፡ ስእሊ፡ ግጥሚ፡ ስነ-ጽሑፍ ከምትፈታትን ንሰምዕ ኢና። ገለ እንተትብለና...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣብ ኩሉ'ዚ ዝበልካዮ እፈታትን'የ።

ሕቶ፡- እሞ ገለ ዝገጠምካዮ ግጥሚ ኣሎ'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ግጥሚ'ኳ ቀደም'የ ዝፍትን ኔረ። ሎሚ ገዲፈዮ'የ። ቀደምኣብ ሜዳ ከለና ግጥሚ ይፈታትን ኔረ። ገለ ጥዑም ኮይኑ ይስመዓኒ። ገለ ከኣ ከመይ ጌረ'የ ጽሒፈዮ ኢለ ዝድምስሶ ኣሎ።

ሕቶ፡- እንተተረኺቡ ሓንቲ ካብ ግጥምታትካ ወይ ጽሑፍካ ዘይትህበና?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እስከ እንተተረኺቡ፡ ክንደሊ ኢና ሃሰስ ክንብሎ ኢና።

ሕቶ፡- ኣብ ዝተፈላላየ መዘናግዒ ቦታታት(ንኣብነት ሻምሮክ ናይት ክለብ)ከም ተራ ሰብ ክትንቀሳቀስ ኣብትረኣየሉ እዋን፡ ዘሎካ ሃገራዊ ዕማም ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት ሰባት ምሒር ይሹቕረሩ ኢዮም። ነዚ ኣብ ግምትየእቲኻዮ ትፈልጥ'ዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡-እወ፡ እቲ ናይ ጸጥታ ስክፍታታት'ውን ክረኣየካ ይኽእል'ዩ።ግን ዝሓሸ ድሕነት ኣለዎ፡ ብናተይ ኣረኣእያ። ብዙሕ መግለጺታት ኣለዎ። ምናልባት ምስ ብሕታዊ ናተይ ስምዒት ዝዛመድ ስለዝኾነ ኣብኡ ክኣቱ ኣይደልን'የ። እቲ ናይ ስነ ምግባርን ክላእን ግና ወዲ ሰብ ስለዝኾንኩ ኣብ ምስሉይነት ክነብር ኣይደልን'የ።

ናይ ገለ ሃገራት መራሕቲ እንተርኢናዮም ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ሓላፊ ብሞቶር ሳይክል እናተዓደቡ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ዝመላለሱ፡ ጽርግያታት ዝርብሹ ሰብ ዘጽምሙ ግና ኸእ ሓንቲ ነገር ዘአየፍርዩ፡ ብዘይካ ክሰርቕን ክጠፍፋኡን ካልእ ሓሳብ ዘይብሎም ኣለዉ። ኣነ እዚ ዓይነት ባህሊ ዘማዕብል መንግስቲ ክኽስኮስ ኣይደልን'የ።

ካልእ'ውን ንምንታይ እቲ ንስኻ ብውሽጥኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ባህርያት ክትሸፋፍኖ ትደሊ። ክዳውንትኻ ደርቢኻ ኣብ ጽርግያ ምኻድ ቅኑዕ'ዩ ማለት ኣይኮነን። ግና እቲፍሉጥ ናይ ሰባት ባህርያት ሸፋፊንካ ትኸደሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን። ምምሳል ብዙሕ ኣይፈቱን'የ ኣነ።ምናልባት ሓደ ሓደ ባህ ዘይብለኒ ነገራት ይህሉ ይኸውን።ዝያዳ ሕሉፍ ነገራት'ውን ክህሉ ይኽእል።ግና ወዲ ሰብ፡ ወዲ ሰብ'ዩ፡ ከም ወዲሰብ ኮይኑ ይነብር።ሰብ ከኣ ኩሉ ግዜ ጻድቃን'የ፡ መልኣኽየ፡ ኣይጋገን'የ፡ ከምዚ'የ፡ ኢልካ ከኽየድ ኣይክእልን። ብምምስሳል ክነብር ኣይክእልን'ዩ ሰብ። ሓደ ሓደ ስክፍታታት ኣለዎም'ዩ። ዋላእቲ ናይ ጸጥታ ስክፍታታት'ውን ክህልዎም ይኽእል ይኸውን። ግና ኣነ፡ በቲ ሓደ መልክዑ እውን ክርእዮ ክለኹ፡ ዋላ ሓንቲ ውሕስነቱ ኣይረኣየንን። ሕጂ እቲ ዋና ነገር ናይ ጸጥታ ጉዳይ ኢልካ ትዛረበሉ ዘለኻ እቲ ኣብኡ ምኻድን ናጻ ኮይንካ ምንቅስቓስ ኣብ ዝኾነ እንዳ ሻሂ፡ ዝኾነ ባራት፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮፍ ምባል፡ ዘይኮነ እንድሕሪ ድኣ ድሌት ናይ ተጻባእቲ ሃልዩ፡ ክጽይቕ ዝደለየ ሰብ ኣሎ ኰይኑ፡ ክገብር ይኽእል'ዩ ። ኣነ ብወገነይ የውሕዶ ይኸውን ንኽምኡ ዓይነት ጸገማት ዝብል ግምታት ኣለኒ። ምስኡ ከይንሰማማዕ ንኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን ብዛዕባ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንታት ዝፍጠር ግጉይ ስእሊ፡ ኣብ ላዕለዎት ከምኡ ክህሉ የብሉን። ከምኡ ባህሊ ከኣ ኣይነበረናን። ሕጂ ብራዕዲ ሓድሽ ነገር ኣብ መንግስቲ ከማዕብሎ ኣይድለን። ስለምንታይከ ከምኡ ዓይነትባህሊ ከነተኣታቱ ንደሊ? ናይ ግድን ድዩ ቀቀዲሕና ካብ ደገ ዘምጻእናዮ ባህልታት ኣብሕብረተሰብና ከይመመና ከም ዘለዎ ክነእትዎ? ቅኑዕ ዲዩ? እንታይ ጥቕሚ'ኸ ኣለዎ? ኣነ ግን ሰብ ኣብ ናይ ምምስሳል ዓለም ክኣቱ ኣይደልን'የ።

ሕቶ፡- ኣብ ታሪኽ ከም ሞዴል ክትኽተሎም እትደሊ መራሕቲ ኮኑ ውልቀሰባት ኣለዉዶ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- ኣነ ሓሲበሉ'ውን ኣይፈልጥን። ብዙሕ ታሪኽ ሂወት ናይ ብዙሓት ሰባት ኣንቢበ ኣለኹ፡ ግና ምስ ኩሉ'ዩ ኣድናቖተይ። ብብዙሕ መልክዕ ናይ ሓደ ሰብ ሂወት፡ ሞዴል (ኣብነት) ደረጃ ክትሪኦ ኣጸጋሚ'ዩ።ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ተገፊዐበዝን በትን ኢለ'የ ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ በጺሐ'ምበር ብመደብ፡ ከምዚ ክኸውን'የ ኢለሓሲበ ዘምጻእኩዎ ነገር ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ንኸምኡ ሞዴል ኣይሓስብን'የ። ታሪኽ ገፊዑ ዘምጽኣካ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ብመደብ ዘውጻእካያ፡ ክትመስል ዝኽእለሉ ምኽንያት የለን። ማለት'ሲ፡ ክትብገስ ከለኻ፡ ኣብዚ ዀይንካ፡ ኣብዚ ክበጽሕ'የ'ሞ ብኸምዚ መገዲ ክኸይድ'የ ክትብል ከለኻ ናብ ሞዴልን ናብ ገለን ተብል። እዚ ግንናይቲ ሃገር ቃልሲ ኣመጻጽኣ ኢዩ። ተገፊዕካ መጺኻ ከምኡ ክትሓስብ ኣይትኽእልን።

ንሰባት ኣይተድንቕን ማለት ግን ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ከተድንቕ ትኽእል ኢኻ። ኣነግን ዝያዳ ኣብዚ ናትና ታሪኽ ዘይተነግረሉ፡ ክንደይ ጅግና ኣብነት፡ ብሊሕ ኣሎ። መዓስ ይንገረሉ። ገለ ገለ'ውን ከይተነግረሉ ግዜ ይጠፍእ ኣሎ። ንኣብነት። ኣብ ውሽጢእቲ ንስኻን ከም ሰብ እናማዕበልካ ከለኻ ሰብ ክትከውን ወይ ድማ ናብቲ ዝኾንካዮክትከውን ዝጸልዉኻ ሰባት ኣለው። ሰባት ኣለዉ ብርግጽ። ሕጂ'ውን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰምካሉ፡ ከም ኣብነት'ውን ዝወሰድካዮ። ንሰኻ ሓደ ነገር ክትሓስብ ትጸንሕ ሓደ ካልእ ሰብ ሓንቲ ሓሳብ ሒዙልካ ይመጽእ። እታ ናቱ ዝበለጸት ኮይና እንተረኺብካያ ናቱ ትወስድ። በታ ናቱ ትገብር። ብዙሕ ከምዚታት ነገር ኣሎ። ሓደ ጥራይ ምንጪ ወይ ማዕከን ናይ ኩሉ ነገር ኮይኑ ኣይህበካን'ዩ። ከምዚኦም ተድንቖም ሰባት'የ ኣነ ብዝያዳ ከም ኣገደስቲ ኣብ ሂወተይ ዝጽብጽቦም'ምበር፡ ብደገ ዓበይቲ ቅያታት ዝፈጸሙ፡ካብ ናይ ቀደም ግሪኽ ጽውጽዋይ ደሚርካ፡ ግብጺ ናይ ፈርዖናት'ውን ደሚርካ ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ መበል 20 ክ/ዘመን ታሪኽ፡ ዓበይቲ ሰባት ኔሮም፡ ኢለ ኣይኮንኩን ዝጽብጽብ። ዓበይቲ ዓበይቲ ጹሑፋት ኣለዉ፡ ተሰኒዶም ዝንበቡ፡ ብዙሕ ሰብ ክመሃረሎምዝኽእል ኣለዉ። ንዓኣታቶም ከም ሞዴል ክትወስዶም ብጣዕሚ ሰብ ዝሰርሖ ኮይኑ ይረኣየኒ ንዓይ። ኣይተድንቖምን ማለት ግን ኣይኮነን።

ሕቶ፡-ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲእንታይ ኣሎ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡- እቲ ግዜ ብዙሕ ምስ ተጓዒዝካ ምስ መረሽካ፡ ኮፍ ኢልካኣብ ሓደ ስታስዮነ ማለት ክሳብ ካልኣይ ባቡር ዝመጽእ፡ ነቲ ጉዕዞ ብዝተፈለየ መልክዓቱክትሪኦ ትፍትን ኢኻ። ሕጂ፡ ብዘይካ'ቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ፡ ከም ሃገር ክንህነጽ፡ናይ ፈለማ ስጉምቲ ዝኸድናለን 10 ዓመታት ብኹሉ መልክዓቱ፡ እንታይ ኣሳሊጥናእንታይ ኣየሳለጥናን ኣብ ነንበይኖም ዓውድታት ምርኣዩ ኣገዳሲ'ዩ። ሕጂ እቲ ጸገምኩሉ ግዜ እቲ ክትገብሮን ክትኮኖ ትደልዮን፡ ዘሎኻዮን ዘሎ ፍልልይ ኢዩ። ግን ኬድካዮ'ዶ ነቲ ጉዕዞ ኣይከድካዮን? ከመይ ኬድካዮ? እቲ ዝደለኻዮ ኩሉ ነገር'ከ ጌርካዮ'ዶ ኣይገብርካዮን? እዚታት ኣሎ ክግምገም ዘለዎ።

ኣብዚ 10 ዓመታት፡ ዓበይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተዓሙ ኮይኑ'ዩ ዝረኣየኒ። ኣብፖለቲካዊ ምዕባለታት ኩሉ ግዜ ነዚ ቅልውላው ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ከይወሰድካ፡ ብዙሓት ዘሳለጥናዮም ነገራት ኣለዉ። ክንገብሮም ዝደለና ግን ዘይፈጸምናዮም ከአ ብዙሓትኣለው። ከም ሃገር ኣብ ምህናጽ ክንዛረብሉ ዝጸናሕና ኣሰራርሓ መንግስታዊ ትካላት፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ኩሉ ከምቲ ዝሃረፍናዮ፡ ዝደለናዮን ዝተበገስናሉን ኣይከድናዮን። ንዕንቅፋትናይ ቅልውላው ከም መመኽነይታ ወሲድና ክንሓሚ ኣይንደልን። ግን ንሱ ኣሎ ዝረኣየካ። ኣብ ቁጠባ' ውን ከምኡ። ኣብ ክልእ ዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ዋላ ብዙሕ ኣመዝጊብናእናሃለና ኪንኡ ክንገብር ንደሊ። ሓደ ጽቡቕ ነገር ኣብዚ ሃገር ኣሎ ዝብሎ፡ እቲ ህዝቢይኹን እቲ ውልቀ ዜጋ ዘይዓቕሙ ክገብር ይደሊ። ሕጂ እቲ ዘይዓቕምኻ ክትገብር ምድላይ ጌጋ'ኳ እንተኾነ፡ ከም ጥሙሕ እንድሕሪ ወሲድካዮ ግን፡ ጽቡቕ ነገር'ዩ። እቲሰብ ጽቡቕ መንባብሮ ክነብር ይደሊ።እዚ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ከም ባህሊ ኣይትረኽቦንኢኻ። ጽሩይ ክዳን ክኽደን ጽቡቕ ሳእኒ ገዛ መነባብሮ ክህልዎ ይደሊ። ሕጂ ንዕኡ ምእንቲñ ክረክብ፡ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ኣብቲ ዝወሓደ ገለ ገለ ሰሪቑ ኣጠፋፊኡ ከምጽኦ ዝደሊ'ሎ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ግን ጽቡቕ ይደሊ። እቲ ክገብሮ ዝደሊ ልዕሊ ዓቕሙ ይኸውን። ግን ምስ ከደ፡ እቲ ዝረኽቦ ምስቲ ኣበጋግስኡ'ዩ ንእሽቶ ነገር ሓሲቡ ወይ ድማ ዓቕሚ የብለይን በዚኣ ተኾርምየ ክርመስ'የ ኣንድሕር ኢሉ፡ ንዘልኣለም ተረሚሱ ማለት'ዩ። እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝሓስብ ወይ ልዕሊ'ቲ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ክገብር ዝደሊ ግን ኩሉ ግዜ፡ ንቕድሚት ይኸይድ ከምዘሎ ጌረ'የ ዝወስዶ። ሕጂ ኣብ መንጎ ንደልዮን ኣብ መንጎ'ቲ ዝፈጽምናዮን ዘሎ ጋግ፡ ብመንጽር ኣብ ካልኦት ሃገራት ወይ ሕብረተ ሰባት ዝርአ፡ ከተመጣጥኖ ዘይከኣል'ዩ። ኩሉ ግዜ በቲ ጽቡቕ ዓወትና ጥራይ ክንደዓዓስ፡ ምስ ካልኦት ካባና ዝሓመቑ ነብስና እናነጻጸርና ዘሎናዮ ቦታ ዝረኸብናዮም ዓወታትን ክንግምግም ዘይኮነ፡ ናይ ብሓቂ ናብ'ቲ ንደልዮ ክንከይድ ኣሎና። እዚ 10ዓመታት ኣብ ናይ መደመርያ ስጉምቲ ዳርጋ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ኣለዎ። ግን ከምቲ ዝደለናዮ ኣይከደልናን እየ ዝብል። እንተድኣ ብድሕሪ ሕጂ ናይ ብሓቂ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ተመኩሮና ብግቡእ ገምጊምና፡ ዋላ እቶም ንቕይሶም መደባት ካብዞም ዝሓለፉ ዝሃሱ ክንገብር ኢና ዝብል ኣረኣእያ ኣሎኒ። ልዕሊ ኹሉ እቲ ንኸምኡ ክትገብር ዘተባብዓካን ንዕኡ ክትውፈየሉ ምኽንያት ዝኾነካን ተሳትፎ ናይቲ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ወያነ ወራር እዋን። መመሊሱ እቲ ትምህርቲ ኣይውዳእን ድዩ'ታ ኢዩ ዝብለካ። ምኽንያቱ ናይ'ቲ ህዝቢ ጽንዓት ኣተሓሳስብኡ፡ ተባላሓትነቱ፡ ናይ ምጽዋር ዓቕሙ፡ ክትርኢ እንከለኻ፡ ቀደም ትደሃረሉ ዝነበርካ መመሊስካ ሓድሽ ነገር ትርኢ። እቲ ተወፍይነት ናትካ ማዕሪኡ ተዕዝዝ። ዋላ ነቲ ዘይገበርካዮ ክትገብሮ እንተደሌኻ ሓደሓደ ዘጋጥመካ ጸገማት'ውን ትንዕቆ ኢኻ። እዚታት'ዩ ከኣ ብቀጻሊ ከም ባተርያ ቻርጅ ጌሩ ዘስርሓካ።

የቐንየልና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ!!!