ብዕለት 9 ሰነ ኣብ ናሸናል ፖስት (National Post) ዝተባህለ ጋዜጣ ካናዳ - ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ELF) ናይ ግብረ ሽበራ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ዘስምዕ ጽሑፍ ወጺኡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብምቅጻል ኣባል ናይቲ ውድብ ብምንባራ ጥራይ ንሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ናይ መንበሪ ፍቃድ ብመንግስቲ ከምዝተኸልከለት ውን ይግለጽ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን’ውን ቆንስል ካናዳ ኣብ ኬንያ ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣባል ህ.ግ.ሓ.ኤ (1979-1991) ብምንባሩ ናብ ካናዳ ናይ መእተዊ ፍቓድ (Visa) ከልኪልዎ።

ካናዳ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ዘለዋ መርገጺ ብምቅዋም ብዙሓት ኤርትራውያን ውልቀ-ሰባት ዝተፈላለያ ማሕበራትን ብፍላይ ዓዋተ።ኮም (awate.com) ጽሑፋት ኣወጺኦም ከምዝነበሩ’ውን ይዝከር።

ሓንቲ ካብኣተን “ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኦታዋን ከባቢኣን” ዝተባህለት ኮሙኒቲ ከምዝነበረትን ነቲ ጉዳይ ኣብ መዓልቦ ከተብጽሖ ምዃናን ንዕኡ ትከታተል ኣርባዕተ ዝኣባላታ ፍልይቲ  ናይ ስራሕ ኮሚተ ከምዝመዘዘት ኣብቲ ብ ዕለት 22 መስከረም 2008 ዝወጸ ጽሑፍ ሓቢራ ከምዝነበረት ይፍለጥ። እታ ኮሚተ ኣብ ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ እቲ ጉዳይ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣቅሪባቶ።

ቅዳሕ’ውን ንዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ካናዳን ሽዑ ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረ ሰዲዳ። መልሲ’ውን ተዋሂብዋ። እቲ ዝመጸ መልሲ ኣብ ግዚኡ ንህዝቢ ክሕበር እኳ እንተነበሮ መራሕቲ እቲ ኮሚኒቲ ግን ነቲ ዝመጸ መልሲ ሓቢኦም ንህዝቢ ክሕብሩ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን።

ክልተ ኣባላት ናይታ ኮሚተ ነቲ ዝተገብረ ናይ ምዕባጥ ስጉምቲ ብምቅዋም ህዝቢ ብዛዕባ ጉዳዩ ምሉእ ሐበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዘለና ናይቲ ዝተዋህበ መልሲ ቕዳሕ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ካናዳ ረኺብና ንህዝቢ ክንዝርግሖ ወሲና። ትሕዝቶ ናይቲ መልሲ እነሆ።

ኣባላት ኮሚተ (Task Force)
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.