ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሰማዒ ዘይብሉ ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ አብ ሃገሮም ብሰላም ንኸይነብሩ እሾክ እግሪ ኮይኑ እንዳወግኤ  ለይትን ቀትርን ከም ቁርዲድ ደሞም እንዳመጸየ ብምስምስ ሃገራዊ አገልግሎት መወዳታ ዘይብሉ ናይ በረኻ ናብራ እንዳጮቆነ ዓፊኑ ካብ ዝሓዞም ስርዓት ንምህዳም ክብሉ ፈቆዶ ስደትን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕርን ግዳይ ሕጻ በረኻን ኮይኖም የርከቡ ኣለዉ

ናይ ኢታሊ ጋዜጣ La Repubblica ብዕለት 25 ነሓሰ 2009 አብዘውጸኣቶ ሕታማ /gommone sbarca a lampedusa a bordo salvagenti maltesi/ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ 57 ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዘሓዘት ጃልባ ብማልታ አቢላ ናብ ወደብ ኢታሊ ከምዘኣትወት ይሕብር፥ኣብቲ ቦታውን ናይ ማልታ መድሓን ነብሲ ዝጥቀሙሉ ነገራት ከምዝተረኽበ እውን አብሪሁ፣አብ ዘሓለፈ እዋን 78 ኤርትራዊያን ካብ ሊቭያ ተበጊሶም 23 መዓልቲ ኣብ ባሕሪ ብዘይ ሓደ ሓገዝ ድሕሪ ምጽናሕ 73 ክሞቱ ከለዉ እቶም 5 ግን በቲ ድሒሩ ዝመጸ ናይ ኢታሊ ሓገዝ ሕይወቶም ክድሕን ክኢሉ፣ብተወሳኪ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን እውን ናይ ማልታ መድሓን ነብሲ ዝጥቀሙሉ ነገራት እውን ከምዝተርከቡ ይዝክር፣ ኢታሊ ማልታ ናይዞም 78 ሰባት ዘሓዘት ጀልባ አቀዲማ ሪኣታ   ናብ ኢታሊ ወደብ ደፊአቶማላ ዝብል ጥርጣረ አለዋ፣ናይቲ ደሴት  ሓይሊ ባሕሪ አቀባሊ ቃል Ivan consiglio ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ማልታ እንታይ ግደ ከምዝተጻወተት ዝሕብር ወለሓደ ቃል አይሃበን፣ ካብዚ ነገራት ብምብጋስን ካልእ ሓደ ሓደ ነገራት አብ ግምት ብምእታው ነቲ ጉዳይ ክትትልን ከቢድ መጽናዕትን ይግበረሉ አሎ.፣
 
ዋና ጸሓፊ Pd Dario Franceschini ካብቶም ብሕይወት ዝተረፉ 5 ኤርትራዊያን ነቶም ኣዚዮም ዝተጎድኡ 2 ኤርትራዊያን አብ ተዓቂቦሙሉ ዘለዉ ሆስፒታል ከይዱ ድሕሪ ምርኣይ እዚ አጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ ናይ ኢታሊን ማልታን ኮሙ እውን ናይ ሕቡራት አውሮፓ ሓላፍነት እዩ ክብል አታሓሳሲቡ፥ ነዞም ናይዚ አሰቃቂ ግደ ሞት ኮይኖም ዘለዉ 73 ኤርትራዊያን ኣብ ካቴድራለ ናይ ሳንቶ እስቴፋኖ ኣብ ፕራቶ ብ Monsignore Gastone simone ዝምራሕ ቅዳሴ  ንቀዳም ዕለት 29 08 2009 ክግበር እዩ፥አብቲ ቅዳሴ መጨረሽታ ናይ ኤርትራ ካቶሊክ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ኣብቲ ናይ ቤተኽርስቲያን ሓደ አዳራሽ ብምሓዝ ከምቲ ባህላዊ ደንቢ ሃገሮም ፍትሓት ክገብሩሎም ክምዝኾኑ ሓቢሮም፥
        

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...