ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ!

  “My beloved and most respected mother is still living. She is now in Addis Ababa, staying with the family of one of my ssiters.”  ዝብል ጽሑፍ ኣብ ገጽ 280 ይንበብ። እወ ኣደና ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሰን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን። ናይ ምምላስ መሰል እንቋዕ ኣይተነፍገን። ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረለን። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም’ታ ናተን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምንብባር መሰሉ፡ ብልምዱን ብባህሉን ምእንቲ ክኣልያ፡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ዝሓለፈ ይኣክል ኢሎም፡ ኣእዳዎም ክእክቡሉ ጸሎተንን ምርቐአንን ይርድኣዮ።

  ዝኾነ ኾይኑ፡ ናብ’ቲ ቐንዲ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ጽሑፍ መእተዊ ዝኸውን ግፍሕ ዝበለ ናይ ለውጢ ማዕጾ ምእንቲ ከተርሕወለይ ንቓልሲ ኣቦና ኣዳም በዛ ትስዕብ ግጥሚ’ስኪ ክዝክራ።

                                                                 ኣዳም ብንኡሱ

ጸሓይ ከይደመቐት

መሬት ከይማሞቖት

ኣውሊ ብትርኩሱ፡

ጻዓዱን ጸለምትን

ብቐለም ከይተበኣሱ፡

እስላምን ክ’ስታንን

 ብሕሩድ ከይተወጋገዙ፡

ቃኤልን ኣቤልን

ምእንቲ ዝና

ሕውነቶም ከይሓሸሹ፡

እሞ ብንግሁኡ ንፋስ ብህዱኡ፡

እንተስ ሰሲዑ

እንተስ ብዕላል ዘንጊዑ

ዝተባህሎ ግዲ ረሲዑ፡

ከም’ዛ ቁርሲ ቡን ዘልዕል

ወስ ምሰ’በለ ኢዱ፡

እኳ ኡንኮ ኩላሶ ውሒጡ

ከየዐንገለ ሸውሃቱ፡

ካብ ሕዛእቲ ናይ ገነት

ሓንቲ ፍረ ቱፋሕ ተቐንጢባ ተባሂሉስ

ኣኻውሕ ክሳብ ዝጭደዱ

ጎቦታት ምሰ’ንቀጥቀጡ፡

ውልዕ ጥፍእ ኢሎም ከዋኽብቲ

ክረግፉ ምስ ጀመሩ ኣቑጽልቲ፡         

ማይ ድጋመት ከም ዝነጽጉ መላእኽቲ

ተጓየዩ’ሞ ንላዕሊ ንታሕቲ፡

 ከም’ዛ ወራር ዝምክቱ

ምክኤል ምስ ዓሳኽሩ

ኣብ ኩርባታት ገነት’ኳ እንተ ጠረሩ

ኣባ’ዥጎ ኣብ ዙፋኖም ኣይቀሰኑን።

ደንጽይዎም ኩነታቱ

ባእላ ፍጡራቶም ክገብሩ

ንመገሻ ከምዝተረበጹ፡

 እቲ ቐደም ዘመን እን-እኒ

ሕምባሻ ኸሎ እምኒ፡

እጅገኦም ሰብሲቦም

ቁምጣ ተዓጢቖም፡

ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም

ፍጥ....ር ቀንዮም

ሰንበት ኣዕሪፎም፡

ናብ ዙፋኖም ካብ ዝምለሱ ንደሓር፡

ንፈለማ እዋን

 ካብ ቤተመንግስቶም ወጽኡ’ሞ

ኣመት ገነት ክገብሩ፡

በርቅን ነጎዳን ኣቐዲሞም

ጡ...ጥ! ዝመስል ደመና ተጎልቢቦም

ከም ጽምብላሊዕ ዝዝምብዉ ሰራዊት ኣዓጂቦም

ንፋስን ህቦቡላን ተወጢሖም፡

ኣብ እንዳ ኣዳም

ባይቶ ውረዱ ክብሉ

 ጥሩምባ ነፍሑ

መለኸት ወቕዑ።

ምጽኣቶም ከማዕርጋ

ሽዑ ዝነፈራ

ኣዕዋፍ  እንክዝምራ፡

ናይ ብርሃኖም ጩራ

ዝበልሕ’ዩ ካብ ካራ።

ኣቤት ክደምቁ

ኣብ ውሽጢ ዕምብረ ምሰ’ሳፍሑ

ኣዒንቲ ፍጡራት ክሳብ ዝድጉሑ

ከም ወርቂ እና’ንጸባረቑ፡

ጭሕሞሞ ክውጥጡ

በትሪ መንግስቶም ከወጣወጡ፡

ምስረኣዮም ኣዳም

 ከቢዳቶ ዕማም፡

ጭራሽ ተሻቒሉ

ርዒዱ ኣንቀጥቂጡ

ብኸብዲ ኢዱ

ካብ ክልቲኡ ምዑጉርቱ

እናጸረገ ንብዓቱ፡

ኣቤት በለ’ሞ ጠመተ ኣንቃዕሪሩ።

ኮይኑ ግን

ከይተማልአ መንቀሳቐሲ ወረቐቱ

ከይፈቐዶም ጥሪቱ

ከየ’መሓደሮም ቆልዑቱ

ከይተረድኦ ምኽንያቱ

ንኽምለስ ኣማራጺ ዘይብሉ

መዓጹ ገነት ስለ ዝተለኮቱ፡

 ከም’ዛ ጭሩ፡ ነፊራ ካብ እግሩ

ስውር ከምዝበለት መጻኢት ዕድሉ

ሓንሳብ ንሓዋሩ ተለዊጣ ሂወቱ፡

ምዩቕ እናበለ ጀመረ መንገዱ። 

ካብ ገነት ተባሪሩ

ናብ መሬት ናብ ስደት ኣቢሉ፡

ብምሕረቱ

ወለ’ዝጊ ክሳብ ዝሰሃሎ ብስቕለቱ።

ኣይከምዝተጸበዮን’ወ! ዘይዶብካ ክትጥርር’ምበኣር ቀንጠብጠብ ኢልካ፡ ተባሂሉስ፡ መወሳወሻ ወረቐቱ ከይተማልአ ማዓጹ ናይ ገነት ስለ ዝተዓጽዉ፡ ጥራይ ዝባኑ ካብ በዓቱ ካብ ዝባረር ኣትሒዙ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መስርሕ ምዕባለ ውሉድ-ውሉዱ፡ ከመ’ቢልካ ድዮም መንገዲ መጻኢ ዕድል ዘጣጥሑ ሓሳባት ዝኹስኮሱ ግዲ፡ ንትብል ሕቶ፡ ዘዕግብ ምላሽ ኣይተረኽበላን፡ ከምኣ ኢላ’ያ ንሰብኣይ ንሰበይቲ ልዋም ትኸልእ ዘላ።

ነ’ቦኻ ርገም፡ ነ’ቦኻ መርቕ። (ምስላ)

      ይኹን ደኣ’ምበር፡ እዛ ዕረፍቲ ዘይብላ መስርሕ ናይ ምዕባለ’ዚኣ በ’ተኣላልያ ገለገለ ሰባት’ያ ብጠያይትን በ’ባትርን ተኮሳትር’ምበር ኣብ’ንዳ ዝተዓደሉ’ሲ ብቛንቋ ካብ ምብህሃል ኣይትሓልፍን’ያ። ምናልባት እሞ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝገፍሕ ፍልልይ ኣብ መንጎ ውሉድ-ውሉዱ ንኣዳም ሰራውሩ ክዝርግሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ደኣ እንታ’ዩ ምስጢሩ፡ ክሳብ ምባል ዝድፈር እንተኾይኑ ግን፡ እዚ ሕቶ’ዚ፡ ፈጣሪ ስለዘየዳሉ’ሲ፡ ብመንገዲ ፍጥረትን ናይ ወለ’ዝጊ ውዕለትን እንተ ዘይተጠመተ ይሓይሽ። ከመይ’ሲ ደቂ ኣዳም ኣብ ሂወቶም ብተግባሮም ዝፈላለይሉ ናይ ምርጫ ዓይነት ከምዘርእዩ ዘነጽር ስጉምቲ ስለዝመስል። ምናልባት ክሳብ ክንድኡ ብምርጫ ዝፈላለ እንተኾይኑ ዕጫ ናይ ደቂ ኣዳም እምበኣርከስ፡ ምስ በዓል ዳይኖሶርስ ሪጋ ከይትሕዝ ምርጫና መንገዲ የማን የሕርያና።

    ዝኾነ ኾይኑ ነዚ ምርጫ’ዚ ከከም ትሕዝትኡ ምምማይ ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ ንምፍቃዱ ክሳብ ዘድክም እልፊ ኣእላፍ ዓመታት ዝወስድ ኮይኑ’ምበር ሰብ’ኮ በብቑሩርብ እናተለወጠ’ዩ ብህበይ ኣቢሉ ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ!  ማለት’ሲ ናይ ኩሎም እንስሳታት ሓለቓ ዝገብሮ ብልጫ በቒዑ፡ ዝበሃለሉ ናይ ተቐይሮ ጉዕዞ፡ ፍሉይ ኣድህቦ ክግብኦ’ዩ። ካብ’ዚ መንጽር’ዚ ብምጥማት ድማ፡ ኣብ መንጎ ዉሉድ-ውሉዱ ንኣዳም ብውሕዱ ሕማቕን ንፉዕን ገግራቶም ዝሓጽሩሉ፡ ናይ ምምሕያሽ መሳልል ከምዘሎ ዝሕብር’ዩ ምባል ምግናን ኣይመስለንን። ከም ውጽኢቱ ኣብ መወዳእታ ዝረአ ናይ መጻኢ ዕድል ቅሚጦ ነ’ቦኻ ርገም ነ’ቦኻ መርቕ ክመስል ስለ ዝኽእል ትሕዝትኡ ... ምስ’ቶም ንወለዶም ዝምርቑ ይጸምብረና!

  እሞ ሎም’ስ ክወግሓልና ግዲ’ዩ?

 ናብ’ቲ ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ንምምላስ እምበኣርከስ፡ ኣብ ኤርትራ ንእዋን ዘርብሕ ሓዲሽ ሓሳብ እንታይ ኮይኑ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ምብኳዕ ኣብዩ?  ብፍላይ ድሕሪ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ብመስርሕ ናይ ምግዳል ዝምረጽ ዘሎ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ዓለም ምዕጥይጣይከ፡ ካብ’ዚ ኹሉ ብርሰትን ስደትን፡ ዝመርር፡ እንታይ ዓይነት መዓት ክወርድ ዝጽበ  ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ’ዩ? አረ መኣስ’ዩኸ ንእብረ ዝርዕም? ከም በዓል ሕሩይን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝመስሉ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ክሳብ መኣስ’ዮም ምሕላፍ መንገዲ ዝኸልእዎ ንሓዲሽ ሓሳባት? ዝመስሉ ሕቶታት ቀሊል መልሲ ዝርከበሎም ኣይመስሉን’ዮም።

    ምናልባት ካብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ዝቕሰም ትምህርቲ እንተተረኽበ ግን፡ ከም’ዚ ናይ ባድመ ዝመስል መሪር ኲናት ዘስዓቦ ለውጢ እንታይ ከም ዝመስል ካብ ዛንታታት ናይ ዓለም ሃሰስ ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ ብድሕሪ መሪር ኲናት’ሲ ሰባትን ሓሳባትን ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንቀሳቐሲ ወረቐትን ዜግነትን፡ ዶባትን ኣስማት ናይ ከተማታት’ውን እንተ ተቐየሩ ዘገርም የብሉን ዝብል ጸብጻብ ይርከብ’ዩ።

   “ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ’ሲ ናይ አውሮጳ ካርታ ብዙሕ’ዩ ተቐያይሩ። ንኣብነት ስተቲን (Stettin) ትበሃል ዝነበረት ናይ ጀርመን ከተማ ዥዘቺን (Szczecin) ተሰምያ ናይ ፖላንድ ኮይና፡ ምስ ፖላንድ እንከላ ዊልኖ ትበሃል ዝነበረት ከተማ ቪልኑኢስ ተባሂላ ናይ ሊቱዋንያ ኮይና፡ ከምኡ’ውን ናይ ጥልያን ፊዩመ ዝነበረት ናይ ዩጎዝላቭያ ኮይና ሪጀካስ ተባሂላ። (4: XX)” ይበሃል።

  እንተ’ዚ ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ውጽኢት ኲናት ናይ ባድመ ተተሓሒዙ ፈኸም ዝብል ዘሎ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ግን፡ ንሓዲሽ ሓሳባትን ሓደስቲ ሰባትን መንግዲ ምሕላፍ ከሊኡ፡ ንመጻኢ ዕድልና ንጎረባብትና ኣማሲሑ፡ ብጎዲብ ካራ ክሓርደና እንተዘይኮይኑ፡ ግብ ዝበለ ጸልማት’ዩ ናይ ምምሕያሽ ኣንፈቱ። ብሰንኩ እኳ ደኣ ብንእስነት ኤርትራውነት ዝምረጽ ዘሎ ምትዕጽጻፍ ምስ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ምስ ዓሳ ነባርን መልኣከ ሞት ናይ ባሕርን ፊት ንፊት ክገጥም ድሕር ዘይብል ወይ ድማ ብናይ በደዊን መጥባሕትን ኣረሜናዊ ግህሰትን ዘይስክሕ ተስፋ ቑርጸት’ዩ ፍሉይ ምልክቱ ኮይኑ ዘሎ።   

     ስለ’ዚ እዚ ዝመጽአ ይምጻእ ካብ ኤርትራ ጥራይ ምውጻእ ዝመስል ናይ ህዝብን ናይ ባህልን ብርሰት ንዓለም እናገረመ እንከሎ፡ ካብ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዝመስል ድሙቕ ስም -brand name- መጽሓፍ መሊኡ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ሓሳባት “Eritrea and Ethiopia – A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution” ብዝብሉ፡ ናይ ታሪኽ በቐጥ ዘይሓኽኩ፡ ንቕድሚት ዝጥምቱ ምሩጻት ናይ ለውጥን ዕርቅን ቃላት ዝጥመር’ዩ ካብ ተባህለ፡ ዋ! ኣንታ ሎምስ ክወግሓልና ግዲ’ዩ! ዘየብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ’ሲ ኣበ’ርኣስቲ እዛ መጽሓፍ ዘሎ ኣበጋግሳ፡ ነታ - ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ብመጽዓን ድያ ብእመት ትእመት ትብል መሰረታዊት ሕቶ፡ መልሲ ዝኾኑ ሓሳባት ዝጥርንፍ ትሕዝቶ ዘለዋ’ያ ትመስል ከም ትጽቢተይ። ካብ’ዚ ትጽቢት’ዚ ብምንቃል እምበኣርከስ፡ ኢሳያስዶ ሕሩይ ወይ ድማ ጀብሃዶ ሻዕብያ ምባል ንእዋኑ ገዲፍካ፡ ከም’ዚ ዝመስል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ንንባብ እንክቐርበልና፡ ብዛዕባ ሂወትና ምሳልና ክንሕውስ’ዩ ዝዕድመና። ከመይ’ሲ መኣዶም በሊዖም ካብ መኣዲ ደቆም እንከቀላውጡ መራሕትና ክሳብ መኣስ’ዮም ሱቕ ክንብል ዝጽበዩና፡ እንድዒ። ስለዝኾነ ድማ፡ ከመ’ርእስቲ እዛ መጽሓፍ ትሕዝቶኣ ክግመት እንተኾይኑ፡ መባኣሲና ፈሊጥናዮ ኢና፡ ግዜና ሰብና ከምኡ’ውን ሃብትና ኣጥፊእናሉ ደኣ’ምበር ደጊም’ሲ መንገዲ ለውጥን ዕርቅን ከም’ዚ ክመስል’ዩ ዝግብኦ ክበሃል ዝድለ ዘሎ’ዩ ዝመስል’ሞ፡ እነሆ ንትጽቢት ናይ ንባበይ ብሕቶታት ከቐድሞ።  

ሀ) ኣብ ስደትን ኣብ መንገዲ ተስፋን ንዝርከብ ሓሳባት ንእስነት ኤርትራውነት መንገዲ መስተርሆት ዝሕብር ወይ ድማ መዓልቦ ዝኸውን ዓውዶ-ዓውዶ ዝምድምድ ሓዲሽ ሓሳብ ይህልዋዶ ይኸውን?

ሁ) ብሰንኪ ፖለቲካ ናይ ባድመ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ተሰጎጉ ኣብ ኤርትራን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ጸኒሖም፡ እንደገና ናብ ኢትዮጵያ ብምምላስ ክጣየሱ እናፈተኑ፡ ኣብ ኮለል ዝዓርቦም ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ መልክዕ ኣቐባብላ ምሳሉ ዝሕውስ ሚዛን ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ይህልዋዶ ይኸውን?

ሂ) ብዓቢኡ ድማ ካብ’ዛ፡ ካብ ደቂ-ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ብምርሓቕ ዝዕቀን ናጽነት ኣምጺአልኩም’የ’ሞ ኣጣቕዑለይ እናበለት ንመጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ንጎረባብትና ኣማሲሓ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ኣሳፊሓ ዘላ ፍልስፍና ዝናን ባህታን ከናግፍ ዝጽዕር፡ ምስ እዋን ናይ ምትዕጽጻፍ ሜላ ትእምፍትዶ ትኸውን?

ሃ) ከምኡ’ውን እዚ  ኲናት ብዘይ ኲናት ኣዊጁ ዝቕጽል ዘሎ ብጎዲብ ካራ ምትሕርራድ ወይ ድም ኣባእሳ ማጉላ ናይ መማህርትን መዓብይትን፡ ጸሓይ ምእንቲ ክበርቀሉ ሓዲሽ ናይ ሰላም ሓሳባት ክዘርኣሉ ዝፍትን ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድል  ትሕብር ዶኾን ትኸውን፡ ካብ ዝብል መንቀል ንባብ ምቕጻል’ሲ ዘይዘራእካዮ ክትዓጽድ ማዕጺድ ምውጥዋጥ ዘስምዕ ኣይመስለንን’ሞ፡ እስኪ እንታ’ዩ ክበሃል ዝድለ ዘሎ ብምባል ዝጀመርኩዎ ክቕጽል።

ስንቂ ቤት ትምህርቲ ንመማህርቲ፡

    ኣብ መስርሕ ምጥጣሕ መንገዲ መጻኢ ዕድል፡ ቤት ትምህርቲ ንመማህርቲ ዘስንቖ ጸጋ፡ ናይ ምትሕልላይን ተሰሓሒብካ ናይ ምዕባይን ጥበብ ኢዩ። ከም ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሕሩይ ተድላ ባይሩን ዝመስሉ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ከምዝምስክርዎ ድማ፡ ብስጋን ብነብስን ወሊዶም ካብ ዘዕበዩና ብዙሓት፡ ኣብ ጎንደር ምስ ደቂ ሓው’ቦታቶም፡ ደቀ’ኮታቶም፡ ደቀ’ሞታቶም፡ ደቂ ሓትኖታቶም ማለት’ሲ፡ ደቂ ስግር ሩባ መረብ፡ መማህርቲ፡ መዓብይቲ፡ መወዳድርትን መሳሕቕትን ምንባሮም’ዩ። “ብ1542 ናይ ነገስታት ኢትዮጵያ ርእሲ ከተማ ዝነበረት ጎንደር፡ ሓንቲ ካብ’ተን ማእከላት መምሃሪ ናይ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ክሳብ ምዃን ስለዝበጽሐት፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኣቕሽሽቲ ኣብ ጎንደር ተተማሂሮም’ዮም መዓርግ ዝለብሱ ዝነበሩ።” (10, 12) ከምኡ’ውን “ሃይለሚካኤል ዑቕቢትን ባይሩ ዑቕቢትን ድማ ከም ስርዓት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ብግዕዝ’ዮም ተማሂሮም።” (10, 11) ብምባል ምስ ደቂ ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ዝነበረ፡ መንፈሳውን ባህላውን ናይ ምንብባር ዓንደ-ገመል ዘድምቕ ኣብነት ካብ ናይ ስድራቤት ተመኩሮ ይውሰኸሉ። ኣቤት ዕድል! ሰላምን ምዕባለን ንዝብህጉ ውሉድ-ውሉዱ ንኣዳም ከም’ዚ ዝመስል ናይ ባህልን ናይ ትምህርትን ምትእስሳር ብቐሊሉ ዘይርከብ! እዚዶ’ይኮነን ጎደና ለውጥን ዕርቅን ዝጸርግ ደቀይ።

     ከም በዓል ሕሩይን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝመስሉ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ግን ብዛዕባ ከም’ዚ ዝመስል ናይ ታሪኽን ናይ ባህልን ምምስሳል ምውጋዕ ከምዝወሓዶም፡ ንሳቶም’ውን፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ናይ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ጎንደር ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ኣለማያ ... ምስ’ዞም ሕጂ፡ ንመሓውር ሩባ-ኣባይ ኣግሪሮም፡ ንደቂ ፈርዖን ድብኦ ጥራይ ቀሩቡላ’ምበር  ሳርማኹም ኣይክትጎድልን’ያ ኣጆኹም እናበሉ፡  ምስ ጂቡቲ ብማይን ብአለክትሪክን፡ ብባቡር ምድርን ባቡር ባሕርን ናይ ምንብባር ጥበብ ኣስፊሎም፡ ሓዲሽ ናይ ደሞግራፍን ጀኦግራፍን ምዕራፍ ዝጽሕፉ ዘለዉ ቀየስቲ ሓሳባት ናይ ስግር ሩባ መረብ፡ መማህርቲ መዓብይቲ መጻውትን መወዳድርትን ከምዝነበርና ፍለጡልና እናበሉ’ዮም ብቓላትን ብመጻሕፍትን ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ዝጀሃሩ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ንዓድን ዓውድን ዘርብሕ ለውጢ ንምምጻእ ንቃለስ ኔርና ኣብ ዝብሉሉ እዋን፡ መጋድልትን ናይ ዕላማ መላፍንትን ከምዝነበሩ ዘኪሮም ንጻዕሮም እንከድንቑ፡ ብኹርዓት ፍንጭሕ ከይብሉ ዘየስግእ መኣስ ኮይኑ ኣተሓሕዛኦም።

   ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ተመሳሳሊ ናይ ወለዶታት ተመኩሮ ብንጽጽር እንክረአ፡ ቀደም ዘመን ብጥዑሙ! ዝነበረ ናይ ታሪኽ መልክዕ፡ ብሓፈሽኡ ጎንደር ኬድኩም እንታይ ኣምጺእኩም ብዝብል ናይ ለውጢ መዐቀኒ ዝንጸባረቕ መንፈሳዊ ቅንኣት ዝዝከር’ዩ። እንተ’ዞም ናይ ምግዳል ሓሳባት ዘንጸፉ መራሕትና ካብ ቤት ትምህርቶም ዝሰነቕዎ ናይ ምርጫ ዓይነት ግን፡ ካብ ደቂ-ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ንምርሓቕ ዝሃልል ፍልስፍና ዝናን ባህታን ከምዝኾነ ዕዮ ምስክሩ፡ ኣዳዕዲዖም’ዮም ዝጽሕፉን ዝምድሩን።

    ኣንጻር ጭቆናን ድኽነትን ዝነበሮም መርገጺ ኣመልኪቶም፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን ትብል ናይ መጻኢ ዕድል ሕቶ ንምምላስ ዘንጸፍዎ ሓሳባት፡ እንተኔሩ፡ እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ትዝ ዝብሎም ኣይመስሉን’ዮም። ሕሉፍ ሓሊፍዎም እኳ ደኣ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ውን “ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ” ብዝመስል ብላይ መስፍናዊ ናይ ትምክሕቲ ኣበሃህላ ንታሪኽ እንክጥብሩ፡ እዞም ናብ ሙሉእ ዓለም ፋሕ ብትን ዝብሉ ዘለዉ ደቂ እዋን ይዕዘቡና’ለዉ ዝብሉ ኣይመስሉን’ዮም።

   ምግናን ዘይብሉ። ጓልና ወድና፡ ዓቢና ንኡስና፡ ከም ዕንጨይትን ጥሪትን ተጠሚርና ብጃላቡ ናብ ባሕሪ እንጎሓፍ ዘለና’ኮ፡ ኣብ ሃገረሰብ፡ ኣብ ህድሞናን ባይቶ ዓደ’ቦናን ዘሎ ናይ ናብራ ድኽነት ስለ ዘሕፈረና ኣይኮነን። ምስ መስርሕ ናይ ምግዳል ዘሎ ናይ ሓሳባት ድኽነት ናይ ምንባር ምርጫ ምስ ከልኣናዶ’ይኮነን። ንሱ ከም ዝወሓደና ድማ ኣብ ስደትና፡ ጽውጽዋይ ኣበራን ኣምሓራን፡ ለውጥን ዕርቅን ክሕብር ዝህንጦ ምስ ዝመስል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ንንባብ ዝቐርበልና፡ እንታይ ክደግመና’ዩ? በደዊን ንውድና ንጓልና ተጋሲሶም እንክጠባብሑና ፈውሲ ቓንዛ ክኾነና ድዩ ዝድለ ዘሎ ወይስ እሉኹ ንምልንቃጥ’ዩ? ሱቕ ጥዑም!

     እዞም መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል እምበኣርከስ መኣስ’ዮም ምስ ሰቦምን ምስ ባህሎምን ዝሕወሱ፡ እንድዒ። ህሉው ኩነታትና ከም ዝምስክሮ፡ ካብ ፈለማ፡ ምግዳል እንከስፍሉ፡ ንሳቶም ኣብ ዙፋን ምእንቲ ክስቀሉ፡ መበቆላዊ ባህልን፡ ናይ ሓባር ረብሓን፡ ከም መሰረት ብዘየንጽፍ ናይ ቂምታ ፖለቲካ ዝተደናገረ፡ ናይ ሕብረተሰብ ዓይነት (alternative society) ክስንዑ ከምዝተመጣጠሩ ጸዓዱን ጸለምትን ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ’ዮም ብኣንክሮ ዘዘኻኽሩ።  

  እቲ ዝገርም ነዛ ሕልሚ’ዚኣ ምእንቲ ከተግብሩ’ሲ፡ ካብ ግዝኣት ንጉስ ዕዳጋ ዝሕብኡ መሲሉዎም ንመንፈሳውን ዓለማውን ትምህርቲ ተሓሲሞም፡ ካብ ዓድን ዓውድን ርሒቖም’ዮም፡ ማፍጦም፡ ማፍጢ ዝናን ባህታን ኩዒቶም። ደሓን ኣይትእቶ! እዛ ናይ በረኻ ማፍጢ እዚኣ፡ ሓንቲ ልቢ ሓደ ህዝቢ ምእንቲ ክትምልምል ኣሽሓት ልብታት ቁልው ቁልው ኣቢላ’ያ ንእልፊ ኣእላፋት ኣተዓሻሽያ። ዝገደፈት ዘይብላ። ኣማስይኡ ግን፡ ናብ ግዝኣት ንጉስ ዕዳጋ ምምብርካኽ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ምስተገንዘቡ፡ ካብ ጌግኦም ከይተኣረሙ ከደናግሩ፡ ውጥም ቅልቅል’ኳ እንተበሉ፡ ምስ ቤተሰቦምን ምስ ባህሊ እንዳ መዓለ’ቦኦምን ምሕዋስ ኣጊሙዎም፡ እነሆ ብኾቦሮን ዓዋተ ብዝተኮሳ ጥይትን ክሓስቡ፡ ካብ ስግኣትን ድኽነትን ከይተገላገሉ፡ ንዓድን ዓውድን ተነጺፎም በብሓደ ይሓልፉ።

      ብዘይ ምግናን’ምበኣርከስ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ክሳብ ሕጂ ካብ እዋን ኣይከሰቡን። ዝገደደ ድማ እዛ ንእዋን ሕምብዚዝ ኣቢላ ፋሕ ብትን ተብለና ዘላ ናይ ሓሳባት ድኽነት እናረኣዩ፡ ንድሕሪት ተተመሊሶም ኣሕ ክብሉን፡ ኢሳያስ ዝበሃል ውልቀ- መላኺ’ዩ ጉድ ጌሩና ክውስኹሉን እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ሰቦምን ምስ ባህሎምን ዘባተኾም ጠንቂ ዝስቆሮም ኣይመስሉን’ዮም። ግደ ሓቂ’ሲ ምስ’ቲ ካብ እዋን ናይ ቤት ትምህርቶም ኣትሒዙ፡ ዝሃለለ ፍልስፍና ዝናን ባህታን፡ ዘሎ ናይ ባህሊ ንዕቀት’ዩ መንቁ።   ነዚ ፍልስፍና’ዚ መሰረት ብምግባር፡ ካብ ምጅማር ክሳብ ምፍጻም፡ ብግብርን ብሓሳባትን ወሳኒ ግደ ዝተጻወቱ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ትምህርቶም ከይወድኡ፡ ዕዮ ምስክሮም ባዕላቶም ዝፈረሙ ተመሃሮ እዮም። እዚኣቶም፡

ብሕልና ደቂ ኣሉላ

ብኣፎም ደቀ’ስመራ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጭራ፡

ከም ዕዋላ

ካብ እንዳ ሲነማ

ምስ ተለቅሑ ኣሎራ

ዓባዮም ቆጸሩዋ ንሲኞራ።

ሻቡ፡ ፍሉያት ኢና

ምስ ሓበሻ ከይትሕውሱና

 ወሰኹሉ’ሞ፡ ምእንቲ ክጥዕሞም

ናብ ሸዋ ዝገዓዘት ናየ’ኽሱም ዝና

ከም መሽረፈት ተቖጺራ

ፈረሶም ተወጥሑ ኣንጻር ኣምሓራ

ክሳብ ዝባራዕ እሳተ ጎመራ።

ከምስስሉ ሓዳስ ባንዴራ

ምስ ተሰከሙ ከም መውጻእቲ ሓራ

ዓድን ዓውድን ስለ ዝተደናገራ፡

ባህላ ተቐይራ

                                                        ተባህለት’ሞ ሓዳስ ኤርትራ’ዩ

እዋን ተደናጊራ

ይሓስየና’ሎ ኣደራዕ ምስ መከራ።

   ደቀ’ስመራ፡

ጀነራል የማነ ኪዳነ (ጃማይካ) ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝበሎ፡http://www.lazatigrigna.com/watch.php?vid=eda3b78c2 ንሱን ፕረሲደንት ኢሳያስን፡ ወተሃደር ራእሲ ኣሉላ ኮይኑ መረብ ዝተሳገረ ናይ ትውልዲ ሓረግ ዝጠምሮም ደቀ’ስመራ ምዃኖም ኣነጺሩ’ሲ፡ ናይ ስጋ ዝምድና ዘለዎም መተዓብይቲ ምዃኖም ይምልኣሉ። ጃማይካ ብፍላይ ናይ ምግዳል መንፈስ ከመይ’ሉ ከምዝሰረጾ እንክዝክር፡ ኣግፊሑ ክዓምም ዝሓልም ኣህጉራዊ ዝምባለ ከምዝነበሮ ይዝክር’ዩ። ናይ ልቡ ክፍጽም ምስ ነቐለ ድማ፡ ካብ ጃማይካ ብቦስቶን ኣመሪካ’ቢሉ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዓለበ። ኣብኡ ምስ በዓል ኢሳያስ ሕድር-ውዕል ምስበለ ግን፡ ምስ ኢሳያስ እንተጸሚዱ፡ ኮኾቡ ከም’ታ ዝብህጋ ከምዘይትደምቕ ተረዲእዎ ግዲ ኮይኑ፡ መረብ ተሳጊሩ ተወሳኺ ቃልሲ ከሳውር ነዊሕ ኣይወሰድሉን። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ በረኻ ኣይተረፈን፡ ካብ’ቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዃን በቒዑ፡ ናይ ታሪኽ ምስክርነቱ ከካፍል ጀሚሩ’ሎ። ዝቕጽል ይግበሮ። ስለ’ዚ፡ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ጃማይካ ድማ ስግር ሩባ ነናቶም ስልጣን ዘጣጥሑሉ ጉዕዞ፡ ህድእ ኢልካ እንከተስተንትኖ፡ እቲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ብህርፋን ዝናን ባህታን ዝሳዕረረ ፍልስፍና ተዓብሊሉ ከምዝተሳወረ ዝሕብር’ዩ ዝመስል። ጌጋ’ኽለኣለይ!

   ሕሩይ’ውን ኣብ እዋን ትምህርቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቱ ኣብ ዓዲ የሕልፎ ኔረ ስለዝበለ፡ ንርእሱ ከም ሃገረሰብ ጸብጺቡ’ዩ’መስለኒ፡ ኣብ ገጽ 241 ናይ’ዛ መጽሓፉ፡ ናይ ኤርትራ ታሪኽን ባህልን ካብ ሱሩ ቦርቊቖም ንምጥፍኡ ዝተበገሱ ሰባት፡ ዝሓሰብዎ ምእንቲ ክሰልጦም፡ ነቶም ሕጊ ዝምእዘዙ ደቀ’ባት፡ ድሑራት’ዮም ንምባል’ሲ ሃገረሰብ ብዝብል ቅጽል የቆናጽብዎም ከም ዝነበሩ ዘኪሩ፡ ነቶም ከተመኛታት፡ መበቆሎም ዘይፍለጥ ደቀ’ስመራ (The rootless urbanized “Asmarinos”) ብምባል ካብ ነብሱን ካብ ቃልሱን ኣርሒቑ ሃፍ ከብሎም ይፍትን። ጽንሕ ኢሉ ኣብ ገጽ 243 ድማ “Eritrean manpower was imprisoned by the Adi system until Italian colonialism released it by introducing a, modern, labor market.” ይብል። እዝግዮ!  ናይ ኤርትራ ሰብኣዊ ዓቕሚስ ናይ ዓድታት እሱር’ዩ ዝነበረ ይበሃል። መግዛእቲ ጥልያን’ዩ ፋብሪካታት ከፊቱ ካብ ሰንሰለት ማእሰርቲ ናይ ዓድታት ገላጊሉዎ ይበሃል። ብዛዕባ’ዛ ገዲፍናያ ዝመጻእና ኤርትራዶ’ይኮነን ዝዝረብ ዘሎ?

     ኣቤት ጉድ! ቅድሚ ኹሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ካብ ሚእቲ’ዩ ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ ዝነበረ? እዚ ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ብንጽጽር ምስ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ እንክረአ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ጥልያን ፋብሪካታት ስለዝሃነጸ ኣብ ናብራ ናይ ከተመኛታት ዝሰረጸ ለውጢ እንተኔሩ’ውን ከም መለክዒ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ከስምዕ ኣይክእልን’ዩ። ደሓር ከኣ እቶም ከተመኛታት (urban resdints = rootless Asmarinos p. 241) መበቆሎም ዘይፍለጥ፡ ንባህልን ታሪኽን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቕይሩ ድቃስ ዝሰኣኑ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት እንተኔሮም፡ (in their drive to eradicate Eritrean history and culture p. 241) እቶም ኣብ ናይ ጥልያን ፋብሪካታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ንሳቶምዶ ኣይኮኑን። እስኪ ወላ ንጣዕመ ልሳን፡ ሳላ ፋብሪካታት ናይ ጥልያን ናይ’ዚኣቶም ሂወት ተቐይሩ’ዩ ንበል። ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ለውጢ’ዚ ከም መለክዒ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ/ኤርትራዊ ሰብኣዊ ዓቕሚ (labor market) ክኸውን ኣይበቅዕን’ዩ።

   ካብ’ዚ መምዘኒ’ዚ እንተተነቒሉ፡ ሕሩይ ኣነ’ኮ ከም በዓል ጃማይካን ኢሳያስን ወተሃደር ናይ ኣሉላ ኮይኑ ሩባ ዝሰገረ ናይ ትውልዲ ሓረግ ኣይጠምረንን’ዩ ክብል ይኽእል ይኸውን’ዩ። ከም ትሕዝቶ መጽሓፉ ግን፡ ኣተሓሳስብኡ ልክዕ ከም በዓል ኢሳያስን ጃማይካን ህዝቢ ኤርትራ ማለት ህዝቢ ኣስመራ’ዩ ዝመስሎ፡ ውደ’ስመራ’ዩ። ነዚኣቶም ናይ ኤርትራ ምዕባለ ማለት ኣብ ከተማታት ብዝነበረ ናይ ጥልያን ፋብሪካታት ዝልካዕ’ዩ ዝመስሎም። ስለ’ዚ ሕሩይ ኢሳይስ ከምኡ’ውን ጃማይካ ብዛዕባ ኣብ ሃገረሰብ ወይ ድማ ኣብ ዓድታት ናይ ኤርትራ ዝነበረ ህዝብን ናብርኡን ክፈልጡ ዝደልዩ’ውን ኣይመስሉን’ዮም። ብዘይምግናን ዝናን ባህታን’ዩ ሕልሞም።

    ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ፖለቲካ ናይ’ዞም ደቀ’ስመራ ኣመልኪቱ ማርቲን ፕላት ትዕዝብቱ እንክሕውሰሉ፡ “ሻዕብያ ንወያነ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ጥራይ ዘይኮነ፡ የማነ ኪዳነን (ጃማይካ) መሓሪ ሃይለን (ናይ ሜዳ ስሙ ሙሴ) ዝበሃሉ ክልተ ዓበይቲ ኣባላታ’ውን ከም መራሕቲ ሂባታ’ያ”፡ ይብል። (5, 16) ነዚ ሓሳባት ምጥርናፉ ምእንቲ ክጥዕም ንመሓሪ ሃይለ’ውን ልክዕ ከም ጃማይካን ኢሳያስን እቲ ወተሃደር ናይ ራእሲ ኣሉላ ኮይኑ ሩባ ዝሰገረ፡ ናይ ትውልዲ ሓረግ ይጥርንፎ ኢዩ።

     ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ፡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዓድን ዓውድን ናይ ኤርትራ ካብ ዝነበረ ባህልን ልምድን ዝረሓቑ፡ ደቀ’ስመራ ኢና በሃልቲ ከም ዝነበሩ ንምዝኽኻር’የ ኣልዒለዮም። ምናልባት ምስኡ ኣልግብ ኣቢለ ድማ እዚ ብስም ባድመ ናይ መን’ያ ዝተኣጉደ ሓዊ፡ ውሽጣዊ ትሕዝትኡ፡ ካብ እዋን ምግዳል ኣትሒዙ ኣብ መንጎ መዓብይትን መማህርትን ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ ዝና ዕማም’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ንምፍላይ ዝግበር ኲናት’ዩ ዝተባህለሉ።

  ብዘይምግናን ግን እዞም ደቀ’ስመራ እዚኣቶም ደቂ ኣሉላ’ኳ እንተኾነ መበቆሎም፡ ካብ እንዳ መዓለ’ቦኦም ካብ ኣምሓራ ምእንቲ ክርሕቁ’ሲ ምስ ፈረንጅን ኣዕራብን’ዮም ዝተላፈኑ። ዝሓሰብዎ ምእንቲ ክፍጽሙ ድማ ሃጸይ ምንሊክ’ኮ ናይ ኣኽሱም ዘውዲ መንጢሎም’ዮም ናብ ሸዋ ወሲዶማ ክብል ኣንጻር ኣምሓራ ሱር ዝሰደደ ናይ ቂምታ ፖለቲካ፡ ናብ ናይ ስልጣኖም መጣጥሒ ኣውዒሎሞ። ሕር-ሕራይ ጌሮም ድማ ጸላእን ኣምሓራን ዘመሳስል መጣጥሒ ስልጣን ናብ ዓድን ዓውድን ናይ ኤርትራውነት ኣስሪጾሞ።

   ከም ርኢቶይ፡ እዛ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ፍሕት ምባል ከሊኣቶ ዘላ ናይ ሓሳባት ሰልሚ፡ ናይ’ዚ ኹሉ ሓጢኣት ተሰካሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ጥራይ ኢዩ። ሕሩይ’ኳ ኣብ ገጽ 211 ናይ መጽሓፉ (Step by step Isayas dismantled the democratic institutions of the EPLF.) ይብል። እንዳ ህዝባዊ ግማብር’ሲ ‘demeocratic institutions’ ኔሩዎ እንተኾይኑ ህሉው ኩነታቱ ዝምስክረሉ ኣይመስለንን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል’ዩ ተባሂሉ ምሕላፉ ይሓይሽ።

    ብዘይምግናን ግን ነዛ ሸፍጥ’ዚኣ ዝፈጠርዋን ዝደጋግምዋን እቶም ኣብ ወርቃዊ-እዋኑ ኢሳያስ ኣይሓምም ኣይመውት፡ ኣብ ስራሕ ኣይጋገ ኣይደክም፡ ኣይስስዕ ኣይሰርቕ፡ ኣይኮነን መተካእታ ምኽትል’ኳ ዘይሕሰበሉ መራሒ’ዩ ዝብሉ ዝነበሩ መሳለጥቲ መደባቱ ነበር እዮም። ንሳቶም’ዮም ብጣቕዒቶም መዋርዶ ናብ ዘይተቐረበሉ ጸድፊ ሰቒሎም ሓንጊሮሞ ካብ በረኻ ናብ ዓዲ ዝኣተዉ። ዳርጋ ኩላቶም ድማ ክሳብ ውጽኢት ፖለቲካ ናይ ባድመ ተረባሕቲ ወይ ድማ መኻፍልቲ መኣዱ ዝነበሩ እዮም። ሕጂ’ውን እዛ ናብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ኣስሪጾማ ዘለዉ ፍልይቲ ኣበሃህላኦም፡ ነቲ ጻዕሪ ክሳብ ክንደይ ትሓላልኾ ከም ዘላ ጠፊእዎም ኣይኮነን። ከም ኣመሎም ግን ብጌግኦም ምእንቲ ከይኣምኑን ካብ ተሓታትነት ምእንቲ ክሕብኡን ዝፈጠርዋ ሸፈጥ ኮይና፡ ክሳብ መዓልታ ነተ’ሓሳስባና ቀይዳ ሕምብዚዝ ከተብለና ክትቅጽል’ያ።

መስተርሆት!

    ብዘይምግናን እምበኣርከስ፡ ንሰብ ጽቡቕ ፍቓድ መንገዲ መስትርሆት እትእምት ኣፋፍኖት፡ ኣብ’ታ ኢትዮጵያ ዝበሃል ጸላኢ’ለና ትብል እምንቶ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምስ ዝሰፍነላ፡ እትኽፈት ናይ ባህሊ ማዕጾ ኢያ ዘላ። ንምድጋሙ ዝኣክል እታ ነዚ ኹሉ ዕንክይክይ ዘብለና ዘሎ ኳዂቶ ዝዘርኣቶ ሕቶ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ብመጽዓን ድዩ ብእመት ዝእመት ትብል ናይ መሰል ሕቶ ኢያ ኔራ። በቶም ትምህርቶም ከይወድኡ ዕዮ ምስክሮም ባዕሎም ዝፈረሙ ተመሃሮ ተጨውያ’ምበር። መዋእልና ከም ዝምስክሮ ድማ፡ መስርሕ ናይ ምግዳል ንኢትዮጵያ ከም ጸላኢ ኣእሚኑ፡ ልቢ ናይ ብዙሓት ብማፍጡ ኣሕሪሩ፡ ብምርጭኡ ን30 ዓመታት ካብ ባህሊ እንዳ መዓለ’ብኡ  ሓኪሉ’ዩ  ዘይምሱል መሲሉ

  ከም ውጽኢቱ ድማ ሓንካስ በዓል ምርኩስ’ኳ ዘይተረፈ። ዝኸኣለ ዘበለ ይስደድ’ዩ ዘሎ። እቲ ዝበዝሕ ከኣ፡ ናብ’ቲ ይብጽሓኒ’ዩ ዝብሎ ህዝቢ (sense of belonging) ናብ ኢትዮጵያ’ዩ ዝውሕዝ ዘሎ። ከም ርኢቶይ ኣብ’ዛ ኩርናዕ እዚኣ’ያ ንለውጥን ዕርቅን እተድምዕ ምትዕጽጻፍ ተሓቢኣ ዘላ። እዚኣ’ያ መጽሓፍ ውዕል ናይ ኣልጀሪስ ዘይግንጸለላ እንተወሰኽኩላ’ውን ብዙሕ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ብኻልእ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓልብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ዓዱ ዝምለሰሉ ዕድል ክሳብ ዝበርቀሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልቡ ዝረግኣሉ ናይ ስራሕን ናይ ምንባርን ባይታ እንተተነጺፉሉ፡ ቤተ መንግስቲ እንዳ ዝናን ባህታን ብዘይ ውግእ ወይ ክፈርስ’ዩ ወይ ድማ ንሓዲሽ ሓሳባት ክርዕም’ዩ፡ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን።

  ኣይተረኽበትን ደኣ’ምበር፡ እንተትርከብ ኔራስ፡ እዛ ጻዕሪ’ዚእ እንተ በዝሐ ኣቕሽሽትን ዓበይቲ ዓድን’ያ ተድክም’ምበር፡ ሰበስልጣን እንዳ ኢሳያስን እንዳ ጃማይካን ካብ ስራሕ ኣይተብኩርን’ያ። ነዛ ቀላል ኣገባብ’ዚኣ ኣልዒሎም ጋሸ! ዘበርጋ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝጸሓፍዎ “ስደተኞች ዒላማ በማድረግ ከኣገር ቤት ዘመዶቻቸው ጋር ግንኙነቶችን በመፍጠር የዲፕሎማሲውን ምሕዳር ለመጠቀም የሚረዱ ተግባራት ሲከናወኑ ኣልታዩም። የሁለቱን ኣገራት ምሁራን በተለይም ከውጭ የሚገኙትን መሰረት በማድረግ በሁለቱም ኣገራት የወደፊት ግንኙነት ኣስመልክቶ ምን ማድረግ እንድሚበጅ የሚያመልክቱ እንቅስቃሴዎች በስፋት ሲካሄዱ ኣልታዩም።”  (9፡ 7) ይብሉ። ሓቆም’ዮም ዘበርጋ፡ ካብ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን እንተ ዘይተነቒሉ፡ ለውጥን ዕርቅን ኣብ ህዝብን ኣብ ባህልን’ዩ ዘሎ። ጥይትን ወተሃደርን ሰላም ከምዘየምጽእ’ኮ ብተግባር ተመስኪሩ’ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ዝሓለፈስ ሓሊፉ’ሎ፡ ደሃይ ባህልን ህዝብንከ ከመይ ኣሎ ንምባል እንተ ተሰማሚዕና ናብ’ቲ ቐንዲ ትሕዝቶ ናይ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍ ክንምለስ ኢና።

 ዝኣኽለን ጥሒነን’ሲ በዓለማርያም ይብላ!   (ምስላ)

 ጸሓፋይ ሕሩይ ተድላ፡ ኣብ’ዛ ሓዳስ መጽሓፉ ከም ዘዘንትዎ፡ “ክረምቲ ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ፡ ስድራና ካብ ከተማ ንዓዲ ይሰዱና ኔሮም። ስለ’ዚ እቲ ከምኡ ዝበለ ኣጋጣሚ ደቀ’ኮ’ሞ ደቂ ሓውቦታት ከምኡ’ውን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ኣብ ገረሚ (where the patriarch Bairu ruled) ንራኸበሉ ጥዑም እዋን’ዩ ዝነበረ። ብፍላይ ንኣይ ከም ቦኽሪ ዓይኖም መጠን ምስ ዓበይቲ ኮፍ ንኽብል ሓለፋ ይወሃበኒ ስለዝነበረ ድማ ብንእስነተይ ናይ ሓላፍነት መንፈስ ንኽሓድረኒ ሓጊዙኒ’ዩ። ብተወሳኺ እዚ ኣብ ገረሚ ነሕልፎ ዝነበርና ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ፡ ብዛዕባ ቅርጺ ምንብባር ናይ ሃገረሰብ ኣብሪሁለይ ኢዩ። እዚ ተሞኩሮ’ዚ ሰውራዊ መልክዐይ ቀሪጹ፡ ስትራተጂ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘዋደድኩዎ፡ ራእይ መጻኢ ዕድል ኤርትራውነት ንኸርቅቕ ኣኽኢሉኒ ኢዩ።” (ገጽ 25-26) ይብል።

    ሓቁ’ዩ ሕሩይ። መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ባህሊ እንዳ መዓለ’ብኡ ዝሕሰም፡ ኣማራጺ ናይ ሕብረተሰብ ዓይነት ክስንዑ፡ ከም ዝሃለሉ ክትምስክር ንእዋን ዘይተፈቕደላ  ኮይኑ’ምበር፡ ንሱን መማህርቱን ተመሃሮ እንከለዉ ዝነበረ ናይ እዋን ኩነታት፡ ምስ’ዚ ውጽኢት ናይ ሓሳቦም ኮይኑ ዝህወጽ ዘሎ መዋእልና ብንጽጽር እንክረአ፡ በቲ ዝብህግዎ ቋንቋ ምዝካሩ ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡  ላ’ዶልቸ ላ’ቪታ’ዩ ዝነበረ። ስለዝኾነ ድማ፡ ቤት ትምህርቲ ንዕረፍቲ ምስ ተዓጽወ ናብ ዓዲ ብምኻድ፡ ሻኲን ቡሻን ... ምጽዋት፡ ሰዊት ምብላዕን ጸባ ምስታይን፡ ከምኡ’ውን ዛግራን ሰሰሓን ምህዳን .. ልሙድን ጥዑምን’ዩ ዝነበረ። እንተ ብዓስከር እንተ ብኳደረ ጎምበለ ረኺበ ኢልካ ምግፋፍ ዘይነበረ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ብጉዳይ ዓዶምን መጻኢ ዕድል ናይ ውሉዶምን ክመያየጡ እንከለዉ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ኢልካ ብምስማዕ ዝቕሰም ትምህርቲ ክንደይ ክቡርን ሃናጽን’ዩ ኔሩ። ሱቕ ጥዑም!

    ዝኣኽለን ጥሒነን’ሲ በኣለ ማርያም ይብላ ከምዝብሉ መሰልቲ እምበኣርከስ፡  እዚ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ወለዲ ርስቲ፡ ኣብ ዓዲ፡ ንህዝቢ ሓቚፉ ዘነባብር ዝነበረ መንፈሳዊ ሞራላዊ ከምኡ’ውን አኮኖምያዊ ሕግን ወግዕን (culture, trust & institutions) መን ድዩ ደምሲስዎ? እቶም ብማያት ሩባ መረብ ዶብ ጠሪሮም መፋጥርትን መናብርትን በታቲኖም ተባሂሎም ዝምረሩ ፈረንጅን ናይ ሸዋ ነገስታትን ዘይኮኑ። ምናልባት’ውን እቶም ድሕሪ 30 ዓመታት ናይ ምግዳል’ዮም ተሳዒሮም ዝበሃለሎም ዘውድን ደርግን ከምዘይኮኑ ዘጠራጥር መኣስ ኮይኑ። ወይስ እዚኣ’ውንዶ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ናይ ባድመ ባርዕ ሓሙኹሽቲ ጌሩዋ’ዩ፡ ዝመስል ሕማም ደሓር ናይ ምግዳል ከንጸላልዋ’ዩ ትጽቢት ክግበረላ ዝድለ ዘሎ?

  ብዘይ ምግናን ካብ’ቶም ገዛእትን ባዕዳውያንን ተባሂሎም ኣብ መስርሕ ምድቋስ ኤርትራውነት ዝምረሩ፡ ብዝኸፍአን ብዝመረረን ኣገባብ፡ ንባህሊ ዓደ’ቦ ካብ ሱሩ ካብ መሰረቱ ቦርቊቑ ክጉሕፎ ዝጸዓረ፡ ጀብሃን ሻዕብያን ኣንዳበለ ዘታለለ ፍልስፍና ዝናን ባህታን’ዩ። ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ መስርሕ ናይ ምግዳል ካብ በረኻ ናብ ዓዲ ካብ ዝኣቱ ርብዒ ዘመን’ኳ እንተተፈቕደ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ብባይቶን ሕጊ’ንዳ’ባን ዝእለ ናይ ምንብባር ጥበብ ከመይ ድዩ ዝመስል ዝነበረ ብምባል ነብሱ ክፈቅድ ከምዘይጀመረ፡ ምስክር’ዩ ኣብ ሳዋ ዝተማህረ።

   ብሓጺሩ ብባይቶ ዓዲ ዝምእከል ዝነበረ ወርቃዊ ወግዕን ባህልን ናይ እንዳ’ባ እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ምምልካት ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ “ኣብ ሓማሴን ስርዓት ሃብስሉስ ገብረክርስቶስ፡ ኣብ ሰራየ ሕጊ ኣድከመ ምልጋ፡ ኣብ ኣከለ ጉዛይ ድማ ምዔን መሓዛን ኣድግና-ገለባ ዝበሃሉ ስርዕታት ናይ እንዳ’ባ፡ ኣብ’ዘን ቦታት እዚኣተን ንዝነብሩ ህዝብታት ናይ ኤርትራ ምስ ህዝብታት ናይ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስሮም ናይ መንነት ሰንሰለት ብንጹር ይሕብሩ እያቶም።” (8፡ 76) ዝብል ምስክርነት ኣሎ። ስለ’ዚ ከም’ዚ ዝመስል ታሪኻዊ መሰረት ዘለወን ዓድታት ናይ ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ካብ ትምህርቲ ጎንደርን ደቂ ጎንደርን ምርሓቕ ከም መንቀሊ ሓሳባት ናይ ናጽነት ኣንጺፉ፡ ኣማራጺ ናይ ሕብረተሰብ ዓይነት ክስንዕ ዝሃለለ ፍልስፍና ዝናን ባህታን፡ ክቃዶ ኣይክእልን’ዩ ኣተኣላልያ መጻኢ ዕድለን።

    ብዘይ ምግናን እምበርኣርከስ ኣብ ዓድታት ናይ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ምንብባር ጥበብ ነዊሕ ኣገልጊሉ’ዩ። እቶም በብእዋኖም ምእንቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ’ቲ ከባቢ ዝተቐላቐሉ ባዕዳውያን’ውን ትሕዝትኡ ርእዮም ኣይተጻብእዎን። ብንጽጽር እንክረአ ግን ትሕዝትኡ ርእዩ ለይትን ቀትርን ክድምስሶ ዝተሃላለኸ ሓይሊ፡ መስርሕ ናይ ምግዳል’ዩ። እዚ ህልኽ’ዚ ምስ ምሉእ ዕድመ ናይ’ቲ መስርሕ ዝመሓዘ ዕድመ ኣለዎ። ጀብሃን ሻዕብያን’ውን ኣይፈልን’ዩ።

   ከም ውጽኢቱ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነ ፍርዲ ንጉስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ እነሆ ናይ ባይቶ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ እቲ ኣብ ምንጻፍ መሰረት መጻኢ ዕድል ናይ ሕብረተሰብ እምኒ ኩርናዕ’ዩ ዝበሃለሉ ስድራቤት’ውን ዝተረፎ የብሉን፡  እናሓደረ ክፍንጣሕ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ምናልባት እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ባይታ እንከሎ፡ ከም’ዚ መጽሓፍ ሕሩይ ዝሕብሮ፡ ናብ ዓዲ ብምኻድ ባይቶ ውረዱ ንምባል ዝፍተን እንተኾይኑ ግን፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ ዝብል ምስላ ዘዘኻኽር ድፍረት’ዩ ዝመስል። ሓቂ ምዝራብ ከም ድፍረት እንተዘይተቖጺሩ’ሞ፡ ናይ ዓዲ መልክዕ ንምግማት ጸብጻብ ክግበር ዝፍቀድ እንተኾይኑ ከኣ፡

ሀ)  ከም’ቲ ናይ ቀደም ከም’ቲ ልሙድ ዝነበረ ባህሊ፡ ኣቦን ኣደን ተደጋጊፎም ዘዕብይዎም ዉሉድ ክንደይ ካብ ሚእቲ ምተገመቱ?

ሁ) ዘኽቲሞም፡ ብዘይ ኣቦን ኣደን ዝዓብዩ ውሉድ ክንደይ ካብ ሚእቲ ምተገመቱ?

ሂ) ኣደታቶም ወይ ድማ ኣቦታቶም ጥራይ ዘዕብይዎም ውሉድ ክንደይ ካብ ሚእቲ ምተገመቱ?

ሃ) ንዓቕመ ኣዳም በጺሖም፡ ተመርዕዮም ሰሪሖም ዝኣትዉ ዘለዉ ሰብኣይን ሰበይትን  ክንደይ ካብ ሚእቲ ምተገመቱ?

ሄ) ከይወለዱ ዝኣርጉ ኣወዳትን ኣዋልድን ክንደይ ካብ ሚእቲ ምተገመቱ?

ሆ) ምናልባት ኣብ’ዛ ተበጺሓ ዘላ እዋን ሰላም እንተዝኸውን ኔሩኸ፡ ቁጽሪ ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ምተመጣጠነዶ?

  ብሓፈሽኡ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ዝረአ ገምጋም፡ መብዛሕትአን ዓድታት ናይ ኤርትራ ኣዝዩ ብዘስደምም ፍጥነት ይቕህማ ከምዘለዋ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝሰማምዓሉ ገምጋም’ዩ። ካልእስ ይትረፍ፡ ሬሳ ዘልዕል ወይ ድማ መቓብር ዝኹዕት ዓቕሚ ዘለዎ ሰብኣይ ውሒዱስ እዚ ብሰብኡት ጥራይ ዝዕመም ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ዓይነት ኣንስቲ ኢደን ክሕውሳሉ ይግደዳ ከምዘለዋ ይንገር’ዩ። አረ ኣብ ገለ ገለ ዓድታት’ሲ ካብ ከተማ ዝመጽኡ ቀባሮ ጽባሕ ንዝመውት ሬሳ ዝኸውን መቓብር ኲዒቶም ንኸተማ ዝምለሱሉ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን ይንገር’ዩ።

    ብሓጺሩ’ሲ መስርሕ ናይ ምግዳል ባህላዊ ርስቶም ንዓድታት ናይ ምዕቃብ መደብ ኣይነበሮን። በ’ንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ትዕዝብቲ ማርቲን ፕላት ከምዘነጽሮ  “ምስ ሱዳን ዝዳወብ ገዚፍ ክፋል ናይ ምዕራባዊ ኤርትራ፡ ብጎቦታትን ብምድረበዳን ዝተዓብለለ ኢዩ። እዚ ቦታ’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ምግዳል ስለዝነበረ፡ ደጀን ናይ’ቲ መስርሕ ኮይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብኡ ሱር ሰዲዱ ከስፋሕፍሕ ዝተፈተነ ናይ ምምሕዳር ዓይነት ግን ኣዝዩ ረቂቕ ኮይኑ፡ ኣማራጺ ናይ ሕብረተሰብ ዓይነት (alternative society) ንምኹስኳስ’ዩ ክመጣጠር ዝፈተነ።” (5: 112)  

   እዚ ናይ ስልጣን መጣጥሒ ሜላ’ዚ፡ ዝወቐሮ ኣእምሮ -ንሕናን ንሳቶምን - ክብል ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ’ውን፡ ገባርን-ተጋዳላይን እናበለ፡ ንዓድን ዓውድን ምሰ’ደናገረ፡ ምትእምማን ጠፊኡ፡ ምክሳስ በዚሑ፡ ምጥልላም ሰፊኑ፡ ነውርን ንቡርን ከየረፉ’ዮም ተሓዋዊሶም። ንኽትኣምኖ ብጸግም ኣገባብ፡ ኣብ ሲናይን ኣብ ሊብያን ንዝተጨውዩ ሰባት መልቀቒ ዝኽፈል ገንዘብ፡ ኣብ ገጠራትን ሽንጭሮታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣበ’ስመራን ካልኦት ከተማታትን ክሳብ ምፍጻም’’ዩ ሰብ ተረሓሒቑ ዘሎ። ብሓጺሩ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ንስልጣን ዘምልኽ፡ ኣማራጺ ሕብረተሰብ ከምዝሰንዐ ንምርግጋጽ፡ ፍሉይነቱ ከድምቕ ክሳብ ክንደይ ካብ ክውኑነት ከምዝረሓቐ፡ ጭካነኡን ኣወዳድቕኡን ህያው ምስክር’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር ብሕጂ’ውን ንስሓ ዝምረጽ እንተኾይኑ፡ እተን ተሪፈን ዘለዋ ኣደታትን ዓድታትን ማዕጾአን ክፉት’ዩ ንዉሉደን ብዕልልታ ክቕበላ።    

   መስፍንነት፡

ኣብ ገጽ 34 ናይ’ዛ መጽሓፍ ተተንቲኑ ከምዘሎ፡ ንዓዲ ዝወሃቦ ሚዛን ንኡድን ክቡርን ኢዩ። ከመይ’ሲ ናይ ኤርትራ ማሕበረሰብኣዊ ቅርጺ (The Eritrean Social Structure)ንባዕለን ብዘመሓድራ ዓድታት ዝተሃንጸ ኢዩ። ኣብ ዓድታት ናይ ኤርትራ ዋንነት መሬት ማሕበራዊ ስለዝኾነ መስፍናዊ መደብ ክበቁል ኣየፍቅድን’ዩ፡ ይብል።

    ምናልባት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ’ምበር ኣብ ኤርትራስ መስፍንነት ኣይነበረን ብምባል ፍልልይ ኣቐራርጻ ማሕበረሰብኣዊ መልክዕ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምንጻር እንተኾይኑ ክመጣጠር ዝፍትን ዘሎ፡ ኣብ ገጽ 11 ናይ’ዛ መጽሓፍ ዘሎ ምስክር፡ “ክሳብ ምቕልቃል ህዝባዊ ግምባር እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ገረሚ ብስድራቤት እንዳ ትኳቦ’ዩ ዝውነን ዝነበረ” ዝብል ታሪኽ የቕርብ’ዩ። (ባይሩ ዑቕቢት ትኳቦ ገጽ 11) ብሓጺሩ ምስ ምውናን ናይ መሬት ዝተኣሳሰር መስፍንነት ኣብ ኤርትራ’ውን ከምዝነበረ ስድራቤት እንዳ ትኳቦ ኣብ ገረሚ ዝነበሮም ታሪኽ ንእሽቶ ምስክር ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ብደረጃ ናይ ዓድታት ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ካብ’ተን ኣብ ስግር ሩባ መረብ ዝነበራ ዓድታት፡ ካብ ዝፈላለየሉ ዝመሳሰለሉ ከም ዝበዝሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣማራጺ ናይ ሕብረተሰብ ዓይነት ምስናዕ’ዩ ኔሩ ዕላማና ክበሃል እንተዘይተደልዩ።

  ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ኣነነትን!   

 “ከም መራሕ መንግስቲ ስርሖም እንክጅምሩ ተድላ፡ እቲ ቀዳማይ ዕማሞም ገይሮም ዝወሰድዎ ምህናጽ መንግስታዊ መሳርዖም ነበረ።... ኣብ ኣመራርጻ እቶም ሰበስልጣን ተድላ ንደቂ ኣውራጃኦም ዘመዶምን ንደቂ ሃይማኖቶምን ኣዳልዮም ዝብል ትሕም ትሕም ኣይተሳእነን።” (7፡ 266-267) ዝመስል ክስተት ከም መንቀሊ ናይ ንባብ ክለዓል ዝፍቀድ እንተኾይኑ፡ ..... መራሕ መንግስቲ ተድላ ብሃይማኖት ከኒሻ ብኣውራጃ ድማ ካብ ሓማሴን ከም ዝነበሩ ምዝኽኻር፡ ሓደ ምባል ከድሊ ኢዩ።

    ቀጺሉ ምስ’ዚ ትሕም ትሕም ተሰሪዑ፡ ብዛዕባ ኣኻይዳ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝተባረረ ወረ ጥዑም ወረ ኣይነበረን። ናይ መንግስቲ ስልጣናት በ’ውራጃን ብሃይማኖትን ምድልዳል ከይኣክል፡ መራሕ መንግስቲ ተድላ ኣብ ልዕሊ’ቶም መወዳድርቶም ዝነበሩ ደግያት ኣብርሃ ተሰማ፡ ብሃይማኖት ተዋህዶ ብኣውራጃ ኣከለጉዛይ ዝተኸተልዎ ኣተሓሕዛ፡  ብሃይማኖት፡ ኣብ መንጎ ከኒሻን ተዋህዶን፡ በ’ውራጃ ድማ ኣብ መንጎ ሓማሴንን ኣከለ ጉዛይን ዘተሃላልኽ ቅርሕንቲ ክተክኽ ከም ዝጀመረ ዝሕብር’ዩ፡ ምውሳኽ ክልተ በለለይ ከስምዕ’ዩ።

   ብኣብነት ንምዝካሩ፡ “ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ተድላ ዝነበረ ኩነታትን መጻእን ኤርትራ ኣመልኪቶም ካብ ዝበልዎ፡ “ተቓውሞ ነዚ ስርዓት ዘይህልወሉ ምኽንያት ርእይቶ ኤርትራውያን ብሃይማኖታውን ዓሌታውን መልክዕ ተስፋ ብዘቑርጽ መንገዲ ተፈላልዩ ስለዘሎ ኢዩ። ኣስላም ተዋህዶ ካቶሊኽን ፕሮተስታንትን ኣብ ናይ ሓባር ባይታ ክመጽኡ ኣይኮኑን። ግን ናብ ጎበጣ ኢትዮጵያ ምስ ተምበርከኹ፡ ሓደ እዋን ኣብ መጻኢ፡ ከም ብሓዲሽ ኣብ መግዛእቲ ከምዝኣተዉ ክርድኦም ኢዩ’ሞ፡ እዚ ድማ ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ከምዝሓብሩ ክገብሮም’ዩ።” (7፡ 454) ዝብል ዝገርም ጽሑፍ ይንበብ።

  ኣብ ውሽጢ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ፍልልይ ናይ ኣውራጃ ሓዊሱ ፈኸም ክብል ዝጀመረ ምርሕሓቕ፡ ብሸነኽ እስልምና ዝተሓወሶ ናይ ሓሳባት ዓይነት ነቲ ናይ ስልጣን ቁርቁስ፡ ዘዘሓሕል ኣይነበረን። ..... “ክሳብ 1943 ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ..” (6፡ 83) ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ “ብዝኾነ ከም’ዚ ምስኮነ ይብሉ ሸኽ ኢብራሂም፡ ነቲ ዋዕላ ረጊጾም፡ ትኽ ኢሎም ናብ’ቲ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ናይ ኣስመራ ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኸዱ። ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኮፍ ኢሎም “ብኢስሚላህ ኣልራሕማን ኣልራሒም” ኢሎም ብምጅማር ድማ ፕሮግራም ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ነደፉ።” (6፡ 187)  

   ዝኾነ ኾይኑ ዘንብብ ይዕንብብ፡ ከምዝብሉ መሰልቲ፡ ብንባብ ዝድንፍዕ ትምህርቲ-ሃይማኖት ዘተባብዐ ናይ ሉተር ምንቅስቓስ፡ ኣገባብ ኣምልኾ ኣምላኽ ጥራይ ኣይጥርሮን’ዩ ናይ ለወጢ ባህጉ። ዕብየት-ብሕብረት ዝብህግ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ’ውን ብዑምቆት’ዩ ዝድህስስ። “ከም ትምህርቲ ናይ ሉተር፡ ክርስታይን ምስ ኣመኑ’ዮም ዝድሕኑ። ዕላማ ናይ ነፍስ ወከፍ ክርስትያን ድማ ናይ ሓባር ረብሓ ኣሃ  እምበር ናይ ብሕቲ መኽሰብን ሃብትን ምድላብ ክኸውን የብሉን” ዝብል መርገጺ ዘተባብዕ ኢዩ። ነዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ ትምህርተ-መለኮት (ቲዮሎጂ) ፕሮፈሰር ገርሃርድ ወግነር ትዕዝብቶም እንከንጸባርቑሉ፡ ምስ’ዚ ሉተራዊ ትምህርቲ ዝቃዶ ናይ ምንብባር ዓይነት ኣብ ጀርመንን ሃገራት ስካንዲናቭያን ሰፊኑ ዘሎ ሉተራዊ ሕብረተሰብኣዊነት’ዩ “Lutheran Socialism” ክሳብ ምባል ይበጽሑ።” (1፡ 45)

  ብንጽጽር እንክረአ እምበኣርከስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ብጋንታን ብመስርዕን ዝተወደበ ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ሓማሴን ከምዝተጀመረ ምዝንታው ዓቢ ዜና ኢዩ።  ይኹን ደኣ’ምበር እዚ ኣብ ሓማሴን ዝተጀመረ’ሞ ሓዲሽ ኣመሃህራ ትምህርተ-ሃይማኖት ዝምርኮስ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዘናፈሳ ንፋስ፡ ካብ ናይ ሉተር መጻሕፍቲ ተወሲዳ ናብ ኤርትራ ምስ ሰገረት’ሲ፡ ዕብየት-ብሕብረት ዝብል ሉተራዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝተማልአቶ ኣይትመስልን’ያ።

    በ’ንጻሩ’ኳ ደኣ “ቶማስ ካኡፍማን ዝበሃሉ ውሩይ ናይ ታሪኽ ሊቅ ከምዝብልዎ፡ “ብቛንቋኹም ባዕልኹም .. ኣጆኹም፡ ትብል ናይ ሉተር ኣቐራርባ’ሲ ነታ ብክርስትና ተጠርኒፋ ስምርቲ ትመስል ዝነበረት አውሮጳ ናብ ብሔራትን ሃገራትን ንኽትገማማዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪታ ኢያ።” (3, 37)  ይብል።

   ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ’ውን፡ እዚ ኣብ ትርጉምን ረብሕኡን ዝጸቅጥ ሉተራዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ግዕዝን ትግርኛን ምውድዳር ጥራይ ደው ዘበሎ ኣይመስልን’ዩ ፖለቲካዊ ጽልውኡ። ብፍላይ ብጽሕፈትን ስብከትን ናይ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣቢሉ፡ ኣብ ቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝደምቕ ባህላውን ፖለቲካውን ምርሕሓቕ ኣብ ምኹስኳስ እጃሙ ኣበርኪቱ’ዩ፡ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። እኳ ደኣ ኣብ ገጽ 12 ናይ’ዛ መጽሓፍ ዘሎ ጽሑፍ ከም ዝምስክሮ፡ “ራእሲ ወልደሚካኤል ናይ ሓማሴን ጎይታ (the Lord of Hamasien) ንቛንቋ ግዕዝ ብትግርኛ ምትካእ ባህ ስለዘይበሎም፡ ንኣባላት ምንቅስቓስ ንባብ ወንጌል ከሳድዱ ነዊሕ ኣይወሰደሎምን።” ብምባል ነቲ ናይ ባህልን ናይ ቋንቋን ምግምማዕ ይዝክሮ’ዩ።

   ዝኾነ ኾይኑ ክሳብ መፋርቕ 17 ክፍለ ዘመን ኣብ መንጎ ኩትልኽናን ከኒሻን ዝቐጸለ ናይ አውሮጳ ውግእ - ኲናት ብዘይ ኲናት- ኣዊጁ ዘፍ በለ’ሞ፡ ኣብ ውዕል ወስትፋልያ (1648) ብዝጸደቐ ስምምዕ መሰረት፡ ሓፋሽ በብሃገሮም ናይ መንግስታቶም ወግዓዊ ሃይማኖት ክኽተሉ ተሰማምዐ። በብቑሩብ ድማ አውሮጳ ብሃይማኖታት ካቶሊኽን ከኒሻን ዝደምቕ ሻራይ-ሻራኻ ተመቓቒላ ብጎቦ ዓይኒ ምቁምማት ቀጸለት።

     ስለ’ዚ ኣብ ኤርትራ’ውን ንተራ ናይ ሃይማኖት ምስ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ምትእስሳር ቀሊል ኣይኹን ደኣ’ምበር፡ ሃናጽን ኣዕናውን እጃሙ ኣልዒልካ ምዝካሩ ነውሪ’ብሉን። ብፍላይ ሉተራዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ንጽልዋ ነገስታት ሮማን፡ ናይ ቫቲካን ጳጳሳትን ኣርዒዱ፡ ኣብ መስርሕ ምዕባለ ውሉድ ውሉዱ ንኣዳም፡ ንዘመናት ከገልግል ንዝጸንሐ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝገደፈሉ’ብሉን፡ ካብ ድቃሱ ኣበራቢሩ፡ ብጻዕቅን ብጻዕርን ናይ ተሓድሶ ማይ ማይ ክሳብ ዝብል’ዩ ጌሩዎ። እዚ ብርቱዕ ለውጢ’ዚ፡ ሽሕ’ኳ ካብ ዝጥንሰስ ክሳብ ሕጂ 500 ዓመታት እንተ ተፈቕዱ፡ ብቐሊሉ ዝርዳእን ዘረዳድእን ኣይኮነን ምስጢሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራ’ውን ከም ዓለሙ ኢዩ።

    ምናልባት ንሰዓብቱን ኣመንቱን ዝህቦ ትርጉም እንድዒ’ምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግሪኛ ስለ ዝተርጎመ፡ ወይ ድማ ብጋንታን ብመስርዕን ተወዲብካ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተባባዕ ኣገባብ ኣምልኾ ኣምላኽ ስለ ዝመሃረ፡ ሃይማኖትን ቃልሲ ኣንጻር መግዛእትን ዘላፍን ናይ ጽድቂ ፖለቲካ ኔሩዎ ዘስምዕ ኣይመስለንን። መን’ፈልጥ ግን ከም’ቲ ንሕና ንዝበደሉና ንሓድገሎም ንኣና ድማ በደልና ሕደገልና በጃኻ .. ዝብል ትምህርቲ ወለ’ዝጊ ኣቐዲሙ ፍቕርን ሰላምን ይዘርእ እንተኔሩ ወለ’ዝጊ ኣለዎ ባዕሉ።

     ምናልባት ጉዳይ ጽድቅን ኩነኔን ንወለ’ዝጊ ገዲፍካ፡ ብሚዛን ዓይኒ ደቂ ሰባት ክረአ እንተኾይኑ ግን፡ ቅድሚ ምስፍሕፋሕ ሉተራዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ልማድ በቶም ዝምልከቶም ሰባት፡ ማለት’ሲ ትምህርተ መለኮት ዘጽንዑ ጥራይ ዝምእከል ሕዛእቲ’ዩ ዝነበረ። እቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ድማ ካብ’ቶም ኣዝዮም ልዑላት ዝበሃሉ ናይ ሞያ ትምህርቲ፡ ማለት ሕክምናን ሕግን ንላዕሊ፡ ንፉዓት ተመሃሮ ዝመርጽን ዝነውሐ ግዜ ዝወስድን ናይ ትምህርቲ ዓይነት’ዩ ኔሩ። ብሓጺሩ’ሲ ኣመሃህራ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዝተመስከረሎም ሊቃውንቲ ዝምእከል ክቡርን ሕፉርን’ዩ ኔሩ። ምናልባት ካብ’ቲ ቅቡልን ልሙድን ዝነበረ ኣተሓሕዛ፡ ውጽእ ዝበለ ዝምባለ እንተተራእዩ ከኣ ምስ ክሕደትን ውግዘትን’ዩ ዝስራዕ ዝነበረ።

    ምስ ክስተት ናይ ሉተር ትምህርቲ ግን፡ ምትርጓምን፡ ባዕልኻ ምንባብን ዘተባብዕ ንፋስ ስለ ዝነፈሰ፡ ቅርንጫፋት ደኣ በዚሖም’ምበር ናይ ለውጢ መጠኑስ እዝግዮ ዘብል’ዩ። ሕጂ ድማ ንሓዋሩ ናብ እንዳ ወለ’ዝጊ ዝወስድ ናይ ድሕነት ጎደና ዝጸርግ ይግበሮ’ምበር፡ መዓርግ ሃለቃ’ኳ ዘይለበሱ ሰበኽቲ መሊኦም’ዮም። ነዞም ሰበኽቲ እዚእቶም ፍሉያት ዝገብሮም፡ ንማእሰርትን መግረፍትን ዘይፈርሑ፡ መጽሓፎም ክግንጽሉ ግዜን ኩነታትን ዘይጸናተዉ ምዃኖም’ዩ። ኣብ ሳዋን መዓስከር ስደተኛታትን መጽሓፍ ቅዱስ ንምግንጻል ዘርእይዎ ትብዓት ከኣ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ቲ ጽንኩር መድረኽ ምስኦም ዝወዳደር ናይ ቀሺ ተዋህዶ ወይ ድማ ናይ ቀሺ ካቶሊኽ ትምህርቲ የልቦን’ኳ እንተዘይተባህለ፡ እንተ’ልዩ’ውን ጽምዋ መሪጹ ዝምህለል ከኣ ይኸውን’ምበር ዋዕ ኢሉ ዝዝምር ኣይመስለንን።

   ብንጽጽር እንክረአ ብሸነኽ ተዋህዶን ካቶሊክን ደሚቑ ዝረአ፡ ንትምህርተሃይማኖት ምስ ዕለታዊ ናብራ ዘተኣሳስር ጻዕርታት ዳርጋ ተመሳሳሊ ኢዩ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ፍጻመታት እንተዘይኮይኑ፡ ንህሉው ኩነታት ኣብ ሚዛን ዘእቱ፡ ብዛዕባ ምኹስኳስ ባህልን ወግዕን ናይ ህዝብታት፡ ቤተ ክርስትያን ንመዋእል ሒዛቶ ዝነበረት ክብርን ሚዛንን ብፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ክበርስ እንከሎ ዘርኣይዎ ናይ መሪሕነት ተራ ብዙሕ ዝነኣድ ኣይኮነን። እዚ ዝምባለ’ዚ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ፡ ኣብ ምስዕራር ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ዝተጻወቶ ግደ ቀሊል ኣይኮነን። ብርግጽ ግን ኣብ ስደት፡ ብፍላይ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ቦታት ሰስዒቦም ቤተ ክርስትያን ምህናጽን ትምህርተ ሃይማኖት ምክትታልን ከተባብዑ ይረኣዩ እዮም። ካብኡ ሓሊፎም ግን ተዋህዶ ብመናድቕ ፒራሚድ ናይ ግብጺ ተኸዊሎም፡ ካቶሊክ ድማ ብድሕሪ ዲፕሎማስያዊ ሓጹር ናይ ቫቲካን ኣዝጊቦም፡ እታ ዘላ ኣብኣ’ላ፡ ዝብሉ’ዮም ዝመስሉ’ምበር፡  ሕዳር ጽዮን ኣመኽንዮም ኣኽሱም ክቕልቀሉ ወይ ድማ ቀብርን ምብጻሕን ኣመኽንዮም ምስ ናይ ጎንደር መማህርቶም ሓቢሮም ክምህለሉ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተራእዩን።

ናይ ኣልጀሪስ ውዕል ክሳብ ዝትግበር ኣብ ገበላ እንዳ ዝናን ባህታን ተዓጽዮም ዝምህለሉ’ዮም ዝመስሉ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ እንዳ ሉተር ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም እንከስፋሕፍሑ እንዳ ካቶሊኽን ተዋህዶን ግን ብመቖምያን ብጸናጽልን ምስ ደቂ ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ክፈሓፍሑ መላእኽታት ዘሰክሑ ዝመስሉ ዘለዉ።

ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና!

   ምጥርጣር ስለ ዘመራምር፡ እናሓንሳብ’ሲ ምጥርጣር ክሳራ’ብሉን’ሞ፡ “ሽሕ’ኳ ሉተር ዘቐራን ስሓቕን ዝፈቱ እንተነበረ፡ ምስ ኣቐራርባ ጀርማናውያን ሰፊኑ ዝርከብ፡ ስብከት ዝመስል ናይ ምብህሃል መልክዕ፡ ባይታ ካብ ዘጣጥሑሉ ሊቃውንቲ ሓደ ንሱ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ጀርመናውያን፡ ክንዛረብ እንከለና ጽን ኢልኩም ስምዑና ብዝመስል ኣቐራርባኦም ብቐሊሉ’ዮም ዝልለዩ ይበሃል’ዩ። (1፡45)

    እዚ ከም’ዚ ዝመስል  ሉተራዊ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ምስ ፖለቲካዊ ጻዕርታት ቀዳማይ መራሕመንግስቲ ኤርትራ ተድላ ባይሩን ናይ ስልጣን መሃላልኽቶም ዝነበሩ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣዛሚድካ ክንበብ እንተተፈቒዱ፡ ናይ ክልቲኦም ናይ ሓባር ረቛሒ   ይመስል’ዩ፡ እንተበልኩ ብዙሕ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ’ሲ ሽሕ’ኳ “ካብ 1933 ኣትሒዞም ዝፋለጡን፡ ኣብ ሉተራዊት መንጌላዊት ቤተክርስትያን ንናይ ሓባር ዕላማ ዝዋስኡን’ዮም ኔሮም።” (10፡ 65) እንተ ተባህለ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኣብ መንጎኦም ዝሓለፈ ምትህልላኽ ዝናፈቕ ታሪኽ የብሉን። ምናልባት’ውን እታ ሕልፍ ሕልፍ ኢላ እትለዓል ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ትብል፡ ናይ ኣዘራርባ ጎደፋ፡ ተባሂላ እንተኾይና’ሲ፡ ልዕሊ ኹሉ ካብ ናይ ክልቲኦም መራሕትን ጸሓፍትን ምፍሕፋሕ ተደቒላ ከይትኸውን ዘየጠራጥር ኣይኮነን።    

   ዝኾነ ኾይኑ ናይ ሃይማኖት ቀንዲ ዕላማ መንገዲ መንግስተ ሰማያት ምሕባር’ዩ ዝበሃል’ኳ እንተኾነ፡ በ’ተሓሕዛ ገለ ተበለጽቲ ናብ መማቕርቲ ዕላምኦም ተቐይሩ፡ ንደቂ ኣዳም ፈላልዩ፡ ናይ ውግእን ጽልእን ጠንቂ ክኸውን ብተደጋጋሚ’ዩ ኣብ ታሪኽ ዝንጸባረቕ። ኣብ ኤርትራ’ውን መስርሕ ናይ ምግዳል ሱር ክሰድድ እንከሎ ሃይማኖት ዝተጻወቶ ግደ፡ ንዜጋታት ከከምእነቶም ዝትርጎም ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብ’ቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዘሕደሮ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይነበረ ዘዘኻኽር ትዕዝብቲ ኣብ ታሪኽ መሊኡ’ሎ ንምባል’የ እዚ ኹሉ ጸብጻብ ተር ኣቢለዮ።

   ብሓፈሽኡ ግን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ሃይማኖት ዓይነታት ቀደም ካብ’ቲ ወግዓዊ ሃይማኖቱ ተዋህዶ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ማለት’ሲ ካብ ደቂ ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ምእንቲ ክርሕቁ ዝጀመርዎ ናይ ህልኽ ጉዕዞ፡ ንጻዕሮም፡ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝመስል ድሙቕ ሕብሪ ቀቢኦም ከም መሳለጢ ዕላምኦም ተጠቒሞሙሉ እዮም። ይኹን ደኣ’ምበር እቲ ከምኡ ዝመስል ናይ ሃይማኖት ጉልባብ ምስ መስርሕ ምዕባለ ውሉድ-ውሉዱ ንኣዳም ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዘገርም የብሉን። እንተ’ቲ ምምማይ ግን ዕዮ ገዛ ደቂ እዋን’ዩ።  ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ ብታሪኽ ዝተወርሰ ናይ ባህሊ ሰንሰለት መሰረት ብምግባር፡ ንተዋህዶ ሃይማኖት፡ ምስ ኢትዮጵያ (ጸላኢ) ዘመሳስላ ትሕዝቶ ኣድሚቕካ፡ ከም መሳለጢ ፖለቲካ ናይ ጸላኢ ምቕራባ ቀሊል’ዩ ዝነበረ።

ስለ’ዚ ድማ’ዩ ብሕጂ’ውን ኢትዮጵያን ጸላእን ፈላሊኻ ምርኣይ ዓቢ ናይ ለውጥን ዕርቅን መሳለጢ ክኸውን ዝኽእል።

   ምናልባት ኢትዮጵያ ንተዋህዶ ሃይማኖት ትህቦ ዝነበረት ሚዛን ምዝኽኻር ዝሕግዝ እንተኾይኑ ከኣ፡ እዛ ትስዕብ ናይ ታሪኽ ሓቂ  ምሕዋስ እንታይ ክብል ኢሉ። “ሃጸይ ምንሊክ ኣብ 1881 ዓ.ም. ምስ ጣልያን ካብ ዝተፈራረሙሉ ናይ ውጫለ ውዕል፡ ዓንቀጽ ኣርባዕተ፡ ደጋታት ናይ ሓማሴን እንኮላይ ኣስመራ ንጣልያን ሂቦም ከብቅዑ፡ ገዳም ደብረ ቢዘን ግን፡ ርስቱን ጉልቱን ከይተረፈ፡ ከም ቀደሙ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ርስቲ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ። ይብል’ሞ፡ ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከተውዕሎ ግን ኣይትኽእልን’ያ።” ይውስኸሉ። (8፡ 181) ዝገርም’ዩ! እንዳ ሃጸይ ምንሊክ ውዕል ውጫለ ፈሪሞም ንፈረንጂ ስለ ዝሸጡና ምስ እዚኣቶም ከመ’ዓልካ ይትረፈና ዝብል ናይ ህልኽ ፕሮፓጋንዳ እንተዘይኮይኑ፡ ሓደ’ጽሕፍ ሓደ’ጸንሓለይ ዝመስል ጥበብ ከም ዝነበሮ እቲ ውዕል መኣስ ተገንዚብና።   

    ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ዚ ዝምባለ’ዚ ዝተባህለ ተባሂሉ፡ ክርሳዕ ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ ሜላ’ሎ። መንግስታት ናይ ኢትዮጵያ እንተኾኑ’ውን፡ ንተዋህዶ ሃይማኖት ዝሓቖፈሉ ምኽንያት፡ ኣብ ባህልን ምንብባርን ናይ ብዙሓት ሱር ስለ ዘለዎ፡ ህዝብታት ዝጥርነፉሉ ሰንሰለት ምእንቲ ክረኽቡ’ምበር፡ መቐረት መንግስተ ሰማይ ኣህሪፍዎም ወይ ድማ እሳተ ነበልባል ገሃነመ እሳት ኣፍሪሕዎም ኣይኮኑን። ከምኡ’ውን እዞም ሓዲሽ ኣገባብ ናይ ሃይማኖት ሒዞም ብጥንታዊነት ናይ ቋንቋ ግዕዝን ኣገባብ ኣቐራርባ ትምህርተ ሃይማኖት ናይ ተዋህዶን እናተወራዘዩ ናብ ህዝቢ ዝቐረቡ ሰበኽቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ መንግስተ ሰማይ ዝኣትወሉ ሓዲሽ መንገዲ ከጣጥሑ ድቃስ ስለዝሰኣኑ ኣይኮኑን። ሱቕ ጥዑም!

    ምስ ጻዕርታት ምስናዕ ኣማራጺ ሕብረተሰብ ዘይቃዶ ኮይኑ’ምበር፡ ምስ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ዶባት ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሰጊሩ፡ ፍቕርን ሰላምን ከስፍን ዝኽእል ናይ ምንብባር ዑቑር ሓይሊ ኣለዎ። ስለ’ዚ ድማ እዮም ዶክተር ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ፡ “ካብ ኣካላውን ንዋታውን መኸተና ንላዕሊ፡ ሓድነትና ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ከምዘይናወጽ ጠሚሩ ከነባብሮ ዝጸንሐ ሓይሊ፡ ጸሎት ቅዱሳት ኣቦታትናን ናይ’ቶም ብሓባር እንዝክሮም ጻድቃናትን ኢዩ። እዚ ጸጋ’ዚ መንገድና ከይሰሓትና ክሳብ’ዛ በጺሕናያ ዘለና እዋን ኣብጺሑና ኢዩ። ሎሚ ግን ብባዕዳውያን’ኳ ዘይተፈተነ ተርእዮ፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ እሞ ድማ በ’እዳው ብትውልዲ ዝብጽሑና መራሕቲ፡ እቶም መሰረታውያን ናይ ዝምድናና መትኒታት ሓንቲ ብሓንቲ ይቕንጠቡ ኣለዉ። ውጽኢቱ ድማ ምድምሳስ ታሪኽ ናይ ኣቦታትና ዘስዕብ ኢዩ። ንኣና ነዞም ብሂወት ዘለና ድማ ዘሕፍር’ዩ።” (8፡ 182) ክሳብ ምባል ዘማርሩ። ስለ’ዚ መንፈሳውን ባህላውን ርስቲ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ህዝብታት ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ንምቅርራብ ካብ ደውል ምድዋልን መጥቅዕ ምህራምን ሓሊፉ፡ መዓጹ ቤት ጽሕፈታት እንዳ ኢሳያስን እንዳ ጃማይካን ዝኹሕኩሕ ኣይመስልን’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ!

  መንግስቲ ኤርትራ ዝብል መጸውዒ ስም ክሳብ ሕጂ ክንደይ ግዜ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ከምዘሎ ሃሰስ ምባል እንተ ተፈቒዱ፡ ካብ’ዛ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ትፍለ መንግስቲ ኤርትራ ትበሃል ኣብ ታሪኽ ኔራ እንተኾይና ዕድምኣ ክንደይ፡ መልክዓኸ እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብፍላይ “ብዘመን ተድላ ባይሩ ዝፍለጥ ካብ 1952 – 1955 ዝዝርጋሕ ቀዳማይ ክፋል ናይ እዋን ፈደረሽን፡ ኣብ ኤርትራ ውሑድ መዳርግቲ’ዩ እንተሃለዎ።” (7፡ X) እዚ መዳርግቲ ዝውሕዱዎ ዝበሃለሉ እግሪ ምትካል መንግስቲ ኤርትራ ዝወሃቦ ትንታነ ንጸሓፍቲ ናይ ታሪኽ ከከምዝጥዕሞም ዝንጸባረቕ’ኳ እንተመሰለ፡ ኣበ’ገላልጻ ሱር-መሰረቱ ድሙቕ ፍልልይ ዳርጋ የብሉን። ብኣብነት ንምዝካሩ፡

ጀራልድ ከነዲ ትረቫስኪስ፡

  “ጀራልድ ከነዲ ትረቫኪስ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ብናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ናይ ቀረባ ተዓዛቢ ክኸውን ዕድል ዝረኸበ ጸሓፋይ ኮይኑ፡ “ጥልያን ካብ’ዝን ካብ’ትን ቀነጣጢባ’ያ ንኤርትራ ፈጢራታ ይብል’ሞ፡ ንዝተፈላለዩ ህዝብታት ካብ መበቆሎምን ካብ ታሪኾምን በቲኻ ምስ ኣኻኸበት’ሲ፡ ነቲ ዝኣከበቶ ኣካላት ኣላጊባ፡ ኤርትራ ብዝብል ስም ኣጠመቐቶ።” (5፡ 8) ይምልኣሉ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ሕብረተሰብ ናይ ምስናዕ ሜላ፡ ቅድሚ እንዳ ዝናን ባህታን፡ ኣብ ግዜ ጥልያን ማለት’ሲ ካብ ግዜ ምፍጣር ናይ ኤርትራ ኣትሒዙ ዝተፈተነ ጻዕሪ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ኣበጋግሳ መንግስቲ ኤርትራ “ ...ውሑድ መዳርግቲ’ዩ እንተሃለዎ።” ክሳብ ምባል ዝተበጽሐ።

 ዶክቶር ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ።

“ጥልያን ንምልእቲ ኢትዮጵያ ወሪራ ምስተቖጻጸረት (1936 -1941)፡ ንኤርትራን ትግራይን ከም ሓንቲ ምምሕዳር (ጠቅላይ ግዛት) ቆጺራ ተመሓድራ ከምዝነበረት ክርሳዕ የብሉን።” (8, 58) ይብሉ’ሞ፡ “እንግሊዝ ንጥልያን ምስ ሰዓረታ ግን፡ ናብ’ቲ ብ1928 ዝነበረ ናይ ዶባት መልክዕ መሊሳ፡ ን10 ዓመታት ኣመሓዲራቶ።” ብምውሳኽ ብሓፈሽኡ ዝምድና ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ መረብ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ምብቋሉ እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ይሕብሩ።

   ማርቲን ፕላት ዝበሃል (እንግሊዛዊ) ናይ ነዊሕ እዋን ተኸታታሊ ምዕባለታት መስርሕ ናይ ምግዳል፡ እዚ ዝስዕብ  ናይ ታሪኽ ትዕዝብቲ ይምልኣሉ። “እንግሊዝ ንጣልያን ብወተሃደራዊ ዂናት ስዒራ ካብ ኤርትራ ምሰ’ባረረታ፡ ፈለማ’ኳ ከም’ታ ካብ ጥልያን ዝወረሰታ መልክዕ ኣትሒዛ’ያ ክትምልምላ ፈቲና ኔራ። እንተኾነ ግን ነዊሕ ኣይወሰደላን። ዝተዓዘበት ምስ ተዓዘበት፡ ንኤርትራ ዝኸውን ሓዲሽ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል ኣርቂቓ፡ እዞም ጥልያን ካብ’ዝን ካብ’ትን ኣኻኺቡ ኤርትራ ኢሉዎም ዘሎ ህዝብታት ከከም መሰረታዊ ምምስሳሎም ሰሪዕካ ምስ መበቆሎም እንተተኣኻኸቡ ይሕሾም ዝብል ወረቐታ ናብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ለኣኸቶ። ሕቡራት መንግስታት ግን ንሓሳባት እንግሊዝ ነጸጎ። ካብኡ እንግሊዝ ቀልጢፋ ትዕግስታ ስለዝወድአት “Britain, fed up with attempting to resolve the future of Eritrea, turned the issue over to the UN.” ንጉዳይ ኤርትራ የለኹላን ኣነ ብምባል ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣመሓላለፈቶ። (5፡ 11) ይብል። ብጉዳይ ናይ ኤርትራስ እንግሊዝ’ኳ ተውሳኺተይ ኢሉ ዝውድአ ዓቕሉ፡ ዓቕሚ መኣስ ኮይኑ ስኢኑ። እንታይ ደኣ?  

ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም፡

 “ኣብ’ቲ እዋን ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሩ እዮም። ... እቲ ሽዑ ዝነብረና ኣተሓሳስባ፡ ሕብረት ዝብል ይኹን ናጽነት ዝብል ይኹን ካልእ ዝብል፡ ናይ ጽልኢ ስምዒት ደኣ’ምበር ዝኾነ ሰብ ኣዕሚቑ ሓሲቡ፡ ኣእሚሩ ገይሩዎ ክበሃል ኣይከኣልን። በዚ ግብጺ ናተይ ትብል፡ በዚ ጣልያን ናተይ ትብል፡ በዚ እንግሊዝ ፖለቲካኡ ጌሩ ክፈላልየና ምስበለ፡ እቲ ምርጫና ኮይኑ ዝረኸብናዮ ምስ ኢትዮጵያ ምሕባር ኢዩ ኔሩ።” (6፡ 82) ብምባል፡ ከይብሉኒ ዘይብሉ ምሳሎም ይሕውሱሉ።  

    ዝኾነ ኾይኑ ምስ’ዚ ናይ ክቡር ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ምርጫ ዝሰማምዑ ዝነበሩ’ሞ፡ ነዛ ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን መንግስቲ ኤርትራ ዘርከቡላ ኣቦታት ብዙሓት ኣይኮኑን። ካብ’ቶም ዘርከቡ ድማ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ካብ ምምስካር ሱቕ ጥዑም መሪጾም ካብ ታሪኽ ዝረሓቑ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ናይ ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከም መምዘኒ እንተተወሲዱ ግን፡ ቤተሰብ እንዳ ባይሩ ካብ ዝነበሮም ተመኩሮ ነቒሎም ኣብ ምንጻፍ ሓሳባት ዝምድና ኤርትራን ኢትይጵያን ታሪኽን ባህልን መሰረት ዘለዎ’ሞ ንረብሓ ህዝብታት (shared interests) ዘነጽር መንገዲ ሰላምን ራህዋን ክምህሩ’ዩ ትጽቢት ዝግበረሎም እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።  ከመይ’ሲ “ከም መራሒ ማሕበር ፍቕሪ ሃገርን፡ ከም ቀዳማይ ሕሩይ መራሒ መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣበ’ተኣላልያ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቦይ ዝተጻወቶ ተራ ወሳኒ’ዩ (central) ዝነበረ፡ ክሳብ ምባል ይበጽሕ’ዩ ጸሓፋይ ኣብ ገጽ 20 ናይ’ዛ ሓዳስ መጽሓፍ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘመን ተድላ!  

   “መራሕመንግስቲ ተድላ፡ ኣባል ማሕበር ፍቕሪ ሃገር (1946)፡ ኣባል ማሕበር ኣንድነት (1952) ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምጽብጻብ፡ ንመዓርግ መራሕ መንግስቲ ተሓርዮም ቀዳመይቲ መንግስቲ ኤርትራ መስረቱ። (10, 11) “ብፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ምስ ወረዱ ድማ፡ ኣብ ስዊድን ናይ ኢትዮጵያ ለጋስዮን ሚኒስተር ከምኡ’ውን ኣባል ቤት ምኽሪ ወሰንቲ ሕጊ ኮይኖም ክሳብ 1958 ኣገልጊሎም።” (8, 266) ቀጺሎም ብ1966 ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸምበሩ’ሞ፡ ክሳብ 1972 ብመዓርግ ምኽትል ፕረሲደንት መርሑ።” (10, 11) ቀዳማይ መራሕመንግስቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 1946 ክሳብ 1972 ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ብዙሕ ናይ ኣቕዋም ለውጢ ዘለዎ’ዩ ዝመስል።

      ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኤርትራ ዝመርሑሉ እዋን ግን ሓጺርን ቅሳነት ዘይነበሮን’ዩ። ብኣብነት ንምዝካሩ፡ ናይ እንግሊዝ ቆንስል ዎርልድ-ስሚዝ ከም ዘዘንትዎ ኣብርሃ ተሰማ “ንመራሕ መንግስትነት ምስ ተድላ ባይሩ ተወዳዲሮም ምስ ተሳዕሩ ድምጾም’ኳ እንተዘየስምዑ፡ ብደገፎትምን ሰዓብቶምን ኣቢሎም ኣንጻር ተድላ ጎስጒሶም ዝብል ሕሜታ ተናፈሰ። .... ተግባራቶም ሃይማኖትውን ኣውራጃውን መልክዕ ኣለዎ ስለ ዝተባህለ’ሞ ናብ ኣእዛን ተድላ ኸኣ ስለ ዝበጽሐ፡ ተድላ ተቐየሙ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ብቕዓት ኣብርሃ ዘየካትዕ ክንሱ፡ ኣብ’ቲ ሓዲሽ መንግስቶም ቦታ ነፈግዎም።” (7፡ 443)

ኮሚሽነር ፖሊስ ክራክነል፡ “... ንሓረጎት ኣባይ ብዛዕባ ደጊያት ኣብርሃ’ውን ኣዛረቦም። ኣብ’ቲ ዘረባኦም፡ ኣብርሃ ተሰማ “ወገናዊ ፖለቲካ እናፈጠረ፡ ንኤርትራ መግልጺ ዘይርከቦ ማህሰይቲ የውርደላ ኣሎ” ክብሉ ሓረጎት ተዛሪቦም ነበሩ። ብኣዝዩ ተሪር ቃላት ድማ፡ ኣብርሃ ዘተኣታተዎ ናይ ወገን ፖለቲካ፡ ንምዕራዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ገለጹሉ።” (7፡ 445)

ናይ ደግያት ኣብርሃ ተቓውሞ ብኸም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣገላልጻ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ። ናይ መራሕ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ግብረ መልሲ ድማ፡ “ብ24 ጥቅምቲ 1953፡ ምሸት ከባቢ ሰዓት 10.00 ኢያሱ ተሰማ ሓዎም ንደግያት ኣብርሃ ምስ ሚካኤል ወለላ ኣብ ኣፍ ደገ ሲነማ ኦድዮን ንመራሕ መንግስቲ ክቐትሉ ፈቲኖም ተባሂሎም ብፖሊስ ተታሕዙ። ኣብ’ቲ ማእሰርቲ ዝተፈጸመሉ ኣፍ ደገ ሲነማ ኦድዮን መኪና መራሕ መንግስቲ’ምበር ንሶም ባዕሎም ኣይነበሩን። .... ንጽባሒቱ ብ25 ጥቅምቲ 1953፡ ደግያት ኣብርሃ ካብ ደቀምሓረ፡ ወዶም ኣስበሮም ኣብርሃ ድማ ካብ ኣስመራ ኣሰሮም ሰዓቡ። (7፡ 446)

“ቆንስል ብሪጣንያ ዎርልድ-ስሚዝ ሚካኤል ወለላ፡ ብ23 ጥቅምቲ ማለት 24 ሰዓታት ቅድሚ’ቲ ፈተነ ተገይሩ ዝተባህለሉ ምሸት፡ ኣብ እንዳ ተድላ ባይሩ ከምዝተራእየን እዚ ድማ ብመርመራ ፖሊስ ከምዝተረጋገጸን ገለጸ። (7፡ 450)

ምእሳር ኣባል ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ፡

   “Public life in the Adis is organized around the democratic Baitos or assemblies; … in keeping with this tradition, the parliament of Eritrea is referred to as the ‘Baito Eritrea’. … Another important feature of the Baito is the standardized democratic procedure of its sessions..”  ማለት’ሲ መልክዕ ፓርላማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓድታት ዝነበረ ደሞክራስያዊ ናይ ባይቶ ምምሕዳር ከም ዝመሳሰል ንምዝካር ባይቶ ኤርትራ ይበሃል ኔሩ። ይብል ጸሓፋይ ኣብ 241 ናይ መጽሓፉ።

    እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብዘየገድስ፡ ባይቶ ኣኤርትራ ጽኑዕ መሰረትን ምስ ህዝቡ ዝዋስኣሉ ድልዱል ሰንሰለትን ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ወላ’ቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ኤርትራ ተባሂሉ ክጥቀስ  ዝበሃግ ሕጊ’ውን፡ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ኣርቂቑ፡ ኣብ ምትግባሩ ንደቀ’ባት ዘለማምዱ ክኢላታት ኣሰኪሙ’ዩ ናብ ኤርትራ ልኢኹዎ። ካብ’ቲ ኣብ ዓድታት ዘመሓድር ዝነበረ ሕጊ እንዳ’ባ ዝተቐድሐ ኣይኮነን። ትሕዝትኡ ድማ ይትረፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንመብዛሕትኦም ናይ ባይቶ ኣባላት’ውን ዝርድኦም ኣይነበረን። ምናልባት ኣብ ከተማታት እንድዒ’ምበር ብዛዕባ ትሕዝትኡ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተባጽሐን። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ እዋን ተድላ ደሞክራስያዊ ናይ ባይቶ ኣሰራርሓ እንተ ኔሩ፡ ባይቶ ኤርትራ ደኣ እንታይ ኮይኑ’ዩ ነዛ ትስዕብ ቀላል ፈተና ምሕላፍ ስኢኑ?   “ኣዝማች ደሓር ደጊያት ገብረኪዳን ተሰማ’ውን ክእሰሩ’ኳ እንተ ተደልየ፡ ኣባል ባይቶ ኤርትራ ስለዝነበሩ፡ ፍቓድ ባይቶ ምውሳድ ኣድለየ። ፖሊስ ኤርትራ ድማ ብ25 ጥቅምቲ ሰንበት መዓልቲ ትእዛዝ ከፈጽም ብደብዳቤ ፍቓድ ሓተተ። ኣቦ መንበር ዓሊ ረድኣይ ባይቶ ውሳነ ክሳብ ዝህበሉ፡ ግዝያዊ ፍቓድ ይፈቕዱ’ሞ ገብረኪዳን ተሰማ’ውን ንጊዜኡ ተታሕዙ።

 ባይቶ ናይ ቀዳመ-ሰንበት ዕረፍቱ ምስ ወድአ፡ ዓሊ ረድኣይ ነቲ ጉዳይ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ መጋባእያ ኣቕረብዎ። .... ባይቶ ድማ ኣብ ልዕሊ መራሕ መንግስቲ ዝተፈተነ ሓደጋ ኮነነ። ንናይ ፖሊስ ተግባር ድማ መጎሰ። .... ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ፡ እቲ ዝድለ ቑጽሪ ስለዘይተረኽበ፡ እቲ ናይ ማእሰርቲ እማመ ወደቐ።

ከምዚ ምስ ኮነ ተድላ ባይሩ ባዕሎም ናብ ዓሊ ረድኣይ ብ27 ጥቅምቲ  “ ... ናይ ሃገርና ኤርትራ ጸጥታ ንምሕላው ...  ኣዝማች ገብረኪዳን ተሰማ ኪተሓዙ ዘድሊ ስለዝኾነ፡ ... ባይቶ ኤርትራ .... ብዘይወዓል ሕደር ስምረትኩም ክትህቡ ኣተሓሳስበኩም ኣለኹ።” ዝብል ደብዳቤ ይጽሕፉ’ሞ፡ ብ29 ጥቅምቲ እቲ ደብዳቤ ኣብ ባይቶ ተነቢቡ፡ 46 ኣባላት ጥራይ ኣብ ዝተረኽቡሉ መጋባእያ እቶም ኣባል ንኽእሰሩ ብብልጫ ድምጺ ተወሰነ። ብኡ መሰረት ድማ ተኣስሩ።” እዚ ስጉምቲ’ዚ ብቕዓት ናይ’ቲ ባይቶ ዝምስክር’ዩ።

 ብ28 ጥቅምቲ .. ኣመሪካዊ ቆንስል ክላርክ ምስ ኮሚሽነር ክራክነልን ዋና ዓቅቤ ሕጊ ኤርትራን ተራኸበ። ... ክራክነልን እቲ ጉዳይ ናብ ክፉት ቤት ፍርዲ እንተቐሪቡ ክዕወት ከምዘይክእልን ተመሊሱ ከጥቅዖም ከምዝኾነን እናማኸሮም እንከሎ፡ ቀልጢፉ ኽሲ ንኽቐርበሉ ባዕሎም ተድላ ጸቕጢ ይገብሩሉ ከምዝነበሩ ተዛረበ።

“ደጊያት ኣብርሃ፡ ገብረኪዳን ተሰማን ኣስበሮም ኣብርሃን ጥቓ ክልተ ወርሒ ምስ ተኣስሩ፡ ንሰኑይ 21 ታሕሳስ ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡ ተቖጺሩ እንከሎ፡ ብቐዳም 19 ታሕሳስ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ንገገዝኦም ተሰዱ። ... ቤት ፍርዲ’ውን ከም ዝወጽእዎ ክኸዱ ኣጽደቐሎም። ... ኢያሱ ተሰማ ግን ብናይ ብረት ምሓዝ ክሲ 10 ዓመት ተፈርደ። እቲ ጉዳይ ብይግባይ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍሪድ ምስቀረበ ግን፡ ፕረሲደንት ቤትፍርዲ ሸረር፡ ክሳብ ሽዑ ዝተኣስሮ ይኣክል ብምባል ናጻ ለቐቖ። ... ኣቤት ጥበብ ናይ ፈረንጂ!

    ዝኾነ ኾይኑ ብከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘከረ ኣሰራርሓ ዝዝከር’ዩ መልክዕ ምምሕዳር ባይቶ ኤርትራን መንግስቲ ተድላን። መራሕ መንግስቲ ነዚ ዝመስል ቅዲ’መራርሓ ሒዞም’ሲ፡ ኣብ ስራሕ ክብድ ዝበለ ፈተና እንከጋጥሞም፡ ስልጣኖም ዘልቅቕ ደብዳበታት የቕርቡ ከም ዝነበሩ ኣብ ገጽ 24 ከምኡ’ውን ኣብ ገጽ 284 ተመዝጊቡ’ሎ። እታ ቀዳመይቲ ከም ሰራዊት እንግሊዝ ተኸቲቦም ዘገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝተዋፈሩ ደቀ’ስመራ ምስ ቀተሉ እንክትከውን፡ “እታ ካልኣይቲ እንዳ ንጉስ ሃይለስላሰ ፈደረሽን ክፈርስ ምስ ወሰኑ፡ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ዝወሰድዋ ስጉምቲ ኢያ።” (8, 266) ብፍላይ ኣብ’ዛ ካልኣይቲ ስጉምቲ ዝርአ ኣዝዩ ዝገርም ኣገባብ፡ ነቲ ደሞክራስያዊ ስልጣንን ኣሰራርሓን ኔሩዎ ዝተባህለ ባይቶ ኤርትራ ኣኪቦም እንታይ ይሕሸና ክንዲ ዝብሉ ብመንገዶም ጎስጊሶም፡ ኣብ እንዳ ሲነማ ህዝቢ ኣኪቦም’ዮም ካብ ስልጣነይ እወርድ ኣለኹ ዝበሉ። ከም ርኢቶይ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ካብ ኣገባብ ምምሕዳር እንዳ ዝናን ባህታን ዝፈለ ኣይመስልን’ዩ።  ሕሩይ ግን ነቲ ደሞክራስያዊ ክብሎ ዝጸንሐ ፓርላማ መንግስቲ ኤርትራ “ባይቶ ኤርትራ ካብ 1953 ጀሚሩ ንተግባራት መራሕ መንግስቲ ተድላ ናብ ዝቃወም መድረኽ’ዩ ተቐይሩ።” ይብሎ ኣብ ገጽ 76 ናይ መጽሓፉ። ዝኾነ ኾይኑ እቶም ብዙሓት ድዮም ምስ መራሕ መንግስቲ ምርድዳእ ስኢኖም ወይስ መራሕ መንግስቲ’ዮም ምስ ብዙሓት ምብህሃል ኣጊሙዎም እንድዒ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ባይቶን ካብ ናይ ተድላ ርኢቶን ተኣኪቡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሞትን ድኽነትን ዝሕሉ ሓሳባት ኣይተረኽበን። መራሕ መንግስቲ ተድላ ግን ብስዊድን ኣቢሎም፡ ክሳብ ካይሮን ደማስቆን ተሳጊሮም ናይ ጀብሃ ምኽትል ፕረሲደንት’ዮም ተሸይሞም።

        ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ!

    ሕሩይ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወደባት ናይ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ዘውድን ደርግን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ሕጂ’ውን እቲ ናይ ቀደም ትርጉሙ፡ ትርጉም ዘለዎ ዝመስሎ’ዩ ዝመስል። ኣይትብከ እንድ’ዩ ዘብክየኒ ከምዝብሉ መሰልቲ፡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ነቲ “ላሎ ላሎ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ..” ዝድረፈሉ ዝነበረ ኣገልግሎት ዓሰብን ባጽዕን ንጎረባብትና ብምምሳሕ፡ ንርብዒ ዘመን ደም ካብ ዘንብዑና ዝስወጦም ኣይመስሉን’ዮም። ምናልባት ኣብ እርጋኖም ኣድላይነት ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ ዘሕምሞም ክመስሉ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ ኣይኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ’ውን ሰማዒ ዝረኽቡ ኣይመስለንን።

     ብሓፈሽኡኣ ብዛዕባ ኣገልግሎ ወደባት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣብ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል እንታይ ዝመስል ሰራውር ከም ዘለዎ ተዘኻኽር እዛ ትስዕብ ኣብነት እስኪ ክሕውስ። ናይ ራቢጣ መስራቲ ሓሳባት ዘርቀቑ ክቡር ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣበ’ተኣላልያ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ታሪኽ ብዘመዝገቡዎ ሓሳባት ደጋጊምካ ምዝካሮም ዘይናቶም ምሃብ ዘስምዕ ኣይመስለንን’ሞ፡ ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘስምዕዎ መደረ ክፋሉ፡ “ .. ኣብ ቅድሚ’ቲ ኮሞቴ ቀሪቦም መደረኦም ኣስምዑ። ... ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝበሃል ናይ ሓባር ቑጠባዊ ረብሓታት’ውን የብላን። ድሕሪ ምባል ድማ ብጀኦግራፍያዊ መንጽር እንተኾነ’ውን፡ ካብ ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ጂቡቲ ዝያዳ ከምዝጥዕማ ኣረደኡ። (6፡ 334-335) ብተወሳኺ ድማ፡ “እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዝመጽእ .. ጣፍ እንተኾነ’ውን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንቡር እኽሊ ዝጥቀመሉ ኣይኮነን። ብዝያዳ ዕፉንን መሸላን’ዩ ዝበልዕ። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገርና መሊኡ’ዩ። (6፡ 502) ይውሱኹሉ። ከም’ዚ ዝመስል ኣረኣእይ መጻኢ ዕድል’ሲ ከመይሉ’ዩ ነጻላ ናይ ናጽነት ክውንዘፍ ክኢሉ ንእዋን ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ኢዩ። ብሓፈሽኡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ብዛዕባ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ ከምዝዓጅቦም ዝምስክር ሓሳባቶም ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ከመይ’ሲ እቲ ቃልሲ’ውን ኣንጻር ጸላኢ ተባሂሉ’ዩ ተቐይሱ።

    ሕሩይ ግን “እዚ ብስም ባድመ ናይ መን’ያ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራውን አኮኖምያውን ኲናት’ውን መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣትሒዙ ዝነበረ ሕቶ ናይ ባሕሪ ኣፍ ደገ ንኢትዮጵያ ኢዩ።” ይብል ኣብ ገጽ 254, 259, 264 ናይ መጽሓፉ። ይኹን ደኣ’ምበር ሕጂ ኣብ’ዛ በጺሕናያ ዘለና እዋን ካብ ዝኾነ ጸሓፊ፡ ወይ ድማ ናይ ታሪኽ ተንታኒ ንላዕሊ ብዛዕባ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ ክዛረቡ ዘየጸብቐሎም መራሕትን ምሁራትን፡ እቶም ንወደባት ዓሰብን ባጽዕን ቀቲሎም፡ ንመራሕቲ ናይ ጂቡቲ ድርብ ስረ ዘዕጠቑ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል’ዮም። ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ በዓል ጃማይካ’ኮ ብግብሪ ጥራይ ዘይኮነ ብቓላት’ውን ዝገደፉሉ የብሎምን ነቲ ፍልልይ ናይ ሓሳባት። ኣንቱም ሰባት ብሕውነት፡ ብሓይሊ፡ ወይ ብምስምምዕ ምንብባር ዘይከኣል እንተኾይኑ ምሳኻትኩም’ሲ፡ ይኹነልኩም ሕራይ፡ እንተደለኹም ኣግማል ኣስትዩሉ ንወደባትኩም ክሳብ ምባል ኣይተበጽሐን ድዩ? ብወተሃደራዊ ግጥም ንደርጊ ስዒርናዮ፡ ኣብ’ቲ ስዒቡ ዝቐጸለ ናይ ሓሳባት ጥምጥም ድማ ኢትዮጵያ ብዘይካ ወደባት ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ኣይክትበቅዕን’ያ ንዝብል ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ቀቲልና’ዮ ኢና ክሳብ ምባል ኣይተበጽሐን ድዩ?

   እቲ ዝገርም፡ እዚ ከም’ዚ ዝመስል ኣገላልጻ ናይ ህሉው ኩነታት፡ ተባሂሉ ካብ ዝበሃል ርብዒ ዘመን’ኳ እንተተፈቕደ፡ ብንጽጽር ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍልስፍና እንዳ ዝናን ባህታን ነጊሱ ዘሎ ኣረኣእያ መጻኢ ዕድል፡ እዋኑ ዘሕለፈ ኣተረጓጉማ ብዛዕባ ናይ ወደባት ኣጠቓቕማ ሽታሕ ዘበሎ ፍልስፍና’ዩ።  እዚ ፍልስፍና’ዚ  ምስ ዘውድን ደርግን ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ዝነበረ ኣረኣእያ፡ ማለት’ሲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኣገልግሎት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ከም ሃገር ክትቅጽል ከምዘይትበቅዕ ባዕላቶም ዘውድን ደርግን ምስክር’ዮም ዝብል ናይ ተበለጽቲ ሸፈጥ ዘሐንቀቖ ኢዩ። ዝገደደ ድማ ድሕሪ ናጽነት’ውን ነቲ ኣሎ ዝበሃል ናይ ባሕሪ ኣፍ ደገ፡ ኢትዮጵያ ከይትምንጥሎ ለይትን ቀትርን ሓለዋና ንቐጽሎ ዝመስል መጣጥሒ ስልጣኖም፡ ክሳብ ሕልፈቶም፡ ከም ናይ ዓወቶም መዳምቕቲ ኣምሲሎም ናብ እዋን ከቕርብዎ ሕፍር ዘይምባሎም’ዩ።

     ብፍላይ ሕጂ ርብዒ ዘመን ምስ ናጽነት ዝገሃድ ዘሎ ክስተት፡ ወዮ ንመንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝጸገሞም ሜላ ንመራሕቲ ናይ ጂቡቲ ቀሊል ኮይኑ ድርብ ስረ ስለ ዘዕጠቖም፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ተፈጢሩ ዘሎ ምትእስሳር፡ ንዓሰብን ባጽዕን ምስ ኣዱሊስን ዙላን ዘመሓዝየን’ዩ ዝመስል። ኣይግበሮ። ድሮ’ኳ ማይን መብራህትን ኣበ’ስመራ ጠፊኡ፡ ጂቡቲ ግን ማይን መብራህትን ካብ ኢትዮጵያ ትረክባ’ላ ይበሃላ’ሎ። ስለ’ዚ ነዚ ለውጢ’ዚ ክግንዘብ ዘይደሊ’ሞ፡ ምስ ዘውድን ደርግን ዝተሳዕረ ናይ ሓሳባት ዓይነት እናዘመረ ዝቆጻጸ ብላይ ናይ ምግዳል ቋንቋ ኣይጣበቐሉን’ዩ ንህሉው ኩነታትና። ስለዝኾነ ድማ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ብዛዕባ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንኢትዮጵያ ክምዕድ ዝፍትን ናይ ምግዳል ቋንቋ  Ethiopia and Eritrea, a front row cover at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ምስ ዝብል ንለውጥን ዕርቅን ዝቛምት ምሩጽ ኣርእስቲ ዘላፍን ምብልሓት  የብሉን። መሰታ ዘውድን ደርግን’ዩ’ሞ፡ ኣሰር መሳትኡ እንተሰዓበ’ሕሾ። ሓዲሽ ሓሳባት ግን ተሳኢኑ’ወ’ሎ።  ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ መጻኢ ዕድልና፡ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኤርትራዶ፡ ኤርትራ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ መንአን ሃገር ምዃን ከም ዝእግመን ክንረአአ ኢና ካብ ዝብል ጎንፊ ዝናን ባህታን ዘናግፎ ሓሳባት ይደሊ’ሎ።

  ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብስም ናጽነት ኣጋጢሙዎ ብዘሎ ኣደራዕ፡ ካብ ዝወልድ ዝጸንት፡ ካብ ዝስረት ዝስደድ፡ ካብ ዝቐስን ዝሻቐል ይበዝሕ ስለዘሎ፡ ወዮ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ዝብል መሰረታዊ ናይ መጻኢ ዕድል ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል ካብ ዝበረዝዎ ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝገላግሎ ሓዲሽ ሓሳባት’ዩ ጨኒቑዎ ዘሎ።   

   ንደቂ እዋን ዘርብሕ ትምህርቲ ምእንቲ ክስስን ግን ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ኤርትራውነት ዝተሓልፈ ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ዘመዝገቦ ናይ ሓሳባት ምህዞ ኣብ መጻሕፍቲ ምምዝጋቡ ዓቢ ጸጋ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ብዛዕባ ቅዲ ኣመራርሓ ክቡር ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ተድላ ባይሩ፡ ኣድቂቖም ክጽሕፉ ካብ ዝኽእሉ ናይ ታሪኽ መሰኻኽር ሓደ ሕሩይ ተድላ ባይሩ’ዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። እዚ ትጽቢት’ዚ ቅቡል እንተኾይኑ፡ ናየ’ቦታት ጻዕሪ ብናይ ምግዳል ዓይኒ ጥራይ ዝንበብ ከምዘይኮነ ክሰሓት የብሉን።

 ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ናይ ኣቦታት ዕሊ፡ “ጥልያን ንኢትዮጵያ ክትወርር ትገብሮ ዝነበረት ምቅርራብ ዘቖጥዖም ኤርትራውያን ዓበይቲ ዓዲ፡ ከም በዓል ኣቦሓጎይ ከንቲባ ባህታ ጊላንኪኤል፡ ኤፍረም ተወልደመድህን፡ ይስሓቕ ተወልደመድህን፡ ኣፈንዲ ዓንዶም (ኣቡኡ ንጀነራል ኣማን) ሎረንዞ ታእዛዝ .. ብምስጢር እሂን ምሂን እናተበሃሃሉ፡ ኤርትራውያን ምሁራት ናብ ኢትዮጵያ ግዒዞም ኣንጻር ወራር ጥልያን ክሕግዙ፡ ይጽዕሩ ወይ ድማ የተባብዑ ኔሮም።”  ዝብል ናይ ታሪኽ ኩርናዕ ይንበብ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ብናይ ምግዳል ዓይኒ ጥራይ ክንበብ ኣይኣኽሎን’ዩ።  እዞም ዓበይቲ ዓዲ ከንጽፍዎ ዝፈተኑ ናይ ሓሳባት ትሕዝቶ፡ ምስ’ቶም ኣብ እዋኖም ዝመልኩን ዝመርሑን ዝነበሩ፡ ፈረንጅን ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ምንሊክን ክማጎትን ክረዳዳእን ዝበቅዕ ናይ ሓሳባት ጽፍሒ ከምዝነበሮም ዝሕብር’ዩ። ብርግጽ ድማ ምስ ጻዕርታት ምስናዕ ኣማራጺ ሕብረተሰብ ዘተኣሳስር ናይ ስልጣን ተበላጽነት ኣይለግቦምን’ዩ።

ናይ ጀብሃ ምኽትል ፕረሲደንት፡

   ማዕረ ማዕርኡ እምበኣርከስ ንቐዳማይ መራሕመንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ ጡረታ ዕድመኦም ናይ ጀብሃ ምኽትል ፕረሲደንት ክሳብ ምዃን’ዮም ናብ ተጋዳላይ ተቐይሮም፡ ዝብል መደምደምታ፡ እንታይ ርእዮም እዮም ክንድኡ ዝኸውን ለውጢ ኣርእዮም ዘበሃህል’ዩ። ከመይ’ሲ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ሲ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝእመት ትብል ሕቶ ንምምላስ፡ ምእንቲ ሓድነት፡ ምእንቲ ፈደረሽን፡ ከምኡ’ውን ከም በዓል ስልጣን ናይ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ውሻጠ እንዳ ንጉስ ሃይለስላሰ ከየተረፈ ምእታው ዘይጽግሞም መራሒ’ዮም ኔሮም። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ስጉምቲ እዚኣ ዝበጽሑሉ ናይ ሓሳባት መንጸፍ ምስ ሆ ሆ ናይ’ቶም ትምህርቶም ዘይወድኡ ተመሃሮ ዝስራዕ ኣይመስለንን።

 ከመይ’ሲ፡ ናይ መንግስቶም፡ ማለት መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ አኮኖምያውን ኣውራጃውን ዳይናሚዝም ኣብ እዋን መንግስቶም ይኹን ኣብ እዋን ምፍንጣሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ እንታይ ዝመስል ከምዝነበረ ካብ ሰቦም ንላዕሊ ኣዳዕዲኦም ዝፈልጡ መራሒ እዮም። ስለ’ዚ ከም’ዚ ዝመስል ውዑይ ፍልጠትን ተመኩሮን ሒዞም ኣብ እርጋኖም ናይ ጀብሃ ምኽትል ፕረሲደንት ክሽየሙ እንከለዉ፡ ንደቂ ጎንደርን ትምህርቲ ጎንደርን ንዒቓ፡ ንጻዕርታት ካይሮን ደማስቆን ኣድኒቓ ክትፍጠር ትሕሰብ ዝነበረት ናይ ኤርትራ ዓይነት፡ ካብ’ታ ኣብ ቅድሚ ስልጣኖምን ኣብ ቅድሚ ናይ ፈረንጂ ኣማኸርቶምን፡ ንራቢጣን ኣንድነትን ላሕ ዘበለት ናይ ኤርትራ ዓይነት ተፈልያ እንታይ ክትመስል ከምትኽእል ካብ ሰብ ንላዕሊ ክበርሃሎም’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ’ሞ፡ ክሳብ ካይሮን ደማስቆን ዝወሰዶም ባህላዊ ሃይማኖታዊ አኮኖምያውን ፖለቲካውን ብልጫ ብቓላት እንተዘይቀሪቡ፡ መዓርግ ሽመቶም ምጽብጻብ ጥራይ ናብ ዘየድሊ ሕሜታ ከምርሕ ይኽእል’ዩ።

 ላ’ዶልቸ ላ’ቪታ ይህልዋዶ መተካእታ?

   ስለዝኾነ ድማ ኣብ ናይ ጡረታ ዕድመኦም፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ናብ ስዊድን ዓሊቦም’ሲ፡ ክሳብ ካይሮን ደማስቆን ከይዶም ናይ ጀብሃ ምኽትል ፕረሲደንት ክሽየሙ ዝመረጹሉን፡ ዝተመርጹሉን ናይ ሓሳባት መንጸፍ እንታይ ይመስል ኔሩ፡ ንዝብል ትጽቢት ዘዕግብ መልሲ የብላን እዛ ሓዳስ መጽሓፍ። ብርግጽ ኣብ ኣፈራርሳ ፈደረሽን ዝተራእየ ኣገባብን ውጽኢቱን ጽቡቕ’ዩ ኔሩ፡ ንምባል ዘይኮነ’ሲ መኣረምትኡ ወይ ድማ መተካእትኡ እንታይ ክመስል’ዩ ዝሕሰብ ዝነበረ ንምባል’የ።

  ብተመሳሳሊ ኣበሃህላ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ካብ ዝነበሩ ናይ ናብራ ደረጃታት እንዳ ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካበ’ስመራ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብመኪና ጥራይ ዘይኮነስ ብነፋሪት’ውን ምምልላስ ዘይጽግሞ፡ ላ’ዶልቸ ላ’ቪታ፡ ዝመስል’ዩ ዝነበረ ናብርኦም። ሕጂ’ውን እዚ ኹሉ መረረ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብመጻሕፍቲ እንዳተነግረ፡ My beloved and most respected mother is still living. She is now in Addis Ababa, staying with the family of one of my ssiters. ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ገጽ 280 ይንበብ። እወ ኣደና ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሰን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን። ናይ ምምላስ መሰል እንቋዕ ኣይተነፍገን። ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረለን። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም’ታ ናተን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምንብባር መሰሉ፡ ብልምዱን ብባህሉን ክኣልያ፡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ዝሓለፈ ይኣክል ኢሎም፡ ኣእዳዎም ክእክቡሉ ጸሎተንን ምርቐአንን ይርድኣዮ።

     ምናልባት ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከምኡ ዝመስል መቐረት ዝነበሮ ሂወቶም ዕግበት ስኢኖሙሉ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጭቆናን ድኽነትን ናይ ሓፋሽ ኣተሓሳሲብዎም’ዩ፡ ናይ ጀብሃ ምትል ፕረሲደንት ተሸይሞም ክበሃል እንተኾይኑ ዝድለ ዘሎ ከኣ፡ እሞ ብባህሊ ብአኮኖሚ ብሃይማኖት ከምኡ’ውን ብልኡላውነት እንክረአ፡ መዳሕንቱ ንመጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካይሮን ደማስቆን’ዩ ተቐቢሩ ዝብል መርትዖ ኣበየናይ መጽሓፍ ከም ዝገደፍዎ ሓበሬታ እንተ’ሎ፡ ሓቢርና እንተንመሃሮ ክንደይ ምጠዓመ ኔሩ።

  እንተዘይኮነ ግን ተዋህዶ ሃይማኖት ብግዕዝ እትምህሮ ንህዝቢ ክርድኦ ስለዘይከኣለ እስልምና ከስፋሕፍሕ ክኢሉ። እዚ ኩነታት’ዚ ዘተሓሳሰቦም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግሪኛ ተርጒሞም፡ በብጉጅለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለማሚዶም። ንእገረ መንገዶም ድማ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ቀስቂሶም። ዝብል ሓሳባት ዘድንቕ መበገሲ ዘለዎ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዝዛሙ ኣብ ካይሮን ደማስቆን ዓሊቡ ንጀብሃ ክመርሕ ዝቖረጸ ሓሳባት በ’ድንቖት ከቕርብ ምፍታኑ፡ ኣብ ኣንበብቱ ዘለዎ ግምት እንታይ ከም ዝመስል ዝሕብር’ዩ፡ ዝመስል። ምናልባት ነዚ ኹሉ ሕውስውስ ምድማር ዝፍተን እንተኾይኑ እንዳ ባይሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘበርከትዎ ናይ ፖለቲካ ሓሳባት ንጹር መርገጽን መጠርነፍን የብሉን።

    ዝሓለፈስ ሕሰምና ዝመጽእ ድማዕና ይግበሮ ከምዝብሉ መሰልቲ ግን፡ ሕሩይ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ መጽሓፉ ዘንጸባርቖ ናይ ኣቕዋም ለወጢ’ሎ። ፈለማ ዝነበሮ መርገጺ ናብ ወተሃደራዊ መንገዲ ዝዝምብል’ዩ። ንኣብነት “ሓው’ቦኡ ኣብ ቤት ማሕቡስ እንከለዉ፡ ምእንቲ ናጽነት መስዋዕቲ ምኽፋል ከምዘድሊ የተሓሳስቡ ኔሮም።” (ገጽ 18) ንዝብል መርገጺ ብኣንክሮ ይዝክሮ። ከምኡ’ውን “ኣብ እዋን ንጉስ ሃይለስላሰ ካብ መታሕት ናይ ኤርትራ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ምስ ወሓዙ፡ ዶክተር በረኸት ሃየ በል ሎምስ እነሀዉልካ ምስ ወተሃደራትካ ክኽተቡ ዝኽእሉ ዑቑር ዓቕሚ፡ ብምባሉ ኣገሪሙኒ።” (ገጽ 91) ይብል። ኣብ መወዳእታ ግን ንሜላ መስዋዕትን ዕስክርናን ሰጊሩ፡ ምስ’ቲ “Eritrea and Ethiopia – A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution.” ዝብል ኣርእስቲ ናይ መጽሓፉ ዘሳን’ዩ ንእዋን ዘርብሑ፡ ከም “ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ” ገጽ 215 “ኮንፈደረሽን” ገጽ 264 ከምኡ’ውን ኣብ ምርቃቕ “ናይ ኣልጀሪስ ውዕል” ገጽ 215  ናብ ዱሩዕ ዘቕረቦም ነጥብታት ዘኪሩ፡ ብዘተን ብምብህሃልን’ዩ ለውጥን ዕርቅን ዝመጽእ ናብ ምባል ይቐንን። ዝቕጽል ይግበሮ።

ኣብ መወዳእታ ፈልየ ክጠቕሰን ዝደሊ ነጥብታ፡

1.      ኣብ ገጽ 16 ግራዝማች ናብ እንግሊዝ ምስተተርጎመት “commander of the right flank” ተባሂላ’ላ?

2.     ኣማውታ ኣብርሃም ተወልደ ብዝምልከት ኣብ ገጽ 100 ዘሎ ጽሑፍ፡ ብ1974 ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንተስፋሚካኤል ጆርጆ ምስተወከስኩዎ፡ ኣብ ሰገነይቲ ትርከብ ናይ ጥልያን ባር ዝበልዓ ምግቢ’ያ ቀቲላቶ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝቐተለቶ’ውን ገሊጹለይ። ይብል። ብዙሓት ንፕረሲደንት ኢሳያስ ከልግቡሉ’ዮም ክፍትኑ ጸኒሖም’ሞ፡ እዚኣ’ውን ኣድህቦ ክግብኣ’ዩ።

3.     ድጃዝማች ኣበራ ካሳ ሃይሉ - ጥሪ 1884 ኣብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ ሸፈቱ። ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዝፈልጦም ካፒታኖ ፔቲኒ ክላ ወደይ ሽፍትነት ይትረፍካ፡ ምስ መንግስቲ ክዓርቀካ ክብሎም ናብ ቦትኦም ይኸይድ’ሞ፡ መጋቢት 1 -1884 ኣብ ከባቢ ደቂ ሸሓይ ቀቲሎሞ ናብ ኢትዮጵያ ገዓዙ። ሃጸይ ምንሊክ ከኣ ብኽብሪ ተቐበልዎም። መዓርግ ደጃዝማችነት’ውን ኣልበስዎም። ኣብ መወዳእታ ክሳብ 1894 ኣብ ትግራይ ጸኒሖም፡ ካብኡ ኣብ ከምባታ ናይ ኣንጋቻ ግዝኣት ተዋሂቡዎም ክሳብ ዝሞቱ ብኽብሪ ተቐመጡ። (8፡ 196)

4.     “The term ‘Kibur’ is applied in Eritrea, to a person who is governed by ancestral laws, belongs to an Adi commune, owns a guaranteed source of livelihood, represented in Adi landownership, and is not subject to a feudal lord.” P: 71 ክቡር ማለት’ሲ ነጸዋውዓ ላዛን መቐረትን ዝውስኸሉ ምቁር ቃል’ምበር መዓርግ ወይ ሽመት የመልክት ድዩ? ደብዳቤ’ኳ ናብ ክቡር ሓወይ ናብ ክብርቲ ሓውተይ ክብርቲ ኣሞይ .... ክቡር ዓርከይ .. ተባሂሉ ዝጸሓፍ።

ለውጥን ዕርቅን ዘስፍን ፋሲካ ይግበሮ!

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

04/16/17

References:

1.      The Economist January 7th – 13th 2017

2.     The Economist March 22 -28 2008 A tiny country makes the best of a bad neighborhood.

3.      The Economis 1843 February/March 2017   

4.     Europe in the aftermath of WW-II. Savage Continent – Keith Lowe 2012

5.     Understanding Eritrea, Inside Africa’s Most Repressive State – Martin Plat 2016

6.     ኣይንፈላለ - ኣለምሰገድ ተስፋይ

7.     ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ 1951-1955 - ኣለምሰገድ ተስፋይ

8.     የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንስኤና መፍትሔ - ዶ/ር ደጃዝማች ዘውዴ ገብረስላሴ 2007 ብግዕዝ

9.     የኢትዮጵያንና የኤርትራን ያልተቋጨ እሰጥ ኣጋባን ለመስበር - ገራገር ዘበርጋ 01/26/2017

10.    Eritrea and Ethiopia – A front look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution Herui Tedla Bairu 2016


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...