Source StylesFormatFontSize

“ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ገዛእ ሃገርካ ወይ’ውን ካብዚ ብዝዓዘዘ ኣብ ቤትካ ወይ’ውን ካብ ገዛእ ርእስኻ ይጅምር”

“ኤርትራውያን ነበርቲ እገለ ካብኣቶም ዝድለ ግቡኣት ከማልኡ ቅሩብነቶም ገሊጾም” ዝብልን ዝመሳሰልን ጥራይ ዋሕዚ ዜናታት መንግስታውያን መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ኣብ ዝደጋገመሉ፡ ንመሰረታዊ መሰል ሰብ ዝገልጽ ቪድዮ ምድላው ኣገዳሲን እዋናዊን ይገብሮ። ግቡኣቱን ግዴታቱን እምበር መሰረታውያን መሰላቱ በቲ ዝምልከቶ መንግስቲን ምምሕዳርን ተሓቢሩዎ ንዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (1948) ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ኣብ ኤርትራዊ ዓንኬላት ንምብጻሓ እንሆ ሓደ ዕዉት ስራሕ ተኻዪዱ።

እዛ “ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣርእስቲ ተተርጒማ ካብ ወርሒ ሕዳር 2016 ኣትሒዛ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ ዘላ ሰነድ ቪድዮ፡ ብዋና ኣካያዲን መስራቲን መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ኣቶ ተስፋልደት መሓረና ዝፈረየት ኰይና፡ ብጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ ዝተኣልየት ኢያ። ነዛ 25 ደቓይቕ እትኸይድ ሰነድ ካብ እንግሊዘኛ ብውሕሉል ቋንቋ ናብ ትግርኛ ዝተረጐሙ ድማ ዑቕባይ ገብረመድህን፡ ሳሙኤል ገብረሂወት፡ ገብርኤል ጓንጉል እዮም።

እዛ ሰነድ ብኣዝዩ መሳጢ ምቅንባር ናይ ድምጺን ግራፊካዊ ምንቅስቓስን ተሰንያ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በበይኑ ሕሰም ደው ክብል ትጽውዕ እሞ ዳሕራይ ድማ ነቶም 30 ዓንቀጻት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ትዝርዝር። ኣብዛ ስራሕ ኣብ በበይኑ ሃገራት ዝርከቡ 34 ስነ-ጥበበኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤት ግዳያት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ተሳቲፎም ኣለዉ።

ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብጽሑፍ ጥራይ ተርጒምካ ምዝርጋሑ ቀሊል ደኣ ይንበር እምበር፡ ብድምጺን ቪድዮን ምስራሑ ግን ምስቲ ናይ ባህሊ ንባብን ምቹእነትን ዝያዳ ውጽኢት ክህሉዎ ይገብር።

ግዳይ ተደጋጋሚ ዓመጻት በበይኖም ሓይልታት ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእን መሰልን ንምፍላይ’ውን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ በጺሑ። እዚ ርኡይ ምድንጋር ኣብቶም ዘወርቲ ዓመጽ ሰበ-ስልጣን ዘይኰነስ ኣብቶም ንዓመጽ ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ “ተጣበቕቲ” ወይ “ተቓወምቲ” ናይቲ ስርዓት’ውን ከይተረፈ ተደጋጊሙ ስለ ዝርአ ንዅሉ ብማዕረ እትምልከቶ ኣገዳሲት ሰነድ’ያ።

ምትርጕምን ምዝርጋሕን እዛ ሰነድ ኣዝዩ ኣገዳሲ--ክንዲ ዝዀነ ከኣ ኣብ ቢቢሲ’ውን ከይተረፈ ንዕኡ ዝምልከት መደብ ተዳልዩ ነይሩ--እኳ እንተዀነ፡ ክንድ’ቲ ክበጽሖን ክዀኖ ዝግበኦን ዝርጋሐ ዝረኸበ ግን ኣይመስልን። ንምዃኑ መበገሲ፡ ኣድላየትን ፍሉይነት እዚ ዕዮ እንታይ እዩ? ነዚ ሕቶ ንምምላስ ንኣርባዕተ ሰባት ኣዘራሪብና ኣሎና፤

ተስፋልደት መሓረና (መስራቲን ዋና ኣካያዲን መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ/ዋና ኣፍራዪ’ያ ፊልም)፤ መሰረታዊ መሰላ ሰብ ኣብ ዘኽብሩን ብንቘልዑና እንከሎና’ውን ሕቶታት ክንሓትትን ድላይና ክንገልጽን ኣብ ዘተባብዑ ስድራቤት’የ ዓብየ። ድሕራይ ካብ ሃገረይ ተሰዲደ መሰል ሰብ መሰረታዊ ኣምር ምዃኑ ኣብ ዝኣምንን ዝሰርሕን ሕብረተሰብ ምስ ኣተኹ፡ ብዛዕባ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ክሓስብ ኣኽኢሉኒ።

ነዛ ቪድያ ንኸዳሉ ድፍኢት ዝዀነኒ ቀንዲ ምኽንያት ግን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተመሊሰ ዝረኣኹዎን ዘጓነፈኒ ዘይተጸቡኹዎ ክስተትን እዩ። ቀንዲ ሕልመይ ኣብ ኣስመራ ናይ ሓበሬታ መራኸቢታት (IT) ቤት ትምህርቲ ንምኽፋት’ዩ ነይሩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ነቶም ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ንኽላለዩን ክዋስኡን ዕድል ዘይረኸቡ ባይታ ምፍጣር’ዩ ነይሩ ዕላማኡ። ምስኡ ተኣሳሲሩን ብማዕረ ዝኸይድን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝመበሩ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ክኸፍት ሕልሚ ነይሩኒ።

ኣስመራ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ድሮ’ታ ዝኣተኹላ ምሸት፡ ኣብ ከባቢ ስድራቤተይ ዝቕመጡሉ ከባቢ ሓደ እንዳ ወርቂ ድኳን ተዘሚቱ ሓዲሩ። ድሕሪኡ ፖሊስ መጺኦም ንምሉእ ነባሪ’ቲ ከባቢ (ሓደ ብሎክ) ኣሲሮሞ። ብዘይካ ስድራይ ኵሉ እቲ ገዛውቲ ተኣሲሩ፣ እንኮላይ እታ ንስድራይ ኣብ ዘቤታዊ ስራሓት እትተሓጋገዞም ዝነበረት መንእሰይ።

ከምዚ ዝመስል ሃንደበታዊ ግፋን ጃምላዊ ማእሰርቲን--እሞ ከኣ ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት--ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝውቱር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሓራ ሃገር ግን ዘደንጹን ዘተሓሳስብን’ዩ ነይሩ። ነዚ መሊሱ ዘብእስ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ሓዲረ ምስ ሓደ ዓርከይ ንቝርሲ ክኸይድ ከለኹ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ መንእሰይ ኣብ ጽግርያ ዓው ኢሉ ክገንሓን ከጕባዕባዓላን ገጢሙኒ። ጸኒሓ ንሳ ተእዊ ንሱ ድማ ክሃርማ ጀሚሩ።

ከምዚ ዝመስል በበይኑ ኣጋጣሚታት ኣብ ካልኣይ መዓልተይ ከጓንፍ ከሎ ዘይንቡር ኣጋጣሚ ዘይምዃኑ ክግንዘብ ኣይተጸገምኩን። ቀዲሙ ኣብ ሓንጐለይ ዝመጸ ድማ ብዛዕባ መሰረታዊ መሰላት ደቂ-ሰብ ዘፋልጥ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክበጽሖ ብዝኽእል መገዲ ከናዲ ከም ዘሎኒ ዘኪረ። ምኽንያቱ እተን ኣጋጣሚታት ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ሰፊኑ ዝነበረ ስእነት ግንዛበ ሰብኣዊ መሰል ዝሕብራ’የን። ስለዚ ምስ ብዙሓት መሰርሕተይን ኣብዛ ስራሕ ዝተሳተፉን ዜጋታት ኰይነ ነዛ ቪድዮ ከዳሉ ዝደኸምኩን ተገዲሰ ዝዓየኹን መልሲ ነቲ ነዊሕ እዋን ኣብ ሓንጐለይ ዝተቐመጠ ንሰብኣዊ መሰል ንምፍላጥን ምዝርጋህን ዝዕላማኡ ሕልሚ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚኣቶም መሰረታውያን ብትውልዲ ዝምልከቱኻ ሰብኣዊ መሰላት እምበር ሓለፋታት ዘይምዃኖም ክፈልጥ ከኣ መሰል ኣለዎ።

ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዳርጋ ንዅላቶም መሰረታውያን መሰላት ዝገፍፍ እዩ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ኣብ ፍርዲ ዘይቀረቡን ገበኖም ዘይተፈልጠን ንጹሃን ግዳያት ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ሃገራዊ ቅዋም ኣይተተግበረን፣ ናጻ ፕረስ የለን፣ ፖለቲካዊ ዓመጽ ዝወለዶ ቍጠባዊ ሕሰም ተዀሊዑ ኣሎ።

ኵሉ ዓንቀጻት ኣህጉራዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ንተመሳሳሊ ዕላማን ሓርነትን ዝጽውዕ ደኣ ይዅን እምበር፡ ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ዓንቀጽ ኣርባዕተ ናይቲ ኣዋጅ፡ “ሓደ ሰብ እኳ ጊልያ ክኸውን ወይ ብጊላነት ከገልግል ኣይግባእን፣ ጊላያነትን መሸጣ ሰባትን ብዅሉ መልክዓቱ ክልኩል እዩ፡” ይብል። እዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣብ ሃገርና ምስ እንርእዮ ብቕሉዕ ተጣሒሱ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ናብ ጊላያነት ዝኸደ ዓስክርናን ተዓሲቦም ክነብሩ ግደዱ ኣለዉ። ካብታ ሃገር፡ ካብቲ ስርዓትን ኣብ ፈቐዶኡ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ፡ ደለልቲን ሸየጥቲን ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ንምህዳም ሓርነቶም ንምርካብን ድማ ክንደይ መሰናኽል ክሰግሩ ይግደዱ ኣለዉ።

ስለዚ እምበኣር ነዚ ዝመስል መሰረታዊ ኣዋጅ ብኤርትራዊ ቋንቋ ምድላዉ ዓቢ ስራሕ ይገብሮ፣ ንዝወለዶታት መወከሲ ኰይኑ ክቕጽል ምዃኑ ከኣ ኣተባባዒ’ዩ።

ካሳሁን ቸኮል (ዋናን ኣካያዲን ሬድ-ሲ ፕረስን ኣፍሪቃ ዎርድል ፕረስን)፤ እዛ ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት እትገልጽ ቪድዮ ኣዝያ ኣገዳሲትን እዋናዊትን ስራሕ ኢያ። ኤርትራ ካብተን ፈረምቲ ኣህጉራዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ደኣ ትዅን እምበር፡ ኣብ ግብሪን እቲ ዝነበረ ትጽቢትን ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ንህዝቢ ኢና እንውክል ዝብሉ መንግስታት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ትጽቢታት ከተግብሩን ብዘጕደሉዎ ድማ ክሕተቱን ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ መሰላቱን ግቡኣቱን ክፈልጥ ምሉእ መሰል ኣለዎ። ዝሓለፈ 25 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ግቡኣቱ ከተግር እምበር መሰላቱ ክሓትትን ክረክብን ዕድል ኣይተዋህቦን። እዛ ቪድዮ ድማ ዳርጋ ንዅሉ ኤርትራዊ ክባጻሕ ብዝኽእል ቋንቋ፣ እንታይ ግዴታታት ከማልኡን እንታይ መሰላት ክሓቱን ከም ዘለዎም ብጽቡቕ እተርኢ ኢያ። እዛ ሰናድ ኣዝያ ዓባይን ኣገዳሲትን ደኣ ትዅን እምበር፡ ነዚኣ ከም መበገሲ ወሲድና ግን ኪንዮኡ ክንከይድ ኢና ንጽበ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ መሰላት ከም ዘለዎ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ፣ ድሕሪኡ ጥራይ ከኣ’ዩ መሰላቱ ብግቡእ ንኽሓትትን ጐዲሉዎ ዘሎ ብቐረባ ክርዳእን ዝኽእል።

ዳኒኤል ረዘነ (ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት/ክኢላ ኣህጉራዊ ሕጊ)፤ ኵሉና ከም እንፈልጦ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኰነ ኢልካ መሰልን ግዴታን ሓናፊጽካ ናይ ምቕራብ ወግዓዊ ኣዘራርባ ኣሎ። ሕሉፍ - ሓሊፎም'ውን፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ "መሰለ-ግቡእ" ዝብል ሓረግ ክጥቀሙትርኢ ኢኻ። ዝዀነ ጨቋኒ ከምኡ'ዩ ዝገብር። ህዝቢ መሰላቱ ፈሊጡ ከይነቅሕን ንመሰላቱ ደማ ተጊሁ ከይቃለስን መታን፡ ወትሩ ግዜ ግቡእ ልዕሊ መሰል ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ'ዩ ከፍልጥ ዓንገረር ይብል። እቲ ሓቂ ግን መሰል ዘይፈልጥ ኣተገባብራ ግቡኣት ምልኪጥራይ'ዩ ዘንግስ። ንሱጥራይ ዘይኰነ፡ ገለ-ገለ መሰላት፡ ግቡእካ ፈጺምካ ኣይፈጸምካ ብዘይገደስ፡ ብዀነ ይዅን ምድራዊ ሓይሊ ክግሃሶ ዘይግበኦ መሰላት'ዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ካብኡ ምጥቃስ ይከኣል፤ ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ከይትእሰር ወይ ከይትርሸን ብሕጊ ዝተሸነነልካ  መሰል'ዩ።

ኣገዳስነትናይዚተሰሪሑዘሎስራሕ፡ምስቲኣብኤርትራነጊሱዘሎሕጊ-ኣልቦነት ንመጠን ዝሓለፈ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣዛሚድካ ክትርእዮ እንከለኻ ፡ብዙሕ መብርሂ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ይዅን እምበር፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኰረ ሰነዳት፡ እሞ ድማ ከም "ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት" ዝኣመሰሉዎ ኣገዳሲ ሰነድ፡ ብኸምዚ ዝበለ ውሕሉል ኣቀራርባ ክዳሎ ምኽኣሉ፡ ዝነኣድ ተበግሶ ኰይኑ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት መሰረታዊ ኣፍልጦን ኽህሉ ሓጋዚ ተራ ክህሉዎ ምዃኑ ይርኣኒ። ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር እንተዀይኑ፡ ካብቲ መሰረታዊ ነገራት ሓደ፡ ሓበሬታ ብቐሊሉ ናብ ህዝቢ ከም ዝባጻሕ ምግባር'ዩ።

ከዲጃ ዓሊ (ተጣባቒት መሰላት ደቀንስትዮ)፤ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ሕቶ ሰብኣዊ መሰል`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽቱን ሰብኣዊ ሓርነቱን ንምርግጋጽ ንፍርቂ ዘመን ተጋዲሉ፣ ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ።እዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ ብሱታፈን ቃልሲን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ዓወት እዩ። ካብ ሃገራዊ ናጽነት ናብ ሓርነታዊ መድረኽ ንምስጋር ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣየኽኣለን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ብዓንተቦኡ ንትስፉው መጻኢ ዘሰጋግር መገድታት ክዓጹን ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ስጕምታት ክወስድን ጀሚሩ።

ኣብ ኤርትራ ግፍዒ ገንፊሉ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብጃምላ ተጋሂሱ፣ ኤርትራዊ ብዘይገበን ይእሰር፣ ብዘይ ፍርዲ ይበሊ፣ መንእሰይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወፍሪ-ባርነት ይበሊ፣ ዕድል ረኺቡም ዝሃድሙ፣ ኣብ ጕዕዞኦም ሞትን ኣብ መጻወድያ ደለልቲን ሽቃጦ ወዲ-ሰብ ይወድቁ፣ ካብኦም ዝተረፉ ኣብ ምድሪ-በዳ ብጸሓይን ጽምኢን ይሞቱ፣ ዝደሓኑ ኣብ ማእከል ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ይዀኑ፣ ውሑዳት ከኣ ኣብ ዓዲ ስደት ከርተት ይብሉ።

ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸዶ ዝተናወሐ ጕዕዞ ኣብ መስርሕ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ፖለቲካዊን ባህላዊን ክውንነት ህዝቢና ዝገደፎ ዘይሃስስ ስምብራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ብሓፈሻ፡ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ኣዋጅን ሰብኣዊ መሰላትን ብፍላይ፡ ንምልላይ፡ ንቕሓትና ክብ ብምባል፡ ኣፍልጦና ንምስፋሐን ባህሊ ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ንምዕዛዝን ሕጂ ወሳኒ ግዜ’ዩ። ነዚ ብምግንዛብ ሰፊሕ ወፍሪ ኣብ ኵሉ መዳያት ብፍላይ ብመገዲ መራኸቢ-ብዙሃን ምክያድ ንምዕዋቱ ዘለዎ ኣድላይነት ናይ ኵሉና ሓላፍነት ምዃን ብምግንዛ ነዚ ብመርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝተወሰደ ተበግሶ ንምዕዋት እጃመይ ንምጽዋትን ድማ ኣብዚ ናይ ቪድዮ ሰነድ ተሳቲፈ። እዚ ሰፊሕን ቀጻሊን ናይ ምንቃሕን ምስትምሃርን መደብ ኣብ ውሱናት ተደሪቱ ዝተረፍ ስለ ዘይኰነ፡ ውልቀ-ሰባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ፖለቲካውያን ውዱባት መራኸቢ-ብዙሃንን ነዚ ዕዮ ክቕጽለኦ እጽውዕ።


  

ብደሳለ በረኸት ዝተተርጎመ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ብቋንቋ ትግረ ኣብዚ ጠዊቕኩም ከተንብብዎ ይከኣል። 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...