ነፍሲወከፍ ብራና ኤርትራ እንተዝግንጸል በብመድረኻቱ ሰኒድዎ ዝርከብ ፍጻሜታት ረዚንን ክቡርን’ዮ። ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝሓለፎ ሽግርን መኸራን ንገዛኣ ርእሱ ሓደ ኣብነት ካብቲ ብዙሕ ፈሊኻ ክትጥምቶ ዘይትኽእል ምኳኑ ሓደ ምስክር’ዮ ። ነዚ ርብዒ ዘመን ዝረገጸ መሪር ቃልሲን ወርቃዊ ዕድመ ንእስነት ፥ ደም ኣሻሓት ዓበይንትን ናኣሽቱን፥ ቀያሕትን ጸለምትን፥ ኣቦታትን ኣዴታትን ለኪሙ እዮ ድርዒ ናጽነት ተጓናጺፍ። ኣብቲ ናጽነት መጺኡ ኢሉ ብርኺ እግሩ ከይስበረ፡ ዋሕዚ ንብዓት ኣዒንቱ ከይለገሰ፥ እፎይታን ብልጽግናን ከየሰተማቐረ ንንኡስ ወለዶ ክኸፍል እዮ ተፈሪዱ። 

እቲ ናጽነት ኮይኑ ኣብ ግሊያነት ስርዓታትን መግዛእታትን ተገላጊለ ኢሉ ዕድመ ንእስነቱ ተማሂሩ፥ ከስተማቕረሉን ቀሲኑ ዝሓድረላ ሃገር ክትኾነሉ፥ ብሰላም ኣትዮ ወጺኡን ዝምለሰሉን ፡ ጥጡሕ ሂወት ክመርሕ ዝሓሰበ መንእስይ ኤርትራ ወናኒ እዚ ዕድል እዚ ኮይኑ ክነብር ኣይተዓደለን።

ጎረባብትና ሃገራትን ብፍትሒን ዲሞክራሲን ዝተማእኸላን፥ ዝሓበረን መንእስያት ኣብ ብልጽግናን ንምርሻን ኣብ ቅልሳዊ ተኽኖሎጂካዊ መስርሕ ሂወት ዜጋታትን እናተሓንበ፡ መንእስይ ኤርትራ ግና መጻኢኡ ከስተማቕር ዘይተዓደለ ፍጡር እዮ እንተተባሃለ ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ምስኽር ተቕርበሉ ኣይኮነን። ስሪ እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ እቲ ድርዒ መላእ ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእስይ መሰሉ ተረጊጹ፡ ዕድመ ንእስነቱ ኣብ ግዱድ ዕስክርና፡ ተሓዚኡ ከይኣኽል፡ እቲ ንመሰል ህዝቢ ንብልጽግና ሃገርን ፍትሒን ፡ ዲሞክራሲን ኤርትራ ብዙሓት ዝወደቁላ ውሑዳት ዝሕጉስላ ሃገር ንኸይትኸዉን ፡ ብፍትሕን ዲሞኽራሲን ዝተማእከለት ሃገር ንምግባራ፡ ናይ ዝጻዓሩን ዝጽውዑን ስብ መትከል ዜጋታት ተጣበቕቲ ንመሰልን፡ ሳላ ውጹዕ ህዝቢ ድዉ ኢሎም ድምጾም ስለዝስምዖ፡ እቲ ፍትሒ፥ ሓቂ፥ ዲሞክራሲን ዘይንታኣዮን ጨኳኒ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋዊን ዘይፍርዳዊን ማእስርቲ ተሓይሮም ዘለዎ ክንዲ ጸጉሪ ርእሲ እዮም።

እዚ ኣብ መንእስይ ኤርትራ ወሪዱን ዝወርድን ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን ምግሃስ መስላትን ፥ ብዕድመ ዜጋታት ምጽዋትን ዘኽትመሉን ግዜ ስለዝነወሖ ከኣ እዮ ነታ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ክትትምናን ክትትኻኣን ዘይትኽእል ክብርቲ ሂወቱ፥ እንተ ንሂወት እንተ ንሞት ብምባል ካብቲ ግዱዱን ምልካዊን ኣመራርሓ ወጺኦም፡ ሂወቶም ብሰላም ክመርሑ ኢሎም ናብ ዝሓስብዎ ቦታ (ኣንፊ) ክምርሾን፡ ብዘይካ ካብ ብሱል ጥረ ኣደዳ ባሕሪን ምድረስሃራን፡ ግዳይ ምጉዙዛይ ኣካላትን ሰብ ኮይኖም ኣብ ኣእዛንና ኣውያቶምን ፥ ስቕያቶም መዓልታዊ እንኽንሰምዖ ነብስ ስጋና ዝሽምርረና ዘሎ።

ዝኮነት ስድራ ኤርትራ ኣብ ርብዒ ዘመን ቃልሲ ድርብራባት ደቃ ንናጽነት መሪቓ ኣፋንያይ ኢያ፡ ክሳብ እታ ሓደ ምስ ወፈየ ኣብደነ ዝብላ ማህጸና ከም ቦኽሪን ሕሳስ ልደን ውሉዳ፡ጸግሩ ርእሱ ኩሊላ ምልኽት ጌራ፡ ከም እንቕቑሑ ከይሰበራ ከይወደቓ እናተኸናኸነት ደድሕሪኡ ስጉማ ካብ ኣፋ ናብ ኣፉ እናወተፈት ዘዕበየት፥ ኣደ እዉን ዓደይ ድኣ ነጻ ትኾነለይ እምበር ኢላ መሪቓ፡ ውሉዳ ሓደ ዘይኮነ ኣሻህ ኣእላፍ ኮይኑ ክመጻኣን መሪቓ ምድሪ ጥብጢባ ዝልኣኸት፥ እዚ ከይኣኽል ከያፊቶ ስኒ ተነቒሉ ከይተከኣ ዓደይ እንተሃሊያ እንዲየ ኣነ ዝህሉ ኢሉ ኣስር ኣሕዋተይ ብምባል ብዝኸዶ ዘይተመልሰ ዕሽል መንእስይ ፡ ኣስር ኣዴታታ ኣሓታ መሲላ ክትወልድ ክትዝምድ ሕጋዊ ተፈጥሮ ዝእዝዛ ክነሱ ካብ ርጋጽ እግሪ ሓወይ ኣይተርፈን ብምባል ኣስር ዝስዓበት ጎርዞ፡ ደቂ ሓደ ስድራ ብቑጽሪ ብርኹታት ብሓደ ዝሓለፎ ብምምራሻ ንስለ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ዘጓናጸፈት ስድራ ኤርትራ ከመይ በሊና ኢና እሞ ክንቖጽሮ።
ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ስለዝኾ ። እንቲ ምንታይ ታሪኽ ኣብ ሎምን ትማልን ብምኳን ባዕሉ ስለዝዛረብ ። እሞ’ክ ድኣ እዚ ከይኣክል በዚ ከየኽትም ባሕሪ ምድረበዳ ክኣ መድረኽ ክኸፈተልና? ይኣክል! ንህዝቢ ኤርትራ ካልእ ክድገሞ፡ ዋሕዚ ንብዓት ኣዒንታ ዘይሓበሰት ኣደ፡ ሒማይ እናበለት ምስሊ ባዓል ውሉድ ኪዳና ከየትረፈት ኣብ ንእዳ ኮይና ዝተጸበየትን ዘቓመተትን ፡ ነቲ ሓደ ከም ሓሙስ ዝኾነ ብዝወጾ ከይተመልሰ ውላድ ዘየግዘማ ውሉዳ ንዕርብራቦ ዝሓለፈ፡ ድርብራባት ብፍቕዲ ዘግዘሙ ጠዋሪ ዘይረኸቡ ስድራ ፡ ክንዲ ግምጃ መስዋእቲ ፡ ክብሪን ሕጂ ድማ ንሓዉ ፥ ንወዲ ስውእ እዚ ክድረቦ,,,,,,,,,,፣ ድርብራባት ሓዘን እዮ።ዕድመ እኹል ሰብ ዘይበጽሑን ሕቖፎ ስድራቤቶም ከስተማቕሩ እናደለዮን እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ብምባል ናብ ዝሓሽ ቦታ ይኾነኒ ኢሉ ናብ ዝሓሰቦ ቦታ ስጉሚ እግሪ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን እንተኾነ ግዳያ ሽፋቱ ኮይኖም ኣብ ኣደዳ ስቕያትን መግረፍትን ማእስርትን ብምኳን ይቕጥቕጡን ይሳቕዩን፡ እዚ ከይኣኽል እታ ኣብ ማህጸና ድቂ ሒዛ፡ ዕሽል ህጻን ኣብ ሕቖፎኣ ሓንጊጣ ንኣንፋ ዝመረሽትን እዉን እንተኾነ ኣብ ገዛ ሓቒፋቶ ዘላ ድቂ ተቓሊሶምማ፡ ተራኺቦማ፡ እታ ዕድመ ግርዝውና ከይዛዘመት ስደት ዝመረሽት እዉን ምስ ክብረ ንጽህናይ ኢየ ዘለኹ እናበለት ካብዚ ግዳይ ነጻ ክትኸዉን ዕድላ ኣይጸበቐን ተዓሚጻ። ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ስብኣያ ፥ ዉሉዳ ብሽፍቱ ተደፊራ። ክንደይ እሞ ኢና ክብል። ክፍኡን ሕማቕን ዘይፈልጥ ህጻን ምስ ወላዲቶ ተገሪፎ። እሞ ክእ ድኣ ኩሉ ኤርትራዊ እየ ዝበለ ዜጋ እዚ ሓድሽ ተርእዩ ኣይኮነን ንዕኡ። በዚ ኣውያት መንእስያት ዘይተተንከፈት ስድራ ኤርትራ ክትህሎ ኣይትኽእልን እያ።

ናብ ካልእ ከይከድና ናብ ዘሰንብድን ዘስካሕኽሕን ፍጻሜ 3 ጥቅምቲ 2013 ግዳያት ላምፓዶሳ ኢጣልያ ዘይዝኽር ዜጋ ክህልወና ኣይክእልን እዮ ፡ ምናልባት እዚ ኣብ ውሽጢ ከብዱ ኣትዮ ዘይሳጸዮ ስብ እንተሃልዮ ሓደ ካብ ህዋሳት ሰባት ከመዛዝን ዝኽእል ነገር ዝጓደሉ በሃም ሰብ ጥራይ እዮ ክኽዉን ዝኽእል። እዚ ዓቢ ፈጻሚ ታሪኽ ዝተኻየደሉ ናይ ልዕሊ 300 ሰባት ትንፋስ ድራር ዓሳ ባሕሪ ዝኾኑሉ እዋንን ስለዝኾነ። ሰብኣይ ሰበይቲ፥ ክሳብ መዓንጣ ዘይቖጸሮ ዕሽላት ህጻናት፡ ነፍስጾር ኣደ ንቡርን ሕርሲን ምግልጋልን ከይረኸበት መዳሕንታ ነጠብታ እናዋሓዘ፥ ዕትብታ ምስ ናጽላ ከይተበትኸ፥ ንዕርብርባ ንግዳይ ባሕሪን ንድራር ዓሳ ባሕሪን ኮይኖም። እዚ ከይኣከለና ኣብ ግዜ ብግዜ ኣእዛንና ዝለመዶ ቁጽሪ ዜጋታትና ባሕሪ ድራር ዓሳን ዝወሓጦም እናተባህለ ንኣእዛንና ከጋውሕ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እነሆ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብተኸታታሊ ጥምሮ ጥፍኣት ኣሕዋትና ክሳብ ዕድመ ዘይቆጸሮ ዕሽላትን ህጻውንትን ግዳይ እዚ ኣስካሕካሂ ጥፍኣት ንዕርብርቦም ጠፊኦም ኣለዎ።ኮይኖም ኣለዎ።
እሞ ክኣ ድኣ ክሓስብን ከመዛዝን ዝክእል ሓደ እኹል ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ዕድመ ዘይቖጸረ ዕሽል እዉን ክሓስቦ ዝክእል ዘሕዝን ፍጻሜ ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዓዱ ቀሲኑ ዝሓደረሉን ፡ ወፊሩ ዝኣትወሉን፡ ብፍትሒን ዲሞኽራሲን ፡ ሂወቱ ዝመርሓሉ፡ ዕድመ ምንባሩ ዘውሕሰሉን እዋንን እንተዝህልዎሲ ናብ ጎረቤት ስግር ገደቦ መቓመተዶ መስለና ?

ኣብ ጻሕ ዝበለ ምድረበዳ ስሃራ፡ ክትጓዓዞ ኣይኮነን ክትስሞዖ እዃ ሽቖራረ ዝፈጥረልኻ ፥ ኣብ ናይ ትልክታ ምንባርን፥ ምጥፋእን ሂወት እናተማታእኻ ፡ ካብ ህላውነተይ መኣዝነይን ዘይፈልጠሉ መግዛእቲ ኣብ ዓደይ፥ ሰላም ዓዲ ጉና ከስተማቕር ኢሉ ኣብ ዝመረሽሉ እዋን ክኣ እዮ እዚ ኩሉ ኣስቓቒ ተግባራት ኣብ ኣእዛንና ትርኢትና መዓልታዊ ዝደጋገመና ዘሎ።
ኪንዮ ምስማዕ ፡ ኣብ መንፈስ ዝኽሪ ኬንና እንኽንፍትሽ እንክንዝኽርን ከሎና ክኣ ከቢድ ሓዘን ይወረና። ውሽጣ ሓዘና ዘይደበሰት፥ ዋሕዚ ንብዓታ ከይጸፈየት፥ ብትርኹስ መዓጓጉርታ እናተሓጸበት፥ ብድዉን መልክዓ ከይመለሰት ኤርትራዊት ኣደ እዚ ክድገማ!?

እቲ እኳ ሓደ መዋእል ብኻልእ መዋእል ኣብ ዝትክኣሉ ግዜ ፣ እቲ ተካኢ ወለዶ ዝኾነ መንእሰይ በቲ ሃልሃል ዝብል ስምዒቱ፣ በቲ ጎይዩ ዘይደክም ኣብራኹ፣ በቲ ለውጢ ንኸምጽእ ብቐጻሊ ዘፍስስ ጽዓቱ፣ በቲ ኣረጊት ብሓድሽ ንምትካእ ዝመራመር መሃዚ ክእለቱን ክዋሳእን ናጽነት ኣሕዋቱ ክዕቕብን ብፍትሒን ዲሞኽራሲን ተመሪሑ ክጓዓዝ ኣብ ዝህቕነሉ እዋን ነዚ ክብርታት እዚ ዝበታትኽ ስርዓት ጊላይነት ካብ ሓሞሶ እሞ ኣበይ ኣሎ እቲ መድረኽ ሓቕታት።

ህዝቢ ኤርትራ ንመከራን ሽግርን ከም ዝተፈጥረ ሰብ ጸገምን ሕስምን ተሓዙልና ይርከብ፥ እዚ ሕስምን ሽግርን ካብ ደምበና እንግዳዓናን ከእለይ እንተኾይኑ ፡ ቁጽሪ ስምረትና ክብርኽን፥ ውጽዓ ህዝብና ክፍታሕን ኣውያት ኣሓትናን፥ ኣሕዋትና ብ ሳሕቓን ዳእላን ክንቕይሮ እቲ ግዜን ስዓትን ኣብ ስምረትና ሓድነትናን ስሚርና ምስ እንትግበሮንስብ መትከል ምስ እንኸዉንን ኢና።
ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንርብዒ ዘመን ዝተደሃኹን፥ መሰሉ ዝተረግጾን፥ ዝተሳቕዮን ውሑድ ስለዘይኮነ።

ስለዚ ንብዓት፥ ሓዘን ፥ ውጽዓ ምድሃኽ መስል ፥ ዘይፍትሓውነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግበኦ ኣይኮነን።

ክብሪ ዝኽሪ ንግዳይ ባሕሪን፥ ስሃራንፍትሕን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ
ኣስመረት መድሃኔ