ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡

ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ  ኤርትራ

ህያው ምግባር  ሓላፍነት  ህሉው ወለዶ`ዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ግንቦት 31 2016

*********

``ሓርነት ንዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ መጋበርያ ኣይኮነን፣

እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ`ዩ።`` (ሎርድ ኣክቶን)

***

``ሓርነት ተነቃፊት`ያ፣  ክትስውኣ፡ ዋላ`ውን ከም ጊዜያዊ መስፈር፡ ምኽሓዳ`ዩ ዝኸውን።`` ጀርመይን ግሪየር(Germaine Greer)

``እንስሳታት እፈትዎም`፣ ምኽንያቱ ብፍላጥ ኣይጭክኑን`ዮም፡ ንሓድሕዶም ከኣ ኣይጠላለሙን`ዮም።`` ተይሎር ካልድወል (Taylor Caldwell)

 

ብዘይ ሓርነትን ፍትሕን ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪህሉ፣ 

ብዘይ  ዘተ ዓሚቝ ምርዳእ ኪምዕብል፣

ሓድነት ኪድልድል፣ ነባሪ ራህዋን ሰላምን ኪስስን ዘይከኣል`ዩ።

*********

3ይ ክፋል. . .

ለ) ንሃገር ፍጹም ዘጸልመተ፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጸመ ተግባረ  ዕንወትን  ምጽናትን  ፋሺስታዊ  ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ምእዙዛት ጃንዳኡን፡-

 ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ብጻዕዳ ስኒ ጸሊም ልብን ዝተሰነየ ኣብ ላዕላዩ ናይ ደሞክራሲ መዓር ዝተለኸየ፡ ዕረ ዝመልአ ጐይቢ ናጽነት ሒዙ ብምእታው፡ ``ድሕሪ ደጊም ፖለቲካዊ ሓሸውየ ኣይፍቀድን`` ክብል`ዩ መቓልሕ ጥልመት ሕድሪ ስዉኣት፣ናይ -ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕደረናን -ውልቀምልካዊ  መጀመርያ ኣዋጁ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘስመዖ ዝርሳዕ ኣይኮነን። በዘ ልምድን ስምዒትን - ን 22 ዓመታት -ፕረሲደንት - እናተባህለ ኪጽዋዕ ጸኒሑ፣ ናይ ርትዓዊ ኣረኣእያ ዘይኮነ ናይ ልምዲ ግዙኣት ምዃንና ዝሕብር ኩነት`ዩ። ኣነ ብወገነይ ህዝቢ ቆጽሊ ኣውዲቑ ዘይባረኸሉ፣ ናይ ህዝቢ ስልጣን ዝዘመተ ሽፍታ፣ ካብኡ ሰጊሩ ኸኣ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኮይኑ ንባህግን ራኢን ህዝቢ  ዘጸልመተ፣ ናይ መራሒ ባህሪያት ዘይብሉ፣ ሕጊ ኣልቦ ጨቋኒ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ፕረሲደንት ኢለ ክጽውዖ ሕልናይ ኣይፈቐደለይን። ኣብ ኩሉ ጽሕፋተይ በቲ ሓቀይና መርኣያ ተግባሩ - ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢለ እየ ዝጽውዖ፣ እቲ መሪር ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ!

ንሕናን ንሳቶምን- እዚ ሓረግዚ ብናይ 1993 ሃንደበታዊ ኣድማ ተጋደልቲ ዝሰምበደ ውልቀመላኪ ኢሳያስ፡ በቲ ዝተራእየ ናይ ህዝቢ ኣብ ጐድኒ ተጋደልቲ ደቁ ደው ዝበሎ ተሰናቢዱ፡ ንምውህሃድ ህዝብን ተጋደልትን ንኺፈላሊ ዝመሃዞ ተንኰል`ዩ።  ንተጋደልትን ህዝብን ዘየራኽብ ናይ ``ንሕና ኢናኮ ናጽነት ኣምጺእናልኩም`` ብደዐን ትዕቢትን ንተጋዳላይ ኣስኒቑ፡ ንውልቀምልኩ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ተግባረ ዕንወቱ ብዘይ ተቓውሞ ከተግብሮ ዕድል ረኺቡ። ተጋዳላይ ካብ ህዝቢ ዝወጸን ኣካሉን ምዃኑ ረሲዑ፡ ምእንቲ መን ከም ዝተቓለሰ ዘንጊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸይሸይ ኢሉ፣ ንምርቓ ህዝቡ ናብ መርገም ኣቐዪሩዎ። ኣብ ርእሲ፡ ተጋዳላይ ኣካለ ስንኩላን ብጾቱ ብጥይት ኢሳያስ ተወቒዕም 12 ክመቱ ኸለዉ ብምጽቃጡ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ኣብ እግሪ ኢሳያስ ፍጹም ኢዱ ምስ ሃበዩ፡ ወጋሕታ ናጽነት ናብ ጸልማት ዝነሃረ።

 ``ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ``፡-  እዚ ሓረግዚ፡ ህዝቢ እናኣጥፈአ ሃገር እናዕነወ ዘዘውትሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዝሕብር ብደዐ`ዩ። ህዝቢ ብጭቃ ህግሓኤ ኮነ ብህግደፍ ተጠፍጢፉ ዝተሰርሐ ኣይኮነን። ኤርትራ ካብ ከበሳ ንመታሕት፡ ካብ ሰሜን ንደቡብ፡ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝኣምን፡ ኣብ መንጎኡ በብሃይማኖቱን ልምዱን ሰላም ኣስፊኑ ተኻባቢሩ ዝነብር፡ ብናይ ትሸዓተ ብሄራት ቋንቋታትን ባህልታትን ስልማት ዝማዕረገት ሃገር`ያ። ኣብ መላእ ሃገር ዜርካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብልቦና ሓሳቡ ኣብ ምግላጽ ሰጋእ ዘይብል፡ ምቕሉል ግን ሓያል ርእሰ ተኣማንነት ዝውንን ህዝቢ ምዃኑ`ዩ ዘረጋግጽ። ሎሚ በዚ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ እንተ ተዓብሰ  ንግዜኡ ድኣ`ምበር ነቲ ዓሚቝ ሰረት ባህሉ ከጥፍኦ ዓቕሚ የብሉን።
 

  • ነቶም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብጸለመ - መንካዕ፡ የሚን፡ ተሓባበርቲ - ዝቐተሎም ደሞክራሲያውያን ጀጋኑ ሃገር ምስ ምንጋር ስዉኣት ከም ዘይንገረሎም ዝገበረ ድርብ ገበን ገና ተንጢሉ ዘሎ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ትሕቲ እግሩ ረጊጹዎ ዘሎ መሪር ሓቂ`ዩ።
  • ናይ ተስዓታት ሰራዊት ብምፍናውን፡ ንኸቢድ ብረትን 72 ን ብምፍራስን ንሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ዘልመሰ ኣዕናዊ ተግባር ውልቀመላኺ፤
  • መቕተልቲ ኣካለ ስንኩላን፤ ቅድሚኡ ዲዩ ወይስ ነቲ ባርባራዊ ተግባሩ ምስ ፈጸመ ኣይዘከርኩዎን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከይሓነኸ፡ ነቶም ምእንቲ ሓርነትን ራህዋን ህዝቦም ኣካሎም ዝኸፈሉ፡ -``ሓንቂቖም``  ኢሉ ክብዳዕ ከሎ ህዝቢ ዓገብ ኣይበለሎምን።
  • ምዕጻው እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ- ምጽልማት ልዑል ትምህርትን፣ ምርግጋጽ ጸልማት ጕዕዞ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ፤ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዘይብሉ ኣኽሊል ድንቍርና ዝደፍአ፡ ንሂትለርን፡ ስታሊንን፡ ማኦን ዝሓለፎም ፋሺስታዊ ፍጻሜ ኢዩ። ፋሺስታዊ ግዝኣት ጣልያን፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቒሑ ከይቃወሞ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሓሪሙ ብድንቍርና ኪገዝኦ ፈቲኑ። ካብ ትምህርቲ ህዝቢ ኤርትራ ብባህሪኡ ዝተዓደሎ ልቦና ከም ዝዓቢ ኣየስተውዓለሉ። እዚ ደንቆሮ  ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ከኣ ኣብዚ ኪዕገት ዘይከኣል ዘመነ ምዕቡል ናይ ሓበሬታ ተክኖሎጂ ንኤርትራዊ መንእሰይ ልዑል ትምህርቲ ነፊጉ ኣደንቊሩ ኪገዝእ ይፍትን ኣሎ። ልክዕ፡ ስምብራቱ ቀሊል ኣይኮነን፣ ግዝኣቱ ናብ ሓሙዅሽቲ ምስ ተቐረ ግን ናህሪ ምዕባለ ኤርትራ ተኣምር ከም ዝኸውን ኣየጣራጥርን።
  • ምትዅታዅ ህውከትን ምብራዕ ኣዕናዊ ኲናታትን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡- ተጋዳላይ ሓመድ እግሩ ነጊፉ ከየዕረፈ፡ ህዝቢ ናፍቖት ደቁ ከይጸገበ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከትን ትርጉም ኣልቦ ኲናታትን ምብራዕ ብመደብ ተተሓሒዙዎ። እቲ ቀዳማይ፡ ምስ የመን ኣብ ታሪኽ ኣካራኺሩ ዘይፈልጥ ብሰላም ኣብ ረብሓ ኤርትራ ክውዕል ዝነበሮ  ብኲናት ምኽሳር ዓበይቲ ደሴታትን ከንቱ መስዋትን ኣብ እዋን ንጕሆ ናጽነት ኣስዒቡ፣ ቀጺሉ ምስ ሱዳን ብምምኽናይ ሓደጋ ጥሩፍነት ስምብራት ጽልእን መስዋትን ህያብ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ጌሩዎ።
  • ብዓቢኡ፡ ብሃንደበትን ንህዝቢ በዘይ ተገልጸ መበገስን ምስ ናይ ናጽነት መስዋእቲ ዘዳረግ ከንቱ ህልቂት ኣንጻር ኢትዮጵያ ካብ 1998 -2000 ኣብ ዘባርዖ ኲናት ኣስዒቡ።  ብሰላም ኪፍታሕ ብዓለም ኣብ ዝተለመነሉ ግዜ -ወጻእኩ ማለት ጸሓይ ዓሪባ ኣይትበርቕን`ያ ማለት`ዩ - ኢሉ ብምሕንጋድ፡ ዘይተኣደነ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ህልቂትን፡ ናይ ሃገር ዕንወትን፡ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ካብ ቦትኦም ምምዝባልን ኣስዒኑ። ጸኒሑ`ውን ምስ ጂቡቲ ኲናት።
  • ምድርባይ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ምዕባስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሓሳብ ምግላጽን ናይ ምግባእን ሓርነት፡ ሕጊ ኣልቦ ማእሰርቲ ጕጅለ-15 ን ጋዜጠኛታትን፤
  • ዕጫ መንእሰያትን ዕድል ሃገርን ዝተኣሳሰረ`ዩ፡-  - ንውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ልክዕ ከምቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝበሎ፡ ኤርትራ ማለት እቲ ህዝባ ዘይኮነ እቲ ዕጨ-እምና`ዩ። ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ኤርትራ ድሕሪ ክቡር መስዋእቲ ንናጽነት ካብቲ ባዕዳዊ ሰንሰለታዊ መግዛእቲታት ዝነበረቶ ዝኸፍአ  ግዳይ ዕንወትን ምጽናትን ኮይና ዘላ። ዝለዓለ ጸላኢ ውልቀመላኺ ኢሳያስ እቲ ምእንቲ ሃገሩ ክብጆ ድሕር ዘይብል መንእሰይ ኢዩ። ጻማ መስዋእቲ ኣቦታቱን ኣያታቱን ኣብ ሑቕፎ ወለዱ ሓንቂቑን ብልዑል ትምህርቲ ተዀስኲሱን ሃገሩ ኪሃንጽ ዝነበሮ መንእሰይ፡ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ፡ ነታ ንብሕታ ብርሃን ፍልጠት እተስንቕ ኣደ ልዑል ጸጋ ትምህርቲ ዝነበረት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲን ዓጺዩ፡ ጽልኣት ትምህርትን ምሁራትን ባህሪኡ ብምግሃድ፡ ንህዝቢ ኣብ ድንቍርና ኣጸልሚቱ ኪገዝእ ምዃኑ ብግብሪ ኣዊጁ። ኣብ ትሕቲ ብርሃን ሓርነት ብትምህርቲ ተዀስኲሶም ንሃገሮም ኣብ መኣዲ ምዕቡላት ሃገራት ብምስራዕ ሕድሪ ስዉኣት ህያው ኪገብሩ ዝነበሮም መንእሰያት  ሃገር፡-

·         ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ግዳያት ገደብ ዘይብሉ ንመንእሰያት ካብ ትምህርቲ ዝዀለፈ፣ ካብ ሓዳርን ምፍራይ መጻኢ ወለዶን ዝኸልከለ፣ ወፍሪ ባርነት መንእሰያት ሃገር`ዩ። ኣብ ማሕዩር መዓስከር ሰራዊት ዳጒኑ፡ ኣብ ርእሲ ስቓይ ወፍሪ ባርነት፡ ኣብ ግዜ መሪር ቃልሲ ንናጽነት ማእለያ ዘይነበሮም ኣጕባዝን ጐራዙትን ተካእቲ ሓድጊ ውላድ ከይገደፉ ብምሕላፎም ሃገር ዓቐኑ ዘይግምገም ክሳራ ከሲራ ከተብቅዕ፣ኣብ ትሕቲ ዝተጠልመ ናጽነት ብዝኸፍአ ደረጃ ደይመደይ ኢሉ ካብ ሓዳርን ውላድን ሓዪሩ ኤርትራ ብሓዲስ መጻኢ ወለዶ ሰሲና ከይትማምቝ ፋሺስታዊ ተግባሩ ይፍጽም ምህላዉ፤

·         ግዳያት ህውከት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፣ ብዝለዓለ ኣብ ናይ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ዘባርዖ ከንቱ ኲናት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዳያት መስዋእቲ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዳያት ስንክልና፣ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ካብ ቤቶምን ንቡር ህይወቶምን ክመዛበሉ ዝገበሮም፤

·         ከም ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ ግህሰት ኸኣ፡ ብሰሪ ራኢ ተስፋ ዝረሓቖ ህይወት ሃገር፡ መንእሰይ ካብ ዘፍቅሮም ወለዱን ዝፈትዋ ሃገሩን ሃጽ ኢሉ ፡ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ተፋጢጡ ናብ ስደትን ጥፍኣትን ብምውሓዝ፡ ንዓለም ብዘሰክሕ ብኣሽሓት ኣብ እሳተ ጎመራዊ ዋዒ ምድረበዳ ሰሃራ ይወድቕን፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ንበድዊን ተሸይጡ ኰላሊቱ ንዕዳጋ ይወርድን፡ በማኢት ኣብ ማዕበል ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕልን፣ ግደ ውርደትን ምጕስቛልን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ምዕራብ . . .ብሓጺሩ፡ ግደ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ምድራዊ ስቓይ  ይኸውን ኣሎ።

·        እታ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ቅያ ዝሰርሐት ጅግና ወላዲት ጀጋኑ ጓለንስተይቲ ኤርትራ፡ ካብ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ ዝጸልመተ ናጽነት ዝኸፍአ ስቓይ ተሕልፍ ኣላ። ኣብ 50ታትን 60ታት ክትጥምታ ወይ ከተዛርባ ዘይትድፈር፡ ጉልባባ ዘይቀልዐት ወረጃ ዝነበረት፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሓለፍቲ ሰራዊት ናይ መዓልቲ ከዳሚቶም፡ ናይ ለይቲ መርወዪት ስጋዊ ድልየቶም ክትከውን ተፈሪዳ ድርብ ባርነት ተሕልፍ ኣላ፤

·        ግዳያት ጃምላዊ መቕተልቲ ዓዲ ኣበይቶን ብሃድናዊ መቕተልቲ ስግረ ዶብን፤

·        ኣሰር ዓዲ ኣበይቶ ኣብ 3 ሚያዝያ፡ 2016 ኣብ ማእከል ኣስመራ  ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፤

·        ናይ ሚያዝያ 3፡ 2016፡ ቀትሪ ምድሪ  ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተፈጸመ ፋሺስታዊ ቅትለት፤

·        ዝኾነ ዝዀረየ ሓላፊ፡ ነታ ዝተሓተት ስልጣን ተጠቒሙ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲታት ከም ዘምቢል ብኣጽንሑለይ ሰባት ኣረኪቡ ብምሕዳግ ንዓመታት ብዘይ ሓታትን ፍርድን ንጹሃት ዝእሰሩሉ

  • ብወገን ናብራ፡ ኣስመራ ኣብ እዋን ባዕዳዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርጊ`ኳ ማይን መብራህትን ዘይሓረማ፡ ሎሚ ዕድል ኣስመራ ኣብ ወለንታዊ ውሳኔ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ወዲቑ፡ ህዝቢ ጸልማትን  ስእነት ማይን ከም ልሙድ ወሲዱ፡ ክትመጽእ ከላ፡ እቲ ንሰዓታት እኳ ኪቋረጽ ዘይነብሮ ከም ክቱር ህያብ ዝረኸበ ኪመስል ነቲ ዘይንቡር ከም ልሙድ ገይሩ ይነብር ኣሎ። እቲ ሓላልን ጅግናን ህዝቢ ኩሉ መዳያዊ ግህሰታት ህይወት ከም ንቡር ወሲዱ ኪነብር ክትርእዮ መልሲ ክትረኽበሉ ይሕርብተካ። ከተማ ኣስመራ ብፍሉይ ህንጻታታን ጽርየታን፡ ጣዕሚ ኣየራን ንዓለም ተዛርብ ዝነበረት፡ ሎሚ ከም ህዛባ ተደዊና፡ ብቐሊል ዘይትክኡ ታሪኻዊ ህንጻታታ ይዓንዉ ኣለዉ።

``ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና``! -ኣኽሊል ድንቍርና ዝደፍአ ጭርሖ ህግደፋውያን፡-

  • ካብ ምሁራት፡ ብፍላይ ኣብ ምቛም ቅዋም ክብሪ ተዋሂቡዎም ከም ምሁራት ስርዓተ ቅዋም፣ ከም ምሁራት ስነ-ጋዜጣዊ ትምህርቲ ዘጽንዑ፡ ወ.ዘ.ተ.ዝተሳተፉ፡ ሃገርን ህዝብን ክሒዶም ኣብ እግሪ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክሰግዱን ከገልግሉን ከለዉ መግለጺ ቃላት ክትረኽበሉ ይጽልምተካ።
  • ሳዕቤን ፈላላዪ መርዚ ህግደፍ ኣብ ወጻእን ሳዕቤኑን፡-

ብዛዕባ ናይ 50ታትን 60ታት ወለዶ መንእሰይ፡-

 እዚ ወለዶ`ዚ ናይቶም ጀመርቲ ደለይቲ ናጽነት ኣቦታትን ኣያታትን ሞራል ሰኒቑ፡ ንእያድ ቃልሲ ናብ ሃልሃልታ ዝቐየረ ወለዶ`ዩ። ሃጸያዊ መንግስቲ ሃይለስላሴ ንውሳኔ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጥሒሱ ንውዕል ፈደረሽን ብኢደወነኑ ምስ ኣፍረሰ፡ ሸቃላይን ተመሃራይን ንግዝኣቱ ትንፋስ ከም ዘይህቦ ተረዲኡ፡ ሸቃላይ  ስራሕ፡ ተመሃራይ ኣብ ሃገሩ ልዑል ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ስኢኑ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ዝግደዱሉ ኩነታት ፈጢሩ። ሸቃላይ ደድሕሪ ካብ ኤርትራ ዝገዓዘ ኣቢያተ ስራሓት ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ፣ ተመሃራይ`ውን ደድሕሪ ትምህርቲ። ንረስኒ ምንቅስቓስ ናጽነት ክርምስ ዝተወጠነ ረቂቕ ሜላ ሃይለስላሴ ግን ዝያዳ መበርትዒኡ ድኣ ኾነ። ናህሪ ቃልሲ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ በርቲዑ ንኻልኦት ውጹዓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ንኦሮሞን ትግራይን ጽልዋ ጌሩ ኢዩ።

 ወለዶ መንእሰይ 50ታትን 60ታትን - ሸቃላይ፡ ሓረስታይ፡ ተመሃራይ - ዓንዲ ሕቖ ቃልሲ ንናጽነት ኮይኑ፡ ዝለዓለ መስዋእቲ ዝኸፈለን ናጽነት ክውን ዝገበረን ወለዶ`ዩ። እንተ ኾነ እቲ ሕድሪ ስዉኣት ተሰኪሙ ዝኣተወ፡ ነቲ ዝዓበየ ካልኣይ ዕማም፡ ማለት ሓርነት ኣውሒሱ ንመጻኢ ወለዶ ናይ ምርካብ ሓላፍነቱ ኣየተግበሮን። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተጠልመ ሕድሪ ስዉኣትን ዝጸልመተ ናጽነትን ካብ ንጕሆኦ ኣለሊዩ ክዓግቶ ኣይፈተነን። እዚኣ እታ ዝዓበየት ጸላም ነጥቢ ታሪኽ  ወለዶ መንእሰይ 60ታት ኢያ። ከም ጀማራይ ቃልሲ፡ ዓወት ናጽነት ናብ ፈልሲ ሓርነት ናይ ምስሳን ብታሪኽ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ንሱ ስለ ዝኾነ።

 እምበኣር፡ ቅድሚ ናብቲ ዝለዓለ እዋናዊ ኣርእስቲ ቃልሲ ሓርነትን ፍትሕን ምእታውና ብግቡእ ከነስተውዕለሎ ዝግብኣና ግምጋሚ ጉዳይ እዚ ዚስዕብ ኢዩ። እቲ ኹሉ ዝተዘርዘረ ካብ ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ሕጂ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ሰብኣዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ አኮኖሚያዊ፡ ባህላዊ ግህሰታት ዘነጽሮ መሪር ሓቂ፡ እቲ ኲናታት ንምጽናት መፍቀር ሃገሩ መንእሰይ ኤርትራን፡ ኤርትራ ከም ናጻን ልዑላዊት ሃገር ደው ንኸይትብል ከም ዝነበረ እነሆ ሎሚ ኣብ ገምገም ዕርበት ምስ በጽሐት ከም ጸሓይ ቀትሪ ግሉጽ ኮይኑ። ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብኣዕናውን ኣጽናትን ተግባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዓሚቝ ጽልኢ ከም ዘሎዎን፡ ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ደው ክትብል ከም ዘይደልያን ኣተግቢሮዎ ኣሎ። እቲ ዝገርም፡ ወርተሃደራዊ ምግዛእቲ እንግሊዝ ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ ንምባል ኪጥዕሞ ምእንቲ፡ ነቲ ግዝኣት ጣልያን ዝሃነጾ ዓበይቲ ትካላት፡ ከም ናይ መርከብ መዐሸግን ናብ መሬት መስሓብን፡ ካብ ኣስመራናብ ምጽዋዕ ኣቝሑ ንምጕዕዓዝ ዘገልግል ዝነበረ ተለፈሪካታት፡ ክሳብ ናይ ምጽዋዕ ኣባይቲ ዚንጎታት ከይተረፈ ቀንጢጡ ከም ዝሸጠን፡ ኣባይቲ ከም ዘፍረሰን ምዝጉብ ታሪኽ ኢዩ። ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ንተግባረ ምዕናው እንግሊዝ ብዝለዓለ ደረጋ ፈጺሙዎ ንርእዮ ኣለና። እንተ ኾነ፡ ነዚ መሪር ሓቂ`ዚ ብዕምቈት ዘስተብሃልናሉ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ኮን ንኸውን?!

ይቕጽል. . .