ኣብ’ዚ ምዕቡል ዘመን’ዚ፡ኣብ ጉዳይ ኣቆጻጽራ ዘመን፡ ኣብ ምድረ ሓበሻ ብዙሕ ዘሻሙ ነገር ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ዝዕዘቦ ጉዳይ እዩ።ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣቆጻጽራ ኣውደ ኣዋርሕ፡ብ’ኣቆጻጽራ ግእዝ እናተብሃለ፡ ኣብዚ ርብዒ ዘመን ክጽዋዕን ክዝውተርን ምር’ኣይን ምዕዛብን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ነናይ ባዕሎም ኣቆጻጽራ ዘመን ኣለዎም እዩ።ኣብዚ ዝተወሰነ ዘመን ከኣ፡ሃገራት ነናይ ባዕለን ኣቆጻጽራ ዘመን ነይርወን እዩ፣ገና’ውን ስጋብ ሕጂ ዘለወን ኣለዋ እየን።ገለ ምስ ህዝቢ ምዕራባዊ ዓለም ንምዝማድን ሓደ ንምዃንን ዓሊመን ናብ እቲ ዓብላሊ ኣቆጻጽራ ዘመን ክርዕማ ከለዋ፣ገሊ’ኤን ከኣ ናይ ባዕለንን እቲ ናይ ምዕራባዊ ኣቆጻጽራ ኣሳንየን ዝሳለያ ኣለዋ እየን።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኣቆጻጽራ ዘመን፡ ስጋብ ምውዳቕ ስርዓት ደርጊ ብሓደ እዩ ነይሩ።ካብ ግዜ ናጽነት ንነጀው መንግስቲ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣቇጻጽራ፡ንቕሓታን ሃንቓን ሕዝቢ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ከም መቑጻሪ ዘመን እቲ ናይ ምዕራባውያን ንእለቱ ኣብ ስራሕ ከውዕሎ ክ’ኢሉ እዩ።እንተኮነ እቲ ኣብ እምነት ክርስትና ብሓፈሻ ብፍላይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ መዓልታዊ መንፈሳዊ ዕማማታ ነቲ፡ኣብ ምድረ-ሓበሻ ንነዊሕ ዝጸንሐ ኣቆጻጽራ ክትቕጽሎን ነቲ ናይ ምዕራባውያን ብቐሊሉ ክትቕበሎን ክትርዕሞን እምብዛ ብድሆ ኮይኑዋ ምንባሩ፡ነታ ቤተ ክርስትያን ቕርበት ዘለዎም ሙሑራትን መእመንን ዝገልጽዎ ሓቒ እዩ።

ኣብ ባይታ ከኣ፡ነቲ ዝነበረ ትውፊት ኣቆጻጽራ ክትቕጽሎ ተቐሲባ እያ፣እቲ ምእመን ተኮነ ምስ ማሕበራውን ስነ ልቦና’ውን ኮነ ምስ ባህላዊ ልምድታትቱ ተዛሚዱ፡እንሆ ስጋብ ሎሚ ነቲ ኣቆጻጽራ ሪዒምዎ ይሳግም ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ነቲ ካብ ጥንቲ ካብ ኦሪት ዝነበረ ኣቆጻጽራ ዘመን ስሙ፡ ኣቆጻጽራ ግእዝ እናተብሃለ ክጽዋዕ ጸኒሑ ኣሎ ወ ይቕጽል ኣሎ።እዚ ካብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፣ካብ ዓበይቲ ትካላትን እንተላይ እንተን ሃይማኖታዊ ትካላት ነቲ ኣጻዋውዓ ርዒመን ይከዳ ምህላወን ቐሊል መዓልታዊ ትዕዝብቲ እዩ።

ከም ኣብነት ክንጠቕስ ተኮይኑ፡ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ዜና፡ “ጽባሕ ሮቡዕ፡ ዕለት 29 ታሕሳስ 2007፡ብ’ኣቆጻጽራ ግእዝ በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ…” ወይ ኸኣ “ጽባሕ ሮቡዕ ዕለት ሓደ መስከረም 2006፡ ኣቆጻጽራ ግእዝ፡በዓል ሓዲሽ ዓመት ምዃኑ…” ዝብሉ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓለት ከም እኒ ፋሲጋ፡በዓለ ዮሓንስ፡በዓለ መስቐል ኮነ በዓለ ልደት ከምዚ ዝበሉ መግለጺታት ወይ ሓበሬታት ምሃብ ዚውቱር ካብ ዝከውን እንሆ 25 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቤት ጽሕፈት ምድላው ጽሑፋትን ኣውደ-ኣዋርሕን ንባዕሉ እዚ ናይ ኣጸዋውዓ ጸገማት ትግንዘቦ ሓደ ኣብነት እዩ።ኣብ ሙሑራትን ተመራመርቲ ብተመሳሳሊ እቲ ጽልዋ ከም ሰቦም ስለ ዝሓደሮም፡ኣብ ሕዝባዊ ኣስተምህሮ፣ኣብ መጽሓፍ ምረቓ፣ኣብ ስብከት ኮነ ጽሑፋትን ጋዜጣታትን እዚ ዝተገልጸ መጠነ ሰፊሕ ጽልዋ ነጊሱ ክትዕዘቦ ምርምር ኣየድልየካን እዩ።

እቲ ኣብ ትውፊት ባህልን ያታን ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ዝገበረ፡ስነ ጥበባዊ ሰሎሞን ጸሃየ ንባዕሉ፡ እታ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” እትብል ታሪኻዊት መጽሓፉ ክትምረቕ፡ኣብ ዝዓደመሉ ወረቐት፡መጽሓፉ ንዕለት ዓርቢ፡ሓደ መጋቢት 2013 ወይ ከኣ 22 ለካቲት 2005 ብግእዝ ዝብል ሰፊሩ ብምህላዉ፡ካብቲ ደርማስ ጽዕንቶ ሓደ እዩ።

ኣብዚ እቲ ኣቆጻጽራ ናይ መን እዩ ዝብል ኣይኮነን እቲ ዘረባ ወይ ሓሳብ፣እንታይ ደኣ እቲ ስሩዕ ኣጸዋውዓ ኣየናይ’ዩ ዝብል እዩ።ናይ ገለ ገለ ጸሓፍትን ተመራመርትን ርእይቶን ሓሳብን ብምቕራብ መ’ኣዲ ኢሂን ምሂን ክንበሃሃለሉ እዩ እቲ መበገሲ ሓሳብ እሞ፡ ኣእጃምና ሸው ከነብል  ግዴታዊ ሓላፍነት ዘለና ኮይኑ እስመዓኒ።

እምበኣር ብሓሳብ መሪጌታ ግርማጽዮን መብራህቱ ክንፍልሞ ኢና።

“ብ’ኣቆጻጽራ ኣግ’ኣዘ(ያን)’ዶ ወይስ ብ’ኣቆጻጽራ ግእዝ፧” ኣብ ቤት ማሕተም ኮኮበ-ጽባሕ፡ኣብ 1985 ኣቆጻጽራ ሓበሻ ወይ ከኣ 1993 ተሓቲሙ ናብ ኣንበብቲ ዝዘርግሕዎ ሓሳብ እዩ እዚ ኣብ ትምህርተ-ጥቅሲ ኣትዩ ዘሎ ርእሲ።ምሉእ ትሕዝት’ኡ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

                    “ብ’ኣቆጻጽራ ኣግ’ኣዘ(ያን)’ዶ ወይስ ብ’ኣቆጻጽራ ግእዝ፧

             “ግእዝ” ሓስብና እንገልጸሉን ምስ ብጾትና እንመያየጠሉን ናይ ቋንቋ ስም ደኣምበር፣ብባሕረ ሓሳብ፡ኪንትሮስ፣ኬክሮስ፣ኣበቅቴ፣ጥንተዮን፣እንዲክትዮን፣ተውሳክን ሕፀፅን፣ኣዝማናትን ብምውሳን ንምእመናን ዘስተምህር መንፈሳዊ ፍላስፋ ኣይኮነን።

ነዚ ናይ መንፈሳውን ሥጋውን ተግባር መምርሒ ዝኮነ ዓብዩ ትምህርቲ ብመለኮታዊ ኃይሊ ሚሂዞም ብ224 ዓ፡ም ዘበርከቱ መንፈሳዊ ፍላስፋ ግን ድሕሪ ወንጌላዊ ማርቆስ መበል 12 ኮይኖም፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ ዝተሾሙ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ እዮም።

ኣቡሻህር ሀ) 8ይ ኣንቀጽ ለ) ገጽ 96 ናይ 12 ጥቅምት ስንክሳር፡ትውፊታዊ ኃሳበ ዘመንና ታሪኹ ምዕራፍ 12 ገጽ 10 ።

ንሕና ድማ ከምቲ ብወንጌል ማርቆስ ዝተጻሕፈ ወንጌል ተቐቢልና እንጥቀመሉ ዘሎና፣ነዚ ብሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ ዝተማህዘ ባሕረ-ሓሳብ እውን ተቐቢና ክንጥቀመሉ ጸኒሕናን ኣሎናን።

ሎሚ ሓዳስ ኤርትራ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ብማዕርነት ንምስላፍን; ኣብ ናይ ሥልጣኔያዊ ጉዕዞ ኃቢራ ንምግሥጋሥን ንኸኽእላ ዓለማት ብሓባር ዝጥቀማሉ ዘለዋ ናይ ኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ ንኽትሠርሕ ምምዳባ ዘመስግና ቅኑዕ ስጉምቲ እዩ።

ኮይኑ ግን ዓመተ ዓለምን ዓመተ ምሕረትን ብባሕረ ሓሳብ ምቑጽጻር ካብ እንጂምር ጀሚሩ በዓላትናን ኣጽዋማትናን ዕለታትናን ኣዋርኅናን ብዘይ ምቁራጽ፡እንጥቀመሉን ጥንታዊ ባሕረ ሓሳብና ክቖጽር ብዘይኽእል ናይ ቋንቋ ስም ብምስማይ ብ’ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ክንዲ ምባል፣ጥንታውያን ወለድና ምስ ጸላእቶም ተዋጊኦም ንጸላእቶም ብምስዓር ሃገሮምን ሕዝቦምን ሓራ ስለዘውጽ’ኡ ኣግ’ኣዝያን፣ዝብል ቅጽላዊ  ናይ ግብሪ ስም ከምዝነበሮምን፣ብስም ኃዳሪ ይጽዋዕ ምኅደሪ ከም ዝበሃል ድማ ሃገሮም “ሃገረ ኣግ’ኣዚ” ዝበሃል ተወሳኺ ቅጽላዊ ስም ከምዝነበራን፡ኣብ ታሪኽ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ኣሎ።

ንሕና ዘር’ኦም ዝኾና ኤትርራውያን እዋን፡ ነቲ ብብዝኂ ሠራዊቱን ፖለቲካዊ ክእለቱን ተመኪሑ ጨቑኑ ዝገዝ’ኣና ዝነበረ ግፍ’ዓዊ መንግስቲ፣ድኅሪ ናይ 30 ዓመት ደማውን ፖለቲካውን ኩናት ንመላእ ዓለም ብዘደንቕ ክእለትን ትብዓትን ስዒርና ሃገርና ሓራ ስለዘውጻእና ኣግ’ኣዝያን ኢና።

ስለዚ፡በዚ ከተኃባብረና ዝኽእል ካብ ወለድና ዝወረስናዮን ሎሚ ብተግባር ዘሐደስናዮን ቅጽላዊ ናይ ግብሪ ስምና ብኣቆጻጽራ ኣግኣዝያን፣ወይ ድማ ብኣቆጻጽራ ኣግ’ኣዚ፡እንተዝበሃል’ዶ ኣይምሓሸን፧

ወይ ድማ ከምቲ ናይ ኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ ዘመን፣በቶም ዝፈልሰፍዎ ሊቀ ጳጳሳት ስም “በኣቆጻጽራ ጎርጎርዮስ” ዝበሃል ዘሎ።

በቶም ነዚ ባሕረ ሓሳብ እዚ ብመለኮታዊ ኃይሊ ዝመሃዙ ሊቀ-ጳጳሳት ስም “ኣቆጻጽራ ድሜጥሮስ” እንተዝበሃል፧ ዝብል ርእይቶ ኣቕርብ።” ክብል ኣስፊሮሞ ኣለዉ እዮም።

 ይቕጽል...


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...