ኣብዚ ቕነ፡ሞት ህቡብ ድማጻዊ ሙሉጌታ በየነ፡ ኣዚዩ መዛረቢ ዛዕባን መሕዘንን ኮይኑ ቐኒዩ’ዩ።ንስድራቤቱን ንኣድነቅቲ ሙዚቃዊ ስርሓውቱ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።

ሙሉጌታ በየነ፡ ቆልዓ ኮይነ እየ ዝፈልጦ፣ ደርፍታቱ እምብዛ ካብ ምፍታው ዝተልዓለ ደጋጊመ እሰምዖ እየ። ድሕሪ 23 ዓመት ከኣ፡ ኣብ 2014  ፍቕድ ኣምላኽ ኮይኑ ብ’ኣካል ክረክብቦ ዕድል ገይረ እየ።ልኽዕ ቕድሚ 2 ዓመት ኣብ ሙዚቓ ሕይወቱን ገለ ተዘኽሮታቱን ንመዘኸርታ ዝከውን ነገር፡ ኣብ መጋሪያ ዕላል ዲቕ ዝበለ ወግዒ ኣዋጊዕና ኢና።ካብ ሪቕ ወግዕና፡ ገለ ክብለኩም ሕርድግ ክብል!

ኣብ 2014 ከኣ፡ግጥምን ዜማን ተረኺቡ ክደርፍ ከም ዝደልይ ሓቢሩኒ ብምንባሩ፣ ርድየቱ ተዓዚበ ሓንቲ ግጥሚ ኣዳሊየ  ኣብ 2015 ድሕሪ ሓደ ዓመት ሃብኽዎ።ስነ ጥበባዊ ፍረሰላም ሙሴ ከኣ፡ እታ ዜማ ከዳልዋ ተሰማማዒና፣እንተኮነ ብሓደ ሓደ ግላዊ ጉዳያት ማሕበራዊ ሕይወትን ሙሉጌታ ከስልጣ ኣይ’ከ’ኣለን።እታ ግጥሚ ሂበዮ፡ምስ ፍረሰላም ኣራኺበዮም፣ከምዝተፈላለና እዝኽር።

ናይ ስቱዲዮ ጉዳይ ከኣ፡ምስ ገሬ በርሀ ተዛሪብና፡ገሬ ብሓገዝ መልኽዕ ብናጻ ከምዝሰርሕ እሰምዕ ብምንባረይ፡”ድሙዕ ሙዚቃ ወሸለ ተስሪሑ” ብዝብል መንፈስ ክሕግዞ ቕሩብ ምንባሩ፡ማዕዶተይ ገሊጸሉ ምንባረይ ይቕጀለኒ ኣሎ።

ፍረሰላም ሙሴን ገሬ በርሀን ን’ኣይተት ምዕንባብ ስነ ጥበብ ቢሎም፣ንበዓል ሃበባ ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ልባዊ ምስጋናይ ክገልጸሎም እፈቱ።

ሞት ርግምቲ’ያ ብሓቂ! እንሆ’ዃ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ነቶም ብሉጻትን ህቡባትን ስነ ጥበባውያን ትወስዶም ኣላ።ንሞት ብዙሕ ተባሂልዋ እዩ።ብዙሕ ተገጢሙላ።ብዙሕ ተደሪፉላ።እምብዛ ተሓዚኑላ።ሚሒር ተሓሪኑላ እዩ።

ሙሉጌታ በየነ፡ ካብ ኣቡ’ኡ ነፍሲ-ሔር ሓምሳ ሓለቓ በየነ ካሕሳይ፣ካብ ወላዲት ኣዲኡ ወይዘሮ ሽፍታ ኣብራሃ፡ ኣብ 1961 ወይ ኸኣ ኣብ 1953 ኣቆጻጽራ ሓበሻ ከምዝተወልደ፡ቕድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ዜና መዋእሉ ኮነ ሓብቱ፡ሕጽይቲ ዶክተር ካሕሳ በየነ ድሕሪ ንዕረፍቱ፡ሓቲትናየን ካብ ዝሃበና ክንግዘቦ ከም ዝከ’ኣልና ኣብዚ ዓንኼል ግዜ ሙዃኑ ክንርደ’ኦ ኺኢልና ኢና።

ስድራቤት ሙሉጌታ፡ ዓሠርተ ዉሉዳት ዘፍረየት፡ስስንቲ ቤተሰብ እያ።ካብዞም 10 ዉሉዳት፡6 ኣወዳት ክኾኑ ከለዉ፡እተን 4 ኣዋልድ እየን።

ሙሉጌታ በየነ፡ምስ ዮላንዳ ጃኩማ ካብ ዝፈላለ፡ምስታ ጓል 4 ኣስመራ ዝኮነት በዓልቲ ቤቱ፡ ኣብ ኣጋ ምውዳቕ ደርጊ ተላሊዮም ሓዳር ከምዝገበሩ ይዕለል እዩ።ኣቦ 6 ዉላዳት ከምዝኮነ ወትሩ ዝዛረብ ዝነበረ ሙሉጌታ በየነ፡እተን ክልተ ኣዋልድ ደቂ በዓልቲ ቤቱ ምዃነን፡ካብ መቕርቡ ይዛረቡ እዮም። ሰብ ሞያ ሙዚቃን ወነንቲ ቤት ሙዚቃን ሙሉጌታ በየነ ኣብ ግዜ ደርጊ ምስ እኒ ታረቐ ተስፋሕይወት፡ዮሓንስ እስቲፋኖስ፡ኤፍረም ታምሩን ጸሃየ ዮሓንስ ካሴታቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዘርጊሑ ልዑል ተሰማዕነት ዘጥረየ ድማጻዊ ሙዃኑ ክንግዘቦ ክ’ኢልና ኢና።

ሓንቲ መዓልቲ ደቒ ሰበይተይ እየን ኢሉ ኣዕሊሉ ከምዘይፈጥ ብዙሓት ስነ ጥበባውያን ኮነ መቕርቡ ምስኽርነቶም ይህብሉ እዮም።ሙሉጌታ ቂም ዘይሕዝ፡ቦቕቧቕን ምንባሩ፡ብዙሓት ፈለጥቱ ይዛረቡ እዮም።ሓብቱ ሕጽይቲ ዶክተር ወይዘሮ ካሕሳ ከይተረፈ ነዚ ሓሳብ ይርዕምኦ እየን።

ሙሉጌታ፡ኣዚዩ ሓሚሙን ተዳኪሙን ከሎ፡ድምጹ ፈጺሙ ኣይተቐየረን ነይሩ።እዚ ከኣ ምስ ኣቦና ትካቦ ወልደማሪያም ዘመሳስሎ፡ኣብ ስነ ጥበብ ጥቡቕ ፍቕሪ ምንባሩ ምስኽር እዩ።ንየማነ ባሪያ፣ኪሮስ ኣለማዮ፣ጸጋይ በራኺ ክመስልን ንዖዖም እናረ’ኣየ ንቕድሚት ዝገስግስ ዝነበረ፡ስነ ጥበባዊ ሙሉጌታ ሰ’ኣን ዓቅሚ ካብ ደርፊ ዓለም ይዛረብ ምንባሩ እፍለጥ’ዩ።

“ስነ ጥበባዊ ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ረዚን ሓላፍነታዊ ዓቢ-ሰብ’ዩ።” ክብል ሙሉጌታ በየነ እናመስገነ ይዝክሮ ነይሩ እዩ።ስነ ጥበባዊ ኣኽሊሉ ካብ ከተማ ኣስመራ፡ናብ ሙሉጌታ ተዓቒቡ ዝሕከመሉ ዝነበረ መካነ-ሕሙማን ዓይደር፡’ደስ ዘብል ዘጸናንዕ፡ቓል’ ብምስዳዱ ምስናይ ምስጋና እዝኽሮ ምንባሩ በጻሕቱ ይዛረቡ እዮም።

ብዙሓት ስነ ጥበባውያን ከኣ፡ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሐ ምንባሩ ብዘይምግንዛቦም ኣመና ዝሓዘኑ ከም ዘለዉ እንሰምዖ ዘለና ሓቂ እዩ።

“ሞት ሓያል ርግምቲ
 ሞት ሓያል ርግምቲ
ዓርከይ ወሲድኽዮ ጨኺንኺ
ዓርከይ ወሲድኽዮ ጠሊምኺ።

ዘይመወት ነባሪ’ዶ ሎ፧”

ትብል ደርፊ ወናኒ ያሬድ ሙዚቃ ቤት ዝነበረ ድምጻዊ ገበረዝጋቢሔር ገብረጻድቅ እናዘከሩ ዝሓዘኑ ከምዘለዉ መጠን፣

“ሞት ርግምቲ፡ሞት ርግምቲ
ናይ ወዲ ሰብ መቕዘፍቲ
ቖጸራ ዘይብላ ትመጽእ ለይቲ ቐትሪ
መንጢላ ትወስድ ድካ ይኹን ሃብታም
ዘይብላ ቆጸራ

ንሓርስ ንጉልጉል ንቑርብ ዕድሜና
ንዘይንማልኦ ናይ ዓለም ጥሪትና
ኣይን’ረሳዓዮ በለይቲ ምዃና!”

 ኣብ ወርሓት ክረምቲ 1990 ካብ ዝተዘርግሐት ካሴት ወናም ድምጻውን ሙዚቀኛን ጸጋይ በራኺ፡እናዘኸሩ ዝሓዘኑን ዝደጉዑን ኣድነቅቲ ሙሉጌታ እልቢ የብሎም።

ሙሉጌታ ወዲ 13 ዓመት ከባቢ ኮይኑ፡ምስ ወትሃደራት ናብ ኣስመራ ከምዝከደ ሓብቱ ወይዘሮ ካሕሳ በየነ ትዝኽሮ እያ።ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ደገ ደገ ዘብዝሕ ምንባሩ፣በዓል ኪሮስ ኣለማዮ፡እኒ ጲጥሮስ ዝበሃሉን ካል’ኦት ክደርፉ ብምዕዛብ ሃሙን ቐልቡን ናብ’ኡ ይገብር ምንባሩ’ውን ተዘኽሮ ሕዮ’ኣኣን ከም ዘዘኽረን ይዛረባ እየን።

ን’ኣዲኡ ዘይፈቱን ዘይኽብርን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከ’ኣል እዩ።ሙሉጌታ ተኮነ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ዝተፈላያ ቤቱ፡ናፍቆት ወላዲት ኣዲኡ እምብዛ ይሕይሎ ምንባሩ ንሬድዮ ኣስመራ ሓቢሩ ምንባሩ ዓበይቲ ደቂ ኣስመራ ይዝኽሩ እዮም።

ኣብ 2014 ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ነዚ ኣስሚሩሉ እዩ።በዚ’ዩውን “ኣደይ ወላዲተይ” እትብል ደርፊ ባዕሉ ኣዳሊዩ ናብ እዝኒ ሰማዕቱ ከምዘዳለዋ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቓለ መጠይቓት ዝገልጽ ዝነበረ።

 

ኣደይ ወላዲተይ
ኣደይ ወላዲተይ ጥዕምቲ ወለላ
የዕቢያቲኒ ንዓይ ሓዚላ
ኣነስ ኣይርስዖን እቲ ቑውምነገርኪ
ኽፈድየኺ’የ ኣደይ ጻማኺ።

ድሕሪ ምባሉ

ናይ ወላዲት ጻማ ዘይፈልጥ ተሎ
ቓላት የብለይን እንታይ’የ’ሞ ክብሎ
ድካም ናይ ወላዲት ብሕልፊ ናይ ኣደ
ፍጹም ኣይርስዖን ኣብ ዝከድኩ ከይደ።

ኢሉ ዝገለጾ ሓሳብ፡ኣማን ብ’ኣማን ጻማ ናይ ወላዲት ሙሉእ ዕድሜካ ከፊልካ ዘይኽፈል፡ረዚን ሰፍ ዘይብል ዕዳ ሙኳኑ ነዛ ደርፊ እንክሰምዕ እናሻዕ እከብደኒ እዩ ዝብለካ ሰብ ምርካቡ ኣምበ ኣየጸግምን እዩ።

ዕዳ ባንኺ፡ በዚ በለ በቲ ይኽፈል እዩ።ዕዳ ሃገር ተኮነ ዝኽፈል ኮይኑ እስመዓኒ፣ዕዳ ኣደ ግና ኣመና፡ኣመና ዕጹብ ክትከፍሎ ዘይሕሰብ፡ረዚን ዝጽዕነቱ ሓሳብ ክሸመካ ተዘይኮይኑ ንክትሓሳቦ፡ከማን ጋዶ እዩ ዘብል ኮይኑ ትረክቦ ኢካ።

እዛ ደርፊ ወላዲት ኣዲኡ ክሰምዓ ከለዋ ከመይ ኮን እስመዐን ይከውን፧እስከ ንዓበይቲ ኣሕዋቱ ወይዘሮ ኪዳን ኮነ ንወይዘሮ ካሕሳ ረኪብና መልሲ ስጋብ ንረክበሉ፡/ወላዲት ኣዲኡ ኣመና ዓብየን እየን።/፡ዉዕለት ኣዲኡ ከፊሉ ዝዛዘመ ተሎ ሃየ ይንገረና ክብል እፈቱ!!

ድምጻዊ ተስፋ’ኣለም ኣረፋይነ ‘ቆርጫጭ’ ምስ ደርፍታት ሙሉጌታ በየነ ፍሉይ ጦብላሕታ ከምዘለዎ፡ክብርቲ ወላዲቱ ነብሲሔር ዘይዘሮ ተበርህ ከምዘዘኽሮ ክፈልጥ ክ’ኢለ ኣለኩ።ብፍላይ እታ “ሕይወት ጓል ኣስመራ” እትብል ደርፉ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ሚሒር ይፈትዋ ምንባሩ፡ገጀረት ንእሽተይን 05 ፊልሚ መር’ኣይን ይመስኽራ ዘብል እዩ።

ድምጻዊ ካሕሳይ በርሀ ተኮነ ብዙሕ ተዘኽሮን ኣፍልጦን  ኣብ ግዳይ ደርፍታት ሙሉጌታን ሙሉጌታ ባዕሉን ከምዘለዎ ሓቢሩኒ ኣሎ፣እሞ ኣብ ዝቕጽል ናብ ኣንበብቲ ከቅርቦ ክፍትን እየ።ንሕጂ ግና ንስድራቤት ሙሉጌታ በየነ ጽንዓት ደጊመ ይሃቦም ክብል እፈቱ!

ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ ካሕሳይ፡ኣብታ ኣብ 1984/5 ወይ ከኣ 1977 ኣቆጻጽራ ሓበሻ፡ካብ ኩናት ባረንቱ ከምልጥ ዝቐሰበቶ ካሴቱ ንገለ ናባኩም ንሕጂ ወስ ወስ ከም ወስታ ሰማይ ከብለልኩም።

ብዛዕባ ከረን ካብ ዝደረፋ ደርፊ ብቑንጫብ፡

″መበቈል ፍረታት ኣደ ሽሻይ
ኣባኺ ዚርከብ ዓርኮብኮባይ
ኣባኺ ዚርከብ ዓርኮብኮባይ።
ከረነይ ምልክዕቲ ፈራይ ዩ ቦታኺ
ንዓይኒ ደስ ዚብ ል ኣቀማምጣኺ
ለዋህ ሕያወይቲ ሓንጐፋይ ልምድኺ
ተፈታዊት ስፍራ ሰላምታይ ንዓኺ።″
 

ንምጭውቲ ከተማ ኣስመራ ካብ ኢንጂነር ኣስገዶም ወልደሚካኤል ዝተልኣከቶ ግጥሚ፡ብክፍሊ ቕድመ ምርመራ ከይትድረፍ ዝተገብረት ከኣ፡

″ኣስመራ ሓብሓቢት ኵሉ ሓላል ዓድና
ኣላይት ስድራና
ካብ ማዕዶ ናብ ማዕዶ
ለምለም ሜዳ ዓባይ ኣጉዶ
ኣስመራየ ክብል ዶ
እዚ ኵሉ ጽውጽዋይ ኰይኑ 
ጨንፈርኪ ረጊፉ ከተማና ኣስመራ።″

ንጓል ኣስመራ ከኣ፡ኣብ ወርሒ ጥሪ ብምኽኒያት ማሕበራዊ፡ባህላውን ሓይማኖታውን ጉዳያት ካብ ቤታ ክትወጽእ ባብ ዘርሕው፡ማኸ ዘለዋ ወርሒ ብምዃና ምስ ጥሪ ኣተሓሒዙ ዝደረፋ ኸኣ፡

″ሕይወት ጓል ኣስመራ″ 
መልክዕ ምስ ቁም ነገር ጠባይ ዚዓደላ 
ፍጹም ዘይትምኖ መዓር ጸባ ፍቕራ
ጥሪ ዚሃበኒ ህይወት ጓል ኣስመራ። 
ንዓኺ ኽደልይ፡ ካብ ተጓህይኒ
ካልኣይ ከይረኣኽዋ ግዜ ነዊሑኒ
ሙሉእ ኣስመራ ደሊየ ፍጹም ተሳኢና
ብታቦት ዓጂቡ፡ጥሪ ኣራኺቡና
ጥሪ ኣራኺቡና።”
ጥሪ ንኣዋልድ ሕሱም ከምዝብልዎ
ሎሚ ኣጓኒፉኒ ብ’ዓይነይ ረ’ኣኽዎ
ሓዳር ኣብቂዑኒ፡ ብዘይሓሰብክዎ
ምስ ዘይትምዎ ጓል ዓለመይ ረኣኽዎ።”

ካል’ኣይቲ ካሴት ሙሉጐታ በየነ ምስ ሞት ኣዚዩ ፍትውን ህቡብን ስነ ጥበብዊ ተኽለ ተዝፋዝጊን ምስ ዑደት ጉጅለ ሙዚቃ ሮሃ ኣብ ኤርትራን፡ ብምትእስሳር ከም ፡ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝግደሱ ዓበይቲ ወለዲ፡ሰብ ዕድመ ጸጋ የዕልሉ እዮም።

ካል’ኣይን መወዳእታ ክፋሉን ኣብ ዝቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...