በዚ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብተደጋጋሚ  ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣትን ህልቂትን ኣስተንቲነ " ውሽጣዊ ስምዒተይን ሻቕሎተይን ክገልጽ "ዓመት መጽአ ልቕሶ!" ብዝብል ኣርእስቲ ክጽሕፍ ብርዐይ ኣልዒለስ፡ ነታ ኣርእስቲ ጽሒፈ፡ ዝርዝር ከየስዓብኩ፡ ዓመት ምሉእ ንነብዕ ብምህላውና ኣርእስቲ ከምእተጋገኹ  ተረዲኡኒ፡ ነርእስቲ ጽሑፈይ ኣብ ክንዲ "ዓመት መጽአ ልቕሶ - ዓመት ምሉእ ልቕሶ!" ክብል ቀይረዮ።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡  እዞም ትማሊ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘርኣናዮ ጀግንነትን ጽንዓትን  እንሕበን  ኤርትራውያን፡  ሎሚ  ብሰንክ'ዚ ምልካዊ ስርዓት ወሪዱና ዘሎ ዘስካሕክሕ ጭኮናን ዓፈናን " ወቕቲ መጽአ ዘይኮነስ፡ ዓመት መጽአ!" ከነልቅስ ዓመታት ኮይኑና ኣሎ።

ካብ ዝናብ ጠያይት አሕዋቶም  ዘምለጡ፡ ሃገሮም ዝተፍኣቶም መንእሰያትና፡  ሸፋቱ ራሻይዳን በደዌንን ናብ ዝነገስሉ ኣጻምእን ሲናይን ፡ ጸረ መስቀል ናብ ዝወሳወስሉ በረኻታት ሰሃራን ነፊጾም ምስ ሞት ክፋጠጡ ተዓዚምና ንርኢ ኣሎና።  ኣብቲ ፈለማ ሰብነቶ ተጎይሑ ኮላሊቶም ይዝመት ምህላዉ ምስተነግረና ክሳብ ምልክታት ኣካላቶም ርኢና እንኣምን "ፈጠራ!" እዩ ኢልና ነጺግናዮ። ብመትኮሳ ሓዊ ዝተለብለቡን ብነዳዲ ፕላስቲክ ዝተሞሽሎቑን ውጻእ መዓት፡  እቲ ፍጻመ ሓቂ ምዃኑ ምስ መስከሩልና ግን "ጉድ ኢልና አእዊና!"። ኪኖ ኣውያት ሓሊፍና ግን ዝገበርናዮ ኣይነበረን።

ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡  ሸፋቱ በደዌን" ኣሻሓት ዶላር እንተዘይከፊልኩም፡ ውላድኩም ክንጉይሖ ኢና።" እናበሉ ኣውያትን ቃንዛን አሕዋትናን ደቅናን እናስምዑ፡ ኣማኢት ኣሻሓት ዶላር ሓሊቦሙና። ሕሉፍ ሓሊፋ ዶላረ-ደምን ኩሊትን መንእሰያትና፡ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ከይተረፈ፡ ኣብ ሕሳብ ሸፋቱን ከተርትን  ከፊልና። እቲ ነገር ምስ በዝሐ ነቲ ክትጸውየሉ ዘሕንኽ፡ ከተዘንትዎ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ለሚድናዮ፡ ልብና እናልቀሰ ከም ተራ ነገር ክንዛረበሉ ጀሚርና። እቲ ኣብ ባንክታቱ ዶላረ-ደም ዝቕበል መንግስትና ጠንቂ ስደት መንእሰያትና ምዕራብ ኣመሪካን ምዃኖም ምስ ነገረና፡  ሓበላና ክንክውል ከይቀድሙና "ሓባላት!" ኢልናዮም።

ጠንቂ ጥፍኣትና ቤትና ስለዝኾነ ግን ስደትናን ሞትናን ኣየዕረፈን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ስደት፡ ካብ ሰሜን ንደቡብ ከም ዝሳግማን ዝምለሳን እንሳሳ መሮር ምድረ-ሳዕሪ፡ መንእሰያትና፡ ኣብ ጉዕዞ ሰሃራን ባሕርን ሞባአ-ዕሽር ዘይኮነ  ብጅምላን በማኢትን ይጠፍኡ ኣለው።

 ባሕሪ ላምፓዱሳ 360 ትንፋስ አሕዋትና ምስ ቀዘፈ፣ ደድሕሪ አዒንቲ ዓለም ነቢዕና። ንዓና ግን ሞትን ልቕሶን ኣርዚዙናን ኣደንዚዙናን እዩ። ማዕከናት ዜና ዓለም "360 ሰባት ኣብ ሓደ ህሞት!" ኪብላ እንከለዋ፡ ቅድሚኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣብ ሓደ ወጋሕታ ስለዘጥፋእና ንዓለም እምበር ንዓናስ ኣይሓደሰናን። ንሽዑ ዋጭ-ዋጭ ኢልና ኣልቂስና ነቢዕና - ኣብ ዓመቱ ግን ብኻልእ ሞትን ጥፍኣትን ተደቢስና።

ሕጂ ኸኣ ምድረ ሰሃራ ካልእ ጉድ ካልእ ጥፍኣት ተርእየና ኣላ። መንእሰያት  ኣመንቲ መስቀል ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክሳውዶም ብስሕለት ክቑረጹ፡ ኣራእሶም ብጥይት ክብተን ብህያዉ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ርኢና። " ምጾታት!" ንብል ኣሎና። ኣኻእሎም ጽንዓትን ነቶም ነዚ ስቓይ እዚ ዝወረዶም ስድራ-ቤታትን ነቲ ዘሕዝን ቅዝፈት ዝረኣዩ አሕዋትን ይሃብ።

እዚ ጉድ እዚ ኣብ ርእስና እንከሎ፡ ማዕከናት ዜና ዓለም ትማሊ ሰንበት 850 ትንፋስ ዝሓዘት ጃልባ ጥሒላ ምጥፍኣ ኣርዲአናና።   ሄሊኮፕተራን መራክብን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከም ገለ ውጻእ መዓት እንተረኸባ ከናድያ ኮለል ክብላ ኣብ መስኮት ተለቪዥን ክርንእየን ሳልትና አሕሊፍና።

ኣብ መወዳእትኡ፡ ወሃቢ ቃል ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣድርያን ኤድዋርድስ፡ ካብቶም ብሓባር ዝጠሓሉ 850 ሰባ፡ እቶም 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ካብ ጀኔቫ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣርዲኡና ኣርሚሙና ተዓዚምና ኣሎና።

ጥፍኣት ላምፓዱሳ ምስተነግረ፡ ብዘይካ እቲ " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት!" ዝበሎም ጉጅለ ምልኪ ህዝቢ ዓለምን ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ዜጋታት ኤርትራን ነቢዕና ተፋኒናዮም። ሃገረ ጥልያን ባንዴራኣ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ሰቒላ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጃ ጳጳስ ቫቲካን ብመልእኽቲ ጽንዓት መሳጊድን ኣብያተክርስትያናትን ብዱዓን ጸሎትን ተሰናቢትናዮም። ርእሰ-ብሄርና ግን፡ ነቲ መሪር ናይ ሓዘን ሳምንቲ ቃል ከየተንፈሰ አሕሊፉዎስ፡ ጸኒሑ ኣብ ቃለ መጠይቓቱ ንኣመሪካን ምዕራብን ምሕማይ ቀጺሉ።

ናይ ትማል በሰላ ከይሓወየ፡ ናይ ትማል ልቕሶ ከይጸሓየ፡ ሕጂ ካልእ መርድእን ሞትን ንሰምዕ ኣሎና። ጥፍኣትናን ህልቂትናን ናይ ወቕትን እዋንን ስለዘይኮነ ከኣ እየ፡ ኣብ ክንዲ ዓመት መጽአ ልቕሶ፡ ምሉእ ዓመት ልቕሶ ክብል ዝደረኸኒ።

እታ ኣብ 1912 ምስ ከውሒ ተጋጭያ ዝጠሓለት፡ ዓቢ ፊልም ዝተሰርሓላ መርከብ ታይታኒክ ኣስታት 1200 ሰባት እያ ኣጥፊኣ። በቲ ህልቂት ዝሰምበደ ህዝቢ ዓለም  ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይዝክራን በቲ ፍጻሜ  የስካሕክሕን ኣሎ። ንሕና ግን ዓመት መጽአ ኣሻሓት ሰባት እናጥፋእና ነዚ ህልቂት ከም ዕጫናን ከም ንቡርን ወሲድናዮስ፡ ህልቂትን ጥፍኣትን እናክንሰምዕ፡ " ሎሚ ከኣ መርከብ  እምበር ጥሒላ፡ ገያሾ ስደት እምበር ተጨውዮም፣ ኣብ ሰሃራ እምበር ብጽምኢ ማይ ሃሊቖም ኢሎሞ!" እናበልና ከም ሕማቕ ትዕድልትና ንጸውየሉ ኣሎና።

እዚ ህልቂት እዚ ዘብቅዕ ጉዕዞ ስደት ጠጠው ምስ ዝብል እዩ። እዚ ዛንታ ጥፍኣት ዝጠፍእ ጉዕዞ ፍልሰት ምስ ዘኸትም እዩ። ስደትን ፍልሰትን ዘብቅዕ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያትን ጠንቅን ምስ ዝእለ እዩ። እቲ ጠንቅን ምኽንያትን ከኣ እቲ ካብ ቤትናን ንብረትናን ዘንፍጸና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እዩ። መላኽን ሓበላ ዓይኑ ክኸውሉ ህርድግ ዝብሉ ልኡኻትን፡ ምኽንያት ስደት ዜጋታትና "ቁጠባን ድኽነትን!" እምበር ፖለቲካን ምሕደራን ኣይኮነን ብምባል ኣጻብዕቶም ናብ ኣመሪካን ምዕራብን ከቕንዑ እኳ እንተፈተኑ፡ ጠንቂ ኩሉ ዓፈናን ጭኮናን፡ ሕሰምን ድኽነትን፡ ግህሰትን ፍልሰትን እዚ ህዝቢ ከጽንት ዝዓጠቐ መላኺ ስርዓት እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኩሉ ዓቕምታትና አሕቢርና እንተዘየተቓሊስናዮ፡ ዓመት መጽአ ዘይኮነ ምሉእ ዓመት ከነልቅስ ክንነብር ኢና። ከምቲ ጸርፊ እሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ ከብቲ ግን ወሲዶመን እዮም ዝበሃል፣ ዘረባን ምኽርን ኣይወሓደን፡፡ ውሑድ ኣይተጻሕፈን ውሑድ ኣይተዘርበን፡ እቲ ተሳኢኑ ዘሎ ግብርን ስራሕን እዩ'ሞ ምላሽ ጥፍኣትና ብግብራዊ ስራሕ ኣሰኒና፡ “እምቢ ንምልክን መላክን ብምባል ብሓባር ንበገስ፡ ብሓባ ንንቀሳቐስ !