ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ሕይወት ወዲ ሰብ ዝኮነ ፍጻሜ ዝሓለፈ ብሓደ መዐየርን መረጼንን ተርራእዩን ተወሲዱን ኣይፈልጥን እዩ።ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ወዲ ሰብ ንባዕሉ ኣብ ኽልተ ኣውራ ሓሳባት ኮይኑ ተንጠልጢሉ ወትሩ ኣብ ቐጽሪ ኣከራካሪ ሰልሚ ኮይኑ ይነብር ኣሎ።ሚእቲ ዓመት ዝገበረ ቐዳማይ ኩናት ዓለም ኮነ ካል’ኣይ ኩናት ዓለም ኸኣ ካብ ስሙ ኣትሒዙ ጸግዕን ምምዝባዕን ሓዚሉ ይቕጽል ኣሎ።ዝተወሰና ሃገራት ዝተሳተፋሉ ኩናት፡ኩናት ዓለም ምባሉ ከይተረፈ ብዙሑ እዩ ዘዛርብ ዘሎ።

ኢየሱስ ሞይቱ ተንሲኡ ዲዩ ኣይተንሠኣን ዝጠራጠሩ እልቢ ዘይብሎም ኣለዉ።ሞይቱ እዩ ኣይተንሠኣን ዝብሉ ኸኣ ኣይሁዳውያን ከማን እዚ ኩሉ ምዕቡላትን ሑሩያትን እናተብሃሉ ሓንጊዶሙሉ  ኣለዉ።”ተር ከም ዓተር” ከምዝበሃል ወለዶታት ኣይሁድ ነዚ ሓሳብ ሪዒሞም ይቕጽሉ ኣለዉ።ነጋሽ ዝበሃል ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስታይን መእመን ፡ሃይማኖት እስልምና ተቀቢሉ ዝብል ታሪኽ እስላማዊ ዓለም የዘንቱ እዩ።ነዚ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስታይን ኣይትቕበሎን እያ።

ሊቀ ሊቃውንቲ ያረድ ካሳ፡ ኣብዚ ጉዳይ ክዛረቡ ከለዉ፡”ቤተ ክርስትያን እወንታውን ኣሉታውን ታሪኻ ክትጽሕፍ ኣይትስከፍ እያ፣ ከምዚ ዝበለ ንጉስ ቤተ ክርስትያን ኣስሊሙ ኢላ ታሪኽ ክትስነድ ኣይትሽገርን እያ፣ ኣይትሽበርን’ውን እያ።ግና ስጋብ ሕጂ ዝተጽሓፈ የልቦን።ንፈልጦ’ውን የለን።” ይብሉ እዮም።ብ’ኣንጻሩ ኸኣ፡ነጋሽ ሃይማኖቱ ዝቀየረ ሓደ ንጉስ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ።ነጋሽ ንጉስ ተነይሩ፣ከም ሕግን ስነ ስርዓትን እታ ቤተ ክርስትያን እያ ነቲ ንጉስ ትቐብ’ኦን ኣፍልጦን ትህቦ ነይራ ዝብል ክርክር ኣሎ እዩ ብምሑራት ቤተ ክርስትያን።

እዚ ብዛዕባ ምዝንባዕን ኣከራካሪ ባህሪን ታሪኽ ኣድሂብና ኣብ ዝገበርናዮ መሕተት፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ሕዝቢ ትክውሎ ጉዳያት ኣለዋ ድዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ዝሃብዎ ምላሽ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ኩናት ዓድዋ ተኮነ ብዙሕ ዘካትዕ ነገራት ኣለዉ እዮም። ከም ማንም ታሪኻዊ ፍጻሜ ዘጓንፎ።እዚ ኸኣ ኣቲ ኩናት ልሉይ ተራ ዝነብሮ መን እዩ፧ ስም መን ይጎልሕ ኣሎ፧ ናይ መን ስም ከ ከይለዓል ይግበር ኣሎ። ኣብቲ ኹናት ተሓቢኡ ዘሕፍለፎ መራሒ ከም ሓደ ዕሉል ጅግናን ቕቡእን ዝዝረበሉ ከ መን እዩ፧ሓቂ ዲዩ ከ፧ ግደ ኤርትራውያን ከመይ ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ።ዓሳኽር ጥልያን ኤርትራውያን ጥራሕ ዲዮም ነይሮም ኢሎም ዝሓቱ ኣለዉ።ብዙሕ ሕቶታት ብ’ኣጝባቡ ዘይተመለሱ ኣለዉ እዮም።

ሓደ ሙሑርን ደራስን ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ “ዓወት ኩናት ዓድዋ እገለ ዝተብሃሉ ሕዝቢ ብምስታፎም እዩ ክዕወት ክ’ኢሉ ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ ኣለኩ።” ኢሉ ተቖጢዑ ክዛረብ ተዓዚበ ኣለኩ።ታሪኽ ንዝተፈላለየ ምኽኒያት ይመዛባዕ እዩ።ብፍላይ ኸኣ ኣብ ከምዚ ናትና ድሑር ሕብረተሰብ ሰነድን ማህደራትን ናይ ምሓዝ ባህሊ ኣብ ዘይብልና ኣዚዩ ክመዛባዕ ንቡር እዩ።

ብተወሳኺ፡ “ኣብዝሓ ብ’ኣፈ ታሪኽ ስለዝመሓላለፍ ታሪኻትና፡ ኣብ መስርሕ ግዜ ምርሳዕ ናይ ባዕሉ ጸገም ከምዘለዎ፣ንፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝግበር ምጥምዛዝ ኮነ ብተዓዋታን ተስዓርን ዝዝንተው ታሪኻት ኣፈላላይ ክህልዎ ግደን እዩ።” ዶክተር ዮሃንስ ካብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ክርዳእ ክ’ኢለ እየ።

“ታሪኽ፡ ናይ ግዜን ቦታን ናይቲ ተዋሳኢ ታሪኽን ምውህሃድ እዩ።” ክብል ሙሑር ዓውዲ ስነ ፍልጠት ታሪኽ ዝኮነ ፍስሃ ይዛረብ እዩ።በዚ ኸኣ፡እቲ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ቦታ ብልኽዕ ምንጻር፣ግዜ ዝተፈጸመሉ ምጽጻይ፣ ኮነ ኣብቲ ዝተፈጸመ ታሪኽ ዝተሳተፉ ኣካላት ብንጹር ኣገባብ ክሰፍርን ክትረክን ተዘይተገይሩ ኣብ ቐጻሊ ጎንጺ ናይ ሓሳብን ኣተራርካን ክህሉ ዝነበረን ዘሎን እዩ ይብል።

ምስ ጉዳይ ኩናት ዓድዋን ምስ ኩናት ዓውዳ ተኮልኪሉ ዝመጽእ ታሪኻት ንሓደ ዘመን ዝከውን ከዛርብ ጸኒሑ እዩ፣ገና’ውን ከዛርብን ከከትዕን እዩ።ኣብዚ እቲ ጉዳይ ነዊሕን ሰፊሕን ስለዚኮነ፡ኣብ ሰለስተ ነገራት ተሓጸረ ንግዜ ይምረጽ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።

ንሳተን ከኣ፡ ኩናት ዓድዋን ዕስኽርናን ኤርትራውያን ሓደ ክኸውን ከሎ፡እቶም ዓሻክር ኤርትራውያን ሓንቲ ኢዶም ወ ሓንቲ እግሮም ክቑረጹ ዝገበሩ መን እዮ ወይ መን እዮም ዝብል ኣካትዒ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዝቐነየ ክትዓት ክንዕዘብ ቐኒና ኢና።ንምንታይ ከ ነቶም ጣልያናውያን ከም’ኡ ዓይነት ስጉምቲ ዘይተወሰደሎም ዝብሉ ነቐፍትን ወሃብቲ ርእይቶን ተኮነ ኣለዉ።

እቲ ካል’ኣይ ነጥቢ ኸኣ፡ ጉዳይ ኣብራሃ ደቦጭ ወ መጎስ ኣስገዶም እዩ።እዞም ሰባት ጅግንነት ፈጺሞም ዝብል እምንቶ ኣብ ብዙሓት እዩ።ግና ብስሞም ኣብ ኣሥመራ ኣብ ትኽ ዝበለ መንገዲ ቤት ትምህርቲ ቐይሕ ባሕሪ ናይ ሎሚ ‘ቀሃዝ’ ዝነበረ፡ በቲ መንበሪ ገዛ እንዳ ኣልኣሚን ገረወኛ ሒዙ ምስ ቤት ትምህቲ ቀሃዝ ጎና ጎኒ ስጋብ እቲ ናይ ትራፊክ-መብራህቲ ካምፖፖሎ ዝወስድ ዝነበረ፡’ጎደና ኣብራሃ ደቦጭ መጎስ ኣስገዶም’ ክለግስ ተገይሩ እዩ።እዚ ንምንታይ ተገይሩ ብዕሊ መልሲ ዝህበሉ ብባህሪ ዘሎ መንግስቲ ኣጸጋሚ ይገብሮ እዩ።

ኣብ ሰነዳት ህግደፍ ተባዓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ተባህሉ ሰፊሩ ከምዘሎ ደራስን ጸሓፊ ታርኽን ዘምሕረት ዮሓንስ ኣብ ዝተፈላለየ እውናት ንጅግነነት ሞጎስ ኣስገዶምን ኣብራሃ ደቦጭን  ኮነ ዘር’ኣይ ደርስ ገሊጹ እዩ።በቲ ሓደ ብስሞም ዝነበር ጎደና እናልገስካ በቲ ሓደ ከኣ ተባዓት ጀጋኑ ይበሃሉ ምህላዎም ይገምርካ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ጉዳይ ኸኣ፡ ናይ ዘር’ኣይ ደረስ እዩ።ዘር’ኣይ ደርስ ኣብ ዓሰብ ሓንቲ ሆቴል ብስሙ ትጽዋዕ ኣላ። ኣብ ግዜ ኃይላሥላሴን ደርግን ግና ብዙሓት ትካላት፡ ቀበሌታት፡ኣብያተ ትምህርቲ ብስሙ ነይረን እየን።ሓወልቲ ዘር’ኣይ ደረስ ኣብ ዓዱን ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣሥመራን ነይሩ እዩ።እቲ ናይ ከተማ ኣሥመራ ዝነበረ ከምቲ ሓወልታት ኢተጌመነን ካል’ኦት ሓወልታት ክፈርሳ ከለዋ፡ ኣብ 1996 ክፈርስ ተገይሩ እዩ።

ን’ኣብነትኳ፡ ቀበሌ ዘር’ኣይ ደረስ ኣብ ጥቃ ቤት መንግስትን ገለ ክፋል ኪዳነ ምሕረትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ‘ፍቾላቦሮ’ ከባቢ ዘጠቃልል ነይሩ።ምዕረፍ ኣጋይሽ ዘር’ኣይ ደርስ ኣብ ጥቃ ቤት ንባብ ብርትሽ ነይራ እያ።እታ ሓወልቲ’ውን ኣብ ፊት ፖስት ኦፊስ ከምዝነበርት ዝዝከር እዩ።እዚ ኩሉ ፈራሪሱ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ታሪኽ ዘር’ኣይ ደረስ ጽንጽዋይ ከም ዝኮነ ደራስን ጸሓፍን ኣቶ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ‘ሃንቺባኽ’፡ ኣቦይ ገርዝጊሄር /ኣቦ ሜጀር ጀነራል ኣስመሮም ገዝጊሄር/ ‘ሓው ብጭር፡ ኣብ 1990 ኣብ መጋሪያ ዕላል ከምዘዕለልዎም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዛራ-ጥበብ ኣንቢብንና ኢና።እዚ ሓቒ ክከውን ይክእል ወይ’ውን ጌጋ ክከውን ተኽእሎ እለዎ እዩ።ዋላ እኳ ንሶም ብ’ኣካል ንዘር’ኣይ ደርስ ከምዝፈክጥዎ እቲ ሓበሬታ ተገለጹ ሚእቲ ብሚእቲ ምስኽሮም ሓቂ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እዚዩ፡ እዚዩ ከቢድ ጉዳይ እዩ።

ኣቦይ ገረዝጊሄር ንምንታይ ከም’ኡ ተዛሪቦም ባዕሎም ጥራሕ ዝፈልጥዎ እዩ።ብሕይወት ተሃሊዮም ብምርመራዊ ሕቶታት ክትበጽሖ ትኽእል ነጥብታት ምሃለወ ነይሩ።እዚ ክግበር ዕድል ኣይተረኽበን፣ካልእ ነዚ ዘራጉድ ከኣ ኣየጋጠመን ኣሎ።ነዚ ዝቋወም ሓሳብ ግና ብርኽት ዝበሉ ኣይትስእንን ኢካ።ዋላ’ኳ ንሓቂ ኮነ ንሓሶት ኣብ ብዝብሒ ምስኽርነት ጥራሕ ዝምርኾስ’ዩ ዝብል እምንቶ ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይን ተመሳሳልን ብዙሕ ተምኽሮ ከም ምህላዉ መጠን ኣብ ጽፈትን ቕርዑይን ዝተሰረተ ኣዚዩ ተመራጺ ይከውን እዩ።

እዝን ወድዝን ብቐጻሊ ብቑርዑይ ምርምርን መጽናዕትን፡ ናብ ሓደ መልኽዕን ደረጃን ሓባራዊ ምርድዳእ ከምጽእ ከምዝእክል ርዱእ እዩ።

ኣብቲ ዘር’ኣይ ደርስ ፈጺምዎ ዝብል ታሪኽ ስርዓት ኃይለሥላሴ ከም ዝኮነ ስርዓትን መንግስትን ኣብ ታሪኽ ምኹሕሓል ገይሮም ይኮኑ እዮም።ንፖለቲካዊ መዓላን መክሰብን ክጥቐሙሉ ንቡር’ዩ፣ኣብ’ኦም ዝተጀመረ ዕማም ምኹሕሓልን ፖለቲካዊ ረብሓ ምጉንጻፍ ካብ ዘይተጀመረ ማለት ከኣ ከም’ኡ ምግባሮም ንቡር መስርሕ ዕዮ መንግስታት እዩ።

ዘር’ኣይ ደረስ ኣብ ዝሞተሉ፡ ኣብ ኣባሻውል ኣብ ዝተገበረ ሓዘን፡ ብ’ኣካል ዝተረኽቡ ገና ገሊኦም ብሕይወት ዘለዉ ኣለዉ እዮም፣እቲ ርእይቶ ብኽልተ ሸነኻት ዝውሕዝ እዩ ዘሎ።

ዘር’ኣይ ደረስ ቋንቋ ጥልያን ዝመሃሮም ራእሲ መንገሻ ስዩም’ውን ብሕይወቶም ኣለዉ እዮም።ንሶም ኣብታ ከተማ ሮማ ነይሮም ኣብቲ ግዜ እቲ፣ኣብቲ ግዜ እቶም ተራ ወትሃደራት ጥልያን እንታይ ኢሎም ይዛረቡ ነይሮም ምስኽርነቶም ክህብሉ እዮም።

ካል’ኦት ሙሑራት ከ እንታይ ይብሉ፧ ክንጽበዮም ኢና ንዝህቡና ሙሑራዊ ትንተናን መረዳእታን ዝብል እምንቶ ኣለኒ።ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ሙሑራትን መረዳእታት ይእክቡ ከምዘለዉ ገለ ገለ ሙሑራት ክዛረቡ ሰሚዔ ኣለኩ፣ግና ንሕና እናተዛተናሉ ኢሂን ምሂን እናተብሃሃልና ምጽንሑ ረብሓን ጥቕምን እምበር መግዳእቲ የብሉን እዩ።

ዘምሕረት ዮሓንስ ከኣ፡ ኣብቲ ዝተመራመሮ ጽሑፍ እንታይ ኢሉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ሓቢርና ክንርእዮ ኢና።እስከ ኣብ መጽሓፍ “መኸተ ኣንጻር ኢጣሊያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ” ብዘምሕረት እተጽሓፈት ሰፊሩ ካብዘሎ ገለ ንር’ኣይ።ስጋብ ኣብ ጉዳይ ዘር’ኣይ ደርስ ዘስፈሮ ንርእዮ።

“ታሪኽ ምርዳእ፡ምትርጓም ናይ ሓደ እዋን ዕማም ጥራሕ እይኮነን፣ንነፍሲ-ወኸፍ ወለዶ ከም ብሓድሽ ዝብድህ ዕማም ስለዝኾነ፡ “መወዳእታ ዘይብሉ” መስርሕ’ዩ።ንታሪኽ ምትራኽ፡ጭብጥታትን ፍጻሜታትን ብልክዕ ምዝርዛር፡ኣድላዩ’ዃ እንተኾነ፡ኣኻሊ ኣይኮነን።

ኪኖኡ ንታሪኽ ምትርጓምን ምግንዛብን ስለዝዓዝዝ ከኣ፡ከምቲ ሪቻርድ ግሪን ፊልድ፡ “…ታሪኽ ንዝሓለፈ ብልክዕ ምቕራብን ምትርጓምን ጥራሕ ኣይኮነትን፣ንታሪኽ ምግንዛባ ቀጻሊ መስርሕ’ዩ” ዝበሎ’ዩ።

ንዓና ኤርትራውያን ካኣ እዚ “ቀጻሊ መስርሕ’ዚ” ስጉሚ-ብስጉሚ ክንከዶ ይጽበየና ኣሎ።”… ኢሉ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣብዚ ጉዳይ እውን ማይ ዘይሓለፎ መልእኽቲ ኮይኑ ንረኽቦ ኢና።

ታሪኻት ካብ መሰረታት ስድራቤት ጀሚሩ ስጋብ ብደርጃ ሃገር ከምዝመዛባዕ ድርሳናት ታሪኽ ይሕብሩ እዮም።መንግስታት ክብሮም ሓፍ ንምባልን መንፈስ ሃገራውነት ክብ ንምባል ሓሊኖም፡ታሪኽ ከፊሎም ከምዘጽሕፉ ይፈልጥ እዩ።ኣብያተ ትምህርቲ ንመንግስቲ ሓፍ ዘብልን ንመንነትን ሃገራውነትን ስምዒት ሓፍ ሓፍ ዘብሉ ታሪኻት ከፊሎም ኣጽሑፎም፣ኣብ ምስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝ’ኣቱ ከምዝገብሩ ኣብዝሓለፉ ዘመናት ዝተገብሩ ዕዮታት ዝተፈላለዩ መንግስታት ዝምስኽሮ ግብራዊ ዝተኾለዐ ሓቂ እዩ።

ታሪኽ ወዲ ሰብ ስጋብ ዘሎ ናብ ጥቅሙን ረብሑን እናተመዛብዐ ክቕጽል ምዃኑ ብዙሓት ሙሑራት ትዕዝብቶምን ትንታነ’ኦምን ይገልጹ እዮም።

ስርዓተ ንግዲ ባሪያን ዓሌታዊ ኣፈላላይ ጻዕዳን ጸሊምን ዝብል ዝነበረ ጎንጽን ምሉእ ብሙሉእ ገና ዘይተቀረፈ ዘሎ። እቶም ጸዓዱ ንሕና ኢና ሓሲብና ደው ክብል ገይርናዮ ክብሉ ከለዉ።እቶም ጸለምቲ ከኣ ብቓልስናን ብዉጽ’ኢት ተጋድሎናን ዝተጓናጸፍናዮ እዩ ዝብል ሞጎተ ስጋብ ሎሚ ኣሎ እዩ።ነዚ ፕሮፌሰር ሃይለ ገሪማ ደጋጊሞም ዘልዕልዎን ክንደይ ዝሰርሕሉ ምዃኖም፡ ኣብ ዝገብርዎ ቓለመጠይቃት ክንግዘብ ንክእል ኢና።

ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...